ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 3

የሆዋ የቕንዓልካ ኣሎ

የሆዋ የቕንዓልካ ኣሎ

‘የሆዋ ምስ ዮሴፍ ነበረ። ንሱ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ የሆዋ የቕንዓሉ ነበረ።’—ዘፍ. 39:2, 3

መዝሙር 30 ኣቦይ፡ ኣምላኸይ፡ ፈታውየይ

መላለዪ a

1-2. (ሀ) ፈተናታት ዘየሰምብደና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

 ህዝቢ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ በዚ ኣይንስምብድን ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ” ኸም ዚብል ንፈልጥ ኢና። (ግብ. 14:22) ኣብታ “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ” እተባህለላ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ምንባር ክሳዕ እንጅምር ድማ፡ ገሊኡ ጸገማትና ምሉእ ብምሉእ ኣይኪፍታሕን እዩ።—ራእ. 21:4

2 የሆዋ ፈተናታት ከም ዘይበጽሓና ኣይገብርን እዩ። ይኹን እምበር፡ ምእንቲ ኽንጻወሮ ይሕግዘና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ከም ዝበሎም እሞ ነስተብህል። ንሱን ኣሕዋቱን ዜጋጥሞም ዝነበረ በበይኑ ዓይነት ፈተናታት ድሕሪ ምዝርዛሩ፡ “በቲ ዘፍቀረና ምሉእ ብምሉእ ንስዕር ኢና” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ሮሜ 8:35-37) እዚ ኸኣ፡ ገና ኣብ ትሕቲ ፈተና ኸለና፡ የሆዋ ኬቕንዓልና ይኽእል ማለት እዩ። እምበኣር፡ የሆዋ ንዮሴፍ ብኸመይ የቕንዓሉ ኸም ዝነበረ፡ ንዓኻ እውን ብኸመይ ከም ዜቕንዓልካ እስከ ንርአ።

ኵነታት ብሃንደበት ኪልወጥ ከሎ

3. ዮሴፍ ኣብ ህይወቱ እንታይ ሃንደበታዊ ለውጢ እዩ ኣጋጢምዎ፧

3 እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ያእቆብ ንወዱ ዮሴፍ ኣዝዩ ይፈትዎ ነበረ። (ዘፍ. 37:3, 4) በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ዓበይቲ ደቂ ያእቆብ ንሓዎም ቀንኡሉ። ኣጋጣሚ ምስ ረኸቡ ድማ፡ ንሚድያናውያን ነጋዶ ሸጥዎ። እቶም ነጋዶ ኸኣ ናብታ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ እትርከብ ግብጺ ወሰድዎ፣ ኣብኣ ድማ ነቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ፈርኦን ዝነበረ ጶጢፋር ዚብሃል ሰብኣይ ሸጥዎ። እዚ ብኣቦኡ ኣዝዩ ዚፍቶ ዝነበረ ውሉድ ብሃንደበት ኣብ ግብጺ ድርባይ ባርያ ብምዃኑ፡ ህይወት ዮሴፍ ብሃንደበት እዩ ተለዊጡ።—ዘፍ. 39:1

4. ከምቲ ንዮሴፍ ዘጋጠሞ ዓይነት ጸገም ብኸመይ ኬጋጥመና ይኽእል፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሎም ግዜን ኣጋጣምን የጓንፎም” ይብል። (መክ. 9:11) ሓድሓደ ግዜ፡ ‘ንሰብ ዚበጽሖ’ ጸገማት፡ ማለት ንዅሉ ሰብ ዜጋጥሞ ፈተናታት የጋጥመና እዩ። (1 ቈረ. 10:13) ወይ ድማ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብምዃንና መከራ የጋጥመና እዩ። ንኣብነት፡ ብምኽንያት እምነትና፡ ኣደዳ ላግጺ፡ ተቓውሞ፡ ወይ መስጐጕቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና። (2 ጢሞ. 3:12) ዝዀነ ይኹን ዓይነት ፈተና የጋጥምካ ብዘየገድስ ግና፡ የሆዋ ኬቕንዓልካ ይኽእል እዩ። ከመይ ገይሩ እዩ ንዮሴፍ ከምኡ ገይሩሉ፧

ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ባርያ ዀይኑ ኣብ እተሸጠሉ እዋን እኳ፡ የሆዋ የቕንዓሉ ነበረ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5. ጶጢፋር ብዛዕባ እቲ ዮሴፍ ዝረኸቦ ኣሳልጦ ኣብ ምንታይ መደምደምታ እዩ በጺሑ፧ (ዘፍጥረት 39:2-6)

5 ዘፍጥረት 39:2-6 ኣንብብ። ጶጢፋር፡ ዮሴፍ ክኢላ መንእሰይን ትጉህ ዓያይን ምዃኑ ኣስተብሃለ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝዀነ እውን ይፈልጥ ነበረ። ጶጢፋር፡ “[ዮሴፍ] ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ የሆዋ ኸም ዜቕንዓሉ” ረኣየ። b ስለዚ፡ እዚ ግብጻዊ ንዮሴፍ ብሕታዊ ኣገልጋሊኡ ገበሮ። ኣብ ልዕሊ ብዘላ ቤቱ ኸኣ ሸሞ። እሞ ደኣ እዚ እንታይ ኣፍረየሉ፧ ሳላ እዚ፡ ጶጢፋር በልጸገ።

6. ዮሴፍ ብዛዕባ ዅነታቱ ኸመይ ይስምዖ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል፧

6 ነቲ ዅነታት ብዓይኒ ዮሴፍ እሞ ኽንጥምቶ ንጽዓር። ካብ ኵሉ ንላዕሊ እንታይ እዩ ዚደሊ ነይሩ፧ ጶጢፋር ኬስተብህለሉን ዓስቡ ኺህቦን ድዩ ዚደሊ ነይሩ፧ ልዕሊ ዅሉ ሓራ ዀይኑ ናብ ኣቦኡ ኺምለስ እዩ ዚደሊ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ስለምንታይሲ፡ ኣብ ቤት ጶጢፋር ብዙሕ ሓላፍነታት እኳ እንተ ተዋህቦ፡ ኣብ ቤት ኣረማዊ ጐይታ ዜገልግል ባርያ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንጶጢፋር፡ ንዮሴፍ ሓራ ኸም ዜውጽኦ ኣይገበሮን። እቲ ዝኸፍአ ድማ፡ ኵነታት ዮሴፍ ድሕርዚ መሊሱ ገደደ።

ኵነታት ኪገድድ ከሎ

7. ኵነታት ዮሴፍ እናገደደ ዝኸደ ብኸመይ እዩ፧ (ዘፍጥረት 39:14, 15)

7 ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 39 ተዘንትዩ ኸም ዘሎ፡ ሰበይቲ ጶጢፋር ንዮሴፍ ዓይና ኣወደቐትሉ፣ ብተደጋጋሚ እውን ከተስሕቶ ፈተነት። ዮሴፍ ግና ኣበያ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣዝያ ስለ እተቘጥዐት፡ ኪዕምጻ ከም ዝፈተነ ገይራ ኸሰሰቶ። (ዘፍጥረት 39:14, 15 ኣንብብ።) ጶጢፋር ነዚ ምስ ሰምዐ፡ ንዮሴፍ ናብ ቤት ማእሰርቲ ደርበዮ፣ ንሱ እውን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዓመታት ገበረ። (ዘፍ. 39:19, 20) እሞ ደኣ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ እዩ ነይሩ፧ እታ ዮሴፍ “ቤት ማእሰርቲ” ኢሉ እተጠቕመላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “መዕቘር ማይ” ወይ “ጕድጓድ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ፣ እዚ ድማ ከባቢኡ ጸልማት ከም ዝነበረ፡ ንሱ እውን ተስፋ ኸም ዝቘረጸ የመልክት። (ዘፍ. 40:15፣ እ.ጽ.) ብዘይካዚ እውን፡ ንእተወሰነ እዋን ኣእጋር ዮሴፍ ብመቝሕ ከም እተኣስረ፡ ክሳዱ ድማ ኣብ ሓጺን ከም ዝኣተወ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (መዝ. 105:17, 18) ስለዚ፡ ኵነታት ዮሴፍ እናገደደ እዩ ዚኸይድ ነይሩ። እዚ እሙን ጌርካ ዚርአ ዝነበረ ባርያ፡ ድርባይ እሱር እዩ ዀይኑ።

8. ዋላ እውን ፈተና እናገደደ ምስ ከደ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

8 ካብ ልቢ እናጸለኻ ኽነስኻ፡ እናገደደ ዚኸይድ ዜጨንቕ ኵነታትዶ ኣጓኒፉካ ይፈልጥ፧ እዚ ኼጋጥም ይኽእል እዩ። ኣብዛ ብሰይጣን እትግዛእ ዓለም፡ የሆዋ ፈተናታት ከም ዘይበጽሓና ኣይገብርን እዩ። (1 ዮሃ. 5:19) ኰይኑ ግና፡ ሓደ ርግጸኛ ኽትኰነሉ እትኽእል ነገር ኣሎ፦ የሆዋ ነቲ እተሕልፎ ዘለኻ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ፣ ከምኡ ድማ ይሓልየልካ እዩ። (ማቴ. 10:29-31፣ 1 ጴጥ. 5:6, 7) ብተወሳኺ እውን፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩ ኣሎ። (እብ. 13:5) ኵነታትካ ተስፋ ዘይብሉ ኣብ ዚመስለሉ እዋን፡ ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእል የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ። ቀጺልና የሆዋ ንዮሴፍ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ እስከ ንርአ።

ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ፡ የሆዋ ምስኡ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም እሱራት ተሸመ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

9. ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ የሆዋ ምስኡ ኸም ዝነበረ ዜርኢ እንታይ ነገር ነይሩ፧ (ዘፍጥረት 39:21-23)

9 ዘፍጥረት 39:21-23 ኣንብብ። ኣብቲ ጽንኩር እዋን ማእሰርቲ እኳ፡ የሆዋ ንዮሴፍ የቕንዓሉ ነበረ። ብኸመይ፧ እናወዓለ እናሓደረ፡ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ፡ ልክዕ ከም ጶጢፋር፡ ንዮሴፍ ኪኣምኖን ኬኽብሮን ከኣለ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ዅሎም እሱራት ሸሞ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኺገልጾ ኸሎ፡ “እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ በቲ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ዝነበረ ብገለ እኳ ኣይሓልን ነበረ” ይብል። ስለዚ ዮሴፍ ንኣእምሮኡ ትሑዝ ዚገብረሉ ጽቡቕ ዕዮ ረኸበ። እዚ ፈጺሙ ዘይተጸበዮ ለውጢ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይ ገይሩ እዩ ሓደ ንሰበይቲ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ኺዕምጽ ፈቲኑ ተባሂሉ እተኸስሰ እሱር ንእሙናት ዚውሃብ ሓላፍነት ኪውሃቦ ዚኽእል፧ ከምኡ ኪዀነሉ ዚኽእል ሓደ ምኽንያት ጥራይ እዩ ዘሎ። ኣብ ዘፍጥረት 39:23 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ “የሆዋ ምስ ዮሴፍ ነበረ፡ ዚገብሮ ዘበለ እውን የሆዋ የቕንዓሉ ነበረ።”

10. ዮሴፍ ስለምንታይ ኣብ ኵሉ ይቐንዖ ኸም ዘሎ ዀይኑ ኸም ዘይተሰምዖ ግለጽ።

10 ሕጂ እውን ነቲ ዅነታት ብዓይኒ ዮሴፍ ክንርእዮ ንፈትን። ብሓሶት ተኸሲሱ ምስ ተኣስረ፡ ኣብ ኵሉ ይቐንዖ ኸም ዘሎ ዀይኑ ይስምዖዶ ነይሩ፧ ዮሴፍ ካብ ኵሉ ንላዕሊ እንታይ እዩ ዚደሊ ነይሩ፧ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ሞገስ ኪረክብ ድዩ ዚደሊ ነይሩ፧ ካብቲ እተኸስሰሉ ናጻ ዀይኑ ኺፍታሕ ይደሊ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ ድማ እዩ ንሓደ ኻብቲ ቤት ማእሰርቲ ዚወጽእ ዝነበረ እሱር ካብቲ ሕማቕ ቤት ማእሰርቲ ምእንቲ ኺወጽእ ‘ንፈርኦን ንገረለይ’ ኢሉ እተዛረቦ። (ዘፍ. 40:14) እቲ ሰብኣይ ግና ንፈርኦን ብኡብኡ ኣይተዛረበሉን። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ዮሴፍ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተወሳኺ ኽልተ ዓመት ጸንሐ። (ዘፍ. 40:23፣ 41:1, 14) ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን የሆዋ የቕንዓሉ ነበረ። ብኸመይ፧

11. የሆዋ ንዮሴፍ እንታይ ፍሉይ ክእለት እዩ ሂብዎ፧ እዚኸ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ እንታይ ግደ እዩ ተጻዊቱ፧

11 ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ የሆዋ ንንጉስ ግብጺ ኽልተ ዚርብሽ ሕልምታት ከም ዚሓልም ገበሮ። ፈርኦን ከኣ ትርጉም እዚ ሕልምታት እዚ ኺፈልጥ ደለየ። ሕልምታት ዚትርጕም ዮሴፍ ዚብሃል ሰብ ከም ዘሎ ምስ ፈለጠ፡ ልኢኹ ኣምጽኦ። ዮሴፍ ከኣ ብሓገዝ የሆዋ ነቲ ሕልምታት ተርጐሞ። በቲ ዘቕረቦ ግብራዊ ምኽሪ እውን ፈርኦን ተደነቐ። የሆዋ ምስ ዮሴፍ ከም ዘሎ ስለ ዝፈለጠ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብጺ ኣመሓዳሪ ምግቢ ገይሩ ሸሞ። (ዘፍ. 41:38, 41-44) ድሕርዚ፡ ኣብ ግብጺ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ከነኣን እውን ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። እቶም ኣብ ከነኣን ዝነበሩ ቤተ ሰብ ዮሴፍ እውን በዚ ተጸልዉ። ኰይኑ ግና፡ ዮሴፍ ስልጣን ተዋሂብዎ ስለ ዝነበረ፡ ንቤተ ሰቡ ኼድሕን ከኣለ፡ ብእኡ ኣቢሉ እውን ንሓረግ ወለዶ እቲ መሲሕ ኬድሕን ከኣለ።

12. የሆዋ ንዮሴፍ ዜቕንዓሉ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

12 ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት ዮሴፍ ዘጋጠመ ዘይተለምደ ፍጻመታት እሞ ሕሰብ። ንጶጢፋር፡ ነቲ ባርያ ዝነበረ ዮሴፍ ከም ዜስተብህለሉ ዝገበሮ መን እዩ፧ ነቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ፡ ነቲ ድርባይ እሱር ዝነበረ ዮሴፍ ሞገስ ከም ዜርእዮ ዝገበሮ መን እዩ፧ ንፈርኦን ዚርብሽ ሕልምታት ከም ዚሓልም ዝገበሮ፡ ንዮሴፍ ከኣ ነቲ ሕልምታት ኪትርጕሞ ኽእለት ዝሃቦ መን እዩ፧ ንዮሴፍ ኣመሓዳሪ ምግቢ ግብጺ ዀይኑ ኸም ዚሽየም ዝገበረ መን እዩ፧ (ዘፍ. 45:5) ንዅሉ እቲ ዮሴፍ ዝገበሮ ዘበለ ዜቕንዓሉ ዝነበረ፡ የሆዋ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ የሆዋ ነቲ ኣሕዋት ዮሴፍ ብሕሰም ዝኣለምዎ ተንኰል ብምጥዋይ ፍቓዱ ኺፍጽም ኪኢሉ እዩ።

የሆዋ ብኸመይ የቕንዓልካ፧

13. የሆዋ ኣብ ኵሉ እቲ ዜጋጥመና ዅነታት ጣልቃ ይኣቱ ድዩ፧ ግለጽ።

13 ካብ ዛንታ ዮሴፍ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኽንበጽሕ ንኽእል፧ የሆዋ ኣብ ኵሉ እቲ ዜጋጥመና ዅነታት ጣልቃ ይኣቱ ድዩ፧ ንዅሉ እቲ ዜጋጥመና ኽፉእ ነገራት ብምጥዋይ ንጽቡቕ ከም ዚኸውን ይገብሮ ድዩ፧ ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኣይድግፎን እዩ። (መክ. 8:9፣ 9:11) ይኹን እምበር፡ ሓደ እንፈልጦ ነገር ኣሎ፦ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ነዚ ይፈልጦ እዩ፡ ኣውያትና እውን ይሰምዕ እዩ። (መዝ. 34:15፣ 55:22፣ ኢሳ. 59:1) ብዘይካዚ ድማ፡ የሆዋ ንጸገማትና ኽንጻወር ይሕግዘና እዩ። ብኸመይ፧

14. የሆዋ ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ዚድግፈና ብኸመይ እዩ፧

14 ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንዓና ዚሕግዘሉ መገድታት፡ መጸናንዕን መተባብዕን ብምሃብ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ነዚ ብግዜኡ እዩ ዚገብሮ። (2 ቈረ. 1:3, 4) ብምኽንያት እምነቱ ንኽልተ ዓመት ማእሰርቲ እተፈርዶ ኣብ ቱርክመኒስታን ዚነብር ዓዚዝ ዝስሙ ሓው ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ንሱ ኸምዚ ብምባል የዘንቱ፦ “በታ እተፈረድኩላ ንግሆ፡ ሓደ ሓው ኢሳይያስ 30:15 ኣርእዩኒ። እታ ጥቕሲ፡ ‘ብርታዐኹም ኣብ ምህዳእኩምን ኣብ ምውካልኩምን ኪኸውን እዩ’ ትብል። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ወትሩ ኽሃድእን ኣብ ኵሉ ነገራት ኣብ የሆዋ ኽውከልን ሓጊዛትኒ እያ። ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ምስትንታን፡ ኣብ ምሉእ እቲ ማእሰርተይ ሓጊዙኒ እዩ።” እሞ ደኣ የሆዋ ኣብቲ ብልክዕ ዜድልየካ እዋን መጸናንዕን መተባብዕን ብምሃብ ዝደገፈካ እዋንሲ ትዝክርዶ፧

15-16. ካብ ተመክሮ ቶሪ እንታይ ትምሃር፧

15 መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ጸገም ምልስ ኢልና ኽንርእዮ ኸለና ጥራይ ኢና የሆዋ ንዕኡ ንምስጋር ብኸመይ ከም ዝሓገዘና ዚርኣየና። ቶሪ ዝስማ ሓብቲ ነዚ ርእያቶ እያ። ሜሰን ዝስሙ ወዳ ንሽዱሽተ ዓመት ምስ ሕማም መንሽሮ ድሕሪ ምቅላስ ሞተ። ቶሪ በዚ ልባ ተሰብረ። ብዛዕባ እቲ ዘሕለፈቶ፡ “ከም ኣደ መጠን፡ ካብዚ ዚኸፍእ ስቓይ ዘሎ ኣይመስለንን” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ውሉድካ ኺሳቐ ምርኣይ ካብቲ ኣባኻ ኺወርድ ከሎ ዝኸፍአ ምዃኑ፡ ካልኦት ወለዲ ኸም ዚሰማምዑሉ ርግጸኛ እየ” ትብል።

16 እቲ ፈተና ኸቢድ እኳ እንተ ነበረ፡ ቶሪ ጸኒሓ የሆዋ ንዕኡ ኽትሰግሮ ኸም ዝሓገዛ ኣስተንቲናትሉ እያ። ብዛዕባኡ ድማ ከምዚ ትብል፦ “ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ኣብ ብምሉኡ እቲ ወደይ ሓሚሙሉ ዝነበረ እዋን፡ እታ ፈቃር ኢድ የሆዋ ኽርኢ ኽኢለ እየ። ንኣብነት፡ ሜሰን እምብዛ ኻብ ምሕማሙ እተላዕለ በጻሕቲ ኺርእይዎ ኣብ ዘይክእሉሉ ዝነበረ ደረጃ እኳ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ንኽልተ ሰዓት ማኪና ዘዊሮም ናብ ሆስፒታል ይመጹ ነይሮም። ኣብቲ መጸበዪ ኽፍሊ፡ ኪድግፈና ድሉውን ፍቓደኛን ዝዀነ ሰብ ወትሩ ኣይሰኣንን እዩ ነይሩ። ብስጋ ዜድልየና ነገራት እውን ይማልኣልና ነይሩ እዩ። ኣብቲ ዝኸፍአ ግዜ እኳ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይጐደለናን።” የሆዋ ንቶሪ ንምጽዋር ዜድልያ ዘበለ ሂብዋ እዩ፣ ንሜሰን እውን ከምኡ ገይሩሉ እዩ።—“ የሆዋ ብልክዕ ዜድልየና ነገራት ሂቡና እዩ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

በረኸትካ ጸብጽብ

17-18. ኣብ እዋን ፈተና ንደገፍ የሆዋ ኸነለልዮን ከነማስወሉን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (መዝሙር 40:5)

17 መዝሙር 40:5 ኣንብብ። ሓደ ናብ ከረን ዚድይብ ሰብ፡ ሸቶኡ ኣብ ጫፍ እቲ ኸረን ምብጻሕ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መንጎ ደው እናበለ በቲ ጽቡቕ ትርኢት ኪሕጐስ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ፈተና እናተጻወርካ እኳ፡ የሆዋ ብኸመይ የቕንዓልካ ኸም ዘሎ በብእዋኑ ደው እናበልካ ሕሰብ። ምሸት ምሸት፡ ‘ሎሚ የሆዋ ብኸመይ ባሪኹኒ፧ ዋላ እኳ ነዚ ፈተናይ እንተ ዘየወገደለይ፡ ምእንቲ ኽጻወሮ ብኸመይ ሓጊዙኒ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። የሆዋ የቕንዓልካ ኸም ዘሎ ዚሕብር እንተ ወሓደ ሓደ በረኸት ከተለሊ ፈትን።

18 ልክዕ እዩ፡ ፈተናኻ ኼብቅዕ ትጽሊ ትህሉ ትኸውን። እዚ ርዱእን ግቡእን እዩ። (ፊል. 4:6) ኰይኑ ግና፡ ነቲ ሕጂ ዘሎና በረኸት እውን ክንርስዖ የብልናን። ከመይሲ፡ የሆዋ ኸም ዜበርትዓናን ክንጻወር ከም ዚሕግዘናን ቃል ኣትዩልና እዩ። ስለዚ፡ ንደገፍ የሆዋ ዘሎካ ሞሳ ኣይተጥፍእ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ዋላ እውን ኣብ እዋን ፈተና፡ ከም ዮሴፍ የቕንዓልካ ኸም ዘሎ ኽትርኢ ኢኻ።—ዘፍ. 41:51, 52

መዝሙር 32 ወግን ምስ የሆዋ!

a ኣጸጋሚ ፈተና ኸነሕልፍ ከለና፡ “ይቐንዓና” ኸም ዘሎ ጌርና ኣይንሓስብን ንኸውን። እቲ ፈተና ምስ ሓለፈ ጥራይ ከም ዚቐንዓና ንሓስብ ንኸውን። ኣብ ህይወት ዮሴፍ ዘጋጠመ ነገራት ግና ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዚምህረና። የሆዋ ኣብ ትሕቲ ፈተናታት ከለና እኳ፡ ኬቕንዓልና ይኽእል እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብኸመይ ከምኡ ኸም ዚገብር ትገልጽ።

b መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣብ ባርነት ዮሴፍ ኣብ ፈለማ ዘጋጠመ ለውጥታት ኣብ ሒደት ፍቕድታት እዩ ተሪኽዎ ዘሎ፣ ኰይኑ ግና፡ ዓመታት ዝወሰደ ኪኸውን ይኽእል እዩ።