ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምኽሪ ወብሳይት

ምኽሪ ወብሳይት

እተዋዓውዐ ዓንቀጻት ብኸመይ ትረክብ፧

ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ቀንዲ ገጽ jw.org እተዋዓውዐ ዓንቀጻት፡ ንኣገልግሎት ይጥቀሙሉ እዮም። እዚ ዓንቀጻት እዚ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ብቐሊሉ ኺልኣኽ ይከኣል እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ህሉው ኵነታት ምስ ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ይገልጽ እዩ። ከምቲ ሓደ ሓው ዝገለጾ፡ ኣብ ቀንዲ ገጽ ዚወጽእ ዓንቀጻት፡ “ነዚ ናይ ሕጂ ዓይነት ኣገልግሎትና ብልክዕ ዚኸውን እዩ።”

ኰይኑ ግና፡ እቲ መዋዓውዒታት ብቐጻሊ ይሕደስ እዩ፣ እሞ ደኣ ነቲ ኻብ ቀንዲ ገጽ እተኣልየ ዓንቀጻት ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧

  • ኣብ ቀንዲ ገጽ jw.org፡ ኣብ ጥቓ ላዕለዋይ ጫፍ እቲ ገጽ፡ “ዝያዳ ርአ” ዚብል ጠውቕ። እዚ ሊንክ እዚ ናብቲ “ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ቀንዲ ገጽ ዝወጸ” ዘርእስቱ ገጽ ኪወስደካ እዩ፣ ኣብኡ ድማ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እተዋዓውዐ ዓንቀጻት ክትረኽቦ ኢኻ።

  • ኣብ jw.org ወይ JW Library®፡ ፈለማ “ቤተ መጻሕፍቲ፡” ድሕሪኡ “ዓምድታት፡” ኣብ መወዳእታ ኸኣ “ተወሳኺ ርእሰ ነገራት” ዚብል ምረጽ። ኣብዚ ኽፋል እዚ፡ ኣብ ቀንዲ ገጽ ዝወጸ ብዙሕ ዓንቀጻት ኣሎ።