ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 19

መዝሙር 22 መንግስትኻ ቘይማ—“ትምጻእ” ኢልና ንልምን

ብዛዕባ እቲ ናይ መጻኢ ፍርድታት የሆዋ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧

ብዛዕባ እቲ ናይ መጻኢ ፍርድታት የሆዋ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧

‘የሆዋስ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ።’2 ጴጥ. 3:9

ኣትኵሮ

ናይ መጻኢ ፍርድታት የሆዋ ቕኑዕን ፍትሓውን ከም ዚኸውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

1. ኣብ መሳጢ እዋን ኢና እንነብር ዘለና ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

 ኣብ መሳጢ እዋን ኢና እንነብር ዘለና! መዓልቲ መዓልቲ፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ከሎ ብዓይንና ንርኢ ኣለና። ንኣብነት፡ “ንጉስ ሰሜን”ን “ንጉስ ደቡብ”ን ኣብ ዓለም ዓብለልቲ ምእንቲ ኪዀኑ ኢሎም ንሕድሕዶም ይቃለሱ ኣለዉ። (ዳን. 11:40፡ እ.ጽ.) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ይስበኽ ኣሎ፣ ሚልዮናት ከኣ ነዚ ይቕበልዎ ኣለዉ። (ኢሳ. 60:22፣ ማቴ. 24:14) ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ድማ “ብግዜኡ” ይቐርበልና ኣሎ።—ማቴ. 24:45-47

2. ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ግናኸ እንታይ ኢና ኽንእመን ዘሎና፧

2 የሆዋ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ዓበይቲ ነገራት ዝነጸረ ርድኢት ኪህልወና ይሕግዘና እዩ። (ምሳ. 4:18፣ ዳን. 2:28) እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኣብ ዚጅምረሉ እዋን፡ ብተኣማንነት ንምጽዋርን ሓድነትና ንምድልዳልን ዜድልየና ዘበለ ዅሉ ፈሊጥና ኸም እንጸንሕ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግና፡ ብዛዕባ መጻኢ ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ኽንእመን ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ፈለማ ኣብቲ ብዛዕባ ገሊኡ ፍጻመታት ዝነበረና ርድኢት ስለምንታይ ምትዕርራይ ከም ዘድለየና ኽንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚኸውን ነገራት፡ ከምኡ ድማ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ብዛዕባ ዚወስዶ ስጕምቲ እንታይ ከም እንፈልጥ ክንርኢ ኢና።

እንታይ ከም ዘይንፈልጥ

3. ብዛዕባ እቲ ሰባት ንምድሓን ዘለዎም ኣጋጣሚ ዚዕጸወሉ እዋን፡ እንታይ ርድኢት እዩ ነይሩና፧ ናብቲ መደምደምታ ዝበጻሕናኸ ስለምንታይ ኢና፧

3 ኣብ ሕሉፍ ግዜ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኣብ ዚጅምረሉ እዋን ዘይኣመንቲ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኪቘሙን ካብ ኣርማጌዶን ኪድሕኑን ኣጋጣሚ ኸም ዘይረኽቡ ንኣምን ኔርና ኢና። ናብቲ መደምደምታ እቲ ኽንበጽሕ ዝኸኣልና፡ ንዛንታ ማይ ኣይሂ ኸም ትንቢታዊ ጽላሎት ጌርና ንርድኦ ስለ ዝነበርና እዩ። ንኣብነት፡ ከምቲ የሆዋ ማይ ኣይሂ ኺዘንም ቅድሚ ምጅማሩ ማዕጾ እታ መርከብ ዝዓጸዎ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኣብ ዚጅምረሉ እዋን ከኣ ሰባት ንምድሓን ዘለዎም ኣጋጣሚ ኸም “ዚዕጾ” ንሓስብ ኔርና ኢና።—ማቴ. 24:37-39

4. ዛንታ ማይ ኣይሂ ትንቢታዊ ጽላሎት ከም ዝዀነ ጌርና ንርእዮ ዲና፧ ግለጽ።

4 እሞ ደኣ ዛንታ ማይ ኣይሂ ኸም ትንቢታዊ ጽላሎት ጌርና ኽንርእዮ ይግባእ ድዩ፧ ኣይፋልን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ከምኡ ንምግባር ዜለዓዕለና ቐጥታዊ ደገፍ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይንረክብን ኢና። a የሱስ ን“ዘመን ኖህ” ምስቲ ንሱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ኣመሳሲልዎ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ማይ ኣይሂ ትንቢታዊ ጽላሎት ከም ዚኸውን፡ ኵሉ እቲ ሽዑ ዚኸውን ፍጻመታት እውን ሕጂ ተፈጻምነት ከም ዚህልዎ ኣይኣመተን። ምዕጻው ማዕጾ እታ መርከብ ትንቢታዊ ትርጉም ከም ዘለዎ እውን ኣይገለጸን። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ካብ ዛንታ ኖህን ማይ ኣይህን ክንምሃር ኣይንኽእል ኢና ማለት ኣይኰነን።

5. (ሀ) ቅድሚ ማይ ኣይሂ፡ ኖህ እንታይ ስጕምቲ እዩ ዝወሰደ፧ (እብራውያን 11:7፣ 1 ጴጥሮስ 3:20) (ለ) ምስ ዕዮ ስብከት ብዚተሓሓዝ፡ ኵነታትና ምስ ዘመን ኖህ ብኸመይ እዩ ዚመሳሰል፧

5 ኖህ ካብ የሆዋ መጠንቀቕታ ምስ ተቐበለ፡ መርከብ ብምስራሕ እምነት ከም ዘለዎ ኣርኣየ። (እብራውያን 11:7፣ 1 ጴጥሮስ 3:20 ኣንብብ።) ብተመሳሳሊ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰምዑ ሰባት እምነቶም ብግብሪ ኼርእዩ ኣለዎም። (ግብ. 3:17-20) ጴጥሮስ ንኖህ፡ “ሰባኽ ጽድቂ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። (2 ጴጥ. 2:5) ኣቐዲማ ኣብ ዘላ ዓንቀጽ ተገሊጹ ኸም ዘሎ ግና፡ ኖህ ንዅሎም እቶም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ ሰባት ንምስባኽ ወፈራ እንተ ገይሩ ወይ እንተ ዘይገይሩ ኣይንፈልጥን ኢና። ሎሚ ንሕና ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ንሳተፍ ኣለና፣ ኣብዚ ዕዮ እዚ ድማ ብቕንኣት ክንሳተፍ ንጽዕር ኢና። ኰይኑ ግና፡ ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና፡ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሰብ ክንበጽሖ ኣይንኽእልን ኢና። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧

6-7. መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ውልቀ ሰብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግሮ ከም ዘይንኽእል እንድምድም ስለምንታይ ኢና፧ ግለጽ።

6 የሱስ ብዛዕባ ስፍሓት ዕዮ ስብከትና ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ዘረባኡ ድማ፡ እቲ ብስራት “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም” ከም ዚስበኽ ተነበየ። (ማቴ. 24:14) እቲ ትንቢት እቲ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ሎሚ ይፍጸም ኣሎ። መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ ይስበኽ ኣሎ። ብወብሳይት jw.org ኣቢልካ ኸኣ ንመብዛሕትኦም ህዝቢ ዓለም ቀሪቡሎም ኣሎ።

7 ይኹን እምበር፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንሱ ንደቂ ሰብ ኪፈርድ ቅድሚ ምምጻኡ “ንኸተማታት . . . ዜርኩም ከቶ ኣይክትውድእወንን ኢኹም” ኢልዎም እዩ፣ እዚ ድማ ንሱ ቕድሚ ምምጻኡ ንዅሉ ሰብ ኪሰብኩሉ ኸም ዘይክእሉ ዚሕብር እዩ ነይሩ። (ማቴ. 10:23፣ 25:31-33) እዚ ቓላት የሱስ እዚ ኣብዚ ግዜና ንርእዮ ኣለና። ሎሚ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ዕዮ ስብከትና ኣመና ኣብ እተቐየደሉ ዓድታት እዮም ዚነብሩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ ደደቒቕ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሕጻናት ይውለዱ ኣለዉ። እቲ ብስራት ናብ “ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን” ንምብጻሕ ዚከኣለና ንገብር ኢና። (ራእ. 14:6) ከም ሓቂ ግና፡ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ውልቀ ሰብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግሮ ኣይንኽእልን ኢና።

8. ብዛዕባ እቲ ናይ መጻኢ ፍርድታት የሆዋ እንታይ ሕቶ ኢና ኽንሓትት እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

8 እዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ነገራት፡ ሕቶ የበግስ እዩ፦ እቶም ብርቱዕ ጸበባ ቕድሚ ምጅማሩ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስማዕ ኣጋጣሚ ዘይረኸቡ ሰባት እንታይ ኪዀኑ እዮም፧ የሆዋን እቲ ኺፈርድ ስልጣን እተዋህቦ ወዱን ንዓታቶም እንታይ ኪገብርዎም እዮም፧ (ዮሃ. 5:19, 22, 27፣ ግብ. 17:31) ናይዛ ዓንቀጽ እዚኣ ቐንዲ ጥቕሲ፡ የሆዋ ‘ሓደ እኳ ኺጠፍእ ከም ዘይደሊ፡’ የግዳስ፡ ‘ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ ኸም ዚደሊ’ ትገልጽ። (2 ጴጥ. 3:9፣ 1 ጢሞ. 2:4) ከምኡ ኻብ ኰነ የሆዋ ነታ ዘበገስናያ ሕቶ ምላሽ ዚዀነና ነገር ከም ዘይገለጸልና ኽንእመን ኣሎና። ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ነገር፡ ወይ ብዛዕባ እቲ ብሕጂ ዚገብሮ ነገር ኪነግረና ግዴታ ኸም ዘይብሉ እውን ክንርስዕ የብልናን።

የሆዋ ነቶም ቅድሚ ምጅማር እቲ ብርቱዕ ጸበባ ብዛዕባ እቲ ብስራት ንምስማዕ ኣጋጣሚ ዘይረኸቡ ሰባት ብኸመይ እዩ ኺሕዞም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ) c


9. የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ገሊጹልና ዘሎ፧

9 የሆዋ ኣብ ቃሉ ገለ ኻብቲ ኣብ መጻኢ ዚገብሮ ነገራት ገሊጹልና ኣሎ። ንኣብነት፡ ነቲ ብስራት ተቐቢሎም መገድታቶም ንምቕያር ኣጋጣሚ ንዘይረኸቡ “ሓጥኣን” ትንሳኤ ኸም ዚህቦም መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (ግብ. 24:15፣ ሉቃ. 23:42, 43) እዚ ድማ ካልእ ኣገዳሲ ሕቶታት የበግስ እዩ።

10. እንታይ ካልእ ሕቶታት እዩ ዚልዓል፧

10 እሞ ደኣ ዅሎም እቶም ኣብ ብርቱዕ ጸበባ ዚሞቱ ብዘይ ተስፋ ትንሳኤ ንሓዋሩ ጠፊኦም ኪተርፉ ድዮም፧ እቶም ኣብ ኣርማጌዶን ብየሆዋን ብሓይልታቱን ዚድምሰሱ ተጻረርቲ ኸም ዘይትንስኡ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ይገልጽ እዩ። (2 ተሰ. 1:6-10) ካልኦት ግና እንታይ እዮም ኪዀኑ፧ ንኣብነት፡ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ብሕማም ወይ ብእርጋን ዚሞቱ፡ ብሓደጋታት ዚሞቱ፡ ወይ ብሰባት ዚቕተሉ ኺህልዉ ይኽእሉ እዮም። (መክ. 9:11፣ ዘካ. 14:13) ገለ ኻብዞም ሰባት እዚኦም ካብቶም ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚትንስኡ “ሓጥኣን” ኪዀኑ ይኽእሉ ደዀን ይዀኑ፧ ብልክዕ ኣይንፈልጥን ኢና።

እንታይ ከም እንፈልጥ

11. ሰባት ኣብ ኣርማጌዶን ብመሰረት እንታይ እዮም ኪፍረዱ፧

11 ብዛዕባ ናይ መጻኢ ፍጻመታት እተፈላለየ ነገራት ንፈልጥ ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ኣርማጌዶን ሰባት በቲ ንኣሕዋት ክርስቶስ ዚሕዝሉ መገዲ ኸም ዚፍረዱ ንፈልጥ ኢና። (ማቴ. 25:40) እቶም ኣባጊዕ ተባሂሎም ዚፍረዱ ሰባት፡ ነቶም ቅቡኣትን ንክርስቶስን ደገፎም ዚህቡ እዮም። ድሕሪ እቲ ምጅማር ብርቱዕ ጸበባ ገሊኦም ኣሕዋት ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸም ዚጸንሑ፡ ክሳዕ እቲ ቐቅድሚ ምጅማር ኣርማጌዶን እውን ናብ ሰማይ ከም ዘይውሰዱ ንፈልጥ ኢና። ኣሕዋት ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘለዉ፡ ቅኑዕ ዝልቦም ውልቀ ሰባት ንዓታቶም ኰነ ንዕዮኦም ንምድጋፍ ኣጋጣሚ ኺህልዎም እዩ። (ማቴ. 25:31, 32፣ ራእ. 12:17) እዚ ሓቅታት እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

12-13. ገሊኦም ውልቀ ሰባት ጥፍኣት እታ “ዓባይ ባቢሎን” ምስ ረኣዩ፡ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ ይዀኑ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

12 ድሕሪ ምጅማር እቲ ብርቱዕ ጸበባ እኳ፡ ጥፍኣት እታ “ዓባይ ባቢሎን” ዝረኣዩ ገሊኦም ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እዚ ፍጻመ እዚ ኻብ ቀደም ኣትሒዞም ይዛረቡ ምንባሮም ይዝክሩ ይዀኑ። እሞ ደኣ ገሊኦም ነዚ ፍጻመታት ዝረኣዩ ሰባት ሓሳቦም ይቕይሩ ደዀን ይዀኑ፧—ራእ. 17:5፣ ህዝ. 33:33

13 እዚ ነገር እዚ ምስቲ ብዘመን ሙሴ ኣብ ግብጺ ዘጋጠመ ነገር ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። እስራኤል ካብ ግብጺ ኣብ ዝወጸሉ እዋን፡ “ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ” ምስኡ ኸም ዝደየበ ተገሊጹ ኣሎ። ገሊኦም ውልቀ ሰባት፡ እቲ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ዓሰርተ መዓት ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኺፍጸም ምስ ረኣዩ፡ እምነት ኣሕዲሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ዘጸ. 12:38) እሞ ደኣ ደድሕሪ ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ከምዚ ዓይነት ምዕባለታት እንተ ኣጋጢሙ፡ ሰባት ቀቅድሚ እቲ መወዳእታ ምሳና ብምጽምባሮምሲ ንጕሂ ዲና፧ ኣይፋልን። የግዳስ፡ ነቲ “መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን” እተባህለ ሰማያዊ ኣቦና ኽንመስሎ ኢና እንደሊ። bዘጸ. 34:6

ገሊኦም ሰባት ጥፍኣት “ዓባይ ባቢሎን” ምስ ረኣዩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቀደም ኣትሒዞም ብዛዕባ እዚ ይዛረቡ ምንባሮም ኪዝክሩ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 12-13 ርአ) d


14-15. ናይ ሓደ ሰብ ዘለኣለማዊ መጻኢ ኣብቲ ዚሞተሉ ግዜ ወይ ኣብቲ ዚነብረሉ ቦታ ዚምርኰስ ድዩ፧ ግለጽ። (መዝሙር 3:4, 5)

14 ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊኦም ሰባት፡ “ቤተ ሰበይ ተስፋ ትንሳኤ ምእንቲ ኺህልዎ፡ ቅድሚ ብርቱዕ ጸበባ እንተ ሞተ ይሓይሽ” ኪብሉ ንሰምዕ ኢና። ብሕያውነት እዮም ከምኡ ኢሎም ዚዛረቡ። ይኹን እምበር፡ ናይ ሓደ ሰብ ዘለኣለማዊ መጻኢ፡ ኣብቲ ዚሞተሉ ግዜ ዚምርኰስ ኣይኰነን። የሆዋ ፍጹም ፈራዲ እዩ፣ ፍትሓውን ቅኑዕን ውሳነ እዩ ዚውስን። (መዝሙር 33:4, 5 ኣንብብ።) “እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ” ቕኑዕ ከም ዚገብር ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ዘፍ. 18:25

15 ናይ ሓደ ሰብ ዘለኣለማዊ መጻኢ፡ ኣብቲ ዚነብረሉ ቦታ እውን ዚምርኰስ ኣይኰነን። የሆዋ ነቶም ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምፍላጥ ኣጋጣሚ ኣብ ዘይረኽቡሉ ዓድታት ዚነብሩ ሚልዮናት ሰባት፡ ብጃምላ “ኣጣል” ኢሉ ኺፈርድሲ ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ። (ማቴ. 25:46) እቲ ጻድቕ ፈራድ ኵላ ምድሪ ብዛዕባ እዞም ውልቀ ሰባት እዚኦም ካባና ንላዕሊ ይሓሊ እዩ። ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ነቲ ፍጻመታት ብኸመይ ከም ዚቕልሶ ኣይንፈልጥን ኢና። ምናልባት ገለ ኻባታቶም ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ፡ ብእኡ ኺኣምኑ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ ገዛእ ርእሱ ኪቕድስ ከሎ ኸኣ ኣብ ጐድኑ ኪቘሙ ይኽእሉ ይዀኑ።—ህዝ. 38:16

ድሕሪ ምጅማር እቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ . . . ገሊኦም ነዚ ፍጻመ እዚ ዝረኣዩ ሰባት ሓሳቦም ይቕይሩ ደዀን ይዀኑ፧

16. ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

16 ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና፡ የሆዋ ንህይወት ሰባት ክሳዕ ክንደይ ክብ ኣቢሉ ኸም ዚርኢ ፈሊጥና ኢና። ኵላትና ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ምእንቲ ኺህልወና ህይወት ወዱ እዩ ሂቡና። (ዮሃ. 3:16) ክሳዕ ክንደይ ርሕሩሕ ምዃኑ እውን ኵላትና ርኢና ኢና። (ኢሳ. 49:15) ንነፍሲ ወከፍና በብስምና ይፈልጠና እዩ። ኣጸቢቑ ስለ ዚፈልጠና ድማ፡ ዋላ እኳ እንተ ሞትና ዳግም ኪፈጥረና፡ ንዅሉ እቲ ኻብ ካልኦት ፍሉያት ዚገብረና ተዘክሮታት እውን ኪመልሰልና ይኽእል እዩ። (ማቴ. 10:29-31) እምበኣር፡ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ፍጹም ሚዛኑ ብዝሓለወ መገዲ ብምሕረት ተደሪኹ ቕኑዕ ፍርዲ ኸም ዚፈርድ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ያእ. 2:13

የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ፍጹም ሚዛኑ ብዝሓለወ መገዲ ብምሕረት ተደሪኹ ቕኑዕ ፍርዲ ኸም ዚፈርዶ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)


17. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

17 እዚ ዝነጸረ ትምህርትታት ንዕዮ ስብከትና ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ እዩ ህጹጽ ዚገብሮ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኽንብል እንኽእል፧ ነቲ ብስራት ብዘይምቍራጽ ንምስባኽከ እንታይ እዩ ዜለዓዕለና፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዝርዝር ክንመያየጠሉ ኢና።

መዝሙር 76 የሐጕሰካዶ፧

a እዚ ለውጢ ብዛዕባ እተገብረሉ ምኽንያት ዚገልጽ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2015 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 7-11 ዝወጸት፡ “ከምኡ ዝዀነ፡ ስለ ዝሰመርካዮ እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

b ዓባይ ባቢሎን ምስ ጠፍአት፡ ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ በቲ ኻብ ጎግ ብዓል ማጎግ ዚፍኖ መጥቃዕቲ ኺፍተኑ እዮም። ድሕሪ ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ኣምላኽ ዚቘሙ ሰባት እውን ኪፍተኑ እዮም።

c መግለጺ ስእሊ፦ ንገሊኦም ሰባት በቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ስለምንታይ ክንበጽሖም ከም ዘይንኽእል ዜርኢ ትርኢታት፦ (1) ብሰንኪ እቲ ናይቲ ዓዲ ሃይማኖት፡ ዕዮ ስብከት ሓደገኛ ኣብ ዝዀነሉ ዓዲ እትነብር ሰበይቲ፡ (2) ብሰንኪ ስርዓት ፖለቲካ፡ ስብከትና ዘይሕጋውን ሓደገኛን ኣብ ዝዀነሉ ዓዲ ዚነብሩ ሰብ ሓዳር፡ (3) ንምብጻሑ ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነ ግሉል ቦታ ዚነብር ሰብ።

d መግለጺ ስእሊ፦ ንሓቂ ዝሓደገቶ መንእሰይ ብዛዕባ ጥፍኣት “ዓባይ ባቢሎን” ተማሂራ ምንባራ ትዝክር። ሓሳባ ቐዪራ ድማ ናብ ክርስትያን ወለዳ ትምለስ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምዕባለታት እንተ ኣጋጢሙ፡ ነቲ መሓርን ርሕሩሕን ሰማያዊ ኣቦና ኽንመስሎ፡ ሓጥእ ስለ እተመልሰ እውን ክንሕጐስ ኢና እንደሊ።