ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንደቂ ኣንስትዮ ኸምቲ የሆዋ ዚሕዘን ጌርካ ዲኻ እትሕዘን፧

ንደቂ ኣንስትዮ ኸምቲ የሆዋ ዚሕዘን ጌርካ ዲኻ እትሕዘን፧

ምስ ሓያሎ እሙናት ደቂ ኣንስትዮ ሓቢርና ናይ ምግልጋል ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣሎና። ንነፍሲ ወከፍ እዘን እሙናትን ትጉሃትን ኣሓትና ድማ ንፈትወንን ነድንቐንን ኢና! a ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋት፡ ብለውሃትን ብፍትሕን ብኣኽብሮትን ምእንቲ ኽትሕዝወን፡ ዚከኣለኩም ጽዓሩ። ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና ግና፡ ሓድሓደ ግዜ ኸምኡ ምግባር ቃልሲ ይዀነና እዩ። ገሊኦም ኣሕዋት ከኣ ኣብዚ መዳይ እዚ ተወሳኺ ብድሆታት ኣለዎም።

ገሊኦም ኣብቲ ደቂ ተባዕትዮ ንደቂ ኣንስትዮ ኸም ዝተሓታ ገይሮም ዚርእዩሉ ባህሊ እዮም ዓብዮም። ንኣብነት፡ ሃንስ ዝስሙ ኣብ ቦሊቭያ ዜገልግል ሓላው ወረዳ ኸምዚ ይብል፦ “ገሊኦም ሰብኡት ተባዕታዊ ትምክሕቲ ኣብ ዘለዎ ባህሊ እዮም ዓብዮም። ብሰንኪ እዚ ድማ ሰብኡት ካብ ኣንስቲ ኸም ዚበልጹ ገይሮም እዮም ዚኣምኑ።” b ኣብ ታይዋን ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ሸንግሽየን ድማ ከምዚ ይብል፦ “ኣብዚ ዝነብረሉ ዓዲ ዘለዉ ብዙሓት ሰብኡት፡ ኣንስቲ ኣብ ጕዳይ ሰብኡት ኪኣትዋ ኸም ዘይብለን ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። ሓደ ሰብኣይ ኣብ ሓደ ጕዳይ ርእይቶ ሰበይቲ እንተ ጠቒሱ፡ ብኻልኦት ኪንዓቕ ይኽእል እዩ።” ገሊኦም ደቂ ተባዕትዮ ኸኣ ንደቂ ኣንስትዮ ኣትሒቶም ከም ዚርእዩ ብግልጺ ዘይኰነስ፡ ብተዘዋዋሪ እዮም ዚሕብሩ። ንኣብነት፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዜዋርድ ዋዛ ይዋዘዩ እዮም።

እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ባህሊ እኳ እንተ ዓበየ፡ ኪልወጥ ይኽእል እዩ። ነቲ ደቂ ተባዕትዮ ኻብ ደቂ ኣንስትዮ ይበልጹ ዚብል ሓሳብ ኬጥፍኦ ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 4:22-24) ኣብነት የሆዋ እንተ ስዒቡ፡ ከምኡ ኺገብር ይኽእል እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ከም ዚሕዘን፡ ኣሕዋት ንደቂ ኣንስትዮ ኸምቲ የሆዋ ዚሕዘን ገይሮም ንምሓዝ ብኸመይ ኪምሃሩ ኸም ዚኽእሉ፡ ከምኡ ድማ ሽማግለታት ንኣሓት ኣብ ምኽባር ብኸመይ ቀዳሞት ከም ዚዀኑ ኽንምርምር ኢና።

የሆዋ ንደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ እዩ ዚሕዝን፧

የሆዋ ኣብ ኣተሓሕዛ ደቂ ኣንስትዮ ፍጹም ኣብነት ሰሪዑልና ኣሎ። ርሕሩሕ ኣቦ ስለ ዝዀነ፡ ንዅሎም ደቁ የፍቅሮም እዩ። (ዮሃ. 3:16) ንእሙናት ኣሓት ከኣ ከም ተፈተውቲ ደቁ ገይሩ እዩ ዚርእየን። የሆዋ ንደቂ ኣንስትዮ ኸም ዜኽብረን ዜርእየሉ እዚ ዚስዕብ መገድታት እስከ ንርአ።

ብዘይ ኣድልዎ ይሕዘን። የሆዋ ንሰብኡትን ንኣንስትን ብመልክዑ እዩ ፈጢርዎም። (ዘፍ. 1:27) ንደቂ ተባዕትዮ ኻብ ደቂ ኣንስትዮ ዚበልጽ ምስትውዓልን ክእለትን ሂቡ ኣይኰነን ፈጢርዎም፣ ሓለፋ ደቂ ኣንስትዮ ገይሩ እውን ኣይርእዮምን እዩ። (2 ዜና 19:7) ንሰብኡትን ንኣንስትን ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምግንዛብ ኰነ ነቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ኣብ ምንጽብራቕ ማዕረ ኣእምሮኣዊ ኽእለት ሂቡ እዩ ፈጢርዎም። ብተወሳኺ፡ የሆዋ ነቲ ሰብኡትን ኣንስትን ዘለዎም እምነት ብማዕረ እዩ ዚርእዮ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ተስፋኦም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ይኹን ወይ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ኣብ ሰማይ ምግልጋል ለውጢ ኣየምጽእን እዩ። (2 ጴጥ. 1:1) ብንጹር እምበኣር የሆዋ ንደቂ ኣንስትዮ ትሕት ኣቢሉ ኣይርእየንን እዩ።

ይሰምዐን። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዚስምዐን ስምዒትን ዜተሓሳስበን ነገራትን ይግደስ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ራሄልን ሃናን ዝጸለያኦ ጸሎት ሰሚዑስ ምላሽ ሂብወን እዩ። (ዘፍ. 30:22፣ 1 ሳሙ. 1:10, 11, 19, 20) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ እቶም ንደቂ ኣንስትዮ ዝሰምዑ ሰብኡት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጽሓፍ ገይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብርሃም ነቲ የሆዋ ዝሃቦ መምርሒ ብምስዓብ ንሰበይቱ ሳራ ሰሚዕዋ እዩ። (ዘፍ. 21:12-14) ንጉስ ዳዊት ከኣ ንኣቢጋይል ሰሚዕዋ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ነቲ ዘረባኣ ኻብ የሆዋ ኸም ዝመጸ ገይሩ እዩ ርእይዎ። (1 ሳሙ. 25:32-35) እቲ ንባህርያት ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ዘንጸባረቐ የሱስ እውን ንኣዲኡ ማርያም ሰሚዕዋ እዩ። (ዮሃ. 2:3-10) እዚ ኣብነታት እዚ፡ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ኣኽብሮት ዜርእየሉ መገዲ፡ ንዓታተን ብምስማዕ ምዃኑ የጕልሓልና።

ይኣምነን። ንኣብነት፡ የሆዋ ንሄዋን፡ ንብዘላ ምድሪ ኣብ ምክንኻን ክትሕግዝ ከም እትኽእል ኣሚንዋ እዩ። (ዘፍ. 1:28) ስለዚ፡ ካብ ሰብኣያ ኣዳም ከም እትትሕት ገይሩ ኣይኰነን ርእይዋ። የግዳስ፡ መመላእታኡ ገይሩ እዩ ርእይዋ። ንነብዪት ዴቦራን ንነብዪት ሑልዳን እውን ንህዝቡ ኺመኽራ፡ እንተላይ ንመስፍንን ንንጉስን ኪመኽራ ሓላፍነት ሂብወን እዩ። (መሳ. 4:4-9፣ 2 ነገ. 22:14-20) ሎሚ የሆዋ ዕዮኡ ንክርስትያን ደቂ ኣንስትዮ ኣሚኑ ሂብወን ኣሎ። እዘን እሙናት ኣሓት እዚአን፡ ኣስፋሕቲ፡ ፈለምቲ፡ ሚስዮናውያን ኰይነን የገልግላ ኣለዋ። ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ህንጻታት ጨንፈርን ኣብ ምንዳፍን ኣብ ምህናጽን ኣብ ምክንኻንን እውን ይሕግዛ እየን። ገሊኣተን ኣብ ቤት-ኤል እየን ዜገልግላ፣ ገሊኣተን ከኣ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ እየን ዜገልግላ። እዘን ኣሓት እዚአን፡ የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ዜንቀሳቕሰን ዓብዪ ሰራዊት እየን። (መዝ. 68:11) ብንጹር እምበኣር፡ የሆዋ ንደቂ ኣንስትዮ ኸም ድኹማት ወይ ዓቕሚ ኸም ዘይብለን ገይሩ ኣይርእየንን እዩ።

ኣሕዋት ንደቂ ኣንስትዮ፡ ከምቲ የሆዋ ዚሕዘን ገይሮም ንምሓዝ ብኸመይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

ኣቱም ኣሕዋት፡ ንክርስትያን ኣሓትና ኸምቲ የሆዋ ዚሕዘን ጌርና ንሕዘን እንተ ኣሊና ንምፍላጥ፡ ኣተሓሳስባናን ተግባራትናን ብቕንዕና ኽንምርምር ኣሎና። ከምኡ ንምግባር ሓገዝ የድልየና እዩ። ከምቲ ራጂ ዚስእል ማሽን ኣብ ውሽጢ ልብና ዘሎ ጸገም ጥዕና ኽንፈልጥ ዜኽእለና፡ በቲ ኻብ ናይ ሓቂ ፈታዊናን ካብ ቃል ኣምላኽን እንረኽቦ ሓገዝ ድማ ነቲ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኣሉታዊ ስምዒታት ክንፈልጦ ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ነቲ ሓገዝ እቲ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ንናይ ሓቂ ፈታዊኻ ሕተቶ። (ምሳ. 18:17) ለዋህን ሚዛናውን ንዝዀነ እንኣምኖ ፈታዊና እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንሓትቶ ንኽእል ኢና፦ “ንኣሓት ብኸመይ ዝሕዘን ዘለኹ ይመስለካ፧ ከም ዘኽብረን ገይረን ድየን ዚርእያኒ፧ ምሳታተን ዘሎኒ ርክብ ከመሓይሽዶ እኽእል፧” ዓርክኻ ኸተመሓይሾ እትኽእል መገድታት እንተ ኣጕሊሑልካ፡ መመኽነይታታት ኣይተቕርብ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምምሕያሻት ንምግባር ፍቓደኛ ኹን።

ቃል ኣምላኽ ኣጽንዕ። ንኣሓት ብግቡእ ንሕዘን እንተ ኣሊና ኽንፈልጠሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ፡ ንኣረኣእያናን ንተግባራትናን ብቓል ኣምላኽ ጌርና ምምርማር እዩ። (እብ. 4:12) ንቓል ኣምላኽ ከነጽንዖ ኸለና፡ ንደቂ ኣንስትዮ ብግቡእ ብዛዕባ ዝሓዙ ሰብኡትን ንደቂ ኣንስትዮ ብግቡእ ብዛዕባ ዘይሓዙ ሰብኡትን ንምሃር ኢና። ድሕሪኡ፡ ንተግባራቶም ምስ ተግባራትና ኸነወዳድሮ ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ፡ ንገሊኡ ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ካልእ እናኣነጻጸርና ነጽንዕ እንተ ዄንና፡ ገሊኡ ፍቕድታት ነቲ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዘሎና ግጉይ ኣረኣእያ ኸም ዚድግፍ ጌርና ኣይንርእን ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:7፡ “ከም ተነቃፊት ኣቕሓ ጌርኩም ኣኽብርወን” ዚብል ኣሎ። c ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝተሓተት፡ ማለት ብምስትውዓልን ብኽእለትን ዝተሓተት እያ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን! ንቓላት ጴጥሮስ ምስቲ ኣብ ገላትያ 3:26-29 ዘሎ ቓላት ከነነጻጽሮ ንኽእል ኢና። ኣብኡ ኸኣ የሆዋ ንደቂ ኣንስትዮን ንደቂ ተባዕትዮን ኣብ ሰማይ መጋዝእቲ የሱስ ኪዀኑ ኸም ዝሓረዮም ተገሊጹ ኣሎ። እምበኣር፡ ቃል ኣምላኽ እንተ ኣጽኒዕና፡ ንናይ ሓቂ ፈታዊና ድማ ብዛዕባ እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዘሎና ኣተሓሕዛ ሓሳብ ኪህበና እንተ ሓቲትናዮ፡ ንኣሓትና ብኸመይ ግቡእ ኣኽብሮት ከም እነርኢ ኽንምሃር ንኽእል ኢና።

ሽማግለታት ንኣሓት ብኸመይ ኬኽብርወን ይኽእሉ፧

ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት ኣብነት ፈቃራት ሽማግለታት ብምስዓብ፡ ንኣሓት ብኸመይ ብኣኽብሮት ከም ዚሕዙ ኺምሃሩ ይኽእሉ እዮም። እሞ ደኣ ሽማግለታት ንኣሓት ኣብ ምኽባር ብኸመይ እዮም ቀዳሞት ኪዀኑ ዚኽእሉ፧ ገለ መገድታት እስከ ንርአ።

ንኣሓት ይንእድወን። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሽማግለታት ጽቡቕ ኣብነት እዩ ሓዲጉሎም። ኣብታ ናብ ሮሜ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ንእተፈላለያ ኣሓት ብግህዶ ንኢድወን ኣሎ። (ሮሜ 16:12) እታ ጳውሎስ ዝለኣኻ መልእኽቲ ኣብታ ጉባኤ ኽትንበብ ከላ፡ እተን ኣሓት ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሳ እሞ ገምቶ። ብተመሳሳሊ፡ ሽማግለታት ንኣሓት ስለቲ ጽቡቕ ባህርያተንን ስለቲ ምእንቲ የሆዋ ዚዓይያኦ ዕዮን ኣብዚሖም ኪንእድወን ኣለዎም። በዚ ኸምዚ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እነኽብረንን ከም እነድንቐንን ኪፈልጣ ይኽእላ። ካብ ሽማግለ ዚመጽእ ዜተባብዕ ቃላት፡ ብሕጂ እውን ንየሆዋ ብተኣማንነት ንምግልጋል ኪሕግዘን ይኽእል እዩ።—ምሳ. 15:23

ንኣድ

ሽማግለታት ንኣሓት ኪንእድወን ከለዉ፡ ንጹር ነጥቢ ጠቒሶም ካብ ልቢ ኺንድእወን ኣለዎም። ስለምንታይ፧ ጀሲካ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ኣሕዋት ንሓንቲ ሓብቲ ብድብድቡ ‘ንፍዕቲ’ ኢሎም እንተ ንኢዶምዋ ሕማቕ ኣይኰነን። እንተዀነ ግና፡ ኣሕዋት ሓደ ንጹር ነጥቢ ጠቒሶም ኪንእዱና ኸለዉ፡ ንኣብነት ንደቅና ኣብ ኣኼባታት ጸጥ ኢሎም ኮፍ ኪብሉ ስለ ዝመሃርናዮም፡ ወይ ንሓንቲ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኣኼባ ስለ እተማላእናያ ኺንእዱና ኸለዉ ኢና ብዝያዳ እንተባባዕ።” ሽማግለታት ንኣሓት ንጹር ነጥቢ ጠቒሶም ኪንእድወን ከለዉ፡ ኣብ ጉባኤ ኸም ዚድለያን ኣኽቢርካ ኸም ዚርኣያን ኪስምዐን ይኽእል እዩ።

ንኣሓት ይሰምዕወን። ትሑታት ሽማግለታት፡ ንሳቶም በይኖም ጽቡቕ ሓሳባት ከም ዘለዎም ገይሮም ኣይሓስቡን እዮም። የግዳስ፡ ንኣሓት ሓሳብ ኪህባኦም ይሓትቱ፡ ኪዛረባ ኸለዋ እውን ጽን ኢሎም ይሰምዕወን እዮም። ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ንኣሓት የተባብዕወን፡ ገዛእ ርእሶም እውን ይጠቕሙ እዮም። ብኸመይ፧ ኣብ ቤት-ኤል ዜገልግል ሄራርዶ ዝስሙ ሽማግለ ኸምዚ ይብል፦ “ንኣሓት ርእይቶአን ኪህባኒ እንተ ሓቲተየን፡ ዕዮይ ብስሉጥ ክዓዪ ይሕግዘኒ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንሓደ ዕዮ ኻብ ሓያሎ ኣሕዋት ንዝነውሐ ግዜ ዓይየናኦ እየን።” ብዘይካዚ፡ ብዙሓት ኣሓት ኣብ ጉባኤ ፈለምቲ ዀይነን የገልግላ እየን። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባት ብዙሕ ይፈልጣ እየን። ብራያን ዝስሙ ሽማግለ፡ “ኣሓትና ንውድብና ብዙሕ ኬበርክታ ይኽእላ እየን። ስለዚ፡ ካብ ተመክሮአን ንጠቐም” ይብል።

ስማዕ

ጥበበኛታት ሽማግለታት ነቲ ኻብ ኣሓት ዝመጾም ሓሳባት ቀልጢፎም ዕሽሽ ኣይብልዎን እዮም። ስለምንታይ፧ ኤድዋርድ ዝስሙ ሽማግለ፡ “ሓደ ሓው ናይ ሓብቲ ርእይቶን ተመክሮን ምስ ዚፈልጥ፡ ዝሰፍሐ ኣረኣእያ ኺህልዎን ርሕራሐ ኼማዕብልን ኪሕግዞ ይኽእል እዩ” ይብል። (ምሳ. 1:5) ሓደ ሽማግለ ነቲ ኻብ ሓንቲ ሓብቲ እተዋህቦ ሓሳባት ኪጥቀመሉ እኳ እንተ ዘይከኣለ፡ ስለቲ ትዕዝብታን ልቦናኣን ኬመስግና ይኽእል እዩ።

ንኣሓት የሰልጥንወን። ኣስተውዓልቲ ሽማግለታት ንኣሓት ዜሰልጥኑሉ ኣጋጣሚታት የናድዩ እዮም። ንኣብነት፡ ጥሙቕ ሓው ኣብ ዘይህልወሉ እዋን፡ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ብኸመይ ከም ዚመርሓ ይምህርወን እዮም። ኣብ ቲኦክራስያዊ ፕሮጀክትታት ጽገናን ህንጸትን ምእንቲ ኺሕግዛ ኸኣ፡ ናውቲ ብኸመይ ከም ዚጥቀማ ወይ ማሽን ብኸመይ ከም ዜንቀሳቕሳ የሰልጥንወን እዮም። ኣብ ቤት-ኤል፡ ሓለውቲ ንኣሓት እተፈላለየ ዕዮታት ኪዓይያ የሰልጥንወን እዮም። ገለ ኻብኡ ጽገና፡ ሸመታ፡ ኣተሓሕዛ ሕሳብ፡ ኮምፕዩተር ፕሮግራሚንግ ኪጥቀስ ይከኣል። ሽማግለታት ንኣሓት ምስ ዜስልጥንወን፡ ክኢላታትን እሙናትን ገይሮም ከም ዚርእይወን እዮም ዜርእዩ።

ኣሰልጥን

ብዙሓት ኣሓት ነቲ ኻብ ሽማግለታት ዚውሃበን ስልጠና፡ ንኻልኦት ብዚረብሕ መገዲ ይጥቀማሉ እየን። ንኣብነት፡ ገሊአን ኣሓት በቲ ኣብ ዕዮ ህንጸት እተዋህበን ስልጠና ገይረን ነቶም ብባህርያዊ ሓደጋ ቤቶም ዝዓነዎም ኣብ ምሕጋዝ እጃመን የበርክታ እየን። ገሊአን ኣሓት ከኣ ነቲ ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ዝረኸባኦ ኽእለት ንኻልኦት ኣሓት ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ንምስልጣን ይጥቀማሉ እየን። እሞ ደኣ ኣሓት ብዛዕባ እቶም ስልጠና ዝሃብወን ሽማግለታት እንታይ ይስምዐን፧ ጀኒፈር ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ሓደ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክዓዪ ኸለኹ፡ ሓደ ሓላዊ ግዜ ወሲዱ ኣሰልጢኑኒ። እንታይ እዓዪ ኸም ዘለኹ ኣስተብሂሉ እውን ንኢዱኒ። ኣኽቢሩ ስለ ዚርእየንን ስለ ዚኣምነንን፡ ምስኡ ምዕያይ ባህ እዩ ዚብለኒ።”

ንኣሓት ከም ኣባላት ስድራ ቤትና ጌርና ምሓዝ ዜምጽኦ ጥቕምታት

ነተን እሙናት ኣሓትና፡ ከምቲ የሆዋ ዚፈትወን ጌርና ኢና እንፈትወን! ስለዚ፡ ከም ኣባላት ስድራ ቤትና ጌርና ኢና እንሕዘን። (1 ጢሞ. 5:1, 2) ምሳታተን ሓቢርና ኸነገልግል ምኽኣልና፡ ክብርን ሓበንን እዩ ዚስምዓና። ፍቕርናን ደገፍናን ምፍላጠን እውን ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰና። ቫነሳ ዝስማ ሓብቲ፡ “ክፍሊ እዛ ውድብ እዚኣ ብምዃነይ፡ ንየሆዋ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። ኣብዛ ውድብ እዚኣ ንመንፈሰይ ዜሐድሱ ብዙሓት ኣሕዋት ኣለዉ” ትብል። ኣብ ታይዋን እትነብር ሓንቲ ሓብቲ ድማ፡ “የሆዋን ውድቡን ንደቂ ኣንስትዮን ንስምዒታትናን ኣኽቢሮም ዚርእዩ ምዃኖም ኣዝየ እየ ዘመስግን። እዚ ድማ ንእምነተይ የደልድሎ፡ ነቲ ኽፍሊ ውድብ የሆዋ ብምዃነይ ዝረኸብክዎ ፍሉይ መሰል ብዝያዳ ኸም ዘማስወሉ ኸኣ ይገብረኒ እዩ” ትብል።

የሆዋ፡ እሙናት ክርስትያናት ሰብኡት ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ኸም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያን ኣተሓሕዛን ኪህልዎም ኪርኢ ኸሎ፡ ብኣታቶም ይሕበን እዩ። (ምሳ. 27:11) ኣብ ስኮትላንድ ዚነብር በንጃሚን ዝስሙ ሽማግለ፡ “ዓለም ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዋ ኣረኣእያ ኣመና ትሑት እዩ። ስለዚ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪመጻ ኸለዋ፡ እቲ ፍልልይ ኪስምዐን ንደሊ ኢና” ይብል። እምበኣር፡ ነተን ፍቑራት ኣሓትና ዚግብአን ፍቕርን ኣኽብሮትን ብምሃብ፡ ንየሆዋ ንምምሳል ዚከኣለና ንግበር።—ሮሜ 12:10

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እታ “ኣሓት” እትብል ቃል፡ ብስጋ ኣሓት ንዝዀና ዘይኰነስ፡ ንክርስትያን ኣሓት ጥራይ እያ እተመልክት።

b “ተባዕታዊ ትምክሕቲ” ዘለዎም ሰብኡት፡ መጠኑ ዝሓለፈ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ትምክሕቲ ወይ ጕልበት እዮም ዜርእዩ። እዞም ሰብኡት እዚኦም፡ ንኣተሓሳስባን ንጠባይን ደቂ ተባዕትዮ ኽብ የብሉ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ድማ የቈናጽቡ እዮም።

c ብዛዕባ እቲ “ተነቃፊት ኣቕሓ” ወይ “ድኽምቲ ፍጥረት” ዚብል ቃላት ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2006 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “‘ድኽምቲ ፍጥረት’ ዘለዋ ዋጋ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ናይ 1 መጋቢት 2005 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንሰብ ሓዳር ዚኸውን ጥበባዊ መምርሒ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።