ረቡዕ 18 ጥሪ 2023፡ ሓውና ገይጅ ፍሊግልን ሓውና ጀፍሪ ዊንደርን ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኬገልግሉ ኸም እተሸሙ ዚሕብር ምልክታ ወጸ"/>

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክልተ ሓደስቲ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል

ክልተ ሓደስቲ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል

ረቡዕ 18 ጥሪ 2023፡ ኣብ jw.org ፍሉይ ምልክታ ወጸ። እቲ ምልክታ ኸኣ ሓውና ገይጅ ፍሊግልን ሓውና ጀፍሪ ዊንደርን ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኬገልግሉ ኸም እተሸሙ ዚሕብር ነበረ። ክልቲኦም ኣሕዋት ንየሆዋ ብተኣማንነት ናይ ምግልጋል ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎም እዮም።

ገይጅ ፍሊግልን ሰበይቱ ናድያን

ሓውና ፍሊግል፡ ፍርሃት ኣምላኽ ብዘለዎም ወለዱ ኣብ ምዕራባዊ ፐንስልቨንያ፡ ሕ.መ.ኣ. እዩ ዓብዩ። መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ስድራ ቤቱ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ኣብ ገጠር እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ገዓዙ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብ20 ሕዳር 1988 ተጠምቀ።

ወለዲ ሓውና ፍሊግል፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪኣቱ ኣዘውቲሮም የተባብዕዎ ነበሩ። ንሓለውቲ ወረዳን ንቤት-ኤላውያንን ኣብ ቤቶም ይቕበሉ ስለ ዝነበሩ፡ ሓውና ፍሊግል እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ሕጉሳት ምዃኖም ኪርኢ ይኽእል ነበረ። ድሕሪ ጥምቀቱ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብ1 መስከረም 1989 ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ከኣ ነቲ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ዘውጽኦ ሸቶ፡ ማለት ኣብ ቤት-ኤል ናይ ምግልጋል ሸቶ ኺበጽሖ ኸኣለ። በዚ ኸምዚ ኣብ ጥቅምቲ 1991፡ ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ኬገልግል ጀመረ።

ሓውና ፍሊግል፡ ኣብ ቤት-ኤል ኣብ ክፍሊ ጥረዛ፡ ንሸሞንተ ዓመት ኣገልገለ። ድሕሪኡ ድማ ናብ ክፍሊ ኣገልግሎት ተመደበ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ጉባኤ ቛንቋ ሩስያኛ ሒደት ዓመት ኣገልገለ። ብ2006 ድማ ንሰበይቱ ናድያ ተመርዓዋ። ንሳ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት ቤት-ኤል ተጸምበረቶ። ክልቲኦም ብሓባር ኣብ ጉባኤ ቛንቋ ፖርቱጋልኛ ኣገልገሉ፣ ንልዕሊ 10 ዓመት እውን ኣብ ጉባኤ ቛንቋ ስጳንኛ ኣገልገሉ። ሓውና ፍሊግል ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ንሓያሎ ዓመታት ድሕሪ ምግልጋል ፈለማ ናብ ቤት ጽሕፈት ኮሚተ ትምህርቲ፡ ደሓር ከኣ ናብ ቤት ጽሕፈት ኮሚተ ኣገልግሎት ተመደበ። ኣብ መጋቢት 2022 ከኣ ሓጋዚ ኮሚተ ኣገልግሎት ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ተሸመ።

ጀፍሪ ዊንደርን ሰበይቱ ኣንጀላን

ሓውና ዊንደር፡ ኣብ ሙሪታ፡ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ. እዩ ዓብዩ። ወለዱ ኣብ ሓቂ እዮም ኣዕብዮምዎ። ንሱ ብ29 መጋቢት 1986 ተጠምቀ። ኣብታ እትቕጽል ወርሒ ኸኣ፡ ሓጋዚ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ወሰነ። ነዚ ኣዝዩ ስለ ዝፈተዎ ድማ፡ ኪቕጽል ደለየ። ንገለ ኣዋርሕ ሓጋዚ ፈላሚ ዀይኑ ድሕሪ ምግልጋል፡ ብ1 ጥቅምቲ 1986 ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ።

ሓውና ዊንደር፡ መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ቤት-ኤል ንዜገልግሉ ዝነበሩ ኽልተ ዓበይቲ ኣሕዋቱ ኺበጽሖም ከደ። እዚ ድማ ዕድሚኡ ምስ ኣኸለ፡ ንኣገልግሎት ቤት-ኤል ኬመልክት ድሌት ኣሕደረሉ። ኣብ ግንቦት 1990 ከኣ ኣብ ዎልኪል ቤት-ኤል ኬገልግል ጻውዒት ቀረበሉ።

ሓውና ዊንደር፡ ኣብ ቤት-ኤል ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓይዩ እዩ። ገለ ኻብኡ ኽፍሊ ጽሬትን ክፍሊ ሕርሻን ቤት ጽሕፈት ቤት-ኤልን ኪጥቀስ ይከኣል። ድሕርዚ፡ ብ1997 ንኣንጀላ ተመርዓዋ፣ ካብ ሽዑ ንነጀው ድማ ብሓባር ኣብ ቤት-ኤል የገልግሉ ኣለዉ። ብ2014 ከኣ ናብ ዎርዊክ ገዓዙ። ሓውና ዊንደር ከኣ ኣብ ህንጸት ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ሓገዘ። ብ2016 ድማ ናብቲ ኣብ ፓተርሰን ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ገዓዙ። ኣብኡ ኸኣ ሓውና ዊንደር ኣብ ኣገልግሎት ኣውድዮ/ቪድዮ ዓየየ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ተመሊሶም ናብ ዎርዊክ ገዓዙ። ኣብኡ ኸኣ ሓውና ዊንደር ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮሚተ ፐርሶነል ኬገልግል ተመደበ። ኣብ መጋቢት 2022 ድማ ሓጋዚ ኮሚተ ፐርሶነል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ተሸመ።

እዞም “ውህበት ሰባት” እዚኦም ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብትግሃት ኪዓይዩ ኸለዉ፡ የሆዋ ኣብዚሑ ኺባርኾም ኢና እንጽሊ።—ኤፌ. 4:8