ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 25

መዝሙር 7 የሆዋ እዩ ሓይልና

የሆዋ “ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ዘክር

የሆዋ “ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ዘክር

“የሆዋ ህያው እዩ!”መዝ. 18:46

ኣትኵሮ

እቲ እነምልኾ ኣምላኽና “ህያው ኣምላኽ” ከም ዝዀነ እንተ ዘኪርና፡ ብዙሕ ንጥቀም ኢና።

1. ህዝቢ የሆዋ ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ ንኣምላኾም ብቐጻሊ ኼምልኽዎ ዚሕግዞም እንታይ እዩ፧

 “ጽንኩር ግዜ”—መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ፡ በዚ ኸምዚ እዩ ገሊጽዎ። (2 ጢሞ. 3:1) ህዝቢ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቲ ንዅሉ ሰብ ዜጋጥም ጸገማት፡ ተቓውሞን መስጐጕትን ኪጻወሩ ኣለዎም። እዚ ጸገማት እዚ እናሃለወ ኽነሱ፡ ንየሆዋ ብቐጻሊ ንምምላኽ እንታይ ይሕግዘና፧ ሓደ ቐንዲ ዚሕግዘና ነገር፡ የሆዋ “ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ስለ እንፈልጥ እዩ።—ኤር. 10:10፣ 2 ጢሞ. 1:12

2. የሆዋ ህያው ኣምላኽ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

2 የሆዋ ብሓቂ ህያው ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ኣብ ግዜ ሽግርና የበርትዓና፡ ደገፍ እውን ይህበና እዩ። (2 ዜና 16:9፣ መዝ. 23:4) ህያው ኣምላኽ ከም ዝዀነ እንተ ተራእዩና፡ ዝመጸ ፈተና እኳ እንተ መጸ፡ ክንጻወር ንኽእል ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንጉስ ዳዊት ብኸመይ ኣብነት ከም ዚዀነና እስከ ንርአ።

3. ዳዊት፡ “የሆዋ ህያው እዩ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

3 ዳዊት ንየሆዋ ይፈልጦ፡ ኣብኡ እውን ይውከል ነበረ። በቶም ከም ንጉስ ሳኦል ዝኣመሰሉ ጸላእቱ ኣብ ዚህደነሉ ዝነበረ እዋን፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለመነ። (መዝ. 18:6) ኣምላኽ ንጸሎቱ ምስ መለሰሉ ኸኣ፡ “የሆዋ ህያው እዩ!” በለ። (መዝ. 18:46) ዳዊት በዘን ቃላት እዚአን ኣቢሉ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ ጥራይ ኣይኰነን ዚሕብር ነይሩ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዚሕብሮ፡ ዳዊት ኣብቲ “ምእንቲ ህዝቡ ወትሩ ስጕምቲ ዚወስድ ህያው ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ዘለዎ እምንቶ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። እወ፡ ካብ ብሕታዊ ተመክሮኡ፡ ኣምላኽ ህያው ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እዚ እምነቱ ኸኣ ነቲ ንየሆዋ ንምግልጋልን ንምውዳስን ዘለዎ ቘራጽነት ኣደልዲሉሉ እዩ።—መዝ. 18:28, 29, 49

4. የሆዋ ህያው ኣምላኽ ምዃኑ እንተ ኣሚንና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

4 የሆዋ ህያው ኣምላኽ ምዃኑ እንተ ኣሚንና፡ ብቕንኣት ከነገልግሎ ንኽእል ኢና። ፈተናታት ንምጽዋር፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከኣ ብትግሃት ንምዕያይ ብርታዐ ንረክብ ኢና። ናብ የሆዋ ንምልጋብ ዘሎና ቘራጽነት እውን ይድልድል እዩ።

እቲ ህያው ኣምላኽ ኬበርትዓካ እዩ

5. ፈተናታት ብዓወት ከም እንሰግር ክንተኣማመን ዜኽእለና እንታይ እዩ፧ (ፊልጲ 4:13)

5 የሆዋ ህያው ምዃኑን ከም ዚድግፈናን እንተ ዘኪርና፡ ንእሽቶ ይኹን ዓብዪ ፈተና ኽንጻወር ንኽእል ኢና። ስለምንታይሲ፡ ንኣምላኽና ዚስኣኖ የልቦን። ንሱ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ፣ ክንጻወር ዜኽእለና ሓይሊ እውን ኪህበና ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 4:13 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብዓወት ከም እንሰግሮ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ኣብ ንኣሽቱ ፈተናታት ደገፍ የሆዋ ምስ እንረክብ፡ ኣብ ዓበይቲ ፈተናታት እውን ከም ዚሕግዘና ንኣምን ኢና።

6. ዳዊት ብንእስነቱ ዘሕለፎ እንታይ ተመክሮታት እዩ ኣብ የሆዋ ንዝነበሮ እምንቶ ዘዕዘዘሉ፧

6 ነቲ ዳዊት ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ዘዕዘዘሉ ኽልተ ብሕታዊ ተመክሮታቱ ንርአ። ዳዊት ብንእስነቱ ጓሳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ሓደ እዋን ድቢ፡ ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ኣንበሳ መጺኡ ኻብ ኣባጊዕ ኣቦኡ መንዚዑ ኸደ። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት፡ ዳዊት ብትብዓት ደድሕሪ እቶም ኣራዊት ብምኻድ ንኣባጊዑ ኣድሓነ። እቲ ዓወት ግና ብሳላኡ ኸም ዝዀነ ኣይተዛረበን። ካብ የሆዋ ሓይሊ ኸም ዝረኸበ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 17:34-37) ዳዊት ነዚ ኣይረስዖን። ብዛዕባ እዚ የስተንትን ብምንባሩ ኸኣ፡ እቲ ህያው ኣምላኽ ኣብ መጻኢ እውን ከም ዜበርትዖ እምንቶ ኣሕደረ።

7. ዳዊት ቅኑዕ ኣረኣእያ ብምሓዙ፡ ንጐልያድ ኪገጥመሉ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

7 ደሓር፡ ዳዊት ገና ዀተቴ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ናብ ሰፈር ሰራዊት እስራኤላውያን ከደ። ጐልያድ ዝስሙ ዓርሞሸሽ ፍልስጥኤማዊ ‘ንሰልፈኛታት እስራኤል ስለ ዘባጨወሎም፡’ እቶም ተዋጋእቲ ተሸቢሮም ነበሩ። (1 ሳሙ. 17:10, 11) ኣብቲ ዓርሞሸሽን ኣብቲ ባጫኡን ስለ ዘተኰሩ እዮም ፈሪሆም። (1 ሳሙ. 17:24, 25) ዳዊት ግና ነቲ ዅነታት ብኻልእ ዓይኒ እዩ ርእይዎ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ንሰልፈኛታት እስራኤል ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ንሰልፈኛታት እቲ ህያው ኣምላኽ” ብድሆ ኸም ዘቕረበሎም ገይሩ እዩ ርእይዎ። (1 ሳሙ. 17:26) ብቐዳምነት ብዛዕባ የሆዋ እዩ ዚሓስብ ነይሩ። እቲ ጓሳ ኸሎ ዝሓገዞ ኣምላኽ፡ ኣብቲ ዅነታት እቲ እውን ከም ዚሕግዞ ኣመነ። ብደገፍ ኣምላኽ ስለ እተኣማመነ ኸኣ፡ ንጐልያድ ሰዓሮ!—1 ሳሙ. 17:45-51

8. ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና ብዛዕባ የሆዋ ኽንዝክር እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

8 ንሕና እውን እቲ ህያው ኣምላኽ ኪረድኣና ድሉው ምዃኑ እንተ ዘኪርና፡ ንዜጋጥመና ፈተናታት ብዓወት ክንሰግር ንኽእል ኢና። (መዝ. 118:6) ኣብ ሕሉፍ እንታይ ከም ዝገበረልና ብምዝካር፡ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ ኸነደልድል ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ብኸመይ ከም ዘድሓኖም ዜርኢ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ። (ኢሳ. 37:17, 33-37) ኣብዚ ግዜና የሆዋ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብኸመይ ከም ዝደገፎም ዜርኢ ኣብ jw.org ዚወጽእ ጸብጻባት እውን ርአ። ብዘይካዚ፡ ነቲ የሆዋ ንዓኻ ዝደገፈሉ ኣጋጣሚታት ዘክሮ። ምስ ድቢ ወይ ኣንበሳ ኸም ምቅላስ ዝኣመሰለ መስተንክር ተመክሮ እንተ ዘይብልካ፡ በዚ ኣይትጨነቕ። ስለምንታይ፧ ከም ሓቂ፡ የሆዋ ኣብ ህይወትካ ብዙሕ ነገር ገይሩልካ እዩ! ምስኡ ርክብ ምእንቲ ኽትምስርት፡ ስሒቡካ እዩ። (ዮሃ. 6:44) ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ሳላኡ ኢኻ ኣብ ሓቂ ዘለኻ። እሞ ደኣ ንጸሎትካ ዝመለሰሉ፡ ኣብ ልክዕ ግዜ ንዓኻ ደገፍ ዝሃበሉ፡ ወይ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ንዓኻ ብርታዐ ዝሃበሉ እዋናት ምእንቲ ኽትዝክር፡ ንምንታይ ሓገዙ ዘይትልምን፧ ብዛዕባ እዚ ተመክሮታት እዚ ምሕሳብ፡ የሆዋ ኸም ዚድግፈካ ዘሎካ እምንቶ ኼደልድለልካ እዩ።

ፈተናታትና ኽፍሊ እቲ ዓብዪ ጕዳይ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)


9. ንፈተናታትና ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ እንኽእል፧ (ምሳሌ 27:11)

9 ንየሆዋ ህያው ጌርና እንተ ርኢናዮ፡ ብዛዕባ ፈተናታትና ግቡእ ኣረኣእያ እዩ ዚህልወና። ብኸመይ፧ ንፈተናታትና ኽፍሊ እቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ሰይጣንን እተላዕለ ዓብዪ ጕዳይ ከም ዝዀነ ጌርና ምርኣይ ንጅምር ኢና። ድያብሎስ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንየሆዋ ኸም እንሓድጎ እዩ ዚማጐት። (እዮ. 1:10, 11፣ ምሳሌ 27:11 ኣንብብ።) ንፈተናታትና ብዓወት ክንሰግሮ ኸለና ግና፡ ንየሆዋ ፍቕሪ ኸም ዘሎናን ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑን ኢና እነርኢ። እሞ ደኣ መንግስታዊ ተቓውሞ፡ ቍጠባዊ ጸገማት፡ ኣብ ስብከት ኣሉታዊ ምላሽ፡ ወይ ካልእ ፈተናታት ድዩ ዜጋጥመካ ዘሎ፧ እዚ ዅነታትካ፡ ንልቢ የሆዋ ንምሕጓስ ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍተልካ ዘክር። የሆዋ ኻብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ኽትፍተን ከም ዘይሓድገካ እውን ዘክር። (1 ቈረ. 10:13) እወ፡ ክትጻወር ዜኽእለካ ብርታዐ ኺህበካ እዩ።

እቲ ህያው ኣምላኽ ዓስብኻ ኺህበካ እዩ

10. እቲ ህያው ኣምላኽ ንኣምለኽቱ እንታይ እዩ ዚገብረሎም፧

10 የሆዋ ንኣምለኽቱ ዓስቢ ይህብ እዩ። (እብ. 11:6) ሕጂ ሰላምን ዕግበትን ይህበና እዩ፣ ኣብ መጻኢ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበና እዩ። የሆዋ ዓስብና ንምሃብ ድሌትን ዓቕምን ከም ዘለዎ ብምትእምማን፡ ተስፋና ኣብኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። እቲ እምንቶ እቲ ኸኣ፡ ከምቲ ኣብ ሕሉፍ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝገበርዎ፡ ኣብ ኣምልኾና ትሑዛት ክንከውን ይድርኸና እዩ። እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ጢሞቴዎስ ከምኡ እዩ ገይሩ።—እብ. 6:10-12

11. ንጢሞቴዎስ ኣብ ጉባኤ ብትግሃት ኪዓዪ ዝደረኾ እንታይ እዩ ነይሩ፧ (1 ጢሞቴዎስ 4:10)

11 ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 4:10 ኣንብብ። ጢሞቴዎስ ተስፋኡ ኣብቲ ህያው ኣምላኽ እዩ ገይሩ ነይሩ። ስለዚ ድማ፡ ይጽዕርን ይጋደልን ነይሩ እዩ። ብኸመይ እዩ ኸምኡ ዚገብር ነይሩ፧ ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ ብእተዋህቦ መተባብዒ፡ ከም መምህርን ከም ተዛራባይን ዕቤት ገይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ጢሞቴዎስ ንንኣሽቱ ዀኑ ንዓበይቲ ክርስትያናት ብጾቱ ሰናይ ኣብነት እዩ ነይሩ። ካልእ ከቢድ ዕዮታት እውን ነይርዎ እዩ፣ ንኣብነት፡ ምኽሪ ንዜድልዮም ዘበለ፡ ፍቕራዊ ዝዀነ ጽኑዕ ምኽሪ ኺህብ ነይርዎ እዩ። (1 ጢሞ. 4:11-16፣ 2 ጢሞ. 4:1-5) ሓድሓደ ግዜ፡ ዕዮኡ ብኻልኦት ዘይርአ እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ዓስቡ ኸም ዚህቦ ግና ርግጸኛ እዩ ነይሩ።—ሮሜ 2:6, 7

12. ሽማግለታት ዕዮኦም ብትግሃት ኪዓይዩ ዚድርኾም እንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

12 ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን የሆዋ ንሰናይ ግብሮም ከም ዚርእዮን በዚ ባህ ከም ዚብሎን ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብዙሓት ሽማግለታት ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ጕስነትን ትምህርትን ስብከትን ዚዓይይዎ ዕዮ፡ ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጸትን ኣብ ዕዮ ረድኤትን ይድግፉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ሕሙማት ኣብ ዚበጽሑ ጕጅለታት ወይ ምስ ሆስፒታል ኣብ ዜረዳድእ ኮሚተታት የገልግሉ እዮም። ነዚ ዕዮታት እዚ ገዛእ ርእሶም ዜቕርቡ ሽማግለታት፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ ሰብ ዘይኰነትሲ፡ ናይ የሆዋ ምዃና ይፈልጡ እዮም። ስለዚ ድማ፡ ብምሉእ ነፍሶም እዮም ዕዮኦም ዚዓይዩ፡ ካብ ኣምላኽ ዓስቦም ከም ዚረኽቡ እውን ምሉእ እምነት ኣለዎም።—ቈሎ. 3:23, 24

እቲ ህያው ኣምላኽ ስለቲ ንጉባኤ ንምድጋፍ ዝገበርካዮ ጻዕሪ ዓስብኻ ኺህበካ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 12-13 ርአ)


13. የሆዋ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎቱ ብብሕትና እንገብሮ ጻዕርታት ከመይ ይስምዖ፧

13 ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ሽማግለ ኪኸውን ዚኽእል። ኵላትና ግና ንየሆዋ ኽንህቦ እንኽእል ነገር ኣሎና። ንዕኡ ንምግልጋል ዚከኣለና እንተ ጌርና፡ ንሱ በዚ ባህ ይብሎ እዩ። እቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ እንህቦ ወፈያታት፡ ዋላ እውን ንእሽቶ እንተ ዀነ፡ ንሱ ግና የስተብህለሉ እዩ። ኣብ ኣኼባታት ስክፍታና ኣሰኒፍና ኢድና ሓፍ ኣቢልና ሓሳብ ክንህብ ከለና ባህ ይብሎ እዩ። ቅሬታ ዕሽሽ ክንብልን ይቕረታ ኽንገብርን ከለና እውን ይሕጐስ እዩ። ክንዲ እቲ እትብህጎ ኽትገብር ዘይትኽእል ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዓካ፡ የሆዋ ነቲ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ እመን። ስለቲ ግብርኻ፡ የሆዋ የፍቅረካ እዩ፡ ዓስብኻ እውን ኪህበካ እዩ።—ሉቃ. 21:1-4

ናብቲ ህያው ኣምላኽ ልገብ

14. ናብ የሆዋ ምልጋብ ንዕኡ እሙናት ክንከውን ዚሕግዝና ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

14 የሆዋ ህያው እንተ ዀይኑልና፡ ንዕኡ እሙናት ምዃን ኣይከብደናን እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ዮሴፍ ከም ኣብነት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ንኣምላኽ ህያው ገይሩ ስለ ዝረኣዮ፡ ኬጕህዮ እውን ስለ ዘይደለየ፡ ምምንዛር ኣበየ። (ዘፍ. 39:9) ንየሆዋ ህያው ጌርና ምእንቲ ኽንርእዮ፡ ግዜ ወሲድና ናብኡ ኽንጽልን ቃሉ ኸነጽንዕን ኣሎና። በዚ ኸምዚ፡ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ይዓቢ። ከም ዮሴፍ፡ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት ምስ መስረትና ኸኣ፡ ንዕኡ ዜጕህዮ ነገር ክንገብር ኣይንደልን ኢና።—ያእ. 4:8

ናብቲ ህያው ኣምላኽ ምቕራብ፡ ብተኣማንነት ንምምልላስ ኪሕግዘካ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-15 ርአ)


15. ካብቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ እስራኤላውያን እንታይ መለበሚ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧ (እብራውያን 3:12)

15 እቶም የሆዋ ህያው ኣምላኽ ምዃኑ ዚርስዑ ሰባት፡ ብቐሊሉ እዮም ካብኡ ዚርሕቁ። እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እንታይ ከም ዝዀነ እስከ ንርአ። የሆዋ ኸም ዘሎ ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ዜድልዮም ከም ዜማልኣሎም ግና ኪጠራጠሩ ጀመሩ። ሕሉፍ ሓሊፎም፡ “የሆዋ ኣብ ማእከልና ኣሎዶ የሎን፧” ኢሎም ሓተቱ። (ዘጸ. 17:2, 7) ድሕርዚ፡ ካብኡ ዓለዉ። መሸም ነቲ መለበሚ ዝዀነና ናይ ዘይተኣዛዝነት መገዶም ክንስዕብ ኣይንደልን ኢና።—እብራውያን 3:12 ኣንብብ።

16. እንታይ እዩ ንእምነትና ኺፍትኖ ዚኽእል፧

16 ዓለም ነቲ ናብ የሆዋ ለጊብና ንምምላስ እንገብሮ ጻዕሪ ተኽብደልና እያ ዘላ። ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣይኣምኑን እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቶም ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ብቕዓታት ዕሽሽ ዚብሉ ሰባት ጽቡቕ ዝረኸቡ እዩ ዚመስል። እዚ ኽንርኢ ኸለና፡ እምነትና ይፍተን እዩ። ንህልውና ኣምላኽ እኳ እንተ ዘይከሓድና፡ ብሓቂ ዚድግፈና እንተ ዀይኑ ግና ክንጠራጠር ንጅምር ንኸውን። ኣብ ሓደ እዋን፡ እቲ ንመዝሙር 73 ዝጸሓፋ ዘማሪ ብዛዕባ እዚ ኺሓስብ ጀመረ። እቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ሰባት ንሕግታት ኣምላኽ ዕሽሽ እናበሉ ጥዑም ህይወት ኪመርሑ ረኣየ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንኣምላኽ ምግልጋል ዜዋጽእ እንተ ዀይኑ ሕቶ ኣበገሰ።—መዝ. 73:11-13

17. ናብ የሆዋ ንምልጋብ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

17 እሞ ደኣ ነቲ ዘማሪ ኣረኣእያኡ ኺእርም ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ እቶም ንየሆዋ ዝረስዕዎ ሰባት መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኣስተንተነ። (መዝ. 73:18, 19, 27) ንኣምላኽ ምግልጋል ብዛዕባ ዜምጽኦ ጥቕምታት እውን ሓሰበ። (መዝ. 73:24) ንሕና እውን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃበና በረኸት ከነስተንትን ንኽእል ኢና። ነዚ ድማ ምስቲ ንየሆዋ ዘይነገልግሎ እንተ ንኸውን ኔርና ዚህልወና ህይወት ነነጻጽሮ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ብተኣማንነት ክንመላለስ ኢና፣ ከምቲ ዘማሪ ኸኣ፡ “ንዓይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ” ኢልና ኽንድምድም ኢና።—መዝ. 73:28

18. ብዛዕባ መጻኢ ኽንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

18 ‘ነቲ ህያውን ናይ ሓቅን ኣምላኽ ስለ እንግዝኦ፡’ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንዚመጸና ዝዀነ ይኹን ጸገም ክንሰግር ንኽእል ኢና። (1 ተሰ. 1:9) ኣምላኽና ነቶም ዜምልኽዎ ዚድግፍ ህያው ኣምላኽ እዩ። ጥንቲ ንዝነበሩ ኣገልገልቱ ደጊፍዎም እዩ፣ ሎሚ እውን ንዓና ይድግፈና እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ምድሪ ኻብ ኵሉ ዝኸፍአ ብርቱዕ ጸበባ ይመጽእ ኣሎ። ነዚ ግና በይንና ኣይኰንናን እንዋጽኣሉ። (ኢሳ. 41:10) እምበኣር፡ “ተቢዕና፡ ‘የሆዋ ረዳእየይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧’ ክንብል ንኽእል ኢና።”—እብ. 13:5, 6

መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና