ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 21

መዝሙር 107 ፍቕሪ ኣምላኽ

ብኸመይ መጻምድቲ ኽትረክብ ትኽእል፧

ብኸመይ መጻምድቲ ኽትረክብ ትኽእል፧

“ክኢላ ሰበይትስ መን ይረኽባ፧ ዋጋኣ ኻብ ናይ ኣዕናቝ ኣጸቢቑ ይኸብር።”ምሳ. 31:10

ኣትኵሮ

ሓደ ሰብ ንዕኡ እትኸውን መጻምድቲ ብኸመይ ኪረክብ ከም ዚኽእልን ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኻልኦት ክርስትያናት ነቶም ኪምርዓዉ ዚደልዩ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ከም ዚኽእሉን ሓጋዚ ሓሳባት ዚህብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ።

1-2. (ሀ) ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ውረዛ ቕድሚ ምጅማሮም እንታይ ረቛሒታት እዮም ኣብ ግምት ኬእትዉ ዘለዎም፧ (ለ) “ውረዛ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (“መግለጺ ቓላት” ርአ።)

 ክትምርዖ ትድሊዶ፧ ሓደ ሰብ ሓጐስ ንምርካብ ግድን ኪምርዖ እኳ እንተ ዘይብሉ፡ ብዙሓት መንእሰያትን ዓበይትን ዝዀኑ ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት መጻምድቲ ይደልዩ እዮም። ልክዕ እዩ፡ ንሓዳር ሓሲብካ ምስ ኣንጻር ጾታ ምቅርራብ ቅድሚ ምጅማርካ፡ ብገንዘባውን ብመንፈሳውን ብስምዒታውን መዳይ ንመውስቦ ድሉው ክትከውን ኣሎካ። a (1 ቈረ. 7:36) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ዕዉት ሓዳር ክትምስርት ትኽእል ኢኻ።

2 ኰይኑ ግና፡ እትዀነካ መጻምድቲ ምርካብ ቀሊል ኣይኰነን። (ምሳ. 31:10) ብዝያዳ ኽትፈልጣ እትደሊ ሰብ ምስ ረኸብካ እውን፡ ውረዛ ምጅማር ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። b ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት መጻምድቲ ንምርካብን ውረዛ ንምጅማርን እንታይ ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ክንመያየጥ ኢና። ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኻልኦት ክርስትያናት ነቶም ኪምርዓዉ ዚደልዩ ዘበሉ ብኸመይ ኪድግፍዎም ከም ዚኽእሉ እውን ክንምሃር ኢና።

እትዀነካ መጻምድቲ ምርካብ

3. ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት መጻምድቲ ኼናድዩ ኸለዉ፡ እንታይ ረቛሒታት እዮም ኣብ ግምት ኬእትዉ ዘለዎም፧

3 ክትምርዖ እንተ ደሊኻ፡ ውረዛ ቕድሚ ምጅማርካ፡ ካብ መጻምድትኻ እንታይ ከም እትደሊ ኽትፈልጥ ኣሎካ። c እንተ ዘይኰይኑ፡ እትዀነካ መጻምድቲ ኸተምልጠካ ትኽእል እያ፡ ወይ ምስ ዘይትዀነካ ሰብ ክትቃራረብ ትጽዕር ትኸውን። መሸም፡ ንሓዳር እትሓስባ ሰብ፡ እተጠምቀት ክርስትያን ክትከውን ኣለዋ። (1 ቈረ. 7:39) ኰይኑ ግና፡ ኵለን ጥሙቓት ክርስትያናት ንዓኻ ይዀናኻ እየን ማለት ኣይኰነን። ስለዚ፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ፦ ‘ኣብ ህይወተይ እንታይ ሸቶታት እዩ ዘሎኒ፧ መጻምድተይ እንታይ ባህርያት ኪህልዋ እየ ልዕሊ ዅሉ ዝደሊ፧ ትጽቢታተይከ ሚዛናዊ ድዩ፧’

4. ገሊኦም ኣብ ጸሎቶም እንታይ ልማኖታት እዮም ኣቕሪቦም፧

4 መጻምድቲ ትደሊ እንተ ኣሊኻ፡ ብዛዕባ እዚ ናብ የሆዋ ኸም ዝጸለኻ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። (ፊል. 4:6) ልክዕ እዩ፡ የሆዋ መማጽኢ ኸም ዚኸውን ቃል ኣይኣተወን። ብዛዕባ ድሌትካን ስምዒትካን ግና ይግደስ እዩ። መጻምድቲ ንምርካብ ከኣ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ባህግኻን ስምዒትካን ኣካፍሎ። (መዝ. 62:8) ትዕግስትን ጥበብን ኪህበካ ለምኖ። (ያእ. 1:5) ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ጆን d ዚብሃል ዘይተመርዓወ ሓው፡ ኣብ ጸሎቱ እንታይ ከም ዚብል ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ካብ መጻምድተይ ዝደልዮ ባህርያት ንየሆዋ እነግሮ እየ። መጻምድቲ ንምርካብ ዜኽእለኒ ኣጋጣሚታት ንምርካብ እውን ናብኡ እጽሊ እየ። ብተወሳኺ ድማ፡ ንፉዕ ሰብኣይ ክኸውን ዜኽእለኒ ባህርያት ምእንቲ ኸማዕብል፡ ካብኡ ሓገዝ እልምን እየ።” ኣብ ስሪ ላንካ እትነብር ታንያ ዝስማ ሓብቲ ድማ፡ “መጻምድቲ ኣብ ዘናድየሉ እዋን፡ እምንትን ኣወንታዊትን ሕጕስትን ኰይነ ምእንቲ ክቕጽል፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ እልምን እየ” ትብል። ዋላ እውን ብኡብኡ መጻምድቲ እንተ ዘይረኸብካ፡ የሆዋ ነቲ ብኣካላዊ ዀነ ብስምዒታዊ መዳይ ዜድልየካ ነገራት ከም ዜማልኣልካ ቓል ኣትዩ ኣሎ።—መዝ. 55:22

5. ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ንየሆዋ ምስ ዜፍቅሩ ሰባት ንምርኻብ እንታይ ኣጋጣሚታት ኣለዎም፧ (1 ቈረንቶስ 15:58) (ስእሊ እውን ርአ።)

5 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ሳዕ ብዙሕ ዕዮ ጐይታ ይሃሉኹም” ኢሉ የተባብዓና እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:58 ኣንብብ።) ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዝ እንተ ዄንካ፡ ምስ እተፈላለዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ግዜ እተሕልፍ እንተ ዄንካ፡ ምሳታቶም ሃናጺ ግዜ ጥራይ ኣይኰንካን እተሕልፍ፣ የግዳስ፡ ከማኻ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ምስ ዜተኵሩ ኺምርዓዉ ዚደልዩ ሰባት ናይ ምርኻብ ዕድልካ ይሰፍሕ እዩ። ንየሆዋ ባህ ንምባል ዚከኣለካ ኽትገብር ከለኻ ኸኣ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዝ እንተ ዄንካን ምስ እተፈላለዩ ክርስትያናት ብጾት ግዜ እተሕልፍ እንተ ዄንካን፡ ኪምርዓዉ ምስ ዚደልዩ ሰባት ናይ ምርኻብ ዕድልካ ይሰፍሕ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)


6. ሓደ ክርስትያን እትዀኖ መጻምድቲ ኣብ ዜናድየሉ እዋን እንታይ እዩ ኺዝክር ዘለዎ፧

6 እንተዀነ ግና፡ ክትጥንቀቐሉ ዘሎካ ነገር ኣሎ፦ መጻምድቲ ምርካብ ዚብልዎ ሓሳብ ንህይወትካ ምሉእ ብምሉእ ኪቈጻጸሮ ኣይተፍቅድ። (ፊል. 1:10) ናይ ሓቂ ሓጐስ፡ ምርዑው ወይ ዘይምርዑው ኣብ ምዃን ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ እዩ ዚምርኰስ። (ማቴ. 5:3) ኣብቲ ኸይተመርዓኻ እትጸንሓሉ እዋን ከኣ፡ ኣገልግሎትካ ንምስፋሕ ዝያዳ ናጽነት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 7:32, 33) ነዚ ግዜ እዚ ብዝበለጸ ተጠቐመሉ። ኣብ መወዳእታ 30ታት ዕድሚኣ እተመርዓወት ጀሲካ ዝስማ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ሓብቲ፡ “ብኣገልግሎት ትሕዝቲ እየ ነይረ፣ እዚ ድማ ክምርዖ ድሌት እናሃለወኒ ኽነሱ፡ ዕግበት ክረክብ ኣኽኢሉኒ እዩ” ትብል።

ግዜ ወሲድካ ተዓዘብ

7. ንሓንቲ ሰብ ንሓዳር ትሓስባ ኸም ዘለኻ ቕድሚ ምግላጽካ፡ ግዜ ወሲድካ ምዕዛብ ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ምሳሌ 13:16)

7 ንሓዳር እትዀነካ ሰብ ከም ዝረኸብካ እንተ ተሰሚዑካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ብኡብኡ ዲኻ ንሓዳር ትሓስባ ኸም ዘለኻ ኽትገልጸላ ዘሎካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥበበኛ ሰብ ሓደ ነገር ቅድሚ ምግባሩ ኺፈልጥ ከም ዚጽዕር ይገልጸልና እዩ። (ምሳሌ 13:16 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ንሓዳር ትሓስባ ኸም ዘለኻ ቕድሚ ምግላጽካ፡ ግዜ ወሲድካ ብሜላ እንተ ተዓዘብካ ይሓይሽ። ኣብ ነዘርላንድስ ዚነብር ኤሽዊን፡ “ስምዒታት ቀልጢፉ ኺምዕብል፡ ቀልጢፉ እውን ኪጠፍእ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ግዜ ወሲድካ እንተ ተዓዚብካ፡ ሃንደራእ ኢልካ ውረዛ ኣይትጅምርን ኢኻ” ይብል። ብተወሳኺ እውን፡ ግዜ ወሲድካ እንተ ተዓዚብካ፡ እታ ሰብ ከም ዘይትዀነካ ኽትፈልጥ ትኽእል ትኸውን።

8. ሓደ ኺምርዖ ዚደሊ ሰብ መጻምድቱ ኽትከውን ንዝጠመታ ሰብ ብኸመይ እዩ ኺዕዘባ ዚኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

8 እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ንኻልእ ሰብ ብሜላ ኽትዕዘብ እትኽእል፧ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻባትን ብዛዕባ መንፈሳውነትን ባህርያትን ኣካይዳን እታ ሰብ እቲኣ ኸተስተብህል ትኽእል ኢኻ። መን እየን መሓዙታ፧ ብዛዕባ እንታይ እያ እትዛረብ፧ (ሉቃ. 6:45) ሸቶታታ ምስ ናትካ ዚሰማማዕ ድዩ፧ ንናይ ጉባኤ ሽማግለታት ወይ ኣጸቢቖም ንዚፈልጥዋ ብሱላት ክርስትያናት ከተዛርብ የድልየካ ይኸውን። (ምሳ. 20:18) እንታይ ዓይነት ስም ከም ዘለዋን እንታይ ባህርያት ከም ዘለዋን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። (ሩት 2:11) ነታ ሰብ እቲኣ ኽትዕዘባ ኸለኻ፡ ከም ገለ ኸም ዚስምዓ ኸይትገብር ተጠንቀቕ። ስምዒታን ውልቃዊ ጕዳያታን ኣኽብረላ።

ንሓዳር ትሓስባ ኸም ዘለኻ ቕድሚ ምግላጽካ፡ ብሜላ ተዓዘባ (ሕጡብ ጽሑፍ 7-8 ርአ)


9. ናብ ሓንቲ ሰብ ቀሪብካ ሓሳብካ ቕድሚ ምግላጽካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትኣምን ዘሎካ፧

9 እሞ ደኣ ድሌትካ ቕድሚ ምግላጽካ፡ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኢኻ ንሓንቲ ሰብ ክትዕዘባ ዘሎካ፧ ተሃዊኽካ ሓሳብካ እንተ ገሊጽካ፡ ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ ብዕምቈት ከም ዘይትሓስብ ገይራ ኽትርእየካ እያ። (ምሳ. 29:20) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ እምብዛ ነዊሕ ግዜ እንተ ወሲድካ፡ ምናልባት ከኣ እታ ሰብ እንታይ ከም እትደሊ እንተ ኣስተብሂላትልካ፡ ተወላዋሊ ኸም ዝዀንካ ገይራ ኽትርእየካ እያ። (መክ. 11:4) ዝዀነ ዀይኑ፡ ንሓንቲ ሰብ ሓሳብካ ንምግላጽ ቅድሚ ምቕራብካ፡ ርግጽ ከም እትምርዓዋ ኽትኣምን ኣየድልየካን እዩ። ንሓዳር ድሉው ከም ዝዀንካ፡ እታ ሰብ እቲኣ ድማ ክትኰነካ ኸም እትኽእል ግና ክትኣምን ኣሎካ።

10. ሓደ ሰብ ንሓዳር ይደልየኪ ኸም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልኪ እሞ ንስኺ ግና ዘይትደልይዮ እንተ ዄንኪ እንታይ ኢኺ ኽትገብሪ ዘሎኪ፧

10 እሞ ደኣ ሓደ ሰብ ንሓዳር ይጥምተኪ ኸም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልኪ እንታይ ኢኺ ኽትገብሪ ዘሎኪ፧ ንስኺ ኸም ናቱ ዓይነት ስምዒት እንተ ዘይብልኪ፡ ሓሳብኪ ብተግባር ንጹር ግበርሉ። ዕድል ከም ዘይትህብዮ እናፈለጥኪ፡ ዕድል ከም ዘለዎ ኣምሲልካ ምቕጻል ጽቡቕ ኣይኰነን።—1 ቈረ. 10:24፣ ኤፌ. 4:25

11. ብመማጽኢ ጌርካ ርክብ ኣብ ዚምስረተሉ ዓድታት እንታይ ረቛሒታት እዩ ኣብ ግምት ኪኣቱ ዘለዎ፧

11 ኣብ ገሊኡ ዓድታት፡ ወለዲ ወይ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት እዮም ንቤተ ሰቦም መጻምድቲ ዚሓርዩሉ። ኣብ ገሊኡ ዓድታት ድማ፡ ቤተ ሰብ ወይ ፈተውቲ፡ መጻምድቲ ምስ ኣማጽኡ፡ እቲ ወዲ ወይ እታ ጓል ንሓድሕዶም ዚሰማምዑ እንተ ዀይኖም ይውስኑ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ከተማጽእ እንተ ተሓቲትካ፡ ናይቲ ወድን ናይታ ጓልን ድሌት ኰነ ምርጫ ኣብ ግምት ኣእቱ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣማጽኣለይ ዝበለካ ኽትኰኖ እትኽእል ጓል ምስ ረኸብካ፡ ብዛዕባ ስብእናኣን ብዛዕባ ባህርያታን፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ብዛዕባ መንፈሳውነታ ኽትፈልጥ ጽዓር። ካብ ገንዘብ፡ ትምህርቲ፡ ወይ ማሕበራዊ ደረጃ ንላዕሊ፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እዩ ኣገዳስነት ዘለዎ። ይኹን እምበር፡ እቲ ወዲ ወይ እታ ጓል እዮም ንምምርዓው ናይ መወዳእታ ውሳነ ኺገብሩ ዘለዎም።—ገላ. 6:5

ምጅማር ውረዛ

12. ምስ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ውረዛ ኽትጅምር እንተ ደሊኻ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ሓሳብካ ኽትገልጸላ እትኽእል፧

12 ምስ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ውረዛ ኽትጅምር እንተ ደሊኻ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ድሌትካ ኽትገልጸላ እትኽእል፧ e ነታ ሰብ እቲኣ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታ ወይ ብተሌፎን ከተዛርባ ትኽእል ኢኻ። ሓሳብካ ብንጹር ግለጸላ። (1 ቈረ. 14:9) እንተ ኣድልዩ፡ ምላሽ ንምሃብ ምእንቲ ኽትሓስበሉ ግዜ ሃባ። (ምሳ. 15:28) ነቲ ርክብ እቲ ዘይትደልዮ እንተ ዀይና ግና፡ ስምዒታ ኣኽብረላ።

13. ሓደ ሰብ ብዓይኒ ፍቕሪ ይጥምተኪ ኸም ዘሎ እንተ ገሊጹልኪ፡ እንታይ ኢኺ ኽትገብሪ እትኽእሊ፧ (ቈሎሴ 4:6)

13 እሞ ደኣ ሓደ ሰብ ንሓዳር ይደልየኪ ኸም ዘሎ እንተ ገሊጹልኪ፡ እንታይ ኢኺ ኽትገብሪ ዘሎኪ፧ መሸም ከምኡ ንምግባር፡ ትብዓት ኣድልይዎ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ሓዝዮ። (ቈሎሴ 4:6 ኣንብብ።) ውረዛ ንምጅማር ወይ ንዘይምጅማር ክትውስኒ ግዜ ዜድልየኪ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ሓብርዮ። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ብእተኻእለኪ መጠን ቀልጢፍኪ መልስሉ። (ምሳ. 13:12) ምስኡ ርክብ ኪህልወኪ ዘይትደልዪ እንተ ዄንኪ፡ ብለውሃትን ብንጹርን ግለጽሉ። ኣብ ኦስትርያ ዚነብር ሃንስ ዝስሙ ሓው ካብ ሓንቲ ሓብቲ ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ እንታይ ከም ዝገበረ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ብሜላ ግናኸ ብንጹር ውሳነይ ገሊጸላ። ብኡብኡ እየ ኸምኡ ገይረ። ምኽንያቱ፡ ናይ ሓሶት ተስፋ ኺህልዋ ኣይደለኹን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብቲ ድሕሪኡ ምስኣ ዝነበረኒ ርክባት ክጥንቀቕ ነይሩኒ።” በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኽትወርዛ እንተ ደሊኻ፡ ብዛዕባ ውረዛ ዘሎካ ስምዒታትን ትጽቢታትን ኣመያይጣ። ትጽቢታትካ ብምኽንያት ባህልኻ ወይ ካልእ ረቛሒታት ካብ ናታ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ካልኦት ንዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ብኸመይ ኪድግፍዎም ይኽእሉ፧

14. ንዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ከመይ ጌርና ኢና ብዘረባና ኽንድግፎም እንኽእል፧

14 ከመይ ጌርና ኢና ኺምርዓዉ ንዚደልዩ ክርስትያናት ክንድግፎም እንኽእል፧ ሓደ መገዲ እንታይ ከም እንብል ጥንቁቓት ብምዃን እዩ። (ኤፌ. 4:29) ከምዚ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ኪምርዓዉ ንዚደልዩ ሰባት እሕጭጨሎም ድየ፧ ዘይተመርዓዉ ወድን ጓልን ኪዛራረቡ እንተ ርእየ፡ ብዓይኒ ፍቕሪ ይጠማመቱ ኸም ዘለዉ ገይረ ድየ ዝሓስብ፧’ (1 ጢሞ. 5:13) ብተወሳኺ ድማ፡ ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ጐደሎ ኸም ዝዀኑ ዜስምዕ ነገር ክንዛረብ የብልናን። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሃንስ ከምዚ ይብል፦ “ገሊኦም ኣሕዋት፡ ‘ንምንታይ ኢኻ ዘይትምርዖ፧ ንእሽቶ እኮ ኣይኰንካን፧’ ይብሉኒ እዮም። ገሊኡ ዘረባ ንዘይተመርዓዉ ሰባት ዚርድኣሎም ከም ዘይብሎም ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ይገብር እዩ። ምእንቲ ኺምርዓዉ፡ ተወሳኺ ጸቕጢ ጥራይ እዩ ዚገብረሎም።” ኣብ ክንዳኡስ፡ ንዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ክንንእደሉ እንኽእል ኣጋጣሚታት እንተ ረኸብና ኣጸቢቑ ይሓይሽ።—1 ተሰ. 5:11

15. (ሀ) ንሓደ ሰብ ከነማጽኣሉ ቕድሚ ምፍታንና፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ሮሜ 15:2 ዘሎ ስርዓት፡ እንታይ ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና፧ (ስእሊ እውን ርአ።) (ለ) ካብዛ ቪድዮ እዚኣ እንታይ ኣገዳሲ ነጥብታት ረኺብካ፧

15 ሓደ ሓውን ሓንቲ ሓብትን ጽቡቕ ሓዳር ኪምስርቱ ምኸኣሉ ኢልና እንተ ሓሲብና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ካልኦት ስምዒት ኣብ ግምት ከነእቱ ኸም ዘሎና ይነግረና እዩ። (ሮሜ 15:2 ኣንብብ።) ብዙሓት ሰባት መማጽኢ ኣይደልዩን እዮም፣ ስለዚ፡ ድሌቶም ከነኽብረሎም ኣሎና። (2 ተሰ. 3:11) ገሊኦም እተወሰነ ሓገዝ ይደልዩ ይዀኑ፣ እንተዀነ ግና፡ ከይተሓተትና ጣልቃ ኽንኣቱ የብልናን። f (ምሳ. 3:27) ገሊኦም ነቲ ርክብ ብቐጥታ ኺጅምርዎ ኣይደልዩን ይዀኑ። ኣብ ጀርመን እትነብር ሊድያ ዝስማ ዘይተመርዓወት ሓብቲ፡ “ነቲ ሓውን ነታ ሓብትን ናብ ዓብዪ ምትእኽኻብ ክትዕድሞም ትኽእል ኢኻ። ኪራኸቡ ኣጋጣሚ ፍጠረሎም፡ እቲ ዝተረፈ ናባታቶም ሕደጎ” ትብል።

ምትእኽኻብ ኪህሉ ኸሎ፡ ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ኪራኸቡሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚ ይረኽቡ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)


16. ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት እንታይ እዮም ኪዝክሩ ዘለዎም፧

16 ዘይተመርዓና ንኹን ወይ እተመርዓና፡ ኵላትና ኣብ ህይወትና ሓጐስን ዕግበትን ክንረክብ ንኽእል ኢና። (መዝ. 128:1) ስለዚ፡ ክትምርዖ እንተ ደሊኻ፡ እትዀነካ ሰብ ግና እንተ ዘይረኺብካ፡ ኣብቲ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣገልግሎት ኣተኵር። ሲን ዪ ዝስማ ኣብ ማካው እትነብር ሓብቲ፡ “ምስቲ ኣብ ገነት ምስ መጻምድኻ ኸተሕልፎ እትኽእል ግዜ ኺነጻጸር ከሎ፡ እቲ ኸይተመርዓኻ እተሕልፎ ግዜ ሓጺር እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ግዜ እቲ ኣኽቢርካ ርኣዮ፡ ጽቡቕ ጌርካ እውን ተጠቐመሉ” ትብል። ይኹን እምበር፡ ክትኰነካ እትኽእል እንተ ረኺብካ እሞ ውረዛ ኽትጅምር እንተ ሓሲብካኸ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ እዋን ውረዛ ብኸመይ ዕዉት ከም ዚኸውን ክንመያየጥ ኢና።

መዝሙር 137 እሙናት ኣንስቲ፡ ክርስትያን ኣሓት

a ተዳሊኻ እንተ ዄንካ ንምውሳን፡ ኣብ jw.org፡ “ዓርኪ ምሓዝ—1ይ ክፋል፦ ዓርኪ ኽሕዝ ተዳልየ ድየ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

b መግለጺ ቓላት፦ ኣብዛ ዓንቀጽን ኣብታ እትስዕብ ዓንቀጽን፡ “ውረዛ” ዚብል ቃል ነቲ ወድን ጓልን ሓዲኦም ነቲ ሓደ ንሓዳር ዚዀኖ እንተ ዀይኑ ንምውሳን ብዝያዳ ኺፋለጡ ዜሕልፍዎ ግዜ የመልክት። ሓድሓደ ግዜ፡ ዓርኪ ምሓዝ፡ ወይ ፍቕራዊ ርክብ ተባሂሉ ይግለጽ እዩ። ውረዛ ኣብቲ ወድን ጓልን ኣብ መንጎኦም ፍቕሪ ንምምስራት ይህቅኑ ኸም ዘለዉ ብንጹር እተዛራረቡሉ እዋን ይጅምር፣ ከም ዚመራዓዉ ቓል ኣብ ዚተኣታተዉሉ እዋን ወይ ነቲ ርክቦም ኣብ ዚበትኩሉ እዋን ከኣ የብቅዕ።

c ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንኣጸሓሕፋ ምእንቲ ኪቐልል ኢልና፡ እቲ ንመውስቦ ዚሓትት ዘሎ ሓታቲ፡ ሓው ከም ዝዀነ ጌርና ኢና ኣስፊርናዮ። እቲ ስርዓታት ግና ንሓብቲ እውን ብማዕረ ይምልከት እዩ።

d ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

e ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ውረዛ ንምጅማር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓው እዩ ንሓብቲ ዚሓትታ። ኰይኑ ግና፡ ሓብቲ ንሓው እንተ ሓተተቶ እውን ጌጋ የብሉን። (ሩት 3:1-13) ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ናይ 22 ጥቅምቲ 2004 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ገጽ 20-22 ርአ።