ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 8

ምኽርኻስ “ንልቢ የሐጕሶ” ድዩ፧

ምኽርኻስ “ንልቢ የሐጕሶ” ድዩ፧

“ዘይትን ዕጣንን ንልቢ የሐጕሶ፣ ካብ ሓቀኛ ምኽሪ ዚምንጩ ጥዑም ምሕዝነት ከኣ ከምኡ እዩ።”—ምሳ. 27:9

መዝሙር 102 ‘ንድኹማት ንደግፍ’

መላለዪ *

1-2. ሓደ ሓው፡ ምኽሪ ብዛዕባ ምሃብ እንታይ ተማሂሩ፧

ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት፡ ክልተ ሽማግለታት ንሓንቲ ኻብ ኣኼባ ኽትበኵር ዝቐነየት ሓብቲ ኺበጽሕዋ ኸዱ። ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት ነታ ሓብቲ ብዛዕባ ኣኼባታት ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣያ። እቲ ምብጻሕ ዕዉት ዝነበረ እዩ መሲልዎ፣ ንሱን ብጻዩን ምስ ነቐሉ ግና፡ እታ ሓብቲ፡ “ኣሕዋት፡ ብዛዕባ እዚ ዘሕልፎ ዘለኹ ዋላ እንዶ የብልኩምን” በለቶም። እቶም ኣሕዋት ነታ ሓብቲ ብዛዕባ ጸገማታን ኵነታታን ከይሓተቱ እዮም ምኽሪ ሂቦምዋ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እቲ ምኽሮም ኸም ዘይሓገዛ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዋ።

2 እቲ ጥቕስታት ዘርኣያ ሽማግለ ምልስ ኢሉ ኺሓስቦ ኸሎ፡ “ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እታ ሓብቲ ኸም ዘየኽበረትና ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ምስ ሓሰብኩሉ ግና፡ ጽቡቕ ጥቕስታት ደኣ እምበር፡ ጽቡቕ ሕቶታት ሒዘ ኸም ዘይከድኩ ተረዲኡኒ እዩ፣ ንኣብነት፡ ‘ናብራ ኸመይ ኣሎ፧’ ‘እንታይ ክሕግዘኪ እኽእል፧’ ዝዓይነቱ ሕቶታት ኣይሓተትኩን” ይብል። እቲ ሽማግለ እቲ፡ ካብቲ ተመክሮ እቲ ተማሂሩ እዩ። ሎሚ፡ ንሰብ ምሕጋዝ ዚፈቱ ደንጋጺ ጓሳ እዩ።

3. ካብቶም ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ፡ መን እዮም ምኽሪ ኺህቡ ዚኽእሉ፧

 3 ሽማግለታት ጓሶት ስለ ዝዀኑ፡ ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ምኽሪ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ኣለዎም። ኰይኑ ግና፡ ካልኦት ኣብ ጉባኤ ዘለዉ እውን ምኽሪ ኺህቡ ዜድልየሉ እዋናት ኣሎ። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ወይ ሓንቲ ሓብቲ ንፈታዊኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ይህብዎ ይዀኑ። (መዝ. 141:5፣ ምሳ. 25:12) ወይ ከኣ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ምስቲ ኣብ ቲቶስ 2:3-5 ተጠቒሱ ዘሎ ጕዳያት ብዚተሓሓዝ ‘ንንኣሽቱ ኣንስቲ ትመኽረን’ ትኸውን። ወለዲ ድማ ንደቆም ብዙሕ ሳዕ ኪመኽርዎምን ኪእርምዎምን ኣለዎም። ስለዚ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብፍላይ ንሽማግለታት እተጻሕፈት እኳ እንተ ዀነት፡ ኵላትና ነቲ ምኽሪ እንህበሉ መገድታት ግብራውን ዜለዓዕልን ‘ንልቢ ዜሐጕስን’ ምዃኑ ብምምርማር ክንጥቀም ንኽእል ኢና።—ምሳ. 27:9

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

4 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ምኽሪ ብዛዕባ ምሃብ ኣርባዕተ ሕቶ ኽንርኢ ኢና፦ (1) ምኽሪ ንምሃብ ዜለዓዕል ቅኑዕ ድራኸ እንታይ እዩ፧ (2) ብሓቂዶ እዚ ምኽሪ እዚ የድሊ እዩ፧ (3) መን እዩ ምኽሪ ኺህብ ዘለዎ፧ (4) ከመይ ጌርካ ኢኻ ውጽኢታዊ ምኽሪ ኽትህብ እትኽእል፧

ምኽሪ ንምሃብ ዜለዓዕል ቅኑዕ ድራኸ እንታይ እዩ፧

5. ሓደ ሽማግለ ምኽሪ ንምሃብ ዜለዓዕሎ ቕኑዕ ድራኸ እንተ ኣልይዎ፡ ምኽሩ ብዚስሕብ መገዲ ኬቕርብ ዚሕግዞ ብኸመይ እዩ፧ (1 ቈረንቶስ 13:4, 7)

5 ሽማግለታት ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን የፍቅርዎም እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ ንሓደ ናብ ግጉይ መገዲ ዚኸይድ ዘሎ ብምምካር፡ ፍቕሮም የርእዩ እዮም። (ገላ. 6:1) ሓደ ሽማግለ ነቲ ኺመኽሮ ዝሓሰቦ ሰብ ቅድሚ ምዝራቡ ግና፡ ንገለ ኻብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጠቐሶ መዳያት ፍቕሪ ኺሓስበሉ የድሊ ይኸውን። “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ። . . . ኵሉ ኽኢላ ትነብር፡ ኵሉ ትኣምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትጻወር።” (1 ቈረንቶስ 13:4, 7 ኣንብብ።) እቲ ሽማግለ ነዚ ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዜስተንትነሉ፡ ምኽሪ ዚህበሉ ድራኸ ኪምርምር፡ ንሓዉ እውን ብግቡእ ኣረኣእያ ኪቐርቦ ይሕግዞ እዩ። እቲ ምኽሪ ዚውሃቦ ሰብ ንሓልዮት እቲ ሽማግለ ኺርእዮ እንተ ኽኢሉ፡ ነቲ ምኽሪ ኪቕበሎ ይቐልሎ እዩ።—ሮሜ 12:10

6. እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ሓዲጉ፧

6 ሃዋርያ ጳውሎስ ሰናይ ኣብነት ዚኸውን ሽማግለ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣሕዋት ምኽሪ ምስ ኣድለዮም፡ ምኽሪ ኻብ ምሃብ ድሕር ኣይበለን። እንተዀነ ግና፡ ኣብተን ዝለኣኸሎም ደብዳበታት፡ ፈለማ ስለቲ ብእምነት ዝገበርዎ ግብርን ብፍቕሪ ዝጸዓርዎ ጻዕርን ዘርኣይዎ ተጻዋርነትን ንኢድዎም እዩ። ብዘይካዚ፡ ህይወቶም ቀሊል ዘይምዃኑን መስጐጕቲ ይጻወሩ ምህላዎምን ከም ዚፈልጥ ብምግላጽ፡ ኵነታቶም ኣብ ግምት ኣእትዩ እዩ። (1 ተሰ. 1:3፣ 2 ተሰ. 1:4) ንኻልኦት ክርስትያናት ኣብነት ከም ዚዀኑ እውን ከይተረፈ ሓቢርዎም እዩ። (1 ተሰ. 1:8, 9) ካብ ጳውሎስ ጽቡቕ ናእዳ ብምርካቦም፡ ብዙሕ ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም። ጳውሎስ ንኣሕዋቱ ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅሮም ዜጠራጥር ኣይነበረን። ስለዚ ድማ እዩ ኣብተን ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝለኣኸን ደብዳበታት ውጽኢታዊ ምኽሪ ኺህብ ዝኸኣለ።—1 ተሰ. 4:1, 3-5, 11፣ 2 ተሰ. 3:11, 12

7. ገሊኦም ምኽሪ ዘይቅበሉ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

7 ብግቡእ ኣገባብ ምኽሪ እንተ ዘይሂብና እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ ሓደ ምኩር ሽማግለ፡ “ገሊኦም ምኽሪ ዘይቅበሉ፡ እቲ ምኽሪ ጌጋ ስለ ዘለዎ ዘይኰነስ፡ ብፍቕሪ ስለ ዘይተዋህበ እዩ” ኢሉ ትዕዝብቱ ገሊጹ ኣሎ። ካብዚ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ምኽሪ ኻብ ሕርቃን ተላዒልካ ዘይኰነስ፡ ካብ ፍቕሪ ተላዒልካ እንተ ተዋሂቡ እዩ ንምቕባሉ ዝቐለለ ዚኸውን።

ብሓቂዶ እዚ ምኽሪ እዚ የድሊ እዩ፧

8. ሓደ ሽማግለ ንሓደ ሰብ ኪመኽሮ ዜድሊ እንተ ዀይኑ ንምውሳን እንታይ ኢሉ እዩ ገዛእ ርእሱ ኺሓትት ዘለዎ፧

8 ሽማግለታት ምኽሪ ንምሃብ ኪህወኹ የብሎምን። ሓደ ሽማግለ ምኽሪ ቕድሚ ምሃቡ፡ ‘ብሓቂዶ ኽዛረብ የድልየኒ እዩ፧ እቲ ሰብ እቲ ዝገበሮ ነገር ጌጋ ምዃኑስ ርግጸኛ ድየ፧ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጣሒሱ ድዩ፡ ወይስ በበይኑ ኣረኣእያ ጥራይ እዩ ዘሎና፧’ ኢሉ ገዛእ ርእሱ ኺሓትት ኣለዎ። ሽማግለታት ‘ተሃዊኾም ከይዛረቡ’ ይጥንቀቑ እዮም። (ምሳ. 29:20) ሓደ ሽማግለ ንሓደ ሰብ ኪመኽሮ ኸም ዘለዎ ርግጸኛ እንተ ዘይኰይኑ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጕዳይ እንተ ተተንክዩ ንምርግጋጽ ንኻልእ ሽማግለ ኺሓትት ይኽእል እዩ።—2 ጢሞ. 3:16, 17

9. ብዛዕባ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ኣብ ዚውሃብ ምኽሪ ኻብ ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧ (1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10)

9 ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ሓደ ሽማግለ፡ ብዛዕባ ኣከዳድና ወይ ኣመለኻኽዓ ሓደ ክርስትያን ኣተሓሳሲብዎ ንበል። እቲ ሽማግለ፡ ‘ንምዝራብ ዜኽእል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ኣሎዶ፧’ ኢሉ ገዛእ ርእሱ ኺሓትት ይኽእል እዩ። ናይ ርእሱ ርእይቶ ምእንቲ ኸይህብ ከኣ፡ ንኻልእ ሽማግለ ወይ ንሓደ ብሱል ኣስፋሒ ሓሳባቱ ይሓትቶ ይኸውን። ብሓባር ኰይኖም ድማ ነቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ዝሃቦ ምኽሪ ይርእዩ ይዀኑ። (1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10 ኣንብብ።) ጳውሎስ ኣብ ዝሃቦ ሓሳባት፡ ክርስትያን ዚኽደኖ ኽዳን ግቡእን ትሕትና ዜርእን ልብምና ዜርእን ኪኸውን ከም ዚግባእ ዚሕብር ሓፈሻዊ ስርዓት ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ግበር፡ እቲ ኣይትግበር ዚብል ዝርዝር ሕግታት ኣይሃበን። ክርስትያናት ኣብ ውሽጢ እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ደረት ነናቶም ውልቃዊ ምርጫ ኺገብሩ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ሽማግለታት ብሓቂ ምኽሪ ዜድሊ እንተ ዀይኑ ኺውስኑ ኸለዉ፡ እቲ ሰብ ዝመረጾ ኣከዳድና ትሕትናን ምምዝዛንን ዜርኢ እንተ ዀይኑ ኣብ ግምት ኬእትዉ ኣለዎም።

10. ብዛዕባ ብሕታዊ ምርጫ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

10 ክልተ ብሱላት ክርስትያናት በበይኑ ምርጫታት ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ፡ ክልቲኡ እውን ቅቡል ኪኸውን ከም ዚኽእል ክንዝክር ኣሎና። ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዘሎና ናይ ርእስና መለክዒታት ንክርስትያናት ብጾትና ኽንጽዕኖም የብልናን።—ሮሜ 14:10

መን እዩ ምኽሪ ኺህብ ዘለዎ፧

11-12. ምኽሪ ዜድሊ እንተ ዀይኑ፡ ሓደ ሽማግለ እንታይ ሕቶታት እዩ ገዛእ ርእሱ ኺሓትት ዘለዎ፧ ስለምንታይከ፧

11 ምኽሪ ኸም ዜድሊ ንጹር ምስ ኰነ፡ ቀጺሉ ዚልዓል ሕቶ፡ ‘መን እዩ ምኽሪ ኺህብ ዘለዎ፧’ ዚብል እዩ። ሓደ ሽማግለ ንሓንቲ ምርዕውቲ ሓብቲ ወይ ንሓደ ዘይባጽሐ ውሉድ ቅድሚ ምምካሩ፡ ምስቲ ርእሲ ስድራ ቤት ኪማኸር ኣለዎ፣ እቲ ርእሲ ስድራ ቤት ነቲ ጕዳይ ባዕሉ ኺሕዞ ይደሊ ይኸውን። * ወይ ከኣ እቲ ሽማግለ ምኽሪ ኣብ ዚህበሉ እዋን፡ ኣብኡ ኺህሉ ይደሊ ይኸውን። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ ከምቲ ኣብ  ሕጡብ ጽሑፍ 3 እተገልጸ፡ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ንሓንቲ ብዕድመ ዝነኣሰት ሓብቲ ኽትመኽራ ዝሓሸ ዚዀነሉ ዅነታት ይህሉ እዩ።

12 ካልእ ኣብ ግምት ኪኣቱ ዚግባእ ረቛሒ እውን ኣሎ። ሓደ ሽማግለ ገዛእ ርእሱ፡ ‘ነዚ ምኽሪ እዚ ኣነ እንተ ሃብክዎዶ ይሓይሽ፡ ወይስ ካልእ እንተ ሃቦ ይሓይሽ፧’ ኢሉ ይሓትት ይኸውን። ንኣብነት፡ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ዀይኑ ዚስምዖ ሰብ ካብ ሓደ ተመሳሳሊ ጸገም ዝነበሮ ሰብ ምኽሪ ኪቕበል ይቐልሎ ይኸውን። እቲ ተመሳሳሊ ስምዒታት ዝነበሮ ሽማግለ ብዝያዳ ኺድንግጸሉ ይኽእል ይኸውን፣ እቲ ሰብ እውን ነቲ ዘረባኡ ንምቕባሉ ይቐልሎ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምትዕርራይ ኪገብሩ ኼድልዮም ከሎ፡ ኵሎም ሽማግለታት ንምትብባዖምን ንምልዕዓሎምን ሓላፍነት ኣለዎም። ስለዚ፡ ምዕዶ ኼድሊ ኸሎ፡ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ነገር፡ እቲ ምኽሪ ምሃቦም እዩ።

ከመይ ጌርካ ኢኻውጽኢታዊ ምኽሪ ኽትህብ እትኽእል፧

ክርስትያን ሽማግለታት ‘ንምስማዕ ቅልጡፋት’ ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13-14 ርአ)

13-14. ሓደ ሽማግለ ንምስማዕ ቅልጡፍ ኪኸውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13ንምስማዕ ድሉው ኩን። ሓደ ሽማግለ ምኽሪ ንምሃብ ኪዳሎ ኸሎ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ገዛእ ርእሱ ኺሓትት ኣለዎ፦ ‘ብዛዕባ ዅነታት ሓወይ እንታይ እየ ዝፈልጥ፧ ህይወቱ ኸመይ እዩ፧ ኣነ ዘይፈልጦ ሽግራት ደዀን የጓንፎ ይህሉ፧ ሕጂ ልዕሊ ዅሉ እንታይ እዩ ዜድልዮ፧’

14 ኣብ ያእቆብ 1:19 ተመዝጊቡ ዘሎ ስርዓት፡ ነቶም ምኽሪ ዚህቡ ብርግጽ ይምልከቶም እዩ። ያእቆብ፡ “ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይኹን” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ሓደ ሽማግለ ንዅሉ ነገራት ከም ዚፈልጦ ይሓስብ ይኸውን፣ ግናኸ ብሓቂዶ ይፈልጦ እዩ፧ ምሳሌ 18:13፡ “ከይሰምዐ ዚምልስ፡ ዕሽነትን ውርደትን ይዀኖ” ኢላ ተዘኻኽረና። ብዛዕባ እቲ ዅነታት ካብ ኣፍ እቲ ሰብ ብቐጥታ ኽትሰምዖ ይሓይሽ። እዚ ድማ ቅድሚ ምዝራብካ፡ ክትሰምዕ ኣሎካ ማለት እዩ። እቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ሽማግለ እተማህሮ ትምህርቲ ዘክሮ። ተቐዳዲሙ ነቲ እተዳለወሉ ሓሳባት ኣብ ክንዲ ዜካፍል፡ ነታ ሓብቲ፡ “ናብራ ኸመይ ኣሎ፧” “እንታይ ክሕግዘኪ እኽእል፧” ኢሉ ኺሓትታ ኸም ዝነበሮ እዩ ተገንዚቡ። ሽማግለታት ግዜ ወሲዶም ነቲ ዅነታት ኪፈልጡ እንተ ጽዒሮም፡ ንኣሕዋትን ንኣሓትን ኪሕግዝዎምን ኬተባብዕዎምን እዮም።

15. ሽማግለታት ነቲ ኣብ ምሳሌ 27:23 ዚርከብ ስርዓት ብኸመይ ኪዓይዩሉ ይኽእሉ፧

15ነተን መጓሰ ፍለጠን። ኣብ መእተዊ ኸም እተጠቕሰ፡ ውጽኢታዊ ምኽሪ ምሃብ ኪብሃል ከሎ፡ ጥቕስታት ምንባብ ወይ ሓሳባት ምሃብ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም እንሓልየሎምን ከም እንርድኦምን ክንሕግዞም ከም እንደልን ኪርእዩ ይደልዩ እዮም። (ምሳሌ 27:23 ኣንብብ።) ሽማግለታት ምስ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምምዕባል ዚከኣሎም ኪገብሩ ኣለዎም።

ሽማግለታት እንታይ እንተ ገይሮም እዮም ምኽሪ ንምሃብ ዝቐለለ ዚዀነሎም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. ሽማግለታት ውጽኢታዊ ምኽሪ ንምሃብ እንታይ ይሕግዞም፧

16 ሽማግለታት ብዘይካ ብስራሕ ብኻልእ ናብ ኣሕዋቶም ከም ዘይከዱ፡ ማለት ገለ ጌጋ እንተ ኣልዩ ጥራይ ዚመጹ ጌርካ ኺርኣዩ ኣይደልዩን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣዘውቲሮም ይዛራረቡ፡ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ እውን ብብሕቲ ይግደሱሎም እዮም። ሓደ ምኩር ሽማግለ፡ “ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ጽቡቕ ርክብ ትሃንጽ ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ምኽሪ ኽትህብ ኬድሊ ኸሎ፡ ዝቐለለ እዩ ዚዀነልካ” ኢሉ ትዕዝብቱ ይገልጽ። እቲ ምኽሪ ዚውሃቦ እውን፡ ነቲ ምኽሪ ንምቕባል ይቐልሎ እዩ።

ስለምንታይ እዮም ሽማግለታት ምኽሪ ኺህቡ ኸለዉ ዕጉሳትን ለዋሃትን ኪዀኑ ዘለዎም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. ምናዳ መዓስ እዩ ሓደ ሽማግለ ዕጉስን ለዋህን ኪኸውን ዜድልዮ፧

17ዕጉስን ለዋህን ኩን። ምናዳ ሓደ ሰብ ኣብ ፈለማ ንዚውሃቦ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ምቕባል ኣብ ዚኣብየሉ እዋን፡ ትዕግስትን ለውሃትን የድልያ እየን። ሓደ ሽማግለ፡ ምኽሩ ብኡብኡ ተቐባልነት እንተ ዘይረኺቡ ወይ ኣብ ግብሪ እንተ ዘይውዒሉ፡ በዚ ኻብ ምቝጣዕ ኪቝጠብ ኣለዎ። ብዛዕባ የሱስ፡ “ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ እውን ኣይኬጥፍእን እዩ” ዚብል ትንቢት ነይሩ እዩ። (ማቴ. 12:20) ስለዚ፡ እቲ ሽማግለ ኣብ ብሕታዊ ጸሎቱ፡ የሆዋ ነቲ ኺምከር ዜድልዮ ሰብ ኪባርኾ፡ ነቲ ምኽሪ ተረዲኡ ምእንቲ ኺዓይየሉ እውን ኪሕግዞ ይጽሊ ይኸውን። እቲ ምኽሪ ዜድልዮ ሓው ብዛዕባ እቲ እተባህሎ ነገር ንምሕሳብ ግዜ የድልዮ ይኸውን። እቲ ሽማግለ ዕጉስን ለዋህን እንተ ዀይኑ፡ እቲ ሓገዝ ዚውሃቦ ሰብ በቲ ምኽሪ እተዋህበሉ መገዲ ኣቓልቦኡ ኣይስረቕን እዩ፣ የግዳስ፡ ኣብቲ መልእኽቲ ኼተኵር እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ምኽሪ ወትሩ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ።

18. (ሀ) ምኽሪ ብምሃብ ዝመጸ፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ (ለ) ከምቲ ምስቲ ሳጹን ኣብ እተተሓሓዘ ስእሊ ዚርአ ዘሎ፡ እቶም ወለዲ ብዛዕባ እንታይ እዮም ዚዛራረቡ ዘለዉ፧

18ካብ ጌጋታትካ ተምሃር። ዘይፍጹማት ክሳዕ ዝዀንና፡ ነዚ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኽንትግብሮ ኣይንኽእልን ኢና። (ያእ. 3:2) ጌጋታት ክንገብር ኢና፣ ግናኸ፡ ካብ ጌጋታትና ትምህርቲ ንምውሳድ ክንጽዕር ኣሎና። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም እንፈትዎም ኪርእዩ እንተ ኽኢሎም፡ ብዘረባና ወይ ብተግባርና ኸነጕህዮም ከለና ይቕረ ንምባል ብዙሕ ኣይከብዶምን እዩ።—“ መዘኻኸሪ ንወለዲ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

እንታይ ተማሂርና፧

19. ከመይ ጌርና ኢና ንልቢ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከነሐጕስ እንኽእል፧

19 ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ፡ ውጽኢታዊ ምኽሪ ምሃብ ቀሊል ኣይኰነን። ንሕና ዘይፍጹማት ኢና፣ እቶም ምኽሪ እንህቦም ሰባት እውን ዘይፍጹማት እዮም። እምበኣር፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዝረኣናዮ ስርዓታት ዘክሮ። እቲ እትህቦ ምኽሪ፡ ብቕኑዕ ድራኸ ተላዒልካ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ምኽሪ ብሓቂ ኸም ዜድልን ነቲ ምኽሪ ንምሃብ ንስኻ ዝሓሽካ ሰብ ከም ዝዀንካን እውን ኣረጋግጽ። ምኽሪ ቕድሚ ምሃብካ፡ እቲ ሰብ ዜሕልፎ ዘሎ ምእንቲ ኽትርድኦ፡ ሕቶታት ሕተት፡ ጽን ኢልካ እውን ስምዓዮ። ነቲ ጕዳይ ብኣረኣእያኡ ኽትርእዮ ጽዓር። ልኡም ኩን፡ ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን እውን ጽቡቕ ዕርክነት ኣማዕብል። ሸቶኻ ኣይትረስዕ፦ ምኽርና ውጽኢታዊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ንልቢ ዜሐጕስ’ እውን ኢና ኪኸውን እንደልዮ።—ምሳ. 27:9

መዝሙር 103 ውህበት ሰባት ዝዀኑ ጓሶት

^ ሕ.ጽ. 5 ምኽሪ ምሃብ ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። እዚ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ከመይ ጌርና ኢና ጠቓምን ዜተባብዕን ምኽሪ ኽንህብ እንኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ምናዳ ንሽማግለታት፡ ንልቢ እቶም ዚመኽርዎም ሰባት ዚትንኪ ምኽሪ ኺህቡ ትሕግዝ እያ።

^ ሕ.ጽ. 11 ኣብ ናይ ለካቲት 2021 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ስርዓት ርእስነት ተረድኣዮ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።