ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ፍጹም ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣተስፍዩ

ኣምላኽ ፍጹም ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣተስፍዩ

ኣምላኽ ንኣእምሮኣዊ ጸገም ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ መምርሕን መጸናንዕን ይህብ እዩ።

ግናኸ፡ ኣምላኽ ካብዚ ንላዕሊ ገይሩ እዩ። እወ፡ ንጠንቂ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ንሓዋሩ ኼወግዶ ኣተስፍዩ እዩ።

ኣምላኽ ነዚ ተስፋታት እዚ ኣብ ዚፍጽምሉ እዋን፡ ስምዒታዊ ስቓይ፡ ኣእምሮኣዊ ጸገም፡ ሕማቕ ተዘክሮታት ፈጺሙ “ኣይኪዝከርን፡ ኣብ ልቢ እውን ኣይኪመጽእን እዩ።”—ኢሳይያስ 65:17

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣምላኽ ነዚ ተስፋታት እዚ፡ መዓስን ብኸመይን ከም ዚፍጽሞ ኽትፈልጥ ተሓጕሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።