ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 44

ንቓል ኣምላኽ ብዅሉ ሸነኹ መርምሮ

ንቓል ኣምላኽ ብዅሉ ሸነኹ መርምሮ

“ግፍሑን ንውሓቱን ቍመቱን ዕምቈቱን እንታይ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ [ኣስተውዕሉ።]ኤፌ. 3:18

መዝሙር 95 እቲ ብርሃን እናበርሀ ይኸይድ ኣሎ

መላለዪ a

1-2. ንመጽሓፍ ቅዱስ እተንብበሉን እተጽንዓሉን ብሉጽ መገዲ እንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

 ገዛ ኽትዕድግ ትሓስብ ኣለኻ ንበል። ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ፡ እንታይ ክትርኢ ምደለኻ፧ ነታ ገዛ ብሸነኽ ቅድሚታ እተሳእለ ስእሊ ጥራይዶ መዕገበካ፧ መሸም ነታ ገዛ ብኣካል ክትርእያ፡ ንዅሉ ኽፍልታታ ኽትምርምሮ፡ ብዅሉ ሸነኻ እውን ክትርእያ ምደለኻ። እታ ገዛ ብኸመይ ከም እተሃንጸት ንምፍላጥ እውን፡ ምናልባት ነቲ ንድፋ ምመርመርካዮ። ኰታስ፡ ነታ ናይ መጻኢ ቤትካ ብዅሉ ሸነኻ ምረኣኻያ።

2 መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብን ከነጽንዕን ከለና እውን፡ ተመሳሳሊ ነገር ክንገብር ንኽእል ኢና። ሓደ መወከሲ ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ “ሓደ ነዊሕ ግምብታትን ዓሚቝ መሰረታትን ዘለዎ ኣዝዩ ሰፊሕ ህንጻ” ኣመሳሲልዎ ኣሎ። እሞ ደኣ ንዅሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓበሬታ ኸመይ ጌርና ኢና ኽንፈልጦ እንኽእል፧ ብቕልጡፍ ላዕሊ ላዕሉ እንተ ኣንቢብካዮ፡ “ነቲ መባእታዊ ነገራት እቲ ቕዱስ ቃል ኣምላኽ” ተባሂሉ ዘሎ መሰረታዊ ሓቅታት ጥራይ ኢኻ እትፈልጥ። (እብ. 5:12) ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ ንሓንቲ ገዛ ኽትምርምር ከለኻ እትገብሮ፡ ነቲ ዕቑር ሃብቱ ንምፍላጥ ናብ “ውሽጢ” እቶ። ንመጽሓፍ ቅዱስ እነጽንዓሉ ሓደ ብሉጽ መገዲ፡ እተፈላለየ ኽፋሉ ብኸመይ ንሓድሕዱ ኸም ዚተሓሓዝ ብምምርማር እዩ። እምበኣር፡ እቲ እትኣምነሉ ሓቅታት እንታይ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስለምንታይ ከም እትኣምነሉ እውን ክትርዳእ ጽዓር።

3. ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ እንታይ ኪገብሩ እዩ ተማሕጺንዎም፧ ስለምንታይከ፧ (ኤፌሶን 3:14-19)

3 ንቓል ኣምላኽ ብዅሉ ሸነኹ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ዓሚቝ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንፈልጥ ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ቃል ኣምላኽ “ግፍሑን ንውሓቱን ቍመቱን ዕምቈቱን እንታይ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ምስትውዓል” ምእንቲ ኪኽእሉ፡ ብትግሃት ኬጽንዕዎ ተማሕጺንዎም እዩ። ከምኡ እንተ ገይሮም ከኣ፡ ኣብ እምነቶም ሱር ይሰድዱን ይስረቱን እዮም። (ኤፌሶን 3:14-19 ኣንብብ።) ንሕና እውን ከምኡ ኢና ኽንገብር ዘሎና። እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሃብቲ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ከመይ ጌርና ኽንምርምሮ ኸም እንኽእል ንርአ።

ዓሚቝ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ መርምር

4. ንየሆዋ ብዝያዳ ምእንቲ ኽንቀርቦ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ ኣብነታት ሃብ።

4 ብመሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኣይንዓግብን ኢና። ብሓገዝ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ “ንመዓሙቝ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ” ኽንፈልጦ ንህንጠ ኢና። (1 ቈረ. 2:9, 10) እሞ ደኣ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ዜኽእለካ ብሕታዊ መጽናዕቲ ስለምንታይ ዘይትጅምር፧ ንኣብነት፡ ንጥንታውያን ኣገልገልቱ ዘለዎ ፍቕሪ ብኸመይ ከም ዝገለጸን ንዓኻ ዘለዎ ፍቕሪ ብኸመይ ከም ዜርእን ክትምርምር ትኽእል ኢኻ። ነቲ የሆዋ ኣብ እስራኤል ዝሰርዖ ስርዓት ኣምልኾ ኽትምርምሮ፡ ምስዚ ሎሚ ኣብ ስርዓት ክርስትና ዘሎ እውን ከተነጻጽሮ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድራዊ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ እተፈጸመ ትንቢታት ብዕምቈት ከተጽንዕ ትኽእል ኢኻ።

5. ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትኻ ምርምር ክትገብረሉ እትደሊ እንታይ ርእሰ ነገር ኣሎ፧

5 ንገሊኦም ትጉሃት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብብሕቶም ኣብ ቃል ኣምላኽ እንታይ ዓሚቝ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርምሩ ኸም ዚደልዩ ሕቶታት ኣቕሪብናሎም ኢና። ገለ ኻብቲ ዝሃብዎ መልስታት፡ ኣብዛ “ ንብሕታዊ መጽናዕቲ ዚኸውን ርእሰ ነገራት” ዘርእስታ ሳጹን ተዘርዚሩ ኣሎ። ነዚ ርእሰ ነገራት እዚ ብሓገዝ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌርካ እንተ ኣጽኒዕካዮ፡ ብዙሕ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ዓሚቝ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ጌርካ፡ እምነትካ ኺድልድል እዩ፡ “ፍልጠት ኣምላኽ እውን ክትረክብ ኢኻ።” (ምሳ. 2:4, 5) እምበኣር፡ ሕጂ ገለ ኻብቲ ዓሚቝ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንመርምር።

ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ኣስተንትን

6. (ሀ) ኣብ መንጎ መደብን ዕላማን እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧ (ለ) የሆዋ ንሰብን ንምድርን ዘለዎ ዕላማ “ናይ ዘለኣለም” ኪብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (ኤፌሶን 3:11)

6 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ። መሸም፡ ኣብ መንጎ መደብን ዕላማን ፍልልይ ኣሎ። መደብ ኪብሃል ከሎ፡ ናብቲ ኽትበጽሖ ዝደለኻ ዚመርሕ ብዝርዝር ዝሰፈረ ውጥን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ መገዲ ዕንቅፋት እንተ ኣጋጢሙ፡ እቲ መደብ ኪፈሽል ይኽእል እዩ። ዕላማ ግና ኣብቲ መዓልቦ እዩ ዜተኵር። ኣበይ ክንበጽሕ ከም ዝደለና ብልክዕ ንፈልጦ ኢና፣ እቲ ናብኡ ንምብጻሕ እንጕዓዘሉ መገዲ ግና ውሱን ኣይኰነን። ከከም ኣድላይነቱ ኺቀያየር ይኽእል እዩ። እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ በብደረጃኡ ‘ናይ ዘለኣለም ዕላማኡ’ ገሊጹልና እዩ። (ኤፌ. 3:11) ‘ኵሉ ንዕላማኡ ስለ ዚገብሮ፡’ እንተ በዚ እንተ በቲ፡ ኵሉ ሳዕ ይዕወት እዩ። (ምሳ. 16:4) እቲ የሆዋ ዚገብሮ ድማ ንዘለኣለም እዩ ዚነብር። እሞ ደኣ ዕላማ የሆዋ እንታይ እዩ፧ ዕላማኡ ንምፍጻምከ እንታይ ምትዕርራያት እዩ ገይሩ፧

7. እቶም ቀዳሞት ሰባት ምስ ዓለዉ፡ የሆዋ ዕላማኡ ንምውቃዕ እንታይ ምትዕርራይ እዩ ገይሩ፧ (ማቴዎስ 25:34)

7 ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰባት እንታይ ዕላማ ኸም ዘለዎ ኺገልጽ ከሎ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ግዝእዋን፣ . . . ኵሉ ህያው ፍጡር . . . ከኣ ግዝኡ” በሎም። (ዘፍ. 1:28) ኣዳምን ሄዋንን ምስ ዓለዉ እሞ ሓጢኣት ናብ ደቂ ሰብ ምስ ኣተወ፡ ዕላማ የሆዋ ኣይፈሸለን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ዕላማኡ ዚወቕዓሉ መገዲ ኣዐረየ። ብኡብኡ ነቲ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዘለዎ ናይ መጀመርታ ዕላማ እትፍጽም ሰማያዊት መንግስቲ ኬቕውም ወሰነ። (ማቴዎስ 25:34 ኣንብብ።) ብግዜኡ ድማ፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ነቲ በዅሪ ወዱ ናብ ምድሪ ለኣኾ። ወዱ ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ንምምሃርን ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዜውጽእ በጃ ንምዃንን እዩ ናብ ምድሪ መጺኡ። ድሕርዚ፡ የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ንምግዛእ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ናብ ሰማይ ከደ። እንተዀነ ግና፡ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ገና ብዙሕ ክንምሃሮ እንኽእል ነገራት ኣሎ።

ነቲ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዚነብሩ ዅሎም ኣስተውዓልቲ ፍጡራት በቲ ንየሆዋ ዘለዎም ተኣማንነት ሓድነት ዚረኽቡሉ እዋን እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ! (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)

8. (ሀ) ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ኤፌሶን 1:8-11 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ዕላማ የሆዋ እንታይ እዩ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

8 ቀንዲ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምርግጋጽ ሓቅነት ስም የሆዋ እዩ፣ ነዚ ድማ በታ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ንምፍጻም ዚጥቀመላ ክርስቶስ ዝገዛኢኣ መንግስቱ ኣቢሉ እዩ ዚፍጽሞ። ዕላማ የሆዋ ኣይቅየርን እዩ፣ ንዕላማኡ ኸም ዚፍጽሞ ውሕስነት ኣትዩልና እዩ። (ኢሳ. 46:10, 11፡ እ.ጽ.፣ እብ. 6:17, 18) ምድሪ፡ ፍጹማትን ጻድቃንን ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ‘ንዘለኣለም ዚነብሩላ’ ገነት ክትከውን እያ። (መዝ. 22:26) ዕላማ የሆዋ ግና ካብዚ እውን ዝሰፍሐ እዩ። እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ዕላማኡ፡ ኣብ መንጎ ዅሎም እቶም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዚነብሩ ኣስተውዓልቲ ፍጡራት ሓድነት ከም ዚህሉ ምግባር እዩ። ድሕሪኡ፡ ኵሎም እቶም ብተኣማንነት ዚመላለሱ፡ ንየሆዋ ኸም ልዑላዊ ጐይታኦም ኪግዝእዎ እዮም። (ኤፌሶን 1:8-11 ኣንብብ።) እሞኸ እቲ የሆዋ ንዕላማኡ ዚፍጽመሉ መገድስ ዜደንቕ ደይኰነን፧

ብዛዕባ መጻኢኻ ሕሰብ

9. ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ናብ መጻኢ ኽሳዕ መዓስ ኢና ኽንርኢ እንኽእል፧

9 እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ዚርከብ የሆዋ ኣብ ገነት ኤደን እተዛረቦ ትንቢት እስከ ንርአ። b እቲ ትንቢት እቲ ምስ ምፍጻም ዕላማኡ ምትሕሓዝ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት እዩ ዚገልጽ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ድሕሪ ብዙሕ ወለዶታት ሓደ ኻብ ዘርኡ ክርስቶስ ከም ዚኸውን ነገሮ። (ዘፍ. 22:15-18) ድሕሪኡ፡ ብ33 ድ.ክ.፡ ከምቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፡ የሱስ ሸዀናኡ ተነኽሰ። (ግብ. 3:13-15) እቲ ኣብቲ ትንቢት ኣብ መወዳእታ ዚፍጸም ነገር፡ ማለት ምጭፍላቕ ርእሲ ሰይጣን፡ ገና ልዕሊ 1,000 ዓመት እዩ ተሪፍዎ ዘሎ። (ራእ. 20:7-10) ብዘይካዚ፡ ኣብ መንጎ ስርዓት ሰይጣንን ውድብ የሆዋን ዘሎ ጽልኢ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ምስ በጽሐ እንታይ ከም ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ።

10. (ሀ) ኣብ ቀረባ ግዜ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ (ለ) ኣእምሮናን ልብናን ብኸመይ ከነዳሉ ንኽእል፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

10 ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ ንምድሪ ዜናውጽ ፍጻመታት እሞ ሕሰብ። ፈለማ፡ ኣህዛብ “ሰላምን ደሓንን!” ኢሎም ኪእውጁ እዮም። (1 ተሰ. 5:2, 3) ሽዑ፡ “ብድንገት” ኣህዛብ ኣብ ልዕሊ ዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት መጥቃዕቲ ምስ ፈነዉ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺጅምር እዩ። (ራእ. 17:16) ድሕሪኡ፡ “ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን ብደበናታት ሰማይ ኪመጽእ ከሎ” ተኣምራዊ ትርኢት ኪርአ እዩ። (ማቴ. 24:30) ሽዑ የሱስ ነተን ኣባጊዕ ካብ ኣጣል ኪፈላሊ፡ ማለት ንደቂ ሰብ ኪፈርዶም እዩ። (ማቴ. 25:31-33, 46) እዚ ኪኸውን ከሎ ግና፡ ሰይጣን ስቕ ኢሉ ኣይኪርእን እዩ። ብጽልኢ ተደሪኹ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ ተባሂሎም እተጸውዑ ዝሰመሩ ኣህዛብ ብምልዕዓል ኣብ ልዕሊ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ መጥቃዕቲ ኺፍኑ እዩ። (ህዝ. 38:2, 10, 11) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ተረፍ ቅቡኣት ምስ ክርስቶስን ምስቶም ኣብቲ ውግእ ኣርማጌዶን ዚሳተፉ ሰማያውያን ሓይልታትን ንምሕባር ናብ ሰማይ ኪእከቡ እዮም፣ እቲ ውግእ ድማ መወዳእታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ። c (ማቴ. 24:31፣ ራእ. 16:14, 16) ድሕሪኡ፡ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺጅምር እዩ።—ራእ. 20:6

ንቢልዮናት ዓመታት ብዛዕባ የሆዋ ምስ ተምሃርካ፡ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኽትቀርቦ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ናይ ዘለኣለም ህይወት ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

11 ሕጂ ናብ መጻኢ ኣርሒቕካ ጠምት። ፈጣሪና ‘ንዘለኣለማውነት ኣብ ልብና ኸም ዘንበሮ’ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (መክ. 3:11) እዚ ንዓኻን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብን እንታይ ማለት ከም ዝዀነ እሞ ሕሰብ። ኣብታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 319 ከምዚ ዚብል ኣገዳሲ ሓሳብ ተጠቒሱ ኣሎ፦ “ኣማእታት፡ ኣሽሓት፡ ሚልዮናት፡ አረ ቢልዮናት ዓመታት እውን ከይተረፈ ምስ ነበርና፡ ብዛዕባ የሆዋ ኻብቲ ሕጂ እንፈልጦ ዘሎና ነገራት ዝያዳ እናፈለጥና ኽንከይድ ኢና። ይኹን እምበር፡ ገና ኽንፈልጦ ዘሎና ሓያሎ ነገራት ከም ዘሎ እውን እናተገንዘብና ኽንከይድ ኢና። . . . ዘለኣለማዊ ህይወት ካብቲ ኽንግምቶ እንኽእል ንላዕሊ ምሉእ ትርጉምን እተፈላለየ መቐረትን ዘለዎ ውህበት እዩ። እቲ ኣዝዩ ዜሕጕስ ዚገብሮ ኸኣ ወትሩ ናብ የሆዋ እናቐረብና ስለ እንነብር እዩ።” እሞ ደኣ ኽሳዕ ሽዑ ኣብ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ እንታይ ክንምርምር ንኽእል፧

ናብ ሰማያት ጠምት

12. ከመይ ጌርና ኢና ናብ ሰማያት ክንጥምት እንኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

12 ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ “ኣብ ላዕሊ” ዚነብር የሆዋ እተወሰነ ይገልጽ እዩ። (ኢሳ. 33:5) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኽፋል ውድቡን ዜደንቕ ነገራት ይሕብረና እዩ። (ኢሳ. 6:1-4፣ ዳን. 7:9, 10፣ ራእ. 4:1-6) ንኣብነት፡ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ዝረኣዮ ዜፍርህ ነገራት ኪገልጽ ከሎ፡ “ሰማያት ተኸፍተ፡ ኣነ እውን ራእያት ኣምላኽ ረኣኹ” ኢሉ እዩ።—ህዝ. 1:1

13. እቲ ኣብ እብራውያን 4:14-16 ተገሊጹ ዘሎ የሱስ ኣብ ሰማያት ዘለዎ ግደ እንታይ ስምዒት እዩ ዚፈጥረልካ፧

13 ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ሰማያት ንጉስን ዚድንግጸልና ሊቀ ኻህናትን ኰይኑ ዚዓይዮ ዕዮ እሞ ንሕሰብ። ብእኡ ኣቢልና ናብ ናይ ኣምላኽ “ዝፋን ጸጋ” ብጸሎት ክንቀርብ እሞ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበልን “ብግዜኡ” ዚረድኣና ምእንቲ ኽንረክብን ክንልምን ንኽእል ኢና። (እብራውያን 4:14-16 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋን የሱስን ኣብ ሰማያት ኰይኖም ዝገበሩልናን ዚገብሩልና ዘለዉን ነገራት መዓልቲ መዓልቲ ነስተንትን። እቲ ንዓና ዘለዎም ፍቕሪ ንልብና ኣጸቢቑ ኺትንክዮ ኣለዎ፣ ኣብ ኣገልግሎትናን ኣብ ኣምልኾናን እውን ብቕንኣት ንምምልላስ ኪድርኸና ኣለዎ።—2 ቈረ. 5:14, 15

ንሰባት መሰኻኽር የሆዋን ደቀ መዛሙርቲ የሱስን ኪዀኑ እንተ ሓጊዝካዮም፡ እዚ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚፈጥረልካ ሓጐስ እሞ ገምቶ! (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ሓደ ኻብቲ ንየሆዋን ንየሱስን ዘሎና ሞሳ እንገልጸሉ ብሉጽ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

14 ሓደ ኻብቲ ንኣምላኽን ንወዱን ሞሳና እነርእየሉ ብሉጽ መገድታት፡ ንሰባት መሰኻኽር የሆዋን ደቀ መዛሙርቲ የሱስን ኪዀኑ ብምሕጋዝ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቲ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ዘለዎ ምስጋና ተላዒሉ ኸምኡ እዩ ገይሩ። የሆዋ፡ “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን [ከም] ዚደሊ” ጳውሎስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (1 ጢሞ. 2:3, 4) “ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን” ኢሉ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት ንብዙሓት ሰባት ንምሕጋዝ ዚከኣሎ ጽዒሩ እዩ።—1 ቈረ. 9:22, 23

ንቓል ኣምላኽ ብምምርማር ደስ ይበልካ

15. ብመሰረት መዝሙር 1:2፡ እንታይ እዩ ሕጉሳት ከም እንኸውን ዚገብረና፧

15 እቲ ንመዝሙር 1 ዝጸሓፋ ዘማሪ፡ ‘ብሕጊ የሆዋ ንዚድሰት፡ ነቲ ሕጉ እውን መዓልትን ለይትን ንዜስተንትነሉ ሰብ’ ሕጉስ ከም ዚኸውን፡ ኣሳልጦ እውን ከም ዚረክብ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (መዝ. 1:1-3፣ እ.ጽ.) ጆሴፍ ሮተርሃም ዚብሃል ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ ስታዲስ ኢን ዘ ሳልምስ ኣብ እትብሃል መጽሓፉ ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ፡ ሰብ “ብመለኮታዊ መምርሒ ኣዝዩ ባህ ዚብሎ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ነቲ መምርሒ ኼናድዮን ኪፈልጦን ንነዊሕ ግዜ ኺሓስበሉን” ከም ዘለዎ ይገልጽ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ ሓደ ኣንባቢ መጽሓፍ ቅዱስ “ነታ ብዛዕባ ጥበብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነጸረ ግንዛበ ኸይረኸበ እተምልጦ መዓልቲ ኸም ዝባኸነት ኪቘጽራ” ኸም ዚኽእል ሓቢሩ ኣሎ። እምበኣር፡ ንዅሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሃብቲ ዀነ ንሓድሕዱ ዘለዎ ምትእስሳር ብምጽናዕ ደስ ኪብለካ ይኽእል እዩ። ንቓል ኣምላኽ ብዅሉ ሸነኹ ምምርማርሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!

16. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

16 እቲ የሆዋ ኣብ ቃሉ ዚምህረና ውቁብ ሓቅታት፡ ክንርድኦ ዘይንኽእል ነገር ኣይኰነን። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ሓደ ኻብዚ ዓሚቝ ሓቅታት ክንምርምር ኢና። ነታ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ክርስትያናት ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቲ ዝገለጻ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ኽንምርምራ ኢና። በዚ ምርምር እዚ ኸኣ፡ ደስ ኪብለካ ንምነየልካ።

መዝሙር 94 ንኣምላኽ ስለቲ ቓሉ ነመስግኖ

a መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሉእ ህይወትና ናብ ሰማያዊ ኣቦና እናኣቕረበና ዚኸይድ ባህ ዜብልን ጠቓምን ንጥፈት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ‘ግፍሕን ንውሓትን ቍመትን ዕምቈትን’ ቃል ኣምላኽ ብኸመይ ክንምርምር ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

b ኣብ ናይ ሓምለ 2022 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንዓኻ ዚጸሉ ጥንታዊ ትንቢት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

c ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዚመጽእ ዘሎ ንምድሪ ዜናውጽ ፍጻመታት ብኸመይ ክትዳሎ ኸም እትኽእል ንምፍላጥ፡ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 230 ርአ።