ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 12

ካብ ፍጥረት ብዛዕባ የሆዋ ተምሃር

ካብ ፍጥረት ብዛዕባ የሆዋ ተምሃር

“እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ፡ . . . ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ።”—ሮሜ 1:20

መዝሙር 6 ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ ይነግር

መላለዪ a

1. ሓደ ኻብቲ እዮብ ንየሆዋ ብዝያዳ ኺፈልጦ ዘኽኣሎ መገዲ እንታይ እዩ፧

 ካብ ኵሉ እቲ እዮብ ኣብ ህይወቱ ዝገበሮ ዝርርባት፡ ሓደ ዝርርብ ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዝገበሮ ዝርርብ እዩ። የሆዋ ንእዮብ፡ ናብቲ ዜደንቕ ተፈጥሮ ኸም ዜተኵር ገበሮ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብዛዕባ ጥበቡን ብዛዕባ እቲ ንኣገልገልቱ ንምክንኻን ዘለዎ ኽእለትን እምንቶ ኼሕድር ሓገዞ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንእዮብ፡ ንእንስሳታት ዜድልዮም ዘበለ ዚህቦም ንሱ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ንዕኡ እውን ኪከናኸኖ ኸም ዚኽእል መዘኻኽሪ ሃቦ። (እዮ. 38:39-41፣ 39:1, 5, 13-16) እዮብ ብዛዕባ ገሊኡ ፍጥረታት ብምሕሳብ፡ ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ ብዙሕ እዩ ተማሂሩ።

2. ንፍጥረት የሆዋ ምምርማር ኣጸጋሚ ኪዀነና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

2 ንሕና እውን ንፍጥረታት ብምምርማር፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ ከምኡ ምግባር ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከተማ ንነብር እንተ ዄንና፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ምስ ተፈጥሮ ብዙሕ ኣይንራኸብን ንኸውን። ዋላ እውን ኣብ ገጠር ንነብር እንተ ዄንና፡ ንተፈጥሮ ንምጽናዕ ብዙሕ ግዜ ኣይህልወናን ይኸውን። ስለዚ፡ ንተፈጥሮ ንምዕዛብ እነህልኾ ግዜን ጻዕርን ስለምንታይ ከም ዚጠቕመና እስከ ንርአ። ብተወሳኺ፡ የሆዋን የሱስን ብፍጥረት ኣቢሎም ብኸመይ ከም ዝመሃሩ፡ ካብ ተፈጥሮ ዝያዳ ትምህርትታት ንምርካብ ከኣ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ንመርምር።

ንፍጥረት ክንዕዘብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

የሆዋ ንኣዳም፡ ብፍጥረታት ኪሕጐስን ንእንስሳታት ኪሰምዮምን ደለዮ (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)

3. የሆዋ ንኣዳም፡ ብፍጥረት ኪሕጐስ ከም ዝደለዮ ዜርእየና እንታይ ነገር ኣሎ፧

3 የሆዋ ነቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ብፍጥረት ኪሕጐስ እዩ ደልይዎ ነይሩ። ኣምላኽ ንኣዳም ምስ ገበሮ፡ ውቅብቲ ገነት እዩ ሂብዎ። ነታ ገነት እቲኣ ኺዓይያን ኬስፍሓን ድማ ዕዮ ሃቦ። (ዘፍ. 2:8, 9, 15) ዘርኢ ኺበቍል፡ ዕምባባታት ኪዕምብብ ከሎ ንኣዳም እተሰምዖ ሓጐስ እሞ ገምቶ። ኣዳም ንገነት ኤደን ኪከናኸን እተዋህቦ ዕዮ ፍሉይ ሓላፍነት እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንኣዳም፡ ንእንስሳታት ኪሰምዮም ዕዮ ሃቦ። (ዘፍ. 2:19, 20) የሆዋ ባዕሉ ኺሰምዮም ምኸኣለ ነይሩ፣ እንተዀነ ግና፡ ነዚ ዕዮ እዚ ንኣዳም ሃቦ። ኣዳም ንእንስሳታት ስም ቅድሚ ምውጻኡ፡ ንባህርያቶም ተጠንቂቑ ኣጽኒዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። በዚ ተመክሮ እዚ እውን ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። ስለምንታይሲ፡ ብዛዕባ ጥበብን ምህዞን ኣቦኡ ዘለዎ ርድኢት ኬስፍሕ ኣጋጣሚ ኸፊቱሉ እዩ።

4. (ሀ) ሓደ ኻብቲ ንፍጥረት ክንምርምር ዚድርኸና ምኽንያት እንታይ እዩ፧ (ለ) ብፍላይ እተድንቖ እንታይ ፍጥረት ክትጠቅስ ትኽእል፧

4 ሓደ ኻብቲ ንፍጥረት ክንምርምር ዚድርኸና ምኽንያት፡ የሆዋ ኸምኡ ኽንገብር ስለ ዚደልየና እዩ። የሆዋ፡ “ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ኣልዒልኩም ርኣዩ” ኢሉ ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧” ዚብል ሕቶ ኣቕሪቡልና ኣሎ። መልሲ እዚ ሕቶ እዚ ንጹር እዩ። (ኢሳ. 40:26) የሆዋ ንሰማያት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንምድርን ንባሕርን እውን ብዜደንቕ ፍጥረታት መሊእዎ ኣሎ፣ ካብዚ ዅሉ ድማ ክንምሃር ንኽእል ኢና። (መዝ. 104:24, 25) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዓና ዝፈጠረሉ መገዲ እሞ ንሕሰብ። ንጽባቐ ተፈጥሮ ኸነድንቕ ከም እንኽእል ገይሩ እዩ ፈጢሩና። ነቲ በበይኑ ዓይነት ፍጥረታቱ በቲ ሓሙሽተ ህዋሳትና፡ ማለት ብምርኣይን ብምስማዕን ብምድህሳስን ብምጥዓምን ብምሽታትን ከም እነስተማቕር ገይሩ እዩ ፈጢሩና።

5. ብመሰረት ሮሜ 1:20፡ ንፍጥረታት የሆዋ ብምጽናዕ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ ንፍጥረት ክንምርምር እንድረኸሉ ኻልእ ኣገዳሲ ምኽንያት እውን ይገልጸልና እዩ። ፍጥረት ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ይምህረና እዩ። (ሮሜ 1:20 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ተፈጥሮ ብንጹር ዚርአ ንድፊ እሞ ንሕሰብ። እዝስ ንጥበብ ኣምላኽ ዚገልጽ ደይኰነን፧ ብዛዕባ እቲ ኸነስተማቕሮ እንኽእል በበይኑ ዝዓይነቱ ምግቢ እውን ንሕሰብ። እዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ከም ዜፍቅሮም ንጹር መርትዖ ይዀነና እዩ። ካብቲ የሆዋ ዝፈጥሮ ነገራት ብዛዕባ ባህርያቱ ኸነስተውዕል ከለና፡ ንዕኡ ብዝሓሸ ኽንፈልጦ፡ ናብኡ ብዝያዳ ኽንቀርብ እውን ንድረኽ ኢና። ሕጂ ገለ ኻብቲ የሆዋ ብፍጥረቱ ገይሩ ንደቂ ሰብ ኣገዳሲ ትምህርትታት ዝሃበሉ ኣጋጣሚታት ንመርምር።

ኣምላኽ ብፍጥረታቱ ገይሩ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ይምህረና

6. ካብ ዚፈልሳ ኣዕዋፍ እንታይ ንምሃር፧

6 የሆዋ ሰሌዳ ግዜ ኣለዎ። እስራኤላውያን ዓመት ዓመት ካብ መወዳእታ ለካቲት ክሳዕ መፋርቕ ግንቦት፡ ራዛ ናብ ሰሜን ገጾም ኪፈልሱ ይርእዩ ነይሮም እዮም። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን፡ “ራዛ እኳ ኣብ ሰማይ ምዱብ ግዜኡ ይፈልጥ” በሎም። (ኤር. 8:7) ከምቲ የሆዋ ንኣዕዋፍ ሰሌዳ ግዜ ዝገበረለን፡ ፍርድታቱ ንምፍጻም እውን ግዜ መዲቡ ኣሎ። ሎሚ ኣዕዋፍ ኪፈልሳ ኽንርኢ ኸለና፡ የሆዋ ነዛ እክይቲ ዓለም ዜጥፍኣሉ “ምዱብ ግዜ” ኸም ዘለዎ ኽንዝክር ንኽእል ኢና።—ኣን. 2:3

7. ካብ ኣነፋፍራ ዑፍ እንታይ ንምሃር፧ (ኢሳይያስ 40:31)

7 የሆዋ ንኣገልገልቱ ሓይሊ ይህቦም። የሆዋ ንህዝቡ፡ ምስ ደኸሙን ምስ ተሓለሉን ‘ከም ንስሪ ብኣኽናፍ ምእንቲ ኺድይቡ’ ብርታዐ ኸም ዚህቦም፡ ብኢሳይያስ ኣቢሉ ቓል ኣትዩሎም ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 40:31 ኣንብብ።) እስራኤላውያን፡ ንስሪ ብዘይ ብዙሕ ጻዕሪ ናብ ላዕሊ ኺድይብ ከሎ ይርእዩ ነይሮም እዮም። እዚ ድማ ከምቲ የሆዋ ነዞም ኣዕዋፍ ሓይሊ ዝሃቦም፡ ንኣገልገልቱ እውን ሓይሊ ኺህቦም ከም ዚኽእል የዘኻኽረና። ስለዚ፡ ሓደ ሓያል ዑፍ ክንፉ ኸየንገብገበ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ምስ ረኣኻ፡ ንጸገማትካ ንምስጋር የሆዋ ብርታዐ ኺህበካ ኸም ዚኽእል ዘክር።

8. እዮብ ካብ ፍጥረታት ኣምላኽ እንታይ ተማሂሩ፧ ንሕናኸ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

8 ንየሆዋ ኽንኣምኖ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንእዮብ፡ ኣብኡ ዘለዎ እምነት ኪውስኽ ሓጊዝዎ እዩ። (እዮ. 32:2፣ 40:6-8) ኣብቲ ምስ እዮብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ንሓያሎ ኻብ ፍጥረታቱ ጠቒሱሉ እዩ፣ ገለ ኻብኡ ኸዋኽብቲ፡ ደበና፡ በርቂ ኺጥቀስ ይከኣል። ብዘይካዚ እውን ብዛዕባ ኸም እኒ ጐባይን ፈረስን ዝኣመሰሉ እንስሳታት ተዛሪብዎ እዩ። (እዮ. 38:32-35፣ 39:9, 19, 20) እዚ ዅሉ ነገራት ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ሓይሊ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ፍቕሩን ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ጥበቡን እውን መርትዖ ይኸውን እዩ። ሳላ እዚ ዝርርብ እዚ ኸኣ፡ እዮብ ንየሆዋ ኻብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ኣመኖ። (እዮ. 42:1-6) ንሕና እውን ንፍጥረት ከነጽንዕ ከለና፡ የሆዋ መወዳእታ ዘይብሉ ጥበብን ሓይልን ከም ዘለዎ ንዘኻኸር ኢና። ንዅሉ ፈተናታትና መወዳእታ ኺገብረሉ ይኽእል እዩ፣ ብርግጽ እውን መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ድማ ነቲ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ የደልድለልና እዩ።

የሱስ ብፍጥረታት ኣቢሉ ብዛዕባ ኣቦኡ ምሂሩ

9-10. ጸሓይን ዝናምን ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧

9 የሱስ ብዛዕባ ተፈጥሮ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። “ክኢላ ሰራሕተኛ” ብምንባሩ፡ ኣብቲ ንዩኒቨርስ ንምፍጣር እተገብረ ዕዮ ምስ ኣቦኡ ብሓባር ዓይዩ እዩ። (ምሳ. 8:30) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንደቀ መዛሙርቱ ብፍጥረት ገይሩ ብዛዕባ ኣቦኡ ምሂርዎም እዩ። ገለ ኻብቲ ዝሃቦም ትምህርትታት እስከ ንርአ።

10 የሆዋ ንዅሉ ፍቕሩ የርኢ። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ንደቀ መዛሙርቱ ናብቲ ሰባት ከም ትሑዝ ገይሮም ዚርእይዎ ኽልተ መዳያት ፍጥረት ከም ዜተኵሩ ገበሮም፣ እዚ ድማ ብርሃን ጸሓይን ዝናምን እዩ። ብህይወት ንምንባር፡ እዚ ኽልቲኡ የድልየና እዩ። የሆዋ ነቶም ዘይግብኦም ሰባት፡ ነዚ ነገራት እዚ ኸይረኽቡ ኪኽልክሎም ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንዅሉ ሰብ ጸሓይ የብርቕ፡ ዝናም እውን የዝንም እዩ። (ማቴ. 5:43-45) የሱስ በዚ ትምህርቲ እዚ ገይሩ ንደቀ መዛሙርቱ፡ የሆዋ ንዅሉ ሰብ ፍቕሪ ኸነርኢ ኸም ዚደልየና መሃሮም። እምበኣር፡ ብጸሓይ ዕራርቦ ኽንሕጐስ ከለና፡ ወይ ብዝናም ባህ ኪብለና ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ብዘይ ኣድልዎ ዜርእዮ ፍቕሩ ኸነስተንትን ንኽእል ኢና። እዚ ኣብነቱ ድማ፡ ንዅሉ ሰብ ብምስባኽ፡ ተመሳሳሊ ፍቕሪ ኸነርኢ የለዓዕለና እዩ።

11. ንኣዕዋፍ ሰማይ ብምዕዛብ እንታይ መተባብዒ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

11 የሆዋ ብህይወት ንምንባር ዜድልየና ዘበለ ይህበና። የሱስ ኣብቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ስብከቱ፡ “ንኣዕዋፍ ሰማይ እሞ ተመልከቱ፣ ሰማያዊ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዓጽዳ፡ ኣብ ማዕከን እውን ኣይእክባን እየን” ኢሉ እውን ተዛሪቡ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ነቶም ሰማዕቱ፡ “ካባታተንሲ ንስኻትኩምዶ ኣይትበልጹን፧” ኢሉ ኺሓትቶም ከሎ፡ ኣብ ልዕሊኦም ኣዕዋፍ ኪነፍራ ይርእዩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ማቴ. 6:26) የሱስ በዚ ፍቕራዊ መገዲ እዚ ኣቢሉ፡ የሆዋ ብህይወት ንምንባር ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ማቴ. 6:31, 32) እዚ ኻብ ፍጥረት ዚርከብ ትምህርቲ፡ ሕጂ እውን ንእሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ የተባብዖም እዩ። ኣብ ስጳኛ እትነብር ሓንቲ መንእሰይ ፈላሚት፡ ጥዑይ መንበሪ ስለ ዝሰኣነት፡ ሕማቕ ተሰሚዕዋ ነይሩ። ኣዕዋፍ ኣዝርእትን ፍረታትን ኪበልዓ ምስ ረኣየት ግና፡ ጽቡቕ እዩ ተሰሚዕዋ። ብዛዕባ እቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ “እተን ኣዕዋፍ፡ የሆዋ ኸም ዚሓልየለን፡ ንዓይ እውን ከም ዚሓልየለይ ኣዘኻኺረናኒ” ትብል። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐት፡ እታ ሓብቲ መንበሪ ረኸበት።

12. ብመሰረት ማቴዎስ 10:29-31፡ ጨራሩ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህራና፧

12 የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኣኽቢሩ ይርእየና። የሱስ ንሃዋርያቱ ናብ ስብከት ቅድሚ ምልኣኹ፡ በቲ ዜጋጥሞም ተቓውሞ ምእንቲ ኸይፈርሁ መተባብዒ ሃቦም። (ማቴዎስ 10:29-31 ኣንብብ።) ከምኡ ንምግባር ከኣ ሓንቲ ኻብተን ኣብ እስራኤል ብብዝሒ ዚርከባ ኣዕዋፍ፡ ማለት ጭሩ እዩ ተጠቒሙ። እዘን ኣዕዋፍ እዚአን ብግዜ የሱስ ብዙሕ ዋጋ ኣይነበረንን። ንደቀ መዛሙርቱ ግና፡ “ሓንቲ ኻባታተን እኳ፡ ኣቦኹም ከይፈለጠ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም” በሎም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮም ኣረጋገጸሎም። ስለዚ፡ መስጐጕቲ ዚፈርሁሉ ምኽንያት ኣይነበሮምን። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ከተማታትን ኣብ ኣቝሻትን እናሰበኹ ጨራሩ ኺርእዩ ኸለዉ፡ ንቓላት የሱስ ዘኪሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ንስኻ እውን ጭሩ ብዝረኣኻ ቝጽሪ፡ የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየካ ዘክር፣ ምኽንያቱ፡ ‘ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጽ ኢኻ።’ ብደገፉ ድማ ንዜጋጥመካ ተቓውሞ ብምትእምማን ክትሰግሮ ትኽእል ኢኻ።—መዝ. 118:6

ካብ ፍጥረት ብዛዕባ ኣምላኽ ብኸመይ ክንምሃር ንኽእል፧

13. ካብ ፍጥረት ትምህርቲ ንምርካብ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

13 ካብ ፍጥረት ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ተወሳኺ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ፈለማ፡ ግዜ ወሲድና ንፍጥረት ክንዕዘብ ኣሎና። ድሕሪኡ፡ እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም ዚምህረና ኽንሓስብ ኣሎና። ከምኡ ምግባር ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ኣብ ካመሩን እትነብር ጀራልዲን ዝስማ ሓብቲ፡ “ኣብ ከተማ እየ ዓብየ፣ ስለዚ ንተፈጥሮ ንምዕዛብ ዝያዳ ጻዕሪ ኽገብር ከም ዘሎኒ ተገንዚበ” ትብል። ኣልፎንሶ ዝስሙ ሽማግለ ኸኣ፡ “ንፍጥረት የሆዋ ንምዕዛብን ብዛዕባ እቲ ኻብኡ ዝረኽቦ ትምህርቲ ንምስትንታንን ግዜ ኽምድብ ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ” ይብል።

ዳዊት ነቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ ፍጥረታት ምስ ኣስተብሃለሉ፡ ካብዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም ዚምሃር ኣስተንተነ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ዳዊት ብዛዕባ ፍጥረት ኣምላኽ ምስ ኣስተንተነ፡ እንታይ እዩ ተማሂሩ፧

14 ዳዊት ብዛዕባ ፍጥረት ኣምላኽ ኣጸቢቑ ይሓስብ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ንየሆዋ፡ “ሰማያትካ፡ እቲ ግብሪ ኣጻብዕካ፡ እቲ ዘዳሎኻዮ ወርሕን ከዋኽብትን ክርኢ ኸለኹ፡ ንስኻ እትዝክሮስ፡ መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧” ዝበሎ። (መዝ. 8:3, 4) እወ፡ ዳዊት ንሰማያት ኪጥምት ከሎ፡ ንዕቤት ዩኒቨርስ ኣድኒቑ ጥራይ ስቕ ኣይበለን። የግዳስ፡ ከዋኽብቲ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚምህሩ እውን ኣስተንቲኑ እዩ። የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ተማሂሩ እዩ። ኣብ ካልእ ግዜ፡ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ሰብነቱ ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ዝማዕበለሉ መስርሕ ኣስተንቲኑ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ዝርዝር ነገራት ኬስተንትን ከሎ ኸኣ፡ ንጥበብ የሆዋ ዘለዎ ኣድንቖት እናዓበየ እዩ ኸይዱ።—መዝ. 139:14-17

15. ባህርያት የሆዋ ኣብ ፍጥረት ዝረኣኻሉ ኣብነታት ሃብ። (መዝሙር 148:7-10)

15 ንስኻ እውን ብዛዕባ ፍጥረት ብምስትንታን ከምቲ ዳዊት ዝገበሮ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ግድን ርሑቕ ክትከይድ ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ከባቢኻ እንተ ተዓዚብካ፡ ባህርያት የሆዋ ኸተስተውዕል ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ካብ ጸሓይ ሙቐት ክትረክብ ከለኻ፡ ንሓይሊ የሆዋ ኣስተውዕሎ። (ኤር. 31:35) ጭሩ ሰፈራ ኽትሰርሕ ክትርኢ ኸለኻ፡ ብጥበብ ኣምላኽ ተደነቕ። ኵርኵር ንጭራኣ ንምሓዝ ዕንክሊል ክትብል ክትርኢ ኸለኻ፡ የሆዋ ዋዛ ዚፈቱ ምዃኑ ሕሰብ። ኣደ ምስ ሕጻና ኽትጻወት ክትርኢ ኸለኻ ኸኣ፡ ንየሆዋ ስለቲ ፍቕሩ ኣመስግኖ። እወ፡ ኵሉ ፍጥረታት የሆዋ፡ ማለት ዓብዪ ዀነ ንእሽቶ፡ ኣብ ቀረባ ዘሎ ዀነ ኣብ ርሑቕ፡ ንየሆዋ ስለ ዚውድሶ፡ ብዛዕባኡ ትምህርቲ ንምርካብ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎና።—መዝሙር 148:7-10 ኣንብብ።

16. እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

16 ኣምላኽና ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣስተውዓልን ሓላይን ጥበበኛን ብርቱዕን እዩ። ንተፈጥሮ ንዕዘብ እንተ ዄንና፡ እዚ ባህርያት እዝን ካልእ ብዙሕ ተወሳኺ ባህርያትን ክንርኢ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ግዜ ወሲድና ኣዘውቲርና ንተፈጥሮ ንተዓዘብ። ካብዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም እንምሃር እውን ንሕሰብ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንፈጣሪና ብዝያዳ ኽንቀርቦ ኢና። (ያእ. 4:8) ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ ወለዲ ብፍጥረት ገይሮም ንደቆም ናብ የሆዋ ንምቕራብ ብኸመይ ከም ዚሕግዝዎም ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 5 ድንቂ ግብርታት ኣምላኽ

a ፍጥረት የሆዋ መስተንክር እዩ። ካብቲ ኣብ ጸሓይ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ኽሳብ እቲ ኣብ ዕምባባ ዘሎ ተኣፋፊ ፍንሽር፡ ኵሉ ፍጥረታቱ ዜደንቕ እዩ። ካብ ፍጥረት እንረኽቦ ትምህርቲ፡ ባህርያት የሆዋ ኸነስተውዕል ይሕግዘና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ስለምንታይ ግዜ መዲብና ንፍጥረት ክንምርምር ከም ዘሎና፡ ከምኡ ምግባር ከኣ ንኣምላኽ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽንርኢ ኢና።