ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 14

ኣቱም ሽማግለታት፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ምሰልዎ

ኣቱም ሽማግለታት፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ምሰልዎ

“ንዓይ ምሰሉ።”—1 ቈረ. 11:1

መዝሙር 99 ኣእላፋት ኣሕዋት

መላለዪ *

1-2. ኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሎሚ ንዘለዉ ሽማግለታት ብኸመይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

 ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣሕዋቱ የፍቅሮም ነበረ። ምእንቲ ኺሕግዞም ድማ ደኺመ ኸይበለ ይጽዕር ነበረ። (ግብ. 20:31) ንሳቶም ከኣ፡ ኣዝዮም የፍቅርዎ ነበሩ። ሓደ እዋን፡ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሽማግለታት፡ ዳግም ከም ዘይርእይዎ ምስ ፈለጡ፡ “ብዙሕ በኸዩ።” (ግብ. 20:37) ውፉያት ሽማግለታት እውን ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ኣዝዮም የፍቅርዎም እዮም። ንምሕጋዞም ከኣ ዚከኣሎም ይጽዕሩ እዮም። (ፊል. 2:16, 17) እንተዀነ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ ንሽማግለታት ብድሆታት የጋጥሞም እዩ። ነዚ ብድሆታት እዚ ኺዋጽኡሉ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

2 ህርኩታት ሽማግለታት ካብ ኣብነት ጳውሎስ ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረ. 11:1) ጳውሎስ ልዕለ ሰብኣዊ ኽእለት ኣይነበሮን። ዘይፍጹም ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ዚቃለሰሉ እዋናት ነይሩ እዩ። (ሮሜ 7:18-20) ካልእ እተፈላለየ ጸገማት እውን ነይርዎ እዩ። ጳውሎስ ግና፡ በዚ ተስፋ ኣይቈረጸን ወይ ሓጐሱ ኣየጥፍአን። ሽማግለታት እውን ንጳውሎስ ብምምሳል፡ ብድሆታቶም ሰጊሮም ሓጐሶም ከየጥፍኡ ንየሆዋ ኼገልግልዎ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ብኸመይ ኪገብርዎ ኸም ዚኽእሉ እስከ ንርአ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንሽማግለታት ዜጋጥሞም ኣርባዕተ ብድሆ ክንምርምር ኢና። እዚ ኸኣ፦ (1) ንዕዮ ስብከትን ንኻልእ ሓላፍነታትን ግዜ ምምዳብ፡ (2) ሓላዪ ጓሳ ምዃን፡ (3) ምስ ዘይፍጽምናኻ ምቅላስ፡ (4) ንዘይፍጽምና ኻልኦት ምጽዋር። ብተወሳኺ፡ ጳውሎስ ነዚ ብድሆታት እዚ ብኸመይ ከም እተዋጽኣሉን ሽማግለታት ከኣ ብኸመይ ኣብነቱ ኪስዕቡ ከም ዚኽእሉን ክንርኢ ኢና።

ንዕዮ ስብከትን ንኻልእ ሓላፍነታትን ግዜ ምምዳብ

4. ሽማግለታት ኣብ ዕዮ ስብከት ዘለዎም መሪሕ ግደ በዳሂ ኪዀኖም ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

4 በዳሂ ዝዀነሉ ምኽንያት። ሽማግለታት ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ዘለዎም መሪሕ ግደ፡ ካልእ ብዙሕ ሓላፍነታት እውን ኣለዎም። ንኣብነት፡ ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን በብተራ ኣቦ መንበር ይዀኑ፡ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ይመርሑ እዮም። ካልእ መደረታት እውን ይህቡ እዮም። ብዘይካዚ፡ ንኣገልገልቲ ጉባኤ ብትግሃት የሰልጥኑ፡ ንኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ ተሓጒሶም የተባብዑ እዮም። (1 ጴጥ. 5:2) ገሊኦም ሽማግለታት ከኣ፡ ኣብ ህንጸትን ጽገናን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ካልእ ቲኦክራስያዊ ህንጻታትን ይሳተፉ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ሽማግለታት ከም ኵሎም ኣስፋሕቲ ጉባኤ፡ ብቐዳምነት ሰበኽቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እዮም።—ማቴ. 28:19, 20

5. ጳውሎስ ምስ ዕዮ ስብከት ብእተተሓሓዘ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧

5 ኣብነት ጳውሎስ። ንጳውሎስ ቀንዲ ዘዐወቶ ነጥቢ፡ ኣብ ፊልጲ 1:10 ተገሊጹ ኣሎ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ጳውሎስ፡ ‘እቲ ዚሓይሽ መርምሩ’ ኢሉ ምዒዱና ኣሎ። ንሱ ባዕሉ ነዚ ማዕዳ ዓዪሉ እዩ። ሰባኺ ኪኸውን ምስ ተመዝዘ ኸኣ፡ ነቲ ዕዮ ስብከት ኣብ ህይወቱ ኣገዳሲ ቦታ ብምሃብ፡ “ብግህዶን ኣብ በቤትን” ይምስክር ነበረ። (ግብ. 20:20) ኣብ መዓልቲ እተወሰነ ሰዓት፡ ወይ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይኰስ፡ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ እዩ ዚሰብኽ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣቴንስ ንብጾቱ ኺጽበዮም ከሎ፡ ንምርኡያት ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸሎም። እዚ ኸኣ ጽቡቕ ውጽኢት ነበሮ። (ግብ. 17:16, 17, 34) ኣብ “ማእሰርቲ” ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ንዝረኸቦም ሰባት ይሰብከሎም ነበረ።—ፊል. 1:13, 14፣ ግብ. 28:16-24

6. ጳውሎስ እንታይ ስልጠና እዩ ሂቡ፧

6 ጳውሎስ ንግዜኡ ብግቡእ እዩ ተጠቒሙሉ። ብዙሕ ግዜ፡ ካልኦት ኣብ ኣገልግሎት ኪሓብርዎ ይዕድሞም ነበረ። ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ፡ ነቲ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስ፡ ኣብ ካልኣይ ጕዕዞኡ ኸኣ ንጢሞቴዎስ ተማሊእዎም እዩ። (ግብ. 12:25፣ 16:1-4) ጳውሎስ ነዞም ሰብኡት እዚኦም፡ ጉባኤ ኺውድቡ፡ ጕስነት ኪገብሩ፡ ንፉዓት መምህራን ኪዀኑ ኣሰልጢንዎም እዩ።—1 ቈረ. 4:17

ምስክርነት ንምሃብ ድሉዋት ብምዃን ንጳውሎስ ምሰልዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ) *

7. ሽማግለታት ነቲ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን 6:14, 15 ዝሃቦ ምኽሪ ኺስዕብዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

7 ትምህርቲ። ሽማግለታት ኣብ በቤት ብምስባኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ኪምስክሩ ድሉዋት ብምዃን ንጳውሎስ ኪመስልዎ ይኽእሉ እዮም። (ኤፌሶን 6:14, 15 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ኣብ ዕዳጋ ወይ ኣብ ቦታ ስራሖም ኪምስክሩ ይኽእሉ እዮም። ወይ ከኣ ኣብ ቲኦክራስያዊ ፕሮጀክትታት ህንጸት ኪዓይዩ ኸለዉ፡ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባትን ነጋዶን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪነግርዎም ይኽእሉ እዮም። ሽማግለታት ንጳውሎስ ብምምሳል፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዜሕልፍዎ ግዜ ንኣገልገልቲ ጉባኤን ንኻልኦትን ንምስልጣን ኪጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም።

8. ሓደ ሽማግለ፡ ሓድሓደ ግዜ እንታይ ኪገብር የድልዮ ይኸውን፧

8 ሽማግለታት ንዕዮ ስብከት ግዜ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ በቲ ኣብ ጉባኤ ወይ ኣብ ወረዳ ዚውሃቦም መዝነት ኣዝዮም ትሑዛት ኪዀኑ የብሎምን። ሓድሓደ ግዜ፡ ሚዛኖም ምእንቲ ኺሕልዉ ተወሳኺ ሓላፍነት ከይቅበሉ ይውስኑ እዮም። ከመይሲ፡ ነቲ ጕዳይ ብጸሎት ምስ ሓሰቡሉ፡ ነቲ መዝነት እንተ ተቐቢሎምዎ፡ ንገሊኡ ኣገዳሲ ጕዳያት እኹል ግዜ ዘይረኽቡሉ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። ገለ ኻብዚ፡ ሰሙናዊ ኣምልኾ ስድራ ቤት ምምራሕ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ምሉእ ብምሉእ ምስታፍ፡ ወይ ንደቆም ኣብ ኣገልግሎት ምስልጣን የጠቓልል። ገሊኦም ግና ተወሳኺ ሓላፍነት ዘይምቕባል ይኸብዶም ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ነቲ ብዅሉ ነገር ሚዛናውያን ኪዀኑ ዘለዎም ድሌት፡ የሆዋ ኸም ዚርድኦ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ሓላዪ ጓሳ ምዃን

9. ብዙሕ ሓላፍነት ዘለዎም ሽማግለታት እንታይ ብድሆ እዩ ዜጋጥሞም፧

9 በዳሂ ዝዀነሉ ምኽንያት። ህዝቢ የሆዋ ብዙሕ ጸገማት ኣለዎም። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ኵላትና መተባብዒ፡ ደገፍ፡ መጸናንዒ የድልየና እዩ። ሓድሓደ እዋን ከኣ፡ ገሊኦም ነቲ ግጉይ ኣካይዳኦም ኬዐርዩ ሓገዝ የድልዮም እዩ። (1 ተሰ. 5:14) ልክዕ እዩ፡ ሽማግለታት ንዅሉ እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዜጋጥሞም ጸገማት ኬወግድዎ ኣይክእሉን እዮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንኣባጊዑ ንምትብባዕን ንምዕቋብን ዚከኣሎም ኪገብሩ ይደልዮም እዩ። እሞ ደኣ፡ ትሑዛት ዝዀኑ ሽማግለታት ከምዚ ንምግባር ግዜ ኺረኽቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ንኻልኦት ንኣድዎምን ኣተባብዕዎምን (ሕጡብ ጽሑፍ 10, 12 ርአ) *

10. ብመሰረት 1 ተሰሎንቄ 2:7፡ ጳውሎስ ንህዝቢ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚሓልየሎም ነይሩ፧

10 ኣብነት ጳውሎስ። ጳውሎስ ንኣሕዋቱ ዚንእደሉን ዚሃንጸሉን መገድታት የናዲ ነበረ። ሽማግለታት እውን ንህዝቢ የሆዋ ብለውሃት ብምሓዝ ነቲ ፍቕራዊ ኣብነት ጳውሎስ ይስዕብዎ እዮም። (1 ተሰሎንቄ 2:7 ኣንብብ።) ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅሮም፡ ንሱ እውን ከም ዜፍቅሮም የረጋግጸሎም ነበረ። (2 ቈረ. 2:4፣ ኤፌ. 2:4, 5) ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ከም ፈተውቱ ገይሩ ብምርኣይ፡ ምሳታቶም ግዜ የሕልፍ ነበረ። ብዛዕባ ፍርሁን ዘይፍጽምናኡን ብግልጺ ብምዝራብ ከኣ ከም ዚኣምኖም ኣርኣየ። (2 ቈረ. 7:5፣ 1 ጢሞ. 1:15) ኣብ ሽግሩ ጥራይ ግና ኣየተኰረን፡ የግዳስ፡ ንኣሕዋቱ ኺሕግዞም እዩ ዚደሊ ነይሩ።

11. ጳውሎስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ምኽሪ ዝሃቦም ስለምንታይ እዩ፧

11 ጳውሎስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ምኽሪ ዝሃበሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ነዚ ግና ሕርቃኑ ኼውጽእ ኢሉ ዘይኰነስ፡ ይሓልየሎምን ካብ እተፈላለየ ሓደጋታት ኬዕቝቦም ይደልን ስለ ዝነበረ እዩ። ነቲ ምኽሩ ብቐሊሉ ኸም ዚርድእዎን ከም ዚቕበልዎን ገይሩ እዩ ዜቕርበሎም ነይሩ። ንኣብነት፡ ንሰብ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ፡ ሓያል ምኽሪ ሂብዎም እዩ። ነታ መልእኽቲ ድሕሪ ምጽሓፉ፡ እንታይ ምላሽ ከም ዝሃቡ ኺፈልጥ ይደሊ ስለ ዝነበረ፡ ንቲቶስ ናብኦም ለኣኾ። ነቲ ምኽሩ ብጽቡቕ ከም እተቐበልዎ ምስ ሰምዐ ኸኣ፡ ኣዝዩ እዩ ተሓጒሱ።—2 ቈረ. 7:6, 7

12. ሽማግለታት ንክርስትያናት ብጾቶም ብኸመይ እዮም ዜተባብዕዎም፧

12 ትምህርቲ። ሽማግለታት ምስ ክርስትያናት ብጾቶም ግዜ ብምሕላፍ፡ ኣብነት ጳውሎስ ኪስዕቡ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ኺገብሩሉ ዚኽእሉ መገዲ ኸኣ፡ ንኻልኦት ምእንቲ ኼተባብዑ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣቐዲሞም ብምምጻእ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንሓደ ኣስፋሒ ዜድልዮ ፍቕራዊ መተባብዒ ንምሃብ፡ ሒደት ደቓይቕ ጥራይ እዩ ዜድሊ። (ሮሜ 1:12፣ ኤፌ. 5:16) ብዘይካዚ፡ ኣብነት ጳውሎስ ዚስዕብ ሽማግለ፡ ቃል ኣምላኽ ተጠቒሙ ንእምነት ብጾቱ የደልድል፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅሮም ድማ የረጋግጸሎም እዩ። ንሱ ባዕሉ እውን ከም ዜፍቅሮም ይገልጸሎም እዩ። ኣዘውቲሩ ምሳታቶም ይራኸብ፡ ኪንእዶም ከኣ ኣጋጣሚታት የናዲ እዩ። ምኽሪ ኺህብ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ እዩ ዚምርኰስ። ምኽሩ ብኸመይ ከም ዚቕበልዎ ስለ ዜተሓሳስቦ፡ ብንጹር ግናኸ ብለውሃት እዩ ዜቕርቦ።—ገላ. 6:1

ምስ ዘይፍጽምናኻ ምቅላስ

13. ንሓደ ሽማግለ ዘይፍጽምናኡ እንታይ ጽልዋ እዩ ኼሕድረሉ ዚኽእል፧

13 በዳሂ ዝዀነሉ ምኽንያት። ሽማግለታት ፍጹማት ኣይኰኑን። ከም ኵሉ ሰብ፡ ይጋገዩ እዮም። (ሮሜ 3:23) ሓድሓደ ግዜ፡ ብዛዕባ ዘይፍጽምናኦም ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺሕዙ ይቃለሱ ይዀኑ። ገሊኦም ከኣ፡ ኣብ ዘይፍጽምናኦም እምብዛ ስለ ዜተኵሩ፡ ተስፋ ይቘርጹ ይዀኑ። ካልኦት ከኣ፡ ንጕድለታቶም ዕሽሽ ስለ ዚብልዎ፡ ዜድሊ ለውጢ ኺገብሩ ዜድልዮም ኰይኑ ኣይስምዖምን ይኸውን።

14. ብመሰረት ፊልጲ 4:13፡ ጳውሎስ ብዛዕባ ዘይፍጽምናኡ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺሕዝ ትሕትና ዝሓገዘቶ ብኸመይ እያ፧

14 ኣብነት ጳውሎስ። ጳውሎስ ምስ ዘይፍጽምናኡ ተቓሊሱ ብገዛእ ርእሱ ኺዕወት ከም ዘይክእል፡ ብትሕትና ተኣሚኑ እዩ። ካብ ኣምላኽ ብርታዐ የድልዮ ነይሩ እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ጳውሎስ ንክርስትያናት ዜሳድድ ተሪር ሰብ እዩ ነይሩ። ጸኒሑ ግና፡ ጌጋታቱ ተኣሚኑ፡ ኣረኣእያኡን ባህርያቱን ኪቕይር ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። (1 ጢሞ. 1:12-16) ብሓገዝ የሆዋ ድማ፡ ፈቃርን ርሕሩሕን ትሑትን ጓሳ ኪኸውን ክኢሉ እዩ። ዘይፍጽምናኡ የሳቕዮ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብኡ ኣየተኰረን። የግዳስ፡ የሆዋ ይቕረ ኸም ዚብለሉ ምሉእ እምነት ነበሮ። (ሮሜ 7:21-25) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ፍጹም ኪኸውን ኣይተጸበየን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ክርስትያናዊ ባህርያቱ ኼመሓይሽ ይጽዕር፡ ዕዮኡ ንምፍጻም ድማ ብትሕትና ኣብ ሓገዝ የሆዋ ይውከል ነበረ።—1 ቈረ. 9:27፣ ፊልጲ 4:13 ኣንብብ።

ምስ ዘይፍጽምናኹም ተቓለሱ (ሕጡብ ጽሑፍ 14, 15 ርአ) *

15. ሓደ ሽማግለ ብዛዕባ ዘይፍጽምናኡ እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ኺህልዎ ዚግባእ፧

15 ትምህርቲ። ሽማግለታት ፍጹማት ስለ ዝዀኑ ኣይኰኑን ዚሽየሙ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ጌጋታቶም ኪእመኑን ክርስትያናዊ ባህርያት ኬማዕብሉን ይጽበዮም እዩ። (ኤፌ. 4:23, 24) ሓደ ሽማግለ ብቓል ኣምላኽ ገይሩ ርእሱ ኺምርምርን ዜድሊ ምትዕርራያት ኪገብርን ይግብኦ። ከምዚ እንተ ገይሩ ኸኣ፡ የሆዋ ሕጉስን ዕዉትን ኪኸውን ይሕግዞ እዩ።—ያእ. 1:25

ንዘይፍጽምና ኻልኦት ምጽዋር

16. ሓደ ሽማግለ ኣብ ዘይፍጽምና ኻልኦት ዜተኵር እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ጽልዋ እዩ ኼሕድረሉ ዚኽእል፧

16 በዳሂ ዝዀነሉ ምኽንያት። ሽማግለታት ምስቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ብቐረባ ስለ ዚዓይዩ፡ ዘይፍጽምና ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብቐሊሉ ኪርኣዮም ይኽእል እዩ። እንተ ዘይተጠንቂቖም ከኣ፡ ብቐሊሉ ዚበሳጨዉ፡ ተረርቲ፡ ወይ ነቐፍቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሰይጣን እውን ንክርስትያናት ከምኡ ኪዀኑ ኸም ዚደልዮም፡ ጳውሎስ ኣጠንቂቑ እዩ።—2 ቈረ. 2:10, 11

17. ጳውሎስ ብዛዕባ ኣሕዋቱን ኣሓቱን እንታይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧

17 ኣብነት ጳውሎስ። ጳውሎስ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ሓሓሊፎም ይብድልዎ ስለ ዝነበሩ፡ ጕድለታቶም ይረኣዮ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባኦም ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ። ከመይሲ፡ ጌጋ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ክፉእ ከም ዘይኰነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንኣሕዋቱ የፍቅሮም ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ጽቡቕ ባህርያቶም እዩ ዜተኵር ነይሩ። ቅኑዕ ንምግባር ኬጸግሞም ከሎ፡ ድራኸኦም ቅኑዕ ከም ዝዀነን ሓገዝ ጥራይ ከም ዜድልዮምን እዩ ዚስምዖ ነይሩ።

18. ካብቲ ጳውሎስ ንዅነታት ኤዎድያን ስንጥኬን ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ትምሃር፧ (ፊልጲ 4:1-3)

18 ጳውሎስ ኣብ ጉባኤ ፊልጲ ንዝነበራ ኽልተ ኣሓት ብኸመይ ከም ዝሓገዘን፡ ከም ኣብነት እስከ ንርአ። (ፊልጲ 4:1-3 ኣንብብ።) ኤዎድያን ስንጥኬን ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎአን ዝነበረ ዘይምርድዳእ፡ ተፈላልየን ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን። ጳውሎስ ተሪር ወይ ከኣ ነቓፊ ኣይነበረን። የግዳስ፡ ኣብቲ ጽቡቕ ባህርያተን እዩ ኣተኲሩ። እተን ኣሓት፡ ጽቡቕ ስም ዘትረፋ እሙናት ኣሓት እየን ነይረን። ጳውሎስ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እተን ኣሓት ኣወንታዊ ኣርኣእያ ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ኣብ መንጎአን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ኬደቅሳ ኣተባቢዕወን እዩ። እዚ ኣረኣእያ እዚ፡ ሓጐሱ ኸየጥፍአ፡ ምስቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ድልዱል ርክብ ኪዕቅብ ኣኽኢልዎ እዩ።

ነቐፍቲ ኣይትኹኑ (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ) *

19. (ሀ) ሽማግለታት ብዛዕባ ክርስትያናት ብጾቶም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኼማዕብሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ካብታ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዜጽሪ ዘሎ ሽማግለ እተርኢ ስእሊ እንታይ ትምሃር፧

19 ትምህርቲ። ኣቱም ሽማግለታት፡ ኣብ ጽቡቕ ባህርያት ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ኣተኵሩ። ኵሎም ዘይፍጹማት እኳ እንተዀኑ፡ ነፍሲ ወከፎም ዚንኣድ ባህርያት ኣለዎም። (ፊል. 2:3) ሽማግለታት ንሓደ ኣስፋሒ ምኽሪ ኺህቡ ዜድልየሉ እዋናት ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብነት ጳውሎስ ብምስዓብ፡ ኣብቲ ዜሕርቕ ቃላት ወይ ተግባራት እቲ ሰብ ከየተኵሩ ኺጥንቀቑ ይግባእ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ እቲ ሰብ ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ፡ ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዘርኣዮ ተጻዋርነት፡ ጽቡቕ ንምግባር ዘለዎ ዓቕሚ ኼተኵሩ ኣለዎም። ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሽማግለታት፡ ኣብታ ጉባኤ ምዉቕን ባህ ዜብልን ሃዋህው ይፈጥሩ እዮም።

ንጳውሎስ ብቐጻሊ ምሰልዎ

20. ሽማግለታት ካብ ኣብነት ጳውሎስ ብቐጻሊ ኺጥቀሙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

20 ኣቱም ሽማግለታት፡ ኣብነት ጳውሎስ ብቐጻሊ ምጽናዕኩም ኪሕግዘኩም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መጽሓፍ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ፡ ኣብ ትሕቲ “ፖል” ዚብል ርእሰ ነገር፡ “ኤግዛምፕል ፎር ኤልደርስ” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕታማት ከተንብቡ ኸለኹም፡ ‘ኣብነት ጳውሎስ፡ ነቲ ኸም ሽማግለ መጠን ዘሎኒ ዕዮ ኽዓዪ ኸለኹ፡ ሓጐሰይ ክዕቅብ ዚሕግዘኒ ብኸመይ እዩ፧’ ኢልኩም ንርእስኹም ሕተቱ።

21. ሽማግለታት ብዛዕባ እንታይ እዮም ርግጸኛታት ኪዀኑ ዚኽእሉ፧

21 የሆዋ ንዓኻትኩም ንሽማግለታት፡ ፍጹማት ክትኰኑ ዘይኰነስ፡ እሙናት ክትኰኑ እዩ ዚጽብየኩም። (1 ቈረ. 4:2) ጳውሎስ ህርኩትን እሙንን ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ተሓጒሱሉ እዩ። ንስኻትኩም እውን፡ ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎቱ ንእትገብርዎ ተሳትፎ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። የሆዋ፡ “ግብርኹም ኰነ ንስሙ ዘርኣኹምዎ ፍቕሪ፡ ማለት ነቲ ነቶም ቅዱሳት ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘለኹምን ዚርስዕ” ኣይኰነን።—እብ. 6:10

መዝሙር 87 ኣብ ኣኼባና ንተሓደስ

^ ሕ.ጽ. 5 ንዓና ኺሕግዙ ብዙሕ ዚጽዕሩ ፈቃራትን ሓለይትን ሽማግለታት ስለ ዘለዉና፡ ኣዚና ተባሪኽና ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ንሽማግለታት ዜጋጥሞም ኣርባዕተ ብድሆ ክንመያየጥ ኢና። ነዚ ብድሆታት ምእንቲ ኺዋጽኡሉ፡ ኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ ብኸመይ ከም ዚሕግዞም እውን ክንምርምር ኢና። ብዘይካዚ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንሽማግለታትና ኽንድንግጸሎም ክትሕግዘና፡ ፍቕርናን ደገፍናን ከነርእዮም ከኣ ክትድርኸና እያ።

^ ሕ.ጽ. 61 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ካብ ስራሑ ኺወጽእ ከሎ፡ ንመሳርሕቱ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይነግሮ።

^ ሕ.ጽ. 63 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሽማግለ ንሓደ ምስ ካልኦት ኣብ ክንዲ ዚሕወስ፡ ዚፍለ ዘሎ ሓው፡ ብለውሃት ጕስነት ይገብረሉ።

^ ሕ.ጽ. 65 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ኰርዩ ንዘሎ ሓው ሓጋዚ ምኽሪ ይህቦ።

^ ሕ.ጽ. 67 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሽማግለ፡ ካብቲ ብወለንታ ዚዕየ ዕዮ ንዘስገለ ሓው ኣይነቕፎን።