ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 13

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንሓጐስካ የዕዝዞ

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንሓጐስካ የዕዝዞ

“ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ . . . ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”—ራእ. 4:11

መዝሙር 31 ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ!

መላለዪ *

1-2. ኣምልኾና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

 ነታ “ኣምልኾ” እትብል ቃል ክትሰምዕ ከለኻ፡ ብኣእምሮኻ እንታይ ኢኻ እትስእል፧ ምናልባት ኣብ ጥቓ ዓራቱ ተምበርኪኹ ልባዊ ጸሎት ዜቕርብ ትሑት ሓው፡ ወይ ከኣ፡ ሓቢሮም መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ዘለዉ ሕጉሳት ስድራ ቤት ትስእል ትኸውን።

2 ኣብ ክልቲኡ ኣብነታት፡ እቶም ሰባት ኣምልኾ እዮም ዜቕርቡ ዘለዉ። የሆዋኸ ነቲ ኣምልኾኦም ይቕበሎ ድዩ፧ ምስ ዕላማኡ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ፡ ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ከኣ እንተ ቐሪቡ ይቕበሎ እዩ። ንየሆዋ ኣዚና ነፍቅሮ ኢና። ኪምለኽ ከም ዚግብኦ ስለ እንፈልጥ ከኣ፡ ኣምልኾና ብሉጽ ኪኸውን ንደሊ ኢና።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብግዜ ጥንቲ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ዝነበሮ ኣምልኾን ኣብዚ ግዜና ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ዘለዎ ሸሞንተ መዳይ ኣምልኾን ክንርኢ ኢና። ነዚ ኽንምርምር ከለና፡ ነፍሲ ወከፍና ብኸመይ ኣምልኾና ኸነመሓይሽ ከም እንኽእል ንሕሰብ። ብዘይካዚ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ሕጉሳት ዚገብረና ስለምንታይ ምዃኑ ክንርኢ ኢና።

ብግዜ ጥንቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ዝነበሮ ኣምልኾ

4. ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ኣምልኽቲ የሆዋ፡ ንዕኡ ኸም ዜፍቅርዎን ከም ዜኽብርዎን ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

4 ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ኸም እኒ ኣቤል፡ ኖህ፡ ኣብርሃም፡ እዮብ ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት፡ ንየሆዋ ኣኽብሮትን ፍቕርን ኣርእዮም እዮም። ብኸመይ፧ ብተኣዛዝነቶምን ብእምነቶምን ብመስዋእትታቶምን ኣቢሎም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣምልኾኦም ኪገብርዎ ብዛዕባ ዝነበሮም ነገራት ብዝርዝር ኣይገልጸልናን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ንየሆዋ ብሉጾም ብምሃብ ኣኽቢሮምዎ እዮም። ኣምልኾኦም ከኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ነይርዎ እዩ። ጸኒሑ የሆዋ ንዘርኢ ኣብርሃም፡ ሕጊ ሙሴ ሃቦም። እዚ ሕጊ ኸኣ፡ ንየሆዋ በቲ ንሱ ዚቕበሎ መገዲ ብኸመይ ኬምልኽዎ ኸም ዚግባእ ዚገልጽ ዝርዝር መምርሒታት ዝሓዘ እዩ ነይሩ።

5. ድሕሪ ሞትን ትንሳኤን የሱስ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እንታይ ለውጢ እዩ ተገይሩ፧

5 ድሕሪ ሞትን ትንሳኤን የሱስ፡ የሆዋ ንክርስትያናት ብሕጊ ሙሴ ኺምርሑ ኣይጽበዮምን እዩ ነይሩ። (ሮሜ 10:4) ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ማለት “ሕጊ ክርስቶስ” ኪስዕቡ እዩ ዚደልዮም ነይሩ። (ገላ. 6:2) ነዚ ኸኣ ብዙሕ ግበር ኣይትግበር ዚብል ነዊሕ ዝርዝር ብምሽምዳድ ዘይኰነስ፡ ኣብነት የሱስን ትምህርትታቱን ብምስዓብ እዮም ኪገብርዎ ዚኽእሉ ነይሮም። ሎሚ እውን ክርስትያናት ንየሆዋ ምእንቲ ኼሐጕሱን “ዕረፍቲ” ምእንቲ ኺረኽቡን፡ ኣስኣሰር ክርስቶስ ኪስዕቡ ዚከኣሎም ይገብሩ እዮም።—ማቴ. 11:29

6. እዛ ዓንቀጽ ብኸመይ እያ እትሕግዘና፧

6 ንመዳያት ኣምልኾና በብሓደ ኽትምርምር ከለኻ፡ ‘ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እንታይ ምዕባለ ገይረ፧ ንኣምልኾይ ከመሓይሾ እኽእል ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። በቲ ዝገበርካዮ ምምሕያሽ ባህ ይበልካ። ግናኸ፡ ተወሳኺ ምምሕያሻት ምእንቲ ኽትገብር ብጸሎት ሕሰበሉ።

ኣምልኾና እንታይ የጠቓልል፧

7. የሆዋ ብዛዕባ ልባዊ ጸሎትና እንታይ ይስምዖ፧

7 ክንጽሊ ኸለና ንየሆዋ ነምልኾ ኢና። ቅዱሳት ጽሑፋት ንጸሎትና፡ ምስቲ ኣብ ማሕደር፡ ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ብጥንቃቐ ተዳልዩ ዚቐርብ ዝነበረ ዕጣን የመሳስሎ እዩ። (መዝ. 141:2) እቲ ዕጣን ንየሆዋ ባህ ዜብል ጥዑም ጨና ነይርዎ። ብተመሳሳሊ፡ ልባዊ ጸሎትና፡ ዋላ እውን ብቐሊል ቃላት ዚቐርብ፡ “ባህ” የብሎ እዩ። (ምሳ. 15:8፣ ዘዳ. 33:10) የሆዋ ፍቕርናን ሞሳናን ክንገልጸሉ ኸለና፡ ባህ ኢልዎ ኸም ዚሰምዓና ዜእምነና ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ብዛዕባ ዜተሓሳስበና ነገራት፡ ብዛዕባ ተስፋና፡ ብዛዕባ ድሌታትና ኽንነግሮ ይደልየና እዩ። ናብ የሆዋ ቕድሚ ምጽላይካ፡ እንታይ ከም እትብል ተጠንቂቕካ ኽትሓስበሉ ጽቡቕ እዩ። ከምዚ እንተ ጌርካ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ብሉጽ “ዕጣን” ተቕርበሉ ኢኻ።

8. ንኣምላኽ እንውድሰሉ እንታይ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ዘሎና፧

8 ውዳሰ ኸነቕርብ ከለና ንየሆዋ ነምልኾ ኢና። (መዝ. 34:1) ብዛዕባ እቲ ዜገርም ባህርያትን ግብርታትን የሆዋ ብኣድንቖት ክንዛረብ ከለና፡ ንውድሶ ኢና ዘለና። ካብ መማሰዊ ልቢ፡ ውዳሰ ይፍልፍል እዩ። ግዜ ወሲድና ብዛዕባ ሕያውነት የሆዋ፡ ማለት ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዝገበረልና ነገራት ነስተንትን እንተ ደኣ ዄንና፡ ንየሆዋ እንውድሰሉ ብዙሕ ምኽንያት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ዕዮ ስብከት፡ ‘ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ውዳሰ፡ ማለት ፍረ ኸናፍርና፡ ከነቕርብ’ ፍሉይ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። (እብ. 13:15) ልክዕ ከምቲ ናብ የሆዋ ቕድሚ ምጽላይና እንታይ ከም እንብል ተጠንቂቕና ኽንሓስበሉ ዘሎና፡ ኣብ ኣገልግሎት ንኻልኦት ቅድሚ ምዝራብና እውን ብዛዕባ እቲ እንዛረቦ ተጠንቂቕና ኽንሓስብ ኣሎና። ከመይሲ፡ እቲ እነቕርቦ “መስዋእቲ ውዳሰ” ብሉጽ ኪኸውን ኢና እንደልዮ። ስለዚ ኸኣ ኢና ንኻልኦት ሓቂ ኸነካፍል ከለና፡ ካብ ልብና እንዛረብ።

9. ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብሓንሳብ ክንእከብ ከለና ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧ ብብሕትኻኸ ብኸመይ ተጠቒምካ፧

9 ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ ከለና ንየሆዋ ነምልኾ ኢና። ነቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ “ተባዕታይካ ዘበለ ዅሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ፡ ኣብታ ንሱ ዚሓርያ ቦታ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ይርአ” ዚብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ። (ዘዳ. 16:16) እዚ ማለት ከኣ፡ ኣባይቶምን ዘራእቶምን ብዘይ ሓላዊ ሓዲጎም ኪኸዱ ነይርዎም ማለት እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ፡ “ገጽ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትርኢ ኢልካ ኽትድይብ ከለኻ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ንምድርኻ ኣይኪትምነን እዩ” ኢሉ ቓል ኣትዩሎም እዩ። (ዘጸ. 34:24) እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም እስራኤላውያን፡ ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ብምትእምማን ኣብቲ ዓመታዊ በዓላት ይሳተፉ ነይሮም እዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ብዙሕ ዓስቢ ይረኽቡ ነበሩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኽ ብዝያዳ ይምሃሩ፡ ብዛዕባ ሕያውነት የሆዋ የስተንትኑ፡ ከምኡ እውን ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩ ብጾቶም ብምእካቦም ባህ ይብሎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 16:15) ንሕና እውን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእንቲ ኽንእከብ መስዋእቲ እንተ ጌርና፡ ተመሳሳሊ ጥቕምታት ንረክብ ኢና። ግቡእ ምድላው ብምግባር፡ ሓጺርን ትርጉም ዘለዎን ሓሳብ ክንህብ ከለና፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ከም ዚብሎ እሞ ሕሰቦ።

10. መዝሙር፡ ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣምልኾና ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

10 ብሓባር ክንዝምር ከለና ንየሆዋ ነምልኾ ኢና። (መዝ. 28:7) እስራኤላውያን ንመዝሙር ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣምልኾኦም ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። ንጉስ ዳዊት፡ 288 ሌዋውያን ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኪዝምሩ መዲቡ ነይሩ እዩ። (1 ዜና 25:1, 6-8) ሎሚ እውን ክንዝምር ከለና፡ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ንገልጽ ኢና። እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ጽባቐ ድምጽና ኣይኰነን። ነዚ ዚስዕብ ምስስል እስከ ንርአ፦ ክንዛረብ ከለና፡ ‘ኵላትና ብዙሕ ሳዕ ንስሕት’ እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ጉባኤ ይኹን ኣብ ኣገልግሎት ካብ ምዝራብ ድሕር ኣይንብልን ኢና። (ያእ. 3:2) ብተመሳሳሊ፡ ‘ድምጽና ብሉጽ ኣይኰነን’ ዚብል ሓሳብ፡ ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ኻብ ምዝማር ኪዓግተና ኣይነፍቅደሉ።

11. ከምቲ ኣብ መዝሙር 48:13 ተገሊጹ ዘሎ፡ ብስድራ ቤት መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ግዜ ኽንምድብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕን ንደቅና ብዛዕባኡ ኽንምህሮምን ከለና ንየሆዋ ነምልኾ ኢና። እስራኤላውያን ኣብ መዓልቲ ሰንበት ነቲ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ኣወጊኖም፡ ናብቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ርክብ ኬተኵሩ ኣጋጣሚ ይረኽቡ ነይሮም እዮም። (ዘጸ. 31:16, 17) እቶም እሙናት ዝነበሩ ኸኣ፡ ንደቆም ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ሕያውነቱን ይምህርዎም ነይሮም እዮም። ንሕና እውን ብብሕትና ቓል ኣምላኽ ንምንባብን ንምጽናዕን ዚኸውን ግዜ ኽንምድብ ኣሎና። እዚ፡ ክፍሊ ኣምልኾና እዩ፣ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ኸኣ ይሕግዘና። (መዝ. 73:28) ብስድራ ቤት መጽናዕቲ ኽንገብር ከለና ኸኣ፡ ነቲ ሓድሽ ወለዶ፡ ማለት ንደቅና ምስቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ናይ ቀረባ ዕርክነት ኬማዕብሉ ንሕግዞም ኢና።—መዝሙር 48:13 ኣንብብ

12. ካብቲ የሆዋ ንዕዮ እቶም ኣቕሑ ማሕደር ዝሰርሑ ሰባት ዝረኣየሉ መገዲ እንታይ ንምሃር፧

12 ቦታታት ኣምልኾ ኽንሃንጽን ክንጽግንን ከለና ንየሆዋ ነምልኾ ኢና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስራሕ እቲ ማሕደርን ኣቕሑኡን፡ “ቅዱስ ዕዮ” ተባሂሉ ኣሎ። (ዘጸ. 36:1, 4) ሎሚ እውን ዕዮ ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ካልእ ቲኦክራስያዊ ህንጻታትን፡ ብኣረኣእያ የሆዋ ቕዱስ ኣገልግሎት እዩ። ገለ ኣሕዋትን ኣሓትን ብዙሕ ግዜኦም ኣብዚ ንጥፈታት እዚ የሕልፉ እዮም። ነዚ ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገብርዎ ዘለዉ ኣገዳሲ ኣበርክቶ፡ ነማስወሉ ኢና። ልክዕ እዩ፡ እዞም ኣሕዋት እዚኦም፡ ኣብ ዕዮ ስብከት እውን ይሳተፉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ፈለምቲ ኪዀኑ ይደልዩ ይዀኑ። ሽማግለታት ጉባኤ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጻዕራማት ሰብኡትን ኣንስትን ብቑዓት እንተ ዀይኖም፡ ፈለምቲ ገይሮም ካብ ምሻም ድሕር ምሕር ኪብሉ የብሎምን። ከምዚ ብምግባር ከኣ፡ ነቲ ዕዮ ህንጸት ዘለዎም ደገፍ የርእዩ። ኣብ ዕዮ ህንጸት ክእለት ይሃልወና ኣይሃልወና ብዘየገድስ፡ ኵላትና ነዚ ህንጻታት እዚ ኣብ ምጽራይን ኣብ ምክንኻንን ክንሳተፍ ንኽእል ኢና።

13. ነቲ ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ እንገብሮ ወፈያ፡ ብኸመይ ክንርእዮ ይግባእ፧

13 ብወፈያና ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ክንድግፍ ከለና ንየሆዋ ነምልኾ ኢና። እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥራይ ኢዶም ኪቐርቡ ኣይነበሮምን። (ዘዳ. 16:16) ኣብ ክንዳኡስ፡ ከከም ዓቕሞም፡ ህያብ ኬምጽኡ ነበሮም። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ንመንፈሳውነቶም ተባሂሉ እተገብረ ምድላዋት፡ ሞሳኦም ይገልጹ ነይሮም። ንሕናኸ ነቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ነቲ ንመንፈሳዊ መሰናድዎታት ዘሎና ሞሳን ብኸመይ ክንገልጽ ንኽእል፧ ሓደ መገዲ፡ ንጉባኤናን ንዓለምለኻዊ ዕዮን ከከም ዓቕምና ገንዘባዊ ደገፍ ብምግባር እዩ። ብዛዕባ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ቅድም ድሉውነት እንተ ኣልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ኣዝዩ ቕቡል እዩ እምበር፡ ብዘይብሉ ኣይኰነን” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። (2 ቈረ. 8:4, 12) የሆዋ መጠኑ ብዘየገድስ፡ ነቲ ብፍታው ልቢ እንገብሮ ወፈያ፡ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ።—ማር. 12:42-44፣ 2 ቈረ. 9:7

14. ብመሰረት ምሳሌ 19:17፡ ንእተጸገሙ ኣሕዋትና ኽንሕግዝ ከለና፡ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧

14 ንእተጸገሙ ክርስትያናት ብጾትና ኽንሕግዝ ከለና ንየሆዋ ነምልኾ ኢና። የሆዋ ነቶም ንድኻታት ዚልግሱሎም ዝነበሩ እስራኤላውያን ከም ዚባርኾም ቃል ኣትዩሎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 15:7, 10) እወ፡ ንእተጸገሙ ክርስትያናት ብጾትና ኽንሕግዝ ከለና፡ የሆዋ ንዕኡ ኸም እተዋህበ ህያብ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። (ምሳሌ 19:17 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ እቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ነቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ጳውሎስ ህያብ ምስ ለኣኹሉ፡ ጳውሎስ ነቲ ህያብ፡ “ንኣምላኽ ዜሐጕስ ቅቡል መስዋእቲ” ኢሉ ሰምይዎ ኣሎ። (ፊል. 4:18) ኣብ ጉባኤኻ ብዛዕባ ዘለዉ ኣሕዋት ሕሰብ እሞ፡ ‘ክሕግዞ ዝኽእል ሰብ ኣሎዶ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። የሆዋ ግዜናን ጕልበትናን ክእለትናን ጥሪትናን ንእተጸገሙ ንምሕጋዝ ክንጥቀመሉ ኺርኢ ኸሎ፡ ባህ ይብሎ እዩ። ክፍሊ ኣምልኾና ኸም ዝዀነ ገይሩ ኸኣ እዩ ዚርእዮ።—ያእ. 1:27

ናይ ሓቂ ኣምልኾ የሐጕሰና

15. ናይ ሓቂ ኣምልኾ ግዜን ጻዕርን ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ከቢድ ዘይኰነ ግና ስለምንታይ እዩ፧

15 ናይ ሓቂ ኣምልኾ ግዜን ጻዕርን ይሓትት እዩ። ግናኸ፡ ከቢድ ኣይኰነን። (1 ዮሃ. 5:3) ከመይሲ፡ ንየሆዋ በቲ ንዕኡ ዘለና ፍቕሪ ተደሪኽና ኢና እነምልኾ። ንኣቦኡ ህያብ ኪህብ ዚደሊ ንእሽቶ ቘልዓ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። እቲ ቘልዓ ንኣቦኡ ስእሊ ኺስእለሉ ሰዓታት ይወስደሉ ይኸውን፡ በዚ ግና ኣይጠዓስን እዩ። ስለምንታይሲ፡ ንኣቦኡ የፍቅሮ እዩ፣ ንዕኡ ህያብ ምሃብ ከኣ የሐጕሶ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ፡ እቲ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እነውዕሎ ግዜን ጻዕርን የሐጕሰና ደኣ እምበር፡ ኣየጣዕሰናን እዩ።

16. ብመሰረት እብራውያን 6:10፡ የሆዋ ነቲ ነፍሲ ወከፍና ኸነሐጕሶ ኢልና እንገብሮ ጻዕሪ ብኸመይ ይርእዮ፧

16 ፈቃራት ወለዲ ኻብ ነፍሲ ወከፍ ውሉዶም ሓደ ዓይነት ህያብ ኪቕበሉ ኣይጽበዩን እዮም። ዓቕሚ ደቆም እተፈላለየ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዓቕሚ ነፍሲ ወከፍና ኸም ዚፈላለ ይፈልጥ እዩ። ምናልባት ካብ ብዙሓት እትፈልጦምን እትፈትዎምን ሰባት ንላዕሊ ኽትገብር ትኽእል ትኸውን። ወይ ከኣ ብሰንኪ ዕድመ፡ ጥዕና፡ ወይ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነት፡ ማዕረ ኻልኦት ክትገብር ኣይትኽእልን ትኸውን። በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። (ገላ. 6:4) የሆዋ ንዕዮኻ ኣይርስዖን እዩ። ብቕኑዕ ድራኸ ተበጊስካ ብሉጽካ ትህብ እንተ ኣሊኻ፡ ባህ ይብሎ እዩ። (እብራውያን 6:10 ኣንብብ።) የሆዋ ሓሳብ ልብኻ እውን ከይተረፈ፡ ይፈልጥ እዩ። በቲ ኸተቕርበሉ እትኽእል ኣምልኾ፡ ሕጉስን ዕጉብን ክትከውን ይደልየካ እዩ።

17. (ሀ) ገሊኡ መዳያት ኣምልኾና ምግባሩ ዚኸብደና እንተ ኰይኑ፡ እንታይ ስጕምትታት ኢና ኽንወስድ እንኽእል፧ (ለ) ኣብታ “ ንሓጐስካ ኣዕዝዞ” ዘርእስታ ሳጹን፡ ተዘርዚሩ ኻብ ዘሎ መዳያት ኣየናይ ሓጊዙካ፧

17 ከም ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ወይ ብግህዶ ዚግበር ኣገልግሎት ዝኣመሰለ ገሊኡ መዳያት ኣምልኾና ምግባሩ እንተ ኸቢዱናኸ፧ ኣብዚ ንጥፈታት እዚ፡ ብዝያዳ ብዝተሳተፍና መጠን ብዝያዳ ንፈትዎን ብዝያዳ ንጥቀምን ኢና። ንኣምልኾና ምስ ምውስዋስ ኣካላት ወይ ምስ ምልምማድ መሳርሒ ሙዚቃ ኸነመሳስሎ ንኽእል ኢና። ነቲ ልምምድ ሳሕቲ ጥራይ ንገብሮ እንተ ዄንና፡ ክሳዕ ክንድቲ ኣይነመሓይሽን ንኸውን። ክፍሊ መዓልታዊ ህይወትና ኽንገብሮ እንተ ወሲንናኸ፧ ኣብ መጀመርታ፡ ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ንምድበሉ ንኸውን። ጸኒሕና ግና፡ ከነስፍሖ ንኽእል ኢና። ንጻዕርታትና ጽቡቕ ውጽኢት ምስ ረኸብናሉ ድማ፡ ተሃንጢና ንጽበዮን ንፈትዎን ኢና። እዚ ኣብ ኣምልኾና እውን ዚውዕል እዩ።

18. ኣብ ህይወትና እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ እንታይ እዩ፧ ከምኡ ብምግባርናኸ እንታይ ውጽኢት ንረክብ፧

18 ኣብ ህይወትና ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር፡ ብምሉእ ልብና ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ሕጂ ሕጉስን ትርጉም ዘለዎን ህይወት ንመጻኢ ኸኣ ንየሆዋ ንዘለኣለም ናይ ምምላኽ ተስፋ ይህልወና። (ምሳ. 10:22) የሆዋ ኣብ ግዜ ጸገማትና ኸም ዚድግፈና ምፍላጥና ጥራይ እኳ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኣምጺኡልና እዩ። (ኢሳ. 41:9, 10) ብሓቂ እምበኣር፡ ነቲ ኻብ ኵሎም ፍጡራቱ “ግርማን ክብርን” ንምውሳድ ብቑዕ ዝዀነ ፈቃር ኣቦና ብምምላኽና፡ ሕጉሳት ኢና።—ራእ. 4:11

መዝሙር 24 ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ

^ ሕ.ጽ. 5 የሆዋ ንዅሉ ነገራት ስለ ዝፈጠረ፡ ኪምለኽ ይግብኦ እዩ። ትእዛዛቱ እንተ ሓሊናን ምስ ስርዓታቱ ተሰማሚዕና እንተ ተመላሊስናን ከኣ፡ ነቲ እነቕርቦ ኣምልኾ ይቕበሎ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሸሞንተ እተፈላለየ መዳያት ኣምልኾና ኽንርኢ ኢና። ኣብዚ መዳያት እዚ ዘሎና ተሳትፎ ብኸመይ ከም እነመሓይሾን እዚ ኸኣ ንሓጐስና ብኸመይ ከም ዜዕዝዞን እውን ክንምርምር ኢና።