ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 7

መዝሙር 51 ንኣምላኽ ውፉያት ኢና

ካብ ናዝራውያን እንረኽቦ ትምህርቲ

ካብ ናዝራውያን እንረኽቦ ትምህርቲ

“ብዅለን መዓልትታት ናዝራውነቱ ንየሆዋ እተቐደሰ እዩ።”ዘሁ. 6:8

ኣትኵሮ

ናዝራውያን ዝሓደግዎ ኣብነት ንየሆዋ ብናይ ርእሰ መስዋእትን ብናይ ትብዓትን መንፈስ ምእንቲ ኸነገልግሎ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና።

1. ኣብ ምሉእ ታሪኽ ዚርከቡ ኣምለኽቲ የሆዋ እንታይ ጽቡቕ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧

 ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኣኽቢርካ ዲኻ እትርእዮ፧ እዚ ዜጠራጥር ኣይኰነን! ከምኡ ዚገብሩ ኻልኦት እውን ኣለዉ። ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ ከም ናትካ ዓይነት ኣረኣእያ ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት ነይሮም እዮም። (መዝ. 104:33, 34) ሓያሎ ሰባት ንየሆዋ ንምምላኽ፡ መስዋእቲ ገይሮም እዮም። እቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ናዝራውያን ዚብሃሉ ዝነበሩ ሰባት፡ ገለ ኻባታቶም እዮም ነይሮም። ናዝራውያን መን እዮም ነይሮም፧ ካባታቶምከ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

2. (ሀ) ናዝራውያን መን እዮም ነይሮም፧ (ዘሁልቍ 6:1, 2) (ለ) ገሊኦም እስራኤላውያን መብጽዓ ናዝራውነት ዚመባጽዑ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

2 እታ “ናዝራዊ” እትብል ቃል፡ “እተፈልየ” ወይ “እተወፈየ” ኻብ ዚትርጕማ ቓል እብራይስጢ ዝመጸት እያ። እዛ ቓል እዚኣ፡ ነቶም ንየሆዋ ብፍሉይ መገዲ ብሕታዊ መስዋእቲ ዚኸፍሉ ቐናኣት እስራኤላውያን ጽቡቕ ገይራ እያ እትገልጾም። ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ንእተወሰነ እዋን ናዝራዊ ንምዃን ኪመባጻዕ ይኽእል ነይሩ እዩ። a (ዘሁልቍ 6:1, 2 ኣንብብ።) መብጽዓ ናዝራውነት እተመባጽዐ ሰብ፡ ካልኦት እስራኤላውያን ኪሕልውዎ ዘይግደዱሉ ስርዓታት ኪስዕብ ነበሮ። ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ሓደ እስራኤላዊ ናዝራዊ ኪኸውን ዚመባጻዕ፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ካብቲ ንየሆዋ ዝነበሮ ዓሚቝ ፍቕርን ካብቲ ንበረኸቱ ዝነበሮ ምስጋናን ተላዒሉ እዩ ኸምኡ ዚገብር።—ዘዳ. 6:5፣ 16:17

3. ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብኸመይ እዮም ምስ ናዝራውያን ዚመሳሰሉ፧

3 ሕጊ ሙሴ ብ“ሕጊ ክርስቶስ” ምስ ተተክአ፡ ስርዓት ናዝራውነት ኣብቂዑ እዩ። (ገላ. 6:2፣ ሮሜ 10:4) ይኹን እምበር፡ ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ እውን ከም ናዝራውያን፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ብምሉእ ኣእምሮኦምን ብምሉእ ሓይሎምን ኬገልግልዎ ሓያል ድሌት ኣለዎም። (ማር. 12:30) ርእስና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና፡ ብፍታውና መብጽዓ ንመባጻዕ ኢና። ነቲ መብጽዓ እቲ ሓሊና ምእንቲ ኽንመላለስ ድማ፡ ከም ፍቓድ የሆዋ ኽንነብርን መስዋእቲ ኽንገብርን ኣሎና። ናዝራውያን ብኸመይ መብጽዓኦም ሓልዮም ከም እተመላለሱ ኽንምርምር ከለና፡ ንሕና ብኸመይ መብጽዓና ሓሊና ኸም እንመላለስ ትምህርቲ ኽንረክብ ኢና። b (ማቴ. 16:24) ሕጂ ገለ ኣብነታት ንርአ።

መስዋእቲ ንምኽፋል ፍቓደኛ ኹን

4. ብመሰረት ዘሁልቍ 6:3, 4፡ ናዝራውያን እንታይ መስዋእቲ እዮም ዚኸፍሉ ነይሮም፧

4 ዘሁልቍ 6:3, 4 ኣንብብ። ናዝራውያን ኣልኮላዊ መስተ ዘበለ ኣይሰትዩን እዮም ነይሮም። ከም ፍረ ወይኒ ወይ ዘቢብ ዝኣመሰለ ፍርያት ወይኒ እውን ኣይበልዑን እዮም ነይሮም። ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ሰባት በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምግብን መስተን ይሕጐሱ ነይሮም እዮም፣ እዚ ድማ ዋላ ሓንቲ ጌጋ ኣይነበሮን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ወይኒ . . . ንልቢ ሰብ ኬሐጕሶ” ተባሂሉ ኻብ ኣምላኽ ከም እተዋህበ ይገልጽ እዩ። (መዝ. 104:14, 15) ናዝራውያን ግና ነቲ ኻብዚ ዚርከብ ሓጐስ እዮም ብፍታዎም ዚስውእዎ ነይሮም። c

ከም ናዝራውያን መስዋእቲ ንምኽፋል ፍቓደኛ ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 4-6 ርአ)


5. ማድያንን ማርሰላን እንታይ ብሕታዊ መስዋእቲ እዮም ገይሮም፧ ስለምንታይከ፧

5 ንሕና እውን ከም ናዝራውያን፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ንምምላኽ መስዋእቲ ንኸፍል ኢና። ንኣብነት፡ ማድያንን ማርሰላን ዝገበርዎ እስከ ንርአ። d እዞም ክርስትያን ሰብ ሓዳር እዚኦም፡ ምሾት ዘለዎ ህይወት እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ማድያን ጽቡቕ ስራሕ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ሓደ ጽቡቕ ኣፓርታማ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ድሕርዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዝያዳ ኺገብሩ ደለዩ። ነዚ ሸቶኦም እዚ ንምውቃዕ ከኣ፡ እተወሰነ ምትዕርራያት ኪገብሩ ወሰኑ። ብዛዕባኡ ኺገልጹ ኸለዉ፡ “ወጻኢታትና ኽንንኪ ጀሚርና። ናብ ንእሽቶ ኣፓርታማ ግዒዝና፡ ንማኪናና [ኸኣ] ሼጥና” ይብሉ። ማድያንን ማርሰላን መስዋእትታት ኪገብሩ ግዴታ ኣይነበሮምን። የግዳስ፡ ከምኡ ምግባር፡ ንኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ስለ ዚፈቕደሎም እዮም እዚ ስጕምቲ እዚ ወሲዶም። በዚ ውሳነኦም ከኣ፡ ዕግበትን ሓጐስን እዩ ዚስምዖም።

6. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት መስዋእትታት ዚገብሩ ስለምንታይ እዮም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

6 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኺውፍዩ ኢሎም ተሓጒሶም ብሕታዊ መስዋእትታት ይገብሩ እዮም። (1 ቈረ. 9:3-6) የሆዋ፡ ‘ከምዚ ዓይነት መስዋእትታት ግድን ግበሩ’ ኣይብለናን እዩ፣ እቲ እንሓድጎ ነገራት እውን ጌጋ የብሉን። ንኣብነት፡ ገሊኦም ጽቡቕ ስራሕ፡ ጽቡቕ ገዛ፡ ወይ ዚፈትውዎ እንስሳ ሓዲጎም ይኸዱ። ብዙሓት ከኣ፡ ከይተመርዓዉ ኺጸንሑ ወይ ከይወለዱ ኺጸንሑ ይውስኑ። ገሊኦም ከኣ ካብ ቤተ ሰቦምን ፈተውቶምን ተፈልዮም ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ርሑቕ ቦታ ኸይዶም የገልግሉ። ንየሆዋ ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ ኽንህቦ ስለ እንደሊ፡ መብዛሕትና ብፍታውና ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ንገብር ኢና። የሆዋ ንዅሉ እቲ ኸተገልግሎ ኢልካ እትገብሮ ዓብዪ ዀነ ንእሽቶ መስዋእቲ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ኸነረጋገጸልካ ንፈቱ።—እብ. 6:10

እተፈለኻ ንምዃን ፍቓደኛ ኹን

7. ሓደ ናዝራዊ መብጽዓኡ ንምሕላው እንታይ ጸገም እዩ ኼጋጥሞ ዚኽእል ዝነበረ፧ (ዘሁልቍ 6:5) (ስእሊ እውን ርአ።)

7 ዘሁልቍ 6:5 ኣንብብ። ናዝራውያን ጸጕሮም ኣይቈርጹን እዮም ነይሮም። በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚግዝኡ የርእዩ ነይሮም እዮም። ሓደ እስራኤላዊ፡ ናዝራዊ ዀይኑ ንነዊሕ እዋን እንተ ጸኒሑ፡ ጸጕሩ ስለ ዚነውሕ፡ ካልኦት ነዚ ኼስተብህሉሉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ንመብጽዓ ናዝራውነቱ ዚድግፉ እንተ ዀይኖም፡ እዚ ጸገም ኣይፈጥረሉን እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ታሪኽ እስራኤል፡ ናዝራውያን ኣኽብሮት ወይ ደገፍ ዘይረኽቡሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ብግዜ ነብዪ ኣሞጽ፡ ከሓድቲ እስራኤላውያን ነቲ ናዝራውያን ወይኒ ኺሕረሙ ዝኣተውዎ መብጽዓ ኸም ዜፍርሱ ኺገብርዎም ይጽዕሩ ብምንባሮም፡ “ንናዝራውያን ኪሰትዩስ ወይኒ መመሊስኩም ሂብኩምዎም” ተባሂሉ ኣሎ። (ኣሞ. 2:12) ስለዚ ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ናዝራዊ መብጽዓኡ ንምሕላውን ካብ ካልኦት እተፈልየ ንምዃንን ናይ ሓቂ ትብዓት የድልዮ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

መብጽዓኡ ዚሕሉ ናዝራዊ ኻብ ካልኦት እተፈልየ እዩ ዚኸውን ነይሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)


8. ካብ ተመክሮ እቲ በንያሚን ዚብሃል ቈልዓ እንታይ ዜተባብዕ ነገር ረኺብካ፧

8 ዋላ እኳ ብተፈጥሮና ሓፋራት ወይ ፈራሃት እንተ ዀንና፡ ብሓገዝ የሆዋ ግና ካብ ካልኦት እተፈለና ንምዃን ትብዓት ከነጥሪ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ነቲ በንያሚን ዚብሃል ኣብ ኖርወይ ዚነብር ወዲ ዓሰርተ ዓመት ዝዀነ ናይ የሆዋ ምስክር ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ኣብ ቤት ትምህርቱ ነቲ ብውግእ ዝዓነወት ዩክረይን ንምድጋፍ ዝዓለመ መሰናድዎ ተገብረ። ነቶም ቈልዑ ኸኣ ሃገራዊ ሕብርታት ዩክረይን ተኸዲኖም መዝሙራት ኪዝምሩ ሕቶ ቐረበሎም። በንያሚን ኣብኡ ኺሳተፍ ስለ ዘይደለየ፡ ካባታቶም ርሒቑ ደው በለ። ሓንቲ መምህሩ ስለ ዝረኣየቶ ግና፡ “ንዓ እምበር ተሓወሰና። ንጽበየካ እኮ ኢና ዘለና” ኢላ ዓው ኢላ ጸውዓቶ። በንያሚን ብትብዓት ናብታ መምህር ከይዱ፡ “ኣነ ገለልተኛ እየ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ከኣ ኣይሳተፍን እየ። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ውግእ ስለ ዘይኣትዉ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ኣለዉ” ኢሉ መለሰላ። እታ መምህር ነቲ መግለጺኡ ስለ እተቐበለቶ፡ ይኺድ ሓደገቶ። ደቂ ኽፍሉ ግና ንምንታይ ከም ዘይተጸምበሮም ኪሓትትዎ ጀመሩ። በንያሚን ኣመና ስለ ዝፈርሀ፡ ዳርጋ ኺበኪ ጀመረ። እንተዀነ ግና፡ ብትብዓት ነቲ ንመምህሩ ዝሃባ ምላሽ ደገመሎም። ጸኒሑ በንያሚን ንወለዱ፡ የሆዋ ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ኪቐውም ከም ዝሓገዞ ነገሮም።

9. ብኸመይ ኢና ንልቢ የሆዋ ኸነሐጕሶ እንኽእል፧

9 ንፍቓድ የሆዋ ኽንግዛእ ስለ እንደሊ፡ ካብቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት እተፈለና ኢና እንኸውን። ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀንና ንኻልኦት ምንጋር፡ ትብዓት ይሓትተና እዩ። ኣረኣእያን ኣካይዳን እዛ ዓለም ናብ ዝገደደ ኣብ ዚበጽሓሉ ዘሎ እዋን ከኣ፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምልላስን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ምንጋርን እናኸበደ እዩ ኪኸይድ። (2 ጢሞ. 1:8፣ 3:13) ካብቶም ንየሆዋ ዘየገልግሉ እተፈለና ዄንና ብትብዓት ምስ እንቐውም ግና፡ ‘ንልቡ ኸም እነሐጕሶ’ ወትሩ ኽንዝክር ኣሎና።—ምሳ. 27:11፣ ሚል. 3:18

ንየሆዋ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ሃቦ

10. ነቲ ኣብ ዘሁልቍ 6:6, 7 ተመዝጊቡ ዘሎ ትእዛዝ ምስዓብ፡ ንናዝራውያን ፈታኒ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

10 ዘሁልቍ 6:6, 7 ኣንብብ። ናዝራውያን ናብ ምዉት ኪቐርቡ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። ንሕና ነዚ ኸም ዓብዪ መስዋእቲ ኣይንቘጽሮን ንኸውን። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ሓደ ናዝራዊ ናይ ቀረባ ቤተ ሰቡ ምስ ዚሞቶ፡ እዚ ፈታኒ እዩ ዚዀኖ። ብመሰረት እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ስርዓተ ቐብሪ፡ ሰባት ጥቓ ሬሳ ቤተ ሰቦም ኪቐርቡ ዜገድድ ኵነታት ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 19:39, 40፣ ግብ. 9:36-40) ናዝራዊ ግና ነዚ ልማድ እዚ ኺስዕብ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ናዝራውያን ብሰንኪ እቲ ኣብ ቤተ ሰቦም ዘጋጠሞም ሞት ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ሓዘን ኣብ ዚዀኑሉ እዋን እኳ፡ መብጽዓኦም ብምሕላው፡ ሓያል እምነት የርእዩ ነበሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ ግዜያት፡ የሆዋ ነቶም ውፉያት ኣምለኽቱ ኸም ዜበርትዖም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

11. ሓደ ክርስትያን ናይ ስድራ ቤት ጕዳይ ኪሕዝ ከሎ፡ እንታይ ንምግባር እዩ ቘራጽነት ኪገብር ዘለዎ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

11 ንሕና ክርስትያናት ነቲ ንየሆዋ እተመባጻዕናዮ መብጽዓ ወፈያ ኣርዚንና ኢና እንርእዮ። እዚ ነቲ ምስ ስድራ ቤት ዚተሓሓዝ ውሳነታትናን ተግባራትናን ይጸልዎ እዩ። ንቕዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነታት ስድራ ቤትና ብትግሃት ክንስከም ንጽዕር ኢና። ንድሌት ኣባላት ስድራ ቤትና ግና ካብቲ የሆዋ ዚሓትቶ ብቕዓታት ኣይነቐድምን ኢና። (ማቴ. 10:35-37፣ 1 ጢሞ. 5:8) ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ንየሆዋ ባህ ምእንቲ ኸነብሎ ኢልና፡ ኣብ ስድራ ቤትና እተወሰነ ሰላም ንስእን ኢና።

ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ፡ ፍቓድ የሆዋ ተቐድም ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) e


12. ኣሌክሳንድሩ ኣብ ስድራ ቤቱ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እንተ ተፈጥረ፡ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ እንታይከ እዩ ዘይገበረ፧

12 ተመክሮ ኣሌክሳንድሩን ሰበይቱ ዶሪናን እስከ ንርአ። ክልቲኦም ንሓደ ዓመት ዚኣክል መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዑ፡ ዶሪና ነቲ መጽናዕቲ ኽትሓድጎ ወሰነት፡ ኣሌክሳንድሩ ኺሓድጎ እውን ደለየት። ንሱ ግና ብህድኣትን ብሜላን ከም ዘየቋርጽ ነገራ። ዶሪና በዚ ስለ ዘይተሓጐሰት፡ መጽናዕቲ ኸም ዜቋርጽ ንምግባር ጸዓረት። ኣሌክሳንድሩ ስለምንታይ ከምዚ ትገብር ከም ዘላ ኺርድኣላ እኳ እንተ ጸዓረ፡ እዚ ግና ንዕኡ ቐሊል ኣይነበረን። ኣብ ገሊኡ ግዜያት፡ ምስ ነቐፈቶን ሕማቕ ምላሽ ምስ ሃበቶን፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሓድጎ ሓሲቡ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ቐዳምነት ካብ ምሃብ ኣየቋረጸን። እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ ድማ፡ ንሰበይቱ ፍቕርን ኣኽብሮትን የርእያ ነበረ። ኣብ መወዳእታኡ፡ በቲ ሰናይ ኣብነቱ ተለዓዒላ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ብሓድሽ ጀመረት፡ ሓቂ እውን ተቐበለት።—ኣብ jw.org፡ “ሓቂ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ኣብ ዚብል ተኸታታሊ ቪድዮታት፡ ኣሌክሳንድሩ ቬካርን ዶሪና ቬካርን፦ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ” ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

13. ንየሆዋን ንስድራ ቤትናን ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ንስድራ ቤት ዘቘሞ የሆዋ እዩ፣ ሓጐስ ዝሰፈኖ ስድራ ቤት ኪህልወና እውን እዩ ዚደሊ። (ኤፌ. 3:14, 15) ብሓቂ ሕጉሳት ክንከውን ንደሊ እንተ ዄንና፡ ብመገዲ የሆዋ ኽንመላለስ ኣሎና። እምበኣር፡ የሆዋ ነቲ ንስድራ ቤትና እናሓለናሎምን ብፍቕርን ብኣኽብሮትን እናሓዝናዮምን ንዕኡ ንምምላኽ እንኸፍሎ መስዋእትታት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ኣይንጠራጠር።—ሮሜ 12:10

መንፈስ ናዝራውነት ኣተባብዕ

14. ምናዳ ንመን ኢና ብቓላትና ኸነተባብዖም ዘሎና፧

14 ኵሎም እቶም ሎሚ ንየሆዋ ኼምልኽዎ ዚደልዩ ዘበሉ ሰባት፡ ካብ ፍቕሪ ተላዒሎም መስዋእቲ ንምኽፋል ፍቓደኛታት ኪዀኑ ኣለዎም። ሓድሓደ ግዜ፡ ከምኡ ምግባር ቀሊል ኣይኰነን። እሞ ደኣ ነዚ መንፈስ እዚ ንምምዕባል ከመይ ጌርና ንሓድሕድና ኽንደጋገፍ ንኽእል፧ ብቓላት ንሓድሕድና ብምትብባዕ፡ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (እዮ. 16:5) ኣብ ጉባኤኻ፡ ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ዝያዳ ተሳትፎ ምእንቲ ኺህልዎም ኢሎም ህይወቶም ኬቕልሉ ዚፍትኑ ኣለዉዶ፧ ጸገማት እናተጻወሩ፡ ካብቶም ደቂ ትምህርቶም እተፈልዩ ዝዀኑ መንእሰያት ትፈልጥዶ፧ ብሰንኪ እቲ ኻብ ስድራ ቤቶም ዜጋጥሞም ተቓውሞ ተኣማንነቶም ንምሕላው ዚቃለሱ ዘለዉ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናት ብጾትንከ ኣለዉዶ፧ ነዞም ፍቑራት ክርስትያናት ብጾትና ነተባብዓዮም፣ መስዋእቲ ስለ ዚገብሩን ተባዓት ብምዃኖምን ንንኣዶም።—ፊሞ. 4, 5, 7

15. ገሊኦም ክርስትያናት ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ብኸመይ እዮም ደጊፎምዎም፧

15 ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንዘለዉ ክርስትያናት ብጾትና ብግብሪ ኽንድግፎም ንኽእል ኢና። (ምሳ. 19:17፣ እብ. 13:16) ኣብ ስሪ ላንካ እትነብር ብዕድመ ዝደፍአት እምንቲ ሓብቲ ኸምዚ ዓይነት ድሌት ከም ዘለዋ እያ ኣርእያ። ኣብ ጥሮታኣ ወሰኽ ምስ ተገብረላ፡ ንኽልተ መንእሰያት ፈለምቲ ነቲ ቝጠባዊ ጸገማት ተጻዊረን ኣገልግሎተን ምእንቲ ኪቕጽላ ኽትሕግዘን ደለየት። ስለዚ፡ ኣብ ወወርሒ ኣብቲ ናይ ተሌፎን ወጻኢታተን ዚሕግዘን እተወሰነ ገንዘብ ክትልግሰለን ወሰነት። እዛ ሓብቲ እዚኣስ፡ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ መንፈስ ኰን እያ ኣርእያ!

16. ካብቲ ጥንቲ ዝነበረ ስርዓት ናዝራውነት እንታይ ንምሃር፧

16 ካብቶም ጥንቲ ዝነበሩ ናዝራውያን ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግና፡ እዚ መሰናድዎ እዚ ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ እውን ሓደ ነገር ይምህረና እዩ። ንሱ ባህ ከነብሎ ልባዊ ድሌት ከም ዘሎናን ምስ መብጽዓ ወፈያና ተሰማሚዕና ኽንነብር ከም እንደልን ይተኣማመን እዩ። ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ብብሕቲ ኽንገልጸሉ ኣጋጣሚ ብምኽፋት ኣኽቢሩና ኣሎ። (ምሳ. 23:15, 16፣ ማር. 10:28-30፣ 1 ዮሃ. 4:19) ስርዓት ናዝራውነት፡ የሆዋ ነቲ እንኸፍሎ መስዋእቲ ኸም ዜስተብህለሉን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮን የረጋግጸልና። እምበኣር፡ ወትሩ ንየሆዋ ንምግልጋል፡ ብፍታው እውን ብሉጽና ንምሃብ ቈራጽነት ንግበር።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ናዝራውያን መስዋእቲ ዚኸፍሉን ትብዓት ዜርእዩን ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

  • ሎሚ ኸም ናይ ናዝራውያን ዓይነት መንፈስ ንምርኣይ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  • ስርዓት ናዝራውነት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ኣምለኽቱ ዘለዎ ምትእምማን እንታይ ይሕብር፧

መዝሙር 124 እሙናት ንኹን

a ሒደት ናዝራውያን ብኣምላኽ እኳ እንተ ተሸሙ፡ መብዛሕትኦም ግና ብፍቓዶም እዮም ናዝራውያን ዚዀኑ ነይሮም።—“ ብየሆዋ እተሸሙ ናዝራውያን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

b ኣብ ገሊኡ ግዜያት፡ ኣብ ጽሑፋትና ንናዝራውያን ምስ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ነመሳስሎም ኔርና ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ግና፡ ርእሶም ዝወፈዩ ዅሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ብኸመይ መንፈስ ናዝራውነት ከም ዜርእዩ ኢና ኽንምርምር።

c ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ፡ ናዝራውያን መብጽዓኦም ንምፍጻም፡ ከም ዕዮ ዝኣመሰለ ተወሳኺ ግዴታታት ኣይነበሮምን።

d ኣብ jw.org፡ “ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ዓምዲ ዝወጸት፡ “ናብራና ኸነቕልል ወሲንና” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

e መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ናዝራዊ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዀይኑ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዚፈትዎ ኣባል ቤተ ሰቡ ይርኢ። ብምኽንያት መብጽዓኡ ግና፡ ናብኡ ኪቐርብ ኣይከኣለን።