ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 12

እቲ ንዘካርያስ እተራእዮስ ይረኣየካዶ ኣሎ፧

እቲ ንዘካርያስ እተራእዮስ ይረኣየካዶ ኣሎ፧

“‘ብመንፈሰይ እምበር፡ ብሰራዊትን ብሓይልን ኣይኰነን’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።”—ዘካ. 4:6

መዝሙር 73 ኣትብዓና

መላለዪ *

1. ነቶም ምሩኻት ኣይሁድ እንታይ ባህ ዜብል ኵነታት እዩ ዚጽበዮም ነይሩ፧

 ዜሐጕስ እዋን እዩ ነይሩ። የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ንዓመታት ኣብ ትሕቲ ምርኮ ባቢሎን ዝነበሩ እስራኤላውያን ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ “ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ” ኣለዓዓሎ። እቲ ንጉስ፡ ኣይሁድ ናብ ዓዶም ኪምለሱን ‘ቤት የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ዳግም ኪሃንጹን’ ኣወጀ። (እዝ. 1:1, 3) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኣዋጅ ኰን እዩ ነይሩ! ከመይሲ፡ እዚ ኣዋጅ እዚ፡ ኣምልኾ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ኣብታ የሆዋ ንህዝቡ ዘረስተዮም ምድሪ ዳግም ኪምለስ ዚሕግዝ እዩ ነይሩ።

2. እቶም እተመለሱ ምሩኻት ኣብ ፈለማ እንታይ እዮም ዓሚሞም፧

2 ብ537 ቅ.ክ.፡ እቶም መጀመርታ ኻብ ምርኮ እተመለሱ ኣይሁድ፡ ናብታ ርእሰ ኸተማ ይሁዳ ዝነበረት የሩሳሌም በጽሑ። ብኡብኡ ድማ ዕዮ ህንጸት ቤተ መቕደስ ጀመሩ፡ ብ536 ቅ.ክ. ከኣ መሰረት ኣንበሩ።

3. እቶም ኣይሁድ እንታይ ተቓውሞ እዩ ኣጋጢምዎም፧

3 እቶም ኣይሁድ ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ምህናጽ ምስ ጀመሩ ግና፡ ከቢድ ተቓውሞ ኣጋጠሞም። እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ህዝቢ፡ “ንህዝቢ ይሁዳ ተስፋ የቝርጽዎም፡ ከይሃንጹ ድማ ይድህልዎም ነበሩ።” (እዝ. 4:4) እቲ ዅነታት መመሊሱ እናገደደ ኸደ። ብ522 ቅ.ክ. ኣርታሕሻስታ፡ ንጉስ ፋርስ ኰይኑ ተሾመ። * እዞም ተቓወምቲ፡ ነዚ ኣብ ስልጣን እተገብረ ለውጢ ተጠቒሞም፡ ‘ብስም ሕጊ ሽግር ብምምሃዝ’ ነቲ ዕዮ ንሓዋሩ ደው ኬብልዎ ፈተኑ። (መዝ. 94:20) ኣብቲ ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ኸኣ፡ ኣይሁድ ኪዓልዉ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ጠቐሱ። (እዝ. 4:11-16) እቲ ንጉስ ንሓሶቶም ኣሚኑ፡ ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ኣገዶ። (እዝ. 4:17-23) በዚ ኸምዚ፡ ዕዮ እቶም ተሓጒሶም ቤተ መቕደስ ዚሃንጹ ዝነበሩ ሃነጽቲ ደው በለ።—እዝ. 4:24

4. ኣንጻር ህንጸት ቤተ መቕደስ ተቓውሞ ምስ ተላዕለ የሆዋ እንታይ ገበረ፧ (ኢሳይያስ 55:11)

4 እቶም ኣረማውያን ህዝቢ እታ ምድርን ገለ ኻብ ሰበ ስልጣን ፋርስን ንዕዮ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ደው ኬብሉ ቘሪጾም ነበሩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ እቲ ዕዮ ህንጸት ኪቕጽል ወሲኑ እዩ ነይሩ። የሆዋ እንተ ወሲኑ ኸኣ የስልጥ እዩ። (ኢሳይያስ 55:11 ኣንበብ።) ስለዚ ድማ፡ ዘካርያስ ዚብሃል ተባዕ ነብዪ ኣተንስአ። ንኣይሁድ ኬተባብዕ ኢሉ ኸኣ፡ ሸሞንተ ዚምስጥ ተኸታታሊ ራእያት ኣርኣዮ። እዚ ዜተባብዕ ራእያት እዚ፡ ነቶም ኣይሁድ ንዚቃወምዎም ከይፈርህዎምን ኣብ ዕዮ የሆዋ ጥራይ ኬተኵሩን ሓጊዝዎም እዩ። ዘካርያስ ኣብታ ሓምሸይቲ ራእይ፡ ቀዋሚ ቐንዴልን ክልተ ኦም ኣውልዕን ረኣየ።

5. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

5 ኵላትና ተስፋ እንቘርጸሉ እዋናት ኣሎ። ስለዚ፡ ነቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ንምትብባዕ ኢሉ ንዘካርያስ ዘርኣዮ ሓምሻይ ራእይ ብምምርማር፡ ካብኡ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። እዚ ራእይ እዚ እንተ ተረዲኡና ድማ፡ ተቓውሞ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ለውጢ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ዘይርድኣና መምርሒ ኺውሃበና ኸሎ ንየሆዋ እሙናት ኴንና ኸነገልግሎ ይሕግዘና እዩ።

ተቓውሞ ኼጋጥመና ኸሎ

ዘካርያስ ኣብ ርእሲ ቐዋሚ ቐንዴል ናብ ዘለዋ ሸውዓተ ቐንዴል ዘይቲ ዜፍስሳ ኽልተ ኦም ኣውልዕ ብራእይ ረኣየ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6. እቲ ኣብ ዘካርያስ 4:1-3፡ ተጠቒሱ ዘሎ ብዛዕባ ቐዋሚ ቐንዴልን ክልተ ኦም ኣውልዕን ዚገልጽ ራእይ፡ ነቶም ኣይሁድ ብኸመይ እዩ ኣበርቲዕዎም፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

6 ዘካርያስ 4:1-3 ኣንብብ። እቲ ብዛዕባ ቐዋሚ ቐንዴልን ክልተ ኦም ኣውልዕን ዚገልጽ ራእይ፡ ነቶም ኣይሁድ ተቓውሞ እናሃለወ ኽነሱ፡ ኣብ ዕዮኦም ኪጸንዑ ኣበርቲዕዎም እዩ። ብኸመይ፧ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ዘየቋርጽ ምንጪ ዘይቲ ኸም ዝነበሮስ ኣስተብሂልካዶ፧ ክልተ ኦም ኣውልዕ ናብቲ ጭሔሎ፡ ዘይቲ የፍስሳ፣ ድሕሪኡ እቲ ዘይቲ ብሻምብቆታት ኣቢሉ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ናብ ዘለዋ ሸውዓተ ቐንዴል ይፈስስ። እዚ ዘይቲ ኸኣ ነተን ቀነዲል ከየቋረጻ ኸም ዚበርሃ ይገብር። ዘካርያስ ነዚ ራእይ እዚ ምስ ረኣየ፡ “እዚ እንታይ ማለት እዩ፧” ኢለ ሓተተ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ነቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦ መልእኽቲ ኸምዚ ኢሉ ነገሮ፦ “‘ብመንፈሰይ እምበር፡ ብሰራዊትን ብሓይልን ኣይኰነን’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።” (ዘካ. 4:4, 6) ዘይቲ እተን ኣእዋም፡ ነቲ ዘይነጽፍ ናይ የሆዋ ሓያል መንፈስ ቅዱስ የመልክት። ኵሉ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሃጸይ ፋርስ ምስ ሓይሊ መንፈስ ኣምላኽ ኪወዳደር ከሎ፡ ፈጺሙ ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይነበረን። እቶም ሃነጽቲ ቤተ መቕደስ፡ የሆዋ ኣብ ጐድኖም ስለ ዝነበረ፡ ዝዀነ ይኹን ተቓውሞ ተጻዊሮም፡ ዕዮኦም ኪፍጽሙ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እቲ መልእኽቲ ኣዝዩ ዜተባብዕ እዩ ነይሩ። እቶም ኣይሁድ ብየሆዋ ተኣሚኖም ናብ ዕዮኦም ኪምለሱ ጥራይ እዩ ዜድልዮም ነይሩ። ልክዕ ከምኡ ኸኣ እዮም ገይሮም። ከመይሲ፡ እገዳ እናሃለወ ኽነሱ፡ ዕዮኦም ቀጺሎም እዮም።

7. ነቶም ሃነጽቲ ቤተ መቕደስ ዕረፍቲ ዚህብ እንታይ ለውጢ እዩ ተረኺቡ፧

7 ነቶም ሃነጽቲ ቤተ መቕደስ ዕረፍቲ ዚህብ ለውጢ ተረኽበ። እንታይ ዓይነት ለውጢ፧ ዳርዮስ ቀዳማይ፡ ሓድሽ ንጉስ ፋርስ ኰይኑ ኺገዝእ ጀመረ። ኣብ ካልኣይ ዓመት ግዝኣቱ፡ ማለት ብ520 ቅ.ክ. ከኣ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህንጸት ቤተ መቕደስ እተገብረ እገዳ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ፈለጠ። ሽዑ፡ እቲ ዕዮ ኺዛዘም ዚድግፍ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። (እዝ. 6:1-3) ውሳነ እቲ ንጉስ ንብዙሓት ኣገሪሙ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ንጉስ ካብኡ ሓሊፉ እውን ዝገበሮ ነገር ነይሩ እዩ። ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ፡ ነቲ ዕዮ ኸይዓናቕፉ፡ እኳ ድኣስ፡ ብገንዘብን ብኻልእ ነገራትን ኪድግፉ ትእዛዝ ኣውጽኣሎም። (እዝ. 6:7-12) በዚ ኸምዚ፡ እቶም ኣይሁድ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ፡ ማለት ብ515 ቅ.ክ. ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ዛዘምዎ።—እዝ. 6:15

ተቓውሞ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ኣብ ሓይሊ የሆዋ ተኣመን (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)

8. ተቓውሞ ኼጋጥመካ ኸሎ ኽትተብዕ ዘሎካ ስለምታይ ኢኻ፧

8 ሎሚ እውን ብዙሓት ኣምለኽቲ የሆዋ ተቓውሞ የጋጥሞም እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕዮና ቐይዲ ኣብ እተገበረሉ ሃገራት እዮም ዚነብሩ። እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ኣሕዋት ኪእሰሩ፡ ‘ንዓታቶም ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ሹማምንትን ነገስታትን ኪቐርቡ’ ይኽእሉ እዮም። (ማቴ. 10:17, 18) ሓድሓደ እዋን፡ መንግስቲ ኪቕየር ከሎ፡ እቶም ኣሕዋት እፎይታ ይረኽቡ እዮም። ወይ ከኣ ፍትሓዊ ዝዀነ ዳኛ ኺርከብ ከሎ፡ ንዕዮና ዚድግፍ ውሳነ የመሓላልፍ እዩ። ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ካብዚ እተፈልየ ተቓውሞ የጋጥሞም እዩ። ዕዮና ኣብ እተፈቕደሉ ሃገር ዚነብሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣባላት ስድራ ቤቶም ንየሆዋ ኸየገልግሉ ይቃወምዎም እዮም። (ማቴ. 10:32-36) መብዛሕትኡ እዋን ግና፡ ጻዕርታቶም ከንቱ ምዃኑ ምስ ረኣዩ፡ ተቓውሞኦም ደው የብሉ እዮም። ሓድሓደ እዋን ድማ፡ ቀናኣት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይዀኑ እዮም። ስለዚ፡ ተቓውሞ ኼጋጥመካ ኸሎ ተስፋ ኣይትቝረጽ! ተባዕ ኩን። የሆዋ በቲ ሓያል መንፈስ ቅዱሱ ስለ ዚድግፈካ፡ ዜፍርህ የብልካን።

ለውጢ ኼጋጥመና ኸሎ

9. ገሊኦም ኣይሁድ፡ መሰረት እታ ሓዳስ ቤተ መቕደስ ኪስረት ምስ ረኣዩ፡ ስለምንታይ እዮም ጕህዮም፧

9 ገለ ኻብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣይሁድ፡ መሰረት እታ ሓዳስ ቤተ መቕደስ ኪስረት ምስ ረኣዩ፡ በኸዩ። (እዝ. 3:12) ነታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ውቅብቲ ቤተ መቕደስ ርእዮም ስለ ዝነበሩ፡ ነዛ ሓዳስ ቤተ መቕደስ ምስኣ ኼነጻጽርዋ ኸለዉ፡ “ከም ዋላ ሓንቲ” ዀይና ተራእየቶም። (ሃጌ 2:2, 3) እዛ ሓዳስ ምስታ ናይ ቀደም ምስ ኣነጻጸርዋ፡ ኣዝዮም እዮም ጕህዮም። ዘካርያስ ዝረኣዮ ራእይ ግና፡ ኣጸናኒዕዎም እዩ። ብኸመይ፧

10. እቲ ኣብ ዘካርያስ 4:8-10፡ ዚርከብ ቃላት እቲ መልኣኽ፡ ነቶም ኣይሁድ ዜጸናንዖም ብኸመይ እዩ፧

10 ዘካርያስ 4:8-10 ኣንብብ። እቲ መልኣኽ ብዛዕባ እቶም ኣይሁድ፡ “ኪሕጐሱን ኣብ ኢድ [እቲ ኣይሁዳዊ ኣመሓዳሪ ዝዀነ] ዘሩባቤል መለክዒ መንደቕ ኪርእዩን እዮም” ኪብል ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ መለክዒ መንደቕ፡ እቲ መንደቕ ብትኽክል ከም እተነድቀ ንምልካዕ ዚሕግዝ ካብ ጫፍ ንታሕቲ ዚንጥልጠል ንዋት እዩ። እቲ መልኣኽ ንህዝቢ ኣምላኽ፡ እታ ቤተ መቕደስ ንገሊኦም ዘይትማርኽ ኰይና እኳ እንተ ተሰምዓቶም፡ ክትዛዘምን ስምረት የሆዋ ኽትረክብን ምዃና እዩ ዝገልጸሎም ነይሩ። የሆዋ ብእኣ ባህ ዚብሎ ኻብ ኰነ፡ ንሳቶም እውን ብእኣ ኺሕጐሱ ነበሮም። ንየሆዋ እቲ ቐንዲ ዜገድሶ ነገር፡ እቲ ኣብታ ሓዳስ ቤተ መቕደስ ዚቐርብ ኣምልኾ ምስ መለክዒታቱ ዚሰማማዕ ምዃኑ እዩ። እቶም ኣይሁድ ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ኼምልኽዎን ስምረቱ ኺረኽቡን እንተ ጽዒሮም፡ ሓጐሶም ከም ዚምለስ ፍሉጥ እዩ ነይሩ።

ኵነታትካ ኺልወጥ ከሎ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣማዕብል (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ) *

11. ሎሚ ንገሊኦም ኣምለኽቲ የሆዋ እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞም፧

11 መብዛሕትና ለውጢ ይኸብደና እዩ። ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝነበሩ ገሊኦም፡ ኣብ ምድቦም ለውጢ ኣጋጢምዎም እዩ። ገሊኦም ከኣ፡ ብሰንኪ ዕድመ ነቲ ዚፈትውዎ መሰል ኣገልግሎቶም ኪሓድጉ ተገዲዶም እዮም። ከምዚ ዓይነት ለውጢ ምስ ዜጋጥመና ኽንጕሂ ንቡር እዩ። ኣብ ፈለማ፡ እቲ ውሳነ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድኣናን ወይ እውን ኣይንሰማምዓሉን ንኸውን። ነቲ ዝነበረና ዅነታት እውን ንናፍቖ ንኸውን። በዚ ኸምዚ ተስፋ ንቘርጽ፡ ደጊም ንየሆዋ ዚረብሕ ነገር ከነቕርበሉ ኸም ዘይንኽእል ኰይኑ እውን ይስምዓና ይኸውን። (ምሳ. 24:10) እቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ራእይ ንኣምላኽ ወትሩ ብሉጽና ኽንህቦ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

12. እቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ራእይ፡ ለውጢ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ሕጉሳት ኴንና ኽንቕጽል ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

12 ንነገራት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮ ጌርና ንርእዮ እንተ ዄንና፡ ንለውጢ ኽንዋጽኣሉ ይሕግዘና እዩ። ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ሎሚ እውን ዓብዪ ነገራት ይዓምም ኣሎ። መዓይይቱ ምዃንና ኸኣ፡ ፍሉይ መሰል እዩ። (1 ቈረ. 3:9) ናይ ኣገልግሎት ምድብና ኺልወጥ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ግና ኣይልወጥን እዩ። እምበኣር፡ ኣብ ውድብ የሆዋ ዚግበር ለውጢ ንዓኻ ብውልቂ እንተ ጸልዩካ፡ ብዛዕባኡ ኣይተስቈርቍር። ነተን “ናይ ቀደም መዓልትታት” ካብ ትናፍቕ፡ ኣብ ኣወንታዊ መዳይ እቲ ለውጢ ኸተተኵር ጸሊ። (መክ. 7:10) ክትገብሮ ኣብ ዘይትኽእል ነገራት ኣብ ክንዲ እተተኵር፡ ክትገብሮ ኣብ እትኽእል ጥራይ ኣተኵር። ካብቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ራእይ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳስነት ንምሃር ኢና። ከምዚ እንተ ጌርና፡ ኵነታትና ኺልወጥ ከሎ እውን ሕጉሳትን እሙናትን ኴንና ኽንቕጽል ንኽእል ኢና።

መምርሒ ምስዓብ ኬጸግመና ኸሎ

13. ገሊኦም እስራኤላውያን ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ኪቕጽል እተዋሃበ መምርሒ ሕማቕ ውሳነ ዀይኑ እተሰምዖም ስለምንታይ እዩ፧

13 ዳግመ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ተኣጊዱ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ነቲ ዕዮ ዝመርሕዎ ዝነበሩ ሊቀ ኻህናት እያሱን ኣመሓዳሪ ዘሩባቤልን ነታ “ቤት ኣምላኽ ዳግም ኪሃንጽዋ ጀመሩ።” (እዝ. 5:1, 2) እዚ ንገሊኦም ኣይሁድ ሕማቕ ውሳነ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ፡ ካብቶም ዕንቅፋት ኪፈጥሩ ሒዅ ዚብሉ ዝነበሩ ጸላእቲ ኺሕባእ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም እያሱን ዘሩባቤልን፡ የሆዋ ይድግፎም ከም ዘሎ መረጋገጺ የድልዮም ነይሩ እዩ፣ መረጋገጺ ኸኣ ረኺቦም እዮም። ብኸመይ፧

14. ብመሰረት ዘካርያስ 4:12, 14፡ ሊቀ ኻህናት እያሱን ኣመሓዳሪ ዘሩባቤልን እንታይ መረጋገጺ እዩ ተዋሂብዎም፧

14 ዘካርያስ 4:12, 14 ኣንብብ። ኣብዚ ዘካርያስ ዝረኣዮ ራእይ፡ እቲ መልኣኽ ነቲ እሙን ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ዘካርያስ፡ እተን ክልተ ኦም ኣውልዕ፡ ነቶም “ክልተ ቕቡኣት፡” ማለት ንእያሱን ንዘሩባቤልን ከም ዜመልክታ ነገሮ። እዞም ክልተ ሰብኡት፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ “ኣብ ጐድኒ እቲ ጐይታ ብዘላ ምድሪ” ዝዀነ የሆዋ ደው ከም ዝበሉ ጌርካ እዮም ተገሊጾም። ኣየ ኸመይ ዝበለ ኽብሪ እዩ ተዋሂብዎም! የሆዋ ብእኦም ይተኣማመን ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ እቶም እስራኤላውያን ብጾቶም ነቲ ንሳቶም ዚገብርዎ ውሳነታትን ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚመጽእ ዝዀነ ይኹን መምርሕን ኪኣምንዎ ብቝዕ ምኽንያት ነይርዎም እዩ።

15. ነቲ የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ዚህበና መምርሒ ኸም እነኽብሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

15 ሎሚ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንህዝቡ መምርሒ ዚህብሉ መገዲ፡ ብቓሉ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ እዩ። በዚ ቕዱስ መጽሓፍ ኣቢሉ ብቕቡል መገዲ ብኸመይ ከም እነምልኾ ይነግረና እዩ። ነቲ ብቓል ኣምላኽ ኣቢሉ ዚውሃበና መምርሒ ኸም እነኽብሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ብኣቓልቦ ብምንባብን ግዜ ወሲድና ኽንርድኦ ብምጽዓርን እዩ። እምበኣር፡ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ሓደ ኻብ ጽሑፋትና ኸንብብ ከለኹ፡ ግዜ ወሲደ አስተንትነሉ ድየ፧ ነቲ “ንምርዳኡ ዜሸግር” ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምርምር እገብረሉ ድየ፧ ወይስ ነቲ ጽሑፍ ሕልፍ ሕልፍ ኢለ እየ ዘንብቦ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። (2 ጴጥ. 3:16) ግዜ ወሲድና ነቲ የሆዋ ዚምህረና ኣጸቢቕና ንሓስበሉ እንተ ዄንና፡ መምርሒታቱ ኽንስዕብን ዕዮ ስብከትና ኽንፍጽምን ኢና።—1 ጢሞ. 4:15, 16

ብመምርሒ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ተኣማመን (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ) *

16. እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዜውጽኦ መምርሒ ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይተረዲኡና፡ ክንእዘዞ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

16 የሆዋ መምርሒኡ ዚህበሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ እዩ። (ማቴ. 24:45) ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡ ምሉእ ብምሉእ ዘይርድኣና መምርሒ ይህብ ይኸውን። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ባህርያዊ ሓደጋ፡ ክንገብሮ ዘሎና ዝርዝር ሓበሬታ ይውሃበና ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ከባቢና ባህርያዊ ሓደጋ ኣጋጢሙ ስለ ዘይፈልጥ፡ ‘እዚ ሓበሬታ ንዓና ዚምልከት ኣይኰነን’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። ወይ ከኣ ኣብ እዋን ለበዳ፡ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣመና ጥንቃቐ ዜርኢ ዘሎ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። እቲ ዚውሃበና መምርሒ ግብራዊ ዀይኑ እንተ ዘይተሰሚዑና፡ እንታይ ክንገብር ይግባእ፧ እስራኤላውያን ነቲ ብእያሱን ብዘሩባቤልን ኣቢሉ እተዋህቦም ምኽሪ ብምስዓቦም፡ ከም እተጠቕሙ ንዘክር። ብዛዕባ ዘንበብናዮ ኻልእ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ሓድሓድ ግዜ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብሰብኣዊ ኣረኣእያ ግብራዊ ዘይመስል፡ ግናኸ ህይወት ዜድሕን መምርሒታት ይቕበሉ ነይሮም እዮም።—መሳ. 7:7፣ 8:10

እቲ ንዘካርያስ እተረኣዮ ይርአኻ

17. እቲ ብዛዕባ ቐዋሚ ቐንዴልን ክልተ ኦም ኣውልዕን ዚገልጽ ራእይ፡ ኣብቶም ኣይሁድ እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ፧

17 እታ ዘካርያስ ዝረኣያ ሓምሸይቲ ራእይ ሓጻር እኳ እንተ ዀነት፡ ነቶም ኣይሁድ ግና ንዕዮኦምን ንኣምልኾኦምን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺሕዙ ሓጊዛቶም እያ። ምስቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ራእይ ተሳንዮም ምስ ተመላለሱ ኸኣ፡ መምርሕን ፍቕራዊ ደገፍን የሆዋ ረኺቦም እዮም። የሆዋ እውን በቲ ሓያል መንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ፡ ነቲ ዕዮ ኪቕጽሉን ሓጐሶም ኪዕቅቡን ሓጊዝዎም እዩ።—እዝ. 6:16

18. ዘካርያስ ዝረኣዮ ራእይ ብኸመይ ይጸልወካ፧

18 እቲ ዘካርያስ ብዛዕባ ቐዋሚ ቐንዴልን ክልተ ኦም ኣውልዕን ዝረኣዮ ራእይ፡ ኣብ ህይወትካ ሓያል ጽልዋ ኼሕድረልካ ይኽእል እዩ። ከምቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዝረኣናዮ፡ ተቓውሞ ኼጋጥመካ ኸሎ ብርታዐ ኺህበካ፡ ለውጢ ኼጋጥመካ ኸሎ ሓጐስካ ኽትዕቅብ፡ ንምርዳኡ ዜጸግመካ መምርሒ ኺውሃበካ ኸሎ ብእምነት ክትእዘዝ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብ ህይወትካ ብድሆታት ኬጓንፈካ ኸሎ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ፈለማ፡ ነቲ ዘካርያስ ዝርኣዮ ራእይ፡ ማለት ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዚሓሊ ዚገልጽ መርትዖ ርኣዮ። ድሕሪኡ፡ ብየሆዋ ተኣመን፡ ብምሉእ ልብኻ ኸኣ ብቐጻሊ ኣምልኾ። (ማቴ. 22:37) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ንዘለኣለም ብሓጐስ ከተገልግሎ ኺሕግዘካ እዩ።—ቈሎ. 1:10, 11

መዝሙር 7 የሆዋ እዩ ሓይልና

^ ሕ.ጽ. 5 የሆዋ ንዘካርያስ ተኸታታሊ ባህ ዜብል ራእያት ኣርኣዮ። እቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ራእይ፡ ንዕኡን ንህዝቢ የሆዋን ንጹህ ኣምልኾ ዳግም ኪመልሱ ኸለዉ ንዘጋጠሞም ፈተናታት ኪሰግሩ ኣበርቲዕዎም እዩ። እቲ ራእያት ንዓና እውን ፈተናታት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ንየሆዋ እሙናት ኴንና ኸነገልግሎ ይሕግዘና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብቲ ዘካርያስ ብዛዕባ ቐዋሚ ቐንዴልን ኣእዋም ኣውሊዕን ዝረኣዮ ራእይ፡ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኸም እንረክብ ክንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 3 እቲ ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት ብግዜ ሹም ነህምያ ዚገዝእ ዝነበረ ኣርታሕሻስታ፡ ካልእ ኣርታሕሻስታ እዩ፣ ንሱ ኸኣ ንኣይሁድ ይልውሃሎም ነበረ።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ብምኽንያት ዕድመን ጥዕናን ንዘጋጠሞ ለውጥታት ኪቕበሎ ኸም ዜድሊ ይሓስብ።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ፡ የሆዋ ኸምቲ ንእያሱን ንዘሩባቤልን ዝሓገዞም፡ ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” እውን ይሕግዞ ኸም ዘሎ ተስተንትን።