ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 15

መዝሙር 124 እሙናት ንኹን

ንውድብ የሆዋ ዘሎካ ሞሳ ኣዕዝዝ

ንውድብ የሆዋ ዘሎካ ሞሳ ኣዕዝዝ

“ነቶም ዚመርሑኹም ዘለዉ፡ ቃል ኣምላኽ ከኣ ዝነገሩኹም ዘክርዎም።”እብ. 13:7

ኣትኵሮ

ንውድብ የሆዋ ዘሎካ ሞሳ ብኸመይ ከም እተዕዝዝን ከም እትዕቅብን።

1. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ ብኸመይ እዮም ተወዲቦም ነይሮም፧

 የሆዋ ንህዝቡ ዕዮ ኺህቦም ከሎ፡ ብእተወደበ መገዲ ኺዓይይዎ እዩ ዚጽበዮም። (1 ቈረ. 14:33) ንኣብነት፡ እቲ ብስራት ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ ይደሊ እዩ። (ማቴ. 24:14) የሆዋ ንየሱስ፡ ነዚ ዕዮ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ሂብዎ ኣሎ። የሱስ ከኣ እዚ ዕዮ እዚ ብእተወደበ መገዲ ኸም ዚፍጸም ይገብር ኣሎ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ጉባኤታት ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ኪቘማ ኸለዋ፡ መምርሒ ዚህቡን ነቲ ዕዮ ዚመርሑን ሽማግለታት ይሽየሙ ነበሩ። (ግብ. 14:23) እቲ ኣብ የሩሳሌም ብዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ዝቘመ ማእከላይ ኣካል ሽማግለታት ከኣ፡ ኵለን ጉባኤታት ዚቕየዳሉ ውሳነታት ይገብር ነበረ። (ግብ. 15:2፣ 16:4) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ “እተን ጉባኤታት ብእምነት ይጸንዓ፡ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ብቝጽሪ ይውስኻ ነበራ።”—ግብ. 16:5

2. ካብ 1919 ኣትሒዙ፡ የሆዋ ብኸመይ እዩ መምርሕን መንፈሳዊ ምግብን ዚህብ ዘሎ፧

2 ሎሚ እውን የሆዋ ንህዝቡ ወዲብዎ ኣሎ። ካብ 1919 ኣትሒዙ፡ የሱስ ብሒደት ቅቡኣት ሰባት ኣቢሉ ነቲ ዕዮ ስብከት ወዲብዎ ኣሎ፡ ንሰዓብቱ ዚኸውን መንፈሳዊ ምግቢ እውን የቕርብ ኣሎ። a (ሉቃ. 12:42) የሆዋ ብንጹር ነዚ ዕዮ እዚ ይባርኾ ኣሎ።—ኢሳ. 60:22፣ 65:13, 14

3-4. (ሀ) ተወዲብካ ምዕያይ እንታይ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ብምሳሌ ኣረድእ። (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 እንተ ዘይንውደብ ኔርና፡ ነቲ የሱስ ዝሃበና ዕዮ ኽንዓይዮ ኣይምኸኣልናን። (ማቴ. 28:19, 20) ንኣብነት፡ ክልታት እንተ ዘይምደበልና፡ ኵሉ ሰብ እውን ኣብ ቃሕ ዝበሎ ቦታ እንተ ዚሰብኽ ነይሩ፡ እንታይ ምዀነ፧ ገሊኡ ኽልታት ብተደጋጋሚ ምተዓይየ፡ ገሊኡ ኽልታት ግና ምተረስዐ። ንስኻኸ ተወዲብካ ምዕያይ ዜምጽኦ እንታይ ካልእ ጥቕምታት ክትጠቅስ ትኽእል፧

4 እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ነገር ነቲ ሎሚ ኣባና ዚጥቀመሉ ውዳበ ኣብነት ይኸውን እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነትን ውድብና ብኸመይ ኣብነቱ ኸም እትስዕብን ክንምርምር ኢና። ንውድብ የሆዋ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነርኢ ኸም እንኽእል እውን ክንመያየጥ ኢና።

ውድብና ኣብነት የሱስ ትስዕብ

5. ሓደ ኻብቲ ኣብነት የሱስ እንስዕበሉ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ዮሃንስ 8:28)

5 የሱስ እንታይ ከም ዚገብርን እንታይ ከም ዚብልን ካብ ሰማያዊ ኣቦኡ እዩ ተማሂሩ። ውድብ የሆዋ ኸኣ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ንስነ ምግባራዊ ትምህርትታታን መምርሒታታን ካብ ቃል ኣምላኽ እያ እትወስዶ። (ዮሃንስ 8:28 ኣንብብ፣ 2 ጢሞ. 3:16, 17) ንቓል ኣምላኽ ከነንብቦን ክንትግብሮን ወትሩ መዘኻኸሪ ይውሃበና እዩ። ነዚ ምኽሪ እዚ እንተ ስዒብናዮ፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

6. መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

6 ብክርስትያናዊ ጽሑፋት ጌርና መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና፡ ብዙሕ ኢና እንጥቀም። ንኣብነት፡ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ኻብ ውድብና ዝመጸና መምርሒ ኸነነጻጽሮ ንኽእል ኢና። እቲ ዚውሃበና መምርሒ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም እተመስረተ ምስ ረኣና፡ ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ይዓቢ እዩ።—ሮሜ 12:2

7. እንታይ መልእኽቲ እዩ የሱስ ዚሰብኽ ዝነበረ፧ ውድብ የሆዋ ኣብነቱ እትስዕብ ዘላኸ ብኸመይ እያ፧

7 የሱስ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ሰቢኹ እዩ። (ሉቃ. 4:43, 44) ንደቀ መዛሙርቱ እውን ብዛዕባ እታ መንግስቲ ኺሰብኩ ኣዚዝዎም እዩ። (ሉቃ. 9:1, 2፣ 10:8, 9) ሎሚ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ውድብ የሆዋ ዘለዉ ሰባት፡ ሓላፍነቶም ወይ ዚነብሩሉ ዓዲ እዚ ይኹን እቲ፡ መልእኽቲ እታ መንግስቲ ይሰብኩ እዮም።

8. እንታይ ክብሪ እዩ ተዋሂቡና ዘሎ፧

8 ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቅታት ንሰባት ምንጋር ከም ክብሪ ኢና እንቘጽሮ! እዚ ፍሉይ መሰል እዚ ንዅሉ ኣይኰነን ዚውሃብ። ንኣብነት፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንእኩያት መናፍስቲ ብዛዕባኡ ኺምስክሩ ኣይፈቐደሎምን። (ሉቃ. 4:41) ሎሚ እውን ሓደ ሰብ ምስ ህዝቢ የሆዋ ሓቢሩ ኣብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምስታፉ፡ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ዜድሊ ብቕዓት ኬማልእ ኣለዎ። ኣብ እንኽእለሉ ዘበለ ቦታን ግዜን ብምምስካር፡ ነዚ እተዋህበና ኽብሪ ኽሳዕ ክንደይ ከም እነማስወሉ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ሸቶና ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰባት ምዝራእን ማይ ምስታይን እዩ።—ማቴ. 13:3, 23፣ 1 ቈረ. 3:6

9. ውድብ የሆዋ ንስም ኣምላኽ እተፍልጥ ዘላ ብኸመይ እያ፧

9 የሱስ ስም ኣምላኽ ኣፍሊጡ እዩ። ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ “ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 17:26) ውድብ የሆዋ እውን ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ስም ኣምላኽ ንሰባት ንምፍላጥ፡ ዚከኣላ ዅሉ ትገብር እያ። ስም ኣምላኽ ናብ ግቡእ ቦታኡ ኣብ ምምላስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዓብዪ ግደ ተጻዊቱ እዩ። ሕጂ እዚ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብልዕሊ 270 ቋንቋ ይርከብ። ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ሀ4ሀ5ን እዚ ትርጉም እዚ፡ ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቦታኡ ስለምንታይን ብኸመይን ከም እተመልሰ ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ሀ5፡ ስም ኣምላኽ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኺህሉ ኸም ዚግባእ ዚሕብር ዜእምን መርትዖ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

10. ካብቲ ሓንቲ ኣብ ምያንማር እትነብር ሰበይቲ እተዛረበቶ ነገር እንታይ ተማሂርካ፧

10 ንሕና እውን ከም የሱስ፡ ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ስም ኣምላኽ ከነፍልጦም ንደሊ ኢና። ኣብ ምያንማር እትነብር 67 ዓመት ዝዕድሚኣ ሰበይቲ፡ ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ ምስ ፈለጠት ነብዐት። ነታ ዝነገረታ ጓል ኣንስተይቲ ድማ፡ “ስም ኣምላኽ የሆዋ ኸም ዝዀነ ሕጂ እየ ንፈለማ እዋን ተማሂረ። . . . ካብ ኵሉ ኻልእ ትምህርቲ ኣዝዩ ዚበልጽ ነገር ኢኺ ምሂርክኒ” በለታ። ኣብዚ ተመክሮ እዚ ኸም እንርእዮ፡ ስም ኣምላኽ ምፍላጥ፡ ቅኑዕ ኣብ ዝልቦም ሰባት ሓያል ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ።

ንውድብና ሞሳኻ ኣርኢ

11. ሽማግለታት ንውድብ የሆዋ ዘለዎም ሞሳ ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

11 ሽማግለታት ንውድብ ኣምላኽ ዘለዎም ሞሳ ዜርእዩሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧ መምርሒ ኺመጾም ከሎ፡ ተጠንቂቖም ኬንብብዎን ብእተኻእሎም መጠን ኪትግብርዎን ኣለዎም። ንኣብነት፡ ብኸመይ ኣብ ኣኼባታት ክፍልታት ከም ዜቕርቡን ብኸመይ ንጉባኤ ወኪሎም ከም ዚጽልዩን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣባጊዕ ክርስቶስ ብኸመይ ከም ዚከናኸኑ እውን መምርሒ ይውሃቦም እዩ። ውድባዊ መምርሒ ዚስዕቡ ሽማግለታት ነቶም ኣብ ትሕቲ ሓልዮቶም ዘለዉ ኣሕዋት፡ ዕቝባን ፍቕርን ከም ዚስምዖም ይገብሩ እዮም።

ሽማግለታት ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚውሃበና መምርሒ ኽንኣምኖ ይሕግዙና (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) b


12. (ሀ) ምስቶም ዚመርሑና ኽንተሓባበር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (እብራውያን 13:7, 17) (ለ) ኣብ ኣወንታዊ ጐድኒ እቶም ዚመርሑና ኸነተኵር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12 ካብ ሽማግለታት መምርሒ ኺውሃበና ኸሎ፡ ብፍታውና ኽንስዕቦ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ነቶም ዚመርሑና ዕዮኦም ነቕልለሎም ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ዚመርሑና ኽንእዘዞምን ክንግዝኦምን የተባብዓና እዩ። (እብራውያን 13:7, 17 ኣንብብ።) እዚ ሓድሓደ ግዜ ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ዘይፍጹማት እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣወንታዊ ጐድኖም፡ ኣብ ኣሉታዊ ጐድኖም እንተ ኣተኲርና፡ ንጸላእትና ኢና እንድግፎም። ብኸመይ፧ ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኣብ ውድብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ኢና እነዳኽም። ተጻረርትና እውን ከምኡ ኺገብሩ እዮም ተላዒሎም ዘለዉ። እሞ ደኣ ነቲ ኻብ ጸላእትና ዚመጽእ ኣሉታዊ ፕሮፓጋንዳ ኣለሊና ምእንቲ ኽንነጽጎ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ካልኦት ንሞሳኻ ኼዳኽምዎ ኣይትፍቀድ

13. ጸላእቲ ኣምላኽ ንውድቡ ኼጸልሙ ዚጽዕሩ ብኸመይ እዮም፧

13 ተጻረርቲ ኣምላኽ ንኣወንታዊ ሸነኽ ውድቡ ኸም ኣሉታዊ ገይሮም እዮም ኬቕርብዎ ዚጽዕሩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ብኣካላውን ብስነ ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ ንጹሃት ኪዀኑ ኸም ዚጽበዮም ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተማሂርና ኢና። ብመገዲ ርኽሰት ዚመላለሱ እሞ ዘይንስሑ ሰባት ከኣ ካብ ጉባኤ ኺውገዱ እዩ ዚደሊ። (1 ቈረ. 5:11-13፣ 6:9, 10) ንሕና ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ ንስዕቦ ኢና። ተጻረርትና ግና ሕሱማትን ነቐፍትን ጨካናትን ከም ዝዀንና ገይሮም ብምኽሳስ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣንጻርና ኺጥቀሙሉ ይጽዕሩ እዮም።

14. ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ዚንዛሕ ናይ ሓሶት ወረ ምንጩ ኻበይ እዩ፧

14 ንምንጪ እቲ መጥቃዕትታት ኣለልዮ። ናይ ሓሶት ወረ ምንጩ ኻብ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ንሱ “ኣቦ ሓሶት” እዩ። (ዮሃ. 8:44፣ ዘፍ. 3:1-5) ስለዚ፡ ሰይጣን ብደገፍቱ ኣቢሉ ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ናይ ሓሶት ወረ ኺነዝሕ ንጽበዮ ኢና። እዚ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ተራእዩ እዩ።

15. መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስን ንሰዓብቱን እንታይ እዮም ገይሮምዎም፧

15 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ደገፍቲ ሰይጣን ብዛዕባ እቲ ፍጹም ገባር ተኣምራት ዝነበረ ወዲ ኣምላኽ ብዙሕ ሓሶት እዮም ነዚሖም። ንኣብነት፡ ሽዑ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ የሱስ ንኣጋንንቲ “ብሓለቓ ኣጋንንቲ” ኸም ዜውጽኦም ገይሮም ይዛረቡ ነበሩ። (ማር. 3:22) የሱስ ኣብ ፍርዲ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ከም ዝጸረፈ ገይሮም ከሰስዎ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ምእንቲ ኺጠልቡ እውን ነቶም ህዝቢ ሓበልዎም። (ማቴ. 27:20) ድሕርዚ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብስራት ኪሰብኩ ኸለዉ፡ እቶም ተጻረርቶም መስጐጕቲ ምእንቲ ኪቝስቍሱ ኢሎም ነቶም ህዝቢ ኣብቶም ኣሕዋት “ኣለዓዓልዎም፡ ከም ዚጽልኡ እውን ገበርዎም።” (ግብ. 14:2, 19) ናይ 1 ታሕሳስ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ግብሪ ሃዋርያት 14:2 ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “እቶም ኣይሁድ ተጻረርቲ ንርእሶም ነቲ መልእኽቲ ምንጻጎም ስለ ዘየዕገቦም፡ እቶም ኣህዛብ ኣንጻር ክርስትያናት ብሕማቕ ኣቐዲሞም ምእንቲ ክፈርዱ ብሓሶት ናይ ምጽላም ወፈራ ጀመሩ።”

16. ናይ ሓሶት ወረ እንተ ሰሚዕና፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

16 ሰይጣን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ሓሶት ካብ ምዝራብ ኣየቋረጸን። ሎሚ እውን ‘ንብዘላ ዓለም የስሕታ ኣሎ።’ (ራእ. 12:9) ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ወይ ብዛዕባ ዚመርሑና ኣሕዋት ኣሉታዊ ወረ እንተ ሰሚዕካ፡ ጸላእቲ ኣምላኽ ንየሱስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱን እንታይ ከም ዝገበርዎም ዘክር። ሎሚ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፡ ህዝቢ የሆዋ ኣደዳ መስጐጕትን ጸለመን ይዀኑ ኣለዉ። (ማቴ. 5:11, 12) ምንጪ ናይ ሓሶት ወረ መን ምዃኑ ኣለሊና ቕልጡፍ ስጕምቲ እንተ ወሲድና፡ ብእኡ ኣይክንታለልን ኢና። እሞ ደኣ እንታይ ስጕምቲ ኢና ኽንወስድ ዘሎና፧

17. ብናይ ሓሶት ወረ ምእንቲ ኸይንጕዳእ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (2 ጢሞቴዎስ 1:13) (“ ናይ ሓሶት ወረ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

17 ንናይ ሓሶት ወረ ንጸጎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንናይ ሓሶት ወረ እንተ ተቓሊዕና፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ንጹር መምርሒ ሂቡ ኣሎ። ንጢሞቴዎስ፡ “ናብ ጽውጽዋያት . . . ከየቕልቡ . . . ኣዝዝ፡” ከምኡ እውን “ኣኽብሮት ዝጐደሎ ጽውጽዋያት ኣርሕቆ” ኢልዎ እዩ። (1 ጢሞ. 1:3, 4፣ 4:7) ሕጻን ኣብ ምድሪ ዝረኸቦ ነገር ኣልዒሉ ኣብ ኣፉ ዜእቱ እኳ እንተ ዀነ፡ ዓብዪ ሰብ ግና ከምኡ ምግባር ሓደገኛ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ናይ ሓሶት ወረ ምንጩ ኻበይ ምዃኑ ስለ እንፈልጥ፡ ንነጽጎ ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ “ጥዑይ ቃል” ሓቂ ኢና ኣጽኒዕና እንሕዝ።—2 ጢሞቴዎስ 1:13 ኣንብብ።

18. ንውድብ የሆዋ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

18 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብቲ ውድብ ኣምላኽ ንየሱስ እትመስለሉ ሓያሎ መገድታት ሰለስተ ጥራይ ኢና መርሚርና። መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ፡ እታ ውድብ ኣብነት የሱስ እትስዕበሉ ተወሳኺ መገድታት እውን ኣስተብህል። ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ነታ ውድብ እቲኣ ዘለዎም ሞሳ ኼዕዝዙ ሓግዞም። ንየሆዋ ብተኣማንነት ብምግልጋልን ናብታ ፍቓዱ ንምግባር ዚጥቀመላ ውድቡ ብምልጋብን እውን ሞሳኻ ኣርኢ። (መዝ. 37:28) እምበኣር፡ ነቲ ኻብቶም ፈቃራትን እሙናትን ህዝቢ የሆዋ ብምዃን ዝረኸብናዮ ፍሉይ መሰል ኣኽቢርና ንርኣዮ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ህዝቢ ኣምላኽ ንየሱስ ዚመስልዎ ብኸመይ እዮም፧

  • ንውድብ የሆዋ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

  • ንናይ ሓሶት ወረ እንተ ተቓሊዕና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

መዝሙር 103 ውህበት ሰባት ዝዀኑ ጓሶት

a ኣብታ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 102-103 ዘላ፡ “ስለምንታይ 1919፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

b መግለጺ ስእሊ፦ ሽማግለታት ብግህዶ ብዛዕባ ዚግበር ምስክርነት ድሕሪ ምምይያጦም፡ እቲ ሓላው ጕጅለ ነቲ መምርሒ ናብተን ኣስፋሕቲ የመሓላልፎ፡ ዝባነን ናብ መንደቕ ገይረን ደው ኪብላ እውን ይነግረን።