ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 9

ንኻልኦት ብምግልጋል፡ ንየሱስ ምሰሎ

ንኻልኦት ብምግልጋል፡ ንየሱስ ምሰሎ

“ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”—ግብ. 20:35

መዝሙር 17 “እደሊ እየ”

መላለዪ *

1. ኣብ ህዝቢ የሆዋ እንታይ ጽቡቕ መንፈስ ኢና እንርኢ ዘለና፧

ነዊሕ ይገብር፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ንየሆዋ ንምግልጋል “ፈትዩ ኺመጽእ” ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (መዝ. 110:3) እቲ ትንቢት እቲ፡ ሎሚ ብርግጽ ይፍጸም ኣሎ። ዓመት ዓመት፡ ብቕንኣት ዜገልግሉ ኣገልገልቲ የሆዋ ንዕዮ ስብከት ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸር ሰዓታት ይውፍዩ ኣለዉ። ነዚ ድማ ብፍታዎምን ብወጻኢኦምን እዮም ዚገብርዎ። ግዜኦም ወፍዮም እውን ንክርስትያናት ብጾቶም ብኣካላውን ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ይድግፍዎም ኣለዉ። እተሸሙ ኣሕዋት ንኣኼባታት ጉባኤ ንምድላውን ንክርስትያናት ብጾቶም ንምጕሳይን ብዙሕ ሰዓታት የሕልፉ እዮም። ነዚ ዅሉ ዕዮ እዚ ንምዕያይ ዜለዓዕሎም እንታይ እዩ፧ ፍቕሪ—ፍቕሪ ንየሆዋን ፍቕሪ ንብጻዮምን።—ማቴ. 22:37-39

2. ከምቲ ኣብ ሮሜ 15:1-3 እተጠቕሰ፡ እንታይ ኣብነት እዩ የሱስ ሓዲጉልና ዘሎ፧

2 የሱስ ንጥቕሚ ኻልኦት ካብ ጥቕሙ ብምቕዳም፡ ብሉጽ ኣብነት ይዀነና እዩ። ንሕና ኸኣ ኣስኣሰሩ ንምስዓብ ዚከኣለና ኢና እንጽዕር ዘለና። (ሮሜ 15:1-3 ኣንብብ።) እቶም ንዕኡ ዚመስልዎ፡ ጥቕሚ ይረኽቡ እዮም። የሱስ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ኢሉ እዩ።—ግብ. 20:35

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ገለ ኻብቲ የሱስ ንኻልኦት ብምግልጋል ዝሓደጎ ኣብነታት ክንርኢ፡ ከመይ ጌርና ኣብነቱ ኽንስዕብ ከም እንኽእል እውን ክንምርምር ኢና። ብዘይካዚ፡ ነቲ ንኻልኦት ንምግልጋል ዘሎና ድሌት ብኸመይ ከነሐይል ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

ኣብነት የሱስ ስዓብ

የሱስ ደኺሙ እኳ እንተ ነበረ፡ ህዝቢ ምስ መጽዎ ግና እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)

4. የሱስ ንኻልኦት ካብ ርእሱ ዘቐደመ ብኸመይ እዩ፧

4የሱስ ደኺሙ ኸሎ እኳ፡ ንኻልኦት ሓጊዙ እዩ። ብዙሓት ሰባት ንዕኡ ኺረኽብዎ ኢሎም ናብ ሓደ ከረን መጹ፣ ምናልባት እቲ ኸረን ኣብ ጥቓ ቅፍርናሆም ዝነበረ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሱስ ምሉእ ለይቲ እዩ ኺጽሊ ሓዲሩ። ኣመና ደኺሙ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ነቶም ህዝቢ ምስ ረኣዮም ግና፡ ነቶም ድኻታትን ኣብ መንጎኦም ንዝነበሩ ሕሙማትን ደንገጸሎም። ካብ ሕማሞም ኣብ ርእሲ ምሕዋይ፡ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዜለዓዕል ህዝባዊ መደረ ኣቕረበሎም፣ እቲ መደረ እቲ፡ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት ይብሃል።—ሉቃ. 6:12-20

ጥቕሚ ርእስና ብምስዋእ ዝመጸ ኸመይ ጌርና ኢና ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5. ርእስታት ስድራ ቤት ድኻም ኣብ ዚስምዖም እዋን ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ጥቕሚ ርእሶም ናይ ምስዋእ መንፈስ ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧

5ርእስታት ስድራ ቤት ንየሱስ ዚመስልዎ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧ ነዚ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ፦ ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ምሉእ መዓልቲ ኺሰርሕ ድሕሪ ምውዓሉ፡ ናብ ገዛኡ ደኺሙ ይምለስ። ነቲ በታ ምሸት እቲኣ ዚገብርዎ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኪስርዞ እኳ እንተ ተፈተነ፡ ነቲ መጽናዕቲ ንምምራሕ ካብ የሆዋ ብርታዐ ይልምን። የሆዋ ጸሎቱ ስለ ዝመለሰሉ ኸኣ፡ ከም መደቦም መጽናዕቲ ይገብሩ። በታ ምሸት እቲኣ እቶም ቈልዑ ኣገዳሲ ትምህርቲ ይምሃሩ፣ ወለዶም ንመንፈሳዊ ነገራት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ቐዳምነት ከም ዚህብዎ ይምሃሩ።

6. የሱስ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብኸመይ ብሕታዊ ግዜኡ ኸም ዝወፈየ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

6የሱስ ብሕታዊ ግዜኡ ብልግሲ ይህብ ነይሩ እዩ። የሱስ፡ እቲ ዮሃንስ መጥምቕ ዚብሃል ዓርኩ ኸም እተሰየፈ ምስ ፈለጠ እተሰምዖዶ ኽትግምቶ ትኽእል፧ ብዙሕ ሓዚኑ ኪኸውን ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[ብዛዕባ ሞት ዮሃንስ] ምስ ሰምዐ፡ ብሕት ኪብል ኢሉ፡ ካብኡ ብጃልባ ነቒሉ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ” ይብል። (ማቴ. 14:10-13) ስለምንታይ በይኑ ኪኸውን ደልዩ ኸም ዝነበረ፡ ኪርድኣና ይኽእል እዩ። ገሌና ኽንሓዝን ከለና፡ በይንና ኽንከውን ኢና እንደሊ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ብሕት ኪብል ኣይከኣለን። ናብቲ ጽምዊ ቦታ ቕድሚ ምብጻሑ፡ ብዙሓት ህዝቢ ቐዲሞምዎ ኣብኡ ጸንሑ። እሞ ደኣ የሱስ ከመይ ተሰሚዕዎ፧ እቶም ህዝቢ እንታይ ከም ዜድልዮም ስለ ዝሓሰበ፡ “ደንገጸሎም።” መንፈሳዊ ዕረፍቲ ኣጸቢቑ ኸም ዜድልዮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ነቲ ዜድልዮም ንምምላእ እውን ኣይተደናጐየን። ስለዚ ድማ፡ ሒደት ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ብዙሕ . . . ኪምህሮም ጀመረ።”—ማር. 6:31-34፣ ሉቃ. 9:10, 11

7-8. ሓገዝ ዜድልዮ ኺህሉ ኸሎ፡ ፈቃራት ሽማግለታት ንየሱስ ከም ዚመስልዎ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

7ፈቃራት ሽማግለታት ንየሱስ ዚመስልዎ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ሽማግለታትና ምእንታና ኢሎም ብዙሕ ስለ ዚዓይዩ፡ ኣዚና ነማስዎም ኢና! መብዛሕትኡ እቲ ዕዮኦም ብሓፈሻኡ በቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣይርአን እዩ። ንኣብነት፡ ህጹጽ ጕዳይ ሕክምና ኺልዓል ከሎ፡ ኣባላት ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ንክርስትያናት ብጾቶም ንምሕጋዝ ይጓየዩ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዚ ህጹጽ ኵነታት ለይቲ እዩ ዚልዓል። ግናኸ፡ እቶም ፍቑራት ሽማግለታት ኰኑ ስድራ ቤቶም፡ በቲ ኣብ ጭንቂ ንዚርከብ ሓዎም ኰነ ሓብቶም ዘለዎም ርሕራሐ ተደሪኾም፡ ጥቕሚ ብጻዮም ካብ ጥቕሞም የቐድሙ እዮም።

8 ብዘይካዚ ሽማግለታት ኣብ ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ካልእ ህንጻታትን ይሳተፉ፡ ኣብ ዕዮ ረድኤት እውን ይነጥፉ እዮም። ብዛዕባ እቲ ንዓና ንምምሃርን ንምትብባዕን ንምድጋፍን ዜሕልፍዎ ብዙሕ ሰዓታት እውን ብዙሕ ኪብሃል ይከኣል እዩ። ኵሎም እዞም ኣሕዋትን ስድራ ቤቶምን ካብ ልቢ ኺነኣዱ ይግብኦም እዩ። ስለቲ ዜርእይዎ መንፈስ፡ የሆዋ ምሳታቶም ኪኸውን እዩ ትምኒትና! ልክዕ እዩ፡ ሽማግለታት ከም ኵሉ ሰብ ሚዛኖም ኪሕልዉ ኣለዎም። ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ኣመና ግዜ ኻብ ምሕላፎም እተላዕለ፡ ንስድራ ቤቶም ንምሕላይ ዚኸውን ግዜ ኺስእኑ ኣይግባእን እዩ።

ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ብኸመይ ተማዕብል፧

9. ብመሰረት ፊልጲ 2:4, 5፡ ኵሎም ክርስትያናት እንታይ ኣተሓሳስባ እዮም ኬማዕብሉ ዘለዎም፧

9 ፊልጲ 2:4, 5 ኣንብብ። መሸም፡ ሽማግለታት ኴንና እነገልግል፡ ኵላትና ኣይኰንናን፣ ኵላትና ግና ጥቕሚ ርእስና ብምስዋእ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሱ “መልክዕ ባርያ ወሲዱ” ይብለና እዩ። (ፊል. 2:7) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕሰቦ። ኣኽቢርካ ዚርአ ባርያ ወይ ኣገልጋሊ፡ ንጐይታኡ ባህ ንምባል ኣጋጣሚታት የናዲ እዩ። ባርያ የሆዋን ኣገልጋሊ ኣሕዋትካን ብምዃንካ፡ ንየሆዋን ንክርስትያናት ብጾትካን ብዝያዳ ንምግልጋል ድሌት ከም ዚሓድረካ ኣየጠራጥርን እዩ። ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

10. እንታይ ሕቶታት ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት እንኽእል፧

10ንኣረኣእያኻ ገምግሞ። ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ንኻልኦት ክሕግዝ ኢለ ኽሳዕ ክንደይ እየ ብሕታዊ መስዋእትታት ንምግባር ፍቓደኛ ዝኸውን፧ ንኣብነት፡ ኣብ እንዳ ኣረጋውያን ንዘሎ ሓው ክበጽሖ ወይ ብዕድመ ንዝደፍአት ሓብቲ ናብ ኣኼባ ኽወስዳ እንተ ተመዲበ፡ እንታይ ምላሽ እየ ዝህብ፧ ኣኼባ ዞባ ዚግበረሉ መአከቢ ንምጽራይ ወይ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምክንኻን ወለንተኛታት ኬድልዩ ኸለዉ፡ ብቕልጡፍ ገዛእ ርእሰይ አቕርብ ድየ፧’ ርእስና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና፡ ዘሎና ዅሉ ንዕኡ ሂብናዮ ኢና። ስለዚ፡ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ክንልግስ ከለና፡ የሆዋ ባህ ይብሎ እዩ። እሞ ደኣ ኣብዚ መዳይ እዚ ምምሕያሽ ክንገብር እንተ ኣድልዩና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

11. ጥቕሚ ርእስና ናይ ምስዋእ መንፈስ ንምምዕባል፡ ጸሎት ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

11ካብ ልቢ ናብ የሆዋ ጸሊ። ኣብ ገሊኡ መዳያት ምምሕያሽ ክትገብር ከም ዜድልየካ ኣስተውዒልካ ንበል፣ ዜድሊ ለውጢ ንምግባር ግና ኣይትልዓዓልን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ካብ ልቢ ናብ የሆዋ ጸሊ። ሓሳብካ ብቕንዕና ግለጸሉ። እንታይ ከም ዚስምዓካ ንገሮ፡ “ድሌትን ንምግባር ዓቕምን” ኪህበካ ለምኖ።—ፊል. 2:13

12. ኣብ ምንታይ መዳያት እዩ ጥሙቕ መንእሰይ ሓው ኪሕግዝ ዚኽእል፧

12 ጥሙቕ መንእሰይ ሓው እንተ ዄንካ፡ ኣብ ጉባኤ ብዝያዳ ኸተገልግል ዜኽእለካ ድሌት ምእንቲ ኸተሕድር ንየሆዋ ለምኖ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ኣገልገልቲ ጉባኤ ኻብ ሽማግለታት ይውሕዱ እዮም፣ መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ ማእከላይ ዕድመኦም ዚርከቡ ወይ ብዕድመ ዝደፍኡ እዮም። ውድብና እናዓበየት ምስ ከደት፡ ንህዝቢ የሆዋ ኣብ ምክንኻን ዚሕግዙ ተወሰኽቲ መንእሰያት ኣሕዋት የድልዩና እዮም። ኣብ እተድልየሉ ዘበለ ቦታታት ንምግልጋል ፍቓደኛ እንተ ዄንካ፡ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንየሆዋ ባህ ከተብሎ፡ ጽቡቕ ስም ከተጥሪ፡ ንኻልኦት ብምሕጋዝካ እውን ዕግበት ክትረክብ ኢኻ።

ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ከተማ ጴላ ሃደሙ። እቶም ኣቐዲሞም ኣብታ ኸተማ ዝበጽሑ ክርስትያናት ነቶም ሓደስቲ ዝመጹ ብጾቶም ቀለብ ይዕድልዎም ኣለዉ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13-14. ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ንምሕጋዝ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

13ሓገዝ ንዜድልዮም ኣስተብህለሎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ንእብራውያን፡ “ሰናይ ምግባርን ዘሎኩም ምምቓልን ኣይትረስዑ፣ ከመይሲ፡ ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ባህ ይብሎ እዩ” ኢሉ ምዒድዎም እዩ። (እብ. 13:16) እዚ ግብራዊ ምኽሪ እዩ ነይሩ! ነታ ደብዳበኡ ኻብ ዚቕበሉ ነዊሕ ከይጸንሑ፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣባይቶምን ስራሖምን ዘይኣመንቲ ኣዝማዶምን ሓዲጎም “ናብ ኣኽራን” ኪሃድሙ ነይርዎም እዩ። (ማቴ. 24:16) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንሓድሕዶም ኪተሓጋገዙ ነይርዎም። እቶም ኣቐዲሞም ነቲ ዘለዎም ኬማቕሉ ጳውሎስ ዝሃቦም ምዕዶ ኺትግብርዎ ዝጸንሑ፡ ነቲ ሓድሽ ናብራኦም ንምልማድ ብዙሕ ኣይከበዶምን።

14 ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንታይ ኸም ዜድልዮም ወትሩ ኣይኰኑን ዚሕብሩና። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሓብቲ ትመውት፡ ሰብኣያ ድማ ብሓዘን ይውሓጥ። እሞ ደኣ እቲ ሓውና ምግቢ ዜዳልወሉ፡ ብመጕዓዝያ ዚሕግዞ፡ ወይ ዕዮ ገዛ ዚዓይየሉ የድልዮ ድዩ፧ ጾር ከይኰነና ኢሉ የጽቅጥ ይኸውን። ተበግሶ ወሲድና ኽንሕግዞ ፍቓደኛታት ከም ዝዀነና እንተ ገሊጽናሉ ግና፡ ብዙሕ የመስግን ይኸውን። ዜድልዮ ዅሉ ብገለ ኸም ዚማልኣሉ ወይ እቲ እተሸገረ ሰብ ዜድልዮ ነገራት ከም ዚነግረና ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። የግዳስ፡ ‘ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ዝህሉ ነይረ፡ እንታይ ሓገዝ ኪግበረለይ ምደለኹ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።

15. ጥቕሚ ርእስና እንስውእ ንምዃን፡ እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

15ተቐራቢ ኹን። ነቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ድሉዋት ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን መሸም ትፈልጦም ኢኻ። ጾር ንዀኖም ከም ዘለና ዀይኑ ኸም ዚስምዓና ኣይገብሩናን እዮም። ሓገዞም ኬድልየና ኸሎ ኸም ዚሕግዙና ንፈልጥ ኢና፣ ከማታቶም እውን ክንከውን ንደሊ ኢና! ኣብ 40ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ኣለን ዚስሙ ሽማግለ፡ ተቐራቢ ኪኸውን ይደሊ እዩ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ኬስተንትን ከሎ ኸኣ ከምዚ ይብል፦ “የሱስ ብዕዮ ትሑዝ እዩ ነይሩ፣ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ ሰባት ግና ናብኡ ይስሓቡን ሓገዙ ንምሕታት ኣይስከፉን እዮም ነይሮም። ብዛዕባኦም ብሓቂ ኸም ዚሓሊ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። ከም ናይ የሱስ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኺህልወኒ እየ ብምሉእ ልበይ ዝደሊ፣ ተቐራብን ፈቃርን ሓላይን ጌርካ ኽርአ እየ ዝደሊ።”

16. ኣብ መዝሙር 119:59, 60 ዚርከብ ሓሳባት ምትግባርና፡ ኣስኣሰር ኣብነት የሱስ ኽንስዕብ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

16 ንየሱስ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኽንመስሎ እንተ ዘይክኢልና፡ ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። (ያእ. 3:2) ሓደ ተምሃራይ ስነ ጥበብ ንዕዮ ሓደ ኽኢላ ስነ ጥበበኛ ምሉእ ብምሉእ ኪቐድሖ ኣይክእልን እዩ። ካብ ጌጋታቱ እናተማህረ፡ ኣብነት እቲ ኽኢላ ስነ ጥበበኛ ኸኣ ብእተኻእሎ መጠን እናሰዓበ ምስ ከደ ግና፡ እናተመሓየሸ እዩ ዚኸይድ። ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ብብሕታዊ መጽናዕቲ ኣቢልና እንምሃሮ እንተ ተግቢርናዮ፡ ጕድለታትና ንምእራም እውን ዚከኣለና እንተ ጌርና፡ ነቲ የሱስ ዝሓደገልና ኣብነት ኣብ ምስዓብ ዕዉታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 119:59, 60 ኣንብብ።

ጥቕሚ ርእስኻ እንተ ሰዊእካ ዚርከብ ረብሓታት

ሽማግለታት ነቲ የሱስ ጥቕሚ ርእሱ ብምስዋእ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ፡ ንመንእሰያት ኣብነት ይዀንዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ) *

17-18. ጥቕሚ ርእስና ብምስዋእ ንየሱስ ክንመስሎ ኸለና፡ እንታይ ረብሓታት ኢና እንረክብ፧

17 ጥቕሚ ርእስና ናይ ምስዋእ መንፈስ፡ ናብ ካልኦት ኪተኣታቶ ይኽእል እዩ። ቲም ዝስሙ ሽማግለ ኸምዚ ይብል፦ “ዕቤት ገይሮም ኣገልገልቲ ጉባኤ ዀይኖም እተሸሙ መንእሰያት ኣሕዋት ኣለዉና፣ ገሊኦም ከኣ ገና ብንእስነቶም እዮም ተሸይሞም። ከምኡ ዝዀኑሉ ሓደ ምኽንያት፡ ኣብ ካልኦት ኣሕዋት ናይ ምግልጋል መንፈስ ስለ ዝረኣዩ እዩ። እቲ ጥቕሚ ርእሶም ሰዊኦም ዚገብርዎ ጻዕርታት ንጉባኤና ይሕግዛ፡ ንሽማግለታት እውን ብዙሕ ይድግፎም እዩ።”

18 ሎሚ፡ ኣብ ጥቕሚ ርእሳ ኣብ እተተኵር ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ህዝቢ የሆዋ ግና እተፈልዩ እዮም። በቲ የሱስ ዘርኣዮ ጥቕሚ ርእሱ ናይ ምስዋእ መንፈስ ተተንኪና ኢና፣ ኣብነቱ ንምስዓብ እውን ቈሪጽና ኢና። ልክዕ እዩ፡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኣሰሩ ኽንስዕብ ኣይንኽእልን ኢና፣ ብእተኻእለና መጠን ግና፡ ‘ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ ንኽእል ኢና።’ (1 ጴጥ. 2:21) ጥቕሚ ርእስና ብምስዋእ ንየሱስ ክንመስሎ ዚከኣለና ኽንገብር ከለና፡ ንሕና እውን ስምረት የሆዋ ብምርካብና ኽንሕጐስ ኢና።

መዝሙር 13 ክርስቶስ ኣርኣያና

^ ሕ.ጽ. 5 የሱስ ወትሩ ንኻልኦት ካብ ርእሱ የቐድም ነይሩ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብነቱ ኽንስዕብ እንኽእለሉ መገድታት ክንርኢ ኢና። ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ጥቕሚ ርእስና ምስዋእ፡ ነባሪ ጥቕምታት ከም ዜምጽኣልና እውን ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 57 መግለጺ ስእሊ፦ ዳን ዝስሙ መንእሰይ ሓው፡ ክልተ ሽማግለታት ንኣቦኡ ኣብ ሆስፒታል ኪበጽሕዎ ይርኢ። ዳን በቲ ኣብቶም ሽማግለታት ዝረኣዮ ጽቡቕ ኣብነት ይጽሎ። ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ኻልኦት ንምሕጋዝ ከኣ ይለዓዓል። በን ዝስሙ ካልእ መንእሰይ ሓው ነቲ ዳን ዜርእዮ ሓልዮት ይዕዘብ። በን በቲ ናይ ዳን ኣብነት ተተባቢዑ፡ ኣብ ጽሬት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይሕግዝ።