ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 6

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ደራሲኡ እንታይ ይገልጸልና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ደራሲኡ እንታይ ይገልጸልና፧

“ኵለን እተን እተዛረብኩኻ ቓላት ኣብ መጽሓፍ ጽሓፈን።”—ኤር. 30:2

መዝሙር 96 ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ

መላለዪ a

1. መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እተዋህበና እነመስግን ስለምንታይ ኢና፧

 የሆዋ ኣምላኽ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝሃበና፡ ኣዚና ኢና እነመስግኖ! ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ንዜጋጥመና ጸገማት ክንሰግር ዜኽእለና ጥበባዊ ምኽሪ ይህበና እዩ። ብዛዕባ መጻኢ እውን ዜደንቕ ተስፋ ይህበና እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ባህርያቱ ገሊጹልና እዩ። ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ኸነስተንትን ከለና ኸኣ፡ ልብና ኣጸቢቑ ይትንከ እዩ፣ ምስ ኣምላኽና እውን ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምምስራት ንለዓዓል ኢና።—መዝ. 25:14

2. የሆዋ ንደቂ ሰብ ብምንታይ እተፈላለየ መገድታት ኣቢሉ እዩ ገዛእ ርእሱ ገሊጹሎም፧

2 የሆዋ፡ ሰባት ኪፈልጥዎ ይደሊ እዩ። ኣብ ሕሉፍ ብኸም ሕልምታትን ራእያትን መላእኽትን ኣቢሉ ገዛእ ርእሱ ይገልጽ ነይሩ እዩ። (ዘሁ. 12:6፣ ግብ. 10:3, 4) ኰይኑ ግና፡ እዚ ሕልምታት፡ ራእያት፡ ወይ ብመላእኽቲ እተላእከ መልእኽትታት እንተ ዘይምዝገብ ነይሩ፡ ከመይ ጌርካ ኺጽናዕ ምተኻእለ፧ በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ ንመልእኽቱ ‘ኣብ መጽሓፍ ከም ዚጽሓፍ’ ገይሩ ኣሎ። (ኤር. 30:2) “መገዲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍጽምቲ” ስለ ዝዀነት ከኣ፡ እዚ መልእኽቲ ዚመሓላለፈሉ ሜላ እዚ ብሉጽን ጠቓምን ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝ. 18:30

3. የሆዋ ንመጽሓፍ ቅዱስ ተዓቂቡ ኸም ዚጸንሕ ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧ (ኢሳይያስ 40:8)

3 ኢሳይያስ 40:8 ኣንብብ። ቃል ኣምላኽ ንእሙናት ሰብኡትን ኣንስትን፡ ንኣሽሓት ዓመታት ጽቡቕ መምርሒ ዀይንዎም እዩ። ከመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ኪኸውን ዝኸኣለ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ነዊሕ ይገብር ኪበላሾ ኣብ ዚኽእል ናውቲ ጽሕፈት እዩ ተመዝጊቡ። ዋላ ሓደ ኻብቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ጽሑፋት ከኣ ሕጂ ኣይርከብን እዩ። የሆዋ ግና እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ከም ዚቕዳሕ ገበረ። እቶም ቀዳሕቲ ዘይፍጹማት ዋላ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣዝዮም ጥንቁቓት እዮም ነይሮም። ንኣብነት፡ ሓደ ምሁር ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ “ኣዝዩ ልክዕ ብዝዀነ መገዲ እተመሓላለፈ ኻልእ ጥንታዊ ጽሑፍ የልቦን ኪብሃል ይከኣል እዩ” ኢሉ መስኪሩ ኣሎ። ስለዚ፡ ቃል ኣምላኽ ካብ ዚጸሓፍ ነዊሕ ግዜ እኳ እንተ ሓለፈ፡ ኪበላሾ ኣብ ዚኽእል ናውቲ ጽሕፈት እኳ እንተ ተጻሕፈ፡ እቶም ንዕኡ ዝቐድሕዎ ቐዳሕቲ እውን ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀኑ፡ እቲ ሎሚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ ዘለና ቓላት ንሓሳባት እቲ ደራሲኡ ዝዀነ የሆዋ ኸም ዜመሓላልፍ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

4 “ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን” ካብ የሆዋ እዩ። (ያእ. 1:17) መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ዝሃበና ብሉጽ ውህበታት እዩ። ውህበት ብዛዕባ ወሃቢኡ ይነግረና እዩ። ብዛዕባናን ብዛዕባ እቲ ዜድልየና ነገራትን ክሳዕ ክንደይ ፍልጠት ከም ዘለዎ ይሕብረና እዩ። ብዛዕባ እቲ ወሃቢ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከምኡ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ነዚ ውህበት ክንምርምሮ ኸለና፡ ብዛዕባ የሆዋ ንምሃር ኢና። ብዛዕባናን ብዛዕባ እቲ ዜድልየና ነገራትን ክሳዕ ክንደይ ከም ዚፈልጥ ንምሃር ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰለስተ ባህርያት የሆዋ፡ ማለት ንጥበቡን ንፍትሑን ንፍቕሩን ክሳዕ ክንደይ ከም ዜንጸባርቕ ክንመያየጥ ኢና። ፈለማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንጥበብ ኣምላኽ ዜንጸባርቐሉ መገድታት እስከ ንርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥበብ ኣምላኽ የንጸባርቕ

5. መጽሓፍ ቅዱስ ንጥበብ ኣምላኽ ዜንጸባርቐሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

5 የሆዋ ጥበባዊ ምኽሪ ኸም ዜድልየና ይፈልጥ እዩ። እቲ ውህበቱ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ ብጥበቡ እተመልአ እዩ። ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰባት ኣወንታዊ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር እዩ። እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ቐዳሞት መጻሕፍቲ ኣብ እተጻሕፋሉ እዋን፡ ሙሴ ነቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ “እዝስ ንዓኻትኩም ህይወትኩም እዩ እምበር፡ ከንቱ ቓል ኣይኰነን” በሎም። (ዘዳ. 32:47) እቶም ንቕዱሳት ጽሑፋት ዚሕልውዎ፡ ኣብ ህይወቶም ኣሳልጦን ሓጐስን ይረኽቡ ነይሮም እዮም። (መዝ. 1:2, 3) ቃል ኣምላኽ ካብ ዚጽሓፍ ነዊሕ እኳ እንተ ገበረ፡ ሕጂ እውን ህይወት ሰባት ንምቕያር ሓይሊ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኣብ jw.org፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ዓምዲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ኣብ ህይወት ‘ኣመንቲ ይዓዪ ኸም ዘሎ’ ዜርኢ ልዕሊ 50 ታሪኽ ህይወት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።—1 ተሰ. 2:13

6. ከም መጽሓፍ ቅዱስ ዝበለ ኻልእ መጽሓፍ የልቦን ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

6 ከም ቃል ኣምላኽ ዝበለ ኻልእ መጽሓፍ የልቦን። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ደራሲ እዚ መጽሓፍ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኵሉ ዚኽእልን ዘለኣለማውን እዩ፣ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥበብ እውን ኣለዎ። ሓያሎ ደረስቲ፡ መጻሕፍቶም ገና እናተነብበ፡ ንሳቶም ይሓልፉ እዮም፣ እቲ ኣብኡ ዚርከብ ምኽሪ ኸኣ ግዜ ይሓልፎ እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበባዊ ስርዓታት ግና ዘለኣለማዊ እዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንዚነብሩ ሰባት ጠቓሚ ምዃኑ እውን ተረጋጊጹ እዩ። ነዚ ቕዱስ መጽሓፍ ከነንብቦን ከነስተንትነሉን ከለና፡ እቲ ምኽሩ ብኸመይ ኣብ ህይወትና ኸም እንትግብሮ ምእንቲ ኺርኣየና፡ እቲ ደራሲኡ በቲ ሓያል መንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ይሕግዘና እዩ። (መዝ. 119:27፣ ሚል. 3:16፣ እብ. 4:12) እወ፡ እቲ ህያው ዝዀነ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሕጋዝና ህንጡይ እዩ። እዝስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርና ኸነንብቦ ዜለዓዕለና ደይኰነን!

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሕሉፍን ኣብዚ ግዜናን ንህዝቢ የሆዋ ሓድነት ዘምጸኣሎም ብኸመይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7-8 ርአ)

7. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሕሉፍ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ሓድነት ዝፈጠረ ብኸመይ እዩ፧

7 መጽሓፍ ቅዱስ ጥበብ ኣምላኽ ዜንጸባርቐሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ በቲ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዜሕድሮ ሓድነት ኣቢሉ እዩ። እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ ኣብ ሰፊሕ ቦታ እዮም ሰፊሮም። ስለዚ ድማ፡ ገሊኦም ገፈፍቲ ዓሳ፡ ገሊኦም ሰብ ማል፡ ገሊኦም ከኣ ሓረስቶት ኰኑ። ኣብ ሓደ ኸባቢ ዝሰፈሩ እስራኤላውያን በቶም ኣብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ዝሰፈሩ እስራኤላውያን ዘይግደሱ ኪዀኑ ምኸኣሉ ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኪእከቡ፡ ቃሉ ኺንበብን ኪግለጽን ከሎ ኸኣ ምእንቲ ኺሰምዑ መሰናድዎ ገበረሎም። (ዘዳ. 31:10-13፣ ነህ. 8:2, 8, 18) ሓደ እሙን እስራኤላዊ ናብ የሩሳሌም ምስ ከደ እሞ ኻብ እተፈላለየ ኽፋላት እታ ሃገር ዝመጹ ሚልዮናት ኣምለኽቲ ኺርኢ ኸሎ፡ እንታይ ኪስምዖ ይኽእል ከም ዝነበረ እሞ ገምቶ! እዚ የሆዋ ዝገበሮ መሰናድዎ ንሓድነት ህዝቡ ዚሕግዝ ነበረ። ድሕርዚ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ቘመት፣ እታ ጉባኤ ድማ በበይኑ ቛንቋታት ዚዛረቡ፡ ካብ እተፈላለየ ማሕበራውን ቍጠባውን ድሕረ ባይታ ዝመጹ ሰብኡትን ኣንስትን ዝሓቘፈት እያ ነይራ። እንተዀነ ግና፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ይፈትውዎ ብምንባሮም፡ ብኣምልኾ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሓድነት ረኺቦም እዮም። እዞም ኣመንቲ እዚኦም ብሓገዝ ክርስያናት ብጾቶምን ብሓባር ብምእካብን ጥራይ እዮም ንቓል ኣምላኽ ኪርድእዎ ዚኽእሉ ነይሮም።—ግብ. 2:42፣ 8:30, 31

8. ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህዝቢ የሆዋ ሓድነት ዜስፍን ብኸመይ እዩ፧

8 እቲ ጥበበኛ ኣምላኽና ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ንህዝቡ ይምህሮም ኣሎ፣ ኣብ መንጎኦም ሓድነት ከም ዚሰፍን እውን ይገብር ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ምንጪ እቲ ሎሚ ኣዚና እንፈትዎ መንፈሳዊ ምግቢ እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ኪንበብን ኪግለጽን ከሎ ንምስማዕ፡ ብስሩዕ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ንእከብ ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዕላማ የሆዋ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። የሆዋ ንህዝቡ ብሓድነት ከም ዜገልግልዎ ንምግባር፡ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚጥቀም።—ጸፎ. 3:9

9. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መልእኽቲ ምእንቲ ኺርድኣና እንታይ ባህርይ እያ እተድልየና፧ (ሉቃስ 10:21)

9 ጥበብ የሆዋ እተራእየሉ ኻልእ መርትዖ እስከ ንርአ። የሆዋ ንሓያሎ ኽፋላት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ትሑታት ኣንበብቲ ጥራይ ከም ዚርድእዎ ገይሩ እዩ ኣጽሒፍዎ። (ሉቃስ 10:21 ኣንብብ።) ኣብ ፈቐዶኡ ዚርከቡ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ የንብብዎ እዮም። ሓደ ምሁር ከም ዝበሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ብብዝሒ እተነብበ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኵሉ መጻሕፍቲ ንላዕሊ ብጥንቃቐ እተነብበ መጽሓፍ እዩ።” ይኹን እምበር፡ ብሓቂ ትሑታት ጥራይ እዮም ኪርድእዎን ኣብ ተግባር ኬውዕልዎን ዚኽእሉ።—2 ቈረ. 3:15, 16

10. መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥበብ የሆዋ ዜንጸባርቐሉ ኻልእ መገዲ እንታይ እዩ፧

10 ብኻልእ መገዲ እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥበብ የሆዋ ኺንጸባረቕ ንርኢ ኢና። የሆዋ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ብደረጃ ጕጅለ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እውን ይምህረናን የጸናንዓናን እዩ። ቃል ኣምላኽ ከነንብብ ከለና፡ ነቲ የሆዋ ንዓና ብብሕቲ ዘለዎ ተገዳስነት ክንርኢ ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 30:21) ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብዙሕ ግዜ ገጽና ናብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንመልስ፡ ኣብኡ እውን ንዓና ብብሕቲ እተጻሕፈ ዚመስለና ጥቕስታት ነንብብ ኢና። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሚልዮናት ሰባት ከም ዚርድእዎ ጌርካ እዩ ተጻሒፉ። እሞ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ንዓኻ ብብሕቲ ዜድልየካ እዋናዊ ሓበሬታ ኺሕዝ ዚኽእል፧ ከምኡ ኪኸውን ዝኸኣለ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ጥበበኛ ዝዀነ ደራሲ ስለ ዘጽሓፎ እዩ።—2 ጢሞ. 3:16, 17

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍትሒ ኣምላኽ የንጸባርቕ

11. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዘይብሉ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

11 ፍትሒ ኻልእ ካብ ባህርያት የሆዋ እያ። (ዘዳ. 32:4) ፍትሒ፡ ኣድልዎ ምስ ዘይምግባር ብቐረባ ትተኣሳሰር እያ። የሆዋ ድማ ኣየዳሉን እዩ። (ግብ. 10:34, 35፣ ሮሜ 2:11) ኣብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘጽሓፈሉ ቛንቋታት ኣድልዎ ኸም ዘይብሉ ተራእዩ እዩ። እተን ቀዳሞት 39 መጻሕፍቲ መብዛሕትኡ ኽፋለን ብእብራይስጢ እዩ ተጻሒፉ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ድማ ነዚ ቛንቋ እዚ ብቐሊሉ ኺርድእዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ብዙሓት ሰባት ቋንቋ ግሪኽኛ እዮም ዚዛረቡ ነይሮም። ስለዚ ድማ፡ እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መወዳእታ ዚርከባ 27 መጻሕፍቲ በዚ ቛንቋ እዚ እየን ተጻሒፈን። የሆዋ ንቓሉ ብሓደ ቛንቋ ጥራይ ከም ዚድረት ኣይገበረን። ሎሚ፡ ዳርጋ ሸሞንተ ቢልዮን ዚዀኑ ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ሰባት ብዙሕ ቋንቋታት እዮም ዚዛረቡ። እሞ ደኣ ኸመይ ገይሮም እዮም ብዛዕባ የሆዋ ኺፈልጡ ዚኽእሉ፧

12. ዳንኤል 12:4 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እተፈጸመትሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

12 የሆዋ ብነብዪ ዳንኤል ኣቢሉ፡ ኣብ ግዜ መወዳእታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ከም ዚበዝሕ ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ። ብዙሓት ንቓሉ ኸም ዚርድእዎ ቓል ኣትዩ ነይሩ እዩ። (ዳንኤል 12:4 ኣንብብ።) ሓደ ኻብቲ እዚ ፍልጠት እዚ ዝበዝሓሉ መገዲ፡ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ኪትርጐምን ኪሕተምን ኪዝርጋሕን ስለ እተኻእለ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ መጻሕፍቲ ብብዝሒ እተተርጐመሉ ቛንቋታትን ብብዝሒ ዝርጋሐኡን ቀዳማይ ቦታ ሒዙ ኣሎ። ገሊኡ ብትካላት ንግዲ ዚዳሎ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣዝዩ ኽቡር እዩ። ህዝቢ የሆዋ ኽሳዕ ሕጂ ንቓል ኣምላኽ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብልዕሊ 240 ቋንቋ ተርጒሞምዎ ኣለዉ። ዝዀነ ሰብ ከኣ ብናጻ ቕዳሕ እዚ ትርጉም ኪረክብ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ “ብስራት መንግስቲ” ንዅሎም ኣህዛብ ይምስከረሎም ኣሎ። (ማቴ. 24:14) እቲ ፍትሓዊ ዝዀነ ኣምላኽና ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት፡ ቃሉ ብምንባብ ኪፈልጥዎ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ። ንዅላትና ብዙሕ ስለ ዜፍቅረና፡ እዚ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኣሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ የንጸባርቕ

13. መጽሓፍ ቅዱስ ንፍቕሪ የሆዋ የንጸባርቕ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ዮሃንስ 21:25)

13 መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ኻብ ኵለን ዝዓበየት ባህርይ ኣምላኽ ዝዀነት ፍቕሪ እውን የንጸባርቓ እዩ። (1 ዮሃ. 4:8) የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምዝገብ ዝገበሮ ሓበሬታን ከይተመዝገበ ዝተረፈ ሓበሬታን እሞ ኣብ ግምት ነእቱ። ምስኡ ርክብ ንምምስራት፡ ሕጂ ሕጉስ ህይወት ንምምራሕ፡ ኣብ መጻኢ እውን ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዜድሊ ዘበለ ጥራይ እዩ መዝጊቡልና። የሆዋ ስለ ዜፍቅረና፡ ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበናን።—ዮሃንስ 21:25 ኣንብብ።

14. ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርአ ብኸመይ እዩ፧

14 የሆዋ ኽብርና ብዚሕሉ መገዲ ብምዝራብ እውን ፍቕሩ ኣርእዩና እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መወዳእታ ዘይብሉ ዝርዝር ሕግታት ብምሃብ፡ ንህይወትና ብደቂቕ ኪቈጻጸሮ ኣይፈተነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብናይ ሓቂ ተመክሮታትን ብዜለዓዕል ትንቢታትን ግብራዊ ብዝዀነ ምኽርታትን ኣቢሉ እዩ ኸም እንሓስብ ዚገብረና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብ ልብና ኽንፈትዎን ክንእዘዞን እዩ ዜለዓዕለና።

ብዛዕባ እቲ የሆዋ ምስ ኣገልገልቱ ዝነበሮ ርክብ ከነስተንትን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. (ሀ) የሆዋ ነቶም ቃሉ ዜንብቡ ኸም ዚግደሰሎም ብኸመይ ኣርእዩ፧ (ለ) ኣብታ ስእሊ፡ እታ ንእሽቶ ጓልን እቲ መንእሰይን እታ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብትን ብዛዕባ መነመን እዮም ዜስተንትኑ ዘለዉ፧ (ዘፍ. 39:1, 10-12፣ 2 ነገ. 5:1-3፣ ሉቃ. 2:25-38)

15 የሆዋ ብኣና ኣጸቢቑ ኸም ዚግደስ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ። ብኸመይ፧ ኣብ ቃሉ፡ ስምዒታት ሰባት እተገልጸሉ ብዙሕ ጸብጻባት ኣሎ። ንሳቶም ‘ከማና ዝስምዒቶም’ ሰባት ብምንባሮም ከኣ፡ ስምዒቶም ኪርድኣና ይኽእል እዩ። (ያእ. 5:17) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ የሆዋ ኸማና ምስ ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ዝነበሮ ርክብ “ኣዝዩ ፈቃርን መሓርን” ምዃኑ ብንጹር ክንርዳእ ንኽእል ኢና።—ያእ. 5:11

16. ጌጋታት ብዛዕባ ዝገበሩ ውልቀ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ኢና እንምሃር፧ (ኢሳይያስ 55:7)

16 መጽሓፍ ቅዱስ ብኻልእ መገዲ እውን ፍቕሪ ኣምላኽ ይገልጸልና እዩ። ጌጋታት ክንገብር ከለና ኣምላኽና ኸም ዘይሓድገና ቕዱሳት ጽሑፋት የረጋግጸልና እዩ። እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብተደጋጋሚ እዮም ዚሓጥኡ ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ካብ ልቦም ምስ ዚንስሑ፡ ኣምላኽ ይቕረ ይብለሎም ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 55:7 ኣንብብ።) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን እውን ንፍቕሪ ኣምላኽ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ ንሓደ ብኸቢድ ሓጢኣት እተመላለሰ እሞ እተነስሐ ሰብኣይ ‘ይቕረ ኺብሉሉን ኬጸናንዕዎን’ ተማሕጺንዎም እዩ። (2 ቈረ. 2:6, 7፣ 1 ቈረ. 5:1-5) የሆዋ ንኣምለኽቱ፡ ኪጋገዩ ኸለዉ ዘይድርብዮም ምዃኑ ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ! ኣብ ክንዳኡስ፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ይሕግዞም፡ ይእርሞም፡ ናብኡ ኺምለሱ እውን ይጽውዖም እዩ። ሎሚ ንዚንስሑ ሓጥኣን እውን ከምኡ ኸም ዚገብረሎም ቃል ኣትዩ ኣሎ።—ያእ. 4:8-10

ነቲ “ጽቡቕ ውህበት” ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ኣኽቢርካ ርኣዮ

17. መጽሓፍ ቅዱስ ዜደንቕ ውህበት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

17 የሆዋ ጽቡቕ ውህበት ሂቡና ኣሎ። እሞ ደኣ ቓሉ ዜደንቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ መጽሓፍ ቅዱስ ንጥበብን ንፍትሕን ንፍቕርን ኣምላኽ ይገልጸልና እዩ። እዚ መጽሓፍ እዚ የሆዋ ኽንፈልጦ ኸም ዚደልየና የረጋግጸልና እዩ። እወ፡ የሆዋ ኣዕሩኹ ኽንከውን ይደልየና እዩ።

18. ነቲ የሆዋ ዝሃበና “ጽቡቕ ውህበት” ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ምስጋና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

18 ነዚ “ጽቡቕ ውህበት” ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ኣቕሊልና ኽንርእዮ ኣይንደልን ኢና። (ያእ. 1:17) እምበኣር፡ ንዕኡ ዘሎና ምስጋና ብቐጻሊ ነርኢ። ነቲ ቕዱስ ቃላቱ ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ እቲ ዓብዪ ደራሲኡ ንጻዕርታትና ኸም ዚባርኾ፡ ‘ፍልጠት ኣምላኽ እውን ከም እንረክብ’ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ምሳ. 2:5

መዝሙር 98 ቅዱሳት ጽሑፋት—ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ

a መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኽንቀርቦ ይሕግዘና። ካብዚ ቕዱስ መጽሓፍ እዚ፡ ብዛዕባ ጥበብን ፍትሕን ፍቕርን ኣምላኽ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ እቲ እንረኽቦ ትምህርቲ ነቲ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዘሎና ርድኢት ኬዕምቖ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ እውን ካብ ሰማያዊ ኣቦና ኸም እተዋህበና ውህበት ጌርና ኽንርእዮ ይሕግዘና እዩ።