ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 7

“ቃላት ጥበበኛታት ስማዕ”

“ቃላት ጥበበኛታት ስማዕ”

“እዝንኻ ኣድንን እሞ ቓላት ጥበበኛታት ስማዕ።”—ምሳ. 22:17

መዝሙር 123 ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብተኣማንነት ንገዛእ

መላለዪ *

1. ምኽሪ ብምንታይ እተፈላለየ መዳያት እዩ ኺመጽእ ዚኽእል፧ ኵላትና ምኽሪ ዜድልየናኸ ስለምንታይ ኢና፧

ኵላትና ሓሓሊፉ ምኽሪ የድልየና እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ንሓደ እነኽብሮ ሰብ ምኽሪ ንሓትቶ ንኸውን። ኣብ ገሊኡ መዳያት ግና፡ ሓደ ዘተሓሳሰቦ ሓው መጺኡ ‘ኸይንስሕት’ ወይ ዜጣዕሰና ነገር ከይንገብር ይዛረበና ይኸውን። (ገላ. 6:1) ብዘይካዚ፡ ጌጋ ድሕሪ ምግባርና፡ ብመልክዕ መአረምታ፡ ምኽሪ ይውሃበና ይኸውን። እንተ በዚ እንተ በቲ፡ ምኽሪ ኽንሰምዕ ኣሎና። ከምኡ ምግባር፡ ንዓና ጽቡቕ እዩ፡ ንህይወትና እውን ኬድሕና ይኽእል እዩ!—ምሳ. 6:23

2. ብመሰረት ምሳሌ 12:15፡ ምኽሪ ኽንሰምዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

2 እዛ ፍረ ነገር ክትከውን እተሓርየት ጥቕስና፡ “ቃላት ጥበበኛታት ስማዕ” ኢላ ተተባብዓና። (ምሳ. 22:17) ኵሉ ዚፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ የልቦን፣ ካባና ንላዕሊ ፍልጠት ወይ ተመክሮ ዘለዎ መሸም ብርግጽ ኣሎ። (ምሳሌ 12:15 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ምኽሪ ምስማዕ፡ ምልክት ትሕትና እዩ። ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ኸም እንፈልጥ እዩ ዜርኢ፣ ሸቶታትና ንምውቃዕ ከኣ ሓገዝ ዜድልየና ምዃኑ ኸም እንግንዘብ እዩ ዜርኢ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ብብዙሓት ኣማኸርቲ . . . ዕማም ይዕመም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—ምሳ. 15:22

ካብዚ ኽልተ ዓይነት ምኽሪ ኣየናይ እዩ ንምቕባሉ ዚኸብደካ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 3-4 ርአ)

3. ብምንታይ መገድታት እዩ ምኽሪ ኺውሃበና ዚኽእል፧

3 ዚውሃበና ምኽሪ፡ ዘይቀጥታዊ ወይ ቀጥታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዘይቀጥታዊ ምኽሪ ኽንብል ከለና እንታይ ማለትና ኢና፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ሓደ ኻብ ጽሑፋትና እነንብቦ ነገር ብዛዕባ እንኸዶ ዘለና መገዲ ደው ኢልና ኽንሓስብ እሞ መገድና ኸነዐሪ ይድርኸና ይኸውን። (እብ. 4:12) እዚ ዘይቀጥታዊ ምኽሪ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ቀጥታዊ ምኽሪ ኽንብል ከለናኸ እንታይ ማለትና ኢና፧ ሓደ ሽማግለ ወይ ካልእ ብቑዕ ሓው፡ ሓደ ኽንዓይየሉ ዚግባእ ነገር ይሕብረና ይኸውን። እዚ ድማ ቀጥታዊ ምኽሪ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ሓደ ሰብ ብፍቕሪ ተለዓዒሉ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ኽሳዕ ምሃብ እንተ በጺሑ፡ ነቲ ዚብሎ ብምስማዕን ኣብ ልብና ብምሕዳርን ሞሳና ኸነርኢ ኣሎና።

4. ብመሰረት መክብብ 7:9፡ ምኽሪ ኺውሃበና ኸሎ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘይብልና፧

4 ምናዳ ቐጥታዊ ምኽሪ ምቕባል ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ምናልባት እውን ቅር ይብለና ይኸውን። ስለምንታይ፧ ዘይፍጹማት ምዃንና ብቐሊሉ እንእመን እኳ እንተ ዀንና፡ ሓደ ሰብ ጕድለትና ኣነጺሩ ኺሕብረና ኸሎ ግና፡ ምኽሪ ምቕባል ኪኸብደና ይኽእል እዩ። (መክብብ 7:9 ኣንብብ።) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መመኽነይታ ንህብ ንኸውን። ንውሽጣዊ ድራኸ እቲ መኻሪ ኣብ ሕቶ ነእትዎ ንኸውን፡ ወይ ብኣመኻኽራኡ ቕር ይብለና ይኸውን። ምናልባት እውን፡ ‘ንሱ ንዓይ ዚመክርሲ መን እዩ፧ ንሱ ንባዕሉ ጕድለታት ኣለዎ!’ ኢልና ብምሕሳብ፡ ነቲ መኻሪ ጕድለት ንረኽበሉ ንኸውን። ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ ምኽሪ እንተ ዘይጥዒሙና፡ ዕሽሽ ንብሎ ወይ ንሕና እንፈትዎ ምኽሪ ንደሊ ንኸውን።

5. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

5 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሶም ዚርከቡ ምኽሪ ዘይተቐበሉ ሰባትን ምኽሪ እተቐበሉ ሰባትን ክንርኢ ኢና። ምኽሪ ኽንቅበልን ካብኡ ኽንጥቀምን ዚሕግዘና እንታይ ምዃኑ እውን ክንርኢ ኢና።

ምኽሪ ኣይተቐበሉን

6. ካብቲ ንጉስ ሮብዓም ንእተዋህቦ ምኽሪ ዝሓረየሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

6ሮብዓም እንታይ ከም ዝገበረ እስከ ንርአ። ንጉስ እስራኤል ምስ ኰነ፡ ተገዛእቱ ናብኡ ቐሪቦም ሕቶኦም ኣቕረቡሉ። ጾር ኣቦኡ ሰሎሞን ኬፍኵሰሎም ሓተትዎ። ሮብዓም ከኣ ነቶም ህዝቢ እንታይ ኢሉ ኸም ዚምልሰሎም ንምፍላጥ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ተማኸረ። እቶም ዓበይቲ ድማ፡ ነቶም ህዝቢ ኸምቲ ዝሓተትዎ እንተ ገይሩሎም፡ ንሓዋሩ ኸም ዚድግፍዎ ገለጹሉ። (1 ነገ. 12:3-7) ኰይኑ ግና፡ ሮብዓም በቲ ምኽሮም ኣይዓገበን ኪኸውን ኣለዎ፣ ስለምንታይሲ፡ ድሕርዚ ነቶም ምስኡ ዝዓበዩ ሰባት እውን ምኽሪ ሓቲትዎም እዩ። እቶም ሰባት እቲኦም፡ ኣብ 40ታት ዕድሚኦም ዝነበሩ ኪዀኑ ኣለዎም፣ ስለዚ፡ ኣብ ህይወት እተወሰነ ተመክሮ ነይርዎም እዩ። (2 ዜና 12:13) ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ግና፡ ንሮብዓም ሕማቕ ምኽሪ እዮም ሂቦምዎ። ነቶም ህዝቢ ጾር ኪውስኸሎም እዮም መኺሮምዎ። (1 ነገ. 12:8-11) ሮብዓም ክልተ በበይኑ ኣረኣእያ ምስ ኣጋጠሞ፡ ናብ የሆዋ ብጸሎት ኪቐርብን ነየናይ ምኽሪ ኸም ዚስዕብ ኪሓትቶን ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ነቲ ዝሰሓቦ ምኽሪ ኺስዕብ እዩ መሪጹ፣ ነቲ ብዕድመ ዝነኣሱ ዝሃብዎ ምኽሪ እዩ ሰሚዑ። እዚ ኸኣ ንሮብዓምን ንህዝቢ እስራኤልን ኣመና ሕማቕ ሳዕቤን እዩ ኣስዒቡ። ንሕና እውን እቲ ዚውሃበና ምኽሪ፡ ከምቲ ኽንሰምዖ እንደሊ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ እንተ ዀይኑ ግና፡ ክንቅበሎ ኣሎና።

7. ካብ ንጉስ ዑዝያ እንታይ ንምሃር፧

7ንጉስ ዑዝያ እውን ምኽሪ ምቕባል ኣብዩ እዩ። ንሱ ናብቲ ኻህናት ጥራይ ኪኣትዉ ዚፍቀደሎም ክፋል ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣተወ፣ ኣብኡ ድማ ዕጣን ኪዓጥን ፈተነ። ሽዑ፡ ካህናት የሆዋ፡ “ኦ ዑዝያ፡ ንስኻ ንየሆዋ ዕጣን ክትዓጥን ግቡእ ኣይኰነን! . . . ካህናት . . . ጥራይ እዮም ዕጣን ኪዓጥኑ ዘለዎም” በልዎ። እሞ ደኣ ዑዝያ እንታይ ገበረ፧ ነቲ ምኽሪ ብትሕትና ተቐቢሉ ኻብታ ቤተ መቕደስ ብኡብኡ እንተ ዚወጽእ ነይሩ፡ ምናልባት የሆዋ ይቕረ ምበለሉ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ “ነደረ።” ስለምንታይ እዩ ነቲ ምኽሪ ዘይተቐበሎ፧ ንጉስ ብምዃኑ፡ ዝደለዮ ኺገብር ዚኽእል መሲልዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ግና ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኣይነበሮን። በዚ ኸምዚ ዑዝያ ስለ እተዳፈረ ኸኣ፡ ብደዌ ተወቕዐ፡ “ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ [እውን] ድዉይ ነበረ።” (2 ዜና 26:16-21) ንሕና ድማ መንነትና ብዘየገድስ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ እንተ ነጺግና፡ ስምረት ኣምላኽ ኸም እንስእን ካብ ዑዝያ ንምሃር ኢና።

ምኽሪ ተቐቢሎም

8. እዮብ ምኽሪ ምስ ተዋህቦ እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡ፧

8 መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም መለበሚ ዚዀኑና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምኽሪ ብምስማዖም ጽቡቕ ኣብነት ዚዀኑና ሰባት እውን ሒዙ ኣሎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እዮብ እስከ ንርአ። ንኣምላኽ ዚፈርህ ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ፍጹም ግና ኣይነበረን። ስለዚ፡ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ጸቕጢ ኸሎ፡ ግጉይ ነገር ተዛረበ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ካብ ኤሊሁን ካብ የሆዋን ቀጥታዊ ምኽሪ ተዋህቦ። እሞ ደኣ እዮብ እንታይ ገይሩ፧ ነቲ እተዋህቦ ምኽሪ ብትሕትና ተቐበሎ። ስለዚ ኸኣ፡ ‘ኣነ ንዘይተረዳእክዎ ነገር ተዛሪበ። ነቲ ዝበልክዎ እስሕቦ ኣለኹ፣ ኣብ ሓመድን ሓምዅሽትን ኰይነ ኸኣ እንሳሕ ኣለኹ’ በለ። የሆዋ ንእዮብ ስለቲ ትሕትናኡ ባሪኽዎ እዩ።—እዮ. 42:3-6, 12-17

9. ምኽሪ ብምቕባል ዝመጸ፡ ሙሴ ጽቡቕ ኣብነት ዝሓደገ ብኸመይ እዩ፧

9ሙሴ እውን ከቢድ ጌጋ ድሕሪ ምግባሩ፡ ንእተዋህቦ መአረምታ ብምቕባሉ ጽቡቕ ኣብነት ይዀነና እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ብቝጥዓ ተላዒሉ ብእተዛረቦ ዘረባ ንየሆዋ ኣየኽበሮን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣቱ ኣይተፈቕደሉን። (ዘሁ. 20:1-13) ሙሴ ንየሆዋ፡ ነቲ ውሳነ ኪቕይሮ ምስ ለመኖ፡ የሆዋ፡ “ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ መሊስካ ኣይትዛረበኒ” በሎ። (ዘዳ. 3:23-27) ሙሴ በዚ ኣይተማረረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ የሆዋ ዝወሰኖ ውሳነ ተቐበሎ፣ የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ ድሕሪኡ እውን ንእስራኤል ንምምራሕ ይጥቀመሉ ነበረ። (ዘዳ. 4:1) ምኽሪ ብምቕባል ዝመጸ፡ እዮብን ሙሴን ጽቡቕ ኣብነታት ይዀኑና እዮም። እዮብ ኣረኣእያኡ ኣዐርዩ እዩ፣ መመኽነይታ ኣየቕረበን። ሙሴ ኸኣ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ፍሉይ መሰል እኳ እንተ ሰኣነ፡ እሙን ኰይኑ ብምምልላስ፡ ምኽሪ የሆዋ ኸም እተቐበለ ኣርእዩ እዩ።

10. (ሀ) ምሳሌ 4:10-13 ብዛዕባ እቲ ምኽሪ ምቕባል ዘለዎ ጥቕምታት እንታይ ትገልጽ፧ (ለ) ገሊኦም ብዛዕባ ምኽሪ እንታይ ጽቡቕ ኣመለኻኽታ እዮም ሒዞም፧

10 ንኸም እዮብን ሙሴን ዝኣመሰሉ ኣብነታት እንተ መሲልናዮም፡ ንጥቀም ኢና። (ምሳሌ 4:10-13 ኣንብብ።) ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምኡ እዮም ገይሮም። ኢማንወል ዝስሙ ኣብ ኮንጎ ዚነብር ሓው ብዛዕባ እተዋህቦ መጠንቀቕታ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ፦ “ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ብሱላት ክርስትያናት መንፈሳዊት መርከበይ ክትስበር ቀሪባ ኸም ዘላ ርእዮም ኣድሒኖምኒ። ምኽሮም ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓልክዎ፡ ካብ ብዙሕ ጸገማት እየ ተሰቲረ።” * ሜጋን ዝስማ ኣብ ካናዳ እትነብር ፈላሚት ከኣ ብዛዕባ ምኽሪ ኽትዛረብ ከላ፡ “ወትሩ ኣይኰነን ከምቲ ኽሰምዖ ዝምነዮ ዚዀነለይ፣ ግናኸ፡ ክሰምዖ ዜድልየኒ እዩ” ትብል። ማርኮ ዝስሙ ኣብ ክሮአሽያ ዚነብር ሓው ድማ፡ “ሓደ ፍሉይ መሰል ስኢነ፣ ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ ግና፡ እቲ እተዋህበኒ ምኽሪ መንፈሳዊ ሚዛነይ ክሕሉ ሓጊዙኒ እዩ” ይብል።

11. ምኽሪ ብዛዕባ ምቕባል፡ ሓውና ካርል ክለይን እንታይ እዩ ዝበለ፧

11 ምኽሪ ብምቕባል እተጠቕመ ኻልእ ኣብነት፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ሓውና ካርል ክለይን እዩ። ሓውና ክለይን ኣብ ታሪኽ ህይወቱ፡ ካብቲ ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝነበረ ጆሴፍ ራዘርፎርድ ብርቱዕ ምኽሪ ኸም እተዋህቦ ኣዘንትዩ ኣሎ። ኣብ መጀመርታ፡ በቲ ምኽሪ ጕህዩ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ካልእ ግዜ [ሓውና ራዘርፎርድ] ምስ ረኣየኒ፡ ብታሕጓስ፡ ‘ሰላም ካርል!’ በለኒ። ኣነ ግና ተጐዲአ ስለ ዝነበርኩ፡ ብትሕቲ መልሓሰይ እየ ሰላምታ ሂበዮ። ንሱ ድማ፡ ‘ካርል፡ ተጠንቀቕ! ድያብሎስ ይቃጸወካ እዩ ዘሎ!’ ኢሉ መለሰለይ። በዚ እናሓፈርኩ፡ ‘ዋላ ሓንቲ ጸገም የለን፡ ሓውና ራዘርፎርድ’ በልክዎ። ንሱ ግና ፈሊጡኒ ስለ ዝነበረ፡ ‘ሕራይ። ጥራይ ተጠንቀቕ። ድያብሎስ ይቃጸወካ እዩ ዘሎ’ ኢሉ ነቲ መጠንቀቕታ ደገመለይ። ሓቁ እዩ ነይሩ! ብፍላይ ሓደ ሓውና . . . ገለ ነገር ኪዛረበና ኸሎ እንተ ተቐይምና፡ ንገዛእ ርእስና ኣብ መጻወድያ ድያብሎስ ኢና እነእትዋ።” * (ኤፌ. 4:25-27) ሓውና ክለይን ነቲ ሓውና ራዘርፎርድ ዝሃቦ ምኽሪ ተቐበሎ፣ እቲ ጽቡቕ ርክቦም እውን ኣይተበላሸወን።

ምኽሪ ኽንቅበል ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

12. ትሕትና፡ ምኽሪ ኽንቅበል እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧ (መዝሙር 141:5)

12 ምኽሪ ኽንቅበል ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ክሳዕ ክንደይ ዘይፍጹማት ከም ዝዀንናን ሓድሓደ ግዜ ስራሕ ዕሽነት ክንገብር ከም እንኽእልን ብምዝካር፡ ትሑታት ክንከውን ኣሎና። ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ እዮብ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ። ጸኒሑ ግና፡ ኣተሓሳስባኡ ኣዐርዩ እዩ፣ የሆዋ እውን ባሪኽዎ እዩ። ስለምንታይ፧ እዮብ ትሑት ስለ ዝዀነ እዩ። ኤሊሁ ብዕድመ ኻብኡ ኣጸቢቑ ዝነኣሰ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ዝሃቦ ምኽሪ ብምቕባል ትሕትናኡ ኣርእዩ እዩ። (እዮ. 32:6, 7) ብተመሳሳሊ፡ ዘይግብኣና ምኽሪ ኸም እተዋህበና ዀይኑ ኣብ ዚስምዓና እዋን ኰነ እቲ ምኽሪ ዚህብ ሰብ ካባና ዝነኣሰ ኣብ ዚዀነሉ እዋን እኳ፡ ትሕትና ነቲ ምኽሪ ኽንጥቀመሉ ትሕግዘና እያ። ኣብ ካናዳ ዚነብር ሽማግለ፡ “ገዛእ ርእስና ኸምቲ ኻልኦት ዚርእዩና ጌርና ስለ ዘይንርኢ፡ ዋላ ሓደ እንተ ዘይመኺሩና ኸመይ ጌርና ኢና ኽንዓቢ እንኽእል፧” ዚብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። ፍረ መንፈስ ኣብ ምምዕባል ኰነ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኣብ ምፍጻም፡ መን ካባና እዩ ዕቤት ኪገብር ዘየድልዮ፧—መዝሙር 141:5 ኣንብብ።

13. ንዚውሃበና ምኽሪ ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧

13ንምኽሪ ኸም መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ ጌርካ ርኣዮ። የሆዋ ጽቡቕና እዩ ዚደሊ። (ምሳ. 4:20-22) ብቓሉ፡ ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፍ፡ ወይ ብብሱል ክርስትያን ገይሩ ኺመኽረና ኸሎ፡ ፍቕሩ እዩ ዚገልጸልና ዘሎ። እብራውያን 12:9, 10፡ “ንጥቕምና እዩ ዚገብሮ” ትብል።

14. ምኽሪ ኺውሃበና ኸሎ ኣብ ምንታይ ኢና ኸነተኵር ዘሎና፧

14ኣብቲ ኣቀራርባኡ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ትሕዝቶኡ ኣተኵር። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ እተዋህበና ምኽሪ ብግቡእ ኸም ዘይተዋህበና ይስምዓና ይኸውን። ልክዕ እዩ፡ ምኽሪ ዚህብ ዘበለ ብእተኻእሎ መጠን ንምቕባሉ ቐሊል ከም ዚኸውን ገይሩ ኬቕርቦ ኣለዎ። * (ገላ. 6:1) ኰይኑ ግና፡ ምኽሪ ዚውሃቦ ዘሎ ንሕና እንተ ዄንና፡ ብዝሓሸ መገዲ ኪቐርብ ዚኽእል ኰይኑ እኳ እናተሰምዓና ኸሎ፡ ኣብቲ መልእኽቲ እንተ ኣተኰርና ይሓይሽ። ገዛእ ርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘በቲ እቲ ምኽሪ እተዋህበሉ ኣገባብ እኳ እንተ ዘይተሓጐስኩ፡ እቲ እተባህለ ነገርሲ ሓቅነት ኣለዎዶ፧ ንዘይፍጽምና እቲ መኻሪ ዕሽሽ ብምባል፡ ካብቲ ምኽሪ ኽጥቀም እኽእል ድየ፧’ ካብቲ ዚውሃበና ዝዀነ ምኽሪ ኽንጥቀም እንኽእለሉ መገዲ እንተ ረኺብና፡ ጥበበኛታት ንኸውን ኢና።—ምሳ. 15:31

ምኽሪ ሕተት እሞ ኽትጥቀም ኢኻ

15. ስለምንታይ ኢና ምኽሪ ኽንሓትት ዘሎና፧

15 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምኽሪ ኽንሓትት ይምሕጸነና እዩ። ምሳሌ 13:10፡ “ጥበብ . . . ናይቶም ምኽሪ ዚደልዩ እያ” ትብል። እዚ ሓቂ እዩ! እቶም ሰብ ክሳዕ ዚመጾም ኣብ ክንዲ ምጽባይ ባዕሎም ናብ ሰብ ከይዶም ምኽሪ ዚሓትቱ ሰባት፡ ካብቶም ምኽሪ ዘይደልዩ ሰባት ዝያዳ መንፈሳዊ ዕቤት ይገብሩ እዮም። ስለዚ፡ ብተበግሶኻ ምኽሪ ሕተት።

እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ሓብቲ ነታ ብዕድመ ዝዓበየት ሓብቲ ምኽሪ እትሓትታ ዘላ ስለምንታይ እያ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. ኣብ ምንታይ ኵነታት ኢና ምኽሪ ኽንሓትት እንኽእል፧

16 ካብ ክርስትያናት ብጾትና ምኽሪ ኽንሓትት ዘሎና መዓስ ኢና፧ ገለ ዅነታት እስከ ንርአ። (1) ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ ምክርቲ ሓብቲ ኣብ መጽናዕቲ ኽትጽምበራ ትሓትታ፣ ጸኒሓ ድማ ኣብ ኣመሃህራኣ ብኸመይ ከተመሓይሽ ከም እትኽእል ምኽሪ ትሓትታ። (2) ሓንቲ ዘይተመርዓወት ሓብቲ ስረ ኽትዕድግ ትሓስብ፣ ስለዚ፡ ንሓንቲ ብስልቲ ሓብቲ ኸተማርጻ ትሓትታ። (3) ሓደ ሓው ንፈለማ ግዜ ህዝባዊ መደረ ኬቕርብ ይምደብ። ስለዚ፡ ንሓደ ምኩር ተዛራባይ መደረኡ ኺሰምዖ እሞ ብኸመይ ከም ዜመሓይሽ ሃናጺ ምኽሪ ኺህቦ ይሓትቶ። ንነዊሕ ዓመታት መደረታት ዘቕረበ ሓው እውን እንተ ዀነ፡ ካብ ምኩራት ተዛረብቲ ምኽሪ እንተ ሓቲቱን ነቲ ዚህብዎ ምኽሪ እንተ ተግቢርዎን ይጥቀም እዩ።

17. ከመይ ጌርና ኢና ኻብ ምኽሪ ኽንጥቀም እንኽእል፧

17 ኣብ ዚመጽእ ሰሙናትን ኣዋርሕን፡ ኵላትና ቐጥታዊ ምኽሪ ዀነ ዘይቀጥታዊ ምኽሪ ኺውሃበና እዩ። ከምኡ ኺመጸና ኸሎ፡ ነዚ ዝረኣናዮ ነጥብታት ንዘክሮ። ትሑታት ንኹን። ኣብቲ ትሕዝቶኡ ደኣ እምበር፡ ኣብ ኣቀራርባኡ ኣይነተኵር። ነቲ ዚውሃበና ምኽሪ እውን ንተግብሮ። ዋላ ሓዴና ጥበበኛ ዄንና ኣይተወለድናን። ‘ምኽሪ እንተ ሰሚዕና፡ ተግሳጽ እውን እንተ ተቐቢልና’ ግና፡ ‘ጥበበኛታት ከም እንኸውን’ ቃል ኣምላኽ የረጋግጸልና እዩ።—ምሳ. 19:20

መዝሙር 124 እሙናት ንኹን

^ ሕ.ጽ. 5 ህዝቢ የሆዋ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ምስማዕ ዘለዎ ኣገዳስነት ይፈልጡ እዮም። ምስናይዚ ግና፡ ምኽሪ ምቕባል ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዚኸውን፧ ካብቲ ዚውሃበና ምኽሪ ምእንቲ ኽንጥቀምከ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

^ ሕ.ጽ. 10 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 14 ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ እቶም ምኽሪ ዚህቡ ሰባት ከመይ ገይሮም ብሜላ ኸም ዚህቡ ኽንርኢ ኢና።