ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓደ ክርስትያን ንሰበይቱ ብዘይቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ፈቲሑ ንኻልእ እንተ ተመርዕዩ፡ እቲ ዝቐደመ መውስቦኡን እቲ ሓድሽ መውስቦኡን ኣብ ጉባኤ ብኸመይ ይርአ፧

ሓደ ሰብ በዚ ኸምዚ ዳግም ምስ ዚምርዖ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቲ ዝቐደመ መውስቦ ከም ዘብቅዐ፡ ነቲ ሓድሽ መውስቦ ድማ ቀያዲ ኸም ዝዀነ ገይራ እያ እትርእዮ። ኣብዚ መደምደምታ እዚ እተበጽሓሉ ምኽንያታት ምእንቲ ኺርድኣና፡ የሱስ ብዛዕባ ፍትሕን ዳግም ብዛዕባ ምምርዓውን እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ።

ኣብ ማቴዎስ 19:9 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሱስ፡ መውስቦ ኺፈርሰሉ ዚኽእል እንኮ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ገሊጹ ኣሎ። ኣብታ ፍቕዲ እቲኣ፡ “ንሰበይቱ ብዘይካ ብምኽንያት ምንዝርና ዚፈትሓ እሞ ኻልእ ዚምርዖ ዘበለ ይዝሙ” ኢሉ እዩ። ካብዚ ቓላት የሱስ፡ (1) መውስቦ ብፍትሕ ከም ዚፈርስ ኪገብር ዚኽእል ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ምንዝርና ጥራይ ከም ዝዀነ፡ (2) ብዘይቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ንሰበይቱ ዚፈትሕ እሞ ኻልእ ዚምርዖ ሰብኣይ ከም ዚዝሙ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። a

እሞ ደኣ የሱስ፡ ሓደ ሰብኣይ ምስ ዚምንዝር እሞ ንሰበይቱ ምስ ዚፈትሓ፡ ዳግም ንምምርዓው ብቕዱሳት ጽሑፋት ናጻ ኸም ዝዀነ ድዩ ዚገልጽ ነይሩ፧ ግድን ከምኡ ማለቱ ኣይነበረን። ሓደ ምርዑው ሰብኣይ እንተ ዘምዩ፡ እታ ንጽህቲ መጻምድቱ ንሰብኣያ ይቕረ ንምባል ወይ ንምንጻግ ክትውስን ትኽእል እያ። እንተ ነጺጋቶ እሞ ሕጋዊ ፍትሕ እንተ ገይራ፡ እቲ ፍትሕ ምስ ተዛዘመ፡ ክልቲኦም ዳግም ንምምርዓው ናጻ ይዀኑ እዮም።

በቲ ሓደ ሸነኽ፡ እታ ንጽህቲ መጻምድቲ ሓዳራ ኪቕጽል ካብ ልባ ትደሊ ትኸውን፡ በዚ ኸምዚ ድማ ንሰብኣያ ይቕረ ኽትብለሉ ፍቓደኛ ምዃና ትገልጽ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ እቲ ዘማዊ ሰብኣይ ነቲ ሰበይቱ ይቕረ ኽትብለሉ ዘቕረበትሉ ኣጋጣሚ ነጺጉ፡ ብኢደ ወነኑ ሕጋዊ ፍትሕ እንተ ገይሩኸ፧ ንሳ ይቕረ ኽትብለሉን ኣብ ሓዳራ ኽትቅጽልን ፍቓደኛ ስለ ዝዀነት፡ ንሱ ዳግም ንምምርዓው ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ናጻ ኣይከውንን እዩ። ብመሰረት ቕዱሳት ጽሑፋት ዳግም ኪምርዖ ናጻ ዘይኰነ ኽነሱ፡ በቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ መገዱ እንተ ቐጺሉ እሞ ካልእ እንተ ተመርዕዩ፡ ዳግም ዝሙት እዩ ዚፍጽም፣ ብጉባኤ ድማ ፍርዳዊ ስጕምቲ ኺውሰደሉ ይግባእ።—1 ቈረ. 5:1, 2፣ 6:9, 10

ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ዳግም ንምምርዓው ናጻ ዘይኰነ ሰብ ዳግም እንተ ተመርዕዩ፡ ጉባኤ ነቲ ዝቐደመ መውስቦ ዀነ ነቲ ሓድሽ መውስቦ ብኸመይ እያ እትርእዮ፧ እቲ ዝቐደመ መውስቦ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ጸኒዑ ኸም ዘሎ ጌርካ ድዩ ዚርአ፧ እታ ንጽህቲ መጻምድቲ ነቲ ናይ ቀደም ሰብኣያ ይቕረ ንምባል ወይ ንምንጻግ ክትውስን ትኽእል ድያ፧ እቲ ሓድሽ መውስቦኸ ኸም ዝሙታዊ ጌርካ ድዩ ዚርአ፧

ኣብ ሕሉፍ ግዜ፡ እታ ንጽህቲ መጻምድቲ ብህይወት ክሳዕ ዘላን ክሳዕ ዘይተመርዓወትን ክሳዕ ዘይመንዘረትን፡ ጉባኤ ነቲ ሓድሽ መውስቦ ኸም ዝሙታዊ ገይራ እያ እትርእዮ ነይራ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ብዛዕባ ፍትሕን ዳግም ብዛዕባ ምምርዓውን ኪገልጽ ከሎ፡ ብዛዕባ ንጽህቲ መጻምድቲ ኣይጠቐሰን። የግዳስ፡ ብዘይቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ንሰበይቱ ዚፈትሓ እሞ ኻልእ ዚምርዖ ሰብኣይ ከም ዚዝሙ እዩ ገሊጹ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እቲ የሱስ ምስ ዝሙት ማዕረ ገይሩ ዝገለጾ ፍትሕን ዳግመ መርዓን፡ ነቲ ዝቐደመ መውስቦ የፍርሶ እዩ።

“ንሰበይቱ ብዘይካ ብምኽንያት ምንዝርና ዚፈትሓ እሞ ኻልእ ዚምርዖ ዘበለ ይዝሙ።”—ማቴ. 19:9

ብሰንኪ ፍትሕን ዳግመ መርዓን ሓደ መውስቦ ምስ ዚፈርስ፡ እታ ንጽህቲ መጻምድቲ ይቕረ ኽትብል ወይ ክትነጽግ ኣይትኽእልን እያ። ስለዚ፡ ነቲ ዝቐደመ ሰብኣያ ይቕረ ናይ ምባል ወይ ናይ ምንጻግ ከቢድ ውሳነ ኣይትስከምን እያ። ብተወሳኺ፡ እታ ንጽህቲ መጻምድቲ ጸኒሓ ሙማታ ወይ ዘይሙማታ፡ ዳግም ምምርዓዋ ወይ ዘይምምርዓዋ፡ ወይ ከኣ ምምንዛራ ወይ ዘይምምንዛራ፡ ኣብቲ እታ ጉባኤ ነቲ ሓድሽ መውስቦ እትርእየሉ መገዲ ለውጢ ኣየምጽእን እዩ። b

ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝረኣናዮ ኣብነት፡ እቲ ሰብኣይ ዘምዩ እዩ፣ እዚ ድማ እዩ ናብ ፍትሕ መሪሑ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ሰብኣይ ከይዘመወ ንሰበይቱ እንተ ፈቲሕዋን ካልእ እንተ ተመርዕዩንከ፧ ወይ ከኣ እቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ቕድሚ ምፍታሑ ኸይመንዘረ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምስ ፈትሓ እንተ መንዚሩ እሞ ድሕሪኡ ሰበይቱ ይቕረ ኽትብለሉ ፍቓደኛ ኽነሳ ዳግም እንተ ተመርዕዩኸ፧ ኣብ ኵሉ እዚ ኣብነታት እዚ፡ እቲ ኸም ዝሙት ጌርካ ዚርአ ፍትሕን ዳግመ መርዓን ነቲ ዝቐደመ መውስቦ የፍርሶ እዩ። እቲ ሓድሽ መውስቦ ብሕጊ ቐያዲ ኸም ዝዀነ ርክብ ጌርካ እዩ ዚርአ። ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1979 ዝወጸ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 32፡ “ሕጂ ኣብ ሓድሽ መውስቦ ስለ ዝኣተወ፡ ነዚ መውስቦኡ ስቕ ኢሉ ጠንጢኑ ናብቲ ዝቐደመ ኺምለስ ኣይክእልን እዩ፣ እቲ ዝቐደመ መውስቦ ብፍትሕ፡ ማለት ብዝሙትን ብዳግመ መርዓን ኣብቂዑ እዩ” ይብል።

እዚ እተዓረየ ኣረኣእያ ንቕድስና መውስቦ ዚንኪ ወይ ንኽብደት ዝሙት ዜነኣእስ ኣይኰነን። ብዘይቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ንሰበይቱ ዚፈትሕ እሞ ዳግም ንምምርዓው ናጻ ኸይኰነ ኻልእ ዚምርዖ ሰብኣይ፡ ብመሰረት ዝሙት ፍርዳዊ ስጕምቲ ይውሰደሉ እዩ። (እታ ሓዳስ መጻምድቱ ክርስትያን እንተ ዀይና፡ ብመሰረት ዝሙት ፍርዳዊ ስጕምቲ ይውሰደላ እዩ።) እቲ ሓድሽ መውስቦ ኸም ዝሙታዊ ጌርካ ዘይርአ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ሰብኣይ ንሓያሎ ዓመታትን ነቲ ኣበሳኡ ዘስዓበሉ ሕማቕ ስም ኰነ ነቐፋ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዜዐርን፡ ኣብ ጉባኤ ፍሉይ መሰላት ኪውሃቦ ኣይበቅዕን እዩ። እታ ዝጠለማ መጻምድቱን እቶም ጠንጢንዎም ዝኸደ ዘይባጽሑ ደቁን ዘለውዎ ዅነታት እውን ኣብ ግምት ኪኣቱ ኣለዎ።—ሚል. 2:14-16

ክርስትያናት ነቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ፍትሕን ዳግመ መርዓን ዘለዎ ኸቢድ ሳዕቤናት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ የማዕብሉ፡ ንቕድስና መውስቦ እውን ይሕልዉ እዮም።—መክ. 5:4, 5፣ እብ. 13:4

a ንኣገላልጻ ምእንቲ ኪቐልል ኢልና፡ ንዚዝሙ መጻምድቲ ኸም ወዲ ተባዕታይ፡ ንንጹህ መጻምድቲ ኸኣ ከም ጓል ኣንስተይቲ ጌርና ንገልጽ ኣለና። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ማርቆስ 10:11, 12 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ፡ ንሰብኡትን ንኣንስትን ብማዕረ ይምልከቶም እዩ።

b ኣቐዲምና፡ እታ ንጽህቲ መጻምድቲ ኽሳዕ እትመውት፡ ዳግም ክሳዕ እትምርዖ፡ ወይ ክሳዕ እትምንዝር፡ ከምዚ ዝበለ መውስቦ ኸም ዝሙታዊ መውስቦ ጌርና ኢና እንርእዮ ኔርና፣ እዚ ኣብዚ ዘሎ ሓበሬታ ግና ነዚ ርድኢት እዚ ዜዐሪ እዩ።