ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፕሮጀክት መጽናዕቲ

መንፈሳውያን ሰባት ጥበባዊ ውሳነታት ይገብሩ

መንፈሳውያን ሰባት ጥበባዊ ውሳነታት ይገብሩ

ዘፍጥረት 25:29-34 ኣንብብ እሞ፡ ካብ ኤሳውን ያእቆብን መኖም ጥበባዊ ውሳነ ኸም ዝገበረ ርአ።

ኣብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳብ ኣዕሚቝካ ዅዓት። ኣቐዲሙ እንታይ ኰይኑ ነይሩ፧ (ዘፍ. 25:20-28) ድሕሪኡኸ እንታይ ኰይኑ፧—ዘፍ. 27:1-46

ዝርዝር ነጥብታት ንምርካብ ኣዕሚቝካ ዅዓት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ በዅሪ ውሉድ እንታይ መሰልን ግቡእን ነይርዎ፧—ዘፍ. 18:18, 19w10 1/5 13

  • ሓደ ሰብ ኣብ ሓረግ ወለዶ መሲሕ ንምእታው ግድን በዅሪ ኪኸውን ነይርዎ ድዩ፧ (w17.12 14-15)

ትምህርቲ ርኸብ፡ ነቲ ትምህርቲ እውን ተግብሮ። ያእቆብ ካብ ኤሳው ንላዕሊ ንብዅርና ኣኽቢሩ ዚርኢ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (እብ. 12:16, 17w03 15/10 28-29) የሆዋ ብዛዕባ እዞም ክልተ ኣሕዋት ከመይ ተሰሚዕዎ፧ ስለምንታይከ፧ (ሚል. 1:2, 3) ኤሳው ኣብ ዝሓሸ ውሳነታት ንምብጻሕ እንታይ ኪገብር ነይርዎ፧

  • ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ኣብ ከም ኣምልኾ ስድራ ቤት ዝኣመሰለ ሰሙናዊ ንጥፈታት ከመይ ገይረ እየ ንመንፈሳዊ ነገራት ከም ዘማስወሉ ዘርኢ፧’