ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዚፍጸም ናይ ሓቂ ተስፋ

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዚፍጸም ናይ ሓቂ ተስፋ

 ብዛዕባ መጻኢ ትስፉው ኣረኣእያ ድዩ ዘሎካ፧ ሎሚ ብዙሕ ጸገማት እናሃለወና ኽነሱ፡ ብዙሓት ሰባት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺህልዎም ይጽዕሩ እዮም። ግናኸ፡ ኵነታት ኪመሓየሽ ብሓቂዶ ኽንጽበ ንኽእል ኢና፧ እወ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዅነታት ከም ዚመሓየሽ ናይ ሓቂ ተስፋ ይህበና እዩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተስፋ ይህብ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ንደቂ ሰብ ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት ከም ዜጋጥሞም ይገልጽ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ጸገማት እዚ ንሓዋሩ ምሳና ኸም ዘይነብር እውን የተስፉ እዩ። ሒደት ኣብነታት ንርአ።

  •   ጸገም፦ ስእነት ቤት

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ኣባይቲ ኺሃንጹን ኪነብሩለንን እዮም።”—ኢሳይያስ 65:21

     እዚ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ የመልክት፧ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ኣባይቲ ኺህልዎም እዩ።

  •   ጸገም፦ ስራሕ ኣልቦነትን ድኽነትን

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ሕሩያተይ ድማ ንግብሪ ኣእዳዎም ምሉእ ብምሉእ ኪሕጐሱሉ እዮም።”—ኢሳይያስ 65:22

     እዚ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ የመልክት፧ ኵሎም ደቂ ሰብ ዜዕግብን ባህ ዜብልን ዓስቢ ዘለዎን ዕዮ ኺረኽቡ እዮም።

  •   ጸገም፦ ዘይፍትሓውነት

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “መሳፍንቲ እውን ምእንቲ ፍትሒ ኺገዝኡ እዮም።”—ኢሳይያስ 32:1

     እዚ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ የመልክት፧ ምስ ዓሌታውነትን ማሕበራውነትን ቍጠባን እተተሓሓዘ ዘይፍትሓውነት ንሓዋሩ ኺውገድ እዩ። ኵሉ ሰብ ፍትሒ ኺረክብ እዩ።

  •   ጸገም፦ ጕድለት ኣመጋግባን ጥሜትን

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ።”—መዝሙር 72:16

     እዚ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ የመልክት፧ ኵሉ ሰብ ንጥዕናና ዚሰማማዕ እኹል ምግቢ ኺረክብ እዩ። ጠምዩ ዚሓድር ኰነ ብጕድለት ኣመጋግባ ዚሳቐ ሰብ ኣይኪህሉን እዩ።

  •   ጸገም፦ ገበንን ዓመጻን

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፣ ሓደ እኳ ኣይኬፍርሆምን እዩ።”—ሚክያስ 4:4

     እዚ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ የመልክት፧ እኩያት ስለ ዚጠፍኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቀሲኑ ብደሓን ኪነብር እዩ። “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ . . . እዮም።”—መዝሙር 37:10, 29

  •   ጸገም፦ ውግእ

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊም እውን ውግእ ኣይኪምሃሩን እዮም።”—ኢሳይያስ 2:4

     እዚ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ የመልክት፧ ኣብ መላእ ምድሪ ሰላም ኪሰፍን እዩ። (መዝሙር 72:7) ሰቡ ኣብ ውግእ ተቐቲልዎ ዚሓዝን ኰነ ብምኽንያት ውግእ መዕቘቢ ዚደሊ ሰብ ኣይኪህሉን እዩ።

  •   ጸገም፦ ሕማም

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ኣይኪብልን እዩ”—ኢሳይያስ 33:24

     እዚ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ የመልክት፧ ድሕሪ ደጊም ሰባት ብስንክልና ወይ ሓሚሞም ኣይኪሳቐዩን እዮም። (ኢሳይያስ 35:5, 6) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን” ብምባል እውን የተስፉ እዩ።—ራእይ 21:4

  •   ጸገም፦ ዕንወት ኣከባቢ

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪፍሳህ፡ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺሕጐስ፡ ከም ሳፍሮን ድማ ኪዕምብብ እዩ።”—ኢሳይያስ 35:1

     እዚ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ የመልክት፧ ከምቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ሓሊንዎ ዝነበረ፡ ምልእቲ ምድሪ ሰባት ዚነብሩላ ገነት ክትከውን እያ።—ዘፍጥረት 2:15፣ ኢሳይያስ 45:18

 እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ ኽትኣምኖ ዜጸግም ድዩ፧

 ክትኣምኖ ዜጸግም ኰይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ከም ዚብል ንምፍላጥ፡ ተወሳኺ ምርምር ክትገብር ነተባብዓካ። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ፡ ካብቲ ሰባት ዚህብዎ ተስፋ እተፈልየ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ፡ ኣምላኽ እዩ ኣተስፍይዎ። እዚ ዓብዪ ፍልልይ ከም ዜምጽእ ዜብርህ ነጥብታት እንሀ፦

  •   ኣምላኽ እሙን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ኪሕሱ ዘይክእል” ምዃኑ ይገልጽ። (ቲቶስ 1:2) ብተወሳኺ፡ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ብዛዕባ መጻኢ ኺነግረና ዚኽእል። (ኢሳይያስ 46:10) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ እተዛረቦ ወትሩ ኸም ዚፍጸም ዚገልጽ ኣዝዩ ብዙሕ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

  •   ኣምላኽ ጸገማትና ኺፈትሓልና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ባህ ዝበሎ ዅሉ” ኺገብር ከም ዚኽእል ይገልጽ እዩ። (መዝሙር 135:5, 6) ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከይፍጽም ኪዓግቶ ዚኽእል የለን። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ስለ ዜፍቅረና፡ ኪሕግዘና እዩ ዚደሊ።—ዮሃንስ 3:16

 ‘ኣምላኽ ኪሕግዘና ዚደሊ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኪሕግዘና ኸኣ ክእለት እንተ ኣልይዎ፡ እዚ ዅሉ ጸገማት እነሕልፍ ዘለና ደኣሞ ስለምንታይ ኢና፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

 እዚ ተስፋ እዚ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧

 ኣምላኽ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት በታ ሰማያዊት መንግስቱ ኣቢሉ እዩ ዚፍጽሞ። ንየሱስ ክርስቶስ ንጉስ እታ መንግስቲ ኪኸውን ሸይምዎ እዩ፣ ንምድርን ኣብኣ ንዘለዉ ሰባት ኪሓሊ ድማ ሓላፍነት ሂብዎ እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ንዝሓመሙ የሕዊ፡ ንዝጠመዩ ይምግብ፡ ንእተዛብዐ ዅነታት ኣየር ይቈጻጸር፡ ንዝሞቱ እውን ከይተረፈ የተንስእ ነይሩ እዩ። (ማርቆስ 4:39፣ 6:41-44፣ ሉቃስ 4:40፣ ዮሃንስ 11:43, 44) ስለዚ፡ ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን እንታይ ኪገብር ከም ዚኽእል ኣርእዩ እዩ።

 መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትጠቕመካ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

 እዚ ተስፋ እዚ መዓስ እዩ ዚፍጸም፧

 ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኺፍጸም እዩ። ከመይ ጌርና ርግጸኛታት ንኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኽትገዝእ እትጅምረሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ዚሕብር ምልክታት ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 21:10, 11) እዚ ትንቢት እዚ ኣብ ግዜና ኺፍጸም ንርእዮ ኣለና።

 ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ “መዓስ እያ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ እትገዝኣ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

 እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ ሎሚ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

 ሓደ ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህበና ተስፋ ምስ “መልህቕ ነፍሲ” ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (እብራውያን 6:19) ልክዕ ከምቲ መልህቕ ንሓንቲ መርከብ ኣብ እዋን ማዕበል ከይትናወጽ ዚሕግዛ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህበና ርግጽ ተስፋ እውን በዚ ሎሚ ዜጋጥመና ጸገማት ከይንናወጽ ይሕግዘና እዩ። ተስፋና ብስምዒታውን ብኣእምሮኣውን መዳይ ከይንናወጽ ትሕግዘና፡ ኣካላዊ ጥዕናና እውን ትሕልወልና እያ።—1 ተሰሎንቄ 5:8