ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 24

መዝሙር 24 ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ

ንዘለኣለም ጋሻ የሆዋ ኹን!

ንዘለኣለም ጋሻ የሆዋ ኹን!

“ኦ የሆዋ፡ ኣብ ድንኳንካ ጋሻ ዚኸውን መን እዩ፧”መዝ. 15:1

ኣትኵሮ

ፈተውቲ የሆዋ ዄንና ንምቕጻል እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና፡ የሆዋ ድማ ንፈተውቱ ብኸመይ ክንሕዞም ከም ዚጽበየና ንምምርማር።

1. ካብ መዝሙር 15:1-5 ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ ርእሶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ኣገልገልቲ ምስኡ ናይ ቀረባን ብሕታውን ርክብ ብምምስራት፡ ኣብ ምሳልያዊ ድንኳኑ ኣጋይሽ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ርኢና ኔርና። ግናኸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ነዚ ርክብ እዚ ብቑዓት እንኸውን፧ ኣብ መዝሙር 15 ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብዙሕ ሓበሬታ ኣሎ። (መዝሙር 15:1-5 ኣንብብ።) ኣብዛ መዝሙር እዚኣ፡ ንኣምላኽ ክንቀርቦ ዜኽእለና ግብራዊ ትምህርትታት ኣሎ።

2. ዳዊት ንድንኳን የሆዋ ኺጠቕሶ ኸሎ፡ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚሓስብ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፧

2 መዝሙር 15፡ “ኦ የሆዋ፡ ኣብ ድንኳንካ ጋሻ ዚኸውን መን እዩ፧ ኣብ ቅዱስ ከረንካ ዚነብርከ መን እዩ፧” ብዚብል ቃላት እያ እትጅምር። (መዝ. 15:1) ዳዊት እቲ ዘማሪ ንየሆዋ፡ “ድንኳንካ” ኺብሎ ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ ማሕደር ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። “ቅዱስ ከረንካ” ኺብሎ ኸሎ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ጽዮን ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ጽዮን፡ ማለት ኣብቲ ኻብ ጊብዖን ብደቡብ እተወሰነ ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ዚርከብ ቦታ ኸኣ፡ ታቦት ኪዳን ነባሪ መዕረፊ ኽሳዕ ዚስርሓሉ፡ ኣብቲ ዳዊት ዝተኸሎ ድንኳን ተነቢሩ ነበረ።—2 ሳሙ. 6:17

3. መዝሙር 15 እተገድሰና ስለምንታይ እያ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

3 ልክዕ እዩ፡ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ኣብቲ ማሕደር ኬገልግሉ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ፣ ናብቲ ታቦት ኪዳን እተነብረሉ ድንኳን እውን ኪኣትዉ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ኵሎም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ግና ምስኡ ዕርክነት ብምምስራትን ዕርክነቶም ዓቂቦም ብምምልላስን ኣብቲ ምሳልያዊ ድንኳን ኣጋይሽ ኪዀኑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እዚ ነገር እዚ፡ ኵላትና እንብህጎ እዩ። ኣብ መዝሙር 15፡ ፈተውቲ የሆዋ ንምዃንን ነዚ ዕርክነት ዓቂብና ንምምልላስን ዜድሊ ባህርያት ተጠቒሱ ኣሎ።

ብዘመን ዳዊት ዝነበሩ እስራኤላውያን ኣብ ድንኳን የሆዋ ኣጋይሽ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ብኣእምሮኦም ኪስእሉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)


ብዘይ ኣበር ተመላለስ፡ ቅኑዕ እውን ግበር

4. ኣምላኽ ክንጥመቕ ጥራይ ከም ዘይደልየና ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ኢሳይያስ 48:1)

4 ኣብ መዝሙር 15:2፡ ፈታው ኣምላኽ ዚኸውን ሰብ፡ “እቲ ብዘይ ኣበር ዚመላለስ፡ ቅኑዕ ዚገብር” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። እተን “ዚመላለስ፡” “ዚገብር” ዚብላ ቓላት፡ ቀጻሊ ተግባር የመልክታ። ግናኸ፡ ብሓቅዶ ‘ብዘይ ኣበር ክንመላለስ’ ንኽእል ኢና፧ እወ። ፍጹም ሰብ እንተ ዘየልቦ፡ የሆዋ ግና ንዕኡ እዙዛት ንምዃን ዚከኣለና እንተ ጌርና፡ ‘ብዘይ ኣበር ከም እተመላለስና’ ገይሩ እዩ ዚርእየና። ርእስና ንኣምላኽ ወፊና ኽንጥመቕ ከለና፡ ምስ ኣምላኽ ጕዕዞ ንጅምር ከም ዘለና ኪቝጸር ይከኣል እዩ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ እስራኤላዊ ብምዃኑ ጥራይ የሆዋ ኸም ጋሻኡ ይቕበሎ ማለት ኣይነበረን። ገሊኦም ንየሆዋ ይጽውዕዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ “ብሓቅን ብጽድቅን” ግና ኣይኰኑን ዚጽውዕዎ ዝነበሩ። (ኢሳይያስ 48:1 ኣንብብ።) ቅኑዓት እስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚሓትቶ ብቕዓታት ኪምሃሩን ነዚ ኺስዕብዎን ነበሮም። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ፡ ካብ ጥምቀትን ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኻብ ምሕባርን ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ወትሩ ‘ቕኑዕ ክንገብር’ ኣሎና። እዚ እንታይ የጠቓልል፧

5. ንየሆዋ ኣብ ኵሉ ንእዘዞ ኺብሃል ከሎ፡ እንታይ የጠቓልል፧

5 ብዓይኒ የሆዋ፡ “ብዘይ ኣበር ዚመላለስ” ከምኡ ድማ፡ “ቅኑዕ ዚገብር” ኪብሃል ከሎ፡ ናብ ቦታ ኣምልኾ እናኸድካ ኣብ ገሊኡ ንጥፈታት ብስሩዕ ካብ ምክፋል ንላዕሊ የጠቓልል እዩ። (1 ሳሙ. 15:22) ስለዚ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና፡ ዋላ እውን በይንና ኣብ እንዀነሉ እዋን፡ ንኣምላኽ እዙዛት ንምዃን ክንጽዕር ኣሎና። (ምሳ. 3:6፣ መክ. 12:13, 14) ንኣሽቱ ኣብ ዚመስል ነገራት እኳ ንየሆዋ እዙዛት ንምዃን ክንጽዕር ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ብሓቂ ኸም እነፍቅሮ ኢና እነርኢ። ንሱ እውን በዚ ምኽንያት እዚ ይፈትወና እዩ።—ዮሃ. 14:23፣ 1 ዮሃ. 5:3

6. ብመሰረት እብራውያን 6:10-12፡ ካብቲ ኣብ ሕሉፍ ብተኣማንነት ዝገበርናዮ ነገራት ንላዕሊ እንታይ እዩ ኣገዳስነት ዘለዎ፧

6 የሆዋ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ዝገበርናሉ ነገራት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ኣብ ሕሉፍ ብተኣማንነት ዝገበርናዮ ነገራት ጥራይ ግና ኣብ ድንኳን የሆዋ ጋሻኡ ዄንና ንምንባር ብቑዓት ኣይገብረናን እዩ። እዚ ኣብ እብራውያን 6:10-12 ንጹር ኰይኑ ኣሎ። (ኣንብብ።) የሆዋ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ዝገበርናዮ ሰናይ ተግባራት ኣይርስዖን እዩ። እንተዀነ ግና፡ “ክሳዕ መወዳእታ” ብምሉእ ነፍስና ኸነምልኾ ይደልየና እዩ። “እንተ ዘይተሓሊልና፡” ንዘለኣለም ፈታዊና ኪኸውን እዩ።—ገላ. 6:9

ብልብኻ ሓቂ ተዛረብ

7. ብልብና ሓቂ ንዛረብ ኪብሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

7 ኣብ ድንኳን የሆዋ ጋሻ ኪኸውን ዚደሊ ሰብ፡ “ብልቡ . . . ሓቂ ዚዛረብ” ኪኸውን ኣለዎ። (መዝ. 15:2) እዚ ድማ ዘይምሕሳው ጥራይ ማለት ኣይኰነን። የሆዋ ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር እዩ ዚደልየና። (እብ. 13:18) እዚ ኣገዳሲ እዩ፣ “የሆዋስ ንጠዋይ ይፍንፍኖ እዩ፣ ናይ ቀረባ ዕርክነቱ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።”—ምሳ. 3:32

8. ካብ ምንታይ ኣካይዳ ኢና ኽንሕሎ ዘሎና፧

8 እቶም ‘ብልቦም ሓቂ ዚዛረቡ፡’ ኣብ ቅድሚ ሰብ እዙዛት መሲሎም እናተራእዩ፡ ብሕቡእ ግና ሕግታት ኣምላኽ ዚጥሕሱ ኣይኰኑን። (ኢሳ. 29:13) ጠዋይ ተግባር ኣይገብሩን እዮም። ጠዋይ ሰብ ገሊኡ ሕግታት የሆዋ ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ይጠራጠር እዩ። (ያእ. 1:5-8) ኣብቲ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ዚመስሎ ነገራት፡ ትእዛዛት የሆዋ ይጥሕስ እዩ። ድሕሪኡ፡ እቲ ዘይተኣዛዝነቱ ሳዕቤናት ከም ዘየስዓበሉ ምስ መሰሎ፡ ተወሳኺ ሕግታት የሆዋ ንምጥሓስ ይደፍር፡ ኣምልኾኡ ድማ ናይ ግብዝና ይኸውን። (መክ. 8:11) ንሕና ግና ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኢና ኽንመላለስ እንደሊ።

9. ካብቲ የሱስ ምስ ናትናኤል ንፈለማ ግዜ እተራኸበሉ እዋን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

9 ቅኑዕ ልቢ ዘለዎ ኣገዳስነት፡ ካብቲ የሱስ ምስ ናትናኤል ንፈለማ ግዜ እተራኸበሉ እዋን ክንምሃር ንኽእል ኢና። ፊልጶስ ንናትናኤል ናብ የሱስ ምስ ኣምጽኦ፡ የሱስ ንናትናኤል ቅድሚኡ ረኺብዎ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ “እንሆ፡ ተንኰል ዚብሃል ዘይብሉ ብሓቂ እስራኤላዊ” በለ። (ዮሃ. 1:47) የሱስ መሸም ንኻልኦት ደቀ መዛሙርቱ እውን ቅኑዓት ከም ዝዀኑ ገይሩ እዩ ዚርእዮም ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ናትናኤል ሓለፍ ዝበለ ቕንዕና እዩ ርእዩ። ናትናኤል ከማና ዘይፍጹም እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣምሰሉ ኣይነበረን፡ ግብዝና ዚብሃል እውን ኣይነበሮን። የሱስ ነዚ ኣድኒቕዎ እዩ፣ ንናትናኤል እውን ንኢድዎ እዩ። ብዛዕባና ኸምኡ ኺብል ምስ ዚኽእል፡ እዚ ንዓና ዓብዪ ኽብሪ እዩ ዚኸውን!

ፊልጶስ ነቲ ተንኰል ዚብሃል ዘይብሉ እተባህለ ናትናኤል ናብ የሱስ ኣምጽኦ። ብዛዕባናኸ ኸምኡ ኺብሃል ይከኣልዶ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)


10. ንውህበት ዘረባና ብሕማቕ ከይንጥቀመሉ ኽንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ያእቆብ 1:26)

10 መብዛሕትኡ ኻብቲ ኣብ መዝሙር 15 ተዘርዚሩ ዘሎ ብቕዓታት፡ ምስቲ ንሰባት እንሕዘሉ መገዲ ይተኣሳሰር እዩ። መዝሙር 15:3 ኣብ ድንኳን የሆዋ ጋሻ ንዚኸውን ሰብ፡ “ብልሳኑ ዘይሓሚ፡ ንብጻዩ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፡ ንፈተውቱ ኸኣ ዘየጸልም” ብምባል ትገልጾ። ንልሳንና ብሕማቕ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ንሰባት ኣመና ኽንጐድእ፡ ካብ ድንኳን የሆዋ እውን ክንስጐጕ ንኽእል ኢና።—ያእቆብ 1:26 ኣንብብ።

11. ሕሜት እንታይ እዩ፧ ንዘይንስሑ ሓመይቲኸ እንታይ ስጕምቲ እዩ ዚውሰደሎም፧

11 እቲ ዘማሪ ንሕሜት ጠቒስዎ ኣሎ። እሞ ደኣ ሕሜት እንታይ እዩ፧ ንስም ሰብ ዜበላሹ ናይ ሓሶት ዘረባ እዩ። ዘይንስሑ ሓመይቲ ኻብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይውገዱ እዮም።—ኤር. 17:10

12-13. ኣብ ምንታይ ኵነታት ኢና ኸይተፈለጠና ንፈተውትና ኸነጸልም እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

12 ብተወሳኺ፡ ኣብ መዝሙር 15:3፡ ኣጋይሽ የሆዋ ንብጻዮም ገለ ኽፉእ ከም ዘይገብሩን ንፈተውቶም ከም ዘየጸልሙን መዘኻኸሪ ተዋሂቡና ኣሎ። እዚ እንታይ ኬጠቓልል ይኽእል፧

13 ብዛዕባ ሰብ ኣሉታዊ ወረ ብምንዛሕ ከይተፈለጠና ንሰብ ከነጸልም ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ (1) ሓንቲ ሓብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተቋርጽ፡ (2) ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ቤት-ኤል ምግልጋል የቋርጹ፡ ወይ (3) ሓደ ሓው ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ምግልጋል የቋርጽ ንበል። እሞ ደኣ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበሩ ምግማት፡ ርእይቶና እውን ምንዛሕሲ ግቡእ ድዩ፧ ከምኡ ዝዀነሉ ንሕና ዘይንፈልጦ ምኽንያታት ይህሉ ይኸውን። ብተወሳኺ፡ ኣብ ድንኳን የሆዋ ዘሎ ጋሻ፡ ‘ንብጻዩ ገለ ኽፉእ ኣይገብሮን እዩ፡ ንፈተውቱ ኸኣ ኣየጸልምን እዩ።’

ብዛዕባ ሰባት ናብ ሕሜት ገጹ ዚቀራረብ ኣሉታዊ ወረ ምንዛሕ ቀሊል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 12-13 ርአ)


ንየሆዋ ንዚፈርህዎ ኣኽብሮም

14. ጋሻ የሆዋ “ንዑቕ ዘበለ ዚንዕቕ” ብኸመይ ምዃኑ ግለጽ።

14 መዝሙር 15:4፡ ፈታዊ የሆዋ “ንዑቕ ዘበለ ዚንዕቕ” ምዃኑ ትገልጽ። ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀንና፡ መን ንዑቕ ከም ዝዀነ ንምፍራድ ብቕዓት የብልናን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ገሊኦም ሰባት ብባህርያቶም ይስሕቡና ይዀኑ፡ ገሊኦም ግና ቅጭ የምጽኡልና ይዀኑ። ስለዚ፡ ነቶም የሆዋ “ንዑቕ” ገይሩ ዝረኣዮም ጥራይ ኢና ኽንንዕቆም ዘሎና። (1 ቈረ. 5:11) ገለ ኻብቶም ንዑቓት፡ ብኽፉእ ዚመላለሱ እሞ ዘይንስሑ ሰባት፡ ንእምነትና ኣኽብሮት ዘይብሎም ሰባት፡ ወይ ንመንፈሳውነትና ኼዳኽሙ ዚፍትኑ ሰባት ኪጥቀሱ ይከኣሉ እዮም።—ምሳ. 13:20

15. “ንየሆዋ ንዚፈርህዎ” እነኽብረሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

15 በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ መዝሙር 15:4 “ንየሆዋ ንዚፈርህዎ” ኸነኽብሮም ትምሕጸነና እያ። ስለዚ፡ ንፈተውቲ የሆዋ ለውሃትን ኣኽብሮትን እነርእየሉ መገድታት ነናዲ ኢና። (ሮሜ 12:10) ብኸመይ፧ ሓደ መገዲ፡ ከምቲ ኣብ መዝሙር 15:4 ተጠቒሱ ዘሎ፡ ኣብ ድንኳን የሆዋ ዘሎ ጋሻ፡ “ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፡ ቃሉ ዘይልውጥ” ምዃኑ እዩ። ቃልና ምፍራስ፡ ንኻልኦት ኪጐድኦም ይኽእል እዩ። (ማቴ. 5:37) ንኣብነት፡ የሆዋ ንኣጋይሹ፡ ቃል ኪዳኖም ኪሕልዉ ይጽበዮም እዩ። በቲ ወለዲ ንደቆም ዝኣተውዎ ቓል ንምሕላው ዚገብርዎ ልባዊ ጻዕሪ እውን ይሕጐስ እዩ። ንኣምላኽናን ንሰባትን ዘሎና ፍቕሪ፡ ብእተኻእለና መጠን ቃልና ኽንሕሉ ይድርኸና እዩ።

16. ንፈተውቲ የሆዋ እነኽብረሉ ኻልእ መገዲ እንታይ እዩ፧

16 ንፈተውቲ ኣምላኽ እነኽብረሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ ተቐበልቲ ጋሻን ለጋሳትን ብምዃን እዩ። (ሮሜ 12:13) ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ምዝንጋዕ እነሕልፎ ግዜ፡ ምሳታቶምን ምስ የሆዋን ዘሎና ዕርክነት ንምድልዳል ይሕግዝ እዩ። ብዘይካዚ፡ ተቐበልቲ ጋሻ እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ኢና እንመስሎ።

ፍቕሪ ገንዘብ ኣይሃሉኻ

17. ጕዳይ ገንዘብ ኣብ መዝሙር 15 እተላዕለ ስለምንታይ እዩ፧

17 ብተወሳኺ፡ ጋሻ የሆዋ “ገንዘቡ ብወለድ ዘየለቅሕ፡ ኣንጻር ንጹህ ኪኸውን ኢሉ ኸኣ ጉቦ ዘይቅበል” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 15:5) ኣብዛ ሓጻር መዝሙር እዚኣ ገንዘብ ተላዒሉ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ዘይሚዛናዊ ኣረኣእያ እንተ ኣልዩና፡ እዚ ነገር እዚ ንሰባት ኪጐድእ፡ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት እውን ኬበላሹ ይኽእል እዩ። (1 ጢሞ. 6:10) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም ንድኻታት ኣሕዋቶም ብወለድ ልቓሕ ብምሃብ፡ ይብለጹሎም ነይሮም እዮም። ገሊኦም ፈራዶ ኸኣ ጉቦ ይቕበሉ፡ ንንጹሃት ግዳያት ከኣ ፍትሒ የጕድሉሎም ነይሮም እዮም። እዚ ተግባራት እዚ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍንፉን እዩ።—ህዝ. 22:12

18. ነቲ ብዛዕባ ገንዘብ ዘሎና ኣረኣእያ ንምግምጋም እንታይ ሕቶታት ኪሕግዘና ይኽእል፧ (እብራውያን 13:5)

18 ነቲ ብዛዕባ ገንዘብ ዘሎና ኣረኣእያ ኽንግምግሞ ኣሎና። እምበኣር፡ ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ “ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ገንዘብን ብገንዘብ ብዛዕባ ዚዕደግ ነገራትን ድየ ዝሓስብ፧ ገንዘብ እንተ ተለቂሐ፡ እቲ ኣለቃሒ ኣኺሉ ዚተርፍ ከም ዘለዎ ገይረ ብምሕሳብ ዕዳይ ንምኽፋል እድንጒ ድየ፧ ገንዘብ ካብ ካልኦት ዝሓሽኩ ዀይኑ ኸም ዚስምዓኒ ይገብር ድዩ፧ ለጋስ ምዃን የሸግረኒ ድዩ፧ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ገንዘብ ስለ ዘለዎም ጥራይ፡ ፍቕረ ንዋይ ከም ዘሕደሩ ገይረ እፈርዶም ድየ፧ ምስ ሃብታማት እናተዓራረኽኩ፡ ንድኻታት ዕሽሽ እብሎም ድየ፧” ኣጋይሽ የሆዋ ናይ ምዃን ዓብዪ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱልና ዘሎ። ናብራና ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ከም ዚኸውን ብምግባር፡ ነዚ ፍሉይ ክብሪ እዚ ኽንሕልዎ ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ኸቶ ኣይኪሓድገናን እዩ!—እብራውያን 13:5 ኣንብብ።

የሆዋ ንፈተውቱ የፍቅሮም

19. የሆዋ ነዚ ብቕዓታት ከነማልእ ዚደልየሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

19 መዝሙር 15፡ “ከምዚ ዚገብር ዘበለ ኸቶ ኣይናወጽን እዩ” ብዚብል ቃላት እያ እትዛዝም። (መዝ. 15:5) ኣብዚ እቲ ዘማሪ፡ የሆዋ ነዚ ብቕዓታት ከነማልእ ዚደልየሉ ቐንዲ ምኽንያት ገሊጹልና ኣሎ። የሆዋ፡ ሕጉሳት ክንከውን እዩ ዚደልየና። ስለዚ ድማ፡ በረኸቱን ዕቝባኡን ዜምጽኣልና መምርሒ ሂቡና ኣሎ።—ኢሳ. 48:17

20. ኣጋይሽ የሆዋ ኣብ መጻኢ እንታይ እዮም ዚጽበዩ፧

20 ኣጋይሽ የሆዋ ብሩህ መጻኢ ኣለዎም። እቶም እሙናት ቅቡኣት ናብቲ የሱስ ኣብ ሰማይ ዘዳለወሎም “ብዙሕ መንበሪ” ኺኣትዉ እዮም። (ዮሃ. 14:2) እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ከኣ፡ ነቲ ኣብ ራእይ 21:3 ዘሎ ተስፋታት ይጽበዩ ኣለዉ። እወ፡ በቲ የሆዋ ፈተውቱ ኽንከውን፡ ወይ ኣብ ድንኳኑ ንዘለኣለም ኣጋይሹ ኽንከውን ዘቕረበልና ዕድመ ዅላትና ዓብዪ ኽብሪ እዩ ዚስምዓና!

መዝሙር 39 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ይሃልወና