ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 45

ነቲ ኣብ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ናይ ምምላኽ ፍሉይ መሰልካ ኣኽቢርካ ርኣዮ

ነቲ ኣብ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ናይ ምምላኽ ፍሉይ መሰልካ ኣኽቢርካ ርኣዮ

“ነቲ ሰማይን ምድርን . . . ዝገበረ ኣምልኽዎ።”ራእ. 14:7

መዝሙር 93 ኣኼባና ባርኸልና

መላለዪ a

1. ሓደ መልኣኽ እንታይ ይብል ኣሎ፧ እዚኸ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

 መልኣኽ እንተ ዚዛረበካስ፡ ምሰማዕካዮዶ፧ ሎሚ፡ ሓደ መልኣኽ “ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ይዛረቦም ኣሎ። እንታይከ ይብል ኣሎ፧ “ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ክብሪ እውን ሃብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን . . . ዝገበረ ኣምልኽዎ” ይብል ኣሎ። (ራእ. 14:6, 7) እቲ ዅሎም ኬምልኽዎ ዚግባእ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ የሆዋ ጥራይ እዩ። እምበኣር፡ ኣብታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደሱ ኸነምልኾ ኽቡር ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፈተልና፡ ኣዚና ኸነመስግኖ ይግባእ።

2. እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ እንታይ እያ፧ (“ እንታይ ከም ዘይኰነት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

2 እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ብልክዕ እንታይ እያ፧ ብዛዕባኣ ዚገልጽ ዝርዝር ነጥብታትከ ኣበይ ክንረክብ ንኽእል፧ እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ፡ ቃል ብቓሉ ህንጻ ኣይኰነትን። የግዳስ፡ ነቲ ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ የሱስ ቅቡል ኣምልኾ ንምቕራብ የሆዋ ዝሰርዖ መሰናድዎ እያ እተመልክት። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ መሰናድዎ እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ይሁዳ ናብ ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት ዝጸሓፎ መልእኽቲ ገሊጽዎ ኣሎ። b

3-4. ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት እንታይ ነገራት እዩ ኣተሓሳሲብዎ፧ ብኸመይከ እዩ ዝሓገዞም፧

3 ጳውሎስ ነታ ኣብ ይሁዳ ናብ ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት ዝለኣኻ መልእኽቱ ስለምንታይ እዩ ጽሒፍዋ፧ ክልተ ቐንዲ ምኽንያት ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ቀዳማይ፡ ኬተባብዖም ኢሉ እዩ። ስለምንታይሲ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት እዮም ዓብዮም። ክርስትያናት ምስ ኰኑ፡ እቶም ናይ ቀደም መራሕቲ ሃይማኖቶም ኣላጊጾምሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ክርስትያናት ንኣምላኾም ዜምልኹሉ ውቁብ ቤተ መቕደስ ኣይነበሮምን፣ መስዋእቲ ዚስውኡሉ ብዓይኒ ዚርአ መሰውኢ ኣይነበሮምን፣ ኣገልግሎት ዜቕርቡ ኻህናት እውን ኣይነበርዎምን። እዚ ድማ ንደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪድህሎም፡ ንእምነቶም እውን ኬዳኽማ ይኽእል ነይሩ እዩ። (እብ. 2:1፣ 3:12, 14) ገሊኦም እሞ ኸኣ ናብ ኣይሁድነት ኪምለሱ ተፈቲኖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

4 ካልኣይ፡ ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ክርስትያናት፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ “ዕጹም ብልዒ” ተባሂሉ ዘሎ ሓድሽ ወይ ዓሚቝ መንፈሳዊ ትምህርትታት ኪርድእዎ ጻዕሪ ይገብሩ ኸም ዘይነበሩ ሓቢርዎም እዩ። (እብ. 5:11-14) ገሊኦም ገና ሕጊ ሙሴ ይስዕቡ ነይሮም እዮም። ስለዚ ጳውሎስ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ መስዋእትታት ምሉእ ብምሉእ ሓጢኣት ኬርሕቕ ከም ዘይክእል ገለጸሎም። በቲ ምኽንያት እቲ ድማ፡ እቲ ሕጊ “ተሳዒሩ እዩ” በሎም። ድሕርዚ፡ ዓሚቝ መንፈሳዊ ሓቅታት መሃሮም። ብመሰረት እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ብሓቂ ‘ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡሉ ዚኽእሉ ዚሓይሽ ተስፋ’ ኸም ዘለዎም እውን ኣዘኻኸሮም።—እብ. 7:18, 19

5. ኣብ መጽሓፍ እብራውያን ዚርከብ እንታይ ሓበሬታ ኢና ኽንርድኦ ዜድልየና፧ ስለምንታይከ፧

5 ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ኣሕዋቱ፡ እቲ ዜቕርብዎ ክርስትያናዊ ኣምልኾ ኻብቲ ኣቐዲሞም ዜቕርብዎ ዝነበሩ ኣምልኾ ስለምንታይ ኣጸቢቑ ኸም ዚበልጽ ገለጸሎም። እቲ ኣብ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዝነበረ ነገራት “ነቲ ዚመጽእ ጽላሎቱ እዩ፣ እቲ ናይ ሓቂ ግና ክርስቶስ እዩ።” (ቈሎ. 2:17) ጽላሎት፡ ድነ ናይ ሓደ ነገር ዚፈጥሮ ዘይንጹር ምስሊ ደኣ እዩ እምበር፡ ናይ ሓቂ ኣይኰነን። እቲ ናይ ጥንቲ ስርዓት ኣምልኾ ኣይሁድ እውን፡ ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ናይ ሓቂ ነገር እዩ። ሓጢኣትና ምእንቲ ኺሕደገልና እሞ ቕቡል ኣምልኾ ምእንቲ ኸነቕርብ፡ ነቲ የሆዋ ዝገበረልና መሰናድዎ ኽንርድኦ ኣሎና። ስለዚ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ እብራውያን ተገሊጹ ዘሎ ትምህርቲ፡ ነቲ “ጽላሎት” (ጥንታዊ ስርዓት ኣይሁድ) ምስቲ “ናይ ሓቂ” (ኣምልኾ ክርስትና) ነነጻጽሮ። በዚ ኸምዚ፡ ነታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስን ንሳ ንዓና ብኸመይ ከም እትምልከተናን ብዝሓሸ ኽንርዳእ ኢና።

ማሕደር

6. እቲ ማሕደር ንምንታይ እዩ ዜገልግል ነይሩ፧

6 ጥንታዊ ስርዓት። ጳውሎስ ኣብቲ ሙሴ ብ1512 ቅ.ክ. ዘቘሞ ማሕደር ተመርኲሱ እዩ መግለጺ ሂቡ። (“ጥንታዊ ስርዓት—ናይ ሓቂ ዝዀነ ኣምልኾ ክርስትና” ዘርእስቱ ሰሌዳ ርአ።) እቲ ኣብዚ ማሕደር ተባሂሉ ዘሎ፡ እስራኤላውያን ኣብ ፈለማ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ሒዞምዎ ዚንቀሳቐሱ ዝነበሩ ድንኳን እዩ ነይሩ። ኣብ የሩሳሌም ቀዋሚት ቤተ መቕደስ ክሳዕ እትህነጽ ከኣ፡ ዳርጋ ን500 ዓመት ኣገልጊሉ እዩ። (ዘጸ. 25:8, 9፣ ዘሁ. 9:22) እዚ “ድንኳን ምርኻብ” እዚ፡ እስራኤላውያን ናብ ኣምላኽ ዚቐርቡሉ፡ መስዋእቶምን ኣምልኾኦምን እውን ዜቕርቡሉ ማእከል እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 29:43-46) እንተዀነ ግና፡ እቲ ማሕደር ነቲ ንክርስትያናት እተሰርዓሎም ኣጸቢቑ ዝዓበየ ነገር ዜመልክት እውን እዩ ነይሩ።

7. እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ መዓስ እያ ቘይማ፧

7 ናይ ሓቂ ዝዀነ ኣምልኾ ክርስትና። እቲ ናይ ጥንቲ ማሕደር ‘ጽላሎት እቲ ሰማያዊ ነገራት’ እዩ ነይሩ፣ ነታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ዜመልክት እውን እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ነዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዛ ድንኳን [ወይ፡ ማሕደር] እዚኣ ነዚ እዋን እዚ ምሳሌ እያ” በለ። (እብ. 8:5፣ 9:9) ስለዚ፡ ናብ እብራውያን ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ንክርስትያናት ናይ ሓቂ ዀይናትሎም፡ ማለት ድሮ ቘይማ ነይራ እያ። እታ ቤተ መቕደስ ብ29 ድ.ክ. እያ ቘይማ፣ በታ ዓመት እቲኣ፡ የሱስ ተጠምቀ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐብአ፡ ናይ የሆዋ “ዓብዪ ሊቀ ኻህናት” ኰይኑ ኸኣ ኣብታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኬገልግል ጀመረ። cእብ. 4:14፣ ግብ. 10:37, 38

ሊቀ ኻህናት

8-9. ብመሰረት እብራውያን 7:23-27፡ ኣብ መንጎ እቶም ሊቃነ ኻህናት እስራኤልን ኣብ መንጎ እቲ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን እንታይ ሰፊሕ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧

8 ጥንታዊ ስርዓት። ሊቀ ኻህናት ኪብሃል ከሎ፡ ንህዝቢ ወኪሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚቐርብ ሰብ እዩ ነይሩ። ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሊቀ ኻህናት፡ ኣሮን እዩ ነይሩ፣ እቲ ማሕደር ኣብ እተመረቐሉ እዋን ከኣ እዩ ብየሆዋ ተሸይሙ። ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ ግና፡ “ከምኡ ኢሎም ከይቅጽሉ ሞት ይዓግቶም ብምንባሩ፡ . . . ብዙሓት እናተተኻኽኡ ኻህናት ይዀኑ ነይሮም እዮም።” d (እብራውያን 7:23-27 ኣንብብ።) እቶም ሊቀ ኻህናት ኰይኖም ዘገልገሉ ሰባት ዘይፍጹማት ብምንባሮም ከኣ፡ ንርእሶም መስዋእቲ የቕርቡ ነይሮም እዮም። ኣብ መንጎ እቶም ናይ እስራኤል ሊቃነ ኻህናትን እቲ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን ዝነበረ ሰፊሕ ፍልልይ እምበኣር እዚ እዩ።

9 ናይ ሓቂ ዝዀነ ኣምልኾ ክርስትና። የሱስ ክርስቶስ ከም ሊቀ ኻህናት መጠን፡ “ናይታ ሰብ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ዝተኸላ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ” እዩ። (እብ. 8:1, 2) ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ንዘለኣለም ስለ ዚነብር፡ ዘይትካእ ክህነት ኣለዎ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ የሱስ “ዘይረኸሰን ካብ ሓጥኣን እተፈልየን” ምዃኑ ገለጸ። ዘይከም ሊቃነ ኻህናት እስራኤል ድማ፡ ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ “መዓልቲ መዓልቲ መስዋእቲ ኬቕርብ ኣየድልዮን እዩ” በለ። ቀጺልና፡ ምስ መሰውኢታትን መስዋእትታትን ብዚተሓሓዝ ኣብ መንጎ እቲ ጥንታዊ ስርዓትን ኣብ መንጎ እቲ ናይ ሓቂ ዝዀነ ኣምልኾ ክርስትናን ዘሎ ፍልልይ ንርአ።

መሰውኢታትን መስዋእትታትን

10. እቲ ኣብ መሰውኢ ነሓሲ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ናብ ምንታይ ዜመልክት ነበረ፧

10 ጥንታዊ ስርዓት። ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር፡ ንየሆዋ መስዋእቲ እንስሳታት ዚቐርበሉ መሰውኢ ነሓሲ ነበረ። (ዘጸ. 27:1, 2፣ 40:29) እዚ መስዋእትታት እዚ ግና፡ ነቶም ህዝቢ ኻብ ሓጢኣቶም ምሉእ ሕድገት ዜምጽእ ኣይነበረን። (እብ. 10:1-4) እቲ ኣብቲ ማሕደር ዚቐርብ ዝነበረ ቐጻሊ መስዋእትታት ናብቲ ንደቂ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ዚብጀዎም ሓደ መስዋእቲ ዜመልክት ነበረ።

11. የሱስ ኣብ ምንታይ መሰውኢ እዩ ገዛእ ርእሱ መስዋእቲ ገይሩ ዘቕረበ፧ (እብራውያን 10:5-7, 10)

11 ናይ ሓቂ ዝዀነ ኣምልኾ ክርስትና። የሱስ ብየሆዋ ናብ ምድሪ እተላእከሉ ምኽንያት፡ ሰብኣዊ ህይወቱ ምእንቲ ደቂ ሰብ በጃ ኼሕልፍ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (ማቴ. 20:28) ስለዚ፡ ኣብ እዋን ጥምቀቱ፡ የሆዋ ዚደልዮ ዘበለ ንምፍጻም፡ ገዛእ ርእሱ ኣቕረበ። (ዮሃ. 6:38፣ ገላ. 1:4) በዚ ኸምዚ፡ ኣብቲ ብመሰውኢ እተመሰለ “ፍቓድ” ኣምላኽ ገዛእ ርእሱ ኣቕረበ፣ ፍቓድ ኣምላኽ ድማ ወዱ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ኺስውእ እዩ ነይሩ። የሱስ ነቶም ብእኡ ዚኣምኑ ኻብ ሓጢኣቶም ንምትዕራቕ፡ ወይ ሓጢኣቶም ንሓዋሩ ንምሽፋን፡ “ሓንሳእ ንሓዋሩ” እዩ ተሰዊኡ። (እብራውያን 10:5-7, 10 ኣንብብ።) ቀጺልና፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕደር ዝነበረ ነገራት እስከ ንመርምር።

ቅድስትን ቅድስተ ቕዱሳንን

12. ናብተን ኣብቲ ማሕደር ዝነበራ ኽልተ ኽፍልታት መን እዩ ኺኣቱ ዚኽእል ዝነበረ፧

12 ጥንታዊ ስርዓት። እታ ማሕደርን እታ ደሓር ኣብ የሩሳሌም እተሃንጸት ቤተ መቕደስን ተመሳሳሊ መሰረታዊ ንድፊ እዩ ነይርወን። ኣብ ውሽጠን፡ ብጥሉፍ መጋረጃ እተኸፍላ ኽፍልታት ነበራ፣ ንሳተን ድማ፡ እታ ሓንቲ፡ “ቅድስቲ፡” እታ ኻልአይቲ ድማ “ቅድስተ ቕዱሳን” ይብሃላ ነበራ። (እብ. 9:2-5፣ ዘጸ. 26:31-33) ኣብ ውሽጢ እታ ቕድስቲ፡ ቀዋሚ ቐንዴል ወርቅን መሰውኢ ዕጣንን ሰደቓ እንጌራ ምርኣይን ነበረ። ናብታ ቕድስቲ፡ “ቅቡኣት ካህናት” ጥራይ እዮም ኣገልግሎት ንምፍጻም ኪኣትዉ ዚፍቀደሎም ዝነበረ። (ዘሁ. 3:3, 7, 10) ኣብታ ቕድስተ ቕዱሳን፡ የሆዋ ኣብኡ ኸም ዘሎ ዜመልክት ታቦት ኪዳን ወርቂ ነበረ። (ዘጸ. 25:21, 22) ናብታ ቕድስተ ቕዱሳን፡ ሊቀ ኻህናት ጥራይ እዩ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ነቲ መጋረጃ ሓሊፉ ኺኣቱ ዚፍቀደሉ ዝነበረ። (ዘሌ. 16:2, 17) ኣብ ዓዓመት፡ ብዛዕባ ሓጢኣቱን ብዛዕባ ሓጢኣት ብዘሎ እቲ ህዝብን ኬተዓርቕ ኢሉ ደም እንስሳታት ሒዙ ይኣቱ ነበረ። ኣብ መወዳእታኡ፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ናይ ሓቂ ትርጉም እቲ ኣብቲ ማሕደር ዚግበር ዝነበረ ነገራት ንጹር ገበሮ።—እብ. 9:6-8 e

13. እተን ኣብቲ ማሕደር ዝነበራ ቕድስትን ቅድስተ ቕዱሳንን ኣብቲ ናይ ሓቂ ዝዀነ ኣምልኾ ክርስትና ንምንታይ እየን ዜመልክታ፧

13 ናይ ሓቂ ዝዀነ ኣምልኾ ክርስትና። ቍጽሮም ውሱን ዝዀነ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኦም ኣለዉ፣ ንሳቶም ከኣ ምስ የሆዋ ፍሉይ ርክብ ኣለዎም። እዞም 144,000 ኣብ ሰማያት ምስ የሱስ ካህናት ኰይኖም እዮም ዜገልግሉ። (ራእ. 1:6፣ 14:1) እታ ኣብቲ ማሕደር እትርከብ ቅድስቲ ነቲ እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ምድሪ ብመንፈስ ምስ ተወልዱ ደቂ ኣምላኽ ዚዀኑሉ ዅነት እያ እተመልክት። (ሮሜ 8:15-17) እታ ኣብቲ ማሕደር እትርከብ ቅድስተ ቕዱሳን ከኣ ነቲ የሆዋ ዚነብረሉ ሰማይ እያ እተመልክት። እቲ ንቕድስቲ ኻብ ቅድስተ ቕዱሳን ዚፈሊ “መጋረጃ” ድማ፡ ነቲ የሱስ ከም ዓብዪ ሊቀ ኻህናት እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ መጠን ናብ ሰማይ ከይኣቱ ዚዓግቶ ዝነበረ ስጋኡ እዩ ዜመልክት። የሱስ ንስጋኡ ምእንቲ ደቂ ሰብ መስዋእቲ ኪኸውን ብምሃቡ፡ ንዅሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ናብ ሰማያዊ ህይወት ኪኣትዉ መገዲ ኸፊቱሎም እዩ። ንሳቶም እውን ሰማያዊ ዓስቦም ንምርካብ፡ ስጋኦም ሓዲጎም ኪኸዱ ኣለዎም። (እብ. 10:19, 20፣ 1 ቈረ. 15:50) የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኣተወ፣ ውዒሎም ሓዲሮም፡ ኵሎም ቅቡኣት ኣብኡ ኺሓብርዎ እዮም።

14. ብመሰረት እብራውያን 9:12, 24-26፡ ነታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ብልጽቲ ዚገብራ እንታይ እዩ፧

14 ኣብዚ ድማ እቲ የሆዋ ብመሰረት መስዋእታዊ በጃን ክህነትን የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንንጹህ ኣምልኾ ዝገበሮ መሰናድዎ ብሉጽ ምዃኑ ብንጹር ክንርኢ ንኽእል ኢና። እቲ ኣብ እስራኤል ዜገልግል ዝነበረ ሊቀ ኻህናት ደም እንስሳታት ሒዙ ብኢድ ናብ እተሰርሐት ቅድስተ ቕዱሳን እዩ ዚኣቱ ነይሩ፣ የሱስ ግና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምእንቲ ኺርኣየልና ኢሉ ናብቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ ዝዀነ “ሰማይ” እዩ ኣትዩ። ኣብኡ ኸኣ “ብመስዋእቲ ገዛእ ርእሱ ንሓጢኣት ኬርሕቕ ኢሉ” ዋጋ እቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ምእንታና ኣቕረበ። (እብራውያን 9:12, 24-26 ኣንብብ።) እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ንሓጢኣት ንሓዋሩ ዚድምስስ ናይ መወዳእታ መስዋእቲ እዩ። ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ፡ ኵላትና ንየሆዋ ኣብታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደሱ ዄንና ኸነምልኾ ንኽእል ኢና።

ኣጸዳት

15. ኣብ ኣጸድ እቲ ማሕደር መን እዩ ዜገልግል ነይሩ፧

15 ጥንታዊ ስርዓት። እቲ ማሕደር ሓደ ኣጸድ እዩ ነይርዎ፣ እዚ ኣጸድ ተባሂሉ ዘሎ፡ ነቲ ማሕደር ዚኸብቦ ዝነበረ ቐጽሪ ዘለዎ ቓልዕ ቦታ እዩ። እቲ ብነሓሲ እተገብረ ዓብዪ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብቲ ኣጸድ እዩ ነይሩ፣ እቲ ኻህናት ኣገልግሎቶም ቅድሚ ምፍጻሞም ገዛእ ርእሶም ዜንጽሁሉ ኻብ ነሓሲ እተሰርሐ ገበራ እውን ኣብኡ እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 30:17-20፣ 40:6-8) እተን ደሓር እተሃንጻ ኣብያተ መቕድስ ግና ካህናት ዘይኰኑ ሰባት ደው ኢሎም ንኣምላኽ ኬምልኹሉ ዚኽእሉ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ነይርወን እዩ።

16. ኣብ ክልቲኡ ኣጸዳት እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ መን እዮም ዜገልግሉ፧

16 ናይ ሓቂ ዝዀነ ኣምልኾ ክርስትና። እቶም ተረፍ ቅቡኣት ምስ የሱስ ካህናት ኰይኖም ንምግልጋል ናብ ሰማይ ቅድሚ ምኻዶም፡ ኣብ ምድሪ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ እዮም ዜገልግሉ። እቲ ማይ ዚዕቈረሉ ዓብዪ ገበራ ኸኣ ንዓታቶም ኰነ ንዅሎም ክርስትያናት፡ ብስነ ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ ንጽህና ምሕላው ዘለዎ ኣገዳስነት እዩ ዜዘኻኽር። እሞ ደኣ እቶም ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ብተኣማንነት ዚድግፉ “ብዙሓት ህዝቢ” ኣበይ ኰይኖም እዮም ኣምልኾኦም ዜቕርቡ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን” ደው ኢሎም ከለዉ እዩ ርእይዎም፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ናይ ወጻኢ ኣጸድ የመልክት፣ ኣብኡ ዀይኖም ከኣ “[ንኣምላኽ] ኣብታ ቤተ መቕደሱ . . . መዓልትን ለይትን የገልግልዎ ኣለዉ።” (ራእ. 7:9, 13-15) እምበኣር፡ ነቲ ኣብቲ የሆዋ ዝገበሮ መሰናድዎ ንጹህ ኣምልኾ ዘሎና ቦታ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኣሎና።

ንየሆዋ ናይ ምምላኽ ፍሉይ መሰል

17. ንየሆዋ እንታይ መስዋእትታት ናይ ምቕራብ ፍሉይ መሰል እዩ ተዋሂቡና ዘሎ፧

17 ሎሚ፡ ኵሎም ክርስትያናት ብግዜኦምን ብጕልበቶምን ብጥሪቶምን ገይሮም ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብምድንፋዕ፡ ንየሆዋ መስዋእቲ ናይ ምቕራብ ፍሉይ መሰል ኣለዎም። እምበኣር፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ክርስትያናት ዝበሎም፡ “ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ውዳሰ፡ ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍርና፡ ነቕርብ።” (እብ. 13:15) ብሉጽ መስዋእቲ ብምቕራብ ከኣ፡ ነቲ ንየሆዋ ናይ ምምላኽ ፍሉይ መሰልና ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

18. ብመሰረት እብራውያን 10:22-25፡ እንታይ ኢና ዕሽሽ ክንብል ዘይብልና፧ እንታይከ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

18 እብራውያን 10:22-25 ኣንብብ። ጳውሎስ ኣብ መደምደምታ እታ ናብ እብራውያን ዝለኣኻ መልእኽቲ ዕሽሽ ክንብሎ ዘይግባእ እተፈላለየ መዳያት ኣምልኾና ዘርዚሩ ኣሎ። እዚ ድማ ናብ የሆዋ ብጸሎት ምቕራብን ብዛዕባ ተስፋና ምንጋርን ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ምእካብን ንሓድሕድና ምትብባዕን እዩ፣ ‘መዓልቲ የሆዋ ትቐርብ ከም ዘላ ኽንርኢ ኸለና ኸኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ኽንገብሮ ኣሎና።’ ኣብ ኣጋ መወዳእታ መጽሓፍ ራእይ፡ ሓደ መልኣኽ የሆዋ ኽልተ ሳዕ፡ “ንኣምላኽ ደኣ ኣምልኮ” ብምባል ኣገዳሲ ነጥቢ ኣጕሊሑ እዩ። (ራእ. 19:10፣ 22:9) እምበኣር፡ ነዚ ብዛዕባ እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝረኣናዮ ዓሚቝ መንፈሳዊ ሓቂ ኸቶ ኣይንረስዓዮ፣ ነቲ ዓብዪ ኣምላኽና ናይ ምምላኽ ፍሉይ መሰልና ኸኣ ኣኽቢርና ንርኣዮ!

መዝሙር 88 ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ

a ሓደ ኻብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ዓሚቝ ትምህርትታት እቲ ብዛዕባ እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ እተዋህበ ትምህርቲ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ። እታ ቤተ መቕደስ እቲኣ እንታይ እያ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ መጽሓፍ እብራውያን ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ተጠቒሱ ዘሎ ዝርዝር ነጥብታት ክንርኢ ኢና። እዚ መጽናዕቲ እዚ፡ ንኣምልኾ የሆዋ ዘሎካ ኣኽብሮት ኬዕዝዞ እዩ።

b ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መጽሓፍ እብራውያን ንምፍላጥ፡ ኣብ jw.org እትርከብ መእተዊ እብራውያን ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

c መጽሓፍ እብራውያን ንየሱስ ከም ሊቀ ኻህናት ገይራ እትጠቕሶ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ እትርከብ እንኮ መጽሓፍ እያ።

d ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ብ70 ድ.ክ. ክሳዕ ዝጠፍኣትሉ እዋን፡ ኣብ እስራኤል 84 ሊቃነ ኻህናት ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

e ብዛዕባ ምሳልያዊ ትርጉም እቲ ሊቀ ኻህናት ብመዓልቲ ዕርቂ ዚገብሮ ተግባራት ንምፍላጥ፡ ኣብ jw.org እትርከብ ድንኳን ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

f ኣብታ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 240 ርአ።

g ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2010 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 22 ዝወጸት፡ “መንፈስ ንትርጕም እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ዝገለጸሉ መገዲ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።