ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 2

መዝሙር 19 ድራር ጐይታ

ነታ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ዕለት ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧

ነታ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ዕለት ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧

“እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ።”ሉቃ. 22:19

ኣትኵሮ

በዓል ዝኽሪ ስለምንታይ ፍሉይ ከም ዝዀነ፡ ነቲ በዓል እቲ ብኸመይ ክንዳሎ ኸም እንኽእል፡ ካልኦት ኣብቲ በዓል እቲ ምእንቲ ኺእከቡ ድማ ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል መርምር።

1. በዓል ዝኽሪ ዚብዓለላ ዕለት፡ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ዕለት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (ሉቃስ 22:19, 20)

 ህዝቢ የሆዋ ነታ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ እትበዓለላ ዕለት፡ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ዕለት ከም ዝዀነት ገይሮም እዮም ዚርእይዋ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ ነዚ በዓል እዚ ጥራይ እዩ ኼብዕሉ ኣዚዝዎም። (ሉቃስ 22:19, 20 ኣንብብ።) ንበዓል ዝኽሪ ብሃንቀውታ እንጽበየሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ገለ ኻብኡ እስከ ንርአ።

2. ገለ ኻብቲ ንበዓል ዝኽሪ ብሃንቀውታ እንጽበየሉ ምኽንያታት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧

2 በዓል ዝኽሪ ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ የሱስ ዝኸፈሎ በጃ ኸነስተንትን ይሕግዘና እዩ። ነቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ሞሳና እነርእየሉ መገድታት እውን የዘኻኽረና እዩ። (2 ቈረ. 5:14, 15) ብዘይካዚ፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን “ንሓድሕድና ኽንተባባዕ” ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። (ሮሜ 1:12) ኣብ ዓዓመት፡ ብዙሓት ዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ ኣብቲ በዓል እቲ ይእከቡ እዮም። ገሊኦም ከኣ በቲ ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሎም ጽቡቕ ኣቀባብላ ተደሪኾም ናብ የሆዋ ይምለሱ እዮም። ብዙሓት ግዱሳት ድማ፡ በቲ ዚርእይዎን ዚሰምዕዎን ተለዓዒሎም ናብ መገዲ ህይወት ይኣትዉ እዮም። በዚ ምኽንያታት እዚ ድማ ኢና ንበዓል ዝኽሪ ፍሉይ ኣኽብሮት ዘሎና።

3. በዓል ዝኽሪ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለና ኣሕዋት ብሓድነት ከም እንሰምር ዚገብረና ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

3 ብዘይካዚ፡ በዓል ዝኽሪ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለና ኣሕዋት ብሓድነት ከም እንሰምር ይገብር እዩ። ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዘዘለውዎ ዓዲ ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ነዚ በዓል እዚ ንምብዓል ይእከቡ እዮም። ኣገዳስነት እቲ በጃ ዜጕልሕ መደረ ድማ ኵላትና ንሰምዕ ኢና። ክልተ መዝሙር ውዳሰ ንዝምር ኢና፡ እቲ ቕጫን ወይንን ይዘውር እዩ፡ ነቲ ሽዑ ዚጽለ ኣርባዕተ ጸሎት እውን ብምሉእ ልብና “ኣሜን” ንብል ኢና። ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ኵለን ጉባኤታት ብሕደ ስርዓት እየን ዜብዕላ። የሆዋን የሱስን በቲ በዚ መገዲ እዚ ብሓድነት እነርእዮ ኣኽብሮት ክሳዕ ክንደይ ከም ዚሕጐሱ እሞ ሕስብ ኣብሎ።

በዓል ዝኽሪ ንዓለምለኻዊ ሕውነትና ብሓድነት የስምሮ (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ) f


4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

4 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንመያየጠሉ ኢና፦ ከመይ ጌርና ኢና ልብና ንበዓል ዝኽሪ ኸነዳሉ እንኽእል፧ ካልኦት ካብቲ በዓል እቲ ምእንቲ ኺጥቀሙ፡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ነቶም ዘይንጡፋትከ ብኸመይ ኢና ኽንሕግዞም እንኽእል፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ነዚ ቕዱስ ኣኼባ እዚ ድሉዋት ክንከውን ይሕግዘና እዩ።

ከመይ ጌርና ኢና ንበዓል ዝኽሪ ኽንዳሎ እንኽእል፧

5. (ሀ) ብዛዕባ ዋጋ እቲ በጃ ኸነስተንትን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (መዝሙር 49:7, 8) (ለ) ካብታ የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ እንታይ ተማሂርካ፧

5 ሓደ ኻብቲ ልብና ንበዓል ዝኽሪ ኸነዳልወሉ እንኽእል ኣገዳሲ መገድታት፡ ብዛዕባ ዋጋ እቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ብምስትንታን እዩ። ብርእስና ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኽንከውን ኣይንኽእልን ኢና። (መዝሙር 49:7, 8 ኣንብብ፣ የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ እውን ርአ።) a ስለዚ፡ የሆዋ፡ የሱስ ምእንታና ህይወቱ ኣሕሊፉ ኺህብ መሰናድዎ ገበረ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንሱን እቲ ፍቑር ወዱን ዓብዪ መስዋእቲ ኸፈሉ። (ሮሜ 6:23) ብዛዕባ እቲ የሆዋን የሱስን ዝኸፈሉልና መስዋእቲ ብዝያዳ ብዘስተንተንና መጠን ነቲ በጃ ዘሎና ኣድንቖት ብዝያዳ እዩ ዚዓዝዝ። ሕጂ፡ ገለ ኻብቲ የሆዋን የሱስን ምእንቲ እቲ በጃ ኢሎም ዝኸፈልዎ ነገራት ክንርኢ ኢና። ፈለማ ግና እቲ በጃ እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧

6. እቲ በጃ እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧

6 በጃ ሓደ ነገር መሊስካ ንምዕዳግ ዚኽፈል ዋጋ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሰብ ኣዳም ኣብ እተፈጥረሉ እዋን፡ ፍጹም እዩ ነይሩ። ምስ ሓጥአ ግና፡ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ሰኣነ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንዘርኡ እውን ለኪምዎም እዩ። የሱስ ነቲ ኣዳም ዘጥፈኦ መሊሱ ንምዕዳግ፡ ፍጹም ህይወቱ መስዋእቲ ገይሩ ኣቕረበ። ኣብ ብምሉኡ እቲ ኣብ ምድሪ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ፡ “ሓጢኣት ኣይገበረን፡ ኣብ ኣፉ እውን ምትላል ኣይተረኽበን።” (1 ጴጥ. 2:22) ስለዚ፡ ኣብ ግዜ ሞቱ፡ እቲ ፍጹም ህይወቱ ምስቲ ኣዳም ዘጥፈኦ ህይወት ብልክዕ ዚመዓራረ እዩ ነይሩ።—1 ቈረ. 15:45፣ 1 ጢሞ. 2:6

7. ገለ ኻብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዘሕለፎ ፈተናታት እንታይ ኪጥቀስ ይኽእል፧

7 የሱስ ኣብ ምድሪ ብዙሕ ፈተናታት እኳ እንተ ኣሕለፈ፡ ንሰማያዊ ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ እዙዝ ኰይኑ እዩ። ብግዜ ቝልዕነቱ፡ ፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ነቶም ዘይፍጹማት ሰብኣውያን ወለዱ ይእዘዞም ነበረ። (ሉቃ. 2:51) መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ፡ ዘይእዙዝ ወይ ዘይእሙን ንምዃን ንዘጋጠሞ ዝዀነ ይኹን ጸቕጢ ኺጻረር ነበሮ። ዓብዪ ሰብ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ሰይጣን ድያብሎስ ኬሕጥኦን ንኣምላኽ ዘይእሙን ኪገብሮን ኢሉ ዘቕረበሉ ፈተናታት ተቓወሞ። (ማቴ. 4:1-11) ሰይጣን ንየሱስ ነቲ በጃ ኸም ዘይከፍል ምእንቲ ኺገብሮ ኢሉ ኣብ ሓጢኣት ኬውድቖ ሓርኰትኰት እዩ ዚብል ነይሩ።

8. እንታይ ተወሳኺ ፈተናታት እዩ የሱስ እተጻወረ፧

8 የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ብዙሕ ካልእ ፈተናታት እውን ተጻዊሩ እዩ። ኣደዳ መስጐጕቲ ዀይኑ፡ ንህይወቱ ዜስግእ ነገራት እውን ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 4:28, 29፣ 13:31) ነቲ ሰዓብቱ ዝነበሮም ዘይፍጽምና ኽኢልዎ ይነብር ነይሩ እዩ። (ማር. 9:33, 34) ብዘይካዚ፡ ንፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ኣደዳ ስቓይን ላግጽን ኰነ። ድሕሪኡ፡ ብኣዝዩ ዜሳቕን ዜዋርድን መገዲ ተቐትለ። (እብ. 12:1-3) ነቲ ናይ መወዳእታ መከራኡ ድማ ብዘይ ናይ የሆዋ ዕቝባ ንበይኑ እዩ ተጻዊርዎ። bማቴ. 27:46

9. ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ እንታይ እዩ ዚስምዓና፧ (1 ጴጥሮስ 1:8)

9 ብንጹር እምበኣር፡ የሱስ ነቲ በጃ እቲ ንምኽፋል ዓብዪ መስዋእቲ እዩ ገይሩ። እሞ ደኣ ምእንታና ብፍታዉ ኽሳዕ ክንደይ መስዋእቲ ኸም ዝኸፈለ ኸነስተንትን ከለናስ ዓሚቝ ፍቕሪ ደይኰነን ዚስምዓና፧—1 ጴጥሮስ 1:8 ኣንብብ።

10. እቲ በጃ ንየሆዋ እንታይ እዩ ኣኽፊልዎ፧

10 የሆዋኸ የሱስ በጃና ኺሓልፍ ከሎ እንታይ መስዋእቲ እዩ ብፍታዉ ገይሩ፧ የሆዋን የሱስን ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ዘሎ ዝጠበቐ ርክብ እዩ ዘለዎም። (ምሳ. 8:30) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣዝዩ ብዙሕ መከራ ኼሕልፍ ከሎ፡ የሆዋ ብኸመይ ይጽሎ ኸም ዝነበረ እሞ ሕሰቦ። ወዱ ኺግፋዕ፡ ኪንዓቕ፡ ኪፍተን ኪርኢ ኸሎ፡ ኣመና ተሳቕዩ ኪኸውን ኣለዎ።

11. የሱስ ኣብ እተቐትለሉ እዋን፡ የሆዋ ኸመይ ከም እተሰምዖ ብኣብነት ጌርካ ግለጽ።

11 ውላዱ ዝሞቶ ወላዲ ነቲ እዚ ዜምጽኣሉ ብርቱዕ ሓዘን ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። ኣብ ትንሳኤ ብርቱዕ እምነት እኳ እንተ ኣሎና፡ እዚ ግና ነቲ ሰብና ኺሞተና ኸሎ ዚስምዓና ብርቱዕ ስቓይ ኣይድምስሶን እዩ። እዚ ኣብነት እዚ ድማ፡ ነቲ የሆዋ ኣብ ጽድያ 33 ድ.ክ እቲ ፍቑር ወዱ ኺሳቐን ኪመውትን ከሎ እተሰምዖ ስምዒት ክንርዳእ ይሕግዘና እዩ። cማቴ. 3:17

12. ኣብቲ ቕድሚ በዓል ዝኽሪ ዘሎ እዋን እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

12 እሞ ደኣ ኻብ ሕጂ ኽሳዕ እቲ በዓል ዝኽሪ፡ ኣብቲ በጃ ዘተኰረ ብሕታዊ መጽናዕቲ ወይ ኣምልኾ ስድራ ቤት ስለምንታይ ዘይትገብር፧ ነቲ ርእሰ ነገር ብዕምቈት ንምምርማር መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወይ ካልእ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ናውቲ ተጠቐም። d ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ ዚወጽእ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ በዓል ዝኽሪ ስዒብካ ኣንብብ። ኣብታ በዓል ዝኽሪ እትበዓለላ ዕለት ድማ፡ ነቲ ፍሉይ መደብ ኣምልኾ ንግሆ ርኣዮ። ልብና ንበዓል ዝኽሪ እንተ ኣዳሊና፡ ካልኦት ካብቲ በዓል እቲ ምእንቲ ኺጥቀሙ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።—እዝ. 7:10

ካልኦት ምእንቲ ኺጥቀሙ ንሓግዞም

13. ካልኦት ካብቲ በዓል ዝኽሪ ምእንቲ ኺጥቀሙ እንወስዶ ቐዳማይ ስጉምቲ እንታይ እዩ፧

13 ካልኦት ካብቲ በዓል ዝኽሪ ምእንቲ ኺጥቀሙ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ልክዕ እዩ፡ እቲ ቐዳማይ ስጕምቲ ናብቲ በዓል ኪመጹ ምዕዳም እዩ። ነቶም ኣብ ስሩዕ ኣገልግሎትና እንረኽቦም ሰባት ኣብ ርእሲ ምዕዳምና፡ ዝርዝር ስማት እቶም ክንዕድሞም እንኽእል ሰባት እውን ክንምዝግብ ንኽእል ኢና። ኣብዚ ዝርዝር እዚ፡ ኣዝማድናን መሳርሕትናን መማህርትናን ካልኦትን ኪጠቓለሉ ይኽእሉ እዮም። ዋላ እኳ ኣብ ወረቐት እተሓትመ እኹል መዐደሚ እንተ ዘይረኸብና፡ ናይቲ ኤሌክትሮኒካዊ መዐደሚ ሊንክ ክንሰድደሎም ንኽእል ኢና። መን ይፈልጥ፡ ብዙሓት ሰባት ንዕድመና ይቕበልዎ ይዀኑ።—መክ. 11:6

14. ብውልቂ ምዕዳም ዜሕድሮ ሓያል ጽልዋ ብኣብነት ግለጽ።

14 ብውልቂ ምዕዳም ዜሕድሮ ሓያል ጽልዋ ኣቕሊልካ ኣይትርኣዮ። ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ሓብቲ፡ እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ሰብኣያ ምስኣ ናብ በዓል ዝኽሪ ኸም ዚኸይድ ምስ ነገራ፡ ኣዝያ ተገረመት። ስለምንታይ እያ ተገሪማ፧ ምኽንያቱ፡ ቅድሚኡ ብዙሕ ሳዕ ኣብቲ በዓል ኪእከብ ተተባብዖ ነይራ እያ። እንተዀነ ግና፡ ኣብቲ በዓል ተኣኪቡ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ናብቲ ኣኼባ ኸም ዚኸይድ ዝገበሮ ደኣ እንታይ እዩ፧ “ብውልቀይ እዩ ዕድመ ቐሪቡለይ፡” ብምባል ነዚ ዘለዓዓሎ ምኽንያት ገሊጹ ኣሎ። ሓደ ሽማግለ እዩ ነቲ ሰብኣይ እቲ ዓዲምዎ። እቲ ሰብኣይ እቲ ድማ፡ እታ ዓመት እቲኣን ድሕሪኡ ንሓያሎ ዓመታትን ኣብ በዓል ዝኽሪ ተኣከበ።

15. ንሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ኽንዕድሞም ከለና እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

15 እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዚእከቡ፡ ምናዳ ቕድሚ ሕጂ ኣብ ኣኼባታትና ተኣኪቦም ዘይፈልጡ እንተ ዀይኖም፡ ሕቶታት ኪህልዎም ከም ዚኽእል ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ነቲ ኺሓትትዎ ዚኽእሉ ሕቶታት መልሲ ኽንዳሎ ንኽእል ኢና። (ቈሎ. 4:6) ንኣብነት፡ ገሊኦም እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኪልዓሎም ይኽእል እዩ፦ ‘ኣብቲ በዓል እንታይ እዩ ዚግበር፧’ ‘እቲ በዓል ንውሓቱ ኽንደይ እዩ፧’ ‘እንታይ ክኽደን ኣሎኒ፧’ ‘መእተዊ ኽፍሊት ኣለዎዶ፧’ ‘ገንዘብ እናዞርካ ይእከብ ድዩ፧’ ስለዚ፡ ናብ በዓል ዝኽሪ ንእንዕድሞ ሰብ፡ “ሕቶዶ ኣሎካ፧” ኢልና ብምሕታት ንዜበግሶ ሕቶ ምላሽ ክንህቦ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣኼባታትና እንታይ ከም ዚግበር ንምሕባር ድማ፡ ነታ ሞት የሱስ ዘክር ዘርእስታ ቪድዮን ነታ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ቪድዮን ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ትምህርቲ 28፡ ንሰባት ከነካፍሎ እንኽእል ሓያሎ ጽቡቕ ነጥብታት ኣሎ።

16. እቶም ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ እንታይ ተወሳኺ ሕቶታት እዩ ኺህልዎም ዚኽእል፧

16 ሓደስቲ ግዱሳት ኣብዚ በዓል ዝኽሪ እዚ ድሕሪ ምእካቦም፡ ተወሳኺ ሕቶታት ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ካብቲ ዚዘውር ቅጫን ወይንን ዋላ ሓደ ሰብ ኪወስድ ዘይረኣዩሉ ምኽንያት፡ ወይ ሒደት ጥራይ ኪወስዱ ዝረኣዩሉ ምኽንያት ኪሓትቱና ይኽእሉ እዮም። በዓል ዝኽሪ ኣብ ከክንደይ ከም እነብዕሎ፡ ሕቶ ኺልዓሎም ይኽእል እዩ። ኵሉ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተመሳሳሊ መገዲ ዚግበር እንተ ዀይኑ እውን ኪፈልጡ ይደልዩ ይዀኑ። መብዛሕትኡ እዚ ነጥብታት ኣብ መደረ በዓል ዝኽሪ ዚግለጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደ ንመጀመርታኡ ግዜ ዝመጸ ሰብ ግና ብዝርዝር ኪግለጸሉ ይደሊ ይኸውን። እታ ኣብ jw.org እትርከብ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ድራር ጐይታ ዜብዕሉሉ መገዲ፡ ካብ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ዚፍለ ስለምንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ምምላስ ክትሕግዘና ትኽእል እያ። ነቶም ካብቲ በዓል እቲ ንምጥቃም “ዘንቀዱ” ሰባት ንምሕጋዝ፡ ቅድሚ እቲ በዓልን ኣብቲ በዓልን ድሕሪ እቲ በዓልን ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ንደሊ ኢና።—ግብ. 13:48

ንዘይንጡፋት ንሓግዞም

17. ሽማግለታት ንዘይንጡፋት ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧ (ህዝቅኤል 34:12, 16)

17 ኣብ ቅነ በዓል ዝኽሪ ሽማግለታት ንዘይንጡፋት ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧ ኣቱም ሽማግለታት፡ ንዘይንጡፋት ፍቕራዊ ቘላሕታ ግበሩሎም። (ህዝቅኤል 34:12, 16 ኣንብብ።) ቅድሚ እቲ በዓል ዝኽሪ ብእተኻእለኩም መጠን ንዅሎም ንምርካብ ጽዓሩ። ከም እትፈትውዎምን ብእተኻእለኩም መጠን ክትሕግዝዎም ከም እትደልዩን ኣረጋግጹሎም። ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ኺእከቡ ዓድምዎም። እንተ መጺኦም፡ ሓንጐፋይ ኢልኩም ተቐበልዎም። ድሕሪ እቲ በዓል፡ ምስዞም ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ዘሎኩም ርክብ ኣይተቋርጹ። ናብ የሆዋ ምእንቲ ኺምለሱ ድማ፡ ዜድልዮም ዘበለ መንፈሳዊ ሓገዝ ሃብዎም።—1 ጴጥ. 2:25

18. ኵላትና ንዘይንጡፋት ብኸመይ ኢና ኽንሕግዞም እንኽእል፧ (ሮሜ 12:10)

18 ኣብ ጉባኤ ዘለና ዅላትና ነቶም ናብ በዓል ዝኽሪ ዚመጹ ዘይንጡፋት ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ብፍቕርን ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ክንሕዞም ኣሎና። (ሮሜ 12:10 ኣንብብ።) እዞም ፍቑራት ኣባጊዕ ናብ ኣኼባታት ንምምላስ ከቢድዎም ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣይንረስዕ። ምናልባት ብጽቡቕ ኣይቅበሉንን ዚብል ፍርሂ ኣሕዲሮም ነይሮም ይዀኑ። e ስለዚ፡ ኬሕፍሮም ዚኽእል ሕቶታት ኣይንሕተቶም፡ ወይ ዚጐድእ ዘረባ ኣይንዛረቦም። (1 ተሰ. 5:11) እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ክርስትያናት ብጾትና እዮም። ኣብ ኣምልኾ ኸም ብሓድሽ ምሳና ምሕባሮም የሐጕሰና እዩ!—መዝ. 119:176፣ ግብ. 20:35

19. ዝኽሪ ሞት የሱስ ምብዓል እንታይ ጥቕምታት የምጽእ፧

19 እሞ ደኣ የሱስ ንዝኽሪ ሞቱ ዓመት ዓመት ከነብዕሎ ዝሰርዓሉ ምኽንያትሲ ተረዲኡናዶ፧ ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንገዛእ ርእስና ዀነ ንኻልኦት ብብዙሕ መገድታት ንጠቅም ኢና። (ኢሳ. 48:17, 18) ንየሆዋን ንየሱስን ዘሎና ፍቕሪ ይዓዝዝ እዩ። ነቲ ዝገበሩልና ነገራት ክሳዕ ክንደይ ከም እነማስወሉ ነርኢ ኢና። ምስ ክርስትያናት ብጾትና ዘሎና ርክብ ይድልድል እዩ። ንኻልኦት ሰባት ድማ ካብቲ እቲ በጃ ዜምጽኦ በረኸት ብኸመይ ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ነፍልጦም ኢና። እምበኣር፡ ነቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኣብታ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ዝዀነት ዕለት ዚብዓል በዓል ዝኽሪ ንምድላው ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ ንግበር!

ከመይ ጌርና ኢና . . .

  • ልብና ንበዓል ዝኽሪ እነዳሉ፧

  • ኻልኦት ካብቲ በዓል ምእንቲ ኺጥቀሙ እንሕግዞም፧

  • ንዘይንጡፋት እንሕግዞም፧

መዝሙር 18 ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ዓንቀጻትን ቪድዮታትን ንምርካብ፡ በቲ ኣብ jw.org ዚርከብ መድለዪ ተጠቐም።

b ኣብ ናይ ሚያዝያ 2021 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

d ንምርምር ዚኸውን ሓሳባት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

e ስእልታትን “ ጉባኤ ብኸመይ ተቐቢላቶም፧” ዘርእስታ ሳጹንን ርአ። ሓደ ዘይንጡፍ ሓው ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው እኳ እንተ ኸበዶ፡ ነዚ ስምዒቱ ኣሰኒፉ ናብቲ ኣዳራሽ ይኣቱ። ኣብቲ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት ከኣ ብጽቡቕ ይቕበልዎ።

f መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ገሊኡ ኽፋል ዓለም ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ በዓል ዝኽሪ ኼብዕሉ ኸለዉ፡ ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ፍሉይ ኣኼባ ይዳለዉ። ሓደ ዘይንጡፍ ሓው ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው እኳ እንተ ኸበዶ፡ ነዚ ስምዒቱ ኣሰኒፉ ናብቲ ኣዳራሽ ይኣቱ። ኣብቲ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት ከኣ ብጽቡቕ ይቕበልዎ።