ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 36

ግዴታኻ ተሰከም፡ ዝተረፈ ቐንጥጥ

ግዴታኻ ተሰከም፡ ዝተረፈ ቐንጥጥ

“ንዅሉ ኽብደት . . . ንቐንጥጥ፣ ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቕድድም ከኣ ብተጻዋርነት ንጕየ።”—እብ. 12:1

መዝሙር 33 ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ

መላለዪ a

1. ብመሰረት እብራውያን 12:1፡ ኣብቲ ንህይወት ዚግበር ቅድድም ነታ ናይ መወዳእታ መስመር ንምስጋር እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናዊ ህይወት ምስ ቅድድም የመሳስሎ እዩ። እቶም ነታ ናይ መወዳእታ መስመር ብዓወት ዚሰግርዋ ጐየይቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይሽለሙ እዮም። (2 ጢሞ. 4:7, 8) ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ናብታ ናይ መወዳእታ መስመር ስለ ዝቐረብና፡ ጕያና ንዘይምቍራጽ ዚከኣለና ኽንጽዕር ኣሎና። እቲ ንናይ ህይወት ጕያኡ ብዓወት ዝዛዘመ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ቕድድም ዕዉታት ክንከውን ዚሕግዘና ነገር ጠቒሱ ኣሎ። “ንዅሉ ኽብደት . . . ንቐንጥጥ፣ ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቕድድም ከኣ ብተጻዋርነት ንጕየ” ዚብል ማዕዳ ሂቡና ኣሎ።—እብራውያን 12:1 ኣንብብ።

2. “ንዅሉ ኽብደት . . . ንቐንጥጥ” ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

2 ጳውሎስ “ንዅሉ ኽብደት . . . ንቐንጥጥ” ኪብል ከሎ፡ ክርስትያን ኪስከሞ ዚግባእ ዋላ ሓደ ጾር የሎን ማለቱ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን፡ ከምኡ ኣይኰነን ዚብል ነይሩ። የግዳስ፡ ኵሉ ዘየድሊ ኽብደት ነወግድ እዩ ዚብል ነይሩ። እዚ ዓይነት ጾር እዚ ዕንቅፋት ኪዀነናን ኬድክመናን ይኽእል እዩ። ብተጻዋርነት ንምጕያይ፡ ኪጐትተና ዚኽእል ዘበለ ዝዀነ ይኹን ዘየድሊ ጾር ኣለሊና ኸነወግድ ኣሎና። ከምኡ ኽንገብር ከለና ግና፡ ክንስከሞ ዚግባእ ጾር ከነወግድ ኣይንደልን ኢና። እንተ ዘይኰይኑ፡ ካብቲ ቕድድም ክንግለፍ ንኽእል ኢና። (2 ጢሞ. 2:5) እሞ ደኣ እንታይ ጾር ኢና ኽንጸውር ዘሎና፧

3. (ሀ) ብመሰረት ገላትያ 6:5፡ እንታይ ጾር ኢና ባዕልና ኽንጾሮ ዘሎና፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧

3 ገላትያ 6:5 ኣንብብ። ጳውሎስ ክንጾሮ ዚግባእ ጾር ከም ዘሎና ይፈልጥ ነይሩ እዩ። “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ጳውሎስ ኣብዚ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ሓላፍነት ዜሰክመና ጾር እዩ ዜመልክት ነይሩ። ነዚ ባዕልና ኢና ኽንጾሮ ዚግባእ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እቲ ‘ጸጾርና’ ተባሂሉ ዘሎ እንታይ ከም ዜጠቓልል፡ ብኸመይ እውን ክንጾሮ ኸም እንኽእል ክንምርምር ኢና። ብተወሳኺ፡ ተሰኪምናዮ ዘለና ዘየድሊ ኽብደት እንታይ ምዃኑ፡ ነዚ እውን ብኸመይ ከም እንቕንጥጦ ኽንምሃር ኢና። ጸጾርና እንተ ጾይርናን ዘየድሊ ኽብደት እንተ ቐንጢጥናን፡ ነቲ ንህይወት ዚግበር ቅድድም ብዓወት ክንዛዝሞ ኢና።

ክንጾሮ ዚግባእ ጾር

ጾርና ኽንጸውር ኪብሃል ከሎ፡ ንየሆዋ ዝኣቶናሉ መብጽዓ ወፈያና ምሕላው፡ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነታትና ምፍጻም፡ ሳዕቤናት ውሳነታትና እውን ምቕባል የጠቓልል (ሕጡብ ጽሑፍ 4-9 ርአ)

4. መብጽዓ ወፈያና ኸቢድ ጾር ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

4 መብጽዓ ወፈያና። ርእስና ንየሆዋ ኣብ ዝወፈናሉ እዋን፡ ከነምልኾን ፍቓዱ ኽንገብርን ተመባጺዕና ኢና። ነቲ መብጽዓ እቲ ኽንሕልዎ ኣሎና። ወፈያና ሓሊና ምምልላስ ከቢድ ሓላፍነት እዩ፣ ከቢድ ጾር ግና ኣይኰነን። ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ፍቓዱ ኽንገብር ኢሉ እዩ ፈጢሩና። (ራእ. 4:11) ኣብ ውሽጥና መንፈሳዊ ህርፋን ኣስሪጹ ብመልክዑ እዩ ፈጢሩና። ስለዚ፡ ንዕኡ ኽንቀርቦ ንኽእል ኢና፣ ፍቓዱ ምግባር እውን ደስ ይብለና እዩ። (መዝ. 40:8) ብዘይካዚ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብርን ንወዱ ኽንስዕቦን ከለና፡ ‘ንርእስና ዕረፍቲ’ ንረክብ ኢና።—ማቴ. 11:28-30

(ሕጡብ ጽሑፍ 4-5 ርአ)

5. ወፈያኻ ንምፍጻም እንታይ ይሕግዘካ፧ (1 ዮሃንስ 5:3)

5 ነቲ ጾር እቲ ብኸመይ ክትጾሮ ትኽእል፧ ክልተ ነገራት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ቀዳማይ፡ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ ብቐጻሊ ኣሐይል። ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዝገበረልካ ሰናይን ብዛዕባ እቲ ዓቚሩልካ ዘሎ በረኸትን ብምስትንታን፡ ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ እናዓበየ ብዝኸደ መጠን ከኣ፡ ብቐሊሉ ኽትእዘዞ ኢኻ። (1 ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ።) ካልኣይ፡ ንየሱስ ምሰሎ። የሱስ ሓገዝ ንምርካብ ናብ የሆዋ ስለ ዝጸለየ፡ ኣብቲ ዓስቡ እውን ስለ ዘተኰረ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ተዓዊቱ እዩ። (እብ. 5:7፣ 12:2) እምበኣር፡ ከም የሱስ፡ ብርታዐ ንምርካብ ናብ የሆዋ ጸሊ፡ ንተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ኣብ ኣእምሮኻ ንጹር ጌርካ ሓዞ። ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ እናዓበየ ብዝኸደ መጠን፡ ንወዱ እውን እናመሰልካዮ ብዝኸድካ መጠን፡ ወፈያኻ ኽትፍጽም ኢኻ።

6. ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነታትና ኽንጸውር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

6 ሓላፍነታት ስድራ ቤት። ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም፡ ካብ ቤተ ሰብና ንላዕሊ፡ ንየሆዋን ንየሱስን ከነፍቅሮም ኣሎና። (ማቴ. 10:37) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ንናይ ስድራ ቤት ሓላፍነታትና ዕሽሽ ክንብሎ ኣሎና ማለት ኣይኰነን፣ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ባህ ንምባል ዕንቅፋት ከም ዝዀኑና ጌርና ኽንርእዮም የብልናን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ክርስቶስን ተቐባልነት ንምርካብ ኣብ ስድራ ቤት ዘሎና ግደ ኽንፍጽም ኣሎና። (1 ጢሞ. 5:4, 8) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ዝያዳ ሓጐስ ኢና እንረክብ። ስለምንታይሲ፡ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ፍቕርን ኣኽብሮትን ምስ ዚህሉ፡ ወለዲ ንውሉዳቶም ምስ ዜፍቅርዎምን ምስ ዜሰልጥንዎምን፡ ውሉዳት ከኣ ንወለዶም ምስ ዚእዘዝዎም፡ እዚ ነገራት እዚ ኣብ ስድራ ቤት ሓጐስ ከም ዜስፍን ገይሩ እዩ የሆዋ ፈጢሩና።—ኤፌ. 5:33፣ 6:1, 4

(ሕጡብ ጽሑፍ 6-7 ርአ)

7. ኣብ ስድራ ቤት ዘሎካ ግደ ብኸመይ ክትፍጽም ትኽእል፧

7 ነቲ ጾር እቲ ብኸመይ ክትጾሮ ትኽእል፧ ኣብ ስድራ ቤት ዘሎካ ግደ እዚ ይኹን እቲ፡ ኣብ ስምዒት፡ ኣብ ባህሊ፡ ወይ ክኢላታት ኣብ ዚብሃሉ ኣብ ክንዲ እትምርኰስ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ እመኖ። (ምሳ. 24:3, 4) ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትና ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ። ኣብኡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትትግብር ዚገልጽ ግብራዊ ሓሳባት ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብቲ “ንስድራ ቤት” ዚብል ዓምዲ፡ ነቲ ሎሚ ንሰብ ሓዳርን ንወለድን ንመንእሰያትን ዜጋጥሞም ጸገማት ዚኸውን ፍታሕ ይርከብ እዩ። b ዋላ እኳ ስድራ ቤትካ እንተ ዘይተሓባበሩኻ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ተግብሮ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ስድራ ቤትካ ኺጥቀሙ እዮም፡ ንስኻ እውን በረኸት የሆዋ ኽትረክብ ኢኻ።—1 ጴጥ. 3:1, 2

8. ብኸመይ እዩ ውሳነታትና ዚጸልወና፧

8 ውሳነታትና ዜስዕበልና ተሓታትነት። የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡና እዩ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ብምግባር ዚርከብ ጥቕምታት እውን ክንረክብ ይደልየና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሕማቕ ውሳነታት ካብ ዜስዕቦ ሳዕቤናት ኣየዕቍበናን እዩ። (ገላ. 6:7, 8) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሕማቕ ምርጫታት፡ ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ፡ ብታህዋኽ ዚውሰድ ስጕምቲ ዜስዕቦ ሳዕቤናት ንቕበል ኢና። ከከምቲ ዝገበርናዮ ጌጋ ኸኣ ሕልናና የሳቕየና ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ብውሳነታትና ተሓተትቲ ኸም እንኸውን ምፍላጥና፡ ሓጢኣትና ኽንናዘዝ፡ ስሕተትና ኽንእርም፡ ጌጋና እውን ከይንደግም የለዓዕለና እዩ። እዚ ስጕምትታት እዚ ኻብ ቅድድም ህይወት ከይንወጽእ ይሕግዘና እዩ።

(ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)

9. ሕማቕ ውሳነ ድሕሪ ምግባርካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

9 ነቲ ጾር እቲ ብኸመይ ክትጾሮ ትኽእል፧ ነቲ ዝገበርካዮ ሕማቕ ውሳነ ኸተዐርዮ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ነቲ ህሉው ኵነታትካ ተቐበሎ። ንሕሉፍ ክትቅይር ከም ዘይትኽእል እመን። ስለቲ ዝገበርካዮ ሕማቕ ውሳነታት መመኽነይታ ኣብ ምቕራብ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምውቃስ፡ ወይ ንኻልኦት ኣብ ምውቃስ ስምዒታዊ ዀነ ኣእምሮኣዊ ሓይልኻ ኣይተባኽን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ጌጋኻ ተኣመን፡ ኣብቲ ህሉው ኵነታት ከኣ ዚከኣለካ ኽትገብር ጽዓር። ብዛዕባ እቲ ዝገበርካዮ ጌጋ ናይ በደለኛነት ስምዒት እንተ ተሰሚዑካ፡ ብጸሎት ናብ የሆዋ ቕረብ፡ ጌጋኻ ተኣመን፡ ይቕረታ ኺገብረልካ እውን ለምኖ። (መዝ. 25:11፣ 51:3, 4) ነቶም ዝበደልካዮም ይቕረታ ሕተቶም፣ እንተ ኣድልዩ እውን፡ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ድለ። (ያእ. 5:14, 15) ካብ ጌጋታትካ ተምሃር፡ ኣይትድገሞ እውን። ነዚ ነጥብታት እዚ እንተ ዓዪኻሉ፡ የሆዋ ምሕረት ከም ዚገብረልካ፡ ዜድልየካ ሓገዝ እውን ከም ዚህበካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—መዝ. 103:8-13

‘ክንቅንጥጦ’ ዚግባእ ክብደት

10. ዘይከውን ትጽቢታት ከቢድ ጾር ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ገላትያ 6:4)

10 ዘይከውን ትጽቢታት። ገዛእ ርእስና ምስ ካልኦት ከነወዳድር ከለና ዘይከውን ትጽቢታት ስለ እነሕድር፡ እዚ ኸቢድ ጾር ኪዀነና ይኽእል እዩ። (ገላትያ 6:4 ኣንብብ።) ወትሩ ንርእስና ምስ ካልኦት ነወዳድር እንተ ዄንና፡ ክንቀንእ ወይ ክንተሃላለኽ ንኽእል ኢና። (ገላ. 5:26) ከምቲ ኻልኦት ዚረኽብዎ ኽንርከብ ኢልና፡ ካብ ዓቕምና ወይ ካብ ኵነታትና ንላዕሊ ኽንመጣጠር ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ‘እተናውሐ ትጽቢት ልቢ ዜሕምም’ ካብ ኰነ፡ ዘይፍጸም ትጽቢት ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ንልብና ዘየቝስሎ! (ምሳ. 13:12) እዚ ንሓይልና ኺጽንቅቖ፡ ኣብቲ ንህይወት እንገብሮ ቕድድም ከኣ ኪጐትተና ይኽእል እዩ።—ምሳ. 24:10

11. ዘይከውን ትጽቢታት ምእንቲ ኸይትገብር እንታይ ኪሕልወካ ይኽእል፧

11 ነዚ ኽብደት እዚ ብኸመይ ትቕንጥጦ፧ ካብቲ የሆዋ ዚሓትቶ ንላዕሊ ኻብ ገዛእ ርእስኻ ኣይትጸበ። የሆዋ ዘይብልካ ነገር ክትህብ ኣይጽበየካን እዩ። (2 ቈረ. 8:12) ነቲ እትገብሮ እውን ምስ ናይ ካልኦት ኣየነጻጽሮን እዩ። (ማቴ. 25:20-23) ነቲ ንስኻ ብምሉእ ነፍስኻ እተቕርበሉ ኣገልግሎትን ተኣማንነትን ተጻዋርነትን ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ዕድመኻን ኵነታትካን ጥዕናኻን ኪድርተካ ኸም ዚኽእል ብትሕትና ተቐበሎ። ብሰንኪ ናይ ጥዕና ጸገም ወይ እርጋን ገሊኡ ሓላፍነታት ምቕባል ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ ከምቲ ባርዚላይ ዝገበሮ፡ ነቲ ፍሉይ መሰል እቲ ኣይትቀበሎ። (2 ሳሙ. 19:35, 36) ከምቲ ሙሴ ዝገበሮ ኸኣ፡ ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ መዳይ ሓገዝ ተቐበል፣ ገሊኡ ሓላፍነታት እውን ንኻልኦት ኣካፍሎም። (ዘጸ. 18:21, 22) በዚ ኸምዚ፡ ዓቕምኻ ፈሊጥካ ትመላለስ እንተ ዄንካ፡ ኣብቲ ንህይወት ዚግበር ቅድድም ኬድክመካ ዚኽእል ዘይከውን ትጽቢታት ኣይክትገብርን ኢኻ።

12. ካልኦት ብዝገበርዎ ሕማቕ ውሳነታት ንሕና ዲና ተሓተትቲ፧ ግለጽ።

12 ካልኦት ብዝገበርዎ ሕማቕ ውሳነታት ዚስምዓና ተሓታትነት። ንኻልኦት ውሳነ ኽንገብረሎም ኣይንኽእልን ኢና፣ ካብቲ ሕማቕ ውሳነታቶም ዜስዕበሎም ሳዕቤናት እውን ከነዕቍቦም ኣይንኽእልን ኢና። ንኣብነት፡ ሓደ ውሉድ ንየሆዋ ምግልጋል ኪሓድጎ ይኽእል እዩ። እዚ ውሳነ እዚ ንወለዱ ብዙሕ ኬጕህዮም ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ በቲ ውሉዶም ዝገበሮ ሕማቕ ውሳነ ገዛእ ርእሶም ዚወቕሱ ወለዲ፡ ከቢድ ጾር እዮም ዚስከሙ ዘለዉ። የሆዋ ነዚ ኸቢድ ጾር እዚ ኺጾርዎ ኣይጽበዮምን እዩ።—ሮሜ 14:12

13. ውሉድ ሕማቕ ውሳነ ኺገብር ከሎ፡ ወላዲ እንታይ እዩ ኺገብር ዚኽእል፧

13 ነዚ ኽብደት እዚ ብኸመይ ትቕንጥጦ፧ የሆዋ ንዅላትና ናይ ምምራጽ ናጽነት ከም ዝሃበና ኣሚንካ ተቐበል። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ መምርጫኡ ኺገብር ሓዲግዎ እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ሓደ ሰብ ንዕኡ ንምግልጋል ወይ ንዘይምግልጋል ኪውስን ይኽእል እዩ። ንስኻ ፍጹም ወላዲ ዘይምዃንካ፡ የሆዋ ይፈልጥ እዩ፣ ዚከኣለካ ኽትገብር ጥራይ እዩ ዚደሊ። ውሉድካ ዚገብሮ ውሳነ ናቱ ሓላፍነት ደኣ እዩ እምበር፡ ናትካ ኣይኰነን። (ምሳ. 20:11) ኰይኑ ግና፡ በቲ ኸም ወላዲ መጠን ዝገበርካዮ ጌጋታት ትጭነቕ ትኸውን። ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ስምዒትካ ንየሆዋ ግለጸሉ፡ ይቕረ ኺብለልካ እውን ለምኖ። ናብ ሕሉፍ ግዜ ኽትምለስ ከም ዘይትኽእል፡ ነቲ ዝዀነ እውን ክትቅይሮ ኸም ዘይትኽእል ይፈልጥ እዩ። ብተወሳኺ እውን፡ ንውሉድካ ዝዘርኦ ኸም ዘይዓጽድ ክትገብሮ ኣይጽበየካን እዩ። ውሉድካ ናብ የሆዋ ኺምለስ ጻዕሪ እንተ ገይሩ፡ ንሱ ተሓጒሱ ኸም ዚቕበሎ ኣይትረስዕ።—ሉቃ. 15:18-20

14. መጠን ዝሓለፈ በደለኛነት ክንቅንጥጦ ዚግባእ ክብደት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

14 መጠን ዝሓለፈ በደለኛነት። ክንሓጥእ ከለና፡ በደለኛነት እንተ ተሰምዓና ንቡር እዩ። መጠን ዝሓለፈ በደለኛነት ግና፡ ክንጾሮ ዘይግባእ ክብደት እዩ። ነዚ ኽብደት እዚ ኽንቅንጥጦ ኣሎና። ናይ በደለኛነት ስምዒትና መጠኑ ኸም ዝሓለፈ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ሓጢኣትና እንተ ተናዚዝናን እንተ ተነሲሕናን ንዘይምድጋሙ ስጕምቲ እንተ ወሲድናን፡ የሆዋ ይቕረ ኸም ዚብለልና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። (ግብ. 3:19) እዚ ስጕምትታት እዚ ድሕሪ ምውሳድና፡ የሆዋ ብቐጻሊ በደለኛታት ከም ዝዀንና ዀይኑ ኺስምዓና ኣይደልን እዩ። ቀጻሊ ስምዒት በደለኛነት ክሳዕ ክንደይ ጐዳኢ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይፈልጥ እዩ። (መዝ. 31:10) ብጓሂ እንተ ተዋሒጥና፡ ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ክንሕለል ንኽእል ኢና።—2 ቈረ. 2:7

ካብ ልቢ ድሕሪ ምንሳሕካ፡ የሆዋ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ብቐጻሊ ኣይሓስብን እዩ፣ ንስኻ እውን ከምኡ ኣይትግበር (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. መጠን ብዝሓለፈ በደለኛነት ምእንቲ ኸይትሳቐ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ (1 ዮሃንስ 3:19, 20) (ስእሊ እውን ርአ።)

15 ነዚ ኽብደት እዚ ብኸመይ ትቕንጥጦ፧ መጠን ብዝሓለፈ በደለኛነት እንተ ተሳቒኻ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዚህቦ “ናይ ሓቂ ይቕረታ” ኣተኵር። (መዝ. 130:4) ነቶም ብሓቂ ዚንስሑ ይቕረ ኺብለሎም ከሎ፡ “ሓጢኣቶም . . . ደጊም ኣይክዝክርን እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩ እዩ። (ኤር. 31:34) እዚ ድማ የሆዋ በቲ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝፈጸምካዮ ሓጢኣት ተሓታቲ ኸም ዘይገብረካ የመልክት። ስለዚ፡ ነቲ ሓጢኣትካ ዘስዓቦ ሳዕቤናት፡ ይቕረ ኸም ዘይበለልካ ዜርኢ መርትዖ ጌርካ ኣይትርኣዮ። ብሰንኪ ሕሉፍ ጌጋታትካ፡ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸተበርክቶ እትኽእል ስለ እተደረተ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣይትቕጻዕ። የሆዋ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ብቐጻሊ ኣይሓስብን እዩ፣ ንስኻ እውን ከምኡ ኣይትግበር።—1 ዮሃንስ 3:19, 20 ኣንብብ።

ክትዕወት ኢልካ ጕየ

16. ኣብ ጕያና እንታይ ኢና ኸነለሊ ዘሎና፧

16 ኣብ ቅድድም ህይወት ክንጐዪ ኸለና፡ ‘ምእንቲ ኽንዕወት’ ኢልና ኽንጐዪ ኣሎና። (1 ቈረ. 9:24) ኣብ መንጎ እቲ ኽንስከሞ ዘሎና ጾርን ኣብ መንጎ እቲ ኸነወግዶ ዘሎና ኽብደትን ዘሎ ፍልልይ እንተ ፈሊጥና፡ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እንታይ ክንጸውርን እንታይ ከነወግድን ከም ዘሎና ሒደት ኣብነታት ርኢና ኢና። ካልእ ኪጥቀስ ዚኽእል ነገራት ግና ኣሎ። ንኣብነት፡ የሱስ “ምብዛሕ ብልዕን ምብዛሕ መስተን ጭንቀት ናብራን ንልብኹም ከይከብዶ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ሉቃ. 21:34) እዛ ጥቕሲ እዚኣን ካልእ ጥቕስታትን ኣብቲ ቕድድም ህይወት ክንገብሮ ዚግባእ ምትዕርራያት ከነለሊ ይሕግዘና እዩ።

17. ኣብቲ ንህይወት ዚግበር ቅድድም ከም እንዕወት ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

17 የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ብርታዐ ስለ ዚህበና፡ ኣብቲ ንህይወት ዚግበር ቅድድም ከም እንዕወት ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 40:29-31) ስለዚ፡ ፍጥነትካ ኣይትነኪ! ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ንዝነበረ ሽልማት ንምርካብ ዚከኣሎ ዝገበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ምሰሎ። (ፊል. 3:13, 14) ካልእ ሰብ ምእንታኻ ኺጐዪ ኣይክእልን እዩ። ብሓገዝ የሆዋ ግና ክትዕወት ትኽእል ኢኻ። ጾርካ ንምጻርን ዘየድሊ ኽብደት ንምቕንጣጥን የሆዋ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። (መዝ. 68:19) የሆዋ ምሳኻ ስለ ዝዀነ፡ ኣብቲ ቕድድም ብተጻዋርነት ክትጐዪን ክትዕወትን ትኽእል ኢኻ!

መዝሙር 65 ንገስግስ!

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብቲ ንህይወት ዚግበር ቅድድም ክንጐዪ ትሕግዘና። ጐየይቲ ስለ ዝዀንና፡ እተወሰነ ጾር ክንስከም ኣሎና። ገለ ኻብዚ፡ መብጽዓ ወፈያና፡ ሓላፍነታት ስድራ ቤትና፡ ውሳነታትና ዜስዕበልና ተሓታትነት ኪጥቀስ ይከኣል። ኪጐትተና ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ዘየድሊ ኽብደት ግና ክንቅንጥጥ ኣሎና። እዚ ነገራት እዚ እንታይ የጠቓልል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነዚ ሕቶ እዚ ኽትምልሶ እያ።

b እቲ “ንስድራ ቤት” ዚብል ዓምዲ ኣብ jw.org ኪርከብ ይከኣል። ገለ ኻብቲ ኣብኡ ዚርከብ ዓንቀጻት እዚ ዚስዕብ ኪጥቀስ ይከኣል፦ ንሰብ ሓዳር፡ “ኣኽብሮት ብኸመይ ከም እተርኢ፡” ከምኡ እውን “ከመይ ጌርካ ሞሳኻ ኸም እትገልጽ”፣ ንወለዲ፡ “ንቘልዑ ግቡእ ኣጠቓቕማ ሞባይል ብኸመይ ከም እትምህሮም፡” ከምኡ እውን “ምስ ዝባጽሐ ውሉድካ ብኸመይ ከም እትዘራረብ”፣ ንመንእሰያት፡ “ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ፡” ከምኡ እውን “ንጽምዋ ብኸመይ ከም እትጻወሮ።