ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅኑዕን ጌጋን፦ ንዅላትና ዜጋጥመና ሕቶ

ቅኑዕን ጌጋን፦ ንዅላትና ዜጋጥመና ሕቶ

ናብ ዘይትፈልጦ ቦታ ኽትጐዓዝ እንተ ትደሊ፡ እንታይ ምገበርካ፧

  1. 1. ናብቲ ቕኑዕ ዚመስለካ ኣንፈት ተምርሕ።

  2. 2. ነቲ መገዲ ይፈልጥዎ ኢልካ ንእትሓስቦም ሰባት ትስዕብ።

  3. 3. ንሓደ ዜተኣማምን መምርሒ ኺህበካ ዚኽእል ምንጪ ትውከስ፣ ማለት ንኸም ጂ.ፒ.ኤስ.፡ ካርታ፡ ወይ ነቲ ቦታ ንዚፈልጦ ፈታዊኻ ትውከስ።

ቀዳማይ ወይ ካልኣይ ኣማራጺ እንተ መሪጽና፡ ናብቲ ዝደለናዮ ቦታ ንምብጻሕ ውሕስነት የብልናን። ሳልሳይ ኣማራጺ እንተ መሪጽና ግና፡ ብርግጽ ናብቲ ዝደለናዮ ቦታ ኽንበጽሕ ንኽእል ኢና።

ህይወትና ኸም ጕዕዞ እዩ፣ ናብ ዜሐጕስ መጻኢ ኺመርሓና ኸኣ ኢና እንደሊ። ናብኡ ምብጻሕና ወይ ዘይምብጻሕና ድማ ብዓብይኡ ኣብቲ ውሳነታት ንምግባር እንስዕቦ መምርሒ እዩ ዚምርኰስ።

መብዛሕትኡ ውሳነታት ኣብ ህይወትና ነባሪ ጽልዋ ዘየሕድር እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኡ ግና ኣገዳሲ እዩ። እቲ ውሳነታት እቲ፡ ንስነ ምግባራዊ መትከላትና፡ ማለት ነቲ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዘሎና ኣረኣእያ የንጸባርቕ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነታት፡ ኣባናን ኣብቶም እንፈትዎም ሰብናን እንተ ንጽቡቕ ወይ ንሕማቕ ነባሪ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ገለ ኻብዚ ውሳነታት እዚ ምስዚ ዚስዕብ ጕዳያት ይተሓሓዝ እዩ፦

  • ጾታን መውስቦን

  • ቅንዕናን ስራሕን ገንዘብን

  • ኣተዓባብያ ቘልዑ

  • ኣተሓሕዛ ሰባት

እሞ ደኣ ኣብዚ መዳያት እዚ እትገብሮ ውሳነታት ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ናብ ሓጐስ ከም ዚመርሕ ብኸመይ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧

ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍና መልሲ ኽንረኽበሉ ዚግባእ ሕቶ፡ ‘ኣብ ምንታይ መምርሒ ተመርኲሰ እየ ስነ ምግባራዊ ውሳነታት ዝገብር፧’ ዚብል እዩ።

ኣብዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዜተኣማምን ስነ ምግባራዊ መምርሒ ሒዙ ኣሎ እንብለሉ ምኽንያትን ንዓኻ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእልን ኪግለጽ እዩ።