ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ገሊኦም ጓኖት፡ ኣባላት ሰራዊት ንጉስ ዳዊት ኰይኖም ኬገልግሉ ዚፍቀደሎም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ሰራዊት ንጉስ ዳዊት ዜገልግሉ ጓኖት ተዋጋእቲ ነይሮም እዮም፣ ገለ ኻባታቶም ጸለቅ እቲ ዓሞናዊ፡ ኡርያ እቲ ሔታዊ፡ ዪትማ እቲ ሞኣባዊ ኺጥቀሱ ይከኣሉ። a (1 ዜና 11:39, 41, 46) ‘ክረታውያንን ጵለታውያንን ጊታውያንን’ እውን ኣባላት ሰራዊቱ እዮም ነይሮም። (2 ሳሙ. 15:18) ክረታውያንን ጵለታውያንን ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዛመዱ ኸም ዝነበሩ ጌርካ እዩ ዚእመን። (ህዝ. 25:16) ጊታውያን ከኣ ነበርቲ እታ ጋት እትብሃል ከተማ ፍልስጥኤማውያን እዮም ነይሮም።—እያ. 13:2, 3፣ 1 ሳሙ. 6:17, 18

ዳዊት ንገሊኦም ጓኖት፡ ኣባላት ሰራዊቱ ኪዀኑ ዚፈቕደሎም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ንዕኡ እሙናት ከም ዝዀኑ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንየሆዋ እሙናት ከም ዝዀኑ ይተኣማመን ስለ ዝነበረ እዩ። ንኣብነት፡ ዘ ኒው ኢንተርፕሪተርስ ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ባይብል ብዛዕባ ክረታውያንን ጵለታውያንን፡ “ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዋን ንግስነት ዳዊት፡ ንዕኡ ዝነበሮም ተኣማንነት ሓልዮም እዮም” ይብል። ብኸመይ፧ ኣብ ሓደ እዋን፡ “ኵሎም ሰብ እስራኤል” ነቲ “መሸገሪ” እተባህለ ሸባ ኺስዕቡ ኢሎም ንንጉስ ዳዊት ሓዲጎምዎ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፡ እቶም ክረታውያንን እቶም ጵለታውያንን ናብ ዳዊት ለገቡ፡ ንዕልወት ሸባ ንምፍሻል እውን ሓገዝዎ። (2 ሳሙ. 20:1, 2, 7) ኣብ ካልእ እዋን ከኣ፡ ኣዶንያ ወዲ ንጉስ ዳዊት ዝፋን ኪምንዝዕ ፈተነ። ክረታውያንን ጵለታውያንን ግና ንዳዊት እሙናት ኰኑ፡ ነቲ የሆዋ ኺነግስ ዝሓረዮ ሰሎሞን ኣብ ዝፋን ንምድያብ እውን ሓገዙ።—1 ነገ. 1:24-27, 38, 39

ንዳዊት ኣዝዩ እሙን ዝነበረ ኻልእ ጓና ድማ፡ ኢታይ እቲ ጊታዊ እዩ። ኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት ምስ ዓለወ እሞ ልቢ ሰብ እስራኤል ኣንጻር ንጉስ ዳዊት ምስ ኣለዓዓለ፡ ኢታይን እቶም 600 ጀጋኑኡን ንዳዊት ደገፍዎ። ኣብ ፈለማ፡ ዳዊት ንኢታይ፡ ጓና ብምዃኑ ምእንታኡ ኺዋጋእ ከም ዘይብሉ ተዛረቦ። ኢታይ ግና፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ጐይታይ ንጉስ እውን ህያው ዝዀነ፡ ንሞት ኰነ ንህይወት፡ ኣብቲ ጐይታይ ንጉስ ዚዀኖ ቦታ፡ ጊልያኻ ኣብኡ ኪኸውን እዩ” ኢሉ መለሰሉ።—2 ሳሙ. 15:6, 18-21

ኢታይ ነቲ ብየሆዋ እተቐብአ ንጉስ ዳዊት እሙን ነበረ

ክረታውያንን ጵለታውያንን ጊታውያንን ጓኖት እኳ እንተ ነበሩ፡ የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ዳዊት እውን ብየሆዋ እተቐብአ ምዃኑ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ዳዊት ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ኣብ ጐድኑ ብምዃኖም፡ ብዙሕ የመስግን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

a ኣብ ዘዳግም 23:3-6 ተመዝጊቡ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽ፡ ዓሞናውያንን ሞኣባውያንን ናብ ጉባኤ እስራኤል ከይኣትዉ ይኽልክል ነይሩ እዩ። እዚ ሕጊ እዚ ግና ንጓኖት ምሉእ ሕጋዊ ኣባልነት ከይውሃቦም ደኣ እምበር፡ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ከይሓብሩ ወይ ኣብ መንጎኦም ከይነብሩ ዚኽልክል ከም ዘይነበረ ጌርካ እዩ ዚእመነሉ። ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ 1ይ ጥራዝ፡ ገጽ 95 ርአ።