ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 35

ዕጉስ ኩን

ዕጉስ ኩን

“ዓቕሊ ልበሱ።”—ቈሎ. 3:12

መዝሙር 114 “ተዓገሱ”

መላለዪ a

1. ንዕጉሳት ሰባት ኣኽቢርና እንርእዮም ስለምንታይ ኢና፧

 ኵላትና ንዕጉሳት ሰባት ክብ ኣቢልና ኢና እንርእዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ነቶም ከይተበሳጨዉ ብትዕግስቲ ዚጽበዩ ሰባት ኣኽቢርና ኢና እንርእዮም። ነቶም ክንጋገ ኸለና ዚዕገሱና፡ ክብ ኣቢልና ኢና እንርእዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃረና ሰብ ንሓደ ትምህርቲ ኽንምሃሮ፡ ክንቅበሎ፡ ወይ ክንትግብሮ ኣብ ዘጸገመና እዋን ስለ እተዓገሰና፡ ብዙሕ ኢና እነመስግኖ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ስለቲ ትዕግስቱ ኣዚና ኢና እነመስግኖ!—ሮሜ 2:4

2. ኣብ ምንታይ ኵነታት እዩ ትዕግስቲ ምግባር ኪኸብደና ዚኽእል፧

2 ነቲ ኣብ ካልኦት እንርእዮ ትዕግስቲ ኽብ ኣቢልና እናረኣና ኽነስና፡ ሓድሓደ ግዜ ግና ትዕግስቲ ምግባር ይኸብደና ይኸውን። ንኣብነት፡ መገዲ ብብዝሒ ትራፊክ ኪተዓጻጾ ኸሎ፡ ምናዳ ኸኣ ደንጒና እንተ ኣሊና፡ ክንሃድእ ኣይንኽእልን ንኸውን። ካልኦት ኬበሳጭዉና ኸለዉ፡ ተቘጢዕና ንምልስ ንኸውን። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ ነታ የሆዋ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ምጽባይ ይኸብደና ይኸውን። እሞ ደኣ፡ ዝያዳ ትዕግስቲ ኺህልወካስ ምደለኻዶ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብኸመይ ትዕግስትና ኸም እትርአን ትዕግስቲ ስለምንታይ ኣገዳሲት ከም ዝዀነትን ክንምርምር ኢና። ብዝያዳ ትዕግስቲ ንምምዕባል እንታይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል እውን ክንርኢ ኢና።

ብኸመይ እያ ትዕግስትና ኽትርአ እትኽእል፧

3. ሓደ ዕጉስ ሰብ ዜቘጥዕ ነገር ኬጋጥሞ ኸሎ እንታይ እዩ ዚገብር፧

3 ትዕግስቲ ኸነርእየሉ እንኽእል ኣርባዕተ መገዲ እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ዕጉስ ሰብ ንቝጥዓ ደንጓዪ እዩ። ዜቘጥዕ ነገር ኬጋጥሞ ኸሎ ወይ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኪኸውን ከሎ፡ ይሃድእ ወይ ዓጸፌታ ኻብ ምምላስ ገዛእ ርእሱ ይገትእ እዩ። እተን “ንቝጥዓ ደንጓዪ” ዚብላ ቓላት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ የሆዋ “መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን” ተባሂሉ እተገልጸሉ እየን ንፈለማ ግዜ ተጠቒሰን ዘለዋ።—ዘጸ. 34:6

4. ዕጉስ ሰብ ኪጽበ ኸሎ እንታይ ባህርይ እዩ ዜርኢ፧

4 ካልኣይ፡ ዕጉስ ሰብ ብህድኣት እዩ ዚጽበ። ሓደ ነገር ካብቲ ትጽቢት እተገብረሉ ዝነውሐ ግዜ እንተ ወሲዱ፡ ዕጉስ ሰብ ዓቕሊ ኣየጽብብን ወይ ጸርጸር ኣይብልን እዩ። (ማቴ. 18:26, 27) ብህድኣት ክንጽበ ዜድልየና ብዙሕ ኵነታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኪዛረብ ከሎ፡ ከይኰለፍናዮ ብትዕግስቲ ኽንሰምዖ ኣሎና። (እዮ. 36:2) ንሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ከነረድኦ ኸለና ወይ ሕማቕ ልማዱ ኼሰንፍ ክንሕግዞ ኸለና እውን፡ ትዕግስቲ ኽንገብር ኣሎና።

5. ብምንታይ ካልእ መገዲ እያ ትዕግስትና ኽትርአ እትኽእል፧

5 ሳልሳይ፡ ዕጉስ ሰብ ኣይህወኽን እዩ። ልክዕ እዩ፡ ኣብ ገሊኡ ዅነታት ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ዕጉስ ሰብ ኣገዳሲ ዕዮ ኺሕዝ ከሎ፡ ተሃዊኹ ኣይኰነን ዚጅምሮ፣ ተሃዊኹ ኺውድእ እውን ኣይጽዕርን እዩ። የግዳስ፡ ግዜ ወሲዱ እንታይ ከም ዚገብር ይምድብ እዩ። ድሕሪኡ ነቲ ዕዮ ንምዕያይ፡ እኹል ግዜ ይህብ እዩ።

6. ዕጉስ ሰብ ፈተናታት ወይ ጸበባ ኼጋጥሞ ኸሎ እንታይ እዩ ዚገብር፧

6 ራብዓይ፡ ዕጉስ ሰብ ከየማረረ ፈተናታት ይጻወር እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ትዕግስቲ ምስ ተጻዋርነት ብቐረባ ትተኣሳሰር እያ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ብዛዕባ ሓደ ፈተና ዚስምዓካ ስምዒት ንናይ ቀረባ ፈታዊኻ ምግላጽ ጌጋ እዩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ሓደ ዕጉስ ሰብ ንዜጋጥሞ ፈተና ኺጻወር ከሎ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያኡ ምእንቲ ኸየጥፍእ ዚከኣሎ ይገብር እዩ። (ቈሎ. 1:11) ንሕና ክርስትያናት ብዅሉ እዚ መገድታት እዚ ትዕግስቲ ኸነርኢ ኣሎና። ስለምንታይ፧ ሒደት ምኽንያታት እስከ ንርአ።

ትዕግስቲ ኣዝያ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

ከምቲ ሓረስታይ ጻማኡ ኸም ዚረክብ ተኣማሚኑ ብትዕግስቲ ዚጽበ፡ ንሕና እውን የሆዋ ብግዜኡ ንተስፋታቱ ኸም ዚፍጽሞ ተኣማሚንና ብትዕግስቲ ንጽበ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ብመሰረት ያእቆብ 5:7, 8፡ ትዕግስቲ ኣዝያ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

7 ትዕግስቲ ንድሕነትና ኣዝያ ኣገዳሲት እያ። ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ብትዕግስቲ ኽንጽበ ኣሎና። (እብ. 6:11, 12) መጽሓፍ ቅዱስ ንዅነታትና ምስ ኵነታት ሓረስታይ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ያእቆብ 5:7, 8 ኣንብብ።) ኣዝርእቲ ኺዝራእን ማይ ኪሰትን ከሎ፡ ሓረስታይ ብትግሃት ይዓዪ እዩ። እቲ ዘርኢ መዓስ ከም ዚበቍል ግና ብልክዕ ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ፡ ጻማ ጻዕሩ ኸም ዚረክብ ብምትእምማን ብትዕግስቲ ይጽበ እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ‘ጐይታና በየነይቲ መዓልቲ ኸም ዚመጽእ እኳ እንተ ዘይፈለጥና፡’ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ብትግሃት ንዓዪ ኢና። (ማቴ. 24:42) የሆዋ ብግዜኡ ንዅሉ እቲ ዘተስፈዎ ኸም ዚፍጽሞ ብምትእምማን ከኣ ብትዕግስቲ ንጽበ ኢና። ትዕግስቲ እንተ ዘይጌርና፡ ዓቕሊ ኸነጽብብ፡ ካብ ሓቂ እውን በብቝሩብ ክንርሕቕ ንኽእል ኢና። ቅጽበታዊ ዕግበት ዚህበና ነገራት ምስዓብ እውን ክንጅምር ንኽእል ኢና። ዕጉሳት እንተ ዄንና ግና፡ ክሳዕ መወዳእታ ኽንጻወርን ክንድሕንን ኢና።—ሚክ. 7:7፣ ማቴ. 24:13

8. ትዕግስቲ ኣብቲ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ብኸመይ ትሕግዘና፧ (ቈሎሴ 3:12, 13)

8 ትዕግስቲ ኣብቲ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ትሕግዘና እያ። ሰብ ኪዛረበና ኸሎ፡ ብኣቓልቦ ኽንሰምዕ ትሕግዘና እያ። (ያእ. 1:19) ትዕግስቲ ንሰላም እውን ኣበርክቶ ትገብር እያ። ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኽንከውን ከለና፡ ተሃዊኽና ሕማቕ ከይንዛረብ ትሕልወና እያ። ዕጉሳት እንተ ዄንና፡ ሰብ ንስምዒትና ዚጐድእ ነገር ኪገብር ከሎ፡ ንቝጥዓ ኣይንህወኽን ኢና። ዓጸፌታ ኣብ ክንዲ እንመልስ ከኣ፡ ‘ንሓድሕድና ንተዓጋገስን ብናጻ ይቕረ ንባሃሃልን ኢና።’—ቈሎሴ 3:12, 13 ኣንብብ።

9. ውሳነ ኽንገብር ከለና፡ ትዕግስቲ ብኸመይ ትሕግዘና፧ (ምሳሌ 21:5)

9 ትዕግስቲ ዝሓሸ ውሳነታት ክንገብር እውን ትሕግዘና እያ። ተሃዊኽና ስጕምቲ ኣብ ክንዲ እንወስድ፡ ግዜ ወሲድና ነቲ ዅነታት ንግምግሞ፡ ወይ ኣማራጺታትና ንምርምር ኢና። (ምሳሌ 21:5 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ስራሕ ነናዲ እንተ ኣሊና፡ ኣብ ፈለማ ንእንረኽቦ ስራሕ፡ ዋላ እኳ ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ዕንቅፋት ዚኸውን ክነሱ፡ ክንቅበሎ ንፍተን ንኸውን። ዕጉሳት እንተ ዄንና ግና፡ ግዜ ወሲድና እቲ ስራሕ ኣበይ ከም ዝዀነ፡ ክንደይ ሰዓታት ከም ዚወስድ፡ ከምኡ እውን ኣብ ስድራን ኣብ መንፈሳውነትናን ብዛዕባ ዜሕድሮ ጽልዋ ንሓስብ ኢና። ስለዚ፡ ዕጉሳት እንተ ዄንና፡ ካብ ሕማቕ ውሳነ ኽንስተር ንኽእል ኢና።

ብኸመይ ዝያዳ ትዕግስቲ ኸነማዕብል ንኽእል፧

10. ሓደ ክርስትያን ብኸመይ እዩ ትዕግስቲ ኼማዕብልን ብትዕግስቲ ኺመላለስን ዚኽእል፧

10 ተወሳኺ ትዕግስቲ ኺውሃበካ ጸሊ። ትዕግስቲ ወይ ዓቕሊ ሓደ መዳይ ፍረ መንፈስ እያ። (ገላ. 5:22, 23) ስለዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺውሃበና ኽንጽሊ፡ ፍረ መንፈስ ምእንቲ ኸነፍሪ እውን ካብ የሆዋ ሓገዝ ክንልምን ንኽእል ኢና። ንትዕግስትና ዚፍትን ኵነታት እንተ ኣጋጢሙና፡ ትዕግስቲ ኽንገብር ዚሕግዘና መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ‘ብቐጻሊ ኽንልምን’ ኣሎና። (ሉቃ. 11:9, 13) ንየሆዋ ኸኣ ከም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልወና፡ ሓገዙ ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። ከምዚ ኢልና ድሕሪ ምጽላይና፡ ወትሩ ዕጉሳት ኴንና ንምምልላስ ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና። ትዕግስቲ ምእንቲ ኺውሃበናን ብትዕግስቲ ንምምልላስን ብዝያዳ ብዝጸለና መጠን፡ እዛ ባህርይ እዚኣ ኣብ ልብና ብዝያዳ እያ ሱር እትሰድድ፡ ብዝያዳ እውን እያ ኽፋል ስብእናና እትኸውን።

11-12. ብኸመይ እዩ የሆዋ ተዓጊሱ፧

11 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተጠቕሱ ኣብነታት ኣስተንትን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሓት ዕጉሳት ሰባት ተጠቒሶም ኣለዉ። ነቲ ዛንታኦም እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ብኸመይ ትዕግስቲ ኸም እነርኢ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ገለ ኻብዞም ኣብነታት እዚኦም ቅድሚ ምምርማርና፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ኣብነት ትዕግስቲ ዝዀነ የሆዋ እስከ ንመርምር።

12 ኣብ ገነት ኤደን፡ ሰይጣን ንስም የሆዋ ኣጸለሞ፡ ፍትሓውን ፈቃርን ገዛኢ ኸም ዘይኰነ ገይሩ እውን ከሰሶ። የሆዋ ነቲ ሓማዪ ብኡብኡ ኣብ ክንዲ ዜጥፍኦ፡ ግዝኣቱ ብሉጽ ምዃኑ ንምርግጋጽ ግዜ ኸም ዜድሊ ስለ ዝፈለጠ፡ ትዕግስቲ ገበረ፡ ገዛእ ርእሱ እውን ገትአ። ብትዕግስቲ እናተጸበየ ኸኣ፡ ኣብ ስሙ ዚወርድ ወቐሳ ተጻወረ። ብተወሳኺ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዜኽእል ኣጋጣሚ ንብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኪኽፈተሎም፡ የሆዋ ብትዕግስቲ ይጽበ ኣሎ። (2 ጴጥ. 3:9, 15) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሚልዮናት ሰባት ኪፈልጥዎ ኽኢሎም ኣለዉ። ኣብቲ ትዕግስቲ የሆዋ ዜምጽኦ ጥቕምታት እንተ ኣተኲርና፡ ነቲ የሆዋ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ዜምጽኣሉ ግዜ ምጽባይ ኣይከብደናን እዩ።

ዕጉሳት እንተ ዄንና፡ ዜቘጥዕ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ ንቝጥዓ ደንጐይቲ ኢና እንኸውን (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. ብትዕግስቲ ዝመጸ የሱስ ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ዝመሰሎ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ብትዕግስቲ ዝመጸ የሱስ ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ መሲልዎ እዩ፡ ኣብ ምድሪ እውን ብትዕግስቲ ተመላሊሱ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንትዕግስቱ ዚፍትን ኵነታት የጋጥሞ ነይሩ እዩ፣ ምናዳ ነቶም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኪዕገሶም ቀሊል ኣይነበረን። (ዮሃ. 8:25-27) ይኹን እምበር፡ የሱስ ከም ኣቦኡ ንቝጥዓ ደንጓዪ እዩ። ምስ ተጸርፈ ወይ ዜቘጥዕ ነገር ምስ ኣጋጠሞ፡ ዓጸፌታ ኣይመለሰን። (1 ጴጥ. 2:23) ንዘጋጠሞ ፈተናታት እውን ከየማረረ እዩ ብትዕግስቲ ተጻዊሩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ “[ነቲ] ተጻራሪ ዘረባ እተጻወረ ኣስተብህሉሉ” ዚብለና። (እብ. 12:2, 3) ንሕና እውን ብሓገዝ የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ዜጋጥመና ፈተና ብትዕግስቲ ኽንጻወር ንኽእል ኢና።

ከም ኣብርሃም ዕጉሳት እንተ ዄንና፡ የሆዋ ሕጂ ዓስብና ኸም ዚህበና፡ ኣብታ ዘተስፈወና ሓዳስ ዓለም እውን ብዝያዳ ኸም ዚባርኸና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ካብ ትዕግስቲ ኣብርሃም እንታይ ንምሃር፧ (እብራውያን 6:15) (ስእሊ እውን ርአ።)

14 ብዛዕባ መወዳእታ ዘሎና ትጽቢት ከምቲ ሓሲብናዮ ዝነበርና እንተ ዘይተፈጸመኸ፧ ምናልባት መወዳእታ ኣቐዲሙ ኺመጽእ ተጸቢና ኔርና ንኸውን። መወዳእታ ኽሳዕ ዚመጽእ ብህይወት ዘይንጸንሕ ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን። እሞ ደኣ ብትዕግስቲ ንምጽባይ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ኣብርሃም ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብርሃም ወዲ 75 ዓመት ከሎ፡ ገና እውን ውሉድ ከይወለደ ኸሎ፡ የሆዋ፡ “ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ . . . እየ” ኢሉ ኣተስፈዎ። (ዘፍ. 12:1-4) እሞ ደኣ ኣብርሃም እቲ ተስፋ እቲ ኺፍጸም ከሎስ ብዓይኑ ርእዩ ድዩ፧ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም ከሎ ኣይረኣዮን። ፈለግ ኤፍራጥስ ምስ ተሳገረ እሞ 25 ዓመት ምስ ተጸበየ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ወዱ ይስሃቅ ኪውለድ ከሎ ረኣየ፣ ድሕርዚ ድሕሪ 60 ዓመት ከኣ እቶም ኤሳውን ያእቆብን ዚብሃሉ ደቂ ደቁ ተወልዱ። (እብራውያን 6:15 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ ዘርኡ ዓብዪ ህዝቢ ኪዀኑን ንምድሪ ተስፋ ኺወርስዋ ኸለዉን ኣይረኣየን። ይኹን እምበር፡ እዚ እሙን ሰብኣይ እዚ ምስ ፈጣሪኡ ናይ ቀረባ ዕርክነት ነበሮ። (ያእ. 2:23) ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ ኸኣ፡ ሳላ እምነቱን ትዕግስቱን ኵሎም ኣህዛብ ከም እተባረኹ ምስ ረኣየ፡ ኣጸቢቑ ኺሕጐስ እዩ! (ዘፍ. 22:18) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ኵሉ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኪፍጸም ከሎ ብኡብኡ ኣይንርእን ንኸውን። ከም ኣብርሃም ዕጉሳት እንተ ዄንና ግና፡ የሆዋ ሕጂ ዓስብና ኸም ዚህበና፡ ኣብታ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ከኣ ኣጸቢቑ ኸም ዚባርኸና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ማር. 10:29, 30

15. ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትና እንታይ ኢና ኽንምርምር እንኽእል፧

15 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብነታት ኪዀኑና ዚኽእሉ ብዙሓት ዕጉሳት ሰባት ተጠቒሶም ኣለዉ። (ያእ. 5:10) እሞ ደኣ ብዛዕባ እዞም ኣብነታት እዚኦም ንምንታይ መጽናዕቲ ዘይትገብር፧ b ንኣብነት፡ ዳዊት ናይ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ብንእስነቱ እኳ እንተ ተቐብአ፡ ንግስና ኽሳዕ ዚውሃቦ ግና ብዙሕ ዓመታት ኪጽበ ነበሮ። ስምኦንን ሃናን ከኣ ነቲ እተተስፈወ መሲሕ እናተጸበዩ ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊሎምዎ እዮም። (ሉቃ. 2:25, 36-38) ኣብዚ ዛንታታት እዚ መጽናዕቲ ኽትገብር ከለኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ርኸበሉ፦ ነዚ ሰብ እዚ ትዕግስቲ ኺገብር ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ዕጉስ ብምዃኑ ብኸመይ ተጠቒሙ፧ ኣነኸ ብኸመይ ክመስሎ እኽእል፧ ብዛዕባ እቶም ትዕግስቲ ዘይገበሩ ሰባት ብምጽናዕ እውን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። (1 ሳሙ. 13:8-14) ብዛዕባኦም ከተጽንዕ ከለኻ፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ፦ ‘ስለምንታይ እዮም ዘይተዓገሱ፧ እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ኣስዒቡሎም፧’

16. ገለ ኻብቲ ትዕግስቲ ዜምጽኦ ጥቕምታት እንታይ ክትጠቅስ ትኽእል፧

16 ትዕግስቲ ዜምጽኦ ጥቕምታት ሕሰበሉ። ዕጉሳት እንተ ዄንና፡ ሕጉሳትን ህዱኣትን ኢና እንኸውን። ስለዚ፡ ትዕግስቲ ንኣእምሮኣውን ንኣካላውን ጥዕናና ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ። ንሰባት እንተ ተዓጊስናዮም፡ ምሳታቶም ዝሓሸ ርክብ እዩ ዚህልወና። ኣብ ጉባኤና ብዝያዳ ሓድነት ይሰፍን። ንቝጥዓ ድንጕያት እንተ ዄንና፡ ዜቘጥዕ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ እቲ ጸገም ኣይጋደድን እዩ። (መዝ. 37:8፡ እ.ጽ.፣ ምሳ. 14:29) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ዕጉሳት እንተ ዄንና፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ንመስሎ፡ ምስኡ እውን ብዝያዳ ንቃራረብ ኢና።

17. እንታይ ንምግባር ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና፧

17 ትዕግስቲ ብሓቂ ጽብቕትን ጠቓሚትን ባህርይ እያ! ትዕግስቲ ምግባር ወትሩ ቐሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብሓገዝ የሆዋ ግና ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸነማዕብላ ንኽእል ኢና። ንሓዳስ ዓለም ብትዕግስቲ ኽንጽበያ ኸለና ኸኣ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ዓይኒ የሆዋ ንዚፈርህዎ፡ ነቶም ብተኣማንነት ንዜርእዮ ፍቕሩ ዚጽበዩ ትሕልዎም” ዚብል ቃላት ከም ዚፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝ. 33:18) እምበኣር፡ ኵላትና ወትሩ ዓቕሊ ንልበስ።

መዝሙር 41 ጸሎተይ ስማዕ

a ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም፡ ትዕግስቲ ጠፊኣ ኣላ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ትዕግስቲ ወይ ዓቕሊ ኽንለብስ ይምዕደና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እዛ ባህርይ ስለምንታይ ኣገዳሲት ከም ዝዀነት፡ ከምኡ እውን ከመይ ጌርና ብዝያዳ ትዕግስቲ ኸነማዕብል ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

b ብዛዕባ ትዕግስቲ ዚሕብር ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ፡ ኣብ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “ስምዒትን ባህርይን ጠባይን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ “ትዕግስትን ዓቕልን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ተወከስ።