ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 18

ከመይ ጌርካ ኢኻ መንፈሳዊ ሸቶታት ከተውጽእን ክትወቅዕን እትኽእል፧

ከመይ ጌርካ ኢኻ መንፈሳዊ ሸቶታት ከተውጽእን ክትወቅዕን እትኽእል፧

“ብዛዕባ እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፣ ዕቤትካ ንዅሉ ርኡይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ነዚ ነገር እዚ ዅለንትናኻ ወፊ።”—1 ጢሞ. 4:15

መዝሙር 84 ንሓግዝ

መላለዪ a

1. እንታይ መንፈሳዊ ሸቶታት ኢና ኸነውጽእ እንኽእል፧

 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ንየሆዋ ኣጸቢቕና ኢና እነፍቅሮ። እቲ ንዕኡ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብሉጽ ኪኸውን ኢና እንደሊ። ብምሉእ ዓቕምና ኸነገልግሎ እንተ ዄንና ግና፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ከነውጽእ ኣሎና፣ ማለት ክርስትያናዊ ባህርያት ክንኵስኵስ፡ ጠቓሚ ኽእለታት ከነማዕብል፡ ንኻልኦት እንሕግዘሉ መገድታት እውን ከነናዲ ኣሎና። b

2. መንፈሳዊ ሸቶታት ከነውጽእን ንምውቃዑ ኽንጽዕርን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

2 መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብር እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧ ብቐዳምነት፡ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ባህ ከነብሎ ስለ እንደሊ እዩ። የሆዋ ንተውህቦናን ንኽእለትናን ኣብ ኣገልግሎቱ ምሉእ ብምሉእ ኽንጥቀመሉ ኺርኢ ኸሎ ይሕጐስ እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብዝያዳ ኽንሕግዞም ኢልና መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብር ንደሊ ኢና። (1 ተሰ. 4:9, 10) ኣብ ሓቂ ዝጸናሕናሉ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብር ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ብኸመይ ከምኡ ኽንገብር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

3. ብመሰረት 1 ጢሞቴዎስ 4:12-16፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ እንታይ ኪገብር እዩ ኣተባቢዕዎ፧

3 ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ እቲ ሰብኣይ ኰይኑ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ምኩር ሽማግለ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ጳውሎስ ንዕኡ ብቐጻሊ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብር ኣተባቢዕዎ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:12-16 ኣንብብ።) ነቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት ከተንብብ ከለኻ፡ ንጢሞቴዎስ ብኽልተ መገዲ ዕቤት ኪገብር ከም ዝደለዮ ኸተስተብህል ትኽእል ኢኻ፦ ቀዳማይ፡ ከም ፍቕርን እምነትን ንጽህናን ዝኣመሰለ ክርስትያናዊ ባህርያት ኬማዕብል እዩ ነይሩ፣ ካልኣይ ድማ፡ ንህዝቢ ኸም ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ዝኣመሰለ ኽእለታት ኬመሓይሽ እዩ ነይሩ። ሕጂ ንጢሞቴዎስ ኣብ ኣእምሮና ሒዝና፡ ሚዛናዊ ሸቶታት ምውጻእ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶና ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ንርአ። ገለ ኻብቲ ኣገልግሎትና ኸነስፍሓሉ እንኽእል መገድታት እውን ንርአ።

ክርስትያናዊ ባህርያት ኰስኵስ

4. ብመሰረት ፊልጲ 2:19-22፡ ጢሞቴዎስ ጠቓሚ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

4 ጢሞቴዎስ ጠቓሚ ኣገልጋሊ የሆዋ ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ዜደንቕ ክርስትያናዊ ባህርያት ስለ ዝነበሮ እዩ። (ፊልጲ 2:19-22 ኣንብብ።) ካብቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝገለጸሉ መገዲ፡ ጢሞቴዎስ ትሑትን እሙንን ትጉህን ቁም ነገረኛን ምንባሩ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ፈቃር እዩ ነይሩ፣ ንኣሕዋት እውን ይሓልየሎም ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ የፍቅሮ ነይሩ እዩ፣ ከቢድ ዕዮ ብሕድሪ ንምሃቡ እውን ኣይስከፍን እዩ ነይሩ። (1 ቈረ. 4:17) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ዚፈትዎ ባህርያት እንተ ኣማዕቢልና፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተፈተውቲ ንኸውን፡ ንጉባኤ እውን ብዝያዳ ጠቐምቲ ንኸውን ኢና።—መዝ. 25:9፣ 138:6

ብዝያዳ ኽትኵስኵሶ እትደሊ ክርስትያናዊ ባህርይ ኣለሊ (ሕጡብ ጽሑፍ 5-6 ርአ)

5. (ሀ) ክርስትያናዊ ባህርይ ንምምዕባል ዜኽእለካ ሸቶ ምእንቲ ኸተውጽእ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ (ለ) ኣብታ ስእሊ ኸም ዚርአ፡ እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ሓብቲ ነቲ ንኻልኦት ድንጋጽ ንምርኣይ ዘለዋ ሸቶ ብኸመይ ትዓይየሉ ኣላ፧

5 ንጹር ሸቶ ሕረ። ኣየናይ መዳይ ስብእናኻ ምምሕያሽ ከም ዜድልዮ ብጸሎት ሕሰበሉ። ከተተኵረሉ እትደሊ ሓደ ንጹር ባህርይ ሕረ። ንኣብነት፡ ዝያዳ ድንጋጽ ከተማዕብል ወይ ንክርስትያናት ብጾትካ ንምድጋፍ ዝያዳ ድሌት ከተሕድር ትኽእልዶ፧ ብዝያዳ ሰላማዊ ወይ ይቕረ በሃሊ ኽትከውን ትኽእልዶ፧ ንሓደ እሙን ፈታዊኻ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ እንተ ሓቲትካዮ፡ እዚ ብዙሕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ምሳ. 27:6

6. ሓደ ባህርይ ንምምዕባል ዝገበርካዮ ሸቶ ብኸመይ ክትወቕዖ ትኽእል፧

6 ሸቶኻ ንምውቃዕ ጽዓር። ከመይ ጌርካ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል፧ ሓደ መገዲ ብዛዕባ እቲ ኸተመሓይሾ እትደሊ ባህርይ ተጠንቂቕካ ብምጽናዕ እዩ። ንኣብነት፡ ብዝያዳ ይቕረ በሃሊ ኽትከውን ደሊኻ ኣለኻ ንበል። ኣብ ፈለማ፡ ብዛዕባ እቶም ብናጻ ይቕረ ዝበሉን ይቕረ ዘይበሉን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ሰባት ከተንብብን ከተስተንትንን ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ የሱስ እሞ ሕሰብ። የሱስ ብፍታዉ ይቕረ ይብል ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 7:47, 48) በደላት ይሓድግ ነይሩ እዩ፣ ሰባት ዘለዎም ተኽእሎ እውን ይርኣዮ ነይሩ እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ንሰባት “ዚንዕቁ” እዮም ነይሮም። (ሉቃ. 18:9) ብዛዕባ እዞም እተጠቕሱ ድሕሪ ምስትንታንካ፡ ‘ኣብ ሰባት እንታይ እዩ ዚርኣየኒ፧ ኣብ ምንታይ ባህርያቶም እየ ዘተኵር፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ንሓደ ሰብ ይቕረ ንምባል ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ብእተኻእለካ መጠን ንዅሉ እቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ኽትዝርዝሮ ፈትን። ድሕሪኡ፡ ‘የሱስ ነዚ ሰብ እዚ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ ይቕረዶ ምበለሉ ነይሩ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ከምዚ ዝበለ መጽናዕቲ፡ ንኣተሓሳስባና የዐርዮ እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ንሓደ ዘጕሃየና ሰብ ይቕረ ንምባል ቃልሲ ይዀነና ይኸውን። ክንመሓየሽ ጻዕሪ እንተ ጌርና ግና፡ ብፍታው ይቕረ ምባል እናቐለለና እዩ ዚኸይድ።

ጠቓሚ ኽእለታት ኣማዕብል

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ዕዮ ጽገና ኸም ዚዕየ ተምሃር (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ) e

7. ምስ ምሳሌ 22:29 ብምስምማዕ፡ ሎሚ የሆዋ ንኽኢላታት ሰራሕተኛታት ብኸመይ ይጥቀመሎም ኣሎ፧

7 ካልእ ከተውጽኦ እትኽእል ሸቶ ኸኣ፡ ጠቓሚ ኽእለታት ምምዕባል እዩ። ብዛዕባ እቲ ህንጻታት ቤት-ኤልን ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ንምህናጽ ዜድልዩ ብዙሓት ሰራሕተኛታት እሞ ሕሰብ። መብዛሕትኦም እዞም ሰራሕተኛታት እዚኦም ኣብ ጐድኒ ምኩራት ሰብ ሞያ ዀይኖም ብምዕያይ እዮም ክእለት ኣጥርዮም። ኣብታ ስእሊ ኸም ዚርአ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ንኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ንኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ንምክንኻን ዜድሊ ኽእለት የጥርዩ ኣለዉ። እቲ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽን እቲ “ንጉስ ነገስታት” ዝዀነ ክርስቶስ የሱስን በዞም ክኢላታት ሰራሕተኛታት ኣቢሎም መስተንክር ነገራት ይፍጽሙ ኣለዉ። (1 ጢሞ. 1:17፣ 6:15፣ ምሳሌ 22:29 ኣንብብ።) ኣበርቲዕና ኽንዓዪ፡ ብኽእለትና ድማ ንገዛእ ርእስና ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኽብሪ ኸነምጽእ ንደሊ ኢና።—ዮሃ. 8:54

8. ሓደ ኽእለት ንምምዕባል ብኸመይ ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል፧

8 ንጹር ሸቶ ሕረ። ኣብ ምንታይ ክእለት ከተተኵር ትኽእል፧ እንታይ ክእለት ከተማዕብል ከም እትኽእል፡ ንሽማግለታትካ፡ ምናልባት እውን ንሓላው ወረዳኻ ሕተቶም። ንኣብነት፡ ናይ ምዝራብ ወይ ናይ ምምሃር ክእለትካ ኸተመሓይሽ ሓሳብ እንተ ሂቦምኻ፡ ብፍላይ ኣየናይ ባህርይ ዘረባ ኽትዓይየሉ ኸም ዜድልየካ ሕተቶም። ምምሕያሽ ንምግባር ግብራዊ ስጕምትታት ውሰድ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል፧

9. ሓደ ኽእለት ንምምዕባል ዘሎካ ሸቶ ንምውቃዕ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

9 ሸቶኻ ንምውቃዕ ጽዓር። ናይ ምምሃር ክእለትካ ኸተመሓይሽ ደሊኻ ንበል። ከምዚ ኽትገብር እንተ ደሊኻ ነታ ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ ዘርእስታ ብሮሹር ተጠንቂቕካ ኸተጽንዓ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ክፍሊ ምስ ተዋህበካ፡ ንሓደ ብቑዕ ሓው፡ ኣቀራርባኻ ኣቐዲሙ ኺሰምዖን ከተመሓይሾ ዜድልየካ ሓሳባት ኪህበካን ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ክኢላ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ትጉህን ቁም ነገረኛን እውን ኩን።—ምሳ. 21:5፣ 2 ቈረ. 8:22

10. ኣብ ሓደ ኸነማዕብሎ ዘሎና ኽእለት ብኸመይ ምምሕያሽ ክንገብር ከም እንኽእል ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

10 እቲ ኸተማዕብሎ ዝደለኻዮ ኽእለት ብተፈጥሮ ዚኸብደካ እንተ ዀይኑኸ፧ በዚ ኣይትተሓለል! ጋሪ ዝስሙ ሓው፡ ናይ ምንባብ ጸገም ነይርዎ እዩ። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዓው ኢሉ ኼንብብ ኣመና ይሓፍር ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ተጊሁ ኻብ ምዕያይ ኣየቋረጸን። ሕጂ ድማ ሳላ እቲ ዝረኸቦ ስልጠና ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ኣኼባታት ወረዳን ኣብ ኣኼባታት ዞባን መደረታት ኬቕርብ ክኢሉ ኣሎ።

11. ከም ጢሞቴዎስ ተወሳኺ ሓላፍነታት ንምስካም ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

11 ጢሞቴዎስ ፍሉጥ ተዛራባይ ወይ ብሉጽ መምህር ኰይኑ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይነግረናን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ጢሞቴዎስ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ስለ ዝሰዓበ፡ ሓላፍነታቱ ኣብ ምስካም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝያዳ ውጽኢታዊ እናዀነ ኸም ዝኸደ ኣየጠራጥርን እዩ። (2 ጢሞ. 3:10) ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን ክእለታትና እንተ ኣማዕቢልና፡ ተወሳኺ ሓላፍነታት ንምስካም ድሉዋት ንኸውን ኢና።

ንኻልኦት እተገልግለሉ መገድታት ኣናዲ

12. ካብቲ ኻልኦት ዚህቡኻ ኣገልግሎት ብኸመይ ተጠቒምካ፧

12 ኵላትና ኻብቲ ኻልኦት ዚህቡና ኣገልግሎት ንጥቀም ኢና። ኣብ ሆስፒታል እንተ ኣቲና፡ እቶም ምስ ሆስፒታል ኣብ ዜረዳድእ ኮሚተታት ወይ ሕሙማት ኣብ ዚበጽሕ ጕጅለታት ዜገልግሉ ሽማግለታት ምስ ዚበጽሑና ንሕጐስ ኢና። ኣብ ብሕታዊ ህይወትና ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ሓደ ሓላዪ ሽማግለ ግዜ ወሲዱ ምስ ዚሰምዓናን ምስ ዜጸናንዓናን ነዚ ነማስወሉ ኢና። ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓገዝ ኬድልየና ኸሎ፡ ሓደ ምኩር ፈላሚ ምሳና ናብ መጽናዕቲ ኸይዱ ሓሳባት ንምሃብ ፍቓደኛ ምስ ዚኸውን ባህ ይብለና እዩ። ኵሎም እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተሓጒሶም እዮም ዚሕግዙና። ንሕና እውን ንኣሕዋትና ንሕግዝ እንተ ዄንና፡ ካብቲ ሓጐስ እቲ ኽንካፈል ንኽእል ኢና። የሱስ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ኢሉ እዩ። (ግብ. 20:35) እሞ ደኣ ኣብዚ ወይ ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ መገድታት ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ሸቶታት እዚ ንምውቃዕ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

13. ብሕታዊ ሸቶ ኸተውጽእ ከለኻ፡ እንታይ ኢኻ ኽትዝክር ዘሎካ፧

13 እምብዛ ሓፈሻዊ ዝዀነ ሸቶ ኸይተውጽእ ተጠንቀቕ። ንኣብነት፡ ‘ኣብ ጉባኤ ብዝያዳ ኸበርክት ምደለኹ’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ሸቶ እቲ ብኸመይ ከም እትወቕዖ ምፍላጥ የጸግመካ ይኸውን፣ ደሓር እውን ነቲ ሸቶ እቲ መዓስ ከም ዝወቓዕካዮ ኣይትፈልጥን ትኸውን። ስለዚ፡ ንጹር ሸቶ ሕረ። ምናልባት እውን እቲ ሸቶ እንታይ ምዃኑን ነቲ ሸቶ እቲ ብኸመይ ክትበጽሖ ኸም ዝመደብካን ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።

14. ሸቶታት ከነውጽእ ከለና፡ ተዓጻጸፍቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

14 ሸቶታት ከነውጽእ ከለና፡ ተዓጻጸፍቲ ኽንከውን ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንዅነታትና ምሉእ ብምሉእ ክንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ከተማ ተሰሎንቄ ሓዳስ ጉባኤ ኽትቀውም ሓጊዙ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብታ ኸተማ ኺጸንሕን ነቶም ሓደስቲ ክርስትያናት ኪሕግዞምን ሸቶ ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ብሰንኪ ተጻረርቲ ግና ካብታ ኸተማ ኺወጽእ ተገደደ። (ግብ. 17:1-5, 10) ጳውሎስ እንተ ዚጸንሕ ነይሩ፡ ንኣሕዋቱ ኣብ ሓደጋ መእተዎም። ኰይኑ ግና፡ ጳውሎስ ኣይተሓለለን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስቲ ዅነታት ብምስምማዕ፡ መገዱ ቐየረ። ጸኒሑ ድማ፡ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ሓደስቲ ኣመንቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኺከናኸኖም ኢሉ ንጢሞቴዎስ ለኣኸሎም። (1 ተሰ. 3:1-3) እቶም ሰብ ተሰሎንቄ መሸም ጢሞቴዎስ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ንምግልጋል ፍቓደኛ ብምዃኑ፡ ብዙሕ ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም!

15. ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ዝዀነ ዅነታት ንሸቶታትና ኺጸልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

15 ካብቲ ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ ዘሕለፎ ተመክሮ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ሓደ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ንምርካብ ንመጣጠር ንህሉ ንኸውን፣ ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ዝዀነ ዅነታት ግና ኪዓግተና ይኽእል እዩ። (መክ. 9:11) ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ክትበጽሖ እትኽእል ካልእ ሸቶ ኣውጽእ። ተድን ሃይዲን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር ከምኡ እዮም ገይሮም። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ብሰንኪ ጸገም ጥዕና ኻብ ቤት-ኤል ኪወጹ ተገደዱ። እታ ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ ግና፡ ብኻልእ መገዲ ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ደረኸቶም። ፈለማ፡ ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ኣገልገሉ። ድሕርዚ ኸኣ፡ ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ተሸሙ፣ ተድ ድማ ተተካኢ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ኼገልግል ስልጠና ተዋህቦ። ድሕርዚ፡ ሓለውቲ ወረዳ ኼገልግሉሉ ዚኽእሉ ደረት ዕድመ ተቐየረ። ተድን ሃይዲን ከኣ ካብኡ ንደሓር ነዚ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ከም ዘይበቕዑ ፈለጡ። በዚ እኳ እንተ ጐሃዩ፡ ንየሆዋ ብኻልእ መገድታት ኬገልግልዎ ኸም ዚኽእሉ ኣይሰሓትዎን። ተድ ብዛዕባ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ “ኣትኵሮና ኣብ ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ጥራይ ከይንገብር ተማሂርና ኢና” ይብል።

16. ካብ ገላትያ 6:4 እንታይ ንምሃር፧

16 ንዅሉ እቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥም ነገራት ክንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፡ ገዛእ ርእስና በቲ እንረኽቦ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ክንልክዕ፡ ወይ ነቲ ዘሎና ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ምስ ናይ ካልኦት ከነነጻጽሮ የብልናን። ምስዚ ብዚተሓሓዝ ሃይዲ፡ “ንህይወትካ ምስቲ ኣብ ህይወት ካልኦት እትርእዮ እንተ ኣነጻጺርካ፡ ሰላምካ ይጠፍእ እዩ” ትብል። (ገላትያ 6:4 ኣንብብ።) ኣብ ክንዳኡስ፡ ንየሆዋ ዀነ ንኻልኦት ከነገልግለሉ እንኽእል መገድታት ከነናዲ ኣሎና። c

17. ንፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ዜድሊ ብቕዓት ንምጥራይ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

17 ህይወትካ ቐሊል ብምግባርን ኣብ ዘየድሊ ዕዳ ብዘይምእታውን፡ ንፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ገዛእ ርእስኻ ኣቕርብ። ነቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ሸቶታትካ ኽትወቅዕ ዜኽእለካ ናይ ሓጺር ግዜ ሸቶታት ኣውጽእ። ንኣብነት፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ሸቶኻ ስሩዕ ፈላሚ ምዃን እንተ ዀይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብቐጻሊ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧ ኣገልጋሊ ጉባኤ ንምዃን ሸቶ እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምስታፍ ኰነ ኣብ ጉባኤኻ ንዘለዉ ሕሙማትን ኣረጋውያንን ንምብጻሕ ዝያዳ ግዜ ኸተሕልፍ ትኽእልዶ፧ እቲ ሕጂ እትረኽቦ ተመክሮ፡ ኣብ መጻኢ ተወሳኺ መሰላት ኣገልግሎት ንምርካብ መገዲ ኪኸፍተልካ እዩ። ኣብ ኵሉ ዚውሃበካ ዕዮ ዚከኣለካ ንምግባር ቈራጽነት ግበር።—ሮሜ 12:11

ክትወቕዖ እትኽእል ንጹር ሸቶ ሕረ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ) f

18. ኣብታ ስእሊ ኸም ዚርአ፡ ካብ ኣብነት በቨርሊ እንታይ ትምሃር፧

18 ብዕድመ ምድፋእ እውን መንፈሳዊ ሸቶታት ከይነውጽእን ከይንወቕዖን ኪዓግተና የብሉን። ንኣብነት፡ በቨርሊ ዝስማ 75 ዓመት ዝዕድሚኣ ሓብቲ ዝገበረቶ እስከ ንርአ። ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ስለ ዘለዋ፡ ብእግራ ምኻድ የሸግራ እዩ። ኣብ ወፈራ በዓል ዝኽሪ ግና፡ ምሉእ ተሳትፎ ኺህልዋ ደለየት። ስለዚ ኸኣ፡ ንጹር ሸቶታት ኣውጽአት። በቨርሊ ነቲ ብዛዕባ እቲ ወፈራ ዘውጽኣቶ ሸቶታት ምስ ወቕዐት፡ ኣዝያ እያ ተሓጒሳ። ጻዕርታታ ኸኣ ንኻልኦት ኣብ ኣገልግሎት ኪተግሁ ኣለዓዒልዎም እዩ። ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሰንኪ ዅነታቶም ኪገብርዎ ዚኽእሉ ነገራት ድሩት እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ግና ንዕዮኦም ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ።—መዝ. 71:17, 18

19. ገለ ኻብቲ ኸነውጽኦ እንኽእል መንፈሳዊ ሸቶታት እንታይ ክትጠቅስ ትኽእል፧

19 እምበኣር፡ ክትወቕዖ እትኽእል ሸቶታት ኣውጽእ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተፈታዊ ዚገብረካ ባህርያት ኰስኵስ። ንኣምላኽናን ንውድቡን ብዝያዳ ኸተገልግል ዜኽእለካ ኽእለታት ኣማዕብል። ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ብዝያዳ ኸተገልግለሉ እትኽእል መገድታት ኣናዲ። d ሽዑ ኸም ጢሞቴዎስ፡ “ዕቤትካ ንዅሉ ርኡይ ምእንቲ ኪኸውን” የሆዋ ኺባርኸካ እዩ።—1 ጢሞ. 4:15

መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ

a ጢሞቴዎስ ብቑዕ ኣገልጋሊ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንዕኡ ብቐጻሊ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብር ኣተባቢዕዎ እዩ። ንሱ እውን ምኽሪ ጳውሎስ ስለ ዝሰዓበ፡ የሆዋ ብዝያዳ ተጠቒሙሉ እዩ። ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን እውን ብዝያዳ ሓጊዝዎም እዩ። እሞኸ ኸም ጢሞቴዎስ ንየሆዋ ንክርስትያናት ብጾትካን ብዝያዳ ኸተገልግል ትህንጠዶ፧ ከም እትህንጠ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። ከምኡ ንምግባር ግና እንታይ ሸቶታት ይሕግዘካ፧ ሸቶታት ንምውጻእን ንምውቃዕንከ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

b መግለጺ ቓላት፦ መንፈሳዊ ሸቶታት ኪብሃል ከሎ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኸነገልግሎን ከነሐጕሶን ኢልና ኽንበጽሖ እንጽዕር ዘበለ ዅሉ የጠቓልል።

c ኣብታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 10፡ ሕ.ጽ. 6-9 ዚርከብ፡ “ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ምግልጋል” ዚብል ርአ።

d ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ዚርከብ፡ “ብቐጻሊ ዕቤት ግበር” ዘርእስቱ ትምህርቲ 60 ርአ።

e መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ንኽልተ ኣሓት፡ ብኸመይ ዕዮ ጽገና ኸም ዚዓይያ የሰልጥነን፣ ንሳተን ከኣ ነቲ ሓድሽ ክእለተን ይጥቀማሉ።

f መግለጺ ስእሊ፦ ዓዲ ውዒል ዝዀነት ሓብቲ ብተሌፎን ንሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ትዕድም።