ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 25

የሆዋ ነቶም ይቕረ ዚብሉ ይባርኾም

የሆዋ ነቶም ይቕረ ዚብሉ ይባርኾም

“ከምቲ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ።”—ቈሎ. 3:13

መዝሙር 130 ይቕረ በሃልቲ ንኹን

መላለዪ a

1. የሆዋ ንዚንስሑ ሓጥኣን እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂብዎም ዘሎ፧

 የሆዋ ፈጣሪናን ሓጋግ ሕግናን ፈራዲናን እኳ እንተ ዀነ፡ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና እውን እዩ። (መዝ. 100:3፣ ኢሳ. 33:22) ኣብ ቅድሚኡ እንተ ሓጢእና እሞ ብሓቂ እንተ ተነሲሕና፡ ይቕረ ንምባል ክእለት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ህንጥዮት እውን ኣለዎ። (መዝ. 86:5) ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ድማ፡ “ሓጢኣትኩም ከም ቀይሕ ዝሕብሩ እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ውርጪ ጻዕዳ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ፍቕራዊ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ።—ኢሳ. 1:18

2. ምስ ካልኦት ብሰላም ክንነብር እንተ ዄንና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

2 ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ኵላትና ብዘረባናን ብተግባርናን ንኻልኦት ቅር ዜብል ነገር ንገብር ኢና። (ያእ. 3:2) እዚ ግና፡ ምሳታቶም ናይ ቀረባ ርክብ ኪህልወና ኣይክእልን ማለት ኣይኰነን። ይቕረ ምባል እንተ ተማሂርና፡ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወና ይኽእል እዩ። (ምሳ. 17:9፣ 19:11፣ ማቴ. 18:21, 22) ብንኣሽቱ ነገራት ንሓድሕድና ኽንጓዳዳእ ከለና፡ የሆዋ ይቕረ ኽንባሃሃል ይደልየና እዩ። (ቈሎ. 3:13) ከምኡ እንገብረሉ ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና። ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ብናጻ “ብዙሕ ይቕረ ይብል” እዩ።—ኢሳ. 55:7

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብነት የሆዋ ብምስዓብ ብኸመይ ንኻልኦት ይቕረ ኸም ዚብሉ ኽንምርምር ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እንታይ ሓጢኣት ኢና ናብ ሽማግለታት ከነቕርብ ዘሎና፧ የሆዋ ንኻልኦት ይቕረ ኽንብል ዘተባብዓና ስለምንታይ እዩ፧ ካልኦት ብዝፈጸምዎ በደል ብዙሕ መከራ ኻብ ዝረኸቡ ክርስትያናት ብጾትና እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ሓደ ክርስትያን ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዚፍጽም

4. (ሀ) ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ኸቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺሙ፡ እንታይ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧ (ለ) ሽማግለታት ምስ ሓደ ኣባሲ ኣብ ዚራኸቡሉ እዋን እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧

4 ከቢድ ሓጢኣት ኣብ ቅድሚ ሽማግለታት ኪቐርብ ኣለዎ። ገለ ኻብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓጢኣት ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10 ተጠቒሱ ኣሎ። ከቢድ ሓጢኣት ንሕጊ ኣምላኽ ኣመና ዚጥሕስ ተግባር እዩ። ሓደ ክርስትያን ከምዚ ዓይነት ሓጢኣት ምስ ዚፍጽም፡ ብጸሎት ናብ የሆዋ ኣምላኽ ኪቐርብ ኣለዎ፣ ናብ ሽማግለታት ጉባኤ እውን ኪኸይድ ኣለዎ። (መዝ. 32:5፣ ያእ. 5:14) ሽማግለታትከ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧ የሆዋ ጥራይ እዩ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ንምባል ስልጣን ዘለዎ፣ ነዚ መገዲ እዚ እውን ብመሰረት እቲ መስዋእታዊ በጃ እዩ ኸፊቱልና። b ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንሽማግለታት፡ እቲ ሓጥእ ኣብ ጉባኤ ኺጸንሕ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ ምውሳን ሓላፍነት ሂብዎም ኣሎ። (1 ቈረ. 5:12) ገለ ኻብቲ ምላሽ ኪረኽቡሉ ዘለዎም ሕቶታት፡ እዚ ዚስዕብ ኪጥቀስ ይከኣል፦ እቲ ሓጢኣት ብፍላጥ ድዩ ተገይሩ፧ እቲ ሰብ ነቲ ኣበሳ ንምፍጻም ወጢኑ ነይሩ ድዩ፧ ንነዊሕ ግዜ ድዩ በቲ ሓጢኣት ተመላሊሱ፧ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ብሓቂ ኸም እተነስሐ ኣርእዩ ድዩ፧ የሆዋ ይቕረ ኸም ዝበለሉ ዚሕብር ነገራትዶ ኣሎ፧—ግብ. 3:19

5. ሽማግለታት ዚገብርዎ ዕዮ እንታይ በረኸት የምጽእ፧

5 ሽማግለታት ምስ ኣባሲ ኺራኸቡ ኸለዉ፡ ሸቶኦም ምስቲ ድሮ ኣብ ሰማይ እተገብረ ውሳነ ዚሰማማዕ ውሳነ ምግባር እዩ። (ማቴ. 18:18) እዚ መሰናድዎ እዚ ነታ ጉባኤ ብኸመይ ይጠቕማ፧ ነቶም ንኽቡራት ኣባጊዕ የሆዋ ኺጐድኡ ዚኽእሉ ዘይንስሑ ኣበስቲ ኸም ዚውገዱ ይገብር እዩ። (1 ቈረ. 5:6, 7, 11-13፣ ቲቶ. 3:10, 11) ነቲ ሓጥእ እውን ኪንሳሕን ካብ ይቕረታ የሆዋ ኺጥቀምን ይሕግዞ ይኸውን። (ሉቃ. 5:32) ሽማግለታት ነቲ እተነስሐ ይጽልዩሉ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኺጥዒ እውን ሓገዝ የሆዋ ይልምኑሉ እዮም።—ያእ. 5:15

6. ሓደ ሰብ እንተ ተወጊዱ፡ ይቕረ ኺብሃለሉ ይከኣል ድዩ፧ ግለጽ።

6 ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሽማግለታት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ኣይንሳሕን ንበል። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ጉባኤ ይውገድ እዩ። ሕጊ እታ ዓዲ እንተ ጥሒሱ ድማ፡ ሽማግለታት ካብቲ ተግባሩ ዜስዕበሉ ሳዕቤናት ምእንቲ ኼምልጥ ኢሎም ጌጋኡ ኣይሓብኡሉን እዮም። የሆዋ ንሰበ ስልጣን መንግስቲ፡ ሕጊ ንዚጥሕስ ዝዀነ ሰብ፡ ይነሳሕ ኣይነሳሕ ብዘየገድስ፡ ኪፈርዱን ኪቐጽዑን ፈቒዱሎም እዩ። (ሮሜ 13:4) እቲ ሰብ ጸኒሑ ናብ ልቡ እንተ ተመሊሱ እሞ ብሓቂ እንተ ተነሲሑን እንተ ተመሊሱን፡ የሆዋ ኺምሕሮ ፍቓደኛ እዩ። (ሉቃ. 15:17-24) ሓጢኣቱ ኣመና ኸቢድ እኳ እንተ ዀነ፡ ኪምሕሮ ይደሊ እዩ።—2 ዜና 33:9, 12, 13፣ 1 ጢሞ. 1:15

7. ንሓደ ዝበደለና ሰብ ብኸመይ ኢና ይቕረ ኽንብለሉ እንኽእል፧

7 የሆዋ ንሓደ ሓጥእ ኺምሕሮ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ንሕና ናይ ምውሳን ሓላፍነት ዘይብልና ምዃኑ ዓብዪ እፎይታ እዩ! ኰይኑ ግና፡ ንሕና ኽንውስኖ ዘሎና ነገር የጋጥመና እዩ። እዚ እንታይ እዩ፧ ኣብ ገሊኡ ጕዳያት፡ ሓደ ሰብ ንዓና ይብድለና ይኸውን፣ እቲ በደሉ እውን ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ ግና፡ ይቕረታ ኽንገብረሉ ይሓትተና ይኸውን። ኣብ ገሊኡ ጕዳያት ከኣ፡ ይቕረታ ኣይሓትትን ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ነቲ ሰብ ይቕረታ ኽንገብረሉ፡ ማለት ንዕኡ ዝነበረና ቕሬታን ቍጥዓን ክንሓድግ ንውስን ንኸውን። እቲ ሰብ ኣመና እንተ ጐዲኡና፡ እዚ ግዜን ጻዕርን ይሓትት ይኸውን። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ናይ 15 መስከረም 1994 ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ ትብል፦ “ንሓደ ሓጢኣተኛ ይቕረ ክትብለሉ ከሎኻ ነቲ ሓጢኣት ሸለል ትብሎ ኣሎኻ ማለት ኣይኮነን። ይቕረ ምባል ንክርስትያን ዝህቦ ትርጉም ነቲ ነገር ብተኣማንነት ኣብ ኢድ የሆዋ ምግዳፉ ማለት ኢዩ። ንሱ ናይ ጠቕላላ [ዩኒቨርስ] ጻድቕ ፈራዲ ኢዩ፡ ኣብቲ ግቡእ ግዜ ድማ ንፍትሒ ክዓየሉ ኢዩ።” እሞ ደኣ የሆዋ ይቕረ ኽንብልን ንፍትሒ ኣብ ኢዱ ኽንሓድጎን ዜተባብዓና ስለምንታይ እዩ፧

ስለምንታይ እዩ የሆዋ ይቕረታ ኽንገብር ዜተባብዓና፧

8. ይቕረ በሃሊ ምዃን፡ ንምሕረት የሆዋ ኸም እነማስወሉ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

8 ይቕረ በሃሊ ምዃን፡ ሞሳ የርኢ። የሱስ ኣብ ሓንቲ ዝመሰላ ምሳሌ፡ ንየሆዋ ምስ ሓደ ኣዝዩ ብዙሕ ዕዳ ዝሰረዘ ጐይታ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። እቲ ዕዳኡ እተሰረዘሉ ባርያ ግና ንእሽቶ ዕዳ ንዝነበሮ ባርያ ኣይመሓሮን። (ማቴ. 18:23-35) እሞ ደኣ እንታይ እዩ የሱስ ዚምህረና ነይሩ፧ ነቲ ዓብዪ ምሕረት የሆዋ ብሓቂ እንተ ኣማሲናሉ፡ ንኻልኦት ይቕረ ንምባል ንድረኽ ኢና። (መዝ. 103:9) ሓያሎ ዓመታት ይገብር፡ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ነዚ ነገር እዚ ኸምዚ ኢላ ገሊጻቶ ነይራ፦ “ዋላ እኳ ንኸማና ፍጡራት ብዙሕ ሳዕ ይቕረታ እንተ ገበርናሎም፡ እዚ ግና ምስ ስፍሓት እቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኣቢሉ ዚገብረልና ይቕረታን ምሕረትን ፈጺሙ ኣይመዓራረን እዩ።”

9. ንመን እዩ የሆዋ ዚምሕር፧ (ማቴዎስ 6:14, 15)

9 ይቕረ በሃልቲ ይቕረታ ይግበረሎም እዩ። የሆዋ ንመሓርቲ ይምሕሮም እዩ። (ማቴ. 5:7፣ ያእ. 2:13) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ኸም ዚጽልዩ ኺምህሮም ከሎ፡ ነዚ ንጹር ገይርዎ እዩ። (ማቴዎስ 6:14, 15 ኣንብብ።) ኣቐዲሙ፡ የሆዋ ምስ ጊልያኡ እዮብ ብዚተሓሓዝ ተመሳሳሊ ነጥቢ ኣመሓላሊፉ እዩ። እቲ እሙን ሰብኣይ፡ በቲ ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን እተዛረብዎ ሃሳዪ ዘረባ ኣመና ተጐዲኡ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንእዮብ ኪጽልየሎም ኣዘዞ። እዮብ ከምኡ ምስ ገበረ ኸኣ፡ ባረኾ።—እዮ. 42:8-10

10. ቅሬታ ምሓዝ ጐዳኢ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ኤፌሶን 4:31, 32)

10 ቅሬታ ምሓዝ ጐዳኢ እዩ። ቅሬታ ኸም ከቢድ ጾር እዩ። የሆዋ ኸኣ ነዚ ጾር እዚ ብምድርባይ፡ እፎይታ ኽንረክብ ይደልየና እዩ። (ኤፌሶን 4:31, 32 ኣንብብ።) “ቍጥዓ ሕደግ፡ ነድሪ ድማ ግደፍ” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ። (መዝ. 37:8) ነዚ ምኽሪ እዚ እንተ ስዒብና፡ ንጥቀም ኢና። ቅሬታ ምሓዝ፡ ንኣካላውን ንኣእምሮኣውን ጥዕናና ኺጐድኦ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 14:30) ቅሬታ ምሓዝ፡ መርዚ ምስ ምስታይ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ፣ ንዓና እምበር፡ ነቲ ቕር ዘበለና ሰብ ኣይጐድኦን እዩ። ስለዚ፡ ይቕረ ኽንብል ከለና፡ ንርእስና ኢና ህያብ እንህብ ዘለና። (ምሳ. 11:17) ናይ ኣእምሮን ናይ ልብን ሰላም ኢና እንረክብ ዘለና፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንቕድሚት ክንግስግስ ንኽእል።

11. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሕነ እንታይ ይብል፧ (ሮሜ 12:19-21)

11 ሕነ ናይ የሆዋ እዩ። የሆዋ፡ ክንብደል ከለና ሕነ ኽንፈዲ ኣይፈቐደልናን። (ሮሜ 12:19-21 ኣንብብ።) ኣረኣእያና ድሩትን ዘይፍጹምን ስለ ዝዀነ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዚፈርዶ ጌርና ብልክዕ ክንፈርድ ኣይንኽእልን ኢና። (እብ. 4:13) ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ስምዒትና ነቲ ናይ ምምዝዛን ክእለትና የበላሽዎ እዩ። የሆዋ ንያእቆብ፡ “ቍጥዓ ሰብ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ” ኢሉ ኺጽሕፍ ብመንፈሱ ደሪኽዎ እዩ። (ያእ. 1:20) የሆዋ ቕኑዕ ከም ዚገብርን ፍጹም ፍትሒ ኸም ዜውጽእን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ቍጥዓን ቅሬታን ግደፍ። ንዅሉ ነገር ኣብ ኢድ የሆዋ ሕደጎ። ንሱ ድማ ንዅሉ እቲ ብሰንኪ ሓጢኣት ዝመጸ ጕድኣት ኬዐርዮ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. ኣብ ፍትሒ የሆዋ እምንቶ ኸም ዘሎና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

12 ይቕረታ ኣብ ፍትሒ የሆዋ እምንቶ ኸም ዘሎና የርኢ። ንዅሉ ነገር ኣብ ኢድ የሆዋ ብምሕዳግ፡ የሆዋ ንዅሉ እቲ ዝወረደና በደል ከም ዜዐርዮ እምንቶ ነርኢ ኢና። ኣብታ ንሱ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም፡ ሕማቕ ስምዒታዊ ቝስሊ “ኣይኪዝከርን፡ ኣብ ልቢ እውን ኣይኪመጽእን እዩ።” (ኢሳ. 65:17) ኣመና እንተ ተጐዲእና ግና፡ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ቝጥዓን ቅሬታን ብሓቂዶ ኽንሓድጎ ንኽእል ኢና፧ ገሊኦም ብኸመይ ከምኡ ኸም ዝገበሩ እስከ ንርአ።

ካብ ይቕረታ ዚርከብ በረኸት

13-14. ካብ ተመክሮ ቶኒን ሆሴን ብዛዕባ ይቕረታ እንታይ ትምሃር፧

13 ብዙሓት ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣመና ተጐዲኦም ክነሶም፡ ይቕረ ንምባል ወሲኖም እዮም። እሞ ደኣ ኸምኡ ብምግባሮም እንታይ በረኸት ረኺቦም፧

14 ኣብ ፊሊፒንስ ዚነብር ቶኒ፡ c ናብ ሓቂ ቕድሚ ምምጻኡ ነዊሕ ግዜ ኣቐዲሙ፡ ዓብዪ ሓዉ ብሓደ ሆሴ ዝስሙ ሰብ ከም እተቐትለ ይፈልጥ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ቶኒ ኣመና ቝጡዕን ተባኣስን ሰብ እዩ ነይሩ፣ ሕነ ኺፈዲ እውን ይደሊ ነይሩ እዩ። ድሕርዚ፡ ሆሴ ብገበኑ ተኣስረ። ድሕሪ ግዜ፡ ሆሴ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ፡ ቶኒ ሃዲኑ ኸም ዚቐትሎ መሓለ። ነዚ እትዀኖ ሽጉጥ ድማ ዓደገ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ጀመረ። ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “ከጽንዕ ከለኹ፡ መገድታተይ ክቕይር ከም ዘሎኒ ተማሂረ፣ እዚ ድማ ንቝጥዓ ምሕዳግ እውን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ።” ጸኒሑ፡ ቶኒ ተጠምቀ፡ ሽማግለ ጉባኤ ዀይኑ እውን ተሸመ። ድሕርዚ ኸኣ፡ ሆሴ ጥሙቕ ኣገልጋሊ የሆዋ ኸም ዝዀነ ፈለጠ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንቶኒ እተሰምዖ እሞ ገምቶ! ክልቲኦም ምስ ተራኸቡ፡ ተሓቛቘፉ። ቶኒ ድማ ንሆሴ ይቕረ ኸም ዝበለሉ ነገሮ። ድሕርዚ፡ ቶኒ ይቕረታ ምግባር ዘምጽኣሉ ሓጐስ ኣዝዩ ዓብዪ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፡ እዚ ዜደንቕ ስምዒት ብቓላት ኪግለጽ ዘይከኣል ምዃኑ ተዛሪቡ እዩ። እወ፡ ቶኒ ይቕረ ንምባል ፍቓደኛ ብምዃኑ፡ የሆዋ ባሪኽዎ እዩ።

ኣብ ኣብነት ፒተርን ሱን ከም ዝረኣናዮ፡ ቍጥዓን ቅሬታን ክንሓድግ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ)

15-16. ካብ ተመክሮ ፒተርን ሱን ብዛዕባ ይቕረታ እንታይ ትምሃር፧

15 ብ1985፡ ፒተርን ሱን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኣኼባ ኸለዉ፡ ብሃንደበት ዓብዪ ነትጒ ዀነ። ሓደ ሰብኣይ እዩ ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ቦምብ ኣጻዊዱ ኸይዱ! ብሰንኪ እዚ፡ ሱ ኣመና ስለ እተሃስየት፡ ናይ ምርኣይን ናይ ምስማዕን ክእለታ ንሓዋሩ ተጐድአ። ናይ ምሽታት ክእለታ እውን ኣጥፍአት። d በዚ ምኽንያት እዚ፡ ፒተርን ሱን፡ ‘እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ኸምዚ ዝበለ ክፍኣት ዚገብር፧’ ኢሎም ብዙሕ ግዜ ይሓስቡ ነበሩ። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት፡ እቲ ሽዑ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይነበረ ገበነኛ ተታሕዘ፡ ምሉእ ህይወቱ ኺእሰር እውን ተፈርዶ። ፒተርን ሱን ነቲ ሰብኣይ ይቕረ ኢሎምሉ እንተ ዀይኖም ምስ ተሓትቱ፡ “ቍጥዓን ቅሬታን ምሓዝ፡ ብኣካላውን ብስምዒታውን ብኣእምሮኣውን መዳይ ኪጐድኣና ኸም ዚኽእል የሆዋ ይምህረና እዩ። ስለዚ፡ ካብ ፈለማ ኣትሒዝና፡ ቍጥዓን ቅሬታን ኣወጊድና ህይወትና ምእንቲ ኽንቅጽል፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለሚንናዮ ኢና” ኢሎም መለሱ።

16 ንሳቶም ይቕረታ ኺገብሩ ግና ቀሊል ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። ኣስዕብ ኣቢሎም ከምዚ ይብሉ፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ኣብ ሱ ዝወረደ ጕድኣት ንህይወትና ኺጸልዎ ኸሎ፡ ብቝጥዓ ንምላእ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ነገር እቲ ኣይነተኵርን ኢና፣ ስለዚ ድማ፡ እዚ ስምዒታት እዚ ብቕልጡፍ ይሃስስ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ እቲ ቦምብ ዘጻወደ ሰብ ሓደ መዓልቲ ሓውና እንተ ዀይኑ ሓንጐፋይ ኢልና ኸም እንቕበሎ ኻብ ልቢ ኽንዛረብ ንኽእል ኢና። እዚ ተመክሮ እዚ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ሓራ ዜውጽእ ምዃኑ ምሂሩና እዩ፣ ካብቲ ኽንግምቶ እንኽእል ንላዕሊ እዩ ሓራ ኣውጺኡና! የሆዋ ንዅሉ እቲ ጕድኣት ኬዐርዮ ኸም ዚኽእል ምፍላጥና እውን የጸናንዓና እዩ።”

17. ካብ ተመክሮ ሚራ ብዛዕባ ይቕረታ እንታይ ትምሃር፧

17 ሚራ ምስ ተመርዓወትን ክልተ ቘልዑ ምስ ወለደትን እያ ሓቂ ፈሊጣ። ሰብኣያ ሓቂ ኣይተቐበለን። ድሕርዚ ድማ ዘመወ፡ ንስድራ ቤቱ እውን ራሕሪሑ ኸደ። ሚራ ኸምዚ ትብል፦ “ሰብኣየይ ንዓይን ንኽልተ ደቀይን ሓዲጉና ምስ ከደ፡ ብቤተ ሰቦም እተጠልሙ ሰባት ዚስምዖም ስምዒታት እዩ ተሰሚዑኒ። ሰምቢደ፡ ክኣምን ኣይከኣልኩን፡ ሓዚነ፡ ተጣዒሰ፡ ርእሰይ ወቒሰ፡ ከምኡ እውን ተቘጢዐ።” እቲ መውስቦ እኳ እንተ ፈረሰ፡ እቲ ጥልመት ዚሓድጎ ስቓይ ግና ኣይሃሰሰን። ሚራ ኣስዕብ ኣቢላ ኸምዚ ትብል፦ “እቲ ስምዒታት እቲ ንነዊሕ ኣዋርሕ እዩ ቐጺሉ፣ ነቲ ምስ የሆዋን ምስ ካልኦትን ዝነበረኒ ርክብ እውን ይጸልዎ ኸም ዝነበረ ኣስተብሂለ።” ሕጂ ሚራ ንቝጥዓኣ ኸም ዝሓደገቶ፡ ነቲ ናይ ቀደም ሰብኣያ እውን ቂም ከም ዘይሓዘትሉ ትገልጽ እያ። ሓደ መዓልቲ ናብ የሆዋ ኪቐርብ እውን ተስፋ ትገብር እያ። ሕጂ ኣብ መጻኢ እያ እተተኵር። እቶም በይና ዘዕበየቶም ክልተ ደቃ እውን ኣገልገልቲ የሆዋ ዀይኖም ኣለዉ። ሎሚ ምስ ክልተ ደቃን ስድራ ቤታቶምን ተሓጒሳ ንየሆዋ ተገልግል ኣላ።

ፍጹም ፍትሒ የሆዋ

18. የሆዋ ኸም ልዑል ፈራዲ መጠን እንታይ ከም ዚገብር ኢና እምንቶ ኸነሕድር እንኽእል፧

18 ንውልቀ ሰባት ናይ ምፍራድ ጾር ንሕና ኽንስከሞ ኸም ዘይብልና ምፍላጥና፡ ዓብዪ እፎይታ እዩ ዚፈጥረልና! የሆዋ ልዑል ፈራዲ ብምዃኑ፡ ነዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ንሱ እዩ ዚዓይዮ። (ሮሜ 14:10-12) ወትሩ ምስቲ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዘለዎ ፍጹም መለክዒታት ተሰማሚዑ ኸም ዚፈርድ ምሉእ እምንቶ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። (ዘፍ. 18:25፣ 1 ነገ. 8:32) ንሱ ፈጺሙ ኣይዕምጽን እዩ!

19. የሆዋ በቲ ፍጹም ፍትሑ ኣቢሉ እንታይ ኪገብር እዩ፧

19 ነቲ የሆዋ ንዅሉ እቲ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ዜስዕቦ ሕማቕ ሳዕቤናት ምሉእ ብምሉእ ዜዐርየሉ እዋን ሃረር ኢልና ኢና እንጽበ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኵሉ ኣካላውን ስምዒታውን ቍስሊ ንሓዋሩ ኺፍወስ እዩ። (መዝ. 72:12-14፣ ራእ. 21:3, 4) ከቶ እውን ኣይኪዝከርን እዩ። እቲ ዜደንቕ ግዜ እቲ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ የሆዋ ይቕረ ናይ ምባል ክእለት ብምሃብ ንዕኡ ኽንመስሎ ስለ ዘኽኣለና፡ ብዙሕ ነመስግኖ ኢና።

መዝሙር 18 ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና

a የሆዋ ንዚንስሑ ሓጥኣን ይቕረ ንምባል ህንጡይ እዩ። ንሕና ድማ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ብሰብ ቅር ኪብለና ኸሎ፡ ንዕኡ ኽንመስሎ ንደሊ ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንሕና ብውልቅና ይቕረ ኽንብሎ እንኽእል ሓጢኣትን ናብ ሽማግለታት ከነቕርቦ ዘሎና ሓጢኣትን ክንርኢ ኢና። የሆዋ ንሓድሕድና ይቕረ ኽንብሃሃል ዚደልየሉ ምኽንያትን ከምኡ ምስ እንገብር እንረኽቦ በረኸትን እውን ክንርኢ ኢና።

b ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ፡ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።

c ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

d ናይ 8 ጥሪ 1992 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 9-13 ርአ። ኣብ ፈነወ JW እትርከብ Peter and Sue Schulz: A Trauma Can Be Overcome ዘርእስታ ቪድዮ እውን ርአ።