ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምኽሪ መጽናዕቲ

ክትትግብሮ እትኽእል መንፈሳዊ ሃብቲ ርኸብ

ክትትግብሮ እትኽእል መንፈሳዊ ሃብቲ ርኸብ

መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ምርምር ብምግባር መንፈሳዊ ሃብቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ግናኸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ብዝያዳ ኽንጥቀም እንኽእል፧

ኣዕሚቝካ ዅዓት። ኣብቲ ኣብ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዝርዝር ሓበሬታ ኣዕሚቝካ ዅዓት። ንኣብነት፡ እቲ ዛንታ መን ከም ዝጸሓፎ፡ ንመን ከም እተጻሕፈ፡ መዓስ ከም እተጻሕፈ ፍለጥ። እቲ ዅነታት እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣቐዲሙ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ ድሕሪኡኸ እንታይ እዩ ዀይኑ፧

ነቲ ትምህርትታት ኣስተውዕሎ። ነዚ ንምስትውዓል፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፦ ‘እቶም ኣብዚ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ከመይ ተሰሚዕዎም፧ እንታይ ባህርያት ኣርእዮም፧ ነዚ ባህርያት እዚ ኸማዕብል ወይ ከወግድ ዘሎኒ ስለምንታይ እየ፧’

ነቲ ትምህርትታት ተግብሮ። ነቲ እተምሃርካዮ ትምህርትታት፡ ኣብ ኣገልግሎትካ ወይ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎካ ርክብ ተግብሮ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ኣምላኻዊ ጥበብ ኢኻ እተርኢ፣ ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጥበበኛ ዘበለ ነዚ ኺዕዘቦ . . . እዩ” ይብል።—መዝ. 107:43

  • ምኽሪ፦ ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን፡ ኣብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ ዚቐርብ ትምህርቲ፡ ነቲ እተምሃርናዮ ኣብ ምትግባር ኢና እነተኵር። ኣብቲ ኽፋል እቲ፡ ገዛእ ርእስና ኽንሓትቶ እንኽእል ሕቶታት፡ ከነስተንትነሉ እንኽእል ነጥብታት፡ ከምኡ እውን ክንምርምሮ እንኽእል ስእልታት ኣሎ።