ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 40

“ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዜምጽኡ”

“ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዜምጽኡ”

“እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዜምጽኡ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለመ ኣለም ደሚቖም ኪበርሁ እዮም።”—ዳን. 12:3

መዝሙር 151 ኪጽውዕ

መላለዪ *

1. ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት እንታይ ዜሐጕስ እዋን እዩ ዚጽበየና ዘሎ፧

 ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ፡ ትንሳኤ ኣብ ምድሪ ምስ ተጀመረስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ እዋን ኰን እዩ ኪኸውን! ኵላትና ንዝሞቱ ሰብና ኽንረክብ ሃረር ንብል ኢና። የሆዋ እውን ከምኡ እዩ ዚስምዖ። (እዮ. 14:15) ሽዑ ኣብ ብዘላ ምድሪ፡ ሰባት ብሓጐስ ኪተሓቛቘፉ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ እቶም ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፈ “ጻድቃን፡” “ትንሳኤ ህይወት” ኪረኽቡ እዮም። (ግብ. 24:15፣ ዮሃ. 5:29) ምናልባት ብዙሓት እንፈትዎም ሰባት ካብቶም ኣብ ምድራዊ ትንሳኤ ኣብ መጀመርታ ዚትንስኡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። * ብተወሳኺ ድማ፡ እቶም “ሓጥኣን” ናብ “ትንሳኤ ፍርዲ” ኺወጹ እዮም፣ እዚኣቶም ከኣ ነቶም ቅድሚ ሙማቶም ንየሆዋ ንምፍላጥን ንዕኡ ብተኣማንነት ንምግልጋልን እኹል ኣጋጣሚ ዘይረኸቡ ሰባት የጠቓልሉ እዮም።

2-3. (ሀ) ኣብ ኢሳይያስ 11:9, 10 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ እንታይ ካብ ኵሉ ዝዓበየ መደብ ትምህርቲ እዩ ኺካየድ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

2 ኵሎም እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰባት ኪምሃሩ ኼድልዮም እዩ። (ኢሳ. 26:9፣ 61:11) ስለዚ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ካብ ኵሉ ዝዓበየ መደብ ትምህርቲ ኺካየድ እዩ። (ኢሳይያስ 11:9, 10 ኣንብብ።) ስለምንታይ፧ ብቐዳምነት እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሓጥኣን፡ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ፡ ብዛዕባ ስርዓት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ እቲ በጃ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ስም የሆዋን ምስ ልዑላውነቱን እተተሓሓዘ ጕዳይ ኪምሃሩ ኼድልዮም እዩ። እቶም ጻድቃን እውን እንተ ዀኑ፡ ምስቲ የሆዋ ብዛዕባ ምድሪ በብደረጃኡ ዝገለጾ ዕላማ ማዕረ ኪዀኑ ኼድልዮም እዩ። ገሊኦም እሙናት፡ ቃል የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከይተጠርነፈ ነዊሕ ይገብር እዮም ሞይቶም። ስለዚ፡ ሓጥኣን ኰኑ ጻድቃን ብዙሕ ዚምሃርዎ ነገራት ኣለዎም።

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፦ እቲ ዓብዪ መደብ ትምህርቲ ብኸመይ እዩ ኺዕየ፧ እቲ ትምህርቲ እቲ፡ ስማት ሰባት ኣብ መጽሓፍ ህይወት ንሓዋሩ ኺጽሓፍ ወይ ከይጽሓፍ ኣብ ምውሳን እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ እዩ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ሎሚ ንዓና ኼገድሰና ኣለዎ። ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤልን ኣብ መጽሓፍ ራእይን ተመዝጊቡ ዚርከብ መሳጢ ትንቢታት፡ ምዉታት ምስ ተንስኡ እንታይ ከም ዚኸውን ዘሎና ርድኢት ኬነጽረልና እዩ። ፈለማ፡ ነቲ ኣብ ዳንኤል 12:1, 2 ዚርከብ ልቢ ዚሰልብ ትንቢት እስከ ንመርምሮ።

“ኣብ ሓመድ ምድሪ ዝደቀሱ፡ . . . ኪበራበሩ እዮም”

4-5. ዳንኤል 12:1 ብዛዕባ ግዜ መወዳእታ እንታይ ትገልጽ፧

4 ዳንኤል 12:1 ኣንብብ። መጽሓፍ ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ መወዳእታ ዚኸውን ልቢ ዚሰልብ ተኸታታሊ ፍጻመታት ትገልጽ እያ። ንኣብነት፡ ኣብ ዳንኤል 12:1፡ ሚካኤል፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ “ምእንቲ ህዝቢ [ኣምላኽ ከም] ዚቐውም” ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ኽፋል ትንቢት ከኣ፡ የሱስ ብ1914 ንጉስ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ምስ ተሸመ ኺፍጸም ጀሚሩ እዩ።

5 ይኹን እምበር፡ ኣብቲ “ህዝቢ ኻብ ዝሃለወሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ ዘይኰነ ግዜ ጭንቂ፡” የሱስ “ኪቐውም” ምዃኑ ንዳንኤል ተነጊርዎ እዩ። እቲ ኣብዚ “ግዜ ጭንቂ” ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:21 ተጠቒሱ ዘሎ “ብርቱዕ ጸበባ” እዩ። የሱስ ኣብ መወዳእታ እቲ ግዜ ጭንቂ፡ ማለት ኣብ ኣርማጌዶን፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ንምክልኻል ኪቐውም፡ ማለት ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። መጽሓፍ ራእይ ከኣ ነዞም ጕጅለ እዚኦም ‘ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝወጹ ብዙሓት ህዝቢ’ ኢላ ገሊጻቶም ኣላ።—ራእ. 7:9, 14

6. እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ድሕሪ ምድሓኖም እንታይ እዩ ኪኸውን፧ ግለጽ። (ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዘላ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ትንሳኤ እትገልጽ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” እውን ርአ።)

6 ዳንኤል 12:2 ኣንብብ። እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኻብቲ ግዜ ጭንቂ ምስ ደሓኑ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝነበረና ርድኢት እዚ ትንቢት እዚ ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚፍጸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ምሳልያዊ ትንሳኤ ወይ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ኣይኰነን ዜመልክት። * የግዳስ፡ እዚ ቓላት እዚ ነቲ ኣብ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ዚኸውን ትንሳኤ ምዉታት እዩ ዜመልክት። ከመይ ጌርና ኢና ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኽንበጽሕ ክኢልና፧ እታ “ሓመድ” እትብል ቃል ኣብ እዮብ 17:16 ማዕረ እታ “መቓብር” እትብል ቃል ጌርካ እዩ ተዓይዩላ ዘሎ። እዚ ሓቂ እዚ ኸኣ፡ ዳንኤል 12:2 ነቲ ዳሕሮት መዓልትታት ድሕሪ ምብቃዑን ውግእ ኣርማጌዶን ድሕሪ ምውዳኡን ዚኸውን ቃል ብቓሉ ትንሳኤ ኸም እተመልክት ይሕብረና።

7. (ሀ) ገሊኦም ናብ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ዚትንስኡ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) እዚ “ዚሓይሽ ትንሳኤ” ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

7 ኣብ ዳንኤል 12:2፡ ገሊኦም ናብ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ይትንስኡ ኺብሃል ከሎ ደኣ እንታይ ማለት እዩ፧ እቶም ኣብተን 1,000 ዓመት ካብ ምዉታት ዚትንስኡ እሞ ንየሆዋን ንየሱስን ዚፈልጥዎምን ዚእዘዝዎምን፡ ወይ ብቐጻሊ ዚፈልጥዎምን ዚእዘዝዎምን ሰባት ኣብ መወዳእታ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይረኽቡ ማለት እዩ። (ዮሃ. 17:3) እዚ ምስቲ ኣብ ሕሉፍ እተወሰኑ ሰባት ዝተንስኡሉ ኣጋጣሚ ኪነጻጸር ከሎ፡ “ዚሓይሽ ትንሳኤ” ተባሂሉ ኣሎ። (እብ. 11:35) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቶም ዘይፍጹማት ሰባት መሊሶም ሞይቶም እዮም።

8. ገሊኦም “ናብ ጸርፍን ናብ ናይ ዘለኣለም ንዕቀትን” ዚትንስኡ ብኸመይ እዮም፧

8 ኰይኑ ግና፡ ኵሎም እቶም ዚትንስኡ ኣይኰኑን ነቲ ትምህርታዊ መደብ የሆዋ ዚቕበልዎ። ኣብ ትንቢት ዳንኤል፡ ገሊኦም “ናብ ጸርፍን ናብ ናይ ዘለኣለም ንዕቀትን” ከም ዚትንስኡ ተገሊጹ ኣሎ። እዚኣቶም ናይ ዕልወት መንፈስ ስለ ዜርእዩ፡ ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ኣይኪጸሓፍን እዩ። ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ኣይኪረኽቡን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ናይ ዘለኣለም ንዕቀት” ወይ ጥፍኣት ኪረኽቡ እዮም። ስለዚ፡ ዳንኤል 12:2፡ ኵሎም እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ብመሰረት እቲ ድሕሪ ትንሳኤ ዚገብርዎ ግብሪ እንታይ ከም ዚዀኑ እያ እትገልጽ። * (ራእ. 20:12) ገሊኦም ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም፣ ገሊኦም ግና ኣይኪረኽቡን እዮም።

“ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዜምጽኡ”

9-10. ድሕሪ እቲ ብርቱዕ ጸበባ እንታይ ተወሳኺ ነገር እዩ ኪኸውን፧ እቶም “ከም ጠፈር ሰማይ . . . ደሚቖም ኪበርሁ እዮም” እተባህሉኸ መን እዮም፧

9 ዳንኤል 12:3 ኣንብብ። ድሕሪ ዚመጽእ ዘሎ “ግዜ ጭንቂ” እንታይ ተወሳኺ ነገር እዩ ኪኸውን፧ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ዳንኤል 12:2 ዘሎ ሓበሬታ፡ ፍቕዲ 3 እውን ናብቲ ድሕሪ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚኸውን ነገር ትሕብረና እያ።

10 እቶም “ከም ጠፈር ሰማይ . . . ደሚቖም ኪበርሁ እዮም” እተባህሉ መን እዮም፧ ኣብ ማቴዎስ 13:43 ዚርከብ ቃላት የሱስ ነዚ ዚኸውን መልሲ ኽንረክብ ይሕግዘና እዩ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል፦ “ሽዑ፡ ጻድቃን ኣብ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ደሚቖም ኪበርሁ እዮም።” ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ቓላት ክንርኢ ኸለና፡ የሱስ ብዛዕባ እቶም “ደቂ መንግስቲ፡” ማለት ብዛዕባ እቶም ምስኡ ኣብ ሰማያዊ መንግስቱ ዜገልግሉ ቕቡኣት ኣሕዋቱ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ማቴ. 13:38) ስለዚ፡ ዳንኤል 12:3 ብዛዕባ እቶም ቅቡኣትን ብዛዕባ እቲ ንሳቶም ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ዚዓይይዎ ዕዮን እያ እትገልጽ።

እቶም 144,000 ነቲ ኣብተን 1,000 ዓመት ዚግበር ዕዮ ትምህርቲ ኣብ ምምራሕ፡ ምስ የሱስ ክርስቶስ ብቐረባ ኺዓይዩ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11-12. እቶም 144,000 ኣብተን 1,000 ዓመት እንታይ እዮም ኪገብሩ፧

11 እሞ ደኣ እቶም ቅቡኣት “ንብዙሓት ናብ ጽድቂ” ዜምጽኡ ብኸመይ እዮም፧ እቶም ቅቡኣት ነቲ ኣብ ምድሪ ኣብተን ሽሕ ዓመት ዚግበር መደብ ትምህርቲ ኣብ ምምራሕ ምስ የሱስ ክርስቶስ ብቐረባ ኺተሓባበሩ እዮም። እቶም 144,000፡ ነገስታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካህናት እውን ኰይኖም እዮም ዜገልግሉ። (ራእ. 1:6፣ 5:10፣ 20:6) ስለዚ፡ “ፈውሲ ኣህዛብ” ኣብ ምቕራብ ኪሕግዙ፡ ማለት ንደቂ ሰብ በብቝሩብ ናብ ፍጽምና ኼብጽሕዎም እዮም። (ራእ. 22:1, 2፣ ህዝ. 47:12) እዝስ ነቶም ቅቡኣት ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኼሐጕሶም!

12 ካብቶም ናብ ጽድቂ ዚመጹ “ብዙሓት” ደኣ መን ኪህልዉ እዮም፧ እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡን እቶም ንኣርማጌዶን ዚሳገሩን እቶም ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚውለዱን ምስዚኣቶም ይጽብጸቡ እዮም። ኣብ መወዳእታ እተን 1,000 ዓመት ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ፍጹማት ኪዀኑ እዮም። እሞ ደኣ መዓስ እዩ ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ብርሳስ ዘይኰነስ፡ ብቐለም ንሓዋሩ ዚጽሓፍ፧

ናይ መወዳእታ ፈተና

13-14. ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ፍጹማት ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ቅድሚ ምርካቦም እንታይ እዮም ኬርእዩ ዘለዎም፧

13 ሓደ ሰብ ፍጹም ምስ ኰነ ብኡብኡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይረክብ ማለት ከም ዘይኰነ ኽንርስዕ የብልናን። ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን እሞ ንሕሰብ። ፍጹማት እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቅድሚ ምርካቦም፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘለዎም ተኣዛዝነት ኬርእዩ ነይርዎም። እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ኣይተኣዘዝዎን።—ሮሜ 5:12

14 ኵነታት እቶም ኣብ መወዳእታ እተን 1,000 ዓመት ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት ከመይ ኪኸውን እዩ፧ ኵላቶም ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። እሞ ደኣ ዅሎም እቶም ፍጹማት ሰባት ንግዝኣት የሆዋ ንዘለኣለም ኪድግፍዎ ድዮም፡ ወይስ ገሊኦም ከምቶም ፍጹማት ክነሶም ዘይእሙናት ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን እዮም ኪዀኑ፧ እዚ ሕቶታት እዚ መልሲ የድልዮ እዩ። ስለዚ፡ መልሱ እስከ ንርአ።

15-16. (ሀ) መዓስ እዮም ኵሎም ደቂ ሰብ ንየሆዋ ዘለዎም ተኣማንነት ኬርእዩ ኣጋጣሚ ዚረኽቡ፧ (ለ) ውጽኢት እቲ ናይ መወዳእታ ፈተና እንታይ ኪኸውን እዩ፧

15 ሰይጣን ን1,000 ዓመት ኪእሰር እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንዋላ ሓደ ኣይኬስሕትን እዩ። ኣብ መወዳእታ እተን 1,000 ዓመት ግና ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ እዩ። ሽዑ ድማ ንፍጹማት ሰባት ኬስሕቶም ኪፍትን እዩ። ኣብቲ ፈተና እቲ ድማ ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ፍጹማት ኣብ ጕዳይ ስም ኣምላኽን ልዑላውነቱን ኣበይ ከም ዚቘሙ ብንጹር ኬርእዩ ኣጋጣሚ ኪኽፈተሎም እዩ። (ራእ. 20:7-10) ብመሰረት እቲ ንጻዕርታት ሰይጣን በብውልቆም ዚህብዎ ምላሽ ከኣ፡ ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ንሓዋሩ ኺጽሓፍ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ኺውሰን እዩ።

16 ቍጽሮም ዘይተፈልጠ ገሊኦም ሰባት፡ ከም ኣዳምን ሄዋንን ንግዝኣት የሆዋ ኺነጽግዎ እዮም። እሞ ደኣ ንሳቶም እንታይ ኪዀኑ እዮም፧ ራእይ 20:15፡ “ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ ዘበለ ኸኣ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ” ኢላ ትነግረና። እወ፡ እዞም ዓለወኛታት እዚኦም ንዘለኣለም ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍኡ እዮም። መብዛሕትኦም ፍጹማት ደቂ ሰብ ግና ነቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ኺሰግርዎ እዮም። ስማቶም ድማ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ንሓዋሩ ኺጽሓፍ እዩ።

ኣብ “ግዜ መወዳእታ”

17. ንዳንኤል ኣብዚ ግዜና እንታይ ከም ዚኸውን እዩ ተነጊርዎ፧ (ዳን. 12:4, 8-10)

17 ብዛዕባ እዚ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ፍጻመታት ምሕሳብሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሕጕስ ኰን እዩ! እንተዀነ ግና፡ ዳንኤል ኻብ ሓደ መልኣኽ ብዛዕባ እዚ ግዜና፡ ማለት ብዛዕባ “ግዜ መወዳእታ” ኣገዳሲ ሓበሬታ ተዋሂብዎ እዩ። (ዳንኤል 12:4, 8-10 ኣንብብ፣ 2 ጢሞ. 3:1-5) እቲ መልኣኽ ንዳንኤል፡ “ናይ ሓቂ ፍልጠት . . . ኪበዝሕ እዩ” ኢሉ ነጊርዎ እዩ። እወ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ነዚ ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ትንቢታዊ ቓላት ብዝያዳ ኸም ዚርድእዎ እዩ ዚሕብሮ ነይሩ። እቲ መልኣኽ ድማ ኣስዕብ ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ኺገልጸሉ ኸሎ፡ “እኩያት ከኣ እከይ ኪገብሩ እዮም፣ ካብቶም እኩያትሲ ሓደ እኳ ኣይኪርዳእን እዩ” ኢልዎ እዩ።

18. ኣብ ቀረባ ግዜ እኩያት እንታይ ኪዀኑ እዮም።

18 ሎሚ እኩያት ብእከይ እናተመላለሱ ኽነሶም ካብ መቕጻዕቲ ዜምልጡ ዘለዉ እዩ ዚመስል። (ሚል. 3:14, 15) ኣብ ቀረባ ግዜ ግና፡ የሱስ ነቶም ብኣጣል እተመሰሉ ሰባት ኪፈርዶም፡ ካብቶም ብኣባጊዕ እተመሰሉ ሰባት እውን ኪፈልዮም እዩ። (ማቴ. 25:31-33) እዞም እኩያት ዘበሉ፡ ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኣይኪድሕኑን እዮም፣ ኣብ ሓዳስ ዓለም እውን ትንሳኤ ኣይኪረኽቡን እዮም። ስማቶም ድማ ኣብቲ ኣብ ሚልክያስ 3:16 እተጠቕሰ “መጽሓፍ መዘከርታ” ኣይኪህሉን እዩ።

19. ሕጂ እንታይ ክንገብረሉ ዚግባእ እዋን እዩ፧ ስለምንታይከ፧ (ሚልክያስ 3:16-18)

19 ሕጂ፡ ካብቶም እኩያት ከም ዘይኰንና እነርእየሉ እዋን እዩ። (ሚልክያስ 3:16-18 ኣንብብ።) የሆዋ ነቶም “ፍሉይ ጥሪተይ” ወይ ዘኽብሮ ገንዘበይ ዝበሎም ሰባት ይእክቦም ኣሎ። መሸም ካባታቶም ኢና ኽንከውን እንደሊ።

ዳንኤልን እንፈትዎም ሰብናን ብዙሓት ካልኦት ሰባትን ኣብ ሓዳስ ዓለም ‘ተንሲኦም’ ምርኣይሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዜሐጕስ ኪኸውን እዩ! (ሕጡብ ጽሑፍ 20 ርአ)

20. ንዳንኤል እንታይ ናይ መወዳእታ ተስፋ እዩ ተዋሂብዎ፧ ንስኻ ነቲ ተስፋ እቲ ኺፍጸም ተሃንጢኻ እትጽበዮ ዘለኻኸ ስለምንታይ ኢኻ፧

20 ብሓቂ ልቢ ኣብ ዚሰልብ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። ኰይኑ ግና፡ ገና ኣዝዩ ዜደንቕ ነገራት ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ጥፍኣት ኵሉ እከይ ክንርኢ ኢና። ድሕሪኡ ፍጻመ እቲ የሆዋ ንዳንኤል፡ “ኣብ መወዳእታ መዓልትታት . . . ንዕጫኻ ኽትትንስእ ኢኻ” ኢሉ ዘተስፈዎ ቓል ክንርኢ ኢና። (ዳን. 12:13) ነታ ዳንኤልን እትፈትዎም ሰብካን ‘ዚትንስኡላ’ መዓልትስ ሃረር ኢልካዶ ትጽበያ ኣለኻ፧ ትጽበያ እንተ ኣለኻ፡ ሕጂ እሙን ንምዃን ዚከኣለካ ግበር፣ በዚ ኸምዚ፡ ስምካ ኣብታ ናይ የሆዋ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ኸም ዚጸንሕ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

መዝሙር 80 “የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን”

^ ኣብ ዳንኤል 12:2, 3፡ ዓብዪ መደብ ትምህርቲ ኸም ዚካየድ ተገሊጹ ኣሎ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብቲ ብዛዕባኡ ዘሎና ርድኢት እተገብረ ምትዕርራይ ትገልጽ። ብተወሳኺ ድማ፡ እዚ መዓስ ከም ዚኸውንን ኣብኡ መን ከም ዚሳተፉን ክንምርምር ኢና። እቲ መደብ ትምህርቲ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት፡ ነቲ ድሕሪ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ዚህሉ ናይ መወዳእታ ፈተና ብኸመይ ከም ዜዳልዎም እውን ክንርኢ ኢና።

^ ትንሳኤ በቶም ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዝሞቱ እሙናት ጀሚሩ በብወለዶ ንድሕሪት ኪቕጽል ኢና ትጽቢት እንገብረሉ። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ነቶም ብኣካል ዚፈልጦም ሰባት ናይ ምቕባል ኣጋጣሚ ኺህልዎ እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ሰማያዊ ትንሳኤ፡ “በብመስርዑ” ኸም ዚኸውን እዩ ዚዛረብ። ምድራዊ ትንሳኤ እውን ከምኡ በብመስርዑ ኪኸውን ኢና ትጽቢት እንገብር።—1 ቈረ. 14:33፣ 15:23

^ እዚ መግለጺ እዚ ነቲ ኣብታ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 17፡ ከምኡ እውን ኣብ ናይ 1 ሓምለ 1987 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ ገጽ 21-25 ዚርከብ ርድኢት ዜዐሪ እዩ።

^ ብኣንጻሩ ግና፡ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ዚርከብ “ጻድቃንን” “ሓጥኣንን” ዚብል ቃላትን እቲ ኣብ ዮሃንስ 5:29 ዚርከብ “እቶም ሰናይ ዝገበሩ”ን “እቶም ክፉእ ዝገበሩ”ን ዚብል ቃላትን፡ ኣብቲ እቶም ዚትንስኡ ሰባት ቅድሚ ሙማቶም ዝገበርዎ ግብሪ እዩ ዜተኵር።