ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 38

እሙን ኩን

እሙን ኩን

“እሙን . . . ምስጢር ይሕሉ።”—ምሳ. 11:13

መዝሙር 101 ብሓድነት ንዕየ

መላለዪ *

1. ሓደ ሰብ እሙን ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ብኸመይ ክንፈልጦ ንኽእል፧

 እሙን ሰብ ቃሉ ኺሕሉ ይጽዕር፡ ሓቂ እውን ይዛረብ እዩ። (መዝ. 15:4) ከምቲ ዝበሎ ዚገብር ምዃኑ፡ ሰባት ይፈልጡ እዮም። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዛዕባና ኸምዚ ዓይነት ስምዒት ኪህልዎም ኢና እንደሊ። እሞ ደኣ ምእንቲ ኺኣምኑና እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

2. ከመይ ጌርና ኢና እሙናት ምዃንና ኸነርኢ እንኽእል፧

2 ብግዲ ሰብ ከም ዚኣምነና ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና። እምነት ጽዒርካ ዚርከብ ነገር እዩ። እምነት ምስ ገንዘብ ኪመሳሰል ይከኣል እዩ። ንምርካቡ ብዙሕ ኢኻ እትጽዕር፣ ብቐሊሉ ግና ከተጥፍኦ ትኽእል ኢኻ። ንየሆዋ ኣጸቢቕና ንኣምኖ ኢና። “ኵሉ ተግባሩ . . . እሙን” ስለ ዝዀነ፡ ኣብኡ ዝነበረና እምነት ከም እነጥፍእ ዚገብረና ምኽንያት ኣይህበናን እዩ። (መዝ. 33:4) ብዘይካዚ፡ ንዕኡ ኽንመስሎ ትጽቢት ይገብረልና እዩ። (ኤፌ. 5:1) ሕጂ እምበኣር ገለ ኻብቶም ንሰማያዊ ኣቦኦም ዝመሰልዎ፡ እሙናት ኰይኖም እውን እተመላለሱ ኣገልገልቲ የሆዋ እስከ ንርአ። ብተወሳኺ፡ እሙናት ክንከውን ዚሕግዘና ሓሙሽተ ባህርያት ክንምርምር ኢና።

ካብቶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ተምሃር

3-4. ነብዪ ዳንኤል እሙን ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ኢልና ኸም እንሓስብ እዩ ኺገብረና ዘለዎ፧

3 ነብዪ ዳንኤል እሙን ብምዃኑ ብሉጽ ኣብነት ይዀነና እዩ። ብባቢሎናውያን ተማሪኹ እኳ እንተ ተወስደ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግና እሙን ምዃኑ ኣብ ኵሉ ሰብ ተፈልጠ። ስሙ እናዓበየ ምስ ከደ ኸኣ፡ ብሓገዝ የሆዋ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ሕልምታት ተርጐመሉ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ዳንኤል ነቲ ንጉስ፡ የሆዋ ብእኡ ኸም ዘይተሓጐሰ ነገሮ። ዋላ ሓደ ንጉስ ከምዚ ዓይነት መልእኽቲ ኺሰምዕ ኣይደልን እዩ። ነቡካድነጻር ቍጡዕ ብምንባሩ፡ ዳንኤል ነዚ መልእኽቲ እዚ ንምንጋር ትብዓት የድልዮ ነበረ። (ዳን. 2:12፣ 4:20-22, 25) ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት እውን፡ ዳንኤል ነቲ ኣብ መንደቕ ቤተ መንግስቲ ባቢሎን እተጻሕፈ ምስጢራዊ መልእኽቲ ብልክዕ ብምትርጓም እሙን ምዃኑ ኣርኣየ። (ዳን. 5:5, 25-29) ድሕርዚ፡ ዳርዮስ እቲ ሜዶናውን ሰበ ስልጣኑን፡ ዳንኤል “ፍሉይ መንፈስ” ከም ዝነበሮ ኣስተብሃሉ። ‘እሙን ከም ዝነበረ፡ ሸለልትነት ወይ ብልሽውና እውን ከም ዘይርከቦ’ ተኣመኑ። (ዳን. 6:3, 4) እወ፡ ኣረማውያን ገዛእቲ እኳ ኸይተረፉ፡ እዚ ኣምላኺ የሆዋ እዚ እሙን ምዃኑ ኺርእዩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም!

4 ንዳንኤል ኣብ ኣእምሮና ሒዝና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና፦ ‘ካብ ጉባኤ ወጻኢ እንታይ ዓይነት ስም እዩ ዘሎኒ፧ ሓላፍነታተይ ከም ዝፍጽምን እሙን ከም ዝዀንኩን ድየ ዝፍለጥ፧’ ስለምንታይ ኢና ነዚ ሕቶታት እዚ ምላሽ ክንህበሉ ዘሎና፧ ምኽንያቱ፡ እሙናት እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ውዳሰ ነምጽኣሉ ኢና።

ነህምያ፡ ኣገዳሲ ዕዮታት ዚዓይዩ እሙናት ሰባት ሓረየ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5. ሓናንያ እሙን ሰብ ብምዃኑ ዚፍለጥ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

5 ብ455 ቅ.ክ. ነህምያ ንመካበብያ የሩሳሌም ዳግም ምስ ሃነጾ፡ ነታ ኸተማ ጽቡቕ ገይሮም ዜመሓድርዋ እሙናት ሰባት ደለየ። ካብቶም ዝሓረዮም ሰባት ድማ ሓናንያ ዚብሃል ሓለቓ ዕርዲ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሓናንያ፡ “ካብ ብዙሓት ካልኦት ብዝያዳ እሙንን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚፈርህን ነበረ” ኢሉ ይገልጾ። (ነህ. 7:2) ሓናንያ ንየሆዋ ፍቕሪ ስለ ዝነበሮን ከየጕህዮ ይፈርህ ስለ ዝነበረን፡ ንዝዀነ ይኹን ዚውሃቦ ዕዮ ኣርዚኑ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። እዚ ባህርያት እዚ ድማ ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት እሙናት ኪገብረና ይኽእል እዩ።

6. ትኪቆስ ንሃዋርያ ጳውሎስ እሙን ዓርኩ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

6 እቲ እሙን ብጻይ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበረ ትኪቆስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ። ጳውሎስ ኣብ ቤት ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ትኪቆስ ሓገዝ ኣድልይዎ ነበረ፣ ንዕኡ ድማ፡ “እሙን ኣገልጋሊ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ኤፌ. 6:21, 22) ጳውሎስ ንትኪቆስ ናብቶም ኣብ ኤፌሶንን ቈሎሴን ዚርከቡ ኣሕዋት ደብዳበታት ከም ዜብጽሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ዜተባብዖምን ከም ዜጸናንዖምን እውን ኣሚንዎ እዩ። ትኪቆስ ነቶም ሎሚ ብመንፈሳዊ ዜድልየና ነገራት ዚሓልዩልና እሙናት ሰብኡት እዩ ዜዘኻኽረና።—ቈሎ. 4:7-9

7. ካብቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን፡ እሙን ብዛዕባ ምዃን እንታይ ትምሃር፧

7 ሎሚ ንእሙናት ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ብዙሕ ነማስዎም ኢና። ከም ዳንኤልን ሓናንያን ትኪቆስን፡ ንሓላፍነቶም ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ክንእከብ ከለና፡ ኵሉ ኽፍልታት ምዱብ ምዃኑ ኣይንጠራጠርን ኢና። እቶም እተመደቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ተዳልዮም መጺኦም ክፍልታቶም ኣብ ኣኼባ ኬቕርቡ ኸለዉ ኸኣ፡ ሽማግለታት ነዚ የማስዉሉ እዮም። ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኣኼባ መወዳእታ ሰሙን ክንዕድም ከለና፡ ህዝባዊ መደረ ኸይርሳዕ ኢልና ኣይንፈርህን ኢና። እቲ ንኣገልግሎት ዜድልየና ጽሑፋት ከም ዚቐርበልና እውን ንተኣማመን ኢና። እዞም እሙናት ኣሕዋትና ጽቡቕ ክንክን ከም ዚገብሩልና እዩ ዚስምዓና። ስለዚ፡ ስሊኦም ንየሆዋ ነመስግኖ ኢና! ብምንታይ መዳያት ግና ኢና እሙናት ምዃንና ኸነርኢ እንኽእል፧

ምስጢር ብምሕላው፡ እሙን ኩን

8. ብዛዕባ ኻልኦት ክንግደስ ከለና፡ ሚዛንና ኽንሕሉ ዘሎና ብኸመይ ኢና፧ (ምሳሌ 11:13)

8 ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ንፈትዎም ኢና፣ ብዛዕባ ዅነታቶም እውን ንግደስ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ሚዛንና ኽንሕሉን ብሕታዊ ጕዳያቶም ከነኽብረሎምን ኣሎና። ገሊአን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ እትርከብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበራ ክርስትያናት “ዘይግባእ እናተዛረባ ወረኛታትን ወልፋሳትን ይዀና” ነይረን እየን። (1 ጢሞ. 5:13) ከማታተን መሸም ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ንኻልኦት ሰባት ዘይንገር ብሕታዊ ጕዳዩ ኣካፊሉና ንበል። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሓብቲ ብዛዕባ እቲ ዘለዋ ጸገም ጥዕና ወይ ካልእ ፈተና ነጊራትና። ነዚ ንበይንና ኽንሕዞ እውን ሓቲታትና። ኣብዚ ኸምዚ፡ ድሌታ ኸነኽብረላ ኣሎና። * (ምሳሌ 11:13 ኣንብብ።) ሕጂ ምስጢር ክንሕልወሉ ዚግባእ ካልእ ኵነታት እስከ ንርአ።

9. ኣባላት ስድራ ቤት እሙናት ምዃኖም ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧

9 ኣብ ስድራ ቤት። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ተኣፋፊ ናይ ስድራ ቤት ጕዳይ ብስቱር ናይ ምሓዝ ሓላፍነት ኣለዎ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ንሰብኣያ ዜስሕቖ ልማድ ኪህልዋ ይኽእል እዩ። እሞኸ እቲ ሰብኣያ ብዛዕባ እዚ ንኻልኦት ብምንጋር ኬሕፍራስ ግቡእ ድዩ፧ ኣይኰነን! ንሰበይቱ የፍቅራ እዩ፣ ንዓኣ ዚጐድእ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪገብር እውን ኣይደልን እዩ። (ኤፌ. 5:33) መንእሰያት እውን እንተ ዀኑ እተወሰነ ኣኽብሮት ይደልዩ እዮም። ወለዲ ነዚ ኺርስዑ የብሎምን። ጌጋታት ደቆም ንኻልኦት ብምንጋር ኬዋርድዎም ኣይደልዩን እዮም። (ቈሎ. 3:21) ውሉዳት እውን ኣስተውዓልቲ ኪዀኑ ኣለዎም፣ ንኻልኦት ኣባል ስድራ ቤቶም ዜሕፍር ነገር ካብ ስድራ ቤቶም ወጻኢ ኪቐልዑ የብሎምን። (ዘዳ. 5:16) ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ነቲ ናይ ስድራ ቤት ጕዳይ ብስቱር ምስ ዚሕዞ፡ እቲ ኣብ መንጎ ስድራ ቤት ዘሎ ማእሰር ይድልድል እዩ።

10. ናይ ሓቂ ፈታዊ ምዃን እንታይ የጠቓልል፧ (ምሳሌ 17:17)

10 ኣብ መንጎ ዕርክነት። እንተ በዚ እንተ በቲ፡ ንናይ ቀረባ ዓርክና ምስጢርና ኸነካፍል እንደልየሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ሓድሓደ ግዜ፡ እዚ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ውሽጥና ሓሳባት ንኻልእ ምንጋር ኣይለመድናን ንኸውን። ፈታዊና ምስጢርና ንኻልኦት ከም ዝነገረ እንተ ፈሊጥና እውን፡ በዚ ኣመና ንጕሂ ንኸውን። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ምስጢር ንዚሕሉ ሰብ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ! ንሱ “ናይ ሓቂ ፈታዊ” እዩ።—ምሳሌ 17:17 ኣንብብ።

ሽማግለታት ንኣባላት ስድራ ቤቶም ምስጢራዊ ጕዳያት ኣይሕብርዎምን እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) *

11. (ሀ) ሽማግለታትን ኣንስቶምን እሙናት ምዃኖም ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧ (ለ) ካብ ሓደ ምስጢራዊ ጕዳይ ጉባኤ ድሕሪ ምሓዙ ንስድራ ቤቱ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘይነግሮም ሽማግለ እንታይ ንምሃር፧ (ስእሊ ርአ።)

11 ኣብ ጉባኤ። ምስጢር ዚሕልዉ ሽማግለታት ንኣሕዋቶም፡ “ካብ ንፋስ ከም መሕብኢ፡ ካብ ሃጽፊ ኸም መኸወሊ” እዮም ዚዀኑሎም። (ኢሳ. 32:2) እዞም ኣሕዋት እዚኦም ምስጢርና ኸም ዚሕልዉልና ስለ እንተኣማመን፡ ከይተሰከፍና ኽንዛረቦም ንኽእል ኢና። ብስቱር ኪሕዝዎ ዚግባእ ነገር ኪነግሩና ጸቕጢ ኣይንገብረሎምን ኢና። ኣንስቲ ሽማግለታት ካብ ሰብኡተን ሓበሬታ ንምርካብ ዘይትዅትዃ ምዃነን እውን ነማስወን ኢና። ከም ሓቂ፡ ሰበይቲ ሽማግለ ብሕታዊ ጕዳይ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘይምፍላጣ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ሓንቲ ሰበይቲ ሽማግለ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ሓሳብ ሂባ ኣላ፦ “ሰብኣየይ ነቶም ጕስነታዊ ምብጻሕ ዚገብረሎም ወይ መንፈሳዊ ሓገዝ ዜድልዮም ክርስትያናት ጕዳዮም ብምስጢር ብምሓዙ፡ ዋላ እውን ስማቶም ብዘይምንጋሩ አመስግኖ እየ። ብዛዕባ እቲ ዋላ ሓንቲ ኽገብሮ ዘይክእል ጕዳያት ዘየሰክመኒ ምዃኑ አማስዎ እየ። ሳላ እዚ ድማ ምስ ኵሎም እቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ናጻ ዀይነ ኽዛራረብ እኽእል እየ። ብተወሳኺ፡ ንሰብኣየይ ብዛዕባ ብሕታዊ ስምዒታተይ ወይ ጸገማተይ ክነግሮ ኸለኹ፡ ነዚ ብምስጢር ከም ዚሕዘለይ እተኣማመን እየ።” ኵላትና መሸም እሙናት ዚብል ስም ከነጥሪ ኢና እንደሊ። እሞ ደኣ ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ እንታይ ባህርያት ኪሕግዘና ይኽእል፧ ሓሙሽተ ባህርያት እስከ ንመርምር።

እሙን ክትከውን ዚሕግዘካ ባህርያት ኣማዕብል

12. ፍቕሪ መሰረት እምነት እያ እንብል ስለምንታይ ኢና፧ ኣብነት ሃብ።

12 ፍቕሪ መሰረት እምነት እያ። የሱስ እተን ዝዓበያ ኽልተ ትእዛዛት፡ ንየሆዋ ምፍቃርን ንብጻይና ምፍቃርን ምዃነን ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 22:37-39) ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ነቲ እሙን ብምዃን ዝሓደገልና ፍጹም ኣብነት ክንስዕብ ትድርኸና እያ። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ ድማ ብሕታዊ ጕዳያቶም ብስቱር ክንሕዝ ትድርኸና እያ። ኪጐድኦም፡ ኬሕፍሮም፡ ወይ ኬሳቕዮም ዚኽእል ነገር ክንቀልዕ ከቶ ኣይንደልን ኢና።—ዮሃ. 15:12

13. ትሕትና እሙናት ክንከውን እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

13 ትሕትና እሙናት ክንከውን ትሕግዘና እያ። ሓደ ትሑት ክርስትያን ንኻልኦት ኪምስጥ ኢሉ ቐዲሙ ኣየውርን እዩ። (ፊል. 2:3) ኪቐልዖ ዘይግባእ ሓበሬታ ኸም ዚፈልጥ ብምእማት እውን፡ ገዛእ ርእሱ ኽብ ኣየብልን እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ ትሕትና እንተ ኣልያትና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ብዛዕባ ዘይተገልጸ ጕዳያት ብግምት ኣይነውርን ኢና።

14. ምስትውዓል እሙናት ንምዃን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

14 ምስትውዓል ንሓደ ክርስትያን ነቲ፡ “ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ፡ ንምዝራብ ከኣ ግዜ ኣለዎ” ዚብል ምኽሪ ኺትግብሮ ይሕግዞ እዩ። (መክ. 3:7) ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ “ዘረባ ብሩር እዩ፣ ስቕታ ግና ወርቂ እዩ” ዚብል ብሂል ኣሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ካብ ምዝራብ፡ ስቕ ምባል ዚሕሸሉ ግዜ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ኣብ ምሳሌ 11:12፡ “ናይ ሓቂ ምስትውዓል ዘለዎ ሰብ . . . ስቕ ይብል” ዚብል ማዕዳ ተዋሂቡ ዘሎ። ምስዚ ዚተኣሳሰር ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ሓደ ምኩር ሽማግለ፡ ኣብ ካልኦት ጉባኤታት ጸገማት ኬጋጥም ከሎ፡ ኪሕግዝ ብዙሕ ግዜ ሕቶ ይቐርበሉ እዩ። ሓደ ምስኡ ዜገልግል ሽማግለ ድማ ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዛዕባ ኻልእ ጉባኤታት ተኣፋፊ ሓበሬታ ንዘይምክፋል ወትሩ ይጥንቀቕ እዩ” ዚብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። እቲ ሽማግለ እቲ ኣስተውዓሊ ብምዃኑ፡ ካብቶም ምስኡ ዜገልግሉ ሽማግለታት ኣኽብሮት ረኺቡ እዩ። እቶም ሽማግለታት ድማ ምስጢራዊ ጕዳያቶም ንኻልኦት ከም ዘይቀልዕ ርግጸኛታት እዮም።

15. ሰብ ምእንቲ ኺኣምነና፡ ቅንዕና ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

15 ቅንዕና እሙናት ንምዃን ዜድልየና ኻልእ ባህርይ እዩ። ብቕንዕና ዚመላለስ ሰብ ወትሩ ሓቂ ስለ ዚዛረብ፡ ነቲ ሰብ እቲ ንኣምኖ ኢና። (ኤፌ. 4:25፣ እብ. 13:18) ንኣብነት፡ ናይ ምምሃር ክእለትካ ኸተመሓይሽ ደሊኻ ንበል። ስለዚ ድማ፡ ንሓደ ሰብ መደረኻ ሰሚዑ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ ሓጋዚ ሓሳባት ኪህበካ ሓቲትካዮ። ንመን ኢኻ ብቕንዕና ርእይቶኡ ኸም ዚህበካ እትኣምኖ፧ ንሓደ ጸጽቡቑ ጥራይ ዚነግረካ ዲኻ፡ ወይስ ንሓደ ብለውሃት ሓቂ ዚነግረካ፧ እቲ መልሲ ፍሉጥ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ሕቡእ ፍቕርስ፡ ግሉጽ መግናሕቲ ይሓይሽ። ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ” ይብል። (ምሳ. 27:5, 6) ፈታዊና ብቕንዕና ዚህበና ሓሳብ ኣብ ፈለማ ንምስማዑ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግና ይጠቕመና እዩ።

16. ምሳሌ 10:19 ርእሰ ግትኣት ከም ዜድልየና ብኸመይ ተጕልሕ፧

16 ርእሰ ግትኣት ብሰብ ክንእመን ዚሕግዘና ኣዝዩ ኣገዳሲ ባህርይ እዩ። ብምስጢር እተነግረና ነገር ክንቀልዕ ኣብ እንፍተነሉ እዋን፡ እዚ ባህርይ እዚ ኸናፍርና ኽንቈጻጸር ይሕግዘና እዩ። (ምሳሌ 10:19 ኣንብብ።) ማሕበራዊ መራኸቢ ኽንጥቀም ከለና፡ ርእሰ ግትኣትና ኺፍተን ይኽእል እዩ። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ከይተፈለጠና ንብዙሓት ሰባት ምስጢራዊ ጕዳያት ክንቀልዕ ንኽእል ኢና። ሓንሳእ ነቲ ሓበሬታ እቲ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ምስ ነዛሕናዮ ኸኣ፡ ካልኦት ብኸመይ ከም ዚጥቀሙሉ፡ ወይ እንታይ ጕድኣት ከም ዜብጽሕ ክንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና። ተጻረርቲ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ዚኽእል ነገር ምእንቲ ኽንነግሮም ኬታልሉና ኺፍትኑ ኸለዉ፡ ርእሰ ግትኣት ስቕ ክንብል ይሕግዘና እዩ። ዕዮና ኣብ እተኣገደሉ ወይ እተቐየድሉ ዓድታት ብፖሊስ መርመራ ኺግበረልና ኸሎ፡ ከምዚ ዓይነት ፈተና ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ‘ኣፍና ብልጓም ክንሕሉ ኣሎና።’ (መዝ. 39:1) እምበኣር፡ ምስ ስድራ ቤትና፡ ምስ ፈተውትና፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ወይ ምስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ዘሎና ርክብ እሙናት ክንከውን ኣሎና። እሙናት ንምዃን ከኣ ርእሰ ግትኣት የድልየና እዩ።

17. ነቲ ኣብ ጉባኤና ዘሎ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ኣበርክቶ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 የሆዋ ናብቲ ብፈቃራትን ብእሙናትን ሰባት ዝቘመ ሕውነት ስለ ዝሰሓበና፡ ብዙሕ ኢና እነመስግን! ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚኣምኑና ዓይነት ሰባት ንምዃን፡ ኵላትና ሓላፍነት ኣሎና። ነፍሲ ወከፍና ፍቕርን ትሕትናን ምስትውዓልን ቅንዕናን ርእሰ ግትኣትን እንተ ኣማዕቢልና፡ ኣብ ጉባኤና ንዚሰፍን ሓድሕዳዊ ምትእምማን ኣበርክቶ ንገብር ኢና። እሙናት ምዃን ቀጻሊ መስርሕ እዩ። እምበኣር፡ ንኣምላኽና የሆዋ ንምሰሎ፡ ወትሩ እውን እሙናት ንኹን።

መዝሙር 123 ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብተኣማንነት ንገዛእ

^ ካልኦት ኪኣምኑና እንተ ደሊና፡ እሙናት ምዃንና ኸነርኢ ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እምነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ክንምሃር ኢና፣ ካልኦት ምእንቲ ኺኣምኑና እውን እንታይ ባህርያት ከም ዚሕግዘና ኽንርኢ ኢና።

^ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ክርስትያን ከቢድ ኣበሳ ኸም ዝፈጸመ እንተ ፈሊጥና፡ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ኪደሊ ኽንምሕጸኖ ኣሎና። ከምኡ እንተ ዘይገይሩ፡ በቲ ንየሆዋን ንክርስትያናዊት ጉባኤን ዘሎና ተኣማንነት ተደሪኽና፡ ብዛዕባ እቲ ነገር ንመንፈሳውያን ጓሶት ክንሕብሮም ኣሎና።

^ መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሽማግለ ነቲ ንሱ እተሳተፈሉ ምስጢራዊ ጕዳይ ንስድራ ቤቱ ኣይሕብሮምን።