ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

1923—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት

1923—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት

ናይ 1 ጥሪ 1923 መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ብዛዕባ ዓመተ 1923 ዘሎና ኣመለኻኽታ ብሓቂ ዜተባብዕ እዩ” ዚብል ቃላት ሒዛ ወጸት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ነዛ . . . ኣብ ትሕቲ ጭቈና ዘላ ዓለም ምምስካር፡ ዝሓሸ እዋን ከም ዚመጽእ ድማ ንሰባት ምንጋር ዓብዪ መሰል እዩ” በለት። በታ ዓመት እቲኣ፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣምልኾኦም ኰነ ኣብ ዕዮ ስብከቶም ለውጥታት ገበሩ። እዚ ዘፍረዮ ሓድነት ድማ፡ ክሳዕ ሕጂ መለለዪ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዀይኑ ኣሎ።

ሰሙናዊ ኣኼባታት ዘፍረዮ ሓድነት ኣምልኾ

ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን መዝሙራትን ዝሓዘ ዓውደ ኣዋርሕ

ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ውድብና ኣብ መንጎ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓድነት ዜደልድል እተወሰነ ለውጥታት ገበረት። ነቲ ኣብ ሰሙናዊ ዚግበር ኣኼባ ጸሎትን ውዳሰን ምስክርነትን ዚኸውን ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት እተዋህበ ሓሳባት ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኺሕተም ጀመረ። ብተወሳኺ፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዓውደ ኣዋርሕ ኣሕተሙ፣ እቲ ዓውደ ኣዋርሕ ከኣ፡ ንሰሰሙን እተመደበ ቕዱስ ጽሑፍ፡ ከምኡ እውን ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትን ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትን ዚዝመር መዝሙራት ዝሓዘ ነበረ።

ኣብ ኣኼባታት፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ “ምስክርነት” የቕርቡ ነበሩ፣ እዚ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዝረኸብዎ ተመክሮ፡ ንየሆዋ ዘለዎም ምስጋና፡ መዝሙር፡ ወይ እውን ጸሎት ዜጠቓልል ነበረ። ብ1923 ጓል 15 ዓመት ከላ እተጠምቀት ኢቫ ባርኒ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ምስክርነት ክትህብ እንተ ደሊኻ፡ ደው ኢልካ፡ ‘ስለቲ ዅሉ ዝገበረለይ ሰናይ ንጐይታ ኸመስግኖ እደሊ እየ’ ብምባል ኢኻ ዘረባኻ እትጅምር።” ገሊኦም ኣሕዋት ምስክርነት ምሃብ ይፈትዉ ነይሮም እዮም። ምስዚ ዚተሓሓዝ፡ ሓብትና ባርኒ ኣስዕብ ኣቢላ ኸምዚ በለት፦ “እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ፍቑር ሓውና ጎድዊን ንጐይታ ዜመስግነሉ ብዙሕ ነገራት ነይርዎ። ሰበይቱ ግና፡ እቲ ነቲ ኣኼባ ዚመርሕ ሓው ኬዕለብጥ ምስ ረኣየት፡ ብኽዳኑ ስሕብ ተብሎ እሞ ኾፍ ይብል ነበረ።”

ሓንሳእ ኣብ ወርሒ፡ ኣብ ኵለን ጉባኤታት ፍሉይ ኣኼባ ጸሎትን ውዳሰን ይግበር ነበረ። ናይ 1 ሚያዝያ 1923 ግምቢ ዘብዐኛ ነዚ ኣኼባ ኸምዚ ዚስዕብ ኢላ ትገልጾ፦ “ፍርቂ እቲ ኣኼባ ነቲ ምስ ዕዮ ኣገልግሎት ኰነ ንዓየይቲ ምስ ምትብባዕን ተኣሳሲሩ ዚውሃብ ምስክርነት ኪውፈ ኣለዎ። . . . እዚ ብተግባር ዚርአ ሓድነት ንኣሕዋት ከም ዜቀራርቦም ንኣምን ኢና።”

ሽዑ ወዲ 19 ዓመት ዝነበረ፡ ኣብ ቫንኩቨር ካናዳ ኣስፋሒ ጉባኤ ዝነበረ ቻርለስ ማርቲን ካብዚ ኣኼባታት ብዙሕ ተጠቒሙ እዩ። ደሓር ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ገሊጹ ኣሎ፦ “ኣብ በቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት እንታይ ከም ዝብል ኣብዚ እየ ተማሂረ። ብዛዕባ እቲ ኣብ በቤት ዚግበር ኣገልግሎት ብዙሕ ተመክሮታት ንሰምዕ ኔርና ኢና። እዚ ድማ እንታይ ከም ዝብልን ንእተፈላለየ ተቓውሞታት ብኸመይ ምላሽ ከም ዝህብን ሓሳብ ሂቡኒ እዩ።”

ዕዮ ስብከት ዘፍረዮ ሓድነት ኣምልኾ

ናይ 1 ግንቦት 1923 ቡለቲን

“መዓልትታት ኣገልግሎት” እውን ንውድባዊ ሓድነት ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ናይ 1 ሚያዝያ 1923 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ ዚብል ምልክታ ሒዛ ወጸት፦ “ብተግባር ሓድነት ምእንቲ ኺህሉ፡ ሰሉስ 1 ግንቦት 1923 ንሓፈሻዊ መዓልቲ ኣገልግሎት ተወፍያ ኣላ። ድሕሪኡ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ወወርሒ እትመጽእ ቀዳመይቲ ሰሉስ፡ መዓልቲ ኣገልግሎት ክትከውን እያ። . . . ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ኣብዚ ዕዮ እዚ እጃም ኪህልዎ ኣለዎ።”

ዋላ እውን መንእሰያት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ዕዮ እዚ ይሳተፉ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጓል 16 ዓመት ዝነበረት ሄዘል በርፎርድ ከምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ብኣእምሮና ኸነጽንዖ እንኽእል ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ኣብታ ቡለቲን ይወጽእ ነበረ። a ምስ ኣቦሓጎይ ሓቢረ ኣብ ኵሉ እዚ ንጥፈታት እዚ ብዉዕዉዕ ስምዒት ተሳቲፈ እየ።” ይኹን እምበር ንሓብትና በርፎርድ ካብ ዘይተጸበየቶ ኣንፈት ተቓውሞ ኣጋጠማ። ብዛዕባኡ ኸምዚ ብምባል ተዘንቱ፦ “ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ፍቑር ሓውና፡ ኣነ ንሰባት ከዛርብ ከም ዘይብለይ ብምጥቃስ ብጽኑዕ ተቓውሞኡ ገለጸ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኵሎም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንተላይ ‘ኣጕባዝን ጐራዙትን’ ነቲ ዓብዪ ፈጣሪና ኣብ ምውዳስ ኪሳተፉ ኸም ዚግባእ ገሊኦም ኣይተረድኡን ነይሮም።” (መዝ. 148:12, 13) ይኹን እምበር፡ ሓብትና በርፎርድ ስብከታ ኣየቋረጸትን። ደሓር ድማ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተማህረት፡ ኣብ ፓናማ ድማ ሚስዮናዊት ኰይና ኣገልገለት። እቶም ዚቃወሙ ዝነበሩ ኣሕዋት እውን ብዛዕባ እቲ መንእሰያት ኣብ ኣገልግሎት ኪህልዎም ዚግባእ ተሳትፎ ዝነበሮም ኣረኣእያ ኣዐረዩ።

ዓበይቲ ኣኼባታት ዘፍረዮ ሓድነት ኣምልኾ

ዓበይቲ ኣኼባታት እውን ኣብ ኣሕዋት ሓድነት ፈጢሩ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ እዚ ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ንኣገልግሎት እተመደበ መዓልትታት ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ኣብ ዊኒፐግ ካናዳ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ 31 መጋቢት “ፍልይቲ መዓልቲ ደብዳብ ዊኒፐግ” ተባሂላ ተሰየመት፣ ኣብኡ ድማ ኵሎም ኣኼበኛታት ኣብቲ ስብከት ኪሳተፉ ጻውዒት ቀረበሎም። ከምዚ ዝኣመሰለ መዓልቲ ኣገልግሎት ንመጻኢ መሰረት ኣንጺፉ እዩ። ብ5 ነሓሰ ኣብ ዊኒፐግ ኣብ እተገብረ ኻልእ ኣኼባ ኣስታት 7,000 ሰባት ተኣከቡ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካብቲ ኣብ ካናዳ እተገብረ ዓበይቲ ኣኼባታት እዚ ዝለዓለ ቝጽሪ ተኣከብቲ እተመዝገበሉ እዩ ነይሩ።

ካብቲ ህዝቢ የሆዋ ብ1923 ዝገበርዎ ዓበይቲ ኣኼባታት፡ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኣኼባ፡ ካብ 18-26 ነሓሰ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ፡ ካሊፎርንያ እዩ ተገይሩ። ኣብቲ ቕድሚ ኣኼባ ዝነበረ ሰሙናት ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ዚገልጽ መዋዓውዒ ኣብ ጋዜጣታት ወጸ፣ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ልዕሊ 500,000 መዐደሚ ዓደሉ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ዜዋዓውዕ ፖስተራት ኣብ ህዝባዊ መጕዓዝያን ኣብ ናይ ውልቂ መካይንን ተለጢፉ ነበረ።

ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ብ1923 እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ

ቀዳም 25 ነሓሰ፡ ሓውና ራዘርፎርድ “ኣባጊዕን ኣጣልን” ዘርእስቱ መደረ ኣቕረበ። ኣብቲ መደረኡ ድማ፡ እቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዚነብሩ ናይ ጽድቂ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ምስ “ኣባጊዕ” ከም ዚምደቡ ብንጹር ገለጸ። “መጠንቀቕታ” ዘርእስቱ መግለጺ ሓባራዊ ውሳነ እውን ኣንበበ። እዚ መግለጺ ሓባራዊ ውሳነ ንህዝበ ክርስትያን ዚዅንን ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ከኣ ካብ “ዓባይ ባቢሎን” ኪወጹ ዚምሕጸን እዩ ነይሩ። (ራእ. 18:2, 4) ድሕርዚ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ብቕንኣት ዜገልግሉ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓባራዊ ውሳነ ዝሓዘ ሚልዮናት ቅዳሓት ዓዲሎም እዮም።

“እዚ ብተግባር ዚርአ ሓድነት ንኣሕዋት ከም ዜቀራርቦም ንኣምን ኢና”

ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እቲ ዓብዪ ኣኼባ፡ እቶም ልዕሊ 30,000 ተኣከብቲ ነቲ ሓውና ራዘርፎርድ ዘቕረቦ፡ “ኵሎም ኣህዛብ ናብ ኣርማጌዶን ይግስግሱ ኣለዉ፣ እንተዀነ ግና፡ ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ሚልዮናት ፈጺሞም ኣይኪሞቱን እዮም” ዘርእስቱ ህዝባዊ መደረ ሰምዑ። እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዮም ብዙሓት ተኣከብቲ ኺመጹ ትጽቢት ስለ ዝገበሩ፡ ነቲ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ሓድሽ እተሃንጸ ስታድዩም ተኻረይዎ። ኵሉ ሰብ ነቲ ኣኼባ ምእንቲ ኺሰምዖ ኸኣ፡ ኣሕዋት በቲ ናይቲ ስታድዩም መጕልሒ ድምጺ ተጠቕሙ። እዚ ኣብቲ ግዜ እቲ ሓድሽ ተክኖሎጂ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣኼባ እቲ ብረድዮ ሰሚዖምዎ እዮም።

ናብ ካልኦት ሃገራት ሰፍሐ

ብ1923 ዕዮ ስብከት ኣብ ህንድን ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ደቡብ ኣመሪካን ሰፍሐ። ኣብ ህንዲ ኣዳቪማናቱ ጆሴፍ ንሰበይቱን ንሹዱሽተ ደቁን እናናበየ፡ ብቛንቋ ሂንዲን ታሚልን ተሉጉን ኡርዱን ዚዳሎ ጽሑፋት ኣብ ምድላው ይነጥፍ ነበረ።

ዊልያም ብራውንን ስድራ ቤቱን

ኣብ ሰራ ልዮን ዝነበሩ ኣልፍረድ ጆሴፍን ለናርድ ብላክማንን ዚብሃሉ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ደብዳበ ብምጽሓፍ ሓገዝ ሓተቱ። ብ14 ሚያዝያ 1923 ንሕቶኦም ምላሽ ረኸቡ። ኣልፍረድ ብዛዕባ እዚ ኼዘንቱ ኸሎ፡ “ሓደ ቐዳም ምሸት ከይተጸበኽዎ ተሌፎን ተደዊላትኒ” ይብል። ሽዑ ድማ፡ “ናብ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብምጽሓፍ ሰበኽቲ ኺመጹ ዝሓትተካ ንስኻ ዲኻ፧” ዚብል ብርቱዕ ድምጺ ሰምዐ። ንሱ ድማ፡ “እወ” ኢሉ መለሰ። እቲ ደዋሊ ኸኣ፡ “እሞ ንዓይ ሰዲዶምኒ” በሎ። እቲ ደዋሊ፡ ሓውና ዊልያም ብራውን እዩ ነይሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣንቶንያ ምስ እትብሃል ሰበይቱን ልዊስን ሉሲን ምስ ዚብሃላ ደቁን እዩ ኻብ ካሪበያ መጺኡ። ድሕርዚ፡ እቶም ኣሕዋት ምስቶም ናብቲ ዓዲ ዝመጹ ስድራ ቤት ንምርኻብ ነዊሕ ኪጽበዩ ኣየድለዮምን።

ኣልፍረድ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዛንታኡ ይቕጽል፦ “ንጽብሒቱ፡ ኣነን ለናርድን ሰሙናዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናገበርና ኸለና፡ ሓደ ነዊሕ ሰብኣይ ናብ ኣፍ ደገና መጸ። ሓውና ብራውን እዩ ነይሩ። ንሓቂ ብርቱዕ ቅንኣት ስለ ዝነበሮ፡ ንጽብሒቱ ህዝባዊ መደረ ኬቕርብ ደለየ።” ሓውና ብራውን ንዅሉ እቲ ሒዝዎ ዝመጸ ጽሑፋት ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን ዓደሎ። ነዊሕ ከይጸንሐ 5,000 መጻሕፍቲ ተላእከሉ። ድሕርዚ እውን ነዊሕ ከይጸንሐ ተወሳኺ መጻሕፍቲ ተላእከሉ። ኰይኑ ግና፡ ሓውና ብራውን ከም ሸያጢ መጻሕፍቲ ኣይኰነን ዝፍለጥ ነይሩ። ኣብ ብምሉኡ እቲ ንየሆዋ ብቕንኣት ብምግልጋል ዘሕለፎ ነዊሕ ዓመታት ኣብ መደረታቱ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ይጠቅስ ብምንባሩ፡ ባይብል ብራውን ዚብል ስም እዮም ኣውጺኦምሉ።

ብ1920ታት ኣብ ማግደበርግ ዝነበረ ቤት-ኤል

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ባርመን ጀርመን ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንኣሕዋት ስለ ዝጸበቦም፡ ፈረንሳ ነታ ኸተማ ኸም እትወርራ እውን ወረ ስለ ዝሰምዑ፡ ናብ ካልእ ኪግዕዙ ሓሰቡ። ንዕዮ ሕትመት ዚኸውን ኣብ ማግደበርግ ዚርከብ ህንጻ እውን ረኸቡ። ብ19 ሰነ ድማ ንዅሉ እቲ መሳርሒ ሕትመትን ካልእ ኣቕሑን ጠርኒፎም ናብቲ ኣብ ማግደበርግ ዚርከብ ሓድሽ ቤት-ኤል ገዓዙ። ጽባሕ እቲ ብዛዕባ እቲ ምግዓዝ ንዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት እተሓበረሉ መዓልቲ፡ ፈረንሳ ንኸተማ ባርመን ከም እተቘጻጸረታ ኣብ ጋዜጣታት ወጸ። ኣሕዋት ድማ፡ እዚ በረኸትን ዕቝባን የሆዋ ምንባሩ ኣስተውዓሉ።

ጆርጅ ያንግ ምስ ሳራ ፈርጉሰንን (የማን) ሓብታን

ኣብ ብራዚል እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ ብዙሕ ጕዕዞ ዚገብር ዝነበረ ጆርጅ ያንግ ሓድሽ ጨንፈር ኣቘመ። ንመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኸኣ ብቛንቋ ፖርቱጋልኛ ኼሕትማ ጀመረ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ልዕሊ 7,000 ጽሑፋት ኣበርከተ። ንሱ ናብ ብራዚል ምምጻኡ ንሳራ ፈርጉሰን ዜሐጕስ ኣጋጣሚ ኸፈተላ። ንሳ ኻብ 1899 ኣትሒዛ ግምቢ ዘብዐኛ ተንብብ ነበረት፣ ርእሳ ኸም ዝወፈየት ኣብ ማይ ብምጥማቕ እተርእየሉ ኣጋጣሚ ግና ኣይረኸበትን። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ግና፡ ሓብትና ፈርጉሰን ምስ ኣርባዕተ ደቃ ነዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኽትወስድ ከኣለት።

“ብታሕጓስ ንቕድሚት ንገስግስ”

እታ ዓመት እናተዛዘመት ምስ ከደት እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓድነት ዜቕርብዎ ኣምልኾ ዘሕደሮ ጽልዋ፡ ኣብ ናይ 15 ታሕሳስ 1923 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ተጠቕሰ፦ “ጉባኤታት ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዅነታት ከም ዘለዋ ብቐሊሉ ኺርአ ይከኣል እዩ። . . . እምበኣር፡ ኣጽዋርና ንተዓጠቕ፡ ብሓድሽ ቅንኣትን ቈራጽነትን ከኣ ኣብዛ ኣብ ቅድሜና ዘላ ዓመት ብታሕጓስ ንቕድሚት ንገስግስ።”

እታ እትቕጽል ዓመት እውን ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲት ዓመት እያ ነይራ። ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ኣብቲ ኣብ ጥቓ እቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ስታተን ኣይላንድ ዚርከብ መሬት ንኣዋርሕ እዮም ኪዓይዩ ጸኒሖም። ድሕርዚ፡ እቲ ኣብኡ እተሃንጸ ህንጻታት ኣብ መጀመርታ 1924 ተዛዘመ። ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ኸኣ ኣብ ሕውነትና ሓድነት ኣምጽአ፡ ነቲ ብስራት እውን ዘርግሖ።

ሰራሕተኛታት ህንጸት ኣብ ስታተን ኣይላንድ

a ሕጂ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ ትብሃል።