ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 6

መዝሙር 10 ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!

“ስም የሆዋ ወድሱ”

“ስም የሆዋ ወድሱ”

“ኣቱም ገላዉ የሆዋ፡ ወድሱ፣ ስም የሆዋ ወድሱ።”​—መዝ. 113:1

ኣትኵሮ

ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ኽንውድስ ዚድርኸና ምኽንያት ንምጕላሕ።

1-2. ብዛዕባ እቲ የሆዋ ስሙ ኺሕመ ኸሎ እተሰምዖ ምእንቲ ኺርድኣና እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

 እትሓልየሉ ሰብ ብዛዕባኻ ሕማቕ ተዛሪቡ ንበል። ዘረባኡ ሓሶት ምዃኑ ትፈልጦ ኢኻ፣ እንተዀነ ግና፡ ገሊኦም ይኣምንዎ። እዚ ኸይኣክል ከኣ ነቲ ሓሶቱ ይደግምዎ፡ ብዙሓት እውን ንዓታቶም ኪኣምንዎም ይጅምሩ። እንታይ ምተሰምዓካ፧ ብዛዕባ ሰባትን ብዛዕባ ጽቡቕ ስምካን ትግደስ እንተ ዄንካ፡ እቲ ሕሜት ናይ ግድን የሕምመካ እዩ።—ምሳ. 22:1

2 እዚ ዝረኣናዮ ነገር፡ የሆዋ ስሙ ኣብ ዚጽልመሉ እዋን እንታይ ከም ዚስምዖ ኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ። ሓደ ኻብቶም መንፈሳውያን ደቁ፡ ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ዝዀነት ሄዋን ብዛዕባኡ ሓሶት ነገራ። ንሳ ነቲ ሓሶት ኣመነቶ። እቲ ሓሶት እቲ ኸኣ፡ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ኻብ የሆዋ ኸም ዚዓልዉ ገበሮም። ብሰንኪ እዚ፡ ሓጢኣትን ሞትን ናብ ደቂ ሰብ ኣተወ። (ዘፍ. 3:1-6፣ ሮሜ 5:12) ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም እንርእዮ ዘለና ጸገማት፡ ሞት ኰነ፡ ውግእ ኰነ፡ ወይ መከራ፡ ብሰንኪ እቲ ሰይጣን ኣብ ገነት ኤደን ዝጀመሮ ሓሶት እዩ መጺኡ። እሞኸ እዚ ሕሜት እዝን ዘስዓቦ ሳዕቤናትን ንየሆዋ የሕምሞ ድዩ፧ ብዘይ ጥርጥር የሕምሞ እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ በዚ ነገር እዚ እናተማረረ ወይ ቂም ሒዙ ኣይኰነን ዚነብር። ኣብ ክንዳኡስ፡ ወትሩ “ሕጉስ ኣምላኽ እዩ።”—1 ጢሞ. 1:11

3. እንታይ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ዘሎና፧

3 ንሓቅነት ስም የሆዋ ኣብ ምርግጋጽ እጃምና ናይ ምብርካት ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣሎና። ከምኡ ንምግባር፡ ነቲ “ስም የሆዋ ወድሱ” ዚብል ጻውዒት ክንእዘዞ ኣሎና። (መዝ. 113:1) እወ፡ ብዛዕባ እቲ በቲ ቕዱስ ስም ዚጽዋዕ ኣምላኽ ጽቡቕ ክንዛረብ ኣሎና። እሞ ንስኻኸ ኸምኡ ኽትገብር ዲኻ፧ ሕጂ እምበኣር፡ ንስም ኣምላኽና ብምሉእ ልብና ኽንውድስ ዜለዓዕለና ሰለስተ ሓያል ውሽጣዊ ድራኸታት ንርአ።

ስም የሆዋ ኽንውድስ ከለና፡ ንየሆዋ ነሐጕሶ

4. የሆዋ በቲ እነቕርበሉ ውዳሰ ዚሕጐስ ስለምንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ። (ስእሊ እውን ርአ።)

4 ስም ኣምላኽ ክንውድስ ከለና፡ ንሰማያዊ ኣቦና ነሐጕሶ ኢና። (መዝ. 119:108) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከምቶም ብርእሶም ዘይተኣማመኑ ብምዃኖም ናእዳ ዜድልዮም ዘይፍጹማት ሰባት እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ነዚ ዜብርሃልና ምሳሌ እስከ ንርአ። ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ንኣቦኣ ሕቝፍ ኣቢላ፡ “ባባ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ካባኻ ዚበልጽ የሎን!” ትብሎ። እቲ ኣቦ በቲ ዝበለቶ ይሕጐስ፡ ልቡ እውን ይትንከ። ስለምንታይ፧ ብርእሱ ዘይተኣማመን ብምዃኑ ኻብ ውላዱ ናእዳ ስለ ዜድልዮ ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣብ ክንዳኡስ፡ በቲ ጓሉ ዘርኣየቶ ፍቕርን ሞሳን ዚሕጐስ ብርእሱ ዚተኣማመን ኣቦ እዩ። እቲ ጓሉ ዘርኣየቶ ባህርያት፡ ምስ ዓበየት ንሓጐሳ ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ይፈልጥ እዩ። ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ኣቦ ዝዀነ የሆዋ፡ ክንውድሶ ኸለና ባህ ይብሎ እዩ።

ከምቲ ሰብኣዊ ኣቦ ኻብ ውሉዱ መግለጺ ፍቕርን ሞሳን ምስ ሰምዐ ዚሕጐስ፡ የሆዋ እውን ስሙ ኽንውድስ ከለና ይሕጐስ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)


5. ንስም ኣምላኽ ክንውድስ ከለና፡ ነየናይ ሓሶት ኢና እንነጽጎ፧

5 ንሰማያዊ ኣቦና ኽንውድሶ ኸለና፡ ነቲ ብዛዕባና እተዘርበ ሓሶት እውን ንነጽጎ ኢና። ሰይጣን፡ ዋላ ሓደ ሰብ ንስም ኣምላኽ ብተኣማንነት ከም ዘይጣበቐሉ እዩ ዚማጐት። ብናቱ ኣበሃህላ፡ ዋላ ሓዴና ተኣማንነት ዚብሃል የብልናን። ኵላትና ጥቕምና ኺትንከ ኸሎ ንኣምላኽ ዝባንና ኸም እንህቦ እዩ ዚከራኸር። (እዮ. 1:9-11፣ 2:4) እዮብ እሙን ብምዃኑ ግና፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ዜርኢ መረጋገጺ ኣቕረበ። ንስኻኸ ኸመይ ኢኻ፧ ነፍሲ ወከፍና ምእንቲ ስም ኣቦና ብተኣማንነት ናይ ምምጓት፡ ንዕኡ ብተኣማንነት ብምግልጋል ከኣ ልቡ ናይ ምሕጓስ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣሎና። (ምሳ. 27:11) እዚ ንዓና ዓብዪ ኽብሪ እዩ።

6. ንንጉስ ዳዊትን ንሌዋውያንን ብኸመይ ክንመስሎም ንኽእል፧ (ነህምያ 9:5)

6 ብዘይካዚ፡ እሙናት ሰባት በቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም፡ ንስሙ ብምሉእ ልቦም ይውድስዎ እዮም። ንጉስ ዳዊት፡ “ነፍሰየ፡ ንየሆዋ ወድስዮ፣ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉ እውን፡ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይወድስ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መዝ. 103:1) ዳዊት፡ ንስም የሆዋ ምውዳስ፡ ንየሆዋ ንባዕሉ ምውዳስ ማለት ከም ዝዀነ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። ስም የሆዋ መጸውዒ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሉ እቲ ጽቡቕ ባህርያቱን ዜደንቕ ተግባራቱን እዩ ዜዘኻኽረና። ዳዊት ንስም ኣቦኡ ኪቕድሶ ወይ ኪውድሶ ይደሊ ነይሩ እዩ። “ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉ . . . ነቲ ቕዱስ ስሙ ይወድስ” ኪብል ከሎ፡ ብምሉእ ልቡ እዩ ንየሆዋ ኺውድሶ ዚደሊ ነይሩ። ብተመሳሳሊ፡ ሌዋውያን ንየሆዋ ኣብ ምውዳስ መሪሕ ግደ እዩ ነይርዎም። ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ዚግብኦ ውዳሰ፡ ብቓላት ምሉእ ብምሉእ ኪግለጽ ከም ዘይከኣል ብትሕትና ተኣሚኖም እዮም። (ነህምያ 9:5 ኣንብብ።) እዚ ብትሕትና ዝቐረበ ልባዊ ውዳሰ ንልቢ የሆዋ ኸም ዘሐጐሶ ኣየጠራጥርን እዩ።

7. ኣብ ኣገልግሎትናን ኣብ መዓልታዊ ህይወትናን ብኸመይ ኢና ንየሆዋ ኽንውድሶ እንኽእል፧

7 ሎሚ፡ ኣብ ዘረባና ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዘሎና ሞሳን ፍቕርን ብምግላጽ፡ ንዕኡ ኸነሐጕሶ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣገልግሎት ቀንዲ ዕላማና፡ ንሰባት ናብ የሆዋ ምስሓብ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ፈቃር ኣቦና ኸም ናትና ዓይነት ኣረኣእያ ኺሕዙ ምሕጋዝ ምዃኑ ንዝክር ኢና። (ያእ. 4:8) መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ብኸመይ ከም ዚገልጾ፡ ማለት ብዛዕባ ፍቕሩን ፍትሑን ጥበቡን ሓይሉን ካልእ ማራኺ ባህርያቱን ብኸመይ ከም ዚገልጽ ንሰባት ተሓጒስና ኢና እነርእዮም። ንዕኡ ኽንመስሎ ብምጽዓር እውን፡ ንየሆዋ ኽንውድሶን ከነሐጕሶን ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 5:1) ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ኣብዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ እተፈለና ኢና እንኸውን። ሰባት ነዚ ኼስተብህሉሉ እሞ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝዀንና ሕቶ ኺልዓሎም ይኽእል ይኸውን። (ማቴ. 5:14-16) ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ምሳታቶም ክንራኸብ ከለና፡ ስለምንታይ ከምዚ ዝበለ ኣካይዳ ኸም እንስዕብ ክንገልጸሎም ንኽእል ኢና። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ቅኑዓት ሰባት ናብ ኣምላኽ ይስሓቡ። ንየሆዋ በዚ መገድታት እዚ እንተ ወዲስናዮ፡ ንልቡ ባህ ነብሎ ኢና።—1 ጢሞ. 2:3, 4

ስም የሆዋ ኽንውድስ ከለና፡ ንየሱስ ነሐጕሶ

8. የሱስ ስም የሆዋ ኣብ ምውዳስ ብኸመይ እዩ መሪሕ ግደ ተጻዊቱ፧

8 ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ኣስተውዓልቲ ፍጡራት፡ ከም ወዲ ገይሩ ንኣቦ ዚፈልጦ የልቦን። (ማቴ. 11:27) የሱስ ንኣቦኡ የፍቅሮ እዩ፣ ስም የሆዋ ኣብ ምውዳስ እውን መሪሕ ግደ ኣለዎ። (ዮሃ. 14:31) ኣብታ ቕድሚ ሞቱ ዝነበረት ለይቲ ናብ ኣቦ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት ንዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ኣገልግሎት፡ “ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ” ብዚብል ቃላት እዩ ኣሕጽር ኣቢሉ ገሊጽዎ። (ዮሃ. 17:26) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

9. የሱስ ንኣቦኡ ብንጹር ንምግላጽ እንታይ ምሳልያዊ ዛንታ እዩ እተጠቕመ፧

9 የሱስ ንሰባት፡ ስም ኣምላኽ የሆዋ ኸም ዝዀነ ኻብ ምሕባር ንላዕሊ እዩ ገይሩ። እቶም የሱስ ዚምህሮም ዝነበረ ኣይሁድ፡ ንስም ኣምላኽ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። የሱስ ግና ንኣቦኡ ብዝያዳ ኺፈልጥዎ ስለ ዝሓገዞም፡ “ንሱ ገለጾ” ተባሂሉ ኣሎ። (ዮሃ. 1:17, 18) ንኣብነት፡ የሆዋ መሓርን ርሕሩሕን ምዃኑ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተገሊጹ ንረክብ ኢና። (ዘጸ. 34:5-7) እንተዀነ ግና፡ የሱስ ምሳሌ እቲ ፋሉል ወድን ኣቦኡን ብምዝንታው፡ እዚ ሓቂ እዚ ብዝያዳ ኸም ዚንጽር ገበረ። እቲ ኣቦ ነቲ እተነስሐ ወዱ “ገና ርሑቕ ከሎ” ኸም ዝረኣዮ፡ ኪረኽቦ ኸም ዝጐየየ፡ ከም ዝሓቘፎ፡ ብምሉእ ልቡ እውን ይቕረ ኸም ዝበለሉ ኸነንብብ ከለና፡ ብዛዕባ ምሕረትን ርሕራሐን የሆዋ ንጹር ስእሊ ኢና ኣብ ኣእምሮና እንስእል። (ሉቃ. 15:11-32) እወ፡ የሱስ ንኣቦኡ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ገሊጹልና።

10. (ሀ) የሱስ፡ ብሕታዊ ስም ኣቦኡ ኸም እተጠቕመን ካልኦት ኪጥቀሙሉ ይደሊ ኸም ዝነበረን ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ማርቆስ 5:19) (ስእሊ እውን ርአ።) (ለ) የሱስ ሎሚ እንታይ ክንገብር እዩ ዚደልየና፧

10 እሞ ደኣ የሱስ ሰባት ንብሕታዊ ስም ኣቦኡ ኺጥቀሙሉ ይደሊ ነይሩ ድዩ፧ እወ። ገሊኦም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ስም ኣምላኽ ኣመና ቕዱስ ስለ ዝዀነ ኺድሀ ኸም ዘይብሉ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። የሱስ ግና ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ንስም ኣቦኡ ኻብ ምኽባር ዕንቅፋት ኪኸውን ኣይፈቐደን። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዞባ ጌርጌሴኖን ኣጋንንቲ ንዝሓደርዎ ሰብ ዘሕወየሉ እዋን እሞ ንሕሰብ። እቶም ሰባት በዚ ስለ ዝፈርሁ፡ ንየሱስ ካብ ዞባኦም ኬልግስ ለመንዎ፣ ስለዚ ኣብቲ ዞባ እቲ ኣይጸንሐን። (ማር. 5:16, 17) ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ዞባ እቲ ስም የሆዋ ኺፍለጥ ደለየ። ስለዚ፡ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፡ ንሰባት ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገበረሉ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረሉ ነገር ኪነግር ኣዘዞ። (ማርቆስ 5:19 ኣንብብ።) a ሎሚ እውን ካብዚ እተፈለየ ኣይኰነን ዚደሊ፣ ስም ኣቦኡ ኣብ ብዘላ ዓለም ከነፍልጥ ይደልየና እዩ። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ኣብዚ መዳይ እዚ እጃምና እንተ ጌርና፡ ነቲ ንጉስና ዝዀነ የሱስ ነሐጕሶ ኢና።

የሱስ ነቲ ኣጋንንቲ ሓዲሮምዎ ዝነበሩ ሰብኣይ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረሉ ነገር ኪነግር ኣዘዞ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)


11. የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ ኢሎም ኪጽልዩ እዩ ምሂርዎም፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ህዝቅኤል 36:23)

11 የሆዋ ንስሙ ኪቕድሶ፡ ማለት ካብ ኵሉ ጸርፊ ናጻ ኺገብሮ ዕላማ ኸም ዘለዎ፡ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ንሰዓብቱ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ኪጽልዩ ዝመሃሮም። (ማቴ. 6:9) ንዅሎም ፍጡራት ዜጋጥሞም ዘሎ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ጕዳይ እዚ ምዃኑ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ህዝቅኤል 36:23 ኣንብብ።) ንስም የሆዋ ንምቕዳስ፡ ማዕረ የሱስ ዝጸዓረ ኣስተውዓሊ ፍጡር ኣብ ዩኒቨርስ የሎን። እንተዀነ ግና፡ ምስ ተኣስረ ጸላእቱ እንታይ ኢሎም እዮም ከሲሶምዎ፧ ንኣምላኽ ጸሪፍካ ኢሎም! የሱስ ንስም እቲ ቕዱስ ኣቦኡ ምጽራፍ ወይ ምሕማይ ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ሓጢኣት ገይሩ ይርእዮ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። በዚ ገበን እዚ ዚኽሰስን ዚፍረዶን ምዃኑ ኣመና ረቢሽዎ እዩ። ሓደ ኻብቲ ኣብቲ ቕድሚ ማእሰርቱ ዝነበረ ሰዓታት “ብዙሕ ይሳቐ” ኸም ዝነበረ እተገልጸሉ ምኽንያታት እውን እዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ሉቃስ 22:41-44

12. የሱስ ንስም ኣቦኡ ብኣዝዩ ብሉጽ መገዲ ዝቐደሶ ብኸመይ እዩ፧

12 የሱስ ንስም ኣቦኡ ንምቕዳስ፡ ኣብ ልዕሊኡ ንእተዀመረ ዅሉ ዓይነት ስቅያትን ጸርፍን ጸለመን ተጻዊሩ እዩ። ንኣቦኡ ብዅሉ ኸም እተኣዘዞ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ዋላ ሓንቲ ዜሕፍር ኣይነበሮን። (እብ. 12:2) ኣብቲ ጸልማት ግዜ፡ ሰይጣን ብቐጥታ የጥቅዖ ምንባሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 22:2-4፣ 23:33, 34) ሰይጣን ንንጽህና የሱስ ኬበላሹ እዩ ደልዩ ነይሩ፣ እንተዀነ ግና፡ ኣይሰለጦን። ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ፡ የሆዋ ድማ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተና እኳ ንጽህናኦም ዚሕልዉ እሙናት ኣገልገልቲ ኸም ዘለውዎ የሱስ መረጋገጺ ኣቕሪቡ እዩ።

13. ብኸመይ ኢኻ ንንጉስካ ኸተሐጕሶ እትኽእል፧

13 እሞ ደኣ ንንጉስካ ኸተሐጕሶ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ንስም የሆዋ ወድሶ፣ ሰባት ንኣምላኽና ብልክዕ ኪፈልጥዎ ሓግዞም። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣስኣሰር የሱስ ኢኻ እትስዕብ ዘለኻ። (1 ጴጥ. 2:21) ከም የሱስ ንየሆዋ ተሐጕሶ፡ እቲ መጻርርቱ ዝዀነ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ እውን መረጋገጺ ተቕርብ ኢኻ ዘለኻ።

ስም የሆዋ ኽንውድስ ከለና፡ ህይወት ሰባት ኢና እነድሕን

14-15. ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኽንምህሮም ከለና፡ እንታይ ዜደንቕ ነገራት ኢና እንርኢ፧

14 ስም የሆዋ ኽንውድስ ከለና፡ ህይወት ሰባት ኢና እነድሕን። ብኸመይ፧ መሸም፡ ሰይጣን “ንኣእምሮ እቶም ዘይኣመንቲ ኣዕዊርዎ ኣሎ።” (2 ቈረ. 4:4) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ‘ኣምላኽ የሎን፡’ ‘ኣምላኽ ካባና ርሑቕ እዩ፡ ብደቂ ሰብ እውን ኣይግደስን እዩ፡’ ‘ኣምላኽ ጨካን እዩ፡ ንገበርቲ ኽፉእ እውን ንዘለኣለም የሳቕዮም እዩ’ ዚብል ሰይጣን ዝነዝሖ ሓሶት ይኣምኑ እዮም። እዚ ሓሶታት እዚ ንስም የሆዋ ዜጸልም እዩ፣ በዚ ኸምዚ ሰባት ናብ የሆዋ ኪቐርቡ ድሌት ኣይሓድሮምን። ዕዮና ግና ንዕላማ ሰይጣን ዜፍሽል እዩ። ንሰባት ብዛዕባ ኣቦና ሓቂ ንምህሮም ኢና፣ ነቲ ቕዱስ ስም ኣምላኽና እውን ንውድሶ ኢና። እዚኸ እንታይ ፍረ እዩ ዜፍሪ፧

15 ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቅታት ዓብዪ ሓይሊ ኣለዎ። ንሰባት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ባህርያቱን ክንምህሮም ከለና፡ ዜደንቕ ነገር ኢና እንርኢ። እቲ ኣዕዊርዎም ዝነበረ ናይ ሰይጣን ሓሶታት በብቝሩብ ኪቕንጠጥ ከሎ፡ ነቲ ፍቑር ኣቦና ድማ ከም ናትና ዓይነት ኣረኣእያ ኺሕዙ ኸለዉ ኢና እንርኢ። በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሓይሊ ኣምላኽ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት እዩ ዚሓድሮም። (ኢሳ. 40:26) በቲ ፍጹም ፍትሑ ድማ፡ ኣብኡ እምንቶ የሕድሩ። (ዘዳ. 32:4) በቲ ዓሚቝ ጥበቡ ኣእምሮኦም ኪበርህ ይጅምር። (ኢሳ. 55:9፣ ሮሜ 11:33) ንሱ ፍቕሪ ምዃኑ ብምፍላጦም እውን ይጸናንዑ። (1 ዮሃ. 4:8) ንየሆዋ እናቐረብዎ ምስ ከዱ፡ ከም ደቁ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋኦም ርግጽ እናዀነ ይኸይድ። እሞ ደኣ ንሰባት ናብ ኣቦኦም ኪቐርቡ ናይ ምሕጋዝ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ መሰል ኰን እዩ ዘሎና። ኣብዚ ዕዮ ኽንሳተፍ ከለና፡ የሆዋ ኸም ‘መዓይይቱ’ ገይሩ እዩ ዚርእየና።—1 ቈረ. 3:5, 9

16. ገሊኦም ስም ኣምላኽ ምስ ፈለጡ፡ እዚ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩሎም፧ ኣብነታት ሃብ።

16 ኣብ ፈለማ፡ ንሰባት፡ ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ጥራይ ንምህሮም ንኸውን። እዚ ነገር እዚ ጥራይ ቅኑዕ ኣብ ዝልቦም ሰባት ነባሪ ጦብላሕታ ኺሓድግ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣልያ b ዝስማ መንእሰይ፡ ክርስትያን ኣብ ዘይኰኑ ቤተ ሰብ እያ ዓብያ። እንተዀነ ግና፡ ብሃይማኖታ ሕጕስቲ ኣይነበረትን፣ ምስ ኣምላኽ እውን ርክብ ኣይነበራን። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከተጽንዕ ምስ ጀመረት ግና፡ እዚ ነገር እዚ ተቐየረ። ንኣምላኽ ከም ፈታዊኣ ገይራ ኽትርእዮ ጀመረት። ስም ኣምላኽ ካብ ሓያሎ መጽሓፍ ቅዱሳት ከም እተሰረዘ፡ ብኸም ጐይታ ዝኣመሰለ መዓርጋት እውን ከም እተተክአ ምፍላጣ እውን ገረማ። ስም ኣምላኽ ምፍላጣ ኣብ ህይወታ ነጥበ መቐይሮ እዩ ዀይኑላ። ሽዑ እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ፡ “እቲ ናይ ቀረባ ፈታውየይ ስም ኣለዎ!” ትብል። እዚኸ እንታይ ኣፍርዩላ፧ ከምዚ ብምባል ባዕላ ትገልጽ፦ “ሕጂ ኣብ ልበይ ብዙሕ ሰላም ኣሎኒ። ዓብዪ ኽብሪ ኸም እተዋህበኒ እዩ ዝስምዓኒ።” ስቲቭ ዝስሙ ሙዚቀኛ ኣኽረርቲ ሰዓብቲ እምነት ኣይሁድ ኣብ ዘለውዎ ስድራ እዩ ዓብዩ። ኣዝዩ ብዙሕ ግብዝና ስለ ዝረኣየ ድማ፡ ካብ ሃይማኖታት ርሒቑ ነበረ። ኣብ ሓዘን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግና፡ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዚምራሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጽምበር ፍቓደኛ ዀነ። ኣብቲ ግዜ እቲ ስም ኣምላኽ ብምፍላጡ ውሽጡ ተተንከየ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዖ ኺገልጽ ከሎ፡ “ስም ኣምላኽ ኣይፈልጥን እየ ነይረ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዘሎ ንፈለማ ግዜ ኽርዳእ ክኢለ። ህያው ገይረ ኽርእዮ ኽኢለ። ኣብቲ ግዜ እቲ ፈታዊ ኸም ዝረኸብኩ ፈሊጠ” ይብል።

17. ስም የሆዋ ወትሩ ንምውዳስ ቈሪጽካ ዘለኻ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

17 ኣብ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ፡ ነቲ የሆዋ ዚብል ቅዱስ ስም ንሰባት ትነግሮምዶ፧ ኣምላኽና ኸመይ ዝበለ ምዃኑ ኺፈልጡ ትሕግዞምዶ፧ ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ንስም ኣምላኽ ኢኻ እትውድሶ ዘለኻ። እምበኣር፡ ሰባት ነቲ በቲ ስም እቲ ዚጽዋዕ ኣምላኽ ኪፈልጥዎ ብምሕጋዝ፡ ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ወድሶ። በዚ ኸምዚ፡ ህይወት ሰባት ከተድሕን ኢኻ። ኣስኣሰር እቲ ንጉስካ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ክትስዕብ ኢኻ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ነቲ ፈቃር ኣምላኽካ የሆዋ ኸተሐጕሶ ኢኻ። ሃየ እምበኣር፡ ‘ንዘለኣለመ ኣለም ስሙ ወድሶ’!—መዝ. 145:2

ንሰባት ብዛዕባ ስም የሆዋን ብዛዕባ ባህርያት የሆዋን ብምምሃር፡ ንስም የሆዋ ንውድሶ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

ስም ኣምላኽ ምውዳስ፡ . . .

  • ንየሆዋ ዜሐጕሶ ብኸመይ እዩ፧

  • ንክርስቶስ የሱስ ዜሐጕሶ ብኸመይ እዩ፧

  • ህይወት ሰባት ዜድሕን ብኸመይ እዩ፧

መዝሙር 2 የሆዋ እዩ ስምካ

a ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ማርቆስ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፉ ነቲ የሱስ እተዛረቦ ኺጽሕፍ ከሎ፡ መለኮታዊ ስም ከም እተጠቕመ ዚሕብር ሓያል መርትዖ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ እቲ ስም ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ ኣሎ።

b ስማት ተቐዪሩ እዩ።