ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 26

መዝሙር 8 የሆዋ እዩ መዕቈቢና

ንየሆዋ ኸውሕኻ ግበሮ

ንየሆዋ ኸውሕኻ ግበሮ

“ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ . . . የልቦን።”1 ሳሙ. 2:2

ኣትኵሮ

የሆዋ ስለምንታይ ከውሒ ኸም እተባህለን ነቲ ኸም ከውሒ ዝኣመሰለ ባህርያቱ ብኸመይ ክንቀድሖ ኸም እንኽእልን ተምሃር።

1. ኣብ መዝሙር 18:46፡ ዳዊት ንየሆዋ ምስ ምንታይ እዩ ኣመሳሲልዎ፧

 ዘይተጸበናዮ ጸገማት ንህይወትና ኺርብሾ ወይ ምሉእ ብምሉእ ኪቕይሮ ኣብ ዚኽእለላ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ካብ የሆዋ ኣምላኽ ሓገዝ ክንረክብ ስለ እንኽእል ግና፡ እፎይታ እዩ ዚስምዓና! ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ የሆዋ ህያው ኣምላኽ ምዃኑ፡ ወትሩ እውን ንምሕጋዝና ድሉው ምዃኑ ርኢና ኔርና። ደገፉ ኽንረክብ ከለና፡ ነቲ “የሆዋ ህያው እዩ!” ዚብል ቃላት እዩ መረጋገጺ ዚዀነልና። (መዝሙር 18:46 ኣንብብ።) እንተዀነ ግና፡ ዳዊት ነዚ ቓላት እዚ ድሕሪ ምውሳኡ፡ ንኣምላኽ “ከውሐይ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። ስለምንታይ እዩ ነቲ ህያው ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ምስ ሓደ ህይወት ኣልቦ ኸውሒ ዘመሳሰሎ፧

2. ዳዊት ንየሆዋ “ኸውሐይ” ኢሉ ምጽዋዑ ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ምስ ከውሒ እተመሳሰለሉ ምኽንያትን ካብቲ ምስስል እቲ ብዛዕባኡ እንታይ ከም እንምሃርን ክንርኢ ኢና። ከመይ ጌርና ኸም ከውሕና ጌርና ኽንርእዮ ኸም እንኽእል እውን ክንምሃር ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ኸም ከውሒ ዝኣመሰለ ባህርያት የሆዋ ብኸመይ ክንቀድሖ ኸም እንኽእል ክንመያየጥ ኢና።

የሆዋ ኸውሒ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3. እታ “ኸውሒ” እትብል ቃል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ተዓይዩላ ዘሎ፧ (ስእሊ ርአ።)

3 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ባህርያት የሆዋ ምእንቲ ኺርድኣና ኢሉ “ኸውሒ” ዚብል ቃል ይጥቀም እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣምላኽና መዳርግቲ ኸም ዘይብሉ ኣብ ዚግለጸሉ እዋን ኢና ነዛ ቓል እዚኣ እንረኽባ። እቲ የሆዋ ንመጀመርታ ግዜ “ኸውሒ” ተባሂሉ እተጸውዓሉ ጥቕሲ፡ ኣብ ዘዳግም 32:4 እዩ ዚርከብ። ድሕርዚ፡ ሃና ኣብ ጸሎታ፡ “ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ . . . የልቦን” ኢላ ኣላ። (1 ሳሙ. 2:2) ኣንባቆም ድማ ንየሆዋ፡ “ከውሐይ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ኣን. 1:12) እቲ ንመዝሙር 73 ዝጸሓፋ ዘማሪ ኸኣ ንኣምላኽ፡ “ከውሒ ልበይ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (መዝ. 73:26) የሆዋ እውን እንተ ዀነ፡ ንገዛእ ርእሱ ኸውሒ ኢሉ ጸዊዑ ኣሎ። (ኢሳ. 44:8) እምበኣር፡ ንየሆዋ ኸም ከውሒ ብዛዕባ ዚገብሮ ሰለስተ ባህርያቱ ንመርምር፡ ከመይ ጌርና “ኸውሕና” ኽንገብሮ ኸም እንኽእል እውን ንርአ።

ህዝቢ ኣምላኽ ንየሆዋ ኸም ጽኑዕ ከውሒ ገይሮም ይርእይዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ።)


4. የሆዋ መዕቈቢና ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (መዝሙር 94:22)

4 የሆዋ መዕቈቢና እዩ። ከምቲ ዓብዪ ኸውሒ ኻብ ህቦብላ መዕቈቢ ዚኸውን፡ ዜስግእ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ የሆዋ ይሕልወና እዩ። (መዝሙር 94:22 ኣንብብ።) ካብ ሽግር የዕቍበና፡ ነባሪ ጕድኣት ምእንቲ ኸይረኽበና እውን ይሰትረና እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ እውን፡ ንሰላምናን ንደሓንናን ዜስግእ ዘበለ ዅሉ ኸም ዜወግድ ቃል ኣትዩልና ኣሎ።—ህዝ. 34:25, 26

5. ብኸመይ እዩ የሆዋ ኸም ከውሒ ዝበለ መዕቈቢ ኪዀነልና ዚኽእል፧

5 ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ ኸም ከውሒ ዝበለ መዕቈቢ እንገብረሉ መገዲ፡ ናብኡ ብምጽላይ እዩ። ክንጽሊ ኸለና፡ የሆዋ ንልብናን ንሓሳብናን ዚሕሉ “ሰላም ኣምላኽ” ይህበና እዩ። (ፊል. 4:6, 7) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ተመክሮ ሓደ ምእንቲ እምነቱ እተኣስረ ኣርትየም ዝስሙ ሓው እስከ ንርአ። እዚ ሓው እዚ ኻብ ሓደ ሕሱም መርማሪ ብዙሕ ጸቕጥን ግፍዕን ወረዶ። ብዛዕባ እቲ ዝፈጠረሉ ስምዒት ኪገልጽ ከሎ፡ “እቲ መርማሪ ኺጽውዓኒ ኸሎ፡ ውጥረት እዩ ዚስምዓኒ ነይሩ። . . . ወትሩ ናብ የሆዋ እጽሊ ነይረ። ኣብ ልበይ ሰላም ኪህበንን ጥበብ ኪህበንን እልምን ነይረ” ይብል። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ “ስልትታት እቲ መርማሪ ኣባይ ኣይዓየየን። . . . ብሓገዝ የሆዋ፡ ብመንደቕ ተጋሪደ ኸም ዝነበርኩ እየ ዀይነ” ይብል።

6. ወትሩ ኣብ የሆዋ ኽንውከል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ኢሳይያስ 26:3, 4)

6 የሆዋ እሙን እዩ። የሆዋ ኸም ዘይንቕነቕ ከውሒ ብምዃኑ፡ ወትሩ ንምድጋፍ ድሉው እዩ። “ናይ ዘለኣለም ከውሒ” ስለ ዝዀነ፡ ብእኡ ኽንእመን ንኽእል ኢና። (ኢሳይያስ 26:3, 4 ኣንብብ።) ቃሉ ንምፍጻም፡ ጸሎትና ንምስማዕ፡ ዜድልየና ደገፍ እውን ንምሃብ ወትሩ ህያው እዩ። ነቶም ዜገልግልዎ ወትሩ እሙን ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኣብኡ ኽንውከል ንኽእል ኢና። (2 ሳሙ. 22:26) ግብርና ኸቶ ኣይርስዖን እዩ፡ ወትሩ እውን ዓስብና ይህበና እዩ።—እብ. 6:10፣ 11:6

7. ኣብ የሆዋ ኽንውከል ከለና፡ እንታይ ኢና ኣብ ህይወትና እንርኢ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

7 ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንውከል ከለና፡ ከውሕና ኢና እንገብሮ። ዋላ እውን ኣብ ኣጸጋሚ ግዜያት እዙዛት እንተ ዄንና፡ ካብዚ ኸም እንጥቀም እምነት ነሕድር ኢና። (ኢሳ. 48:17, 18) ደገፉ ኣብ ህይወትና እናረኣና ምስ ከድና፡ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ እናዓበየ እዩ ዚኸይድ። ሽዑ፡ ብሓገዝ የሆዋ ጥራይ ክንሰግሮ እንኽእል ፈተናታት ክንጻወር ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብቲ ረዳኢ እንስእነሉ እዋን፡ የሆዋ እሙን ምዃኑ ንርኢ ኢና። ቭላዲሚር ዝስሙ ሓው፡ “ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፍክዎ ግዜ፡ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎኒ ርክብ ብሉጽ እዋን እዩ ነይሩ። በይነይ ብምንባረይን እቲ ዅነታት ካብ ቍጽጽረይ ወጻኢ ብምንባሩን፡ ኣብ የሆዋ ብዝያዳ ኽውከል ከም ዘሎኒ እየ ተማሂረ” ይብል።

ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንውከል ከለና፡ ከውሕና ኢና እንገብሮ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)


8. (ሀ) የሆዋ ጽኑዕ እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣምላኽ ከውሕና ምስ ዚኸውን ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧ (መዝሙር 62:6, 7)

8 የሆዋ ጽኑዕ እዩ። የሆዋ ኸም ዓብዪ ኸውሒ ጽኑዕን ዘይቀያየርን እዩ። ባህርያቱን ዕላማኡን ኣይለዋወጥን እዩ። (ሚል. 3:6) ኣብ ኤደን ዕልወት ምስ ኣጋጠመ፡ በዚ ዕላማኡ ኣይለወጠን። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ፡ “ንሱ ንርእሱ ኪኽሕድ ኣይክእልን እዩ።” (2 ጢሞ. 2:13) እዚ ማለት፡ ዘጋጠመ የጋጥም ወይ ካልኦት ዝገበሩ ይግበሩ ብዘየገድስ፡ ባህርያቱ፡ ዕላማኡ፡ ወይ መለክዒታቱ ኣይቅይርን እዩ። ስለዚ፡ እቲ ጽኑዕ ኣምላኽና ኣብ ጽንኩር እዋን ከም ዜድሕነናን ከም ዚረድኣናን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 62:6, 7 ኣንብብ።

9. ካብ ተመክሮ ታትያና እንታይ ትምሃር፧

9 ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ብምስትንታን፡ ኣብ ዕላማኡ ድማ ብምትኳር፡ ንየሆዋ ኸውሕና ንገብሮ ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብስምዒታዊ መዳይ ጽኑዓት ክንከውን ይሕግዘና እዩ። (መዝ. 16:8) ብምኽንያት እምነታ ኣብ ቤታ ተኣሲራ ዝነበረት ታትያና ዝስማ ሓብቲ ነዚ ኣብ ህይወታ ርእያቶ እያ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ቃል ብቓሉ በይነይ እየ ነይረ። . . . ኣብ መጀመርታ ኸቢድ እዩ ነይሩ። ብዙሕ ሳዕ እድቈስ ነይረ።” ይኹን እምበር፡ እቲ ፈተናኣ ምስ የሆዋን ምስ ዕላማኡን ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ምስ ረኣየት፡ ክትጻወርን ስምዒታዊ ብርታዐ ኽትረክብን ከኣለት። ከምዚ ድማ ትብል፦ “እዚ ስለምንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ኽርዳእ ምኽኣለይ፡ ምእንቲ የሆዋ ኢለ ኣብቲ ዅነታት እቲ ኸም ዝኣቶኹ ኽዝክር ሓጊዙኒ እዩ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ምሕሳብ ክሓድጎ ሓጊዙኒ እዩ።”

10. ከመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ኸውሕና እንገብሮ፧

10 ኣብ ዚመጽእ ግዜያት፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ዜድልየሉ ፈተናታት ኬጋጥመና እዩ። እምበኣር፡ ብተኣማንነት ንምጽዋር ዜድልየና ዘበለ ዅሉ ኸም ዚህበና ዘሎና እምንቶ ሕጂ ኸነደልድል ኣሎና። ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስን ተመክሮታት እቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ነንብብ። ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ኺድግፍ ከሎ ብኸመይ ከም ከውሒ ዝበለ ባህርያት ከም ዘርኣየ ነስተውዕል። ብዛዕባ እዚ ዛንታታት እዚ ብዕምቈት ንሕሰብ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንየሆዋ ኸውሕና ኽንገብሮ ኢና።

ነቲ ኸም ከውሒ ዝኣመሰለ ባህርያት የሆዋ ቕድሓዮ

11. ነቲ ኸም ከውሒ ዝኣመሰለ ባህርያት የሆዋ ኽንቀድሖ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧ (“ ንመንእሰያት ኣሕዋት ዚኸውን ሸቶ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

11 የሆዋ ብኸመይ ከም ከውሒ ኸም ዝዀነ ርኢና ኢና። ሕጂ ነቲ ኸም ከውሒ ዝኣመሰለ ባህርያት የሆዋ ብኸመይ ክንቀድሖ ኸም እንኽእል ንርአ። ብዝያዳ ኸምኡ ብዝገበርና መጠን፡ ንጉባኤና ንምህናጽ ብዝያዳ ኢና ኽእለት እነጥሪ። ንኣብነት፡ የሱስ ንስምኦን፡ ኬፋ (ትርጉሙ “ጴጥሮስ”) ዚብል ስም ኣምጽኣሉ፣ እዚ ድማ “ከውሒ” ማለት እዩ። (ዮሃ. 1:42) እዚ ስም እዚ፡ ኣብ ጉባኤ ጽኑዕን መጸናንዕን ከም ዚኸውን ዚሕብር እዩ ነይሩ። ሽማግለታት ጉባኤ፡ “ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ” ተባሂሎም ተገሊጾም ኣለዉ። እዚ ኸኣ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኸም ዜዕቍብዎም ይሕብር። (ኢሳ. 32:2) ልክዕ እዩ፡ ኵሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ኸም ከውሒ ዝኣመሰለ ባህርያት የሆዋ እንተ ቐዲሖም፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ትጥቀም እያ።—ኤፌ. 5:1

12. ንኻልኦት መዕቈቢ ኽንኰነሉ እንኽእል መገድታት ግለጽ።

12 መዕቈቢ ኹን። ሓድሓደ ግዜ፡ ንኣሕዋትና ኻብ ባህርያዊ ሓደጋታት፡ ካብ ናዕቢ፡ ወይ ካብ ውግእ ቃል ብቓሉ መዕቈቢ ኽንኰኖም ንኽእል ኢና። ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዘሎ ዅነታት እናኸፍአ ምስ ከደ፡ ንሓድሕድና እንደጋገፈሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኪፍጠር ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ብዘይካዚ፡ ንኣሕዋትና ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ መዕቈቢ ኽንኰኖም ንኽእል ኢና። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ እንገብረሉ መገዲ፡ ኣብ ኣኼባታትና ጽቡቕ ከም ዚስምዖም ብምግባር እዩ፣ በዚ ኸምዚ ኣብ ጉባኤና ጽቡቕ ሃዋህው ምእንቲ ኺሰፍን እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና። ሕሰምን ጽልእን ውጥረትን ኣብ ዝመልኣ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ስለዚ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናብ ኣኼባታት ኪመጹ ኸለዉ፡ ፍቕርን ዕረፍትን ቅሳነትን ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ንደሊ ኢና።

13. ከመይ ገይሮም እዮም ሽማግለታት መዕቈቢ ዝዀኑ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ሽማግለታት ነቶም ኣብ ጉባኤኦም ቃል ብቓሉ ወይ ብምሳልያዊ መገዲ ህቦብላ ዜጋጥሞም ዘሎ ሰባት መዕቈቢ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሓደጋታትን ህጹጽ ጕዳይ ሕክምናን ኬጋጥም ከሎ፡ ሽማግለታት ተበግሶ ብምውሳድ ግብራዊ ሓገዝ ይህቡ እዮም። መንፈሳዊ ሓገዝ እውን ይህቡ እዮም። ሓደ ሽማግለ ልኡምን ርሕሩሕን ካብ ልቢ ዚሰምዕን እንተ ዀይኑ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ንምቕራቡ ኣይከብዶምን እዩ። ከም ዚሓልየሎም ስለ ዚስምዖም፡ ንዚህቦም መጽሓፍ ቅዱሳዊ መምርሒ ምትግባር ቀሊል እዩ ዚዀነሎም።—1 ተሰ. 2:7, 8, 11

ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ቃል ብቓሉ ወይ ብምሳልያዊ መገዲ ህቦብላ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ሽማግለታት መዕቈቢ ይዀኑሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ) a


14. ከመይ ጌርና ኢና እሙናት ከም ዝዀንና ኸነርኢ እንኽእል፧

14 እሙን ኩን። ምናዳ ኣብ ኣጸጋሚ እዋን፡ ርጡባት ከም ዝዀንና ኸነርኢ ንደሊ ኢና። (ምሳ. 17:17) እሞ ደኣ ኻልኦት ምእንቲ ኺኣምኑና እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ ወትሩ ኣምላኻዊ ባህርያት ንምንጽብራቕ ክንጽዕር ኣሎና፣ ንኣብነት፡ ቃልና ንምሕላውን ሰዓትና ንምሕላውን ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና። (ማቴ. 5:37) ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ መዳይ ከኣ፡ ግብራዊ ሓገዝ ክንህብ ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ፡ ናይ ጉባኤ ዕዮና ብመሰረት እቲ እተዋህበና መምርሒ ኽንፍጽም ኣሎና።

15. ሽማግለታት እሙናት ምስ ዝዀኑ፡ ጉባኤ ብኸመይ ትጥቀም፧

15 እሙናት ሽማግለታት ንጉባኤኦም ይጠቕሙ እዮም። ብኸመይ፧ ኣስፋሕቲ ሓገዝ ኣብ ዚደልዩሉ እዋን ንሽማግለታቶም፡ ንበል ንሓላው ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺረኽብዎ ኸም ዚኽእሉ እንተ ተሰሚዕዎም፡ እዚ የቕስኖም እዩ። ሽማግለታት ንዓታቶም ንምሕጋዝ ድሌት ከም ዘለዎም እንተ ፈሊጦም ከኣ፡ ከም ዚሓልዩሎም ይስምዖም እዩ። ሽማግለታት ንምኽሮም ኣብ ርእይቶኦም ዘይኰነስ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብቲ ብእሙን ባርያ እተዳለወ ጽሑፋትን እንተ ሰሪቶምዎ ድማ፡ ክርስትያናት ብጾቶም ኪኣምንዎም ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ሓደ ሽማግለ ውልቃዊ ጕዳያት ብምስጢር ዚሕዝ እንተ ዀይኑ፡ ከምቲ ዝበሎ ንምግባር እውን ዚጽዕር እንተ ዀይኑ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ይኣምንዎ እዮም።

16. ጽኑዓት ክንከውን ከለና፡ ገዛእ ርእስናን ካልኦትን እንጠቅም ብኸመይ ኢና፧

16 ጽኑዕ ኩን። ቅኑዕ ዘበለ ንምድጋፍ ጽኑዓት እንተ ዄንና፡ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ውሳነታት ከኣ እንተ ጌርና፡ ኣብ ካልኦት ጽቡቕ ጽልዋ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። እምነትናን ልክዕ ፍልጠትናን እናዓበየ ምስ ከደ፡ ኣብ ሓቂ ብዝያዳ ጽኑዓት ኢና እንኸውን። ተወላወልቲ፡ ዘይጽኑዓት፡ ወይ ብናይ ሓሶት ትምህርትታትን ብዓለማዊ ሓሳባትን ብቐሊሉ እንድፋእ ኣይንኸውንን ኢና። (ኤፌ. 4:14፣ ያእ. 1:6-8) ክፉእ ወረ ኺመጸና ኸሎ፡ ኣብ የሆዋን ኣብቲ ዘተስፈወና ተስፋታትን ዘሎና እምነት ሚዛንና ኽንሕሉ የኽእለና እዩ። (መዝ. 112:7, 8) ነቶም ፈተናታት ዜጋጥሞም ዘሎ ኽንሕግዞም እውን ንኽእል ኢና።—1 ተሰ. 3:2, 3

17. ሽማግለታት ንኻልኦት ኬረጋግኡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

17 ሽማግለታት ውርዙያትን ለባማትን ሓለውቲ ስርዓትን ሚዛናውያንን ኪዀኑ ኣለዎም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ንኻልኦት ናይ ምርግጋእ ክእለት ኣለዎም፣ ‘ነቲ እሙን ቃል ኣጽኒዖም ብምሓዝ’ ከኣ ንጉባኤ የደልድሉ እዮም። (ቲቶ. 1:9፣ 1 ጢሞ. 3:1-3) ብኣብነቶምን ብጕስነቶምን ኣቢሎም፡ ንኣስፋሕቲ ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትን ስሩዓት ኪዀኑ ይሕግዝዎም እዮም። ኣሕዋትን ኣሓትን ዚርብሽ ኵነታት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ዕላማኡን ምእንቲ ኼተኵሩ ሽማግለታት ኬተባብዕዎም ይኽእሉ እዮም።

18. ንየሆዋ ኽንውድሶን ብዝያዳ ኽንቀርቦን እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧ (“ ናብ የሆዋ ብዝያዳ እንቐርበሉ መገዲ” ዘርእስታ እውን ሳጹን ርአ።)

18 ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋ ድሕሪ ምሕሳቡ፡ “የሆዋ፡ እቲ ኸውሐይ . . . ይወደስ” ኪብል ክኢሉ እዩ። (መዝ. 144:1) ኣብ የሆዋ ወትሩ ኽንውከል ንኽእል ኢና። ኣብ ምሉእ ህይወትና፡ ዋላ እውን ኣብ ግዜ እርጋንና፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኽንለምዕ ከም ዚሕግዘና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። እወ፡ “ንሱ ኸውሐይ እዩ” ንምባል ዜኽእል እኹል ምኽንያት ኣሎና።—መዝ. 92:14, 15

መዝሙር 150 ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፡ ንየሆዋ ድለይዎ

a መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሓንቲ ሓብቲ ኸይተሰከፈት ንሽማግለታት ትዛረቦም።