ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 37

ንኣሕዋትካ እመኖም

ንኣሕዋትካ እመኖም

“ፍቕሪ . . . ኵሉ ትኣምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር።”—1 ቈረ. 13:4, 7

መዝሙር 124 እሙናት ንኹን

መላለዪ *

1. ኣብዛ ዓለም እዚኣ እምነት ጠፊኡ ምህላዉ ኼገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

 ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘለዉ ሰባት ንመን ከም ዚኣምኑ ጠፊእዎም እዩ ዘሎ። ብተግባራት እቶም ኣብ ንግድን ፖለቲካን ሃይማኖትን ዚመርሕዎም መራሕቲ ዅሉ ሳዕ እዮም ዚጕህዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ንፈተውቶምን ንጐረባብቶምን ንኣባላት ስድራ ቤቶምን ኣይኣምንዎምን እዮም። እዚ ኼገርመና የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት . . . ሰባት . . . ዘይእሙናት፡ . . . ሓመይቲ፡ . . . ጠላማት” ከም ዚዀኑ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሰባት ንባህርያት እቲ ጠላም ዝዀነ ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ ኼንጸባርቑ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ።—2 ጢሞ. 3:1-4፣ 2 ቈረ. 4:4

2. (ሀ) ንመነመን ኢና ምሉእ ብምሉእ ክንኣምኖም እንኽእል፧ (ለ) ገሊኦም እንታይ ዚብል ሕቶ እዩ ዚልዓሎም፧

2 ንሕና ክርስትያናት ግና፡ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። (ኤር. 17:7, 8) ንሱ ኸም ዜፍቅረናን ንፈተውቱ ኸም ‘ዘይሓድጎምን’ ንኣምን ኢና። (መዝ. 9:10) ክርስቶስ የሱስ እውን ህይወቱ ምእንታና ኣሕሊፉ ስለ ዝሃበ፡ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። (1 ጴጥ. 3:18) መጽሓፍ ቅዱስ እሙን መምርሒ ኸም ዚህበና እውን ኣብ ብሕታዊ ተመክሮና ርኢና ኢና። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ስለዚ፡ ንየሆዋን ንየሱስን ንመጽሓፍ ቅዱስን ክንኣምኖም ከም እንኽእል ርግጸኛታት ኢና። ገሊኦም ግና ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ወትሩ ኺኣምንዎም ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ሕቶ ይለዓሎም እዩ። መልሲ እዛ ሕቶ ‘እወ’ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ኢና ኽንእምኖም እንኽእል፧

ኣሕዋትናን ኣሓትናን የድልዩና እዮም

ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ከማና ንየሆዋ ዜፍቅሩ እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉና (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)

3. እንታይ ዜደንቕ መሰል እዩ ዘሎና፧ (ማርቆስ 10:29, 30)

3 የሆዋ ኽፍሊ እቲ ብኣምለኽቱ ዝቘመ ዓለምለኻዊ ስድራ ቤት ክንከውን ሓርዩና ኣሎ። እዚ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ምዃኑን እንታይ ጥቕምታት ከም ዘለዎን እሞ ሕሰቦ! (ማርቆስ 10:29, 30 ኣንብብ።) ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ከማና ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ከማና ብመለክዒታቱ ንምምልላስ ዚከኣሎም ዚገብሩን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉና። ቋንቋናን ባህልናን ኣከዳድናናን እተፈላለየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዋላ እውን ንፈለማ ግዜ ምሳታቶም ክንራኸብ ከለና፡ ንቀራረብ ኢና። ምናዳ ኸኣ ምሳታቶም ሓቢርና ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ምውዳስን ምምላኽን የሐጕሰና እዩ።—መዝ. 133:1

4. ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዜድልዩና ስለምንታይ እዮም፧

4 ሎሚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓድነት ኪህልወና ኣለዎ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንሳቶም ጾርና ኽንስከም ይሕግዙና እዮም። (ሮሜ 15:1፣ ገላ. 6:2) ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጡፋት ኴንና ኽንቅጽልን ብመንፈሳዊ መዳይ ብርቱዓት ኴንና ኽንመላለስን እውን የተባብዑና እዮም። (1 ተሰ. 5:11፣ እብ. 10:23-25) ነቶም ናይ ሓባር ጸላእትና ዝዀኑ ሰይጣን ድያብሎስን እዛ እክይቲ ዓለሙን ክንቃወሞም ከለና፡ ካብ ጉባኤ ዕቝባ እንተ ዘይንረክብ ኔርና ኸመይ ኪስምዓና ይኽእል ከም ዝነበረ እሞ ሕሰቦ! ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ሰይጣንን እቶም ንሱ ዚቈጻጸሮም ሰባትን ኣብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ኺፍንዉ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ጐድንና ብምቛሞም ብዙሕ ከነመስግን ኢና!

5. ገሊኦም ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ምእማን ዜጸግሞም ስለምንታይ እዩ፧

5 ገሊኦም ግና ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ምእማን የጸግሞም እዩ። ከምኡ ዚስምዖም ከኣ ክርስትያን ብጻዮም ምስጢሮም ስለ ዝቐልዐ፡ ወይ ቃሉ ስለ ዘይሓለወ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ሓደ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ክርስትያን ኣመና ዚጐድኦም ዘረባ ተዛሪቡ ወይ ኣመና ዚጐድኦም ተግባር ገይሩ ይኸውን። ብሰንኪ እዚ ድማ ንሰብ ምእማን የጸግሞም ይኸውን። እሞ ደኣ ንክርስትያናት ብጾትና ምእንቲ ኽንኣምኖም እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ፍቕሪ ኽንኣምን ትሕግዘና

6. ፍቕሪ ኽንኣምን እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧ (1 ቈረንቶስ 13:4-8)

6 ፍቕሪ መሰረት እምነት እያ። ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 13 ንሰብ ክንኣምን ወይ ዳግም ክንኣምን ዜኽእለና ሓያሎ መዳያት ፍቕሪ ተገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 13:4-8 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ኣብ ፍቕዲ 4፡ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ” ዚብል ኣሎ። የሆዋ ዋላ እውን ክንሓጥእ ከለና፡ ይዕገሰና እዩ። እምበኣር፡ ኣሕዋትና ዜበሳጭወና ወይ ዚጐድኣና ነገር እንተ ተዛሪቦም ወይ እንተ ገይሮም፡ ክንዕገሶም ንኽእል ኢና። ኣብ ፍቕዲ 5 ድማ፡ “[ፍቕሪ] ኣይትቝጣዕን፡ ኣይትቕየምን እያ” ዚብል ኣሎ። ስለዚ፡ ንኣሕዋትና ኽንቅየሞም፡ ማለት በደሎም ወትሩ ኣብ ልብና ኽንሕዞ ኣይንደልን ኢና። መክብብ 7:9፡ “ንዅራ ኣይትተሃወኽ” ትብለና። እቲ ኣብ ኤፌሶን 4:26 ዚርከብ፡ “ተቘጢዕኩም ከለኹም፡ ጸሓይ ኣይትዕረብኩም” ዚብል ቃላት እንተ ተግቢርናዮ፡ ብዙሕ ንጥቀም ኢና።

7. ኣብ ማቴዎስ 7:1-5 ዚርከብ ስርዓታት ንሰብ ክንኣምን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

7 ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ክንኣምኖም ዚሕግዘና ኻልእ ነገር ድማ፡ ንዓታቶም ብኣረኣእያ የሆዋ ምርኣይ እዩ። ኣምላኽ የፍቅሮም እዩ፡ ንሓጢኣቶም እውን ኣይጽብጽቦን እዩ። ስለዚ፡ ንሕና እውን ጕድለቶም ክንጽብጽብ የብልናን። (መዝ. 130:3) ኣብ ጕድለታቶም ኣብ ክንዲ እነተኵር፡ ኣብ ጽቡቕ ባህርያቶም ንምትኳርን ሰናይ ንምግባር ዘለዎም ዓቕሚ ንምርኣይን ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። (ማቴዎስ 7:1-5 ኣንብብ።) ፍቕሪ፡ “ኵሉ ትኣምን” ስለ እተባህለ፡ ዕድል ንህቦም ኢና። (1 ቈረ. 13:7) እዚ ኺብሃል ከሎ፡ የሆዋ ንዅሉ ሰብ ብዕሙትና ኽንኣምን ይጽበየና ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ እሙናት ምዃኖም ስለ ዘርኣዩ፡ ክንኣምኖም ይጽበየና እዩ። *

8. ከመይ ጌርካ ኢኻ ንኣሕዋትካ ኽትኣምኖም እትኽእል፧

8 እምነት ከም ኣኽብሮት ጽዒርካ ዚርከብ እዩ፣ እዚ ድማ ግዜ ይሓትት እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ንኣሕዋትካ ኽትኣምኖም እትኽእል፧ ኣጸቢቕካ ፍለጦም። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኣዛርቦም። ኣብ ኣገልግሎት ምሳታቶም ዕየ። እሙናት ምዃኖም ኬርእዩ ኣጋጣሚ ብምሃብ ድማ ተዓገሶም። ኣብ ፈለማ፡ ንሓደ እትፈልጦ ዘለኻ ሰብ እንታይ ብሕታዊ ጕዳያት ከም እትገልጸሉ ኽትሓሪ የድልየካ ይኸውን። ርክብኩም እናደልደለ ምስ ከደ ግና፡ ከይተሰከፍካ ስምዒታትካ ኽትገልጸሉ ትኽእል ትኸውን። (ሉቃ. 16:10) እንተዀነ ግና፡ ሓደ ዝኣመንካዮ ሰብ እንተ ጠሊሙካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ቀልጢፍካ ተስፋ ኣይትቝረጽ። የግዳስ፡ ነቲ ነገር ግዜ ሃቦ። ብሰንኪ ተግባራት ሒደት ሰባት ኣብ ኣሕዋትካ ዝነበረካ እምነት ኣይተጥፍእ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ገሊኦም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዝሓደግዎ ኣብነት ክንምርምር ኢና። ንሳቶም ብገሊኦም ሰባት እኳ እንተ ጐሃዩ፡ ኣብ ካልኦት ሰባት ዝነበሮም እምነት ግና ኣየጥፍኡን።

ካብቶም ኣብ ሰብ ዝነበሮም እምነት ዘየጥፍኡ ኣብነታት ተምሃር

ሃና ብሰንኪ እቲ ኤሊ ኣብ ፈለማ እተዛረቦ ዘረባ ኣብ መሰናድዎ የሆዋ ዘለዋ እምነት ኣየጥፍአትን (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

9. (ሀ) ሃና ጕድለት ገሊኦም ተወከልቲ የሆዋ እናረኣየት ክነሳ፡ ኣብ መሰናድዎ የሆዋ ዘለዋ እምነት ዘየጥፍአት ብኸመይ እያ፧ (ለ) ንመሰናድዎ የሆዋ ብዛዕባ ምእማን፡ ካብ ሃና እንታይ ትምሃር፧ (ስእሊ ርአ።)

9 ብተግባር ሓደ ሓላፍነት ዘለዎ ሓው ጕሂኻዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ካብቲ ሃና ዝሓደገቶ ኣብነት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ እስራኤል ዝለዓለ መንፈሳዊ ስልጣን ዝነበሮ፡ ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት እዩ ነይሩ። ንሱ ግና ኣብነታውያን ስድራ ቤት ኣይነበርዎን። እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም ደቁ ኣዘውቲሮም ዜነውር ብዕሉግ ተግባር ይፍጽሙ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣቦኦም ንዓታቶም ንምእራም ብዙሕ ነገር ኣይገበረን። የሆዋ ድማ ንኤሊ፡ ብኡብኡ ኻብ ስልጣኑ ኣየውረዶን። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግና፡ ሃና፡ ‘ኤሊ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ እናኣገልገለ፡ ናብ ማሕደር ከይደ ኣየምልኽን እየ’ ኢላ ንመሰናድዎ ኣምላኽ ዝባና ኣይመለሰትሉን። ድሕርዚ፡ ኤሊ ንሃና፡ ካብቲ ዝነበራ ብርቱዕ ጭንቂ እተላዕለ ኣምሪራ ኽትጽሊ ምስ ረኣያ፡ ዝሰኽረት መሰለቶ። ጭቡጥ ሓቅታት ኬረጋግጽ ኣብ ክንዲ ዚፍትን ከኣ፡ ነታ ኣብ ትሕቲ ጭንቂ ዝነበረት ሰበይቲ ነቐፋ። (1 ሳሙ. 1:12-16) ይኹን እምበር፡ ሃና ወዲ እንተ ወሊዳ፡ ኣብቲ ማሕደር ኬገልግል ከም እትውፍዮ ተመባጽዐት፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ኤሊ ዀይኑ እዩ ኼገልግል። (1 ሳሙ. 1:11) እሞኸ እቲ ምስ ደቂ ኤሊ እተተሓሓዘ ጕዳይ ኪእረም የድልዮ ነይሩ ድዩ፧ እወ፡ የሆዋ ብግዜኡ ስጕምቲ ወሲዱ እዩ። (1 ሳሙ. 4:17) ኣብ መንጎኡ ግና፡ ኣምላኽ ንሃና፡ ሳሙኤል ተባሂሉ እተሰምየ ወዲ ሃባ።—1 ሳሙ. 1:17-20

10. ንጉስ ዳዊት ሕማቕ ነገር ኣጋጢምዎ ኽነሱ፡ ኣብ ሰብ ዝነበሮ እምነት ዘየጥፍአ ብኸመይ እዩ፧

10 ናይ ቀረባ ዓርክኻ ጠሊሙካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ንንጉስ ዳዊት ዘጋጠሞ መርምር። ዳዊት፡ ኣሒቶፌል ዚብሃል ፈታዊ ነበሮ። ኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት ካብ ኣቦኡ ንግስና ኺምንዝዕ ምስ ፈተነ ግና፡ ኣሒቶፌል ኣብቲ ዕልዋ ሓበረ። ዳዊት ደገፍ ወዱን ደገፍ እቲ ኸም ዓርኩ ገይሩ ዚርእዮ ዝነበረ ሰብን ምስኣኑ ብዙሕ ተጐዲኡ ኪኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግና፡ ብሰንኪ እዚ ጥልመት እዚ፡ ኣብ ሰብ ዝነበሮ እምነት ኣየጥፍአን። ንኣብነት፡ ኣብቲ ሑሻይ ዚብሃል እሙን ፈታዊኡ ዝነበሮ እምነት ኣየጥፍአን፣ ሑሻይ እውን ኣብቲ ዕልዋ ኣይሓበረን። ዳዊት ንሑሻይ ብምእማኑ ኣይተጋገየን። ምኽንያቱ፡ ሑሻይ ንዳዊት ኪሕግዝ ኢሉ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ብምእታው እኳ ናይ ሓቂ ፈታዊ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።—2 ሳሙ. 17:1-16

11. ሓደ ኻብ ገላዉ ናባል እምነት ከም ዘሕደረ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

11 ሓደ ኻብ ገላዉ ናባል ዝሓደጎ ኣብነት እውን ንርአ። ዳዊትን ሰቡን ንገላዉ እቲ ናባል ዚብሃል እስራኤላዊ ዕቝባ ዀይኖምዎም ነይሮም እዮም። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ ዳዊት ናብቲ ሃብታም ዝነበረ ናባል ሰቡ ልኢኹ፡ ዓቕሙ ዚፈቕዶ ምግቢ ኺህቦም ለመኖ። ናባል ነቲ ዝቐረበሉ ግቡእ ልማኖ ምስ ነጸጎ፡ ዳዊት ኣመና ተቘጥዐ፣ ኣብ ቤት ናባል ንዚርከቡ ዅሎም ደቂ ተባዕትዮ ኪቐትል እውን ወሰነ። ሓደ ጊልያ ግና ብዛዕባ እዚ ዅነታት እዚ ንኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ነገራ። ኣብቲ ቤት እቲ ይነብር ብምንባሩ፡ ህይወቱ ኣብ ኢድ ኣቢጋይል ምዃና ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ክንዲ ዚሃድም፡ ኣቢጋይል ነቲ ዅነታት ከም እተዐርዮ ኣመና። ኣስተውዓሊት ሰበይቲ ስለ ዝነበረት እዩ ኣብኣ ኸምዚ ዓይነት እምነት ዘሕደረ። እዚ እምነት እዚ ብምሕዳሩ እውን ኣይተጋገየን። ከመይሲ፡ ኣቢጋይል ብትብዓት ከይዳ ንዳዊት ሓሳቡ ኣቐየረቶ። (1 ሳሙ. 25:2-35) ንሳ እውን ዳዊት ግቡእ ውሳነ ኸም ዚገብር ትኣምን ነይራ እያ።

12. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ጕድለታት እናሃለዎም ክነሱ ኸም ዚኣምኖም ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

12 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጕድለታት እናሃለዎም ክነሱ ኣሚንዎም እዩ። (ዮሃ. 15:15, 16) ያእቆብን ዮሃንስን ንየሱስ ኣብ መንግስቱ ፍሉይ ቦታ ኺህቦም ምስ ሓተትዎ፡ ነቲ ንየሆዋ ዜገልግሉሉ ውሽጣዊ ድራኸ ኣብ ሕቶ ኣየእተዎን፡ ወይ ካብ ሃዋርያነቶም ኣይቀንጠጦምን። (ማር. 10:35-40) ጸኒሑ በታ እተታሕዘላ ለይቲ፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ሓዲጎምዎ ሃደሙ። (ማቴ. 26:56) እንተዀነ ግና፡ የሱስ ኣባታቶም ዝነበሮ እምነት ኣየጥፍአን። ንዘይፍጽምናኦም ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ፣ ይኹን እምበር፡ “ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።” (ዮሃ. 13:1) ካብ ሞት ምስ ተንስአ ኸኣ፡ ነቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ፡ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኺመርሑን ነተን ክቡራት ኣባጊዑ ኺከናኸኑን ከቢድ ሓላፍነት ሃቦም። (ማቴ. 28:19, 20፣ ዮሃ. 21:15-17) የሱስ ነዞም ዘይፍጹማት ሰባት እዚኦም ምእማኑ ኣይተጋገየን። ኵላቶም ምድራዊ ህይወቶም ክሳዕ ዚውድኡ ብተኣማንነት ኣገልጊሎም እዮም። እምበኣር፡ ሃናን ዳዊትን ጊልያ ናባልን ኣቢጋይልን የሱስን ንዘይፍጹማት ሰባት ብምእማን ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ሓዲጎምልና እዮም።

ንኣሕዋትና ዳግም ንእመኖም

13. እንታይ ነገር እዩ እምነት ከም እነጥፍእ ኪገብረና ዚኽእል፧

13 ንሓውካ ኣሚንካ ምስጢራዊ ሓበሬታ ድሕሪ ምንጋርካ፡ ሓውካ ምስጢርካ ቐሊዑልካዶ ይፈልጥ፧ እዚ ኣመና ዜጕሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ሓንቲ ሓብቲ ንሓደ ሽማግለ ብሕታዊ ጕዳያ ብምስጢር ነገረቶ። ንጽብሒቱ ግና፡ ሰበይቲ እቲ ሽማግለ ነታ ሓብቲ ኸተተባብዓ ፈተነት፣ ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ነቲ ሽማግለ ብምስጢር እተነግሮ ነገር ፈሊጣ ኽትከውን ኣለዋ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እታ ሓብቲ ኣብቲ ሽማግለ ዝነበራ እምነት ተናወጸ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ሓገዝ ክትረክብ ጸዓረት። ንኻልእ ሽማግለ ኣዛረበት፣ ንሱ ድማ ንሽማግለታት ዳግም ክትኣምኖም ሓገዛ።

14. ሓደ ሓው ንኣሕዋቱ ዳግም ኪኣምኖም ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

14 ሓደ ሓው ምስ ክልተ ሽማግለታት ነዊሕ ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ስለ ዝነበሮ፡ ኪኣምኖም ዘይክእል ኰይኑ ተሰምዖ። ይኹን እምበር፡ ብሓደ ኣዝዩ ዜኽብሮ ሓው ብዛዕባ እተዘርበ ዘረባ ኺሓስብ ጀመረ። እቲ ቐሊል ግናኸ ሓያል ዘረባ፡ “ሰይጣን ደኣ እዩ ጸላኢና እምበር፡ ኣሕዋትና ኣይኰኑን” ዚብል ነበረ። ስለዚ፡ እቲ ሓው ነዚ ዘረባ እዚ ብጸሎት ሓሰበሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ምስ ክልቲኦም እቶም ሽማግለታት እቲኦም ተዓርቀ።

15. ንሰብ ዳግም ንምእማን ነዊሕ ግዜ ኺወስድ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

15 ፍሉይ መሰልካ ስኢንካዶ ትፈልጥ፧ እዚ ኣመና ዜሕምም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብ1930ታት ኣብ ጀርመን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ናዚ ዕዮና ተኣጊዱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ግሬተን ኣዲኣን ብተኣማንነት ዜገልግላ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እየን ነይረን። ግሬተ ኸኣ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ንብጾታ ክርስትያናት ታይፕ ናይ ምግባር ፍሉይ መሰል ተዋሂብዋ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ኣሕዋት፡ ኣቦኣ ንሓቂ ኸም ዚጻረር ምስ ፈለጡ፡ ንጉባኤ ኣብ ኢድ ተጻረርቲ ኣሕሊፉ ኸይህብ ስለ ዝሰግኡ፡ ነቲ ፍሉይ መሰል እቲ ኣሕደግዋ። ንግሬተ ዘጋጠማ ፈተና ግና በዚ ኣየብቅዐን። ኣብ ብምሉኡ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣሕዋት ንግሬተን ንኣዲኣን ቅዳሓት መጽሔታት ኣሚኖም ኪህብወን ኣይከኣሉን፣ ኣብ ጐደና ኣብ ዚራኸበሉ እዋን እውን ኬዛርብወን ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። እዚ ብሓቂ ጐዳኢ እዩ። ግሬተ፡ እዚ ተግባር እዚ ሕማቕ በሰላ ኸም ዝሓደገላ፡ ንኣሕዋት ይቕረ ንምባልን ዳግም ንምእማንን እውን ነዊሕ ግዜ ኸም ዝወሰደላ እያ እትገልጽ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ የሆዋ ይቕረ ኢሉሎም ኪኸውን ከም ዘለዎ ስለ እተረድአት፡ ንሳ እውን ይቕረ ኽትብለሎም ከም ዚግባእ ኣመነት። *

“ሰይጣን ደኣ እዩ ጸላኢና እምበር፡ ኣሕዋትና ኣይኰኑን”

16. ንኣሕዋትና ንምእማን ዜጋጥመና ዕንቅፋታት ክንሰግር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ተመክሮ እንተ ኣሕሊፍካ፡ ንኣሕዋትካ ዳግም ንምእማን ጽዓር። እዚ ግዜ ይሓትት ይኸውን፣ ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ጻዕርታትካ ኪኽሕሰካ እዩ። ነዚ ብምሳሌ እስከ ነብርሃዮ፦ ናይ ምግቢ ምምራዝ እንተ ኣጋጢሙና፡ እንታይ ከም እንበልዕ ተጠንቂቕና ንመርጽ ኢና። እንተዀነ ግና፡ ሓንሳእ እተመረዘ ምግቢ ስለ ዝበላዕና፡ ምብላዕ ኣይንሓድጎን ኢና። ብተመሳሳሊ፡ ሓንሳእ ዘጓነፈና ሕማቕ ተመክሮ፡ ነቲ ኣብ ኵሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና እምነት ኬዳኽሞ ኣይግባእን። ስለምንታይሲ፡ ኪውለዱ ኸለዉ ኣትሒዞም ዘይፍጹማት ምዃኖም ንፈልጥ ኢና። እምበኣር፡ ንኣሕዋትና ዳግም እንተ ኣሚንናዮም፡ ብዝያዳ ኢና እንሕጐስ፣ ኣብ ጉባኤና ናይ ምትእምማን መንፈስ ኪሰፍን እውን ኣብቲ ንሕና ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ብዝሓሸ ነተኵር ኢና።

17. እምነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽከ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

17 ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እምነት ዚብሃል ይጠፍእ እዩ ዘሎ። ኣብቲ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ግና ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ እምነት ሰፊኑ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት፡ ሕጂ ንሓጐስናን ንሓድነትናን ኣበርክቶ ይገብር እዩ፣ ኣብ መጻኢ ኸኣ ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ ዕቝባ ኪዀነና እዩ። እንተዀነ ግና፡ ዝኣመንካዮ ሰብ እንተ ጠሊሙካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ነቲ ነገር ብዓይኒ የሆዋ ኽትርእዮ ጽዓር፣ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተግብር፣ ንኣሕዋትካ ዓሚቝ ፍቕሪ ኣማዕብል፣ ካብ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተምሃር። ስምዒትና ምስ ዚጕዳእ፡ ነዚ ዕንቅፋት እዚ ኽንሰግሮ፡ ንኣሕዋትና እውን ዳግም ክንኣምኖም ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ‘ካብ ሓው ኣብሊጾም ዚለግቡ’ ብዙሓት ፈተውቲ ኸነጥሪ ኢና። (ምሳ. 18:24) ኰይኑ ግና፡ እምነት ልክዕ ከምቲ ናብ ክልቲኡ ኣንፈት ዚኽየዶ መገዲ እዩ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኣሕዋትና ምእንቲ ኺኣምኑና፡ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 99 ኣእላፋት ኣሕዋት

^ ንኣሕዋትና ኽንኣምኖም ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ ስለ ዜጕህዩና ግና፡ እዚ ቐሊል ኣይኰነን። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምትግባርን ኣብ ሕሉፍ ብዛዕባ ዝነበሩ ኣብነታት ምስትንታንን ንክርስትያናት ብጾትና ኽንኣምኖም ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽንርኢ ኢና። ብተወሳኺ፡ ክርስትያናት ብጾትና ኸምቲ እተጸበናዮም እንተ ዘይኰይኖምልና፡ ንዓታቶም ብኸመይ ዳግም ከም እንኣምኖም ክንርኢ ኢና።

^ መጽሓፍ ቅዱስ ንገሊኦም ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ሰባት ክንኣምኖም ከም ዘይብልና የጠንቅቐና እዩ። (ይሁ. 4) ሓድሓደ ግዜ፡ ናይ ሓሶት ኣሕዋት “ቄናን ነገር” ብምዝራብ ንኻልኦት ኬስሕቱ ይፍትኑ እዮም። (ግብ. 20:30) ንኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት ኣይንኣምኖምን ኢና፡ ክንሰምዖም እውን የብልናን።

^ ብዛዕባ ተመክሮ ግሬተ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 1974 (እንግሊዝኛ)፡ ገጽ 129-131 ርአ።