ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ድኻመይ ንሓይሊ ኣምላኽ ኣጕሊሕዎ

ድኻመይ ንሓይሊ ኣምላኽ ኣጕሊሕዎ

ብ1985፡ ኣነን ሰበይተይን ናብ ኮሎምብያ ኣብ ዝኸድናሉ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓመጻ እዩ ኣስፋሕፊሑ ነይሩ። መንግስቲ ኣብ ከተማ ምስ ሓያላት ነጋዶ ሓሽሽ፡ ኣብ ኣኽራን ድማ ምስ ደባይ ተዋጋእቲ ይዋጋእ ነበረ። ኣብታ ጸኒሕና ኸነገልግል እተመደብናላ ኸተማ መደሊን፡ ዕጡቓት መንእሰያት ንጐደናታት ይቈጻጸርዎ ነበሩ። ሓሽሽ ይሸጡ፡ ካብ ሰብ ገንዘብ ይምንዝዑ፡ ብኽፍሊት እውን ንሰባት ይቐትሉ ነበሩ። ዕምሮም ግና ሓጺር እዩ ነይሩ። እዚ ምስ ረኣና፡ ናብ ካልእ ዓለም ከም ዝኸድና ዀይኑ እዩ ተሰሚዑና።

ካብታ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ዓለም እትርከብ ፊንላንድ እትብሃል ሃገር ዝዀንና ኽልተ ተራ ሰባት፡ ከመይ ኢልና ኢና ናብ ደቡብ ኣመሪካ ኼድና፧ ኣብ ኵሉ እቲ ዘሕለፍክዎ ዓመታትከ እንታይ ትምህርትታት እየ ተማሂረ፧

ብግዜ ንእስነተይ ኣብ ፊንላንድ

ብ1955 እየ ተወሊደ። ካብቶም ሰለስተ ውሉዳት ከኣ ዝነኣስኩ እየ ነይረ። ድሕርዚ፡ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ፊንላንድ፡ ሕጂ ቫንታ እትብሃል ከተማ ኣብ እተደኰነትሉ ኸባቢ ዓበኹ።

ካብቲ ኣነ እተወለድኩሉ ቕድሚ ሒደት ዓመታት፡ ኣደይ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ተጠምቀት። ኣቦይ ግና ንሓቂ ይጻረር ብምንባሩ፡ ንኣደይ ምሳና ኸተጽንዕ ወይ ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽትወስደና ኣይፈቐደላን። ስለዚ፡ ኣቦይ ኣብ ገዛ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን፡ መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ትምህረና ነበረት።

ወዲ ሸውዓተ ኸለኹ፡ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ቘምኩ

ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ኣብ ጐድኒ የሆዋ እየ ቘይመ። ንኣብነት፡ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከለኹ፡ ቨሪላትያ (ብደም ዚስራሕ እንጌራ ፊንላንድ) ምብላዕ ስለ ዝኣበኹ፡ መምህረይ ተቖጥዓትኒ። ብሓደ ኢዳ ኣፈይ ንምኽፋት ብኽልተ ምዕጕርተይ እናጸቐጠት፡ በቲ ሓደ ኢዳ ብፋርኬታ ገይራ ኸተዀልሰኒ ፈተነት። ኣነ ግና ነቲ ፋርኬታ ኻብ ኢዳ ዘቢጠ ኣውደቕክዎ።

ወዲ 12 ዓመት ከለኹ፡ ኣቦይ ሞተ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽእከብ ከኣልኩ። እቶም ኣብ ጉባኤና ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ጽቡቕ ተገዳስነት ኣርኣዩኒ። እዚ ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ ክዓቢ ኣኽኣለኒ። መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኸንብብ፡ ክርስትያናዊ ጽሑፋትና እውን ብትግሃት ከጽንዕ ጀመርኩ። ሳላ እዚ ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልማድ ከኣ፡ ብ8 ነሓሰ 1969፡ ወዲ 14 ዓመት ከለኹ ተጠመቕኩ።

ዓለማዊ ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ፡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ስሩዕ ፈላምነት ጀመርኩ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ከኣ፡ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩላ ጥቓ ማእከላይ ፊንላንድ ናብ እትርከብ ፒላቨሲ ገዓዝኩ።

ኣብ ፒላቨሲ፡ ምስታ ሲሪካ ዝስማ ደሓር ፍቕርቲ ሰበይተይ ዝዀነት ጓል ኣንስተይቲ ተራኸብኩ። ብምኽንያት ትሕትናኣን ዓሚቝ መንፈሳውነታን እውን ፈቶኽዋ። ተፈላጥነት ወይ ስጋዊ ምሾት እትደሊ ኣይነበረትን። ኣብ ኣገልግሎት ዚምደበልና ብዘየገድስ፡ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከነገልግሎ ኢና ንደሊ ኔርና። ብ23 መጋቢት 1974 ተመራዓውና። ድሕሪኡ፡ ናብ ሕጽኖት ኣብ ክንዲ እንኸይድ፡ ናብታ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩላ ካርቱላ ኸድና።

ኣብ ካርቱላ፡ ፊንላንድ ተኻሪናያ ዝነበርና ገዛ

የሆዋ ሓልዩልና

ሓወይ ዝሓደገልና ማኪና

የሆዋ ኻብ እንምርዖ ኣትሒዙ ንመንግስቱ ኽሳዕ ዘቐደምና፡ ብስጋዊ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዚሓልየልና ኣርእዩ እዩ። (ማቴ. 6:33) ንኣብነት፡ ኣብ ካርቱላ ማኪና ኣይነበረትናን። ኣብ መጀመርታ ብብሽክለታ ኢና እንንቀሳቐስ ኔርና። ኣብ እዋን ክረምቲ ግና ኣዝዩ ብርቱዕ ቍሪ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሰፊሕ ክሊ እታ ጉባኤ ንምግልጋል፡ ማኪና ተድልየና ነበረት። ማኪና ንምዕዳግ ዜኽእል ገንዘብ ግና ኣይነበረናን።

ከይተጸበናዮ ምዕባየይ ሓወይ ኪበጽሓና መጸ። ማኪናኡ እውን ሃበና። መድሕን ከፊሉላ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ነዳዲ ጥራይ ኢና ኽንዕድግ ነይሩና። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ንምንቅስቓስ እተድልየና ማኪና ረኸብና።

የሆዋ ብስጋዊ መዳይ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ኣርኣየና። ናትና ዕዮ ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ እዩ ነይሩ።

ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ

ብ1978 እተገብረ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ

ብ1978፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ እናተምሃርና ኸለና፡ ሓደ ኻብቶም መምህራን ዝዀነ ራይሞ ኩዎካነን a ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንምእታው ከነመልክት ኣተባብዓና። ስለዚ፡ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ንምእታው ዜኽእል ብቕዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ እንግሊዝኛ ኸነጽንዕ ጀመርና። እንተዀነ ግና፡ ገና ኸየመልከትና ኸለና፡ ብ1980 ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ፊንላንድ ከነገልግል ጻውዒት ቀረበልና። ኣብቲ ግዜ እቲ ቤት-ኤላውያን ናብ ጊልዓድ ንምእታው ኬመልክቱ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ንሕና ዝሓሸ ዝበልናዮ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ የሆዋ ዝሓሸ ዝበሎ ኸነገልግል ደለና። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ጻውዒት ተቐበልናዮ። ይኹን እምበር፡ ምናልባት ንጊልዓድ ንምምልካት ኣጋጣሚ እንተ ተኸፍተልና ኢልና፡ እንግሊዝኛ ኻብ ምጽናዕ ኣየቋረጽናን።

ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ንቤት-ኤላውያን፡ ናብ ጊልዓድ ንምእታው ኬመልክቱ ኣጋጣሚ ኸፈተ። ብኡብኡ መመልከቲ መላእና። እንተዀነ ግና፡ ብቤት-ኤል ስለ ዘይተሓጐስና ኣይኰንናን መመልከቲ ዝመላእና። ብቤት-ኤል ኣዚና ሕጉሳት ኢና ኔርና። ብቕዓት ዘማላእና እንተ ዄንና፡ ዝያዳ ኣገልገልቲ ኣብ ዜድልዩሉ ኼድና ንምግልጋል ኢና ገዛእ ርእስና ኣቕሪብና። ናብ ጊልዓድ ንምእታው ዘቕረብናዮ መመልከቲ ተቐባልነት ረኸበ። ኣብ መስከረም 1985 ከኣ፡ ካብ መበል 79 ክፍሊ ጊልዓድ ተመረቕና። ድሕሪኡ፡ ኣብ ኮሎምብያ ኸነገልግል ተመደብና።

ቀዳማይ ሚስዮናዊ ምድብና

ኣብ ኮሎምብያ፡ ፈለማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከነገልግል ተመደብና። ኣብቲ እተመደብኩሉ ዕዮ ዚከኣለኒ ኽገብር ጸዓርኩ። ኣብቲ ጨንፈር ንሓደ ዓመት ድሕሪ ምጽናሐይ ግና፡ ለውጢ ኸም ዜድልየኒ ተሰምዓኒ። ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ፡ ካልእ ምድብ ኪውሃበኒ ሓተትኩ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ኣብ ዞባ ሁዊላ እትርከብ ከተማ ነይቫ፡ ሚስዮናውያን ወፍሪ ዄንና ኸነገልግል ተመደብና።

ንኣገልግሎት ወፍሪ ኻብ ቀደመይ ኣትሒዘ እየ ዝፈትዎ። ኣብ ፊንላንድ፡ ገና ኸይተመርዓኹ ፈላሚ ዀይነ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት እሰብኽ ነይረ እየ። ኣነን ሲርካን ምስ ተመርዓና እውን፡ ኣብቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ዓመታት ምሉእ መዓልቲ ኣብ ስብከት ነሕልፍ ነበርና። ናብ ርሑቕ ክልታት ኬድና ኸነገልግል ከለና፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ማኪናና ንድቅስ ነበርና። እዚ ድማ ነቲ ንጕዕዞ እነሕልፎ ግዜ ስለ ዚንክየልና፡ ንጽብሒቱ ኣንጊህና ኣገልግሎት ክንጅምር የኽእለና ነበረ።

ሚስዮናውያን ወፍሪ ምስ ኰንና፡ እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበረና ውዕዉዕ ስምዒት ከም ብሓድሽ ተጐሃሃረ። ጉባኤና እናዓበየት ከደት። እቶም ኮሎምብያውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ኣኽብሮትን ፍቕርን ሞሳን የርእዩና ነበሩ።

ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ

ካብታ እተመደብናላ ነይቫ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ከባቢ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይብለን ከተማታት ነበራ። እቲ ብስራት ናብቲ ኸባቢ እቲ ብኸመይ ከም ዚበጽሕ የተሓሳስበኒ ነበረ። ኣብቲ ኸባቢ ደባይ ውግእ ይግበር ስለ ዝነበረ ግና፡ ነቶም ደቂ እቲ ዓዲ ዘይኰኑ ሰባት ሓደገኛ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ካብተን ከተማታት እቲአን ሓደ ሰብ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ጸለኹ። እቲ ሰብ እቲ ሓቂ ንምፍላጥ ኣብ ነይቫ ኺነብር ከም ዘለዎ እየ ዝሓስብ ነይረ። ስለዚ፡ ምስ ተጠምቀ ብመንፈሳዊ በሲሉ ናብ ዓዱ ኸይዱ ምእንቲ ኺሰብኽ፡ ብዛዕባ እዚ እውን ጸለኹ። የሆዋ ግና ካብ ናተይ ዝሓሸ ፍታሕ እዩ ነይርዎ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ፈርናንዶ ጎንዛለስ ምስ ዚብሃል መንእሰይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩ። ንሱ ኣልሀሲረስ ኣብ እትብሃል፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይነበርወን ከተማታት እዩ ዚነብር ነይሩ። ኪሰርሕ ኢሉ ድማ ልዕሊ 50 ኪሎ ሜተር (30 ማይል) ናብ ነይቫ ይጓዓዝ ነበረ። ኵሉ ሳዕ ንመጽናዕቱ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚዳሎ ነይሩ። ብኡብኡ እውን ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ኪእከብ ጀመረ። ካብታ መጽናዕቲ ዝጀመረላ ናይ መጀመርታ ሰሙን ኣትሒዙ፡ ኣብ ከተማኡ ንዝነበሩ ሰባት እናኣከበ፡ ካብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህሮ ዘበለ ይምህሮም ነበረ።

ብ1993 ምስ ፈርናንዶ

ፈርናንዶ ኻብቲ መጽናዕቲ ዝጀመረሉ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ኣብ ጥሪ 1990 ተጠምቀ። ድሕሪኡ፡ ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። ድሕርዚ፡ ኣብ ኣልሀሲረስ፡ ወዲ እቲ ዓዲ ዝዀነ ናይ የሆዋ ምስክር ስለ እተረኽበ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናብቲ ኸባቢ እቲ ፍሉያት ፈለምቲ መደበ። ኣብ ለካቲት 1992 ድማ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ጉባኤ ቘመት።

እሞ ደኣ ፈርናንዶ ኣብ ከተማኡ ጥራይ ድዩ ዚሰብኽ ነይሩ፧ ኣይፋልን! ምስ ተመርዓወ፡ ንሱን ሰበይቱን ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ዘይነበራ ሳን ቪሰንቲ ደል ካህዋን ናብ እትብሃል ከተማ ገዓዙ። ኣብኡ ድማ ጉባኤ ኣብ ምቛም እጃሞም ኣበርከቱ። ብ2002፡ ፈርናንዶ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ተሸመ። ንሱን ሰበይቱ ኦልጋን ድማ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዕዮ መገሻ የገልግሉ ኣለዉ።

ካብዚ ተመክሮ እዚ፡ ምስ ቲኦክራስያዊ ዕዮና ኣብ ዚተሓሓዝ ጕዳይ፡ ነቲ ነገር ብዝርዝር ጠቒስና ኽንጽሊ ኸም ዘሎና ተማሂረ እየ። ንሕና ኽንገብሮ ዘይከኣልና ነገር፡ የሆዋ ይገብሮ እዩ። ስለምንታይሲ፡ ጐይታ እቲ እኽሊ ንሱ ደኣ እምበር፡ ንሕና ኣይኰንናን።—ማቴ. 9:38

የሆዋ “ድሌትን ንምግባር ዓቕምን” ሂቡና

ብ1990፡ ኣብ ዕዮ መገሻ ኸነገልግል ተመደብና። ቀዳማይ ወረዳና፡ ኣብታ ርእሰ ኸተማ ዝዀነት ቦጎታ እዩ ነይሩ። እዚ ምድብ እዚ ኣፍሪሁና ነይሩ እዩ። ኣነን ሰበይተይን ፍሉይ ክእለት ዘይብልና ተራ ሰባት ኢና። ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዘለውዋ ዓባይ ከተማ ምንባር እውን ኣይለመድናን ኔርና። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ፊልጲ 2:13 እተዛረቦ ቓል ፈጺሙልና እዩ። እታ ጥቕሲ፡ “እቲ ምእንቲ ፍታዉ ኢሉ ንዓኻትኩም ድሌትን ንምግባር ዓቕምን ብምሃብ ዜበርትዓኩምሲ ኣምላኽ እዩ” ትብል።

ድሕርዚ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎ፡ ኣብ መደሊን ንዚርከብ ወረዳ ኸነገልግል ተመደብና። ኣብኡ ዚነብሩ ሰባት ነቲ ኣብ ጐደናታት ዚፍጸም ዓመጻ ስለ ዝለመድዎ፡ ብእኡ ኣይስምብዱን እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓንቲ ገዛ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናመራሕኩ ኸለኹ፡ ኣብ ደገ ተዅሲ ተጀመረ። ሽዑ ኣብ መሬት በጥ ክብል እኳ እንተ ሓሰብኩ፡ እቲ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ዋላ ሓንቲ ኸይዓጀቦ ንባቡ ቐጸለ። ንባቡ ምስ ወድአ፡ ይቕረታ ሓቲቱኒ ናብ ደገ ወጸ። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ኸኣ፡ ክልተ ቘልዑ ሒዙ ተመልሰ። “ይቕረታ፡ ንደቀይ ከምጽኦም ነይሩኒ” ኢሉ ኸኣ ብህድኣት ተዛረበኒ።

ካብ ሓደጋ ንስክላ ዘምለጥናሉ ኻልእ ኣጋጣሚታት እውን ነይሩ እዩ። ሓደ ግዜ ኣብ በቤት እናኸድና ኸነገልግል ከለና፡ ሰበይተይ ብስምባድ ተዳሂላ እናጐየየት መጸትኒ። ሓደ ሰብ ከም ዝተኰሰላ ነገረትኒ። ዝገብሮ ጠፊኡኒ ተዓነድኩ። ደሓር ግና እቲ ሰብኣይ ንሲርካ ዘይኰነስ፡ ብጥቓኣ ንዚሓልፍ ዝነበረ ሰብኣይ ይትኵሰሉ ኸም ዝነበረ ፈለጥና።

ውዒልና ሓዲርና ግና ነቲ ኣብ ጐደናታት ዝነበረ ዓመጻ ኽንለምዶ ጀመርና። ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከምዝን ካብዚ ዚገድድን ኵነታት የሕልፉ ነይሮም እዮም፣ ስለዚ፡ እቲ ብርታዐኦም ኣተባብዓና። የሆዋ ንዓታቶም ዚድግፎም ካብ ኰነ፡ ንዓና እውን ከም ዚድግፈና ተኣማመንና። ወትሩ ነቲ ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ሽማግለታት ዚህቡና ምኽሪ ንስዕብ፡ ጥንቃቐታት ንገብር፡ ዝተረፈ ኸኣ ኣብ ኢድ የሆዋ ንገድፎ ነበርና።

ገሊኡ ዅነታት ሓደገኛ ደኣ ይመስለና ነይሩ እምበር፡ ሓደገኛ ኣይነበረን። ኣብ ኣፍ ደገ ዀይነ እናኣዛረብኩ ኸለኹ፡ ክልተ ኣንስቲ ዚጸራረፋ ዘለዋ ዚመስል ደሃይ ሰማዕኩ። ቈየቛ ኽርኢ እኳ እንተ ዘይደለኹ፡ እታ ብዓልቲ ቤት ክኣቱ ዕድመ ኣቕረበትለይ። እቲ ቘየቛ ዝመሰለኒ ነገር፡ ክልተ ሕንጻይ (ፓፓጋሎ)፡ ንጐረባብቲ ኣምሲለን ዚዛረባኦ ዝነበረ ምዃኑ ፈለጥኩ።

ተወሳኺ ፍሉይ መሰላትን ቃልስታቱን

ብ1997፡ መምህር ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ b ዀይነ ኸገልግል ተሸምኩ። ካብ ቀደመይ ኣትሒዘ፡ ንቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ እፈትዎ እየ። ኣብኡ መምህር ኴንካ ምግልጋል ግና፡ ሓሲበዮ እውን ኣይፈልጥን እየ ነይረ።

ድሕርዚ፡ ሓላው ኣውራጃ ዀይነ ኣገልገልኩ። እቲ ኣሰራርሓ እቲ ምስ ኣብቅዐ ኸኣ፡ ናብ ዕዮ ወረዳ ተመለስኩ። ስለዚ፡ ንልዕሊ 30 ዓመት መምህርን ገያሺ ሓላውን ኰይነ ኣገልጊለ እየ። ካብዚ ዕዮታት እዚ ብዙሕ በረኸት ረኺበ እየ። ኵሉ ሳዕ ግና ቀሊል እዩ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። እንታይ ማለተይ ምዃነይ እስከ ኽገልጽ።

ብባህርየይ ሓያል ሰብ እየ። እዚ ኸኣ ኣጸጋሚ ዅነታት ክሰግር ሓጊዙኒ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ኣብ ጉባኤታት ዘሎ ጸገም ከዕሪ ኽብል እምብዛ ዘየድሊ ቕንኣት አርኢ ነይረ እየ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ንገሊኦም ኣሕዋት፡ ፈቃራትን ሚዛናውያንን ምእንቲ ኪዀኑ ብውዕዉዕ ስምዒት ተማሕጸንክዎም። ከም ሓቂ ግና፡ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ እዋናት እዩ እቲ ዝጠቕሰሎም ዝነበርኩ ባህርያት ዚጐድለኒ ዝነበረ።—ሮሜ 7:21-23

ሓድሓደ ግዜ፡ ብምኽንያት ድኽመታተይ ኣዝዩ ሕማቕ ይስምዓኒ ነይሩ እዩ። (ሮሜ 7:24) ሓደ ግዜ፡ ኣገልግሎት ሚስዮናውነት ሓዲገ ናብ ፊንላንድ እንተ ተመለስኩ ኸም ዚሓይሽ ብጸሎት ንየሆዋ ነገርክዎ። በታ ምሸት እቲኣ ኸኣ ናብ ኣኼባ ጉባኤ ኸድኩ። እቲ ኣብኡ ዝረኸብክዎ መተባብዒ፡ ኣብ ምድበይ ክቕጽልን ዘይፍጽምናይ ንምእራም ክጽዕርን ከም ዘሎኒ ኣእመነኒ። ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ የሆዋ ብኸመይ ንጸሎተይ ብንጹር ከም ዝመለሰለይ ክሓስብ ከለኹ ልበይ ይትንከ እዩ። ብተወሳኺ፡ ንድኽመታተይ ክሰግሮ ብለውሃት ስለ ዝሓገዘኒ፡ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ።

ናብ መጻኢ ብምትእምማን ኢና እንጥምት

ኣነን ሲርካን መብዛሕትኡ ህይወትና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ስለ ዘሕለፍናዮ፡ ንየሆዋ ኣዚና ኢና እነመስግኖ። ኣነ ብውልቀይ እውን፡ የሆዋ ፈቃርን እምንትን ሰበይቲ ስለ ዝሃበኒ፡ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ።

ኣብ ቀረባ ግዜ ወዲ 70 ዓመት ክኸውን እየ። ድሕሪኡ ኸኣ፡ መምህርን ገያሺ ሓላውን ኰይነ ኣይከገልግልን እየ። እዚ ግና ኣየጕህየንን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ነቲ ብትሕትና እነቕርበሉ ኣገልግሎትን ነቲ ብፍቕርን ብምስጋናን ካብ ዚጅርብብ ልቢ ዚመጽእ ውዳሰን እዩ ኣኽቢሩ ዚርኢ። (ሚክ. 6:8፣ ማር. 12:32-34) ንየሆዋ ኽብሪ ንምሃብ ምርኡያት ክንከውን ኣየድልየናን እዩ።

ነቲ እተዋህበኒ ዕዮታት ምልስ ኢለ ኽሓስበሉ ኸለኹ፡ ካብ ካልኦት ስለ ዝሓይሽ ኣይኰንኩን እዚ ተዋሂቡኒ። ፍሉይ ክእለት እውን የብለይን። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ብጸጋኡ እዩ ነዚ ዕዮታት እዚ ሂቡኒ። ድኻም እናሃለወኒ ኽነሱ ፍሉይ መሰል ሂቡኒ እዩ። ብሓገዝ የሆዋ ጥራይ እየ ንእተዋህበኒ ዕዮ ኽፍጽም ክኢለ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ድኻመይ ንሓይሊ ኣምላኽ ኣጕሊሕዎ።—2 ቈረ. 12:9

a ታሪኽ ህይወት ራይሞ ኩዎካነን ኣብታ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 2006 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ፡ “ንየሆዋ ኸነገልግሎ ቘሪጽና ኢና” ዘርእስታ ዓንቀጽ ወጺኡ ኣሎ።

b እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ብዚብሃል ቤት ትምህርቲ ተተኪኡ ኣሎ።