ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 17

ኣትን ኣዴታት፡ ካብ ኤውንቄ ተምሃራ

ኣትን ኣዴታት፡ ካብ ኤውንቄ ተምሃራ

“ትምህርቲ ኣዴኻ ድማ ኣይትሕደግ። ንሱስ ንርእስኻ ማራኺ ኣኽሊል፡ ንኽሳድካ ኸኣ ጽቡቕ ስልማት እዩ።”—ምሳ. 1:8, 9

መዝሙር 137 እሙናት ኣንስቲ፡ ክርስትያን ኣሓት

መላለዪ a

ጢሞቴዎስ ኪጥመቕ ከሎ፡ ኤውንቄ ኣዲኡን ሎኢስ ዓባዩን ብሓበን ይጥምታኦ (ሕጡብ ጽሑፍ 1 ርአ)

1-2. (ሀ) ኤውንቄ መን እያ፧ ከም ኣደኸ እንታይ ብድሆ እዩ ኣጋጢምዋ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ኣብ ገበር ዘሎ ስእሊ ሓሳብ ሃብ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥምቀት ጢሞቴዎስ ዘይገልጸልና እኳ እንተ ዀነ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ንኣዲኡ ኤውንቄ እተሰምዓ ሓጐስ ብኣእምሮና ንምስኣል ኣይከብደናን እዩ። (ምሳ. 23:25) እምበኣር፡ ነዚ ዚስዕብ እስከ ብኣእምሮና ንስኣሎ፦ ጢሞቴዎስ ክሳዕ ማዕጥቖኡ ኣብ ዚበጽሕ ማይ ደው ኢሉ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ኣዒንቲ ኤውንቄ ሓበን ይንበብ ነበረ። ኣብ ጥቓኣ ዘላ ዓባዩ ሎኢስ ሓቚፋታ ኸላ ድማ፡ ኤውንቄ ፍሽኽ በለት። ድሕርዚ፡ ጢሞቴዎስ ናብቲ ማይ ኪጠልቕ ከሎ፡ ኤውንቄ ኣዕሚቛ ኣስተንፈሰት። ገጹ ብናይ ዓወት ፍሽኽታ መሊኡ ኻብቲ ማይ ኪወጽእ ከሎ ድማ፡ ንብዓታ ኽትቈጻጸሮ ኣይከኣለትን። እወ፡ ኤውንቄ ኣብቲ ንውሉዳ፡ ንየሆዋን ንወዱ የሱስ ክርስቶስን ከም ዜፍቅሮም ገይራ ንምምሃር ዝገበረቶ ጻዕሪ ተዓዊታ እያ። እሞ ደኣ ኣብዚ ደረጃ እዚ ንምብጻሕ እንታይ ጸገማት እያ ሰጊራ፧

2 ጢሞቴዎስ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት እዩ ዓብዩ። ኣቦኡ ግሪኻዊ እዩ ነይሩ፡ ኣዲኡን ዓባዩን ከኣ ኣይሁዳውያን እየን ነይረን። (ግብ. 16:1) ኤውንቄን ሎኢስን ሓድሽ ሃይማኖት፡ ማለት ክርስትና ኣብ እተቐበላሉ እዋን፡ ጢሞቴዎስ ገና ዀተቴ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕርዚ እውን፡ እታ ስድራ ቤት ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ኰይና እያ ቐጺላ። እሞ ደኣ ጢሞቴዎስ ኣየናይ መገዲ እዩ ስዒቡ፧ ምናልባት ናይ ርእሱ ውሳነ ንምግባር፡ ዕድሚኡ ኣኺሉ ነይሩ ይኸውን እዩ። እሞ ደኣ ምስቲ ዘይኣማኒ ኣቦኡ ድዩ ወጊኑ፧ ወይ ምስቲ ኻብ ቍልዕነቱ እተማህሮ ስርዓታት ኣይሁድ ድዩ ለጊቡ፧ ወይስ ነቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እተመስረተ ሓድሽ እምነት እዩ ተቐቢሉ፧

3. ብመሰረት ምሳሌ 1:8, 9፡ የሆዋ ነቲ ኣዴታት ንደቀን ኣዕሩኹ ኪዀኑ ንምሕጋዝ ዚገብራኦ ጻዕሪ ብኸመይ ይርእዮ፧

3 ሎሚ እውን ክርስትያን ኣዴታት ንስድራ ቤተን ይፈትዋ እየን። ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ፡ ደቀን ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኬማዕብሉ እየን ዚደልያ። ኣምላኽ እውን ንጻዕርታተን ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። (ምሳሌ 1:8, 9 ኣንብብ።) የሆዋ ንብዙሓት ኣዴታት ደጊፍወን እዩ፣ ንሳተን እውን ንደቀን፡ ሓቂ ኪቕበሉ ሓጊዘናኦም እየን።

4. ሎሚ ኣዴታት እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥመን፧

4 ኣደ መሸም ደቃ ኸም ጢሞቴዎስ ኣገልገልቲ የሆዋ ኪዀኑ እንተ ዀይኖም ትሓስብ ትኸውን። ስለምንታይሲ፡ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ንውሉዳት ክሳዕ ክንደይ ጸቕጢ ኸም ዜጋጥሞም፡ ወለዲ ይፈልጡ እዮም። (1 ጴጥ. 5:8) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ብዙሓት ኣዴታት ብዘይ ሰብኣይ ወይ ንየሆዋ ምስ ዘየምልኽ ሰብኣይ ኰይነን እየን ደቀን ዜዕብያ። ንኣብነት፡ ክሪስቲን b ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ሰብኣየይ ስድራኡ ዚፈቱ ንፉዕ ኣቦ እዩ ነይሩ፣ ንደቅና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገይረ ኸየዕብዮም ኢሉ ግና ኣመና ይጻረረኒ እዩ ነይሩ። ንሓያሎ ዓመታት፡ ‘ደቀይ ከመይ ገይሮም እዮም ንየሆዋ ኼምልኽዎ፧’ ኢለ እናሓሰብኩ ብዙሕ እነብዕ ነይረ።”

5. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

5 ክርስትያን ኣደ እንተ ዄንኪ፡ ከም ኤውንቄ ዕውትቲ ኽትኰኒ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንደቅኺ ብዘረባኺ ዀነ ብተግባርኪ ኣቢልኪ ኽትምህሪ ኸለኺ፡ ከመይ ጌርኪ ኣብነታ ኽትስዕቢ ኸም እትኽእሊ ኽንምርምር ኢና። የሆዋ ብኸመይ ከም ዚሕግዘኪ እውን ክንርኢ ኢና።

ንደቅኺ ብዘረባኺ ምሃርዮም

6. ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ጢሞቴዎስ ክርስትያን ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

6 ጢሞቴዎስ ሕጻን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣዲኡ ኸምቲ ኣይሁድ ዚርድእዎ ዝነበሩ ገይራ ብዛዕባ “ቕዱሳት ጽሑፋት” ከተፍልጦ ዚከኣላ ጽዒራ እያ። ልክዕ እዩ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ትፈልጥ ስለ ዘይነበረት፡ ፍልጠታ ውሱን እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ጢሞቴዎስ ሳላ እቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተማህሮ ነገር፡ ክርስትና ንምቕባል ዜኽእል ጽቡቕ መሰረት ረኺቡ እዩ። እሞኸ ክርስትና ተቐቢሉዶ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ መንእሰይ ብምንባሩ፡ ህይወቱ ኸም ክርስትያን ኰይኑ ንምምራሕ ወይ ንዘይምምራሕ ምርጫ ነይርዎ እዩ። ነቲ ብዛዕባ የሱስ እተማህሮ ሓቂ ‘ኺኣምነሉ’ ዝኸኣለ፡ ብኸፊል ሳላ እቲ ኣዲኡ ዝገበረቶ ጻዕርታት ኪኸውን ኣለዎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15 ኣንብብ።) ኤውንቄ ጸገማት እናኣጋጠማ ኽነሱ፡ ንወዳ ብዛዕባ የሆዋ ኽትምህሮ ብምኽኣላ፡ ኣዝያ ተሓጒሳ ኽትከውን ኣለዋ። ኤውንቄ ብሓቂ ኸም ስማ ዀይና እያ እትነብር ነይራ፣ ስማ “ምስዓር” ዚብል ትርጉም ካብ ዘለዋ ቓል እያ መጺኣ።

7. ኤውንቄ ንወዳ፡ ድሕሪ ምጥማቑ እውን ዕቤት ንምግባር ብኸመይ እያ ኽትሕግዞ እትኽእል ዝነበረት፧

7 ጥምቀት ኣብ ህይወት ጢሞቴዎስ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ ነይሩ። ኤውንቄ ዝነበራ ሻቕሎት ግና ብእኡ ኣየብቅዐን። ስለዚ፡ ‘ወደይ ንዝተረፈ ህይወቱ ብኸመይ እዩ ኺጥቀመሉ፧ ሕማቓት ኣዕሩኽ የጥሪ ደዀን ይኸውን፧ ናብቲ ኣብ ኣቴና ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ይኣቱ፡ ኣብኡ እውን ንትምህርቲ ኣረማውያን ፈላስፋታት ይቕበሎ ደዀን ይኸውን፧ ደድሕሪ ሃብቲ ብምስዓብ ግዜኡን ጕልበቱን ንእስነቱን የባኽን ደዀን ይኸውን፧’ ኢላ ትሻቐል ነይራ ትኸውን። ኤውንቄ መሸም ንጢሞቴዎስ ውሳነታት ክትገብረሉ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ክትሕግዞ ግና ትኽእል ነይራ እያ። ብኸመይ፧ ኣብ ወዳ ዓማቝ ፍቕሪ ንየሆዋን ምስጋና ንወዱ የሱስን ንምትካል፡ ብቐጻሊ ኽትጽዕር ትኽእል ነይራ እያ። እዚ ብድሆታት እዚ ኣብቶም ብሃይማኖት እተኸፋፈሉ ቤተ ሰብ ጥራይ ኣይኰነን ዜጋጥም። ክልቲኦም ወለዲ ኣብ ሓቂ እናሃለዉ እኳ መንእሰያት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዀይኖም ምእንቲ ኺመላለሱ ልቦም ምትንካይ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ወለዲ ኻብ ኤውንቄ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

8. ሓደ ኣማኒ ሰብኣይ ንደቁ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪከናኸን ከሎ፡ ሓንቲ ኣደ ኣብዚ መዳይ እዚ ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧

8 ንደቅኺ መጽሓፍ ቅዱስ ምሃርዮም። ኣትን ኣሓት፡ ሰብኡትክን ኣብ ሓቂ እንተ ኣልዮም፡ ንደቅኽን ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ኣብ ምምላእ እጃምክን ክትገብራ የሆዋ ይደልየክን እዩ። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ኽትገብራሉ እትኽእላ መገዲ ንኣምልኾ ስድራ ቤት ብስሩዕ ብምድጋፍ እዩ። ብዛዕባ እቲ መሰናድዎ ኣወንታዊ ነገር ተዛረባ። ባህ ዜብልን ዜሐጕስን ሃዋህው ምእንቲ ኺሰፍን እውን፡ እንታይ ክትገብራ ኸም እትኽእላ ሓሰባሉ። ምናልባት ፍሉይ ፕሮጀክት ወይ ንጥፈት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምውጣን ንሰብኡትክን ክትሕግዛኦም ትኽእላ ኢኽን። ብተወሳኺ፡ ገሊኦም ውሉዳት በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ገይሮም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ዕድሚኦም ዝኣኸለ እንተ ዀይኑ፡ ንሰብኡትክን ዜድሊ ሓገዝ ክትህባኦም ትኽእላ ትዀና።

9. ዘይኣማኒ ሰብኣይ ዘለዋ ኣደ ኻበይ እያ ሓገዝ ክትረክብ እትኽእል፧

9 ገሊአን ኣዴታት በይነን ንደቀን ስለ ዜዕብያኦም ወይ ሰብኡተን ዘይኣመንቲ ስለ ዝዀኑ፡ ባዕለን ንደቀን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓሎም እየን። ንስኺ እውን ኣብ ቤትኪ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ኣልዩ፡ እምብዛ ኣይትጨነቒ። የሆዋ ኺሕግዘኪ እዩ። ነቲ ብውድቡ ኣቢሉ ዜዳልዎ ንደቅኺ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ዚሕግዝ ውጽኢታዊ ናውቲ ትምህርቲ ተጠቐምሉ። ነዚ ናውቲ እዚ ንኣምልኾ ስድራ ቤት ብዛዕባ ምጥቃም ከኣ፡ ካብ ምኩራት ወለዲ ሓሳብ ክትሓትቲ ትኽእሊ ኢኺ። c (ምሳ. 11:14) ብዘይካዚ እውን፡ ምስ ደቅኺ ሓሳብ ንሓሳብ ምእንቲ ኽትለዋወጢ፡ የሆዋ ኺሕግዘኪ ይኽእል እዩ። ኣብ ኣእምሮኦምን ኣብ ልቦምን ዘሎ ንምፍላጥ ምእንቲ ኺሕግዘኪ ለምንዮ። (ምሳ. 20:5) ‘ኣብ ቤት ትምህርቲ ልዕሊ ዅሉ ዚኸብደካ እንታይ እዩ፧’ ብዝዓይነቱ ቐሊል ሕቶ ጌርኪ ጽቡቕ ዝርርብ ከተጀምሪ ትኽእሊ ኢኺ።

10. ንደቅኺ ብዛዕባ የሆዋ ንምምሃር እንታይ ተወሳኺ ነገር ክትገብሪ ትኽእሊ፧

10 ንደቅኺ ብዛዕባ የሆዋ ንምምሃር ዜኽእለኪ ኣጋጣሚታት ፍጠሪ። ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ዝገበረልኪ ብዙሕ ሰናይን ተዛረቢ። (ዘዳ. 6:6, 7፣ ኢሳ. 63:7) ምናዳ ኣብ ቤትኪ ንደቅኺ ብስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብርሎም ዘይትኽእሊ እንተ ዄንኪ፡ እዚ ኣገዳሲ እዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ክርስቲን ከምዚ ትብል፦ “ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ንምምይያጥ ዝነበረና ኣጋጣሚታት ኣዝዩ ሒደት ብምንባሩ፡ ንዝዀነ ህሞት ንጥቀመሉ ኔርና። ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ፍጥረታት የሆዋን ብዛዕባ ብዙሕ መንፈሳዊ ነገራትን ንምዝርራብ፡ ብእግርና ወይ ብታንኳ ንዙረት ንኸይድ ኔርና። ደቀይ እናዓበዩ ምስ ከዱ ኸኣ፡ ባዕሎም መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ አተባብዖም ነይረ።” ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ውድብ የሆዋን ብዛዕባ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣወንታዊ ተዛረቢ። ንሽማግለታት ኣይትንቀፊ። እቲ ብዛዕባኦም እትብልዮ ነገር፡ ደሓር ንደቅኺ ኣብ እዋን ሽግሮም ናባታቶም ንምቕራብ ኪሕግዞም ይኽእል እዩ።

11. ብመሰረት ያእቆብ 3:18፡ ኣብ ቤት ሰላም ከም ዚሰፍን ምግባር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 ኣብ ቤትኪ ሰላም ኣስፍኒ። ንሰብኣይክን ንደቅኽን ኣዘውቲርኪ ፍቕርኺ ግለጽሎም። ብዛዕባ ሰብኣይኪ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ተዛረቢ፣ ንደቅኺ እውን ከምኡ ኺገብሩ ኣሰልጥንዮም። ከምኡ እንተ ጌርኪ፡ ብዛዕባ የሆዋ ንምምሃር ዜኽእል ሰላማዊ ሃዋህው ኪፍጠር እዩ። (ያእቆብ 3:18 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ተመክሮ እቲ ዮዠፍ ዝስሙ ኣብ ሩማንያ ዜገልግል ፍሉይ ፈላሚ እስከ ንርአ። ብግዜ ንእስነቱ፡ ንሱን ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኣብቲ ንየሆዋ ዜቕርብዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ካብ ኣቦኦም ብርቱዕ ተቓውሞ የጋጥሞም ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ እዋን እቲ ዮዠፍ ከምዚ ይብል፦ “ኣደይ ሰላም ከም ዚፍጠር ንምግባር ብዙሕ ትጽዕር ነይራ እያ። ኣቦይ ብዝያዳ እናሓሰመ ኪኸይድ ከሎ፡ ኣደይ ብዝያዳ እያ ለዋህ እትኸውን ነይራ። ንኣቦና ኸነኽብሮን ክንእዘዞን የጸግመና ኸም ዘሎ ኸተስተብህል ከላ፡ ብኤፌሶን 6:1-3 ገይራ ተመያይጠና ነይራ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ ጽቡቕ ባህርያት ኣቦና ትነግረና፡ ስለምንታይ ክንፈትዎ ኸም ዘሎና እውን ተረድኣና ነይራ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ብዙሕ ውጥረት ከም ዚቕንጠጥ ገይራ እያ።”

ንደቅኺ ብተግባርኪ ምሃርዮም

12. ብመሰረት 2 ጢሞቴዎስ 1:5፡ ኣብነት ኤውንቄ ኣብ ጢሞቴዎስ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ፧

12 ካልኣይ ጢሞቴዎስ 1:5 ኣንብብ። ኤውንቄ ንጢሞቴዎስ ሰናይ ኣብነት ኰይናቶ እያ። ናይ ሓቂ እምነት ብግብሪ እውን ክትርአ ኸም ዘለዋ ምሂራቶ ኽትከውን ኣለዋ። (ያእ. 2:26) ጢሞቴዎስ ከኣ ተግባራት ኣዲኡ ኻብቲ ንየሆዋ ዘለዋ ሓያል ፍቕሪ እተላዕለ ምዃኑ ኺርኢ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣዲኡ በቲ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣገልግሎት ከም እትሕጐስ ብርግጽ ይርኢ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ እዚ ኣብነት ኤውንቄ ኣብ ጢሞቴዎስ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ፧ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገለጾ፡ ጢሞቴዎስ ከም ናይ ኣዲኡ ዓይነት ሓያል እምነት ኣሕዲሩ እዩ። እዚ ብወዝቢ ዝመጸ ኣይኰነን። ጢሞቴዎስ ኣብነታ ተዓዚቡ፡ ንዓኣ ንምምሳል እውን ተለዓዒሉ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ብዙሓት ኣዴታት “ብዘይ ቃል” ልቢ ኣባላት ስድራ ቤተን ኪትንክያ ኽኢለን እየን። (1 ጴጥ. 3:1, 2) ንስኺ እውን ከምኡ ኽትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። ብኸመይ፧

13. ሓንቲ ኣደ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዋ ርክብ ቀዳምነት ክትህቦ ዘለዋ ስለምንታይ እያ፧

13 ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኪ ርክብ ቀዳምነት ሃብዮ። (ዘዳ. 6:5, 6) መሸም ከም መብዛሕትአን ኣዴታት፡ ብዙሕ መስዋእቲ ትገብሪ ኢኺ። ንደቅኺ ንምክንኻን፡ ግዜኽን ገንዘብክን ድቃስክን ካልእ ነገራትን መስዋእቲ ትገብሪ ኢኺ። በዚ ነገራት እዚ ኣመና ትሕዝቲ ኻብ ምዃንኪ እተላዕለ ግና ምስ የሆዋ ዘሎኪ ርክብ መስዋእቲ ኽትገብሪ የብልክን። ንብሕታዊ ጸሎትን ንብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ንኣኼባታት ጉባኤን ኣዘውቲርኪ ግዜ መድቢ። ከምኡ እንተ ጌርኪ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ገዛእ ርእስኺ ኸተደልድሊ፡ ንስድራ ቤትኪ ዀነ ንኻልኦት ከኣ ሰናይ ኣብነት ክትኰኒ ኢኺ።

14-15. ካብ ኣብነት ሊያንን ማሪያን ዥዋውን እንታይ ትምሃር፧

14 ንኣዴታቶም ብምዕዛብ፡ ኣብ የሆዋ ፍቕርን እምንቶን ኬሕድሩ ዝኸኣሉ ኣብነት ዚዀኑ ገለ ውሉዳት እስከ ንርአ። ንኣብነት፡ ሊያን ዝስማ ጓል ክርስቲን ከምዚ ትብል፦ “ብቕሉዕ ከነጽንዕ ኣይንኽእልን ኢና ኔርና። ኣብ ኣኼባታት ብምእካብ ዝመጸ ግና ኣደይ ኣዝያ እምንቲ እያ ነይራ። ኣብነታን እምነታን ነቲ ዚጐድላ ዝነበረ ፍልጠት ይምልኣላ ነይሩ እዩ። ካብቲ ኣብ ኣኼባታት እተኣከብናሉ ነዊሕ ግዜ ኣቐዲምና፡ እዚኣ ሓቂ ምዃና ንፈልጥ ኔርና ኢና።”

15 ኣቦ ማሪያ ተቓዋሚ ብምንባሩ፡ ሓድሓደ ግዜ ስድራ ቤቱ ናብ ኣኼባ ብምኻደን ይቐጽዐን ነይሩ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ማሪያ ኸምዚ ትብል፦ “ኣደይ ሓንቲ ኻብተን ኣነ ዝፈልጠን ኣዝየን ተባዓት ኣሓት እያ። ቈልዓ ኸለኹ፡ ከይብሉኒ ኢለ ፈሪሀ ገሊኡ ነገራት ምግባር እኣቢ ነይረ። ክሳዕ ክንደይ ተባዕ ምዃናን ንየሆዋ ወትሩ ኣብ ህይወታ ቐዳማይ ቦታ ኸም እትህቦን ምርኣየይ ግና፡ ንፍርሂ ሰብ ከሰንፍ ሓጊዙኒ እዩ።” ኣቦ ዥዋው እውን ኣብ ቤቱ መንፈሳዊ ምይይጥ ከይግበር ከልኪሉ ነይሩ እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ ዥዋው ከምዚ ይብል፦ “ምናልባት ልዕሊ ዅሉ ዝተንከየኒ፡ ኣደይ ንኣቦይ ከተሐጕስ ኢላ፡ ብዘይካ እቲ ንየሆዋ ዝነበራ ፍቕሪ፡ ኵሉ ነገር ክትሓድግ ፍቓደኛ ምንባራ እዩ።”

16. ናይ ኣደ ኣብነት ኣብ ካልኦት እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

16 ኣትን ኣዴታት፡ ኣብነትክን ንኻልኦት ከም ዚጸሉ ኣይትረስዓ። ብኸመይ እዩ ኣብነትክን ዚጸሉ፧ ኣብነት ኤውንቄ ኣብ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ጽልዋ ኸም ዝነበሮ እሞ ሕሰባ። እታ ግብዝና ዘይብላ እምነት ጢሞቴዎስ፡ ‘ቅድም ኣብ ኤውንቄ ኸም ዝሓደረት’ ጽሒፉ እዩ። (2 ጢሞ. 1:5) ጳውሎስ፡ ነታ ኣብ ኤውንቄ ዝነበረት እምነት እተዓዘባ መዓስ እዩ ነይሩ፧ ኣብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ እዩ ምስ ሎኢስን ኤውንቄን ኣብ ልስጥራ ተራኺቡ ኪኸውን ዘለዎ፣ ክርስትያናት ኪዀና እውን ሓጊዝወን ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 14:4-18) ሕስብ እሞ ነብሎ፦ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ድሕሪ 15 ዓመት ኣቢሉ ኺጽሕፈሉ ኸሎ፡ ኤውንቄ ብተኣማንነት ዝገበረቶ ተግባራት ዘኪሩ፡ ከም ኣብነት ገይሩ እውን ጠቒስዋ እዩ! ስለዚ፡ ኣብ ሃዋርያ ጳውሎስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ዚነብሩ ዝነበሩ ብዙሓት ክርስትያናትን ነባሪ ጦብላሕታ ሓዲጋ ኽትከውን ኣለዋ። ንስኻትክን እውን ንደቅኽን ብዘይ ኣቦ ተዕብያ እንተ ኣሊኽን፡ ወይ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት እንተ ኣሊኽን፡ እቲ ብተኣማንነት እተርእያኦ ኣብነት ነቶም ኣብ ከባቢኽን ዘለዉ ኸም ዜበርትዖምን ከም ዜለዓዕሎምን ኣይትረስዓ።

ንውሉድ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓቢ ምሕጋዝ ግዜ ይወስድ እዩ። ስለዚ፡ ኣይትተሓለሊ! (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. ውሉድኪ ኻብቲ እትህብዮ ስልጠና ይጥቀም ከም ዘየሎ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑኪ እንታይ ኢኺ ኽትገብሪ ዘሎኪ፧

17 ውሉድኪ ኻብቲ ዚግበረሉ ዘሎ ጻዕርታት ይጥቀም ከም ዘየሎ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑኪኸ፧ ውሉድ ምስልጣን ግዜ ኸም ዚሓትት ኣይትረስዒ። ኣብታ ስእሊ ኸም ዚርአ፡ ሓደ ሰብ ዘርኢ ድሕሪ ምዝራኡ፡ ‘ብሓቅዶ ዓብዩ ፍረ ኼፍሪ እዩ፧’ ዚብል ሕቶ ኺፍጠሮ ይኽእል እዩ። ነቲ ውጽኢት ኪቈጻጸሮ እኳ እንተ ዘይከኣለ፡ እቲ ዘርኢ ንምብቋል ዜድልዮ ብሉጽ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኺረክብ ግና ብቐጻሊ ማይ የስትዮ እዩ። (ማር. 4:26-29) ብተመሳሳሊ፡ ከም ኣደ መጠን፡ ‘ንደቀይ ልቦምዶ እትንክዮም ኣለኹ፧’ ኢልኪ ትሓስቢ ትዀኒ። ልክዕ እዩ፡ ነቲ ውጽኢት ክትቈጻጸርዮ ኣይትኽእልን ኢኺ። ኰይኑ ግና፡ ንምስልጣኖም ዚከኣለኪ ዅሉ እንተ ጌርኪ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓብዩ ብሉጽ ኣጋጣሚ ኢኺ እትህብዮም።—ምሳ. 22:6

ኣብ ሓገዝ የሆዋ ተወከሊ

18. ደቅኺ ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኺዓብዩ፡ የሆዋ ብኸመይ ኪሕግዘኪ ይኽእል፧

18 የሆዋ ኻብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣትሒዙ ማእለያ ንዘይብሎም ውሉዳት ኣዕሩኹ ኪዀኑ ሓጊዙ እዩ። (መዝ. 22:9, 10) ደቅኺ እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓብዩ ድሌት እንተ ኣልይዎም፡ ንሱ ኺሕግዞም እዩ። (1 ቈረ. 3:6, 7) ደቅኺ ኻብ ሓቂ ዘልገሱ እኳ እንተ መሰሉ፡ የሆዋ በተን ፈቃራት ኣዒንቱ ወትሩ ይጥምቶም እዩ። (መዝ. 11:4) ከም “ዘንቀዱ” ቝሩብ እኳ ምልክት ምስ ኣርኣዩ ኸኣ፡ ንምሕጋዞም ድሉው ኰይኑ እዩ ዚጸንሕ። (ግብ. 13:48፣ 2 ዜና 16:9) ኣብ ልክዕ ግዜ፡ ማለት ደቅኺ ኺሰምዕዎ ኣብ ዜድልዮም እዋን፡ ልክዕ ቃላት ክትዛረቢ ኺሕግዘኪ እዩ። (ምሳ. 15:23) ወይ ከኣ ኣብ ጉባኤኺ ዘለዉ ሓው ወይ ሓብቲ ንደቅኺ ፍሉይ ተገዳስነት ከም ዜርእይዎም ኪገብር እዩ። ውሉዳት ዓበይቲ ምስ ኰኑ እውን ከይተረፈ፡ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ እተማህርዎ ነገር የዘክሮም ይኸውን። (ዮሃ. 14:26) እምበኣር፡ ንደቅኺ ብቓልን ብኣብነትን እንተ ኣሰልጢንኪ የሆዋ ኺባርኸኪ እዩ።

19. ሞገስ የሆዋ ኸም ዘሎኪ ርግጸኛ ኽትኰኒ እትኽእሊ ስለምንታይ ኢኺ፧

19 የሆዋ ንዓኺ ዘለዎ ፍቕሪ ኣብቲ ደቅኺ ዚገብርዎ ውሳነታት እተመርኰሰ ኣይኰነን። የሆዋ ንዓኺ ዜፍቅረኪ፡ ንስኺ ስለ እተፍቅርዮ እዩ። ብዘይ ኣቦ ውሉድ ተዕብዪ ዘለኺ እንተ ዄንኪ፡ የሆዋ ንደቅኺ ኣቦ፡ ንዓኺ ድማ መዕቈቢ ኸም ዚኸውን ቃል ኣትዩ ኣሎ። (መዝ. 68:5) ነቲ ደቅኺ ዚገብርዎ ውሳነታት ክትቈጻጸርዮ ኣይትኽእልን ኢኺ። ኰይኑ ግና፡ ሓገዝ ንምርካብ ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልኪ፡ ዚከኣለኪ እውን እንተ ጌርኪ፡ ሞገሱ ኽትረኽቢ ኢኺ።

መዝሙር 134 ውሉዳት ካብ ኣምላኽ እተዋህቡ ሕድሪ እዮም

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ክርስትያን ኣዴታት ካብ ኣብነት ኤውንቄ ኣደ ጢሞቴዎስ ብኸመይ ከም ዚጥቀማ፡ ንደቀን ከኣ ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ኬፍቅርዎን ብኸመይ ከም ዚሕግዛ ትምርምር።

b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

c ንኣብነት፡ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ እትርከብ ትምህርቲ 50፡ ከምኡ ድማ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 2011 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 6-7 እትርከብ፡ “ንኣምልኾ ስድራ ቤትን ንብሕታዊ መጽናዕትን ዚኸውን ሓሳባት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።