ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 16

መዝሙር 64 ኣብ ቀውዒ ብሓጐስ ንሳተፍ

ካብ ኣገልግሎት ብኸመይ ዝያዳ ሓጐስ ትረክብ፧

ካብ ኣገልግሎት ብኸመይ ዝያዳ ሓጐስ ትረክብ፧

“ንየሆዋ ብሓጐስ ኣገልግልዎ።”መዝ. 100:2

ኣትኵሮ

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብ ኣገልግሎት ዝያዳ ሓጐስ ንምርካብ እንታይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ኪግለጽ እዩ።

1. ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ኣገልግሎት ንሰባት ብዛዕባ ምዝርራብ ከመይ ይስምዖም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

 ህዝቢ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ንሰማያዊ ኣቦና ስለ እነፍቅሮን ሰባት ብዛዕባኡ ኺፈልጡ ስለ እንደልን ንሰብከሎም ኢና። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ንዕዮ ስብከት ይፈትውዎ እዮም። ገሊኦም ግና ካብ ስብከት ሓጐስ ኣይረኽቡን እዮም። ስለምንታይ፧ ገሊኦም ኣመና ስለ ዚሓፍሩን ርእሰ ምትእምማን ስለ ዚጐድሎምን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ከይተዓደምካ ናብ እንዳ ሰብ ምኻድ ይኸብዶም እዩ። ገሊኦም ከኣ ከይነጽጉና ዚብል ፍርሂ ኣለዎም። ገሊኦም ድማ ምስ ሰባት ዜጋጩ ነገር ኬልዕሉ ኣይደልዩን እዮም። እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን እዚኦም ንየሆዋ ኣዝዮም ዜፍቅርዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንዘይፈልጥዎም ሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር ይኸብዶም እዩ። እንተዀነ ግና፡ እዚ ዕዮ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ስለ ዚፈልጡ፡ ኣዘውቲሮም ኣብኡ ይሳተፉ እዮም። የሆዋ ብኣታቶም ኣዝዩ ባህ ከም ዚብሎ ኣየጠራጥርን እዩ!

ዕዮ ስብከት ትፈትዎዶ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 1 ርአ)


2. ካብ ኣገልግሎት ሓጐስ ዘይትረክብ እንተ ዄንካ፡ በዚ ተስፋ ኽትቈርጽ ዘይብልካ ስለምንታይ ኢኻ፧

2 እሞ ደኣ ብሰንኪ እዚ ስምዒታት እዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ኻብ ኣገልግሎት ሓጐስ ምርካብ ይኸብደካዶ፧ ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ርእሰ ምትእምማን ዚጐድለካ ምዃኑ፡ ናብ ርእስኻ ቘላሕታ ኽትስሕብ ከም ዘይትደልን ኣብ ዜከራኽር ጕዳይ ክትሳተፍ ከም ዘይትደልን ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሰባት ኪንጸግ ዚደሊ እውን ዋላ ሓደ የልቦን። ምናዳ ጽቡቕ ኪገብር እናፈተነ ብኻልኦት ተቐባልነት ኪስእን ዚደሊ የልቦን። እቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ነዚ ጸገማትካ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ፡ ኪሕግዘካ እውን ይደሊ እዩ። (ኢሳ. 41:13) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ስምዒታት እዚ ብኸመይ ከም እንሰግሮን ካብ ኣገልግሎት ብኸመይ ሓጐስ ከም እንረክብን ዚሕግዝ ሓሙሽተ ርእይቶታት ክንርኢ ኢና።

ካብ ቃል ኣምላኽ ብርታዐ ርኸብ

3. ነብዪ ኤርምያስ ኣብ ስብከቱ ኻብ ምንታይ እዩ ሓገዝ ዝረኸበ፧

3 ኣብ ኵሉ ዘመናት ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከቢድ ዕዮ ኣብ ዚውሃቦም እዋን፡ ካብቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ መልእኽቲ ብርታዐ ረኺቦም እዮም። ንኣብነት፡ ንነብዪ ኤርምያስ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። የሆዋ ንኤርምያስ፡ ኪሰብኽ መዝነት ምስ ሃቦ፡ ኣብ ፈለማ ኤርምያስ ተጨኒቑ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ “ኣነ ቘልዓ እየ እሞ፡ ከመይ ከም ዝዛረብ ኣይፈልጥን እየ” ኢሉ መለሰ። (ኤር. 1:6) እሞ ደኣ ነዚ ጕድለት ርእሰ ምትእምማን ብኸመይ ኪሰግሮ ኽኢሉ፧ ካብ ቃል ኣምላኽ ብርታዐ ረኸበ። ስለዚ ድማ፡ “ኣብ ኣዕጽምተይ ተዓጽዩ፡ ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀይኑኒ፣ ኣነ ኸኣ ብምሓዙ ደኺመ” ኺብል ከኣለ። (ኤር. 20:8, 9) ኤርምያስ ኣጸጋሚ ኽሊ እኳ እንተ ነበሮ፡ ካብቲ ኺሰብኮ እተዋህቦ መልእኽቲ ግና ብርታዐ ረኸበ።

4. ቃል ኣምላኽ ምንባብን ብዛዕባኡ ምስትንታንን እንታይ ፍረ የፍሪ፧ (ቈሎሴ 1:9, 10)

4 ክርስትያናት ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መልእኽቲ ብርታዐ ይረኽቡ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ናብታ ኣብ ቈሎሴ እትርከብ ጉባኤ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ንሳቶም ልክዕ ፍልጠት እንተ ኣጥርዮም፡ ‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ እናፈረዩ ንየሆዋ ዚበቕዑ ዀይኖም ኪመላለሱ’ ኸም ዚሕግዞም ገሊጹሎም እዩ። (ቈሎሴ 1:9, 10 ኣንብብ።) እቲ ሰናይ ግብሪ እቲ ኸኣ፡ ስብከት እቲ ብስራት የጠቓልል። ስለዚ፡ ቃል ኣምላኽ ከነንብብን ብዛዕባኡ ኸነስተንትንን ከለና፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነት ይድልድል፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር ዘለዎ ኣገዳስነት እውን ንጹር ይዀነልና እዩ።

5. ካብ ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኢና ብዝያዳ ኽንጥቀም እንኽእል፧

5 ካብ ቃል ኣምላኽ ብዝያዳ ኽትጥቀም እንተ ዄንካ፡ ብሃታሃታ ኣይኰንካን ከተንብቦን ከተጽንዖን ከተስተንትነሉን ዘሎካ። የግዳስ፡ ግዜ ወሲድካ መርምሮ። ክትርድኦ ዘይከኣልካ ሓሳብ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ዘሊልካዮ ኣይትኺድ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ እታ ፍቕዲ መግለጺ ንምርካብ፡ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ወይ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጠቐም። ግዜ ወሲድካ ተጽንዕ እንተ ዄንካ፡ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ዘሎካ እምንቶ ኸተደልድል ኢኻ። (1 ተሰ. 5:21) እምንቶኻ እናደልደለ ምስ ከደ ኸኣ፡ ብዛዕባኡ ንሰባት ብምንጋር ዝያዳ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።

ንኣገልግሎት ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ

6. ንኣገልግሎት ጽቡቕ ጌርና ኽንዳሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 ንኣገልግሎት ጽቡቕ ጌርካ እንተ ተዳሊኻ፡ ንሰባት ኣብ እተዛርበሉ እዋን ኪቐልለካ እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምልኣኹ ኣዳልይዎም እዩ። (ሉቃ. 10:1-11) ንሳቶም ድማ ነቲ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ ስለ ዘውዓሉ፡ በቲ ዝዓመምዎ ነገራት ብዙሕ ተሓጒሶም እዮም።—ሉቃ. 10:17

7. ከመይ ጌርና ኢና ንኣገልግሎት ክንዳሎ እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

7 እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ንኣገልግሎት እንዳሎ፧ ብዛዕባ ሓቂ ኸመይ ጌርና ብናትና ኣበሃህላ ጽቡቕ ጌርና ኸም እንገልጽ ክንሓስብ ኣሎና። እቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ኺህብዎ ዚኽእሉ ኽልተ ወይ ሰለስተ ልሙድ ምላሽ ሓሲብና እውን ክንዳለወሉ ኣሎና። ድሕሪኡ፡ ንሰባት ከነዛራርቦም ከለና፡ ከይተጨነቕና ብምቕሉል መገዲ ፍሽኽ ኢልና ኽንዛረቦም ንኽእል ኢና።

ንኣገልግሎት ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)


8. ክርስትያናት ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ዓይነት ኣቕሓ መሬት ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

8 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ዘሎና ግደ ብምሳልያዊ መገዲ ኺገልጾ ኸሎ፡ “እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣሎና” ኢሉ ኣሎ። (2 ቈረ. 4:7) እዚ መዝገብ እዚ እንታይ እዩ፧ እቲ ህይወት ዜድሕን ስብከት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። (2 ቈረ. 4:1) እቲ ኣቕሓ መሬትከ እንታይ እዩ፧ እቶም ነቲ ብስራት ናብ ሰባት ዜብጽሑ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዮም። ብግዜ ጳውሎስ፡ ነጋዶ ኸም ምግብን ወይንን ማይን ዝኣመሰለ ኽቡር ነገራት ንምጕዕዓዝ፡ ሳርማታት ይጥቀሙ ነበሩ። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንዓና፡ ነቲ ኽቡር መልእኽቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብሕድሪ ሂቡና ኣሎ። ስለዚ፡ ብደገፍ የሆዋ፡ ነቲ መልእኽቲ ብተኣማንነት ንምብጻሕ ዜኽእል ብርታዐ ኺህልወና ይኽእል እዩ።

ትብዓት ንምርካብ ጸሊ

9. ንፍርሂ ሰብ ወይ ከይነጽጉና ንዚብል ፍርሂ ብኸመይ ክንሰግሮ ንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

9 ሓድሓደ ግዜ፡ ፍርሂ ሰብ ወይ ከይነጽጉና ዚብል ፍርሂ ይሓድረና ይኸውን። ነዚ ብድሆ እዚ ብኸመይ ክንሰግሮ ንኽእል፧ ሃዋርያት ከይሰብኩ ትእዛዝ ምስ ተዋህቦም፡ ጸሎት እዮም ኣቕሪቦም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብፍርሂ ኣብ ክንዲ ዚስነፉ፡ “ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ፍቐደሎም” ብምባል ካብ የሆዋ ሓገዝ ለመኑ። የሆዋ ድማ ብኡብኡ ምላሽ ሃቦም። (ግብ. 4:18, 29, 31) ሓድሓደ ግዜ፡ ብፍርሂ ሰብ እንተ ተጸሊና፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ንምርካብ ንጸሊ። ነቲ ፍርሂ ሰብ ብፍቕሪ ሰባት ምእንቲ ኸነሰንፎ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ንለምን።

ትብዓት ንምርካብ ጸሊ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)


10. የሆዋ ነቲ ኸም መሰኻኽሩ መጠን እተዋህበና ዕዮ ኽንፍጽም ዚሕግዘና እንታይ ነገራት ኣዳልዩልና ኣሎ፧ (ኢሳይያስ 43:10-12)

10 የሆዋ መሰኻኽሩ ኽንከውን ሸይሙና ኣሎ፣ ትብዓት ከም ዚህበና እውን ቃል ኣትዩልና ኣሎ። (ኢሳይያስ 43:10-12 ኣንብብ።) ከምኡ ዚገብረሉ ኣርባዕተ መገድታት ጥራይ ንርአ። ቀዳማይ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ከለና፡ የሱስ ኵሉ ሳዕ ምሳና ኣሎ። (ማቴ. 28:18-20) ካልኣይ፡ የሆዋ ንዓና ዚሕግዙ መላእኽቲ መዚዙ ኣሎ። (ራእ. 14:6) ሳልሳይ፡ የሆዋ ነቲ እተምሃርናዮ ዜዘክረና ሓጋዚ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ሂቡና ኣሎ። (ዮሃ. 14:25, 26) ራብዓይ፡ የሆዋ ኣብ ዕዮና ዜሰንዩና ኣሕዋትን ኣሓትን ሂቡና ኣሎ። ስለዚ፡ ብሓገዝ የሆዋን ብደገፍ ፈቃራት ኣሕዋትናን፡ ዕዉታት ክንከውን ዜድልየና ዘበለ ዅሉ ኣሎና።

ተዓጻጻፊ ኹን፡ ግቡእ ኣረኣእያ እውን ሓዝ

11. ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣብ ኣገልግሎት ብዙሓት ሰባት ክትረክብ እትኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

11 መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ኣባይቶም ዘይርከቡ ምዃኖምሲ፡ ተስፋ የቝርጸካዶ፧ እምበኣር፡ ‘ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ኣበይ እየ ኽረኽቦም ዝኽእል፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። (ግብ. 16:13) ምናልባትዶ ዀን ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ዕዳጋ ይህልዉ ይዀኑ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዳይ፡ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ብዙሓት ሰባት ክትረክብ ትኽእል ትኸውን። ጆሹዋ ዝስሙ ሓው፡ “ኣብ ዕዳጋን ኣብ ደው መበሊ ማካይንን ንስብከት ዚኸውን ኣጋጣሚታት ረኺበ እየ” ይብል። ብዘይካዚ፡ ንሱን ሰበይቱ ብሪጅትን ኣብ ኣጋ ምሸትን ሰንበት ድሕሪ ቐትርን፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣባይቶም ኪረኽቡ ኽኢሎም እዮም።—ኤፌ. 5:15, 16

ተዓጻጻፊ ኹን (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)


12. ሰባት እንታይ ከም ዚኣምኑ ወይ እንታይ ከም ዜተሓሳስቦም ከመይ ጌርና ኽንፈልጥ ንኽእል፧

12 ሰባት ብዛዕባ መልእኽትና ብዙሕ ዘይግደሱ እንተ ዀይኖም፡ እንታይ ከም ዚኣምኑ ወይ እንታይ ከም ዜተሓሳስቦም ክትፈልጥ ጽዓር። ጆሹዋን ብሪጅትን ነቲ ኣብ ቅድሚት ትራክትታትና ዘሎ ሕቶ ንመእተዊ ይጥቀሙሉ እዮም። ንኣብነት፡ በታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ትራክት ገይሮም፡ “ገሊኦም ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑሉ፡ ገሊኦም ግና ኣይኣምኑሉን እዮም። እንታይ እዩ ርእይቶኻ፧” ኢሎም ይሓትቱ እዮም። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዝርርብ ይመርሕ እዩ።

13. ዋላ እኳ ዚሰምዑና ሰባት እንተ ዘይረኸብና፡ ኣብ ኣገልግሎትና ኣሳልጦ ኸም ዝረኸብና ጌርና ኽንሓስብ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ምሳሌ 27:11)

13 ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ኣሳልጦ፡ ኣብቲ እንረኽቦ ፍረ ኣይኰነን ዚምርኰስ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋን ወዱን ክንገብሮ ዝደለዩና ጌርና ኢና፣ ንሰባት መስኪርናሎም ኢና። (ግብ. 10:42) ዋላ እኳ እንዛረቦ ሰብ እንተ ዘይረኸብና ወይ ዚሰምዓና ሰብ እንተ ዘይረኸብና፡ ንሰማያዊ ኣቦና ባህ ስለ ዘበልናዮ፡ ክንሕጐስ ንኽእል ኢና።—ምሳሌ 27:11 ኣንብብ።

14. ካልእ ኣስፋሒ ኣብ ክልና ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ምስ ረኸበ፡ ኵላትና እንሕጐስ ስለምንታይ ኢና፧

14 ካልእ ኣስፋሒ ኣብ ክልና ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ኪርከብ ከሎ፡ ኵላትና ኽንሕጐስ ንኽእል ኢና። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ንዕዮና፡ ንዝጠፍአ ቘልዓ ምስ ምንዳይ ኣመሳሲላቶ ነይራ። ነቲ ቘልዓ እቲ ኣብ ምንዳይ ብዙሓት እዮም ዚሳተፉ፡ ሰፊሕ ቦታ እውን እዮም ዚሽፍኑ። እቲ ቘልዓ ምስ ተረኽበ ኸኣ፡ እቲ ዝረኸቦ ውልቀ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሎም እዮም ዚሕጐሱ። ብተመሳሳሊ፡ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ፡ ኵላትና ተሓባቢርና እንዓይዮ ዕዮ እዩ። ክልና ንምሽፋን፡ ኵላትና ኽንሳተፍ ኣሎና። ሓደ ሰብ ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺመጽእ ምስ ጀመረ ኸኣ፡ ኵላትና ንሕጐስ ኢና።

ኣብቲ ንየሆዋን ንሰባትን ዘሎካ ፍቕሪ ኣተኵር

15. ነቲ ኣብ ማቴዎስ 22:37-39 ዘሎ ሓሳብ እንተ ዓዪናሉ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ውዕዉዕ ስምዒት ኪጐሃሃር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

15 ኣብቲ ንየሆዋን ንሰባትን ዘሎና ፍቕሪ ብምትኳር፡ ንዕዮ ስብከት ዘሎና ውዕዉዕ ስምዒት ከነጐሃህር ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 22:37-39 ኣንብብ።) የሆዋ ነቲ ዕዮ እቲ ኽንዓዪ ኺርእየና ኸሎ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሕጐስ፡ ሰባት እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምሩ ኸለዉ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሕጐሱ እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ! እቶም ነቲ መልእኽቲ ዚቕበሉ ሰባት፡ ድሕነት ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ እውን ንሕሰብ።—ዮሃ. 6:40፣ 1 ጢሞ. 4:16

ኣብቲ ንየሆዋን ንሰባትን ዘሎና ፍቕሪ ምትኳር፡ ካብ ኣገልግሎትና ዝያዳ ሓጐስ ክንረክብ የኽእለና (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)


16. ካብ ቤትና ኽንወጽእ ኣብ ዘይንኽእለሉ ዅነታት፡ ካብ ኣገልግሎትና ብኸመይ ኢና ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል፧ ኣብነታት ሃብ።

16 ካብ ቤትካ ኽትወጽእ ዘይትኽእል ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ኣብቲ ንየሆዋን ንሰባትን ፍቕርኻ ኸተርእየሉ እትኽእል መገድታት ኣተኵር። ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19፡ ሳሙኤልን ዳንያን ካብ ቤቶም ኪወጹ ኣይከኣሉን። ኣብ ብምሉኡ እቲ ኣጸጋሚ እዋን እቲ፡ ኣዘውቲሮም ብተሌፎን ይምስክሩ፡ ደብዳበታት ይጽሕፉ፡ ብቪድዮ ኮንፈረንስ እውን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ነበሩ። ሳሙኤል ከኣ ናይ መንሽሮ ሕክምና ኺገብር ከሎ፡ ኣብ ክሊኒክ ንዝረኸቦም ሰባት መስከረሎም። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ጸገማት ብኣእምሮኣውን ብኣካላውን ብመንፈሳውን መዳይ የድክመና እዩ። ካብቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት፡ ሓጐስ ክንረክብ ኣሎና።” ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዳንያ ወደቐት፡ ንሰለስተ ወርሒ ድማ ካብ ዓራታ ኽትትንስእ ኣይከኣለትን። ድሕሪኡ እውን እንተ ዀነ፡ ብብሽክለታ ስንኩላን እያ እትንቀሳቐስ ነይራ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ኵሉ እቲ ዅነታተይ ዚፈቕደለይ ክገብር ጽዒረ እየ። ክትኣልየኒ ንዝመጸት ኣላዪት ሕሙማት ሰቢኸላ፡ ነቶም ናብ ቤትና እተፈላለየ ነገራት ኬብጽሑ ዝመጹ ሰባት እውን ተዛሪበዮም እየ። ምስ ሓንቲ ተወካሊት ትካል ሕክምና ኸኣ ጽቡቕ ተዛራሪብና ኢና።” ንጥፈታት ሳሙኤልን ዳንያን ብሰንኪ ዅነታቶም እኳ እንተ ተደረተ፡ ዚከኣሎም ገይሮም እዮም። በዚ ኸምዚ እውን፡ ሓጐስ ረኺቦም እዮም።

17. ካብቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ቐሪቡ ዘሎ ሓሳባት ብኸመይ ኢና ብዝያዳ ኽንጥቀም እንኽእል፧

17 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ቐሪቡ ዘሎ ርእይቶታት ብሓባር እንተ ተዓይዩሉ እዩ ውጽኢታዊ ዚኸውን። ነዚ ርእይቶታት እዚ ምስቲ ምግቢ ንምድላው ዜድሊ ቐመማት ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና። ኵሉ እቲ ቐመማት ብሓባር እንተ ተዓይዩሉ፡ ጥዑም ምግቢ ኺስራሕ ይከኣል እዩ። ንሕና እውን ንዅሉ እዚ ሓሳባት እዚ እንተ ዓዪናሉ፡ ንኣሉታዊ ስምዒት ከነሰንፍ፡ ካብ ኣገልግሎትና እውን ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና።

እዚ ዚስዕብ ነገራት ነቲ ኻብ ኣገልግሎት እትረኽቦ ሓጐስ ኣበርክቶ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

  • ግዜ ወሲድካ ጽቡቕ ጌርካ ምድላው

  • ትብዓት ንምርካብ ምጽላይ

  • ኣብቲ ንየሆዋን ንሰባትን ዘሎካ ፍቕሪ ምትኳር

መዝሙር 80 “የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን”