ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1

መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ

ብየሆዋ ተኣመን እሞ ንፍርሂ ኸተሰንፎ ኢኻ

ብየሆዋ ተኣመን እሞ ንፍርሂ ኸተሰንፎ ኢኻ

ጥቕሲ ዓመት 2024፦ “ምስ ዝፈርህ፡ ብኣኻ እእመን እየ።”መዝ. 56:3

ኣትኵሮ

ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ብኸመይ ከም እነደልድልን ንፍርህና ብኸመይ ከም እነሰንፎን ተምሃር።

1. ሓድሓደ ግዜ እንታይ ዓይነት ፍርሂ እዩ ኺስምዓና ዚኽእል፧

 ኵላትና እንፈርሃሉ እዋናት ኣሎ። ልክዕ እዩ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ፍርሂ ምዉታት፡ ካብ ፍርሂ ልዕለ ባህርያዊ ሓይልታት፡ ካብ ፍርሂ መጻኢ ናጻ ገይሩና እዩ። እንተዀነ ግና፡ ከም ውግእን ገበንን ሕማምን ዝኣመሰለ “መፍርህታት” ኣብ ዘለዎ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። (ሉቃ. 21:11) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ መንግስትታት ምስ ዚጭቍኑና ወይ ኣባላት ቤተ ሰብና ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስ ዚጻረርዎ፡ ፍርሂ ሰብ የሸግረና ይኸውን። ገሊኦም ክርስትያናት ነዚ ሕጂ ዜጋጥሞም ዘሎ ፈተናታት ወይ ኣብ መጻኢ ንዜጋጥሞም ፈተናታት ምጽዋሩ ኸይስእኑ ይሰግኡ እዮም።

2. ዳዊት ኣብ ጋት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዝነበረ ግለጽ።

2 ዳዊት ፍርሂ ይስምዖ ነበረ። ንኣብነት፡ ብንጉስ ሳኦል ኣብ ዚህደነሉ ዝነበረ እዋን፡ ናብታ ጋት እትብሃል ከተማ ፍልስጥኤማውያን ሃደመ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ‘ኣእላፋት’ ፍልስጥኤማውያን ቀቲሉ ተባሂሉ እተደርፈሉ ሓያል ተዋጋኢ ምዃኑ ኣኪሽ ንጉስ ጋት ፈለጠ። ስለዚ፡ ዳዊት ንኣኪሽ “ኣዝዩ ፈርሆ።” (1 ሳሙ. 21:10-12) እቲ ኣኪሽ ኪወስዶ ዚኽእል ስጕምቲ እዩ ኣጨኒቕዎ ነይሩ። እሞ ደኣ ንፍርሁ ብኸመይ ኣሰኒፍዎ፧

3. ብመሰረት መዝሙር 56:1-3, 11፡ ዳዊት ንፍርሁ ብኸመይ ኣሰኒፍዎ፧

3 ኣብ መዝሙር 56፡ ዳዊት ኣብ ጋት ኣብ ዝነበረሉ እዋን እተሰምዖ ስምዒት ገሊጹ ኣሎ። ኣብታ መዝሙር እቲኣ፡ ስለምንታይ ከም ዝፈርሀ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንፍርሁ ብኸመይ ከም ዘሰነፎ እውን ገሊጹ ኣሎ። ዳዊት ምስ ፈርሀ፡ ብየሆዋ ተኣመነ። (መዝሙር 56:1-3, 11 ኣንብብ።) እምንቶኡ ድማ ከንቱ ኣይነበረን። ብበረኸት የሆዋ፡ ዘይተለምደ ጽቡቕ ስልቲ መሃዘ። ዕቡድ ከም ዝዀነ መሰለ! በዚ ኸምዚ፡ ኣኪሽ ንዳዊት ከም ዜስግእ ሰብ ዘይኰነስ ቅጭ ከም ዜምጽእ ሰብ ገይሩ ረኣዮ። ስለዚ፡ ዳዊት ካብ ሽግር ኣምለጠ።—1 ሳሙ. 21:13–22:1

4. ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ብኸመይ ኢና ኸነሐይል እንኽእል፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

4 ንሕና እውን ኣብ የሆዋ እንተ ተኣሚንና፡ ንፍርህና ኸነሰንፎ ንኽእል ኢና። ምናዳ ኣብ እንፈርሃሉ እዋን ግና ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ብኸመይ ከነደልድል ንኽእል፧ ሓደ ምሳሌ እስከ ንርአ። ሓደ ሕማም ከም ዘሎካ እንተ ፈሊጥካ፡ ኣብ ፈለማ ትፈርህ ትኸውን። ንሓኪምካ ትኣምኖ እንተ ዄንካ ግና፡ ፍርህኻ ኪቐልለካ ይኽእል እዩ። እዚ ሓኪም እዚ ተመሳሳሊ ሕማም ንዘለዎም ብዙሓት ሕሙማት ሓኪሙ እዩ። ንዓኻ እውን ጽን ኢሉ ስለ ዚሰምዓካ፡ ስምዒትካ ኣጸቢቑ ኸም እተረድኣልካ ተሰሚዑካ። ንኻልኦት ዝጠቐሞም ዓይነት ሕክምና ኽትገብር እውን ሓሳብ ኣቕሪቡልካ። ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ዝገበሮን ሕጂ ዚገብሮ ዘሎን ኣብ መጻኢ ዚገብሮን ብምሕሳብ፡ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ ኸነደልድል ንኽእል ኢና። ዳዊት ከምኡ እዩ ገይሩ። ገለ ኻብቲ ኣብ መዝሙር 56 ዚርከብ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓላቱ ኽንምርምር ከለና፡ ኣብ የሆዋ ዘሎካ እምንቶ ብኸመይ ከተደልድል ከም እትኽእልን ንፍርህኻ ብኸመይ ከም እተሰንፎን ሕሰብ።

የሆዋ ኣብ ሕሉፍ እንታይ ገይሩ፧

5. ዳዊት ፍርሁ ንምስናፍ ብዛዕባ እንታይ እዩ ኣስተንቲኑ፧ (መዝ. 56:12, 13)

5 ህይወት ዳዊት ገና ኣብ ሓደጋ እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ዝገበሮ ነገራት ኣተኰረ። (መዝሙር 56:12, 13 ኣንብብ።) ዳዊት ኣብ ምሉእ ህይወቱ ኸምኡ እዩ ዚሓስብ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ እዋናት ብዛዕባ ፍጥረታት የሆዋ ኣስተንተነ። እዚ ድማ የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ሓይሊ ኸም ዘለዎን ብደቂ ሰብ ከም ዚግደስን ኪዝክር ኣኽኣሎ። (መዝ. 65:6-9) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንኻልኦት ዝገበረሎም ነገራት እውን ኣስተንተነ። (መዝ. 31:19፣ 37:25, 26) ምናዳ ኸኣ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ብብሕቲ ዝገበረሉ ኣስተንተነ። የሆዋ ንዳዊት ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዙ ደጊፍዎን ኣዕቍብዎን እዩ። (መዝ. 22:9, 10) እዚ ነገር እዚ፡ ነቲ ዳዊት ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘሐየሎ ኽንግምቶ ንኽእል ኢና።

ዳዊት ኣብቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ዝገበሮን ኣብቲ ግዜ እቲ ዚገብሮ ዝነበረን ኣብ መጻኢ ዚገብሮን ብምትኳር፡ እምንቶኡ ኣደልደለ (ሕጡብ ጽሑፍ 5, 8, 12 ርአ) d


6. ክንፈርህ ከለና፡ ኣብ የሆዋ እምንቶ ኸነሕድር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

6 ፍርሂ ኺስምዓካ ኸሎ፡ ‘የሆዋ ኣብ ሕሉፍ እንታይ ገይሩ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ብዛዕባ ፍጥረታቱ ኣስተንትን። ንኣብነት፡ የሆዋ ነቶም ብመልክዑ ዘይተፈጥሩን ኬምልኽዎ ዘይክእሉን ኣዕዋፍን ዕምባባታትን ብኸመይ ከም ዚከናኸኖም ‘ክንምልከት’ ከለና፡ ንዓና ኸም ዚሓልየልና ዘሎና እምንቶ ይድልድል እዩ። (ማቴ. 6:25-32) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ እንታይ ከም ዝገበረሎም እውን ሕሰብ። ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ እተደንቕ እምነት ዘርኣዩ ሰባት መጽናዕቲ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ድማ ተመክሮ እቶም ኣብዚ ግዜና ዚነብሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ። a ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓኻ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዘርኣየካ ሓልዮት ከተስተንትን ትኽእል ኢኻ። ናብ ሓቂ ብኸመይ እዩ ስሒቡካ፧ (ዮሃ. 6:44) ጸሎትካ ብኸመይ እዩ መሊሱልካ፧ (1 ዮሃ. 5:14) ካብቲ እቲ ፍቑር ወዱ ዝኸፈሎ መስዋእቲ መዓልቲ መዓልቲ ብኸመይ ኢኻ እትጥቀም ዘለኻ፧—ኤፌ. 1:7፣ እብ. 4:14-16

ኣብቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ዝገበሮን ሕጂ ዚገብሮ ዘሎን ኣብ መጻኢ ዚገብሮን ብምትኳር፡ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ ኸነደልድል ንኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 6, 9-10, 13-14 ርአ) e


7. ቫነሳ ፍርሃ ንምስናፍ ተመክሮ ነብዪ ዳንኤል ብኸመይ ሓጊዝዋ፧

7 ኣብ ሀይቲ እትነብር ቫነሳ b ዝስማ ሓብቲ፡ ዜፍርህ ኵነታት ኣጋጠማ። ኣብ ከባቢኣ ዚነብር ሓደ ሰብኣይ ምስኡ ርክብ ምእንቲ ኽትገብር ኢሉ መዓልቲ መዓልቲ መልእኽቲ እናለኣኸ ላሕ ኣበላ። ቫነሳ ነቲ ሓሳቡ ፈጺማ ኣይተቐበለቶን። እንተዀነ ግና፡ እቲ ሰብኣይ ጸቕጢ ኻብ ምግባር ኣየቋረጸን፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኬፈራርሃ ጀመረ። ቫነሳ ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዓ ስምዒት ክትገልጽ ከላ፡ “ፈሪሀ ነይረ” ትብል። እሞ ደኣ ንፍርሃ ብኸመይ ኣሰኒፋቶ፧ ገዛእ ርእሳ ንምክልኻል ግብራዊ ስጕምቲ ወሰደት። ሓደ ሽማግለ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንሰበ ስልጣን ክትሕብር ሓገዛ። ኣብ ርእሲ እዚ ግና፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ንኣገልገልቱ ዘዕቈበሉ መገድታት ኣስተንተነት። ቫነሳ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ መጀመርታ ብዛዕባ ነብዪ ዳንኤል እየ ሓሲበ። ንጹህ እኳ እንተ ነበረ፡ ናብ ጕድጕድ ዝጠመዩ ኣናብስ እዩ ተደርብዩ። የሆዋ ግና ሓልይዎ። ስለዚ፡ ንየሆዋ፡ ነቲ ጕዳይ ኪፈትሓለይ ለሚነዮ። ድሕሪኡ፡ ፍርሀይ ጠፊኡ።”—ዳን. 6:12-22

የሆዋ ሕጂ እንታይ ይገብር ኣሎ፧

8. ዳዊት እንታይ እዩ ዚኣምን ነይሩ፧ (መዝሙር 56:8)

8 ዳዊት ኣብ ጋት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንህይወቱ ኣብ ዜስግእ ሓደጋ እኳ እንተ ነበረ፡ ብፍርሂ ግና ኣይተሰነፈን። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ሓሰበ። የሆዋ ይመርሖን የዕቍቦን ከም ዘሎ፡ ስምዒቱ እውን ከም ዚርድኣሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (መዝሙር 56:8 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ዳዊት ከም ዮናታንን ኣሒሜሌክ እቲ ሊቀ ኻህናትን ዝኣመሰሉ ኣዕሩኽ ነበርዎ፣ ንሳቶም ድማ ብተኣማንነት ይድግፍዎ፡ ግብራዊ ሓገዝ እውን ይህብዎ ነበሩ። (1 ሳሙ. 20:41, 42፣ 21:6, 8, 9) ዳዊት ዕላማ መጥቃዕቲ ንጉስ ሳኦል እኳ እንተ ነበረ፡ ብህይወት ኬምልጥ ከኣለ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንፈተናኡ ዀነ ነቲ ፈተናኡ ዝፈጠረሉ ስምዒት የሆዋ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦ ይኣምን ነበረ።

9. የሆዋ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍና እንታይ እዩ ዚፈልጥ፧

9 ፈተና እንተ ኣጋጢሙካ እሞ እንተ ፈሪህካ፡ የሆዋ ንፈተናኻ ዀነ ነቲ ፈተናኻ ዚፈጥሮ ስምዒት ከም ዚፈልጦ ዘክር። ንኣብነት፡ የሆዋ ነቲ ንእስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ዚወርዶም ዝነበረ ግፍዒ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ን“ስቓዮም” እውን ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 3:7) ዳዊት ኪዝምር ከሎ ኸኣ ንየሆዋ፡ “ጸበባይ ርኢኻ” ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ብርቱዕ ጭንቀይ ትፈልጥ ኢኻ” እውን እዩ ኢልዎ። (መዝ. 31:7) ህዝቢ ኣምላኽ ዋላ እውን ብሰንኪ ዕሽነቶም መከራ ኣብ ዝጸገቡሉ እዋን ከኣ፡ ብዛዕባ የሆዋ “ኣብ ኵሉ ጭንቆም ጨነቖ” ዚብል ነንብብ ኢና። (ኢሳ. 63:9) ክትፈርህ ከለኻ፡ የሆዋ ስምዒትካ ይርድኦ እዩ። ንፍርህኻ ኸተሰንፍ እውን ኪሕግዘካ ይደሊ እዩ።

10. የሆዋ ኸም ዜስተብህለልካን ዝዀነ ይኹን ፈተና ኽትጻወር ከም ዚሕግዘካን እትኣምን ስለምንታይ ኢኻ፧

10 ዜፍርህ ፈተና ኼጋጥመካ ኸሎ ግና፡ የሆዋ ይድግፈካ ኸም ዘሎ ሕቶ ይልዓለካ ይኸውን። ስለዚ፡ ደገፉ ምእንቲ ኽትርኢ፡ ኪሕግዘካ ለምኖ። (2 ነገ. 6:15-17) ድሕሪኡ፡ ኣስተብህል፦ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ኻብ ዝቐረበ መደረ ወይ ካብ እተዋህበ ሓሳብ ብርታዐ ረኺብካዶ፧ ካብ ሓደ ጽሑፍ፡ ካብ ሓንቲ ቪድዮ፡ ወይ ካብ ሓደ ናይ ፈለማ መዝሙር ምትብባዕ ረኺብካዶ፧ ሰብ ካብ ዝሃበካ ሓሳብ ወይ ካብ ዘንበበልካ ጥቕሲ ምጽንናዕ ረኺብካዶ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ፍቕሪ ዝሰፈኖ ሕውነትናን ንመንፈሳዊ ምግብናን ኣቕሊልና ንርእዮ ንኸውን። ከም ሓቂ ግና ካብ የሆዋ እተዋህበና ዜደንቕ ውህበት እዩ። (ኢሳ. 65:13፣ ማር. 10:29, 30) ንሱ ኸም ዚሓልየልና እውን መርትዖ ይዀነና እዩ። (ኢሳ. 49:14-16) ስለዚ፡ ብእኡ ኽንእመን ከም እንኽእል የረጋግጸልና እዩ።

11. ኣይዳ ፍርሃ ንምስናፍ እንታይ እዩ ሓጊዝዋ፧

11 ኣብ ሰነጋል እትነብር ኣይዳ፡ የሆዋ ኣብ እዋን ፈተና ብኸመይ ከም ዝደገፋ ኣስተብሂላ እያ። በዅሪ ገዛ ስለ ዝዀነት፡ ወለዳ ንገዛእ ርእሳ ዀነ ንዓታቶም ንምድጋፍ ዜኽእል እኹል ገንዘብ ከተምጽእ እዮም ትጽቢት ዚገብሩላ ነይሮም። ፈላሚት ክትከውን ኢላ ህይወታ ምስ ኣቕለለት ግና፡ ብዙሕ ኣታዊ ኣይነበራን። ስለዚ፡ ወለዳ በዚ ስለ ዘይተሓጐሱ ነቐፍዋ። ንሳ ድማ ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ፡ “ንወለደይ ንምሕጋዝ ዓቕሚ ኸይሓጽረንን ብዅሉ ተቐባልነት ከይስእንን ፈሪሀ ነይረ። ንየሆዋ እውን፡ እቲ ዅነታት እናኸፍአ ኪኸይድ ብምፍቃዱ ወቒሰዮ ነይረ” ትብል። ድሕሪኡ፡ ኣብ ኣኼባ ሓደ መደረ ሰምዐት። ብዛዕባኡ ድማ ከምዚ ትብል፦ “እቲ ተዛራባይ፡ የሆዋ ንዅሉ እቲ ኣብ ልብና ዘሎ ቝስሊ ኸም ዚፈልጦ ኣዘኻኺሩና። በቲ ኻብ ሽማግለታትን ካብ ካልኦትን ዝረኸብክዎ ምኽሪ ድማ፡ በብቝሩብ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ መረጋገጺ ረኺበ። ከም ብሓድሽ እምንቶ ብምሕዳር ከኣ፡ ናብ የሆዋ ኽጽሊ ጀሚረ። ጸሎተይ ኪምለስ ብምርኣየይ እውን ውሽጣዊ ሰላም ረኺበ።” ድሕሪ ግዜ፡ ኣይዳ ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ንምቕጻል ዜኽእላ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንወለዳን ንኻልኦትን ክትሕግዝ እውን ዜኽእላ ስራሕ ረኸበት። ስለዚ ድማ፡ “ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ኽእመን ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ። ሕጂ፡ ክጽሊ ኸለኹ መብዛሕትኡ ግዜ ፍርሀይ በኒኑ እየ ዚጠፍእ” ትብል።

የሆዋ ኣብ መጻኢ እንታይ ኪገብር እዩ፧

12. ብመሰረት መዝሙር 56:9፡ ዳዊት ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚተኣማመን ነይሩ፧

12 መዝሙር 56:9 ኣንብብ። ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ዳዊት ንፍርሁ ዘሰነፈሉ ኻልእ መገዲ ተጠቒሱ ኣሎ። ህይወቱ ገና ኣብ ሓደጋ እኳ እንተ ነበረት፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ መጻኢ ዚገብረሉ ነገራት ኣስተንቲኑ እዩ። ኣብ ግቡእ ግዜ ኸም ዜድሕኖ ይኣምን ነይሩ እዩ። ስለምንታይሲ፡ ዳዊት ዚቕጽል ንጉስ እስራኤል ከም ዚኸውን፡ የሆዋ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 16:1, 13) ስለዚ፡ ዳዊት ነቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ብርግጽ ከም ዚፍጸም ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ።

13. ኣብ የሆዋ እንታይ እምንቶ ኢና ኸነሕድር እንኽእል፧

13 እሞ ደኣ የሆዋ ንዓኻ እንታይ ከም ዚገብረልካ እዩ ቓል ኣትዩልካ ዘሎ፧ ካብ ኵሉ ጸገማትና ኼዕቍበና ኣይንጽበዮን ኢና። c እንተዀነ ግና፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ዝመጸ ፈተና እኳ እንተ መጸ፡ የሆዋ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንዅሉ ኼወግዶ እዩ። (ኢሳ. 25:7-9) ፈጣሪና ንምዉታት ንምትንሳእ፡ ንዝሓመሙ ንምሕዋይ፡ ንዅሎም ተጻረርቲ እውን ንምውጋድ ዜኽእል ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣይንጠራጠርን ኢና።—1 ዮሃ. 4:4

14. ብዛዕባ እንታይ ኢና ኸነስተንትን እንኽእል፧

14 ፍርሂ ኺስመዓካ ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ መጻኢ ዚገብረልካ ነገራት ኣስተንትን። ሰይጣን ምስ ኣልገሰ፡ እኩያት ሰባት ብጻድቃን ምስ ተተክኡ፡ ዘይፍጽምና ኸኣ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ በብቝሩብ እናሃሰሰ ምስ ከደ እንታይ ከም ዚስምዓካ ሕሰብ። ኣብ ናይ 2014 ኣኼባ ዞባ ኣብ ዚቐረበ ሓደ መርኣያ ብዛዕባ ተስፋና ብኸመይ ከነስተንትን ከም እንኽእል ተገሊጹ ነይሩ። ኣብኡ ድማ ሓደ ኣቦ ንስድራ ቤቱ፡ ነቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ዘሎ ቓላት ኣብ ገነት እንታይ ኪብሃል ከም ዚከኣል ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ይገልጸሎም፦ “ኣብ ሓዳስ ዓለም ባህ ዜብል ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ ፈተውቲ ኻልኦት፡ ፈተውቲ መንፈሳዊ መዛግብቲ፡ ዘይጅሃሩ፡ ትሑታት፡ ንኣምላኽ ዚውድሱ፡ ንወለዶም ዚእዘዙ፡ ዜመስግኑ፡ እሙናት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘለዎም፡ ዚሰማምዑ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ጽቡቕ ዚዛረቡ፡ ርእሶም ዚገትኡ፡ ልዙባት፡ ሰናይ ዚፈትዉ፡ ዘይጠልሙ፡ ልኡማት፡ ዓቃላት፡ ካብ ተድላ ምፍታውሲ ብዝያዳ ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ብኣምላኻዊ ተወፋይነት ዚድረኹ ኪዀኑ እዮም፣ ናብ እዚኣቶም ከኣ ኣዚኻ ቕረብ።” እሞ ደኣ ህይወት ኣብ ሓዳስ ዓለም ከመይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ምስ ስድራ ቤትካ ወይ ምስ ክርስትያናት ብጾትካ ትመያየጡሉዶ፧

15. ታንያ ፍርሂ እኳ እንተ ተሰምዓ፡ ንፍርሃ ንምስናፍ ግና እንታይ እዩ ሓጊዝዋ፧

15 ኣብ ሰሜን ማሰዶንያ እትነብር ታንያ ዝስማ ሓብቲ ብዛዕባ ናይ መጻኢ በረኸት ብምስትንታን፡ ፍርሃ ኸተሰንፍ ክኢላ እያ። እዛ ሓብቲ እዚኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጀመረት፡ ካብ ወለዳ ብርቱዕ ተቓውሞ ኣጋጠማ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠማ ነገር ድማ ከምዚ ብምባል ተዘንቱ፦ “ገሊኡ ዝፈርሆ ዝነበርኩ ነገራት ኰይኑ። ኣደይ ካብ ኣኼባ መምስ ተመለስኩ ትወቕዓኒ ነይራ። ብተወሳኺ፡ ወለደይ፡ ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዀይነ ኸም ዚቐትሉኒ የፈራርሁኒ ነይሮም።” ኣብ መወዳእታኡ፡ ታንያ ኻብ ገዛኣ ተሰጕጐት። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብቲ ንጽህናይ ንምሕላው ዝገበርክዎ ውሳነ ዜምጽኣለይ ናይ ዘለኣለም ሓጐስ እየ ኣተኲረ። የሆዋ ኣብ ሓዳስ ዓለም ነዚ ኣብዚ ስርዓት ዝሰኣንክዎ ንምኽሓስ ዓስበይ ከም ዚህበንን ኵሉ ሕማቕ ካብ ኣእምሮ ኸም ዚርሳዕን እየ ሓሲበ።” በዚ ኸምዚ፡ ታንያ ንጽህናኣ ሓለወት። ብሓገዝ የሆዋ እውን መንበሪ ረኸበት። ሎሚ ታንያ ንሓደ እሙን ሓው ተመርዕያ ትነብር ኣላ፡ ክልቲኦም ድማ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተሓጒሶም የገልግሉ ኣለዉ።

ሎሚ እምንቶኻ ኣደልድል

16. እቲ ኣብ ሉቃስ 21:26-28 ተገሊጹ ዘሎ ትንቢታት ኣብ ዚፍጸመሉ እዋን፡ እንታይ ነገራት እዩ ብትብዓት ክንመላለስ ዚሕግዘና፧

16 ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ሰባት ብሓፈሻ “ብፍርሂ ውኖኦም ኪጠፍኦም እዩ።” ህዝቢ ኣምላኽ ግና ብጽንዓትን ብትብዓትን ኪመላለሱ እዮም። (ሉቃስ 21:26-28 ኣንብብ።) ስለምንታይ ኢና ኣብቲ ግዜ እቲ ብፍርሂ ዘይንምብርከኽ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ የሆዋ እምንቶ ምሕዳር፡ ኣቐዲምና ተማሂርና ኽንጸንሕ ኢና። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ታንያ፡ እቲ ሕሉፍ ተመክሮኣ፡ ሕጂ ንዜጋጥማ ዘሎ ዚርብሽ ኵነታት ንምስጋር ይሕግዛ ኸም ዘሎ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “የሆዋ ንጽቡቕና ዘይገብሮ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ከም ዘየሎ ተማሂረ እየ። ሓድሓደ ግዜ፡ ካልኦት ንዅነታት ይቈጻጸርዎ ኸም ዘለዉ ይመስል ይኸውን። ከም ሓቂ ግና፡ ክንድቲ የሆዋ ዝፈቐደሎም ጥራይ እዮም ነቲ ዅነታት ኪቈጻጸርዎ ዚኽእሉ። ፈተና ኸቢድ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ መወዳእታ ግና ኣለዎ።”

17. ጥቕሲ ዓመት 2024 ብኸመይ እያ እትሕግዘና፧ (ስእሊ ገበር ርአ።)

17 ሎሚ፡ ፍርሂ ንቡር ኰይኑ ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ከም ዳዊት ንፍርሂ ኸነሰንፎ ንኽእል ኢና። ጥቕሲ ዓመት 2024 ካብቲ ዳዊት ንየሆዋ ዘቕረቦ ጸሎት እተወስደት እያ። እታ ጥቕሲ፡ “ምስ ዝፈርህ፡ ብኣኻ እእመን እየ” ትብል። (መዝ. 56:3) ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እዛ ፍቕዲ እዚኣ ኺገልጽ ከሎ፡ ዳዊት “ኣብ ፍርሁ ኣየተኰረን፡ ወይ ብዛዕባ ጸገማቱ ብቐጻሊ ኣይሓሰበን፣ የግዳስ፡ ናብቲ ዜናግፎ ተበጃዊኡ እዩ ጠሚቱ” ይብል። እምበኣር፡ ምናዳ ዜፍርህ ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ብዛዕባ ጥቕሲ ዓመት ሕሰብ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍን ሕጅን ኣብ መጻእን ዝገበሮ ነገራት ኣስተንትን። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ልክዕ ከም ዳዊት፡ “ብኣምላኽ እእመን እየ፣ ኣይፈርህን ከኣ እየ” ኽትብል ኢኻ።—መዝ. 56:4

ባህርያዊ ሓደጋ እኳ እንተ ኣጋጠመ፡ ሓንቲ ሓብቲ ብዛዕባ ጥቕሲ ዓመት ተስተንትን (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

እዚ ዚስዕብ ነገራት፡ ፍርህና ንምስናፍ ብኸመይ ይሕግዘና፧

  • የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ዝገበሮ ነገራት

  • የሆዋ ሕጂ ዚገብሮ ዘሎ ነገራት

  • የሆዋ ኣብ መጻኢ ዚገብሮ ነገራት

መዝሙር 33 ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ

a ኣብቲ ኣብ jw.org ዚርከብ መድለዪ፡ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ” ወይ “ተመክሮታት” ኢልካ ብምድላይ፡ እምነት ዜደልድል ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣፕሊኬሽን JW Library® ከኣ፡ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ” ወይ “ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ዓምድታት ርአ።

b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

d መግለጺ ስእሊ ፦ ዳዊት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ንድቢ ንምቕታል ዝሃቦ ሓይሊ፡ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ብኣሒሜሌክ ኣቢሉ ዝሃቦ ሓገዝ፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዚህቦ ንግስና የስተንትን።

e መግለጺ ስእሊ ብእምነቱ እተኣስረ ሓው ብዛዕባ እቲ ምትካኽ ሽጋራ ንምሕዳግ የሆዋ ዝሃቦ ሓገዝ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጂ ኻብ ቤተ ሰቡን ፈተውቱን ብዚመጾ ደብዳበታት ኣቢሉ ዚህቦ ዘሎ መተባብዒ፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ገነት ዚህቦ ናይ ዘለኣለም ህይወት የስተንትን።