ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምኽሪ መጽናዕቲ

ንብሕታዊ ኣምልኾን ንኣምልኾ ስድራ ቤትን ዚኸውን ሓሳባት

ንብሕታዊ ኣምልኾን ንኣምልኾ ስድራ ቤትን ዚኸውን ሓሳባት

ንየሆዋ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ወረዳን ዞባን ብብዝሒ ተኣኪብና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብን ስድራ ቤትን እውን ነምልኾ ኢና። ገለ ኻብቲ ንብሕታዊ ኣምልኾን ንኣምልኾ ስድራ ቤትን ዚኸውን ሓሳባት ኣብዚ እንሆ፦

  • ንኣኼባታት ጉባኤ ተዳሎ። ክትዳሎ ኸለኻ፡ መዝሙራት ክትለማመድን ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤት ሓሳብ ኪህቡ ኸተዳልዎምን ትኽእል ኢኻ።

  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ዛንታ ስእሊ ስኣል፡ ወይ እንታይ ከም እተምሃርካ ጽሓፍ።

  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚርከብ ጸሎት መርምር፣ እዚ ንጸሎትካ ንምምሕያሽ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል እውን ሕሰብ።

  • ቲኦክራስያዊ ቪድዮ ርአ፣ ድሕሪኡ፡ ብዛዕባኡ ምስ ካልኦት ተመያየጥ ወይ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ጽሓፍ።

  • ንኣገልግሎት ተዳሎ፣ ምናልባት እውን ልምምድ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

  • ፍጥረት ተዓዘብ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም ዚምህረካ እውን ኣስተንትን ወይ ተመያየጥ። a

a ኣብ ናይ መጋቢት 2023 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ካብ ፍጥረት ብዛዕባ የሆዋ ተምሃር” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።