ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 5

መዝሙር 27 ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ

‘ከቶ ኣይክጥንጥነካን እየ’!

‘ከቶ ኣይክጥንጥነካን እየ’!

⁠[ኣምላኽ፡] ‘ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ’ ኢሉ እዩ።”እብ. 13:5

ኣትኵሮ

ኵሎም ተረፍ ቅቡኣት ክርስትያናት ናብ ሰማይ ምስ ተወስዱ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዚተርፉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ዘይጥንጠኑ መረጋገጺ ንምሃብ።

1. መዓስ እዮም ኵሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ናብ ሰማይ ዚኸዱ፧

 ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት፡ ህዝቢ የሆዋ፡ ‘እቶም ናይ መወዳእታ ቕቡኣት ክርስትያናት መዓስ እዮም ናብ ሰማይ ዚውሰዱ፧’ ኢሎም ይሓስቡ ነይሮም እዮም። ‘ገሊኦም ቅቡኣት ክርስትያናት ድሕሪ ውግእ ኣርማጌዶን ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ይተርፉ ይዀኑ’ ኢልና ንሓስብ ኔርና ኢና። ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2013 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ግና፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዅሎም ቅቡኣት ቅድሚ ምጅማር ውግእ ኣርማጌዶን ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ ተማሂርና።—ማቴ. 24:31

2. እንታይ ሕቶ እዩ ኺልዓል ዚከኣል፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

2 እንተዀነ ግና፡ ሓደ ሕቶ ኺልዓል ይከኣል እዩ፦ እቶም ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ኣብ ምድሪ ንየሆዋ ብተኣማንነት ኬገልግሉ ዚጸንሑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” እንታይ እዮም ኪዀኑ፧ (ዮሃ. 10:16፣ ማቴ. 24:21) እቶም ፍቑራት ቅቡኣት ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ሰማይ ምስ ከዱ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዚተርፉ እሙናት ኣገልገልቲ ዚገብርዎ ኸይሕርብቶም ወይ እተጠንጠኑ ዀይኑ ኸይስምዖም ገሊኦም ይጭነቑ እዮም። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ክልተ ዛንታታት እስከ ንመርምር። ድሕሪኡ፡ ስለምንታይ ክንጭነቕ ከም ዘይብልና ኽንርኢ ኢና።

እንታይ እዩ ዘይከውን፧

3-4. ገሊኦም እንታይ ኢሎም እዮም ኪሓስቡ ዚኽእሉ፧ ስለምንታይከ፧

3 ‘እቶም ካልኦት ኣባጊዕ፡ መሪሕነት እቶም ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀኑ ኣሕዋቶም ምስ ሰኣኑ፡ ካብ ሓቂ የላግሱ ደዀን ይዀኑ፧’ ኢሎም ዚሰግኡ ኣይሰኣኑን እዮም። ምናልባት ገሊኡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ዛንታታት ነዚ ፍርሂ እዚ ኸም እነሕድር ይገብረና ይኸውን። ክልተ ኣብነታት እስከ ንርአ። እቲ ቐዳማይ ምስ የሆያዳ እቲ ሊቀ ኻህናት እተተሓሓዘ ዛንታ እዩ። የሆያዳ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ንሱን ሰበይቱ የሆሻብዓትን ንዮኣስ ብሕጻንነቱ ኣዕቈብዎ፡ ቅኑዕ ዚገብርን እሙንን ንጉስ ኪኸውን እውን ሓገዝዎ። እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ የሆያዳ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዮኣስ ጽቡቕ ይገብር ነበረ። የሆያዳ ምስ ሞተ ግና፡ ክፉእ ኪገብር ጀመረ። ንእኩያት መሳፍንቲ ሰምዖም፡ ንየሆዋ እውን ሓደጎ።—2 ዜና 24:2, 15-19

4 እቲ ኻልኣይ ኣብነት ከኣ፡ ምስቶም ኣብ ካልኣይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እተተሓሓዘ እዩ። እቲ ብህይወት ዝጸንሐ ናይ መወዳእታ ሃዋርያ ዝዀነ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ንብዙሓት ክርስትያናት ጽቡቕ ጽልዋ የሕድረሎም፡ ኣብቲ ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ኪጸንዑ እውን ይሕግዞም ነይሩ እዩ። (3 ዮሃ. 4) ንሱ ምስቶም ካልኦት እሙናት ሃዋርያት የሱስ ሓቢሩ፡ ምስቲ ዜስፋሕፍሕ ዝነበረ ኽሕደት ተቓሊሱ እዩ። (1 ዮሃ. 2:18፣ 2 ተሰ. 2:7) ዮሃንስ ምስ ሞተ ግና፡ ክሕደት ከም ባርዕ እዩ ኣስፋሕፊሑ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምሉእ ብምሉእ እያ ተበላሽያ።

5. ካብዚ ኽልተ ዛንታታት እዚ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና ኽንበጽሕ ዘይብልና፧

5 እዚ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ክልተ ዛንታታት፡ እቶም ቅቡኣት ናብ ሰማይ ኣብ ዚውሰዱሉ እዋን፡ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ክርስቶስ ተመሳሳሊ ነገር ከም ዜጋጥሞም ድዩ ዚሕብር፧ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ እሙናት ክርስትያናት ከም ዮኣስ ካብቲ እተዋህቦም ስልጠና ኺዝንብሉ፡ ወይ ከምቶም ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ሓያሎ ክርስትያናት ናብ ክሕደት ኬላግሱ ድዮም፧ ፈጺሞም ከምኡ ኣይኪገብሩን እዮም! እቶም ቅቡኣት ካብ ምድሪ ምስ ተወስዱ፡ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ጽቡቕ ክንክን ከም ዚግበረሎምን ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ዚምዕብሉን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለምንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

ንጹህ ኣምልኾ ኣይኪበላሾን እዩ

6. ብዛዕባ እንታይ ሰለስተ ግዜያት ኢና ኣሕጽር ኣቢልና ኽንምርምር፧

6 ዋላ እውን ኣብቲ ብሕጂ ዚመጽእ ኣጸጋሚ ግዜ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኸቶ ኸም ዘይበላሾ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ግዜና እንታይ ከም ዚብል ንፈልጥ ኢና። እዚ ግዜ እዚ፡ ካብ ግዜ ጥንታዊት እስራኤልን ካብ ግዜ እቶም ኣብ ካልኣይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን ኣጸቢቑ ይፍለ እዩ። እምበኣር፡ ነዚ ሰለስቲኡ እዋናት ብዝያዳ እስከ ንመርምሮ፦ (1) ግዜ ጥንታዊት እስራኤል፡ (2) ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ዝነበረ ግዜ፡ (3) እዚ ግዜና፡ ማለት “ግዜ ምምላስ ኵሉ።”—ግብ. 3:21

7. ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ እሙናት ሰባት፡ እቶም ህዝብን እቶም ነገስታትን ብእኩይ መገዲ ኺመላለሱ ምስ ረኣዩ፡ በዚ ዘይተዳህሉ ስለምንታይ እዮም፧

7 ግዜ ጥንታዊት እስራኤል። ሙሴ ቐቅድሚ ሙማቱ ንእስራኤላውያን፡ “ድሕሪ ሞተይ ብርግጽ ከም እትበላሸዉን ካብታ ዝኣዘዝኩኹም መገዲ ኸም እተላግሱንሲ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 31:29) ብዘይካዚ፡ እንተ ዓልዮም፡ ናብ ምርኮ ኸም ዚውሰዱ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 28:35, 36) እሞኸ እዚ ቓላቱ ተፈጺሙዶ፧ እወ። ብዙሓት ነገስታት ንሓያሎ ዘመናት ብእኩይ መገዲ ተመላሊሶም፡ ንህዝቢ ኣምላኽ እውን ናብ ክፉእ ኬላግሱ መሪሖምዎም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ የሆዋ ነቶም እኩያት ህዝቡ ደርበዮም፣ ሓረግ ወለዶ ምድራውያን ነገስታት እውን ኣብቅዐ። (ህዝ. 21:25-27) እንተዀነ ግና፡ እሙናት እስራኤላውያን ቃል ኣምላኽ ኪፍጸም ምስ ረኣዩ፡ በዚ ተተባብዑ።—ኢሳ. 55:10, 11

8. እታ ኣብ ካልኣይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ምብልሻዋስ ኬገርመናዶ ይግባእ፧ ግለጽ።

8 ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ዝነበረ ግዜ። እታ ኣብ ካልኣይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ምብልሻዋስ ኬገርመናዶ ይግባእ፧ ኣይፋልን። የሱስ ዓብዪ ኽሕደት ከም ዚትንስእ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 7:21-23፣ 13:24-30, 36-43) ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ዮሃንስን እውን፡ እቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኪፍጸም ከም ዝጀመረ መረጋገጺ ሂቦም ኣለዉ። (2 ተሰ. 2:3, 7፣ 2 ጴጥ. 2:1፣ 1 ዮሃ. 2:18) ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ.፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተበላሸወት። ናይ ክሕደት ክርስትና ተላዕለ፣ ዓብዪ ኽፋል እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን እውን ኰነ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ብድራኸ መንፈስ እተዘርበ ትንቢት እዩ ተፈጺሙ።

9. እዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ፡ ካብ ግዜ ጥንታዊት እስራኤልን ካብ ግዜ እቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤን ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

9 “ግዜ ምምላስ ኵሉ።” ግዜና ኻብ ግዜ ጥንታዊት እስራኤልን ካብ ግዜ እቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ዝጀመረ ዓብዪ ኽሕደትን ይፍለ እዩ። እዚ ግዜና እንታይ ተባሂሉ ድዩ ዚጽዋዕ፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ እኩይ ስርዓት ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። (2 ጢሞ. 3:1) መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣብዚ እዋን እዚ ዝዓበየን ዝነውሐን መዋእል ከም ዚጅምር ይሕብር እዩ። እዚ ግዜ ድማ፡ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ንደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ኽሳዕ እተብጽሖምን ንምድሪ ናብ ገነት ክሳዕ እትቕይራን ኪቕጽል እዩ። እዚ መዋእል እዚ፡ “ግዜ ምምላስ ኵሉ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ግብ. 3:21) እዚ እዋን እዚ ብ1914 እዩ ጀሚሩ። እሞ ደኣ እንታይ ናይ ምምላስ ዕዮ እዩ ተዓይዩ፧ ቅድም ቀዳድም የሱስ ኣብ ሰማይ ነጊሱ። ስለዚ፡ የሆዋ ወራሲ እቲ እሙን ንጉስ ዳዊት ዝዀነ ንዕኡ ወኪሉ ዚገዝእ ገዛኢ ኸም ብሓድሽ ኣቚሙ። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ነቲ ንግስነት ጥራይ ኣይኰነን ናብ ዝነበሮ መሊስዎ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ዝነበሮ ኺምለስ ጀሚሩ። (ኢሳ. 2:2-4፣ ህዝ. 11:17-20) እሞ ደኣ መሊሱ ኺበላሾ ድዩ፧

10. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ንጹህ ኣምልኾ እንታይ እዩ ዚንበ፧ (ኢሳ. 54:17) (ለ) እዚ ትንቢታት እዚ ዜተባብዕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ኢሳይያስ 54:17 ኣንብብ። ብዛዕባ እዚ፡ “ኵሉ እቲ ኣንጻርኪ እተሰርሐ ኣጽዋር ኣይኪጠቅምን እዩ” ዚብል ትንቢት እሞ ሕሰብ። እዚ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓላት፡ ሎሚ ይፍጸም ኣሎ። እዚ ስዒቡ ዘሎ ዜጸናንዕ ቃላት፡ ነዚ ግዜና እውን ዚምልከት እዩ። “ኵሎም ደቅኺ ብየሆዋ ኺምሃሩ እዮም፣ ሰላም ደቅኺ እውን ብዙሕ ኪኸውን እዩ። ኣብ ጽድቂ ብጽኑዕ ክትስረቲ . . . ኢኺ፣ ገለ እኳ ኣይክትፈርህን፡ ሓደ እኳ ኣይኬሸብረክን እዩ። እዝስ ኣይኪቐርበክን እዩ።” (ኢሳ. 54:13, 14) እቲ “ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ” ተባሂሉ ዘሎ ሰይጣን እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ህዝቢ የሆዋ ዚዓይይዎ ዘለዉ ትምህርታዊ ዕዮ ደው ኬብሎ ኣይክእልን እዩ። (2 ቈረ. 4:4) ንጹህ ኣምልኾ ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ እዩ፣ ድሕሪ ደጊም እውን ኣይኪበላሾን እዩ። ንዘለኣለም ኪቕጽል እዩ። ኵሉ እቲ ኣንጻርና እተሰርሐ ኣጽዋር ኣይኪጠቅምን እዩ።

እንታይ እዩ ኪኸውን፧

11. ቅቡኣት ናብ ሰማይ ምስ ከዱ፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኸም ዘይጥንጠኑ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧

11 ቅቡኣት ናብ ሰማይ ምስ ተወስዱ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ የሱስ ጓሳዪና ምዃኑ ኣይንረስዕ። ንሱ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ እዩ። የሱስ ብንጹር፡ “መራሒኹም ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ” ኢሉና እዩ። (ማቴ. 23:10) እቲ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ዚገዝእ ዘሎ ንጉስና ዕዮኡ ኺዓዪ እዩ። ክርስቶስ ሓላፍነት ተሰኪሙ ኽሳዕ ዘሎ ኸኣ፡ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰዓብቱ ዚፈርሁሉ ዋላ ሓደ ምኽንያት የብሎምን። ልክዕ እዩ፡ ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ኣብቲ ግዜ እቲ ንህዝቡ ዚመርሓሉ መገዲ ዅሉ ዝርዝር ነገራት ኣይንፈልጥን ኢና። ስለዚ፡ መረጋገጺ ኪዀነና ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ እተወሰነ ኣብነታት እስከ ንርአ።

12. (ሀ) ሙሴ ምስ ሞተ፡ (ለ) ኤልያስ ካልእ ዕዮ ምስ ተዋህቦ፡ ብኸመይ እዩ የሆዋ ንህዝቡ ዜድልዮም ዘበለ ዜማልኣሎም ዝነበረ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

12 እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ቕድሚ ምእታዎም፡ ሙሴ ሞተ። እሞ ደኣ ሽዑ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ኰኑ፧ ብዘይ እቲ እሙን ሰብኣይ እቲ ዘርምዘርሞ ዀይኖም ድዮም ተሪፎም፧ ኣይፋልን። እሙናት ክሳዕ ዝዀኑ፡ የሆዋ ዜድልዮም ይህቦም ነበረ። ሙሴ ቕድሚ ሙማቱ፡ የሆዋ ንዕኡ፡ ንእያሱ መራሒ እቲ ህዝቢ ገይሩ ኺሸሞ ነገሮ። ኣቐዲሙ፡ ሙሴ ንእያሱ ንሓያሎ ዓመታት እዩ ኣሰልጢንዎ። (ዘጸ. 33:11፣ ዘዳ. 34:9) ብተወሳኺ፡ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሓምሳን ኣሕሉቕ ዓሰርተን ዚብሃሉ ብዙሓት ክኢላታት መራሕቲ ነይሮም እዮም። (ዘዳ. 1:15) ንህዝቢ ኣምላኽ ጽቡቕ ክንክን እዩ ዚግበረሎም ነይሩ። ኣብ ግዜ ኤልያስ እውን፡ ተመሳሳሊ ኣብነት ኢና እንርኢ። ኤልያስ ምስ ንጹህ ኣምልኾ ብዚተሓሓዝ ንሓያሎ ዓመታት ንእስራኤላውያን ይመርሖም ነይሩ እዩ። ድሕርዚ ግና፡ የሆዋ ሓድሽ ዕዮ ሃቦ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ናብታ ኣብ ደቡብ እትርከብ ይሁዳ ገዓዘ። (2 ነገ. 2:1፣ 2 ዜና 21:12) እሞ ደኣ እቶም ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ዝነበሩ እሙናት ሰባት፡ ብዘይ ደጋፊ ድዮም ተጠንጢኖም፧ ኣይፋልን። ኣቐዲሙ ኤልያስ ንኤልሳእ ንሓያሎ ዓመታት ኬሰልጥኖ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ በብጕጅለ እተጠርነፉ “ደቂ ነብያት” ዚብሃሉ እውን ነይሮም እዮም። (2 ነገ. 2:7) ስለዚ፡ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ መሪሕ ግደ ዝነበሮም ብዙሓት እሙናት ሰብኡት ነይሮም እዮም። ዕላማ የሆዋ ይግስግስ እዩ ነይሩ፣ ንእሙናት ኣምለኽቱ እውን ዜድልዮም የማልኣሎም እዩ ነይሩ።

ሙሴን (ጸጋመይቲ ስእሊ) ኤልያስን (የማነይቲ ስእሊ) ንዚትክኦም ሰብ ኣሰልጢኖም (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)


13. እንታይ መረጋገጺ ኢና ኣብ እብራውያን 13:5 እንረክብ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 እሞ ደኣ እቶም ናይ መወዳእታ ቕቡኣት ናብ ሰማይ ምስ ተወስዱ እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ክንግምት ኣየድልየናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ቀሊል ዜተባብዕ ሓቂ ይነግረና እዩ፦ የሆዋ ንህዝቡ ኸቶ ኣይኪጥንጥኖምን እዩ። (እብራውያን 13:5 ኣንብብ።) እቶም ሎሚ ዚመርሑና ዘለዉ ሒደት ጕጅለ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ ከም ሙሴን ኤልያስን፡ ኣገዳስነት እቲ ንኻልኦት ዚውሃብ ስልጠና ይርድኦም እዩ። ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀኑ ኣሕዋት ንሓያሎ ዓመታት ነቶም ካብ ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ሰባት፡ ብኸመይ ከም ዚመርሑ ኼሰልጥንዎም ጸኒሖም እዮም። ንኣብነት፡ ንሽማግለታት፡ ንሓለውቲ ወረዳ፡ ንኣባላት ኮሚተ ጨንፈር፡ ኣብ ቤት-ኤል ንዘለዉ ሓለውቲ፡ ከምኡ እውን ንኻልኦት ሰባት ንምስልጣን ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ ወዲቦም እዮም። ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ እተፈላለዩ ኮሚተታት ኣመሓዳሪ ኣካል ንዚዓይዩ ሓገዝቲ ኼሰልጥንዎም ጸኒሖም እዮም። እዞም ሓገዝቲ እዚኦም ድማ፡ ኣብዚ እዋን እዚ እኳ ብተኣማንነት ከቢድ ሓላፍነት ተሰኪሞም ኣለዉ። ነቲ ንኣባጊዕ ክርስቶስ ናይ ምክንኻን ዕዮ ንምቕጻል እውን፡ ብጽቡቕ ተዳልዮም ኣለዉ።

ኣመሓዳሪ ኣካል ንሓገዝቱ ንምስልጣን፡ ንሽማግለታትን ንሓለውቲ ወረዳን ንኣባላት ኮሚተ ጨንፈርን ኣብ ቤት-ኤል ንዘለዉ ሓለውትን ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ሚስዮናውያንን ዚኸውን ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ንምውዳብ ብትግሃት ይዓዪ ኣሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)


14. እቲ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ቐንዲ ነጥቢ እንታይ እዩ፧

14 ስለዚ፡ እቲ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ቐንዲ ነጥቢ እዚ እዩ፦ ኣብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዚመጽእ ብርቱዕ ጸበባ፡ እቶም ናይ መወዳእታ ቕቡኣት ናብ ሰማይ ምስ ተወስዱ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ ምድሪ ኪቕጽል እዩ። ሳላ መሪሕነት የሱስ ክርስቶስ፡ ኣምለኽቲ የሆዋ ዋላ ሓንቲ ኣይኪጐድሎምን እዩ። ልክዕ እዩ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብቶም ጎግ ብዓል ማጎግ ዚብሃሉ ስሙራት ኣህዛብ መጥቃዕቲ ኺወርደና እዩ። (ህዝ. 38:18-20) እቲ ሓጺር መጥቃዕቲ ግና ኪፈሽል እዩ፣ ንህዝቢ ኣምላኽ ከኣ ካብቲ ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣምልኾ ኣይኬታርፎምን እዩ። የሆዋ ብሓቂ ኼናግፎም እዩ! ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ ክርስቶስ ዝዀኑ “ብዙሓት ህዝቢ” ርእዩ እዩ። እቶም “ብዙሓት ህዝቢ፡” “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝወጹ” ተባሂሎም ኣለዉ። (ራእ. 7:9, 14) እወ፡ ብርግጽ ኪድሕኑ እዮም!

15-16. ብመሰረት ራእይ 17:14፡ እቶም ቅቡኣት ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ እዮም ኪገብሩ፧ እዚ ዜተባብዕ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

15 ገሊኦም ግና፡ ‘እቶም ቅቡኣትከ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ምስ ከዱ እንታይ ኪገብሩ እዮም፧’ ኢሎም ይሓትቱ ይዀኑ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ ብቐጥታ ይምልሰልና እዩ። ፖለቲካዊ ባእታታት እዛ ዓለም “ምስቲ ገንሸል ኪዋግኡ እዮም” ይብለና እዩ። ልክዕ እዩ፡ ኣብቲ ውግእ እቲ ኺስዓሩ እዮም። ስለዚ፡ “እቲ ገንሸል . . . ኪስዕሮም እዩ” ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ። ንዕኡኸ መን እዩ ዚሕግዞ፧ ኣብታ ፍቕዲ እቲኣ፡ መልሲ ንረክብ ኢና። እቶም “ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን” እዮም ንዕኡ ዚሕግዝዎ። (ራእይ 17:14 ኣንብብ።) እዚኣቶም መን እዮም፧ እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ቕቡኣት እዮም። ስለዚ፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ናይ መወዳእታ ቕቡኣት ናብ ሰማይ ምስ ተወስዱ፡ ሓደ ኻብቲ ናይ መጀመርታ ዕዮኦም ኣብ ውግእ ምስታፍ እዩ። ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ዕዮ ዀን እዩ! ገሊኦም ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅድሚ ምዃኖም ተዋጋእቲ እዮም ነይሮም። ገሊኦም እሞ ኸኣ ኣብ ናይ ዓለም ሰራዊት ኣገልጊሎም እዮም። ድሕሪኡ ግና፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኰይኖም፡ መገዲ ሰላም እውን ተማሂሮም እዮም። (ገላ. 5:22፣ 2 ተሰ. 3:16) በዚ ኸምዚ ኸኣ ውግእ ዘበለ ሓዲጎም። እንተዀነ ግና፡ ናብ ሰማይ ምስ ተንስኡ ምስ ክርስቶስን ምስ ቅዱሳት መላእኽቱን ሓቢሮም ኣብቲ ምስ ጸላእቲ ኣምላኽ ዚግበር ናይ መወዳእታ ውግእ ኪሳተፉ እዮም።

16 ሕስብ እሞ ነብሎ፦ ኣብ ምድሪ፡ ገሊኦም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣሪጎም እዮም ዘለዉ። ናብ ሰማያዊ ህይወት ምስ ተንስኡ ግና፡ ዘይሞቱ ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት እዮም ዚዀኑ። ኣብ ጐድኒ እቲ ተዋጋኢ ንጉሶም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ተሰሊፎም ድማ እዮም ዚዋግኡ። ድሕሪ ውግእ ኣርማጌዶን ከኣ፡ ንደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ኣብ ምብጻሕ እጃም ኪህልዎም እዩ። ብዘይ ጥርጥር እምበኣር፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ፍቑራት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ካብቲ ዘይፍጹማት ሰባት ከለዉ ዝገበሩሎም ንላዕሊ እዮም ኣብ ሰማይ ኰይኖም ኪገብሩሎም።

17. ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኻ ኣብቲ ውግእ ኣርማጌዶን ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ከም ዘይረኽቦም ብኸመይ ንፈልጥ፧

17 ንስኻኸ ኻብቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዲኻ፧ ውግእ ኣርማጌዶን ምስ ጀመረ ደኣ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ብሓጺሩ፡ ብየሆዋ ተኣመን፣ መምርሒኡ ድማ ስዓብ። እዚ እንታይ የጠቓልል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናብ ውሽጣዊ ኽፍልታትኩም እተዉ፡ ማዕጾኹም እውን ብድሕሬኹም ዕጸዉ። ቍጥዓ ኽሳዕ ዚሓልፍ፡ ንሓጺር ህሞት ተሓብኡ” ዚብል ዜጸናንዕ ቃላት ሒዙ ኣሎ። (ኢሳ. 26:20) ኵሎም እቶም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዚነብሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ኣይኪረኽቦምን እዩ። ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “መንግስትታት ኰኑ፡ ዘሎ ዀነ፡ ዚመጽእ ኰነ፡ . . . [ካብ] ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና ኸም ዘይክእል” ርግጸኛታት ኢና። (ሮሜ 8:38, 39) ወትሩ እዚ ነገር እዚ ኣይትረስዕ፦ የሆዋ የፍቅረካ እዩ፣ ከቶ እውን ኣይኪጥንጥነካን እዩ!

እቶም ናይ መወዳእታ ቕቡኣት ክርስትያናት ናብ ሰማይ ምስ ተወስዱ፡ . . .

  • እንታይ እዩ ዘይከውን፧

  • ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዘይበላሾ ብኸመይ ርግጸኛታት ንኸውን፧

  • የሆዋ ንህዝቡ ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዜማልኣሎም ብኸመይ ርግጸኛታት ንኸውን፧

መዝሙር 8 የሆዋ እዩ መዕቈቢና