ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 22

መዝሙር 127 ከመይ ዝበልኩ እየ ክኸውን ዚግብኣኒ!

እዋን ውረዛ ብኸመይ ዕዉት ኪኸውን ይኽእል፧

እዋን ውረዛ ብኸመይ ዕዉት ኪኸውን ይኽእል፧

“እቲ . . . ኽቡር ዝዀነ . . . ኣብ ልቢ ዘሎ ሕቡእ ሰብ ይኹን።”1 ጴጥ. 3:4

ኣትኵሮ

እዋን ውረዛ ዕዉት ምእንቲ ኪኸውን፡ እቶም መጻምድቲ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ፡ ካልኦት ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ድማ ብኸመይ ኪድግፍዎም ከም ዚኽእሉ።

1-2. ገሊኦም ብዛዕባ ውረዛ ኸመይ ይስምዖም፧

 እዋን ውረዛ ዜሐጕስ ግዜ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ርክብ እንተ ኣሊኻ፡ ጽቡቕ ኪዀነልካ ኸም እትደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብዙሓት መጻምድቲ ዜሐጕስ ግዜ እዮም ዜሕልፉ። ንኣብነት፡ ኣብ ኢትዮጵያ እትነብር ጽዮን a ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወተይ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዋናት፡ ኣነን ሰብኣየይን ሓዳር ክንምስርት ኢልና ፍቕራዊ ቕርርብ እንገብረሉ ዝነበርና እዋን እዩ። ብቑም ነገር ኢና እንመያየጥ ኔርና፣ ንስሕቕ እውን ኔርና ኢና። ዘፍቅሮን ዜፍቅረንን ሰብ ከም ዝረኸብኩ ምስ ተረድኣኒ፡ ተሓጒሰ እየ።”

2 ይኹን እምበር፡ ኣብ ነዘርላንድስ ዚነብር ኣለሾ ዝስሙ ሓው፡ “ኣብ እዋን ውረዛ ንሰበይተይ ክፈልጣ ምኽኣለይ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ጸገማት እውን ኣጋጢሙና እዩ” ይብል። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ ገለ ኻብቲ ዜጋጥም ጸገማትን እዋን ውረዛ ዕዉት ምእንቲ ኪኸውን ኪሕግዝ ብዛዕባ ዚኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ክንመያየጥ ኢና። ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኻልኦት ክርስትያናት ነቶም መጻምድቲ ብኸመይ ኪድግፍዎም ከም ዚኽእሉ እውን ክንርኢ ኢና።

ዕላማ ውረዛ

3. ዕላማ ውረዛ እንታይ እዩ፧ (ምሳሌ 20:25)

3 እዋን ውረዛ ዜሐጕስ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ናብ መውስቦ ኺመርሕ ዚኽእል ኣርዚንካ ኺርአ ዘለዎ ስጕምቲ እዩ። ወድን ጓልን ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ብህይወት ክሳዕ ዘለዉ ኸም ዚፋቐሩን ከም ዚከባበሩን ኣብ ቅድሚ የሆዋ እዮም ቃል ኪዳን ዚተኣታተዉ። ኣብ ዝዀነ እዋን፡ ቃል ቅድሚ ምእታውና፡ ነቲ ነገር ብልዑል ጥንቃቐ ኽንሓስበሉ ኣሎና። (ምሳሌ 20:25 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ቃል ኪዳን ብርግጽ ኣኽቢርካ ኺርአ ኣለዎ። እዋን ውረዛ ንመጻምድቲ፡ ንሓድሕዶም ኪፋለጡን ጽቡቕ ውሳነ ኺገብሩን ይሕግዞም እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ውሳነ፡ ምምርዓው ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ነቲ ርክብ ምቍራጽ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወድን ጓልን ዝነበሮም ርክብ እንተ ኣቋሪጾም፡ እቲ ውረዛ ዘይዕዉት ኰይኑ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ዕላማኡ እዩ ወቒዑ፣ ናብ ጽቡቕ ውሳነ ኺበጽሑ ኣኽኢልዎም እዩ።

4. ብዛዕባ ውረዛ ቕኑዕ ኣረኣእያ ኺህልወና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

4 ብዛዕባ ውረዛ ቕኑዕ ኣረኣእያ ምሓዝ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ዘይተመርዓዉ ሰባት ግቡእ ኣረኣእያ እንተ ሒዞም፡ ንሓዳር ምስ ዘይሓስብዎ ሰብ ኣይቀራረቡን እዮም። ቅኑዕ ኣረኣእያ ኺህልዎም ዘለዎም ግና፡ ዘይተመርዓዉ ሰባት ጥራይ ኣይኰኑን። ኵላትና ቕኑዕ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ኣሎና። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት፡ ወድን ጓልን ፍቕራዊ ቕርርብ እንተ ጀሚሮም፡ ግድን ኪምርዓዉ ኸም ዘለዎም ይኣምኑ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ንዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ብኸመይ ጽልዋ ይገብረሎም፧ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር መሊሳ ዝስማ ዘይተመርዓወት ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ፍቕራዊ ቕርርብ ንዝጀመሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ጸቕጢ እዩ ዚግበረሎም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ገሊኦም ውረዛ ዚጅምሩ መጻምድቲ፡ እቲ ርክቦም ከም ዘየዋጽእ እናፈለጡ ኽነሶም ኪበትክዎ ኣይክእሉን። ገሊኦም ዘይተመርዓዉ ሰባት ከኣ ጠሪሶም ፍቕራዊ ቕርርብ ዚብሃል ኣይጅምሩን። እቲ ጸቕጢ ሓያል ኪኸውን ይኽእል እዩ።”

ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ተፋለጡ

5-6. ኣብ ውረዛ ዘለዉ መጻምድቲ ብዛዕባ ሓድሕዶም እንታይ ንምፍላጥ እዮም ኪጽዕሩ ዘለዎም፧ (1 ጴጥሮስ 3:4)

5 ውረዛ እንተ ጀሚርኩም፡ ክትመራዓዉ ወይ ከይትመራዓዉ ንምውሳን እንታይ ኪሕግዘኩም ይኽእል፧ ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ተፋለጡ። ብስርዓት ምቅርራብ ቅድሚ ምጅማርኩም፡ ብዛዕባ እቲ ኻልእ ሰብ እተወሰነ ነገራት ትፈልጡ ኢኹም። ውረዛ ምስ ጀመርኩም ግና፡ ነቲ “ኣብ ልቢ ዘሎ ሕቡእ ሰብ” ንምፍላጥ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልኩም ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 3:4 ኣንብብ።) እዚ ድማ ብዛዕባ መንፈሳውነትን ስብእናን ኣተሓሳስባን መጻምድትኹም ምፍላጥ የጠቓልል። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ምላሽ ክትረኽቡሉ ኣሎኩም፦ ‘እዛ ሰብ እዚኣ፡ ንሓዳር ትዀነኒ ድያ፧’ (ምሳ. 31:26, 27, 30፣ ኤፌ. 5:33፣ 1 ጢሞ. 5:8) ‘ሓደ ነቲ ሓደ ብስምዒታዊ መዳይ ዜድልዮ ዘበለ ኼማልኣሉ ይኽእልዶ፧ ጕድለት ሓድሕድና ዕሽሽ ኢልና ብሓባር ክንነብር ንኽእልዶ፧’ b (ሮሜ 3:23) ንሓድሕድኩም ክትፋለጡ ኸለኹም፡ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣይትረስዑ፦ ስኒት ብዓብይኡ በቲ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ምስስል ኣይኰነን ዚውሰን፣ የግዳስ፡ በቲ ምስ ፍልልያትኩም ተዋሃሂድኩም ንምንባር ዘሎኩም ክእለት እዩ ዚውሰን።

6 እሞ ደኣ ኣብ እዋን ውረዛ ብዛዕባ መጻምድትኹም እንታይ ኢኹም ክትፈልጡ ዘሎኩም፧ ብስምዒት ኣመና ቕድሚ ምትእስሳርኩም፡ ብዛዕባ ኣገዳሲ ነገራት ክትመያየጡ ኣሎኩም። ንኣብነት፡ ናይ ንሓድሕድኩም ሸቶታት ክትመያየጡሉ ኣሎኩም። ብዛዕባ ኸም ናይ ጥዕና ጕዳያት፡ ናይ ገንዘብ ጸገማት፡ ወይ ኣብ ሕሉፍ ዘጋጠመ ሕማቕ ተዘክሮ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ጕዳያትከ ኽትፈልጡ የድልየኩምዶ፧ ኣብ መጀመርታ ውረዛ፡ ብዛዕባ ዅሉ እዚ ነገራት እዚ ግድን ክትመያየጡ ኣየድልየኩምን እዩ። (ምስ ዮሃንስ 16:12 ኣረኣኢ።) ንኸምዚ ዝኣመሰለ ውልቃዊ ሕቶታት ንምምላስ ግዜኡ ኸም ዘይኣኸለ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑኩም፡ ንብጻይኩም ሓብርዎ። ውዒሉ ሓዲሩ ግና፡ ኣብ ሚዛናዊ ውሳነ ንምብጻሕ፡ እዚ ሓበሬታ እዚ የድሊ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ሓደ ደረጃ ምስ በጻሕኩም፡ ኣብ ልብኹም ዘሎ ኽትነጋገሩ ኣሎኩም።

7. ኣብ ውረዛ ዘለዉ መጻምድቲ ኸመይ ገይሮም እዮም ንሓድሕዶም ኪፋለጡ ዚኽእሉ፧ (“ ኣብ እተፈላለየ ዓድታት ኴንካ ዚግበር ውረዛ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) (ስእልታት እውን ርአ።)

7 እሞ ደኣ ውሽጥኹም ብኸመይ ኣጸቢቕኩም ክትፋለጡ ትኽእሉ፧ ሓደ ብሉጽ መገዲ፡ ብግልጽን ብቕንዕናን ምዝርራብ እዩ፣ ስለዚ፡ ሕቶታት ክትተሓታተቱን ብኣቓልቦ ኽትሰምዑን ኣሎኩም። (ምሳ. 20:5፣ ያእ. 1:19) ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ንሓድሕድኩም ክትላዘቡ ኣብ ዜኽእለኩም፡ ከም ብሓባር ምብላዕ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ብሓባር ብእግሪ ምዝዋር፡ ብሓባር ምስባኽ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም። ምስ ፈተውትኹምን ምስ ቤተ ሰብኩምን ግዜ ኸተሕልፉ ኸለኹም እውን፡ ንሓድሕድኩም ክትፋለጡ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ድማ፡ ብጻይኩም ኣብ እተፈላለየ ዅነታትን ምስ እተፈላለዩ ሰባትን እንታይ ዓይነት ርክብ ከም ዘለዎ ንምፍላጥ፡ ኣብ በበይኑ ንጥፈታት ንምስታፍ መደብ ኣውጽኡ። እቲ ኣብ ነዘርላንድስ ዚነብር ኤሽዊን ከምኡ ኺገብር እዩ ፈቲኑ። ብዛዕባ እቲ ምስ ኣሊሻ ዘሕለፎ እዋን ውረዛ ኸምዚ ይብል፦ “ንሓድሕድና ኽንፋለጥ ዚሕግዘና ንጥፈታት ነናዲ ኔርና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዚ ነገር እዚ ብሓባር ምግቢ ኸም ምድላው፡ ብሓባር ዕዮ ገዛ ኸም ምዕያይ ዝኣመሰለ ቐሊል ነገራት እዩ ነይሩ። ኣብቲ ንጥፈታት እቲ፡ ናይ ንሓድሕድና ብርታዐን ድኽመትን ርኢና ኢና።”

ንዝርርብ ኣጋጣሚ ኣብ ዚኸፍት እተፈላለየ ንጥፈታት ብሓባር እንተ ተሳቲፉኩም፡ ብዝያዳ ኽትፋለጡ ኢኹም (ሕጡብ ጽሑፍ 7-8 ርአ)


8. ውረዛ ዝጀመሩ መጻምድቲ ብሓባር ብምጽናዕ ብኸመይ ኪጥቀሙ ይኽእሉ፧

8 መንፈሳዊ ነገራት ብሓባር ብምጽናዕ እውን ንሓድሕድኩም ክትፋለጡ ትኽእሉ ኢኹም። እንተ ተመራዒኹም፡ ኣምላኽ ኣብ መውስቦኹም ኣገዳሲ ቦታ ምእንቲ ኺህልዎ፡ ንኣምልኾ ስድራ ቤት ግዜ ትምድቡ ኢኹም። (መክ. 4:12) እሞ ደኣ ኣብ እዋን ውረዛ ንምንታይ ብሓባር ንምጽናዕ ግዜ ዘይትምድቡ፧ ልክዕ እዩ፡ ኣብ ውረዛ ዘለዉ መጻምድቲ፡ ገና ሓደ ስድራ ቤት ኣይኰኑን። እቲ ሓው ከኣ ገና ርእሲ እታ ሓብቲ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ኣዘውቲርኩም ብሓባር ተጽንዑ እንተ ዄንኩም፡ ብዛዕባ መንፈሳውነት ሓድሕድኩም ክትፈልጡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ማክስን ላይሳን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር፡ ነዚ ነገር እዚ ኻልእ ጥቕሚ ኸም ዝረኸቡሉ ገሊጾም ኣለዉ። ብዛዕባ እዚ ማክስ ከምዚ ይብል፦ “ኣብ መጀመርታ እዋን ውረዛ፡ ዓርኪ ብዛዕባ ምሓዝን ብዛዕባ መውስቦን ብዛዕባ ናብራ ስድራ ቤትን ዝኣመሰለ ጽሑፋት ኢና እነጽንዕ ኔርና። እቲ ጽሑፋት እቲ ድማ፡ ባዕልና ኸነበግሶ ዘይንኽእል ብዙሕ ኣገዳሲ ጕዳያት ኣልዒልና ኽንዛራረብ እዩ መገዲ ኸፊቱልና።”

ኣብ ግምት ኪኣቱ ዚግባእ ካልእ ረቛሒታት

9. ውረዛ ዝጀመሩ ወድን ጓልን ብዛዕባ ርክቦም ንመን ከም ዚነግሩ ኺውስኑ ኸለዉ፡ እንታይ ረቛሒታት እዮም ኣብ ግምት ኬእትዉ ዘለዎም፧

9 ውረዛ ኸም ዝጀመርኩም ንመን ክትነግሩ ኣሎኩም፧ እዚ ኽልቴኹም ብሓባር ኴንኩም እትውስንዎ ነገር እዩ። ኣብ መጀመርታ እቲ ርክብኩም፡ ንእተወሰኑ ሰባት ጥራይ ንምንጋር ክትውስኑ ትኽእሉ ኢኹም። (ምሳ. 17:27) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብ ዘየድሊ ጸቕጥታትን ሕቶታትን ትስተሩ። ንዋላ ሓደ እንተ ዘይነጊርኩም ግና፡ ሰብ ከይፈልጥ ክትብሉ ንገዛእ ርእስኹም ክትፈልዩ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እንተ ወሓደ ነቶም ጽቡቕ ምኽርን ግብራዊ ሓገዝን ዚህቡኹም ሰባት እንተ ነገርኩም ይሓይሽ። (ምሳ. 15:22) ንኣብነት፡ ንገሊኦም ኣባላት ቤተ ሰብኩም፡ ንብሱላት ፈተውትኹም፡ ወይ ንክርስትያን ሽማግለታትኩም ክትነግሩ ትኽእሉ ኢኹም።

10. ውረዛ ኽቡር ምእንቲ ኪኸውን፡ መጻምድቲ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ (ምሳሌ 22:3)

10 ከመይ ጌርኩም ኢኹም ውረዛ ኽቡር ከም ዚኸውን እትገብሩ፧ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ስምዒት እናዓበየ ምስ ከደ፡ ዝያዳ ቕርርብ ኪፍጠር ባህርያዊ እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርኩም ኢኹም ስነ ምግባራዊ ንጽህናኹም ክትሕልዉ እትኽእሉ፧ (1 ቈረ. 6:18) ካብ ርኹስ ዘረባ ተሓለዉ፡ በይንኹም ኣይትኹኑ፡ መስተ እውን ኣይተብዝሑ። (ኤፌ. 5:3) እዚ ነገራት እዚ ንስምዒትኩም ኬጐሃህሮ፡ ነቲ ቕኑዕ ንምግባር ዘሎኩም ድሌት እውን ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ። ውረዛ ወትሩ ኽቡር ምእንቲ ኪኸውን፡ እንታይ ስጕምትታት ክትወስዱ ኸም እትኽእሉ ኣዘውቲርኩም ተመያየጡ። (ምሳሌ 22:3 ኣንብብ።) ኣብ ኢትዮጵያ ዚነብሩ ዳዊትን ኣልማዝን እንታይ ከም ዝሓገዞም ኪገልጹ ኸለዉ፡ ከምዚ ይብሉ፦ “ብዙሓት ሰባት ኣብ ዘለውዎ ቦታታት ወይ ምስ ካልኦት ፈተውትና ኢና ግዜ እነሕልፍ ኔርና። ኣብ ማኪና ወይ ኣብ ገዛ በይንና ዄንና ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና። በዚ ኸምዚ፡ ፈታኒ ኪኸውን ካብ ዚኽእል ኵነታት ርሒቕና።”

11. ውረዛ ዝጀመሩ ወድን ጓልን ብዛዕባ መግለጺ ፍቕሪ ኺውስኑ ኸለዉ፡ እንታይ ረቛሒታት እዮም ኣብ ግምት ኬእትዉ ዘለዎም፧

11 ፍቕሪ ብዛዕባ ምግልላጽከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ርክብኩም እናማዕበለ ምስ ከደ፡ ገሊኡ ግቡእ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ነገር እዚ፡ ፍትወተ ስጋ ዜለዓዕል እንተ ዀይኑ ግና፡ ሓዴኹም ብዛዕባ እቲ ሓደ ብንጹር ምሕሳብ ክትጽገሙ ኢኹም። (መሃ. 1:2፣ 2:6) ኣብ ርእሲ እዚ መግለጺ ፍቕሪ ብቕልጡፍ ናብ ግጉይ ተግባር ኪመርሕ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 6:27) ስለዚ፡ ገና ርክብኩም ክትጅምሩ ኸለኹም፡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስምማዕ፡ ደረት ሓንጽጹ። c (1 ተሰ. 4:3-7) ‘ኣብዚ እንነብረሉ ኸባቢ ዘለዉ ሰባት ነዚ መግለጺ ፍቕሪ እዚ ብኸመይ ይርእይዎ፧ እዚ ተግባራት እዚ ኣብ ሓዴና ፍትወተ ስጋ ኼለዓዕል ይኽእልዶ፧’ ኢልኩም ገዛእ ርእስኹም ሕተቱ።

12. ውረዛ ዝጀመሩ ወድን ጓልን ብዛዕባ እቲ ዜጋጥሞም ጸገማትን ዘይምስምማዓትን እንታይ እዮም ኪፈልጡ ዘለዎም፧

12 ጸገማትን ዘይምስምማዓትን ብኸመይ ክትፈትሑ ትኽእሉ፧ ዘይምስምማዓት እንተ ኣጋጢምኩም፡ እንታይ ኢኹም ክትገብሩ ዘሎኩም፧ እዚ ነገር እዚ፡ ርክብኩም ከም ዘየዋጽእ ዚሕብር ድዩ፧ ግድን ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ስለምንታይሲ፡ ኵሎም መጻምድቲ ፍልልያት ኣለዎም። ጽቡቕ ሓዳር፡ ፍልልያቶም ንምስጋር ብሓባር ኪዓይዩ ብዚኽእሉ ኽልተ ሰባት እዩ ዚቐውም። ስለዚ፡ ሕጂ ንጸገማትኩም እትሰግሩሉ መገዲ፡ ሓዳርኩም ዕዉት ኪኸውን እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ኺሕብር ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ‘ብህድኣትን ብኣኽብሮትን ክንዛራረብ ንኽእል ዲና፧ ጕድለታትና ብቐሊሉ እንእመንን ከነመሓይሽ እንጽዕርን ዲና፧ ንነገር ቀልጢፍና ኽንሓድጎ፡ ይቕረታ ኽንሓትት፡ ወይ ይቕረ ኽንብል ንኽእል ዲና፧’ ኢልኩም ገዛእ ርእስኹም ሕተቱ። (ኤፌ. 4:31, 32) እንተዀነ ግና፡ ኣብ እዋን ውረዛ ወግሐ ጸብሐ ዘይትሰማምዑ ወይ እትቋየቑ እንተ ዄንኩም፡ ምስ ተመርዓኹም እቲ ዅነታት ንምምሕያሽ ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ከም ዘይትካወኑ እንተ ፈሊጥኩም፡ ነቲ ርክብ ምቍራጽ፡ ንኽልቴኹም ጽቡቕ ውሳነ እዩ። d

13. ውረዛ ዝጀመሩ ወድን ጓልን ንኽንደይ ዚኣከል ግዜ ኸም ዚቕጽልዎ ንምውሳን እንታይ ረቛሒታት ኪሕግዞም ይኽእል፧

13 ውረዛ ኽንደይ ዚኣክል ንውሓት እዩ ኺወስድ ዘለዎ፧ ብታህዋኽ ዚግበር ውሳነታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣሉታዊ ሳዕቤናት እዩ ዘለዎ። (ምሳ. 21:5) ስለዚ፡ እቲ እዋን ውረዛ ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ክትፋለጡ ዜኽእለኩም ኪኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግና፡ ብዘየድሊ ኸተናውሕዎ የብልኩምን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እተናውሐ ትጽቢት፡ ልቢ የሕምም” ይብል እዩ። (ምሳ. 13:12) ብተወሳኺ፡ እዋን ውረዛ እንተ ነዊሑ፡ ብጾታዊ መዳይ ዜጋጥመኩም ፈተና እናሓየለ ኪኸይድ ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 7:9) ኣብ ንውሓት እቲ ብሓባር ንምቅርራብ እተሕልፍዎ ግዜ ኣብ ክንዲ እተተኵሩ፡ ‘ውሳነ ምእንቲ ኽንገብር፡ ኣብ መንጎ ሓድሕድና ገና ኽንፈልጦ ዘሎና እንታይ ነገራት ኣሎ፧’ ኢልኩም ገዛእ ርእስኹም ሕተቱ።

ካልኦት ነቶም ኣብ ውረዛ ዘለዉ መጻምድቲ ብኸመይ ኪድግፍዎም ይኽእሉ፧

14. ካልኦት ነቶም ኣብ ውረዛ ዘለዉ መጻምድቲ ብምንታይ ግብራዊ መገድታት ኪድግፍዎ ይኽእሉ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

14 ወድን ጓልን ኣብ መስርሕ ውረዛ ኸም ዘለዉ እንተ ፈሊጥና፡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ምሳና ናብ መኣዲ፡ ናብ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ወይ ናብ መዘናግዒ ኽንዕድሞም ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:13) ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ንሓድሕዶም ኣጸቢቖም ኪፋለጡ ይኽእሉ እዮም። መሰነይታ፡ መጕዓዝያ፡ ወይ ብውልቆም ዚዛራረቡሉ ቦታ የድልዮም ደዀን ይኸውን፧ ዜድልዮም እንተ ዀይኑ፡ ሓገዝ ክንህቦም ንኽእልዶ፧ (ገላ. 6:10) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኣሊሻ፡ ንዓኣን ንኤሽዊንን ዝሓገዞም ነገር ክትጠቅስ ከላ፡ “ገሊኦም ኣሕዋት፡ ካብ ሰብ ከይተገለልና ብሓባር ግዜ ኸነሕልፈሉ እንኽእል ቦታ እንተ ደሊና ናባታቶም ክንመጽእ ምስ ነገሩና፡ ኣዚና ኢና ተሓጒስና” ትብል። ወድን ጓልን ከተሰንዮም እንተ ሓቲቶምኻ፡ ከም ዘኽበሩኻ ጌርካ ርኣዮ። ምሉእ ብምሉእ በይኖም ሓዲግካዮም ኣይትኺድ። ኰይኑ ግና፡ ብውልቂ ንምዝርራብ ግዜን ቦታን ኬድልዮም ከሎ ኣስተውዕል።—ፊል. 2:4

ኣብ ውረዛ ንዘለዉ መጻምድቲ ንምድጋፍ፡ ግብራዊ መገድታት ክንረክብ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 14-15 ርአ)


15. ኣብ ውረዛ ንዘለዉ መጻምድቲ ንምሕጋዝ፡ ካልኦት እንታይ ተወሳኺ ነገራት ኪገብሩ ይኽእሉ፧ (ምሳሌ 12:18)

15 በቲ ንምዝራብ ወይ ስቕ ንምባል እንገብሮ ውሳነ ኣቢልና እውን ኣብ ውረዛ ንዘለዉ መጻምድቲ ኽንድግፎም ንኽእል ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ ገዛእ ርእስና ኽንገትእ የድልየና እዩ። (ምሳሌ 12:18 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ወድን ጓልን ይቃራረቡ ኸም ዘለዉ፡ ንኻልኦት ክንነግርን ንህንጠ ንኸውን። ንሳቶም ግና ነዚ ነገር እዚ ባዕሎም ኪነግሩ ይደልዩ ይዀኑ። ኣብ ውረዛ ብዛዕባ ዘለዉ መጻምድቲ ኸነውሪ፡ ወይ ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳዮም ክንነቕፎም የብልናን። (ምሳ. 20:19፣ ሮሜ 14:10፣ 1 ተሰ. 4:11) ብተወሳኺ፡ ግድን ኪምርዓዉ ኸም ዘለዎም ጸቕጢ ዚገብረሎም ዘረባ ኻብ ምዝራብ ወይ ሕቶታት ካብ ምሕታት ክንቍጠብ ኣሎና። ኤሊሰ ዝስማ ሓብትን ሰብኣያን፡ “ንሕና ገና ኸይተመያየጥናሉ፡ ካልኦት ብዛዕባ መደባት መርዓና ኺሓትቱና ኸለዉ ኸም ገለ እዩ ዚስምዓና ነይሩ” ብምባል ተዘክሮኦም ይገልጹ።

16. ወድን ጓልን ነቲ ውረዛ ኼቋርጽዎ እንተ ወሲኖም፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

16 ወድን ጓልን ነቲ ውረዛ ኼቋርጽዎ እንተ ወሰኑኸ፧ ብዛዕባ እቲ ዘይምልከተና ጕዳይ ክንሓትት ወይ ወገን ክንሕዝ የብልናን። (1 ጴጥ. 4:15) ልያ ዝስማ ሓብቲ፡ “ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣነን ሓደ ሓውን ዝነበረና ርክብ ዝበተኽናሉ ምኽንያት ብግምት ኬውርዩ ሰሚዐ። በዚ ኣዝየ እየ ተጐዲአ” ትብል። ኣቐዲምካ ኸም እተገልጸ፡ ርክብ ስለ እተበትከ፡ ግድን ሕማቕ ውሳነ እዩ ማለት ኣይኰነን። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ውረዛ ዕላማኡ ወቒዑ ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ነቲ ወድን ነታ ጓልን ጽቡቕ ውሳነ ኺገብሩ ኣኽኢልዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ውሳነ እቲ ስምዒታዊ ስቓይ ኬስዕበሎም ይኽእል እዩ፣ በበይኖም ከም ዝተረፉ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም እውን ገይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንዓታቶም ንምድጋፍ መገድታት ከነናዲ ንኽእል ኢና።—ምሳ. 17:17

17. ኣብ ውረዛ ዘለዉ መጻምድቲ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧

17 ከምዚ ዝረኣናዮ፡ ውረዛ ጸገማት ኪህልዎ ይኽእል እዩ፣ ዜሐጕስ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጀሲካ፡ “ሓቂ ይሓይሽ፡ ውረዛ ብዙሕ ዕዮ እዩ ዜዕይየካ። እቲ ዘህለኽካዮ ግዜን ጕልበትን ግና፡ ሚእቲ ኻብ ሚእቲ ትከሓሰሉ ኢኻ” ትብል። እምበኣር፡ ኣብ ውረዛ ዘለኹም መጻምድቲ እንተ ዄንኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ክትፋለጡ ጽዓሩ። ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ ዕዉት ውረዛ ኽትገብሩ ኢኹም፣ እዚ ድማ ጥበባዊ ውሳነ ንምግባር ኪሕግዘኩም እዩ።

መዝሙር 49 ልቢ የሆዋ ነሐጕስ

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

c ብልዕቲ ኻልእ ሰብ ምድርራዝ ምስ ምንዝርና እዩ ዚቝጸር፣ ስለዚ፡ ሽማግለታት ጉባኤ ናይ ፍርዲ ስጕምቲ ኺወስዱሉ ይግባእ። ኣጥባት ምድርራዝን ብጽሑፍ ወይ ብተሌፎን ርኹስ ዝርርባት ምግባርን እውን፡ ከከም ኵነታቱ ናይ ፍርዲ ስጕምቲ ኼስዕብ ይኽእል እዩ።

d ተወሳኺ ሓበሬታት ንምርካብ፡ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።