ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሃዋርያ ጳውሎስ ንርእሱ ኸም “ቍላዕ” ገይሩ ኺገልጽ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (1 ቈረንቶስ 15:8)

ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 15:8፡ ጳውሎስ፡ “ድሕሪ ዅላቶም ድማ ንዓይ፡ ከም ንቝላዕ ተራእዩኒ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። ኣብ ሕሉፍ ግዜ፡ ጳውሎስ ነቲ ንየሱስ ኣብ ሰማያዊ ኽብሩ ብራእይ ዝረኣየሉ ኣጋጣሚ ይገልጽ ነይሩ ኪኸውን ከም ዘለዎ ጌርና ኢና እንገልጾ ኔርና። ቅድሚ ግዜኡ፡ ማለት ቅድሚ እቲ ዓይነት ትንሳኤ እቲ ዘመናት ኣቐዲሙ ናብ መንፈሳዊ ህይወት ከም እተወልደ ወይ ካብ ምዉታት ናይ ምትንሳእ ክብሪ ኸም ዝረኸበ ጌርና ኢና እንርድኦ ኔርና። ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ ተወሳኺ መጽናዕቲ ምስ ገበርና ግና፡ ኣብቲ ነዛ ፍቕዲ እዚኣ እንገልጸሉ መገዲ ምትዕርራይ ከም ዜድሊ ተገንዚብና ኣለና።

ልክዕ እዩ፡ ጳውሎስ እምነቱ ናብ ክርስትና ኣብ ዝለወጠሉ እዋን ብዛዕባ ዝዀነ ነገር እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ንርእሱ ኸም “ቍላዕ” ገይሩ ኺገልጽ ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ እዚ እተፈላለየ ትርጉም ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

እምነቱ ዝለወጠሉ ኣጋጣሚ ሃንደበታውን ዜሰምብድን እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ቍላዕ ብሃንደበት እዩ ዚውለድ። እቲ ደሓር ጳውሎስ እተባህለ ሳውል እውን ንክርስትያናት ንምስጓጕ ናብ ደማስቆ እናኸደ ኸሎ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ ብራእይ ኪርእዮ ኣይጽበን እዩ ነይሩ። ጳውሎስ እምነቱ ናብ ክርስትና ዝለወጠሉ ኣጋጣሚ ንዕኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣብታ ኸተማ ኼሸብሮም ዝሓሰቦም ክርስትያናት እውን ትጽቢት ዘይተገብረሉ እዩ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ኣጋጣሚ እቲ ኣመና ዜሰምብድ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ጳውሎስ ንግዜኡ ዓዊሩ ነይሩ እዩ።—ግብ. 9:1-9, 17-19

ኣብ “ግጉይ ግዜ” እዩ እምነቱ ለዊጡ። እታ “ቝላዕ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ኣብ ግጉይ ግዜ እተወልደ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ዘ ጀሩሳሌም ባይብል ነዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ “ዋላ ሓደ ኣብ ዘይተጸበዮ ግዜ ኸም እተወለድኩ ዀይኑ ተራእዩኒ” ኢላ ተርጒማታ ኣላ። ጳውሎስ እምነቱ ናብ ክርስትና ኣብ ዝለወጠሉ እዋን፡ የሱስ ናብ ሰማይ ተመሊሱ ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ከምቶም ኣቐዲሙ ኣብ ዘሎ ፍቕድታት ዝጠቐሶም ሰባት፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ ቅድሚ እቲ ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ እዋን ኣይረኣዮን። (1 ቈረ. 15:4-8) የሱስ ንጳውሎስ ትጽቢት ኣብ ዘይተገብረሉ ግዜ ምስ ተራእዮ፡ ጳውሎስ ኣብ “ግጉይ ግዜ” ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ረኸበ።

ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ብትሕትና እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ብመሰረት ገሊኦም ምሁራት፡ እቲ ጳውሎስ እተጠቕመሉ መግለጺ ንርእሱ ዜነኣእስ ሓሳብ ኬመሓላልፍ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ከምኡ ማለቱ እንተ ነይሩ፡ ነቲ እተዋህቦ ፍሉይ መሰል ከም ዘይግብኦ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። መሓልፎ እኳ ደኣስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ኣነስ ካብ ኵሎም ሃዋርያት ዝነኣስኩ እየ፣ ንጉባኤ ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጕክዋ ኸኣ፡ ሃዋርያ ኽብሃል ብቑዕ ኣይኰንኩን። ብጸጋ ኣምላኽ ግና ከምዚ ዀይነዮ ዘለኹ ዀይነ ኣለኹ” ኢሉ እዩ።—1 ቈረ. 15:9, 10

ስለዚ፡ ጳውሎስ ነቲ የሱስ ብሃንደበት ትጽቢት ከይተገብረሉ ንዕኡ እተራእየሉ ኣጋጣሚ፡ ነቲ ኣብ ዘይግዜኡ እምነቱ ዝለወጠሉ ዅነት፡ ወይ ከምዚ ዝበለ ዜደንቕ ራእይ ኪርኢ ብመንፈሳዊ መዳይ ዘይበቅዕ ምዃኑ ዜመልክት ዝነበረ እዩ ዚመስል። ዝዀነ ዀይኑ፡ ጳውሎስ ነቲ ተመክሮ እቲ ኣኽቢሩ እዩ ርእይዎ። የሱስ ካብ ምዉታት ምትንሳኡ ብዘየማትእ መገዲ እዩ ኣረጋጊጹሉ። ስለዚ ድማ እዩ ንኻልኦት ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ኪሰብኽ ከሎ፡ ነዚ ኣብ ዘይግዜኡ ዘጋጠሞ ተመክሮ ብተደጋጋሚ ዚጠቕሶ ዝነበረ።—ግብ. 22:6-11፣ 26:13-18