ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 9

ነታ ኣምላኽ ዝሃበካ ህይወት ኣኽብራ

ነታ ኣምላኽ ዝሃበካ ህይወት ኣኽብራ

“ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፡ ብእኡ እውን ኢና ዘለና።”—ግብ. 17:28

መዝሙር 141 ተኣምር ህይወት

መላለዪ a

1. ህይወትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ እንታይ ዋጋ እዩ ዘለዋ፧

 ፈታዊኻ ብዋጋ ዘይሽነን ናይ ጥንቲ ቕብኣ ሂቡካ ንበል። እቲ ቕብኣ ቝሩብ ሕብሩ ደቢኑ፡ ብእተወሰነ ርስሓት ተጸይቑ፡ ቍሩብ ነቓዓት እውን ገይሩ ንበል። እዚ ጕድለታት እናሃለወ ግና፡ ዋጋኡ ብሚልዮናት ዶላራት እዩ ዚግመት። መሸም ነቲ ስነ ጥበባዊ ስራሕ ኣኽቢርካ ኸም እትርእዮን ከም እትሕልዎን ኣየጠራጥርን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ኽቡር ውህበት ሂቡና ኣሎ፣ ውህበት ህይወት ሂቡና ኣሎ። የሆዋ ንወዱ በጃ ኪኸውን ብምሃብ፡ ንህይወትና ዘለዎ ኣኽብሮት ኣርእዩ እዩ።—ዮሃ. 3:16

2. ኣብ 2 ቈረንቶስ 7:1 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ዚጽበየና፧

2 የሆዋ ምንጪ ህይወት እዩ። (መዝ. 36:9) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፡ ብእኡ እውን ኢና ዘለና” ብምባል ነዚ ሓቂ እዚ ኸም ዚኣምነሉ ገሊጹ ኣሎ። (ግብ. 17:25, 28) ስለዚ ንህይወትና፡ ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት ክንብሎ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ ድማ፡ ብህይወት ንምንባር ዜድልየና ነገራት እውን ብፍቕሪ ተደሪኹ ይህበና እዩ። (ግብ. 14:15-17) እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ኣይኰነን ንህይወትና ዚዕቅበልና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብእተኻእለና መጠን ንኣካላውን ንመንፈሳውን ጥዕናና ኽንከናኸን ይጽበየና እዩ። (2 ቈረንቶስ 7:1 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ስለምንታይ ኢና ጥዕናናን ህይወትናን ክንሕሉ ዘሎና፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

ንውህበት ህይወት ኣኽቢርካ ርእያ

3. ጥዕናና ኽንሕሉ እንጽዕረሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

3 ሓደ ኻብቲ ጥዕናና እንሕልወሉ ምኽንያት፡ ንየሆዋ ብምሉእ ዓቕምና ኸነገልግሎ ምእንቲ ኽንክእል እዩ። (ማር. 12:30) ‘ንሰብነትና ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ቅቡልን መስዋእቲ’ ጌርና ኢና ኸነቕርቦ እንደሊ። ስለዚ፡ ንጥዕናና ኺጐድእ ካብ ዚኽእል ነገራት ንርሕቕ ኢና። (ሮሜ 12:1) ልክዕ እዩ፡ ዝገበርና እኳ እንተ ገበርና፡ ኵሉ ሳዕ ጽቡቕ ጥዕና ይህልወና ማለት ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ንሰማያዊ ኣቦና ስለቲ ዝሃበና ህይወት ዘሎና ሞሳ ኸነርእዮ ስለ እንደሊ፡ ዚከኣለና ንገብር ኢና።

4. ንጉስ ዳዊት እንታይ ኪገብር እዩ ዚደሊ ነይሩ፧

4 ንጉስ ዳዊት ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ህይወት ዘለዎ ኣኽብሮት ኪገልጽ ከሎ፡ “ናብ ጕድጓድ እንተ ወሪደስ፡ ካብ ሞተይ እንታይ ረብሓ ይርከብ፧ ሓመድዶ ይውድሰካ እዩ፧ ብዛዕባ ተኣማንነትካዶ ይነግር እዩ፧” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 30:9) ዳዊት ነዚ ቓላት እዚ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ እዩ ጽሒፍዎ ኪኸውን ዚኽእል። እንተዀነ ግና፡ ንየሆዋ ምእንቲ ኺውድሶ ብእተኻእሎ መጠን፡ ብህይወት ንምጽናሕን ጥዕናኡ ንምሕላውን ቈሪጹ እዩ ነይሩ። መሸም ኵላትና ኸምዚ ዓይነት ቈራጽነት ጌርና ኣለና።

5. እርጋን ወይ ሕማም ሽሕ ሳዕ ይኽበደና ብዘየገድስ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

5 ሕማምን እርጋንን መብዛሕትኡ እቲ ኣቐዲምና እንገብሮ ዝነበርና ነገራት ካብ ምግባር ኪዓግተና ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ክንበሳጮን ክንጕህን ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር በዚ ኽንሕለልን ንጥዕናና ዕሽሽ ክንብሎን የብልናን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እርጋን ወይ ሕማም ሽሕ ሳዕ ይኽበደና ብዘየገድስ፡ ከምቲ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ ንየሆዋ ኽንውድሶ ንኽእል ኢና። ዘይፍጹማት ክነስና ኣምላኽ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየና ምፍላጥና ብዙሕ የጸናንዓና እዩ። (ማቴ. 10:29-31) ዋላ እኳ እንተ ሞትና፡ ኬተንስኣና ይናፍቕ እዩ። (እዮ. 14:14, 15) ስለዚ፡ ብህይወት ከለና ንጥዕናናን ንህይወትናን ንምሕላው ዚከኣለና ኽንገብር ንደሊ ኢና።

ካብ ጐዳኢ ኣመላት ርሓቕ

6. የሆዋ ብዛዕባ ኣመጋግባናን ኣሰታትያናን እንታይ ክንገብር እዩ ዚጽበየና፧

6 መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ክንክን ጥዕና ወይ ናይ ስርዓት ኣመጋግባ መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ እዚ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ግና ይገልጸልና እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ፡ “ጐዳኢ ነገር . . . ካብ ሰብነትካ ኣወግድ” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ። (መክ. 11:10) እቲ ንህይወት ኬስግእ ዚኽእል ህርፋንን ስኽራንን ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዀኒኑ ኣሎ። (ምሳ. 23:20) ዓይነትን መጠንን እቲ እንበልዖ ምግቢ ዀነ እንሰትዮ መስተ ኽንውስን ከለና፡ ርእስና ኽንገትእ እዩ የሆዋ ዚጽበየና።—1 ቈረ. 6:12፣ 9:25

7. እቲ ኣብ ምሳሌ 2:11 ዚርከብ ምኽሪ ብዛዕባ ጥዕናና ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

7 ነመዛዝን እንተ ዄንና፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ህይወት ዓሚቝ ሞሳ ኸም ዘሎና ዜርኢ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና። (መዝ. 119:99, 100፣ ምሳሌ 2:11 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ በቲ እንመርጾ ምግቢ ኣቢልና፡ ጽቡቕ ከም እነመዛዝን ከነርኢ ንኽእል ኢና። ገሊኡ ዓይነት ምግቢ ንፈቱ እንተ ዄንና እሞ፡ እቲ ምግቢ እቲ ግና ዜሕምመና እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ምግቢ እቲ ኽንበልዖ የብልናን። እኹል ድቃስ ብምድቃስ፡ ስሩዕ ኣካላዊ ምውስዋስ ብምግባር፡ ጽሬት ሰብነትና ዀነ ጽሬት ቤትና ብምሕላው፡ ለባማት ምዃንና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

ንድሕንነት ተጠንቀቕ

8. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንድሕንነት ብዚምልከት ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ይምህረና፧

8 ኣብቲ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦ ሕጊ፡ ኣብ ቤት ኰነ ኣብ ስራሕ ኬጋጥም ካብ ዚኽእል ከቢድ ሓደጋታት ዚሕሉ መምርሒታት ተጠቒሱ ኣሎ። (ዘጸ. 21:28, 29፣ ዘዳ. 22:8) ሓደ ሰብ ብዘይፍላጥ ሰብ እንተ ቐቲሉ፡ እዚ ኸቢድ ሳዕቤን እዩ ዜምጽኣሉ ነይሩ። (ዘዳ. 19:4, 5) ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ እቶም ንዘይተወልደ ሕጻን ብዘይፍላጥ ዚጐድኡ እኳ ኸይተረፉ ይቕጽዑ ነይሮም እዮም። (ዘጸ. 21:22, 23) የሆዋ ንድሕንነት ክንጥንቀቕ ከም ዚደልየና ቕዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ይገልጽ እዩ።

ኣብዚ ዅነታት እዚ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንህይወት ኣኽብሮት እነርኢ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

9. ሓደጋ ምእንቲ ኸይፍጠር እንታይ ጥንቃቐታት ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

9 ኣብ ቤት ኰነ ኣብ ስራሕ ንድሕንነትና ብምጥንቃቕ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ህይወት ዘሎና ሞሳ ነርኢ ኢና። ንኣብነት፡ በሊሕ ነገራት፡ መርዛም ከሚካላት፡ ወይ ኣፋውስ ብውሑስ መገዲ ኢና እነወግድ። ነዚ ነገራት እዚ እውን፡ ቈልዑ ኺረኽብዎ ኣብ ዘይክእሉ ኢና እነቐምጦ። ሓዊ፡ ውዑይ ፈሳሲ፡ ወይ ብኤለክትሪክ ዚሰርሕ ናውቲ ኽንጥቀም ከለና ንጥንቀቕ ኢና፣ ንኻልኦት ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ኣብ ዚኽእል ኵነታት ሓዲግናዮ እውን ኣይንኸይድን ኢና። ንናይ ምምዝዛን ክእለትና ኺዕንቅጾ ዚኽእል ኣፋውስ ንወስድ እንተ ኣሊና፡ ወይ ኣልኮላዊ መስተ እንተ ሰቲና፡ ወይ እኹል ድቃስ እንተ ዘይረኺብና፡ ማኪና ኣይንዝውርን ኢና። ማኪና ኽንዝውር ከለና ኸኣ፡ ብሓደ ኢድና ሞባይል ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ናውቲ ብምሓዝ ኣቓልቦና ኺስረቕ ኣይንፈቅድን ኢና።

ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ

10. ንህይወትና ዜስግእ ሓደጋ ቕድሚ ምግጣሙን ምስ ኣጋጠመን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

10 ሓድሓደ ግዜ፡ ንህይወት ካብ ዜስግእ ሓደጋታት ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ምናዳ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ለበዳ፡ ወይ ግጭት ኬጋጥም ከሎ ኻብኡ ኸነምልጥ ኣይንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ንሰዓታት እቶ እቶን ካብቲ ኸባቢ ኽንወጽእ ዚውሃብ ትእዛዝን ኣብ ህጹጽ ኵነታት ዚግበር ቀይድታትን ብምሕላው፡ እቲ ሓደጋ ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ካብኡ ብህይወት ንምትራፍ ዘሎና ዕድል ከነስፍሕ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 13:1, 5-7) ገሊኡ ሓደጋታት ክንጽበዮ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ነቲ ብሰበ ስልጣን እቲ ዓዲ ዚውሃበና መምርሒታት ኽንስዕብ ኣሎና። ንኣብነት፡ ማይን ዘይበላሾ ዓይነት ምግብን ንቐዳማይ ረድኤት ዚኸውን ናውትን ከነቐምጥ ንኽእል ኢና።

11. ተላጋቢ ሕማም ኪላባዕ ከሎ እንታይ ንምግባር ኢና ፍቓደኛታት ክንከውን ዘሎና፧

11 ኣብ ከባቢና ተላጋቢ ሕማም ይላባዕ እንተ ኣልዩ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ነቲ ኣብ ህጹጽ እዋን ዚውሃብ መምርሒታት ክንሕሉ ኣሎና። ንኣብነት፡ ኣእዳውና ኽንሕጸብን ርሕቀትና ኽንሕሉን ማስክ ክንገብርን ክንውሸብን ንኽእል ኢና። ነዚ ነገራት እዚ ተጊህና ብምግባር፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ህይወት ዘሎና ሞሳ ኢና እነርኢ።

12. እቲ ኣብ ምሳሌ 14:15 ዚርከብ ስርዓት፡ ኣብ እዋን ሓደጋ ንዚናፈስ ሓበሬታ መረጽቲ ዄንና ኽንሰምዕ ዚሕግዝና ብኸመይ እዩ፧

12 ኣብ ህጹጽ ኵነታት ኣብ መንጎ ኣዕሩኽን ጐረባብትን ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ግጉይ ሓበሬታ ይናፈስ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እንሰምዖ ዘበለ “ዅሉ ቓል” ኣብ ክንዲ እንኣምን፡ ካብ መንግስትን ካብ ሓካይምን ንዚመጽእ እሙን ምንጭታት ክንሰምዕ ኣለና። (ምሳሌ 14:15 ኣንብብ።) ኣመሓዳሪ ኣካልን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ብዛዕባ ኣኼባታት ጉባኤ ዀነ ብዛዕባ ዕዮ ስብከት መምርሒ ቕድሚ ምሃቦም፡ ልክዕ ሓበሬታ ንምርካብ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። (እብ. 13:17) ንዚውሃበና መምርሒ ብምስዓብ፡ ንገዛእ ርእስና ዀነ ንኻልኦት ካብ ሓደጋ ኽንሕሉ ንኽእል ኢና። ማሕበረ ሰብና ንክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ዜሞግሳ እውን ክንገብር ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 2:12

ካብ ደም ምእንቲ ኽትርሕቕ፡ ኣቐዲምካ ተዳሎ

13. ምስ ጕዳይ ደም ብዚተሓሓዝ ነታ ኣምላኽ ዝሃበና ህይወት ኣኽቢርና ኸም እንርኢ ብኸመይ ኢና እነርኢ፧

13 ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ንቕድስና ደም ዘለዎም ኣኽብሮት ኣጸቢቖም ይፍለጡ እዮም። ዋላ እውን ኣብ እዋን ህጹጽ ሕክምና፡ ምምሕልላፍ ደም ብዘይምቕባል፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ደም ዜውጽኦ ሕጊ ንሕሉ ኢና። (ግብ. 15:28, 29) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ክንመውት ንደሊ ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ነታ ኣምላኽ ዝሃበና ህይወት ኣኽቢርና ኢና እንርእያ። ካብቶም ብዘይ ምምሕልላፍ ደም ብሉጽ ሕክምና ኺህቡና ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰብ ሞያ ሓገዝ ንደሊ ኢና።

14. ከቢድ ሕክምና ኽንገብር ዜገድድ ኵነታት ክንንኪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 ነቲ ኣቐዲሙ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰ ብዛዕባ ጥዕና እተዋህበ ሓሳባት ምስ እንስዕብ፡ ከቢድ ሕክምና ኽንገብር ዜገድድ ኵነታት ክንንኪ ንኽእል ንኸውን። ጥዕናና ጽቡቕ እንተ ዀይኑ፡ ቅድሚ መጥባሕትን ድሕሪ መጥባሕትን ብዝያዳ ድልዱላት ኢና እንኸውን። ኣብ ቤትና ዀነ ኣብ ስራሕ ንሓደጋ ዜቃልዓና ዅነታት እንተ ኣወጊድና፡ ሕግታት ትራፊክ እውን ተጠንቂቕና ንሕሉ እንተ ዄንና፡ ብህጹጽ መጥባሕቲ ኽንገብር ዜገድደና ዅነታት ክንንኪ ንኽእል ኢና።

ንህይወት ኣኽቢርና ስለ እንርእያ፡ መምርሒታት ክንክን ጥዕና ንመልእ፡ ወትሩ እውን ምሳና ንሕዞ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ) c

15. (ሀ) እዋናዊ መምርሒታት ክንክን ጥዕና ኺህልወና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።) (ለ) ኣብታ ቪድዮ ኸም እተራእየ ደም ኣብ ሕክምና ብዛዕባ ምጥቃም፡ ከመይ ጌርና ኢና ኣብ ፍልጠት እተመርኰሰ ውሳነታት ክንገብር እንኽእል፧

15 ንውህበት ህይወት ኣኽብሮት ስለ ዘሎና፡ መምርሒታት ክንክን ጥዕና መሊእና ወትሩ ምሳና ንሕዝ ኢና። በዚ ሰነድ ኣቢልና ኸኣ፡ ብዛዕባ ምምሕልላፍ ደምን ካልእ ሕክምናታትን እንታይ ከም እንደሊ ንገልጽ ኢና። እሞ ደኣ እቲ ዝመላእካዮ መምርሒ ኽንክን ጥዕናስ እዋናዊ ድዩ፧ ነዚ ሰነድ እዚ ኽትመልኦ ወይ ከተሐድሶ ዜድልየካ እንተ ዀይኑ ኣይትደናጐ። እንታይ ከም እንደሊ ብንጹር ገሊጽና እንተ ጽሒፍናዮ፡ ኣብ እዋን ሕክምና ኻብ ዘየድሊ ምድንጓያት ንስተር ኢና። ንሰብ ሞያ ሕክምና ድማ፡ ኪጐድኣና ዚኽእል ጌጋ ኸይገብሩ ንድግፎም ኢና። b

16. መምርሒታት ክንክን ጥዕና ብኸመይ ከም እንመልእ እንተ ዘይፈሊጥና፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

16 ንእስነትና ወይ ጥዕናና ብዘየገድስ ንዅላትና ሓደጋን ሕማምን ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። (መክ. 9:11) ስለዚ፡ መምርሒታት ክንክን ጥዕና ምምላእ፡ ብርግጽ ጥበባዊ ውሳነ እዩ። ነዚ ሰነድ እዚ ብኸመይ ከም እትመልኦ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ጉባኤኻ ኻብ ዚርከቡ ሽማግለታት ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ንሳቶም ነቲ ሰነድ ብኸመይ ከም እትመልኦ ይፈልጡ እዮም፣ እቲ ናይ ሕክምና ውሳነታት ግና ኣይኪገብሩልካን እዮም። እዚ ናትካ ሓላፍነት እዩ። (ገላ. 6:4, 5) ኰይኑ ግና፡ እንታይ ኣማራጺታት ከም ዘሎካ ኼረድኡኻ፡ ድሌትካ ብጽሑፍ ክትገልጽ እውን ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ሚዛናዊ ኹን

17. ብዛዕባ ጕዳያት ጥዕና ሚዛናውያን ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

17 ሓያሎ ኻብቲ ብዛዕባ ጥዕናን ብዛዕባ ሕክምናን እንገብሮ ውሳነታት፡ በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናና እዩ ዚውሰን። (ግብ. 24:16፣ 1 ጢሞ. 3:9) ስለዚ፡ ውሳነታት ክንገብር ከለና ወይ ብዛዕባ እዚ ምስ ካልኦት ክንመያየጥ ከለና፡ ነቲ ኣብ ፊልጲ 4:5 ዚርከብ “ልዙባት [ወይ፡ “ሚዛናውያን፡” እ.ጽ.] ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ዚብል ስርዓት ንሕሉ ኢና። ሚዛናውያን እንተ ዄንና፡ ብኣካላዊ ጥዕናና እምብዛ ኣይንጭነቕን ኢና። ካልኦት ናትና ኣረኣእያ ኪቕበሉ እውን ጸቕጢ ኣይንገብርን ኢና። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ናትና እተፈልየ ውሳነታት እኳ እንተ ገበሩ፡ ነፍቅሮምን ነኽብሮምን ኢና።—ሮሜ 14:10-12

18. ንውህበት ህይወት ዘሎና ምስጋና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

18 ነቲ ምንጪ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ዘሎና ምስጋና፡ ንህይወትና ብምሕላውን ንዕኡ ዚከኣለና ብምሃብን ከነርኢ ንኽእል ኢና። (ራእ. 4:11) ሕጂ ኻብ ሕማምን ሓደጋታትን ምሉእ ብምሉእ ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ፈጣሪና ግና፡ እዚ ዓይነት ህይወት እዚ ኺህልወና ኣይኰነን ሓሲቡ ነይሩ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ስቓይ ወይ ሞት ዘይብሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበና እዩ። (ራእ. 21:4) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ብህይወት እናነበርና ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ምግልጋልሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ሰናይ እዩ!

መዝሙር 140 ገደብ ኣልቦ ህይወት!

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ህይወት ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከም እነዕዝዝ ተገሊጹ ኣሎ። ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ፡ ንጥዕናናን ንህይወትናን ንምዕቋብ ክንወስዶ እንኽእል ስጕምትታት፡ ከምኡ እውን ካብ ሓደጋ ንምምላጥ ክንወስዶ እንኽእል ስጕምትታት ክንርኢ ኢና። ምስ ሕክምና እተተሓሓዘ ህጹጽ ጕዳያት ቅድሚ ምግጣሙ ብኸመይ ክንዳሎ ኸም እንኽእል እውን ክንመያየጥ ኢና።

b ኣብ jw.org፡ ምስ ደም እተተሓሓዘ ሕክምናዊ ውሳነታት ብኸመይ ንገብር፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

c መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ መንእሰይ ሓው መምርሒታት ክንክን ጥዕና መሊኡ ኣብታ ኻብኡ ዘይትፍለ ቦርሳኡ የቐምጣ።