ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

መን እዮም ኣብ ምድሪ ዚትንስኡ፧ እንታይ ዓይነት ትንሳኤኸ እዮም ዚረኽቡ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ ብኸመይ ከም ዚምልሶ ንርአ።

ግብሪ ሃዋርያት 24:15 “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ ትነግረና። እቶም ጻድቃን ተባሂሎም ዘለዉ፡ እቶም ቅድሚ ሙማቶም ንኣምላኽ እተኣዘዝዎ ሰባት እዮም፣ ስለዚ፡ ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ኣሎ። (ሚል. 3:16) እቶም ሓጥኣን ተባሂሎም ዘለዉ ኸኣ፡ ነቶም ቅድሚ ሙማቶም ንየሆዋ ንምፍላጥ እኹል ኣጋጣሚ ዘይረኸቡ ሰባት የጠቓልሉ፣ ስለዚ፡ ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ኣይተጻሕፈን።

ዮሃንስ 5:28, 29 ነቶም ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 እተጠቕሱ ኽልተ ጕጅለ ትጠቕሶም እያ። ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ፡ የሱስ፡ “እቶም ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እቶም ክፉእ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም” ኢሉ እዩ። እቶም ጻድቃን ቅድሚ ሙማቶም ሰናይ ይገብሩ ነይሮም እዮም። ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ስለ ዚጸንሕ ከኣ፡ ናብ ትንሳኤ ህይወት ኪወጹ እዮም። እቶም ሓጥኣን ግና ቅድሚ ሙማቶም ክፉእ እዮም ዚገብሩ ነይሮም። ንሳቶም ድማ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም። ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ገና ኣይተጻሕፈን ዘሎ። ስለዚ፡ ብእዋን ፍርዲ ወይ ትዕዝብቲ ኺሓልፉ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ የሆዋ ንምፍላጥን ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ከም ዚጽሓፍ ንምግባርን ኣጋጣሚ ኺውሃቦም እዩ።

ራእይ 20:12, 13ኵሎም እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰባት ነቲ “ኣብቲ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እተጻሕፈ፡” ማለት ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚዕየየሉ ሓደስቲ ሕግታት ኪሕልውዎ ኸም ዜድልዮም ትገልጽ። እቶም ነቲ ትእዛዛት ዘይሕልውዎ ኸኣ ኪጠፍኡ እዮም።—ኢሳ. 65:20

ዳንኤል 12:2 ገሊኦም ደቂሶም ዘለዉ፡ ማለት ሞይቶም ዘለዉ ሰባት “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ገሊኦም እውን ናብ ጸርፍን ናብ ናይ ዘለኣለም ንዕቀትን” ከም ዚበራበሩ ትንበ። እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ኣብ መወዳእታ እንታይ ከም ዚረኽቡ፡ ማለት “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ወይ “ናይ ዘለኣለም ንዕቀት” ከም ዚረኽቡ እያ እትገልጽ። ስለዚ፡ ኣብ መወዳእታ እተን 1,000 ዓመት ገሊኦም ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም፣ ገሊኦም ከኣ ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም።—ራእ. 20:15፣ 21:3, 4

ነዚ ዜብርህ ምሳሌ እስከ ንርአ። ኵነታት እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ኽልተ ጕጅለ፡ ኣብ ካልእ ዓዲ ኺነብሩ ኢሎም ምስ ዚግዕዙ ጓኖት ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። እቶም ጻድቃን ከምቶም እተወሰነ ተፈላጥነትን ናጽነትን ዚህልዎም ናይ ስራሕ ቪዛ ወይ ናይ መንበሪ ቪዛ ዝረኸቡ ሰባት እዮም። እቶም ሓጥኣን ግና ከምቶም ግዝያዊ ቪዛ ወይ ናይ በጻሕቲ ቪዛ ዝረኸቡ ጓኖት እዮም። እዞም ጓኖት እዚኦም ኣብታ ሓዳስ ሃገር ምንባር ምእንቲ ኺፍቀደሎም፡ እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃኖም ኬርእዩ ኣለዎም። ብተመሳሳሊ፡ እቶም ሓጥኣን ኣብ ገነት ምንባር ምእንቲ ኪቕጽሉ፡ ሕግታት የሆዋ ኪእዘዙን ብመገዲ ጽድቂ ኺመላለሱን ኣለዎም። ጓኖት ናብ ካልእ ሃገር ኪኣትዉ ኸለዉ ኣብ ፈለማ ዚውሃቦም ቪዛ እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ፡ ገሊኣቶም ውዒሉ ሓዲሩ ዜግነት ይውሃቦም እዩ፣ ገሊኣቶም ከኣ ይጥረዙ እዮም። መወዳእታኦም በቲ ኣብታ ሓዳስ ሃገር ዜርእይዎ ጠባይን ኣካይዳን እዩ ዚውሰን። ብተመሳሳሊ፡ መወዳእታ እቶም ኵሎም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰባት በቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዜርእይዎ ተኣማንነትን ኣካይዳን እዩ ዚውሰን።

የሆዋ፡ ኣምላኽ ርሕራሐ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ፍትሒ እውን እዩ። (ዘዳ. 32:4፣ መዝ. 33:5) ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ብምትንሳእ ፍቕሩ ኼርኢ እዩ። ማዕረ ማዕረ እዚ ግና፡ ንዅላቶም ልዑል ስነ ምግባራዊ መለክዒታት ኪሕልዉ ይጽበዮም እዩ። እቶም ንዕኡ ዜፍቅርዎን ብመለክዒታቱ ዚመላለሱን ጥራይ እዮም ንሓዋሩ ኣብ ሓዳስ ዓለም ኪነብሩ ዚፍቀደሎም።