ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምኽሪ መጽናዕቲ

ምኽሪ መጽናዕቲ

“ሓድሽ ነገር” ንዚብል ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ

እቲ ኣብ JW Library®ን ኣብ jw.org⁠ን ዚርከብ “ሓድሽ ነገር” ዚብል ክፋል፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ነገራት ሒዙ ኣሎ። እሞ ደኣ ሓድሽ ዝወጸ ንምፍላጥ፡ ነዚ ኽፋል እዚ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧

JW Library

  • ኣብ ዓምድታት ዚርከብ ዓንቀጻት ኪወጽእ ከሎ፡ እቲ ዓምዲ ይዝምን እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ዓምዲ ኣብቲ “ሓድሽ ነገር” ዚብል ክፋል እንተ ወጺኡ፡ ነቲ ዝዘመነ ዓምዲ ኸተራግፎ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ብዕለት እተሰርዐ ዝርዝር ኣርእስታት፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓድሽ ዓንቀጽ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

  • ከም መጽሔታት ንዝኣመሰለ ዝነውሐ ጽሑፋት፡ ብሓንሳእ ብምሉኡ ኣንቢብካ ምውዳእ ይኸብደካ ይኸውን። ነቲ ኣንቢብካ ዘይወዳእካዮ ንምክትታል፡ ነታ መጽሔት ክሳዕ እትውድኣ ናብቲ “ምሩጻት” ዚብል ክፋል ኣእትዋ።

JW.ORG

ከም ዜናታትን ምልክታታትን ዝኣመሰለ ገሊኡ ሓበሬታ፡ ኣብ ወብሳይት jw.org ጥራይ ደኣ እምበር፡ ኣብ JW Library ኣይወጽእን እዩ። እምበኣር፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ዓንቀጻት ንምፍላጥ፡ ነቲ ኣብቲ ወብሳይት ዚርከብ “ሓድሽ ነገር” ዚብሃል ገጽ ኣዘውቲርካ ርኣዮ።