ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 23

መዝሙር 28 ፈታው የሆዋ ምዃን

ኣጋይሽ የሆዋ ንምዃን ዝቐረበልና ዓብዪ ዕድመ

ኣጋይሽ የሆዋ ንምዃን ዝቐረበልና ዓብዪ ዕድመ

“ድንኳነይ ምሳታቶም ኪኸውን እዩ፣ ኣነ ድማ ኣምላኾም ክኸውን እየ።”ህዝ. 37:27

ኣትኵሮ

ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ምሳልያዊ ድንኳኑ ኣጋይሽ ክንከውን ዘቕረበልና ዕድመን ብዛዕባ እቲ ኸም ኣጋይሹ ዜርእየና ሓልዮትን ዘሎና ርድኢት ንምዕዛዝ።

1-2. የሆዋ ንእሙናት ኣምለኽቱ እንታይ ዕድመ እዩ ኣቕሪቡሎም ዘሎ፧

 ‘የሆዋ እንታይካ እዩ፧’ ተባሂልካ እንተ ትሕተት፡ እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ ‘የሆዋ ኣቦይ፡ ኣምላኸይ፡ ፈታውየይ እዩ’ ኢልካ ትምልስ ትኸውን። ንየሆዋ ብኻልእ መዓርጋትን መጸውዒታትን እውን ክትገልጾ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግና፡ ከም ተቐባል ጋሻ ጌርካ ርኢኻዮዶ ትፈልጥ፧

2 ንጉስ ዳዊት ነቲ የሆዋ ምስ እሙናት ኣምለኽቱ ዘለዎ ዕርክነት፡ ምስቲ ሓደ ተቐባል ጋሻን ኣጋይሹን ዘለዎም ርክብ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። “ኦ የሆዋ፡ ኣብ ድንኳንካ ጋሻ ዚኸውን መን እዩ፧ ኣብ ቅዱስ ከረንካ ዚነብርከ መን እዩ፧” ኢሉ ሓቲቱ ኣሎ። (መዝ. 15:1) ካብዚ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓላት እዚ፡ ንየሆዋ ኣጋይሹ ወይ ፈተውቱ ኽንከውን ከም እንኽእል ንምሃር ኢና። እዝስ ካብ የሆዋ ዝቐረበልና ዓብዪ ዕድመ ደይኰነን፧

የሆዋ ኣጋይሹ ኽንከውን ይደልየና

3. እቲ የሆዋ ንፈለማ ግዜ እተቐበሎ ጋሻ መን እዩ፧ የሆዋን ጋሻኡንከ ብዛዕባ ሓድሕዶም እንታይ ስምዒት እዩ ነይርዎም፧

3 ቅድሚ ፍጥረት፡ የሆዋ በይኑ እዩ ነይሩ። ሓደ ግዜ ግና፡ ነቲ በዅሪ ወዱ ናብ ምሳልያዊ ድንኳኑ ተቐበሎ። በዚ ኸምዚ ተቐባል ጋሻ ምዃኑ ድማ፡ ብዙሕ እዩ ኣሐጒስዎ። ንወዱ ‘ኣዝዩ ይፈትዎ’ ምንባሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ጋሻኡ እውን ‘ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድሚኡ ይሕጐስ ነይሩ እዩ።’—ምሳ. 8:30

4. የሆዋ ድንኳኑ ዘስፍሐ ብኸመይ እዩ፧

4 ድሕሪኡ፡ የሆዋ ኻልኦት መንፈሳውያን ፍጡራት ፈጠረ፣ ንዓታቶም እውን ኣጋይሹ ኪዀኑ ዕድመ ኣቕረበሎም። እቶም መላእኽቱ፡ “ደቂ ኣምላኽ” ተባሂሎም ኣለዉ፣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሕጉሳት ከም ዝነበሩ ጌርካ እውን ተገሊጾም ኣለዉ። (እዮ. 38:7፣ ዳን. 7:10) ንእተወሰነ እዋን፡ ኣምላኽ ምስቶም ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ ፍጡራት ጥራይ እዩ ተዓራሪኹ ነይሩ። ጸኒሑ ግና፡ ድንኳኑ ብምስፋሕ፡ ኣብ ምድሪ ንዚነብሩ ሰባት ኣጋይሹ ኪዀኑ ኣጋጣሚ ኸፈተ። ገለ ኻብቶም ኣጋይሹ፡ እኒ ሄኖክ፡ ኖህ፡ ኣብርሃም፡ እዮብ ኪጥቀሱ ይከኣሉ። እቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ እቲኦም፡ ፈተውቲ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ ጌርካ ተገሊጾም ኣለዉ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኦም ኪገልጽ ከሎ፡ “ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ” ዚብል ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ።—ዘፍ. 5:24፣ 6:9፣ እዮ. 29:4፣ ኢሳ. 41:8

5. ካብቲ ኣብ ህዝቅኤል 37:26, 27 ዚርከብ ትንቢት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

5 ኣብ ኵሉ ዘመናት፡ የሆዋ ንፈተውቱ፡ ኣጋይሹ ኪዀኑ ዕድመ ኬቕርብ ጸኒሑ እዩ። (ህዝቅኤል 37:26, 27 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ንእሙናት ኣምለኽቱ ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ኪህልዎም ከም ዚደልዮም ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል ተገሊጹ ኣሎ። ምሳታቶም “ኪዳን ሰላም” ከም ዚኣቱ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ትንቢት እዚ፡ ናብቲ እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎምን እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎምን ኣብ ትሕቲ ምሳልያዊ ድንኳኑ “ሓደ መጓሰ” ዚዀኑሉ እዋን ዜመልክት እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 10:16) ሕጂ ኣብቲ ግዜ እቲ ኢና ዘለና!

ኣበይ ከም እንነብር ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ይሓልየልና እዩ

6. ሓደ ሰብ ኣብ ድንኳን የሆዋ ጋሻ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ድንኳኑኸ ኣበይ ኪርከብ ይከኣል፧

6 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ድንኳን መዕረፍን መዕቀልን እዩ ነይሩ። ሓደ ጋሻ ናብ ድንኳን ኪኣቱ ዕድመ እንተ ቐሪቡሉ፡ ጽቡቕ ክንክን ኪግበረሉ ትጽቢት ይገብር ነይሩ እዩ። ርእስና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና፡ ኣብ ምሳልያዊ ድንኳኑ ኣጋይሹ ኢና እንኸውን። (መዝ. 61:4) ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ንረክብ፡ ምስቶም ኣጋይሽ የሆዋ ዝዀኑ ኻልኦት እውን ንተዓራረኽ። እቲ ምሳልያዊ ድንኳኑ ኣብ ውሱን ቦታ እተሓጽረ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ኣብ ፍሉይ ኣኼባ ንምእካብ ናብ ካልእ ዓዲ ምስ ተጕዓዝካ፡ ኣብ ድንኳን ኣምላኽ ብምዃኖም እተባረኹ ሰባት ትረክብ ኢኻ። እቲ ድንኳኑ ኣብ ኵሉ እቲ እዙዛት ኣምለኽቱ ዚርከብዎ ቦታታት ተዘርጊሑ ኣሎ።—ራእ. 21:3

7. እቶም ሞይቶም ዘለዉ እሙናት ኣብ ድንኳን የሆዋ ኸም ዘለዉ ኣጋይሽ ጌርና ኽንርእዮም ንኽእል ኢና እንብል ስለምንታይ ኢና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

7 እቶም ሞይቶም ዘለዉ እሙናት ደኣኸ፧ ኣብ ድንኳን የሆዋ ኸም ዘለዉ ኣጋይሽ ጌርና ኽንርእዮም ንኽእልዶ፧ እወ! ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኽንብል እንኽእል፧ ምኽንያቱ፡ ንሳቶም ኣብ ተዘክሮ የሆዋ ህያዋን እዮም። የሱስ ነዚ ጕዳይ እዚ ኸምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ምዉታት ከም ዚትንስኡ ግና፡ ሙሴ እውን ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዚገልጽ ዛንታ፡ ንየሆዋ፡ ‘ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን’ ብምባሉ ኣርእዩ እዩ። ንዕኡ ዅላቶም ህያዋን እዮም እሞ፡ ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታትሲ ኣይኰነን።”—ሉቃ. 20:37, 38

ሞይቶም ንዘለዉ እሙናት እኳ ኣብ ድንኳን ኣምላኽ ከም ዘለዉ ኣጋይሽ ጌርና ኽንርእዮም ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)


ጥቕምታትን ሓላፍነታትን ኣሎና

8. ኣጋይሽ የሆዋ ኣብ ድንኳኑ ብምዃኖም ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙ፧

8 ከምቲ ቓል ብቓሉ ድንኳን መዕረፍን መዕቀልን ዚኸውን፡ ድንኳን የሆዋ እውን ንኣጋይሹ ኻብ መንፈሳዊ ጕድኣትን ተስፋ ኣልቦነትን የዕቍቦም እዩ። ናብ የሆዋ እንተ ለጊብና፡ ሰይጣን ነባሪ ጕድኣት ኬምጽኣልና ኣይክእልን እዩ። (መዝ. 31:23፣ 1 ዮሃ. 3:8) ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ የሆዋ ንእሙናት ኣዕሩኹ ኻብ መንፈሳዊ ጕድኣት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ሞት እውን ኬዕቍቦም እዩ።—ራእ. 21:4

9. የሆዋ ንኣጋይሹ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚደልዮም፧

9 ኣብ ድንኳን የሆዋ ጋሻ ምዃን፡ ማለት ምስ የሆዋ ብሕታውን ነባርን ርክብ ምምስራት ብሓቂ ዓብዪ ኽብሪ እዩ! እሞ ደኣ ወትሩ ኣጋይሹ ዄንና ምእንቲ ኽንነብር እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ናብ እንዳ ሰብ እንተ ትዕደም፡ እቲ ዓዳሚኻ ኻባኻ እንታይ ከም ዚጽበ ኽትፈልጥ ምደለኻ። ንኣብነት፡ ናብ ቤቱ ቕድሚ ምእታውካ ኣሳእንካ ኸተውጽእ ይደልየካ ይኸውን። ንስኻ ድማ ከምቲ ድሌቱ ምገበርካሉ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ኻብቶም ኣብ ድንኳኑ ብግሽነት ዚቕበሎም ሰባት እንታይ ከም ዚጽበ ኽንፈልጥ ንደሊ ኢና። ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ፡ ‘ብዅሉ ምእንቲ ኸነሐጕሶ’ ዚከኣለና ኽንገብር የለዓዕለና እዩ። (ቈሎ. 1:10) ንየሆዋ ኸም ፈታዊና ጌርና ንርእዮ እኳ እንተ ዀንና፡ ኣምላኽናን ኣቦናን እውን ከም ዝዀነ ኣይንርስዕን ኢና፣ ስለዚ፡ ከነኽብሮ ኣሎና። (መዝ. 25:14) ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ወትሩ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ከነሕድር ኣሎና፣ ንሱ መን ምዃኑ እውን ፈጺምና ኽንርስዕ የብልናን። ከምዚ ዝበለ ኣኽብሮት ንዕኡ ኻብ ዜጕህዮ ኣካይዳ ኽንሕሎ ይድርኸና። እወ፡ ምስ ኣምላኽና ‘ብትሕትና ኽንመላለስ’ ንደሊ ኢና።—ሚክ. 6:8

የሆዋ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ኣድልዎ ኣይገበረን

10-11. ካብቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ሲና ዝሓዘሉ መገዲ፡ ኣድልዎ ኸም ዘይብሉ ኸነስተውዕል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 የሆዋ ኣብ መንጎ ኣጋይሹ ኣድልዎ ኣይገብርን እዩ። (ሮሜ 2:11) ካብቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ሲና ዝሓዘሉ መገዲ፡ ኣድልዎ ዘይብሉ ምዃኑ ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና።

11 የሆዋ ንህዝቡ ኻብ ባርነት ግብጺ ሓራ ምስ ኣውጽኦም፡ ኣብቲ ማሕደር ዜገልግሉ ኻህናት ሸመሎም። ንሌዋውያን ከኣ ምስቲ ቕዱስ ድንኳን እተተሓሓዘ ኻልእ ዕዮታት ሃቦም። እሞ ደኣ እቶም ኣብቲ ማሕደር ዜገልግሉ ዘበሉ ወይ እቶም ኣብ ጥቓኡ ዚሰፍሩ ዘበሉ፡ ሓለፋ እቶም ካልኦት ካብ የሆዋ ኽንክን ይረኽቡ ነይሮም ድዮም፧ ኣይፋልን! የሆዋ ኣድልዎ ኣይገብርን እዩ።

12. የሆዋ ነቶም ሓድሽ ዝቘሙ ህዝቢ ብዘይ ኣድልዎ ሒዝዎም ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ዘጸኣት 40:38) (ስእሊ እውን ርአ።)

12 ኵሎም እቶም ኣብቲ ሰፈር ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ፍሉይ ሽመት ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዘየገድስ፡ ወይ ድማ ጥቓ እቲ ማሕደር ይስፈሩ ኣይስፈሩ ብዘየገድስ፡ ምስ የሆዋ ዕርክነት ንምምስራት ማዕረ ኣጋጣሚ እዩ ነይርዎም። ንኣብነት፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዝነበረ ተኣምራዊ ዓንዲ ደበናን ዓንዲ ሓውን ብዅሉ እቲ ህዝቢ ኸም ዚርአ ገይሩ እዩ ኣቚምዎ። (ዘጸኣት 40:38 ኣንብብ።) እቲ ደበና ናብ ሓድሽ ኣንፈት ኪንቀሳቐስ እንተ ጀሚሩ፡ እቶም ኣብ ጫፍ እቲ ሰፈር ዝሰፈሩ እኳ ነዚ ኺርእዩ እሞ ንብረቶም ጠርኒፎም፡ ድንኳናቶም ኣልዒሎም ምስቲ ህዝቢ ኺጕዓዙ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። (ዘሁ. 9:15-23) ኵላቶም ነቲ ኻብ ሰፈር ንምንቃል ምልክት ዚኸውን ፍሉይ ደሃይ መለኸት ብሩር ኪሰምዑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። (ዘሁ. 10:2) እምበኣር፡ እቶም ጥቓ እቲ ማሕደር ዚሰፍሩ ዘበሉ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ይቐርብዎ ነይሮም ማለት ኣይነበረን። የግዳስ፡ ኵሎም እቶም ኣባላት እቲ የሆዋ ዘቘሞ ህዝቢ ዝነበሩ ሰባት ኣጋይሹ ኪዀኑ፡ ካብ መምርሒኡን ካብ ዕቝባኡን እውን ኪጥቀሙ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብዛ ምድሪ ኣብ ዝነበርና ንንበር፡ ካብ ፍቕራዊ ሓልዮትን ዕቝባን የሆዋ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና።

እቲ ኣምላኽ ምስቲ ማሕደር ብዚተሓሓዝ ዝሰርዖ ስርዓት፡ ኣብኡ ኣድልዎ ኸም ዘየልቦ የርኢ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)


የሆዋ ኣብዚ ግዜና ኣድልዎ ኣይገብርን እዩ

13. ሎሚ የሆዋ ኸም ዘየዳሉ ዘርኣየሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

13 ሎሚ ገሊኦም ህዝቢ ኣምላኽ ጥቓ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ወይ ጥቓ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይነብሩ እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣብዚ ህንጻታት እዚ የገልግሉ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኣብቲ ቦታታት እቲ ኣብ ዚግበር ብዙሕ ንጥፈታት ኪሳተፉ፡ ምስቶም ነቲ ዕዮ ዚመርሑ እውን ኪቀራረቡ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ድማ ገየሽቲ ሓለውቲ ዀይኖም የገልግሉ፡ ወይ ኣብ ካልእ ዓይነት ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ይሳተፉ እዮም። ካብቶም እዚ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ዘይብሎም መብዛሕትኦም ሰባት እንተ ዄንካ፡ እቲ ብግሽነት እተቐበለና የሆዋ ንዅሎም ኣጋይሹ ኸም ዜፍቅሮም ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። ንዅላቶም ከኣ ብብሕቲ ይሓልየሎም እዩ። (1 ጴጥ. 5:7) ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ዜድልዮም ዘበለ መንፈሳዊ ምግብን መምርሕን ዕቝባን ይረኽቡ እዮም።

14. የሆዋ ኣብ መንጎ ኣጋይሹ ኣድልዎ ኸም ዘይገብር ዘርኣየሉ ኻልእ መገዲ እንታይ እዩ፧

14 የሆዋ ኣብ መንጎ ኣጋይሹ ኣድልዎ ኸም ዘይገብር ዘርእየሉ ኻልእ መገዲ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽብዎ ኸም ዚኽእሉ ብምግባር እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ፈለማ ብሰለስተ ቛንቋታት፡ ማለት ብእብራይስጥን ብኣራማይስጥን ብግሪኽኛን እዩ ተጻሒፉ። እሞ ደኣ እቶም ነቲ በዅሪ ቛንቋታት ኬንብቡ ዚኽእሉ ሰባት ካብቶም ነቲ ቛንቋታት ዘይክእልዎ ሰባት ንላዕሊ ምስ የሆዋ ዝጠበቐ ርክብ ኣለዎምዶ፧ የብሎምን።—ማቴ. 11:25

15. እንታይ ነገር እዩ ኣብ የሆዋ ኣድልዎ ኸም ዘየልቦ ዜርእየና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

15 ስምረት የሆዋ ምርካብ፡ ኣብ ደረጃ ዓለማዊ ትምህርትና ወይ ኣብ ናይ ቋንቋ ኽእለትና ዚምርኰስ ኣይኰነን። የሆዋ ንምሁራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዚርከቡ ልዑል ትምህርቲ ንእተማህሩ ዀነ ንዘይተማህሩ ሰባት እዩ ጥበቡ ዚህብ። እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኣሽሓት ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣሎ። ስለዚ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ካብ ትምህርትታቱ ኺጥቀሙ፡ ብኸመይ ፈተውቱ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ እውን ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም።—2 ጢሞ. 3:16, 17

ሎሚ፡ ኵሉ ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽቦ ዚኽእል ምዃኑ፡ ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)


ኣብ የሆዋ “ቕቡል” ኩን

16. ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፡ ከመይ ጌርና ኢና ኣብ የሆዋ ቕቡላት እንኸውን፧

16 የሆዋ ኣብ ምሳልያዊ ድንኳኑ ኸም ኣጋይሹ ገይሩ ዚቕበለና ምዃኑ፡ ዓብዪ ኽብሪ እዩ! ካብ ኵሎም ተቐበልቲ ኣጋይሽ፡ ብለውሃቱን ብፍቕሩን ብኣቀባብላኡን መወዳድርቲ የብሉን። ብተወሳኺ፡ ዓድና፡ ኣተዓባብያና፡ ትምህርትና፡ ሕብርና፡ ዓሌትና፡ ዕድመና፡ ወይ ጾታና ብዘየገድስ፡ ንዅላትና ሓንጐፋይ ኢሉ ዚቕበል ብምዃኑ ኣድልዎ ኣይገብርን እዩ። ይኹን እምበር፡ እቶም መለክዒታቱ ዜማልኡ ጥራይ እዮም ኣጋይሹ ዝዀኑ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35 ኣንብብ።

17. ብዛዕባ እቲ ኣብ ድንኳን የሆዋ ጋሻ ንምዃን ዜድሊ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣበይ ክንረክብ ንኽእል፧

17 ዳዊት ኣብ መዝሙር 15:1፡ “ኦ የሆዋ፡ ኣብ ድንኳንካ ጋሻ ዚኸውን መን እዩ፧ ኣብ ቅዱስ ከረንካ ዚነብርከ መን እዩ፧” ዚብል ሕቶታት ኣበጊሱ እዩ። እዚ ዘማሪ እዚ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ነዚ ሕቶታት እዚ ምላሽ ሂቡሉ እዩ። ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ ገለ ኻብቲ ኣብ የሆዋ ተቐባልነት ንምርካብ ዜድሊ ብቕዓታት ክንመያየጥ ኢና።

መዝሙር 32 ወግን ምስ የሆዋ!